“እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ”
“እታ ዓባይ መዓልቲ [“የሆዋ:” NW] . . . ቀሪባ: ቀሪባ እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ።”—ጸፎንያስ 1:14
1, 2. (ሀ) ክርስትያናት እንታይ ፍልይቲ መዓልቲ እዮም ዚጽበዩ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
ሓንቲ ብሓጐስ ፍንጭሕ ዝበለት ጓል ነታ መዓልቲ መርዓኣ ብሃንቀውታ እያ እትጽበያ። ሓንቲ ነፍሰ-ጾር ነታ እትወልደላ መዓልቲ ብሃንቀውታ እያ እትጽበያ። ሓደ ዝደኸመ ሰራሕተኛ ነቲ ንነዊሕ እተጸበዮ ዕረፍቱ ዚጅምረላ መዓልቲ ሓያል ባህጊ ኣለዎ። እዚኣቶም እንታይ ሓባራዊ ነገር ኣለዎም፧ ኵላቶም ንፍልይቲ መዓልቲ: ማለት ነታ ኣብ ህይወቶም ጦብላሕታ እትሓድግ መዓልቲ እዮም ዚጽበዩ። ዓሚቝ ግን ከኣ እተፈላለየ ስምዒታት እዩ ዘለዎም። እታ እተጸበይዋ መዓልቲ ውዒላ ሓዲራ ኽትመጽእ እያ፣ ምስ መጸት ከኣ: ድሉዋት ኰይኖም ኪጸንሑ እዩ ተስፋኦም።
2 ሎሚ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንሓንቲ ፍልይቲ መዓልቲ ኽትመጽእ ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበዩ። ንሳ “መዓልቲ [“የሆዋ:” NW]” እያ። (ኢሳይያስ 13:9፣ ዮኤል 2:1፣ 2 ጴጥሮስ 3:12) እዛ እትመጽእ “መዓልቲ የሆዋ” እንታይ እያ፧ ምምጻኣኸ ብኸመይ እዩ ንደቅሰብ ዚጸልዎም፧ ክትመጽእ ከላ ድሉዋት ኴንና ኸም እንጸንሕ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ሕጂ መልሲ ኽንረኽበለን ኣሎና። ከመይሲ: እዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ: “እታ ዓባይ መዓልቲ [“የሆዋ:” NW]: . . . ቀሪባ: ቀሪባ እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ” እትብል ጥቕሲ: ሓቂ ምዃና መርትዖታት ይሕብር እዩ።—ጸፎንያስ 1:14
“እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ”
3. “እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ” እንታይ እያ፧
3 “እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ” እንታይ እያ፧ ኣብ ብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት እታ “መዓልቲ የሆዋ” እትብል መግለጺ: ነቲ የሆዋ ኣብ ጸላእቱ ፍርዱ ዝፈጸመሉን ነቲ ዓብዪ ስሙ ዘኽበረሉን ፍሉይ እዋን እያ እተመልክት። እቶም ዘይእሙናት ህዝቢ ይሁዳን የሩሳሌምን ከምኡውን እቶም ጨቈንቲ ተቐማጦ ባቢሎንን ግብጽን ፍርድታት የሆዋ ኣባታቶም ኪፍጸም ከሎ ‘መዓልትታት የሆዋ’ ርእዮም እዮም። (ኢሳይያስ 2:1, 10-12፣ 13:1-6፣ ኤርምያስ 46:7-10) ይኹን እምበር: እታ ዝዓበየት “መዓልቲ የሆዋ” ገና ብሕጂ እያ እትመጽእ። ንሳ ድማ ኣብቶም ንስም የሆዋ ዜጸልሙ: ፍርዱ ዚፍጽመላ “መዓልቲ” እያ። እታ መዓልቲ እቲኣ ብጥፍኣት እታ “ዓባይ ባቢሎን” እትበሃል ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እትጅምር ኰይና: እቲ ዝተረፈ እኩይ ስርዓት ብውግእ ኣርማጌዶን ኣብ ዚጸንተሉ እዋን ከኣ ክትዛዘም እያ።—ራእይ 16:14, 16፣ 17:5, 15-17፣ 19:11-21
4. መብዛሕትኦም ደቅሰብ ነታ ብቕልጡፍ እትቐርብ ዘላ መዓልቲ የሆዋ ኺፈርህዋ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
4 መብዛሕትኦም ደቅሰብ የስተውዕልዎ ኣየስተውዕልዎ ብዘየገድስ: ነታ ብቕልጡፍ እትቐርብ ዘላ መዓልቲ ኺፈርህዋ ኣለዎም። ስለምንታይ፧ የሆዋ ብነብዪ ጸፎንያስ ኣቢሉ ኸምዚ ዚብል መልሲ ሂቡ ኣሎ:- “እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቝጥዓ: መዓልቲ ጸበባን መከራን: መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን: መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን: መዓልቲ ደበናን ግብ ዝበለ ጸልማትን እያ።” ብሓቂ እተፍርህ እያ! እቲ ነብዪ ኣስዕብ ኣቢሉ “እቶም ሰብ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደሉ: ከጽብበሎም እየ” በለ።—ጸፎንያስ 1:15, 17
5. ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብዛዕባ መዓልቲ የሆዋ እንታይ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧ ስለምንታይከ፧
5 ይኹን እምበር: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኻልኦት ሰባት: ነታ መዓልቲ የሆዋ ብሃንቀውታ ይጽበይዋ ኣለዉ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንዓታቶም መዓልቲ ድሕነት: ንጻድቃን ከኣ መዓልቲ ሓርነት ምዃና ይፈልጡ እዮም፣ ብዘይካዚ የሆዋ ንባዕሉ ኽብ ዚብለሉን እቲ ኽቡር ስሙ ዚቕደሰሉን መዓልቲ እያ። (ዮኤል 3:16, 17፣ ጸፎንያስ 3:12-17) ሰባት ነታ መዓልቲ እቲኣ ንኺፈርህዋ ወይ ብሃንቀውታ ንኺጽበይዋ: ብዓብዪኡ ሕጂ ንህይወቶም ዚጥቀሙሉ ዘለዉ መገዲ እዩ ዚውስኖ። ምቕራብ እታ መዓልቲ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧ ተዳሊኻ ዲኻ፧ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ ምህላዋ ሕጂ ንመዓልታዊ ህይወትካ ይጸልዎ ድዩ፧
‘ዜላግጹ መላገጽቲ ኺመጹ እዮም’
6. መብዛሕትኦም ሰባት ነታ “መዓልቲ የሆዋ” ብኸመይ እዮም ዚርእይዋ፧ ናይ ሓቂ ክርስትያናት በዚ ዘይግረሙኸ ስለምንታይ እዮም፧
6 ህጹጽ ኵነታት እናሃለወ ኽነሱ: መብዛሕትኦም ተቐማጦ ምድሪ ብዛዕባ ምቕራብ “መዓልቲ የሆዋ” ኣይግድሶምን እዩ። ነቶም ቀሪባ ኸም ዘላ ዜጠንቅቕዎም ሰባት የስተናዕቕዎምን የላግጹሎምን። ናይ ሓቂ ክርስትያናት በዚ ኣይግረሙን እዮም። ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዝመዝገቦ መጠንቀቕታ ይፈልጥዎ እዮም:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ: ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም ከኣ: ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ: ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዅሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ: ኪብሉ እዮም።”—2 ጴጥሮስ 3:3, 4
7. ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ንኽንዕቅብ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
7 ነዚ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ንኽንጻረርን ናይ ህጹጽነት ስምዒት ሒዝና ንኽንቅጽልን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ብሃዋርያትኩም ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝን ምእንቲ ኽትዝክሩ ኢለ ብኽልቲኣተን እናኣዘከርኩኹም ነቲ ግሩህ ሓሳብኩም ኤንቅሖ አሎኹ።” (2 ጴጥሮስ 3:1, 2) ነቲ ትንቢታዊ መጠንቀቕታታት ምዝካርና: ነቲ ንጹር ወይ ‘ግሩህ ሓሳብና የንቅሖ።’ ምናልባት ነዚ መዘኻኸሪታት እዚ ደጋጊምና ሰሚዕናዮ ንኸውን: ኰይኑ ግን ሎሚ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ነቲ መጠንቀቕታታት እቲ ኸነቕልበሉ ኣሎና።—ኢሳይያስ 34:1-4፣ ሉቃስ 21:34-36
8. ብዙሓት ንመዘኻኸሪታት መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ዚብሉ ስለምንታይ እዮም፧
8 ገሊኦም ነዚ መጠንቀቕታታት እዚ ዕሽሽ ዚብልዎ ስለምንታይ እዮም፧ ጴጥሮስ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ በለ:- “ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረ: ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና: ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ አለዉ። እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ: በቲ ማይ: ተሰጢማ ጠፍኤት።” (2 ጴጥሮስ 3:5, 6) እወ: መዓልቲ የሆዋ ኽትመጽእ ዘይደልዩ ሰባት ኣለዉ። ህይወቶም ኪዝረግ ኣይደልይዎን እዮም። በቲ ስስዐ ዝመልኦ ኣነባብራኦም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓተትቲ ኪዀኑ ኣይደልዩን እዮም። ከምቲ ጴጥሮስ ዝበሎ: “ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱ” እዮም።
9. ብዘመን ኖህን ብዘመን ሎጥን ዝነበሩ ሰባት እንታይ ኣረኣእያ እዮም ዘንጸባረቑ፧
9 እዞም መላገጽቲ እዚኣቶም: የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ጕዳያት ደቅሰብ ጣልቃ ኸም ዝኣተወ “ፈትዮም” ይርስዕዎ ኣለዉ። የሱስ ክርስቶስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ነዚ ፍጻመታት እዚ “ዘመን ኖህ” ከምኡውን “ዘመን ሎጥ” ኢሎም ጠቒሶምዎ ኣለዉ። (ሉቃስ 17:26-30፣ 2 ጴጥሮስ 2:5-9) ቅድሚ ማይ ኣይሂ: ሰባት ነቲ ኖህ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ኣየቕለቡሉን። ብተመሳሳሊ: ቅድሚ ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን: ሎጥ ነቶም ሰብኡት ኣዋልዱ ኺዛረቦም ከሎ: “ይዋዘ ኸም ዘሎ መሲሉ ተራእዮም።”—ዘፍጥረት 19:14
10. የሆዋ ነቶም ዘየቕልቡ እንታይ ስጕምቲ እዩ ኺወስደሎም፧
10 ሎሚ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: የሆዋ ነቶም ዘየቕልቡ እንታይ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ከምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ:- “ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡን ብልቦም: እግዚኣብሄርሲ ጽቡቕ ኣይገብር: ክፉእውን ኣይገብር: ዚብሉን ሰባት ክቐጽዖም እየ። ገንዘቦም ኪዝመት: ኣባይቶም ኪባድም እዩ። ኣባይቲ ኺሰርሑ ግናኸ ኣይኪነብርዎን: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ወይኑ ግና ኣይኪሰትዩን እዮም።” (ጸፎንያስ 1:12, 13) ሰባት ነቲ “ንቡር” መዓልታዊ ንጥፈታቶም ምግባር ይቕጽሉ ይዀኑ: ካብቲ ጻዕሮም ግን ነባሪ ጥቕሚ ኣይኪረኽቡሉን እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ መዓልቲ የሆዋ ብሃንደበት ክትመጽእ እያ: ዝዀነ ይኹን ዘጥረይዎ ስጋዊ ሃብቲ ኸኣ ኣይኬናግፎምን እዩ።—ጸፎንያስ 1:18
“ተጸበዮ”
11. እንታይ ማዕዳ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧
11 ንሕና ግን ከምታ ኣብ ከባቢና ዘላ እክይቲ ዓለም ዘይኰንናስ: ነቲ ነብዪ ኣንባቆም ዝመዝገቦ ማዕዳ ኽንዝክሮ ኣሎና:- “እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ: ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ: ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ: እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ።” (ኣንባቆም 2:3) እታ መዓልቲ በቲ ዘይፍጹም ኣረኣእያና ዝደንጐየት እኳ እንተ መሰለና: የሆዋ ደንጓዪ ዘይምዃኑ ግን ክንዝክር ኣሎና። መዓልቱ ልክዕ ኣብ ግዜኣ: ኣብታ ሰባት ዘይተጸበይዋ ሰዓት ክትመጽእ እያ።—ማርቆስ 13:33፣ 2 ጴጥሮስ 3:9, 10
12. የሱስ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዘጠንቀቐ፧ እዚ ኻብቲ እቶም እሙናት ሰዓብቲ የሱስ ዚገብርዎ ተግባራት ዚፍለኸ ብኸመይ እዩ፧
12 የሱስ ንመዓልቲ የሆዋ ምጽባይ ዘለዎ ኣገዳስነት ኬጕልሕ ከሎ: ገለ ኻብቶም ሰዓብቱ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ከም ዜጥፍኡ ኣጠንቀቐ። ብዛዕባኦም ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ: ጐይታይ ይድንጒ እዩ: እንተ በለ: ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር: ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን። ጐይታ እቲ ባርያ እቲ: ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈለጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ . . . እዩ።” (ማቴዎስ 24:48-51) ብኣንጻሩ ግን: እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ብተኣማንነት ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒቱ ዓቂቡ ይቕጽል እዩ። እዚ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ይነቅሕን ይዳሎን እዩ። የሱስ “ኣብ ኵሉ” እቲ ኣብዚ ኣብ ምድሪ ዚርከብ “ገንዘቡ” ሸይምዎ እዩ።—ማቴዎስ 24:42-47
ኣድላይነት ህጹጽነት
13. የሱስ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ከም ዜድሊ ብኸመይ እዩ ዘጕልሐ፧
13 እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ናይ ህጹጽነት ስምዒቶም ኪዕቅቡ ነበሮም። የሩሳሌም “ብሰራዊት ተኸቢባ” ምስ ረኣዩ: ብኡንብኡ ኻብኣ ንምህዳም ስጕምቲ ኺወስዱ ነበሮም። (ሉቃስ 21:20, 21) እዚ ብ66 ድ.ክ. ተፈጸመ። የሱስ ክርስትያናት ክሳዕ ክንደይ ብህጹጽ ስጕምቲ ኺውስዱ ኸም ዚግባእ ኬጕልሕ ከሎ እንታይ ከም ዝበለ እሞ ኣስተብህል:- “ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ።” (ማቴዎስ 24:17, 18) የሩሳሌም ድሕርዚ ንኣርባዕተ ዓመታት ከም ዝጸንሐት ታሪኽ ስለ ዚነግረና: ክርስትያናት ብ66 ድ.ክ. ንቓላት የሱስ ብህጹጽ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧
14, 15. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት: የሩሳሌም ብሰራዊት ክትክበብ ምስ ረኣዩ: ከይተደናጐዩ ስጕምቲ ኺወስዱ ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧
14 ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ክሳዕ 70 ድ.ክ. እኳ እንተ ዘየዕነውዋ: እተን ኣብ መንጎ ዝነበራ ዓመታት ካብ ሽግር ሓራ ኣይነበራን። አረ ብኣንጻሩ እየን ነይረን! እተን ዓመታት እቲኣተን ብዓመጻን ብምፍሳስ ደምን ዝመልኣ እየን ነይረን። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ዅነታት “ብዜስካሕክሕ ጭከና እተሰነየ ዜፍርህ ደማዊ ውግእ ሓድሕድ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። ነቲ ዕርዲ ንምድልዳል: ኣጽዋር ንምስካም: ከምኡውን ኣብ ውትህድርና ንምግልጋል መንእሰያት ይኽተቡ ነበሩ። መዓልታዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ይገብሩ ነበሩ። እቶም ነቲ ጥሩፍ ስጕምትታት ዘይድግፉ: ከም ከዳዓት ጌርካ ይረኣዩ ነበሩ። ክርስትያናት ኣብታ ኸተማ እንተ ዚጸንሑ: ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዅነታት ምኣተዉ ነይሮም።—ማቴዎስ 26:52፣ ማርቆስ 12:17
15 የሱስ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ጥራይ ዘይኰነስ: “ኣብ ይሁዳ” ዝነበሩ እውን ኪሃድሙ ኸም እተዛረበ ኸነስተብህለሉ ይግባእ። ሰራዊት ሮሜ ኻብ የሩሳሌም ካብ ዜንሳሕቡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ: ነቲ መስርሓት ውግኦም ከም ብሓድሽ ስለ ዝጀመርዎ: እዚ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ፈለማ: ብ67 ድ.ክ. ንገሊላ ኣምበርከኽዋ: ድሕሪኡ ኣብታ እትቕጽል ዓመት ንይሁዳ ብሜላ ወረርዋ። እዚ ኣብ ብምሉኡ ገጠራት ብዙሕ ጸበባ ኣምጸአ። ንዝዀነ ይኹን ኣይሁዳዊ ኻብ የሩሳሌም ንኼምልጥ እውን ኣጸጋሚ ገበሮ። መዓጹ እታ ኸተማ ይሕሎ ነበረ: ዝዀነ ይኹን ኬምልጥ ዚፍትን እውን ናብ ሮማውያን ከዲዑ ኸም ዚኸይድ ይሕሰብ ነበረ።
16. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብቲ እዋን ጸበባ ንምድሓን እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም የድሊ ነበረ፧
16 ነዚ ዅሉ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው: የሱስ ንህጹጽነት እቲ ዅነታት ስለምንታይ ከም ዘጕልሐ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ክርስትያናት ብስጋዊ ጥሪት ከየስገሉ: መስዋእትታት ንምግባር ድሉዋት ኪዀኑ ነበሮም። ነቲ የሱስ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ንምሕላው: ‘ዘለዎም ዘበለ ዅሉ ኪቐብጹ’ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ነበሮም። (ሉቃስ 14:33) እቶም ብቕልጡፍ እተኣዘዙን ካብታ ኸተማ ናብ ስግር ዮርዳኖስ ዝሃደሙን ድሒኖም እዮም።
ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ምዕቃብ
17. ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ኸነደልድል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
17 ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መወዳእታ ግዜ ንነብር ከም ዘለና ብንጹር ይሕብር እዩ። ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ኸነደልድል ኣሎና። ወተሃደር ኣብ እዋን ሰላም ከምቲ ኣብ ኲናት ዜጋጥም ውጥረትን ሓደጋን ኣይስምዖን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ተበጊሱ ግን ጥንቃቐ ምግባር ህጹጽ ኰይኑ እንተ ዘይተሰሚዕዎ እሞ ብሃንደበት ናብ ውግእ እንተ ተጸዊዑ: ከይተዳለወ ኺጸንሕ ይኽእል እዩ: እዚ ድማ ሓደገኛ ሳዕቤን ኣለዎ። ኣብ መንፈሳዊ መዳይ እውን እዚ ይዓዪ እዩ። ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ኸም ዚሃስስ እንተ ጌርና: ነቲ ዚመጸና መጥቃዕታት ከይተዳለና ኽንጸንሕ ንኽእል: ኣብ መወዳእታ መዓልቲ የሆዋ ኽትመጽእ ከላ ኸኣ ድንገት ትዀነና። (ሉቃስ 21:36፣ 1 ተሰሎንቄ 5:4) ‘ካብ የሆዋ ዝረሓቑ’ እንተ ኣልዮም: ሕጂ ኸም ብሓድሽ ኪደልይዎ ኣለዎም።—ጸፎንያስ 1:3-6፣ 2 ተሰሎንቄ 1:8, 9
18, 19. “ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ” ንኸነቐልጥፎ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
18 ሃዋርያ ጴጥሮስ “ነታ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ” ከነቐልጥፋ ምምዓዱ ዜገርም ኣይኰነን! ከመይ ጌርና ኸምዚ ኽንገብር ንኽእል፧ ሓደ መገዲ “ብቕዱስ ንብረትን [“ሕይወትን:” ትርጕም 1990] ብፍርሃት እግዚኣብሄርን” ብምምልላስ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:11, 12) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ትሑዝ ምዃን: ንምምጻእ “መዓልቲ የሆዋ” ብሃንቀውታ ንኽንጽበያ ይሕግዘና። “እናኣቐልጠፍኩም” ኪበሃል ከሎ: ነቲ መዓልቲ የሆዋ ኽሳዕ እትመጽእ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ኸነቐልጥፎ ንኽእል ማለት ኣይኰነን። የግዳስ: ነታ መዓልቲ እቲኣ ኽንጽበያ ኸለና: ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዕዙዛት እንተ ዄንና: ግዜ ቐልጢፉ ዚሓልፍ እዩ ዚመስለና።—1 ቈረንቶስ 15:58
19 ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ምስትንታንን ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዚርከብ መዘኻኸሪታት ምሕሳብን እውን ነታ መዓልቲ ‘ኽንጽበያን ከነቐልጥፋን’ የኽእለና እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:12) ኣብዚ መዘኻኸሪታት እዚ እቲ ብዛዕባ ምምጻእ መዓልቲ የሆዋ ዚገልጽ ሓያሎ ትንቢታት ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ነቶም ‘ንመዓልቲ የሆዋ ዚጽበዩ’ ዚወሃቦም ኣኺሉ ዚተርፍ በረኸት እውን ይጠቓለል እዩ።—ጸፎንያስ 3:8
20. እንታይ ለበዋ ኢና ኣብ ልብና ኸነሕድር ዚግባእ፧
20 ሕጂ ዅላትና ነቲ ብነብዪ ጸፎንያስ ኣቢሉ እተዋህበ ለበዋ ኣብ ልብና እነሕድረሉ እዋን እዩ:- “እቲ ርሱን ቍጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደኩም: እታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደትኩም: . . . ኣቱም ፍርዱ እትገብሩ ትሑታት ምድሪ ዅላትኩም: ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ: ጽድቂ ድለዩ: ትሕትና ድለዩ።”—ጸፎንያስ 2:2, 3
21. ህዝቢ ኣምላኽ ን2007 ዝገበርዎ ቘራጽነት እንታይ እዩ፧
21 እምበኣር: እታ ን2007 እተመርጸት “እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ” (NW) እትብል ጥቕሲ ዓመት ብሓቂ እትግባእ እያ። ህዝቢ ኣምላኽ “ቀሪባ እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ” ዚብል እምነት ኣለዎም። (ጸፎንያስ 1:14) ‘ኣይክትድንጕን እያ።’ (ኣንባቆም 2:3) ስለዚ: ነታ መዓልቲ እቲኣ ኽንጽበ ኸለና: ናይ መወዳእታ ፍጻመ እዚ ትንቢታት እዚ ኣዝዩ ኸም ዝቐረበ ብምስትውዓል: ብዛዕባ እቲ እንነብረሉ ዘለና ግዜ ብዝያዳ ትኩራት ንኹን!
ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧
• “እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ” እንታይ እያ፧
• ብዙሓት ህጹጽነት ኬርእዩሉ ንዚግባእ ኵነታት ዕሽሽ ዚብሉ ስለምንታይ እዮም፧
• ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብህጹጽ ስጕምቲ ኺወስዱ ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧
• ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ብኸመይ ከነደልድሎ ንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
ጥቕሲ ዓመት 2007:- “እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ።” —ጸፎንያስ 1:14 NW
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
መላገጽቲ ኸምቲ ብዘመን ኖህ ዘጋጠሞም: ብሕጂ እውን የሆዋ ስጕምቲ ኺወስድ ከሎ ሃንደበታዊ ኪዀኖም እዩ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናት: የሩሳሌም “ብሰራዊት ተኸቢባ” ምስ ረኣዩ: ከይተደናጐዩ ስጕምቲ ኺወስዱ ነበሮም