‘ኣብ ስም የሆዋ ተማዕቈቡ’
“ትሑትን ድኻን ህዝቢ ኽሐድግ እየ፡ ንሳቶም እውን ኣብ ስም የሆዋ ኺምዕቈቡ እዮም።”—ጸፎ. 3:12፡ NW።
1, 2. ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸመይ ዝኣመሰለ ምሳልያዊ ህቦብላ እዩ ንደቂ ሰብ ኬጋጥሞም፧
ካብ መሾምቦባ ወይ ሃጽፊ ኣዕቂልካዶ ትፈልጥ፧ ዝናም እተሓወሶ ብርቱዕ ህቦብላ እንተ መጺኡ ግን፡ እቲ ኻብ መሾምቦባ ዘዕቀልካሉ መዕቀሊ እኹል ዕቝባ ኣይኰነካን እዩ።
2 ኣብዚ ግዜና ግን እተፈልየ ዓይነት ህቦብላ ይመጽእ ኣሎ፣ እቲ ህቦብላ እቲ፡ ንህልውና ወዲ ሰብ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ እዩ። “መዓልቲ ምዕናው” ተባሂላ ኣብ እተጸውዐት መዓልቲ ኸኣ እዩ ኺመጽእ። እታ “ዓባይ መዓልቲ የሆዋ” (NW) ንዅሎም ደቂ ሰብ ክትጸልዎም እያ። ንሕና ግን ዕቝባ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። (ጸፎንያስ 1:14-18 ኣንብብ።) ካብታ ድሕሪ ሓጺር ግዜ እትጅምር “መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ” (NW) ብኸመይ ከነዕቍብ ንኽእል፧
ብዘመን መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበራ መዓልትታት ህቦብላ
3. ኣብ ልዕሊ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል እንታይ “ህቦብላ” እዩ ወሪዱ፧
3 መዓልቲ የሆዋ ብጥፍኣት ኵለን እተን ኣብ ምድሪ ዘለዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት እያ እትጅምር። ብኸመይ ዕቝባ ኸም እንረክብ ንምፍላጥ፡ ታሪኽ ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ ክንርኢ ንኽእል ኢና። እቲ ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት ከሓዲት መንግስቲ እስራኤል ዚወርድ ፍርዲ የሆዋ፡ ሰባት ኪዓግትዎ ምስ ዘይክእሉ “ሃጽፊ” ወይ “ህቦብላ” ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ኢሳይያስ 28:1, 2 ኣንብብ።) እቲ ትንቢት እቲ፡ ብ740 ቅ.ክ. ኣሶር ነቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብኤፍሬም ዚጽውዑ ዓሰርተ ነገዳት ምስ ወረረቶም ተፈጸመ።
4. ብ607 ቅ.ክ.፡ “መዓልቲ የሆዋ” ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዝመጸት ብኸመይ እያ፧
4 ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን ዝወረደ ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን መንግስቲ ይሁዳን እውን ብ607 ቅ.ክ. “ዓባይ መዓልቲ የሆዋ” መጺኣ እያ። እታ መዓልቲ እቲኣ ዝመጸት፡ ህዝቢ ይሁዳ ኸሓድቲ ስለ ዝዀኑ እዩ። ብነቡካድነጻር ዚምርሑ ባቢሎናውያን፡ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኣብ ልዕሊ እታ ርእሲ ኸተማኣ ዝነበረት የሩሳሌምን መጥቃዕቲ ኺፍንዉ ተበገሱ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰብ ይሁዳ ኣብ “ጸግዒ ሓሶት፡” ማለት ኣብቲ ምስ ግብጺ ዝገበርዎ ፖለቲካዊ ኺዳን ተዓቝቡ። ኰይኑ ግን፡ ባቢሎናውያን ልክዕ ከም ሓደ በረድ እተሓወሶ ኣዕናዊ ህቦብላ ብምዃን፡ ነቲ “ጸግዒ” እቲ ኣፍረስዎ።—ኢሳ. 28:14, 17።
5. ኵለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ኣብ ዚጠፍኣሉ እዋን፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብደረጃ ጕጅለ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧
5 እታ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዝመጸት ዓባይ መዓልቲ የሆዋ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብዚ ግዜና ዘላ ኸሓዲት ህዝበ-ክርስትያን ዚወርድ ፍርዲ እተርኢ እያ ነይራ። እቲ ዝተረፈ ኽፋል እታ ንናይ ዓለም ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እተመልክት “ዓባይ ባቢሎን” እውን፡ ካብ ጥፍኣት ኣይኬምልጥን እዩ። ድሕሪኡ፡ እቲ ኻብ ጥፍኣት ዝተረፈ ኽፋል እዚ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ኪድምሰስ እዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ብደረጃ ጕጅለ ግን፡ ኣብ የሆዋ ስለ እተማዕቈቡ፡ ኪድሕኑ እዮም።—ራእ. 7:14፣ 18:2, 8፣ 19:19-21።
መንፈሳውን ኣካላውን ዕቝባ
6. ህዝቢ የሆዋ ብኸመይ እዮም ዕቝባ ኺረኽቡ ዚኽእሉ፧
6 ህዝቢ ኣምላኽ ሕጂ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ እውን ከይተረፈ ብኸመይ ዕቝባ ኺረኽቡ ይኽእሉ፧ ‘ንስም ኣምላኽ’ ብኣኽብሮታዊ ፍርሃት ‘ብምሕሳብን’ ብቕንኣት ብምግልጋልን፡ መንፈሳዊ ዕቝባ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። (ሚልክያስ 3:16-18 ኣንብብ።) ኰይኑ ግን፡ ንስሙ ኻብ ምሕሳብ ንላዕሊ ኽንገብር ይግብኣና እዩ። ምስዚ ኣብ ዚተኣሳሰር ጕዳይ፡ “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ” ዚብል ነንብብ ኢና። (ሮሜ 10:13) ኣብ መንጎ ስም የሆዋ ምጽዋዕን ኣብ መንጎ ብእኡ ምድሓንን ምትእስሳር ኣሎ። ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ‘ንስሙ ዚሓስቡን’ መሰኻኽሩ ዀይኖም ዜገልግሉን ናይ ሓቂ ክርስትያናትን ኣብ መንጎ እቶም ንዕኡ ዘየገልግልዎ ደቂ ሰብን ዘሎ ፍልልይ ኪርእዩ ይኽእሉ እዮም።
7, 8. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣካላዊ ድሕነት ዝረኸቡ ብኸመይ እዮም፧ ኣብዚ ግዜናኸ እንታይ ምስዚ ዚመሳሰል ነገር ኪፍጸም እዩ፧
7 እቲ እንረኽቦ ምድሓን ግን፡ ኣብ መንፈሳዊ ዕቝባ ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ህዝቢ ኣምላኽ ኣካላዊ ድሕነት ከም ዚረኽቡ እውን መብጽዓ ተገይሩሎም እዩ። እቲ ብ66 ድ.ክ. ብሰስትየስ ጋለስ ዚምራሕ ሰራዊት ሮሜ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዉ ዘጋጠመ ነገራት፡ ነዚ ዚሕብር እዩ። የሱስ እተን መዓልትታት መከራ ኸም ‘ዚሓጽራ’ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:15, 16, 21, 22) ሓይልታት ሮሜ ብሃንደበት ካብ ከበባ እታ ኸተማ ምስ ኣንሰሓቡ፡ እቲ ትንቢት ተፈጺሙ እዩ። እዚ ኸኣ ገሊኡ ‘ስጋ ንኺድሕን፡’ ማለት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኺድሕኑ ኣጋጣሚ ኸፊቱ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንሳቶም ካብታ ኸተማን ካብ ከባቢኣን ኪሃድሙ ኽኢሎም እዮም። ገሊኦም ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም፡ ኣብቲ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እቲ ፈለግ ዚርከብ ኣኽራን ዕቝባ ረኺቦም እዮም።
8 ነቶም ክርስትያናት እቲኣቶም ምስዞም ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ዜመሳስሎም ነጥብታት ክንርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ዕቝባ ደልዮም ነይሮም እዮም፣ ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ከምኡ ይገብሩ እዮም። ሕጂ ግን ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ብዘላ ምድሪ ስለ ዚርከቡ፡ ቃል ብቓሉ ናብ ሓደ ቦታ ኺሃድሙ ኣየድልዮምን እዩ። ይኹን እምበር፡ “እቶም ሕሩያት” ኰኑ እቶም እሙናት ብጾቶም ብደረጃ ህዝቢ ኣብ የሆዋን ኣብቲ ኸም ከረን ዝኣመሰለ ውድቡን ብምምዕቋብ፡ ካብ ጥፍኣት እታ ኸሓዲት ዝዀነት ህዝበ-ክርስትያን ብኣካላዊ መዳይ ኪድሕኑ እዮም።
9. ስም የሆዋ ኸም ዚርሳዕ ኪገብሩ ዚጽዕሩ ዘለዉ መን እዮም፧ ኣብነት ሃብ።
9 በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ህዝበ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ምእመናና ዘሎ መንፈሳዊ ድንቍርና ኣበርክቶ ስለ ዝገበረትን ንስም ኣምላኽ ቅሉዕ ጽልኢ ስለ ዘለዋን፡ ካብቲ ዚመጽእ ጥፍኣት ከተምልጥ ኣይግብኣን እዩ። ኣብ ማእከላይ ዘመን፡ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብ ኤውሮጳ ኣጸቢቑ ይፍለጥ ነይሩ እዩ። እቲ በተን ቴትራግራማተን ተባሂለን ዚጽውዓ ኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ ዚጸሓፍን ብልምዲ ኸኣ የሀወሀ ብዚብላ ፊደላት ዚውከልን ስም፡ ኣብ ሰልዲ፡ ኣብ ኣባይቲ፡ ኣብ ሓያሎ መጻሕፍትን መጽሓፍ ቅዱሳትን፡ ዋላ እውን ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ይርከብ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ንስም ኣምላኽ ካብ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምውጋድን ኣብ ካልእ መዳያት ኣብ ጥቕሚ ኸም ዘይውዕል ናይ ምግባርን ዝንባለ ይርአ ኣሎ። ጉባኤ መለኮታዊ ኣምልኾን ስነ-ስርዓት ሃይማኖታዊ ጽምብላትን ብዛዕባ ‘ስም ኣምላኽ’ ኣመልኪቱ፡ ኣብቲ ብ29 ሰነ 2008 ናብ ኣኼባ ጳጳሳት ኣብ ዝለኣኻ ደብዳበ ዝገለጾ ሓሳባት፡ ሓደ ኻብቲ ነዚ ዝንባለ እዚ ዚሕብር እዩ። ኣብታ ደብዳበ፡ እተን ቴትራግራማተን ዚበሃላ ፊደላትን እተፈላለየ ኣጸዋውዓአንን በታ “ጐይታ” እትብል ቃል ኪትካኣ፡ ካብ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን መምርሒ ተዋሂቡ ኣሎ። ቫቲካን፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ቕዳሰን ማህለትን ጸሎትን ካቶሊክ፡ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኪድመጽ ከም ዘይብሉ፡ መምርሒ ሂባ ኣላ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ህዝበ-ክርስትያን ዚርከቡ መራሕቲ ኻልኦት ሃይማኖታት እውን፡ መንነት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰዓብቶም ሓቢኦምዎ እዮም።
እቶም ንስም ኣምላኽ ዚቕድሱ ዚረኽብዎ ዕቝባ
10. ሎሚ ስም ኣምላኽ ብኸመይ ይኽበር ኣሎ፧
10 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ኣዝዩ ብእተፈልየ መገዲ፡ ንመለኮታዊ ስም የኽብርዎ እዮም። ብኣኽብሮት ብምጥቃም፡ ይቕድስዎ እዮም። የሆዋ በቶም ኣብኡ ዚውከሉ ይሕጐስ እዩ፣ ንህዝቡ ንምብራኽን ንምዕቋብን እውን ኣድላዪ ዘበለ ዅሉ ይኸውን እዩ። “ነቶም ኣብኡ እተማዕቈቡ ድማ ይፈልጦም እዩ።”—ናሆ. 1:7፣ ግብ. 15:14።
11, 12. ኣብ ጥንታዊት ይሁዳ፡ ንስም የሆዋ ልዕል ዘበሉ መን እዮም፧ ኣብዚ ግዜናኸ፧
11 መብዛሕትኦም ህዝቢ ጥንታዊት ይሁዳ ኸሓድቲ እኳ እንተ ዀኑ፡ ‘ኣብ ስም የሆዋ እተማዕቈቡ’ (NW) ግን ነይሮም እዮም። (ጸፎንያስ 3:12, 13 ኣንብብ።) እወ፡ ኣምላኽ ነታ እምነት ዘይነበራ ይሁዳ ብባቢሎናውያን ከም እትሰዓርን ህዝባ ኸም ዚማረኽን ገይሩ ኪቐጽዓ ኸሎ፡ ከም እኒ ኤርምያስን ባሩኽን ዔቤድ-ሜሌክን ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ተናሒፎም እዮም። “ኣብ ማእከል” እቲ ኸሓዲ ህዝቢ እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ገሊኦም እውን ኣብ ምርኮ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ተኣማንነቶም ሓልዮም እዮም። ብ539 ቅ.ክ.፡ ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ብቂሮስ እናተመርሑ፡ ንባቢሎን ሰዓርዋ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ቂሮስ፡ እቶም ተረፍ ኣይሁድ ናብ ዓዶም ኪምለሱ ዚፈቅድ ኣዋጅ ኣውጽአ።
12 ጸፎንያስ ብዛዕባ እቶም ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ብሓድሽ ኣብ ዚቘመሉ እዋን ዚነበሩ ሰባት፡ የሆዋ ኸም ዜድሕኖምን ብእኦም ከም ዚሕጐስን ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ጸፎንያስ 3:14-17 ኣንብብ።) እዚ ነገር እዚ፡ ኣብዚ ግዜና እውን ተፈጺሙ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ምስ ቈመት፡ የሆዋ ነቶም እሙናት ዝዀኑ ተረፍ ቅቡኣት ካብ መንፈሳዊ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ኣውጺእዎም እዩ። ክሳዕ ሎሚ እውን ብእኦም ይሕጐስ ኣሎ።
13. ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ሰባት እንታይ ሓርነት እዮም ረኺቦም ዘለዉ፧
13 እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም እውን፡ ካብ ዓባይ ባቢሎን ወጺኦምን ካብ ትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት መንፈሳዊ ሓርነት ረኺቦምን እዮም። (ራእ. 18:4) በዚ ኸምዚ፡ እታ፡ “ኣቱም . . . ትሑታት ምድሪ ዅላትኩም፡ ንእግዚኣብሄር [“ንየሆዋ፡” NW] ድለይዎ” እትብል ጸፎንያስ 2:3፡ ኣብዚ ግዜና ዝዓበየ ፍጻሜኣ ትረክብ ኣላ። ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ሰማያዊ ዀነ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ትሑታት፡ ኣብ ስም የሆዋ ይምዕቈቡ ኣለዉ።
ስም ኣምላኽ ከም ክታብ ኣይኰነን
14, 15. (ሀ) ገሊኦም ብኸመይ እዮም ዕቝባ ኺረኽቡ ፈቲኖም፧ (ለ) ከም ክታብ ጌርካ ኽትጥቀመሉ ዘይግባእ እንታይ እዩ፧
14 ገሊኦም እስራኤላውያን ነታ ቤተ መቕደስ፡ ካብ ጸላእቶም ከተዕቍቦም ከም እትኽእል ገይሮም ርእዮምዋ ነይሮም እዮም። (ኤር. 7:1-4) ቅድሚኡ እውን፡ እስራኤላውያን ንታቦት ኪዳን ኣብ ኲናት ኬዕቍቦም ከም ዚኽእል ገይሮም ርእዮምዎ ነይሮም እዮም። (1 ሳሙ. 4:3, 10, 11) ቆስጣንጢኖስ እቲ ዓብዪ ንወተሃደራቱ ኣብ ኲናት ዕቝባ ንኪዀኖም ኢሉ፡ እተን ኣብታ ብግሪኽኛ “ክርስቶስ” እትብል ማዕርግ ዚርከባ “ኪ”ን “ሮ”ን ዚበሃላ ቐዳሞት ክልተ ፊደላት፡ ኣብ ዋላቱ ወተሃደራቱ ጽሒፉ እዩ። ኣብ ውግእ ሰላሳ ዓመት እተዋግአ ጉስታቭ ኣዶልፍ ካልኣይ ንጉስ ሽወደን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ገጽ 7 ዚርአ ድርዒ ይለብስ ከም ዝነበረ እዩ ዚእመን። ኣብቲ ድርዒ “Iehova” (የሆቫ) ዚብል ስም ብጕሉሕ ተጻሒፉ ኸም ዘሎ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ።
15 ገሊኦም መጥቃዕቲ ኣጋንንቲ ዘጋጠሞም ህዝቢ ኣምላኽ፡ ስም የሆዋ ዓው ኢሎም ብምጽዋዖም፡ ዕቝባ ረኺቦም እዮም። ኰይኑ ግን፡ ስም ኣምላኽ እተጻሕፎ ነገር፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኸም ክታብ ወይ ካብ ክፉእ ከም ዜዕቍብ ሓይሊ ዘለዎ ነገር ጌርካ ኺርአ የብሉን። ኣብ ስም የሆዋ ኽንምዕቈብ ኪበሃል ከሎ፡ ከምኡ ማለት ኣይኰነን።
ሎሚ ብኸመይ ከም እንምዕቈብ
16. ሎሚ ብመንፈሳዊ መገዲ ኽንምዕቈብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
16 ሎሚ ኣብቲ ህዝቢ ኣምላኽ ብሓፈሻ ረኺቦምዎ ዘለዉ መንፈሳዊ ድሕንነት ዕቝባ ንረክብ ኢና። (መዝ. 91:1) ካብቲ ንድሕንነትና ኼስግእ ዚኽእል ዝንባለታት ምእንቲ ኽንሕሎ፡ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ”ን ብሽማግለታት ጉባኤን ኣቢሉ መጠንቀቕታታት ይወሃበና እዩ። (ማቴ. 24:45-47፣ ኢሳ. 32:1, 2) ብዛዕባ ፍቕረ-ንዋይ ክንደይ ሳዕ መጠንቀቕታ ኸም እተዋህበና፡ እዚ መጠንቀቕታታት እዚ ኸኣ ካብ መንፈሳዊ መዓት ብኸመይ ዕቝባ ኸም ዝዀነና እሞ ሕሰብ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘይንጡፋት ከም እንኸውን ኪገብረና ዚኽእል ሸለልትነትከ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ተዋሂቡና፧ ቃል ኣምላኽ፡ “ነቶም ደናቝርቲ ኸኣ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦም እዩ። እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ” ይብል። (ምሳ. 1:32, 33) ስነ-ምግባራዊ ንጽህናና ንኽንሕሉ ምጽዓርና እውን፡ መንፈሳዊ ድሕንነትና ንኺሕሎ ሓጊዙ እዩ።
17, 18. ሎሚ ንሚልዮናት ሰባት ኣብ የሆዋ ንኺምዕቈቡ ዚሕግዞም ዘሎ እንታይ እዩ፧
17 ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንኽንሰብኽ ካብ የሱስ ትእዛዝ ከም እተዋህበና መቸም ትፈልጥ ኢኻ፣ ነዚ ትእዛዝ እዚ ንኽንፍጽም ካብቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ብዛዕባ ዚወሃበና መተባብዒ እሞ ሕሰብ። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ጸፎንያስ፡ ንሰባት ኣብ ስም ኣምላኽ ንኺምዕቈቡ ዚሕግዞም ነገር ገሊጹ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ፡ “ኵላቶም ንስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ኪጽውዑን ሐቢሮም ከኣ ኬገልግልዎንሲ፡ ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር ክመልሰሎም እየ” ዚብል ነንብብ።—ጸፎ. 3:9።
18 እዚ ጽሩይ ከናፍር ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዚርከብ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ዕላማኡን ዚገልጽ ሓቂ እዩ። ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ንሳ ብኸመይ ንስም ኣምላኽ ከም እትቕድሶን ቅኑዕ ፍልጠት ከተካፍሎም ከለኻ፡ ልዑላውነት ኣምላኽ ከም ዚረጋገጽ ከተጕልሓሎም ከለኻ፡ ብዛዕባ እቲ እሙናት ሰባት ዚረኽብዎ ዘለኣለማዊ በረኸት እውን ብታሕጓስ ክትዛረቦም ከለኻ፡ በቲ ጽሩይ ከናፍር ትጥቀም ኣለኻ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ነዚ ምሳልያዊ ኸናፍር እዚ ብዙሓት ሰባት ይጥቀሙሉ ስለ ዘለዉ፡ ቍጽሮም እናወሰኹ ዚኸዱ ዘለዉ ሰባት ‘ንስም የሆዋ ይጽውዑን ሓቢሮም የገልግልዎን’ ኣለዉ። እወ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ሚልዮናት ሰባት፡ ኣብ የሆዋ ይምዕቈቡ ኣለዉ።—መዝ. 1:1, 3።
19, 20. ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ “ጸግዒ ሓሶት” እተዓቝቡ ዘበሉ ዝሓፈሩ ብኸመይ እዮም፧
19 ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ዘይስገር ዚመስል ጸገማት እዩ ዜጓንፎም። ጸገማቶም ምእንቲ ኺፍትሓሎም ድማ፡ ናብ ዘይፍጹማት ሰባት ይጽግዑ እዮም። ወይ ከኣ ከምቲ ጥንታዊት እስራኤል ኣብ ገሊኡ እዋናት ኣብቶም ኣብ ጐረባብታ ዝነበሩ ኣህዛብ እተጸግዐትን ምሳታቶም ኪዳን እተኣታተወትን፡ ሎሚ ዘለዉ ሰባት እውን ካብ ፖለቲካዊ ትካላት ፍታሕ ኪረኽቡ ተስፋ ይገብሩ እዮም። ኰይኑ ግን፡ እስራኤል ካብቶም ተስፋ ዝገበረትሎም ሓገዝ ከም ዘይረኸበት ትፈልጥ ኢኻ። ሎሚ ዘሎ ዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ መንግስቲ ዀነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንጸገማት ደቂ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ኣይፈትሖን እዩ። እሞ ደኣ ንምንታይ እዩ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ፖለቲካዊ ትካላትን ኣብ ኪዳናትን ዚምዕቈብ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ፖለቲካዊ ትካላት፡ ብትንቢት፡ “ጸግዒ ሓሶት” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። ኣብዚ ትካላት እዚ ተስፋ ዚገብሩ ዘበሉ ዅሎም ስለ ዚሓፍሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ኢሉ ኺጽውዖ ሓቁ እዩ።—ኢሳይያስ 28:15, 17 ኣንብብ።
20 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ እቲ ምሳልያዊ ህቦብላ መዓልቲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ኺመጽእ እዩ። ደቂ ሰብ ዝገበርዎ ውጥናት ኰነ፡ ካብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኼዕቍቦም ዝሰርሕዎ መዕቈቢ ዀነ፡ ወይ ሃብቲ፡ ዕቝባ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ከምቲ ኢሳይያስ 28:17 እትሕብሮ፡ “በረድ ንጸግዒ ሓሶት ኬፍርሶ፡ ማያትውን ነቲ ኸውሊ ኺድምስሶ እዩ።”
21. ንጥቕሲ ዓመት 2011 ብምስዓብ፡ እንታይ ጥቕሚ ኽንረክብ ንኽእል፧
21 ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ኣብ ዚፍጠር ምዕባለታት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ የሆዋ ኣምላኾም ናይ ሓቂ ድሕንነት ኪረኽቡ እዮም። እቲ ጸፎንያስ ዚብል፡ “የሆዋ ሓብአ” ዝትርጕሙ ስም፡ ነቲ ናይ ሓቂ ምንጪ መሕብኢ እዩ ዜመልክት። ስለዚ፡ ‘ኣብ ስም የሆዋ ተማዕቈቡ’ ዚብል ጥበባዊ ምኽሪ፡ ጥቕሲ ዓመት 2011 ኰይኑ ኣሎ። (ጸፎ. 3:12) ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ብምውካል፡ ኣብ ስሙ ኽንምዕቈብ ንኽእል ኢና፣ ክንምዕቈብ እውን ኣሎና። (መዝ. 9:10) ነቲ፡ “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ጽኑዕ ግምቢ እዩ፡ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ” ዚብል መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መረጋገጺ ወትሩ ንዘክሮ።—ምሳ. 18:10።
ትዝክሮዶ፧
• ሕጂ ኣብ ስም የሆዋ ኽንምዕቈብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
• ኣብ “ጸግዒ ሓሶት” ክንምዕቈብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
• ንመጻኢ እንታይ ዕቝባ ኸም እንረክብ እዩ መረጋገጺ ተዋሂቡና፧
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ጥቕሲ ዓመት 2011፦ ‘ኣብ ስም የሆዋ ተማዕቈቡ።’ —ጸፎንያስ 3:12፡ NW።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Thüringer Landesmuseum Heidecksburg Rudolstadt, Waffensammlung “Schwarzburger Zeughaus”