-
ክሳዕ መኣዝ ኢዩ ህላወ እኩያት ክቕጽል፧ግምቢ ዘብዐኛ—2000 | 1 ለካቲት
-
-
9 ኣንባቆም ነተን ኣብ ኣንባቆም 1:6-11 ተመዝጊበን ዘለዋ ኣምላኽ ወሲኹ እተዛረበን ቃላት ጽን ኢሉ ይሰምዐን። እዚ ኣምላኽ ዝሰደዶ መልእኽቲ ኢዩ—ዝዀነ ይኹን ናይ ሓሶት ኣምላኽ ወይ ዝዀነ ይኹን ህይወት ኣልቦ ጣኦት ተፈጻምነቱ ንኸይረክብ ክዓግቶ ዝኽእል የልቦን—ትሕዝትኡ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ:- “እንሆ: ዘይናቶም መናበሪ ኺወርሱ: ኣብ ስፍሒ ምድሪ ዚኸዱ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተንስእ እየ። ንሳቶም ዜፍርሁን ዜሰምብዱን እዮም: ፍርዶምን ክብረቶምን ካባታቶም ይወጽእ። ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ: ካብ ቶዅላ ምሸት ይፈጥኑ: ፈረሰኛታቶም ይዝርግሑ: ፈረሰኛታቶም ካብ ርሑቕ ይመጹ: ከምቲ ናብ ምብላዕ ዚቕልጥፍ ንስሪ ይነፍሩ። ኵላቶም ኪዕምጹ ይመጹ: ትምኒት ገጾም ናብ ቅድሚኦም እዩ: ከም ሑጻ ዝምብዝሖም ይማርኹ። ንነገስታት የላግጽሎም: መሳፍንቲ ኸኣ መስሓቒ ይዀንዎ። ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቁ: መሬት ይእክብ: ይወስዶ ኸኣ። ሽዑ ኸም ንፋስ ይሐልፍ: ንኽንየው ይሐልፍ: በዳሊ ኸኣ ይኸውን: ሓይሉ ድማ ኣምላኹ እዩ።”
-
-
ክሳዕ መኣዝ ኢዩ ህላወ እኩያት ክቕጽል፧ግምቢ ዘብዐኛ—2000 | 1 ለካቲት
-
-
12. ባቢሎናውያን ከመይ ዝበለ ስምዒት ኢዩ ክህልዎም: እዚ ዘይድፈር ጸላኢ እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ‘በዳሊ ዝኸውን’፧
12 ሰራዊት ከለዳውያን ነቶም ንሕስያ ንዘይብሉ መጥቃዕቱ ደው ከብልዎ ዓቕሚ ዘይብሎም ነገስታትን መሳፍንትን የላግጸሎምን የካፍኦምን። እቲ ሰራዊት ‘ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቕ:’ ከመይሲ እቶም ባቢሎናውያን መጥቃዕቲ ዝፍንውሉ ‘መሬት ብምእካብ’ ሓመድ ክዅምሩ ኸለዉ ዝዀነት ትኹን ዕርዲ ፈሪሳ ማለት ኢዩ። ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ እዚ ዘይድፈር ጸላኢ እዚ “ኸም ንፋስ ይሐልፍ።” ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን መጥቃዕቲ ብምውራድ ንህዝቢ ኣምላኽ ይሃስዮም: “በዳሊ ኸኣ ይኸውን።” ኣብዚ ደምሳሲ ውግእ ዓወት ምስ ተረኽበ: እቲ ከለዳዊ ኣዛዝ ሰራዊት ‘እዚ ሓይሊ እዚ ሳላ ኣምላኽና ኢዩ’ ብምባል ይምካሕ። እዝስ ከመይ ዝበለ ድንቁርና ዀን ኢዩ!
-