የሆዋ ሰላምን ሓቅን ኣብዚሑ ይህብ
“ኣነ ኸሕውዮም: ብዝሒ ሰላምን ሓቅን ድማ ክገልጸሎም እየ።”—ኤርምያስ 33:6
1, 2. (ሀ) ንሰላም ዝምልከት ናይ ሃገራት ጸብጻብ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧ (ለ) ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ ሰላም እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ዝማሃሮም፧
ሰላም! ክሳዕ ክንደይ ተደላዪት ኰን ኢያ: ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ግን ክሳዕ ክንደይ ሳሕቲ እትርከብ ኰን ኢያ! እዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ብፍላይ: ናይ ሰላም ዘበን ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡስ: ኣብ ታሪኽ ወድስብ እቲ ኣዝዩ ኣዕናዊ ዝዀነ ውግኣት ኢዩ ርእዩ። ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ናይ ዓለም ሰላም ንምዕቃብ ማሕበር እተኣሳሰራ መንግስታት ቈመት። እታ ማሕበር እቲኣ ፈሺላ ኢያ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሓደ ዓይነት ሸቶ ብምሓዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቈመት። እዛ ውድብ እዚኣውን ክሳዕ ክንደይ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፈሸለት ንምርዳእ መዓልታዊ ጋዜጣታት ምንባብ ጥራይ ኢዩ ዘድልየና።
2 ናይ ሰብ ማሕበራት ሰላም ከምጽኣ ብዘይምኽኣለን ክንግረምዶ ኣሎና ኢዩ፧ ፈጺሙ የብልናን። ልዕሊ 2,500 ዓመታት ይገብር እቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ: እስራኤላውያን: ነዚ ዝምልከት ትምህርቲ ረኺቦም ነበሩ። ኣብ ሻብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ናይ እስራኤል ሰላም በቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሓይሊ ዓለም: ባቢሎን: ኣብ ስግኣት ወዲቑ ነበረ። እስራኤል ድማ ሰላም ክትረክብ ናብ ግብጺ ቍሊሕ በለት። ግብጺ ግን ፈሸለት። (ኤርምያስ 37:5-8፣ ህዝቅኤል 17:11-15) ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ሰራዊት ባቢሎን ንመናድቕ የሩሳሌም ኣዕነዉዎ: ንቤት መቕደስ የሆዋ ድማ ኣንደድዋ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እስራኤል ኣብ ናይ ሰብ ማሕበራት ምውካል ከንቱ ምዃኑ በቲ ዝኸፍአ መገዲ ተማህረት። እቶም ህዝቢ ሰላም ኣብ ክንዲ ዘስተማቕሩ: ንምርኮ ናብ ባቢሎን ተወስዱ።—2 ዜና መዋእል 36:17-21
3. ንፍጻሜ ናይቲ ብኤርምያስ እተነግረ ቃላት የሆዋ: ንሰላም ዝምልከት ከመይ ዝበለ ታሪኻዊ ፍጻመ ኢዩ ንእስራኤል ካልኣይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ዝማሃራ፧
3 ይኹን እምበር: ቅድሚ ውድቀት የሩሳሌም የሆዋ: ግብጺ ዘይኰነትስ ባዕሉ ንእስራኤል ናይ ሓቂ ሰላም ከምጽእ ምዃኑ ገሊጹ ነበረ። ብኤርምያስ ገይሩ ከምዚ ብምባል ተመባጽዐ:- “ኣነ ኸሕውዮም: ብዝሒ ሰላምን ሓቅን ድማ ክገልጸሎም እየ። ንምርኮ ይሁዳን ንምርኮ እስራኤልን ክመልስ እየ: ከም ቀደሞም ከኣ ክሀንጾም እየ።” (ኤርምያስ 33:6, 7) ብ539 ቅ.ኣ.ዘ.: ባቢሎን ምስ ተሳዕረት እቶም እስራኤላውያን ምሩኻት ድማ ሓርነት ምስ ረኸቡ ናይ የሆዋ መብጽዓ ክፍጸም ጀመረ። (2 ዜና መዋእል 36:22, 23) ኣብቲ ዳሕረዋይ ክፋል ናይ 537 ቅ.ኣ.ዘ. ሓደ ናይ እስራኤላውያን ጕጅለ: ድሕሪ 70 ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መሬት እስራኤል በዓል ዳስ ኣብዓለ! ድሕሪ እቲ በዓል ንቤት መቕደስ የሆዋ እንደገና ክሃንጹ መደቡ። ብዛዕባ እዚ ከመይ ተሰምዖም፧ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “እቶም ህዝቢ ዅላቶም ከኣ: ቤት እግዚኣብሄር ስለ እተሰረተ: ዓው ኢሎም እልል እናበሉ ንእግዚኣብሄር አመስገኑ።”—እዝራ 3:11
4. የሆዋ ንእስራኤላውያን ንዕዮ ምህናጽ ቤት መቕደስ ምእንቲ ክፍጽሙ ዘለዓዓሎም ብኸመይ ኢዩ: ብዛዕባ ሰላምከ እንታይ መብጽዓ ኢዩ ዝሃበ፧
4 እንተዀነ ግን: ድሕሪ እቲ ዘሐጕስ ምጅማር: እስራኤላውያን በቶም ተጻረርቲ ተስፋ ቈረጹ: ነቲ ዕዮ ምህናጽ ቤት መቕደስ ድማ ደው ኣበልዎ። ገለ ዓመታት ጸኒሑ: እስራኤላውያን ነቲ እንደገና ናይ ምህናጽ ዕዮ ንኽፍጽምዎ ምእንቲ ከለዓዕልዎም: የሆዋ ነብዪ ሃጌን ነብዪ ዘካርያስን ኣተንስአ። ነቲ ክህነጽ ዝነበሮ ቤት መቕደስ ኣመልኪቱ ሃጌ “ካብቲ ቐዳማይሲ እቲ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ኺበልጽ እዩ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ” ኢሉ ክዛረብ ክሰምዕዎ ከለዉስ እዚ ንዕኦም ክንደይ ዘሐጕስ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ!—ሃጌ 2:9
የሆዋ መብጽዓኡ ይፍጽም
5. ብዛዕባ ዘካርያስ ምዕራፍ ሾሞንተ ክስትብሃለሉ ዘለዎ ነገር እንታይ ኢዩ፧
5 ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ዘካርያስ: ነቶም ኣብ መበል ሻድሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ዘበራትዖም መንፈስ ዝነፈሶ ብዙሕ ራእያትን ትንቢታትን ነንብብ ኢና። እዚ ትንቢታት እዚ ናይ የሆዋ ደገፍ ከም እንረክብ ምርግጋጽ ቀጺሉ ኢዩ። እዚኣቶም የሆዋ ንህዝቡ ኣብዚ ግዜናውን እንተዀነ ሰላም ከም ዝህብ ንኽንኣምን ብዙሕ ምኽንያታት ይህቡና ኢዮም። ንኣብነት: ኣብታ ብስሙ ተጸዊዓ ዘላ መጽሓፍ: ኣብ ምዕራፍ ሾሞንተ: ነብዪ ዘካርያስ ዓሰርተ ግዜ ዝኸውን ‘እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል’ ዝብላ ቃላት ተዛሪቡ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ግዜ: እቲ መግለጺ ምስ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ሰላም እተተሓሓዘ መለኮታዊ ኣዋጅ ኢዩ ዘፋልጥ። ገለ ካብዞም መብጽዓታት እዚኣቶም ኣብ ግዜ ዘካርያስ ተፈጺሞም ኢዮም። ሎሚ ድማ ኵሎም ተፈጺሞም ኢዮም ወይ ከኣ ኣብ ምፍጻም ይርከቡ ኣለዉ።
‘ኣነ ብጽዮን ክቐንእ ኢየ’
6, 7. በየናይ መገድታት ኢዩ የሆዋ ‘ንጽዮን ብዓብዪ ቑጥዓ ቀኒኡላ’ ዝነበረ፧
6 እቲ መግለጺ መጀመርታ ኣብ ዘካርያስ 8:2 ኢዩ ዝርከብ: ከምዚ ድማ ይንበብ:- “ኣነ ብጽዮን ዓብዪ ቕንኢ [ክቐንእ ኢየ ትሓዓ]: ብዓብዪ ቑጥዓውን [ክቐንኣላ ኢየ ትሓዓ]: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” የሆዋ ንህዝቡ ክቐንእ: ዓብዪ ቅንኢ ክስምዖ ምዃኑ ዝነግር መብጽዓኡ: ሰላሞም ኣብ ምምላስ ከተኵር ምዃኑ ዘመልክት ኢዩ። ናይ እስራኤል ናብ ሃገራ ምምላስን ናይታ ቤት መቕደስ እንደገና ምህናጽን ናይዚ ቅንኢ እዚ መረጋገጺ ኢዩ።
7 ብዛዕባ እቶም ንህዝቢ የሆዋ እተጻረርዎምከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ንህዝቡ ዘለዎ ቅንኢ ምስቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ጸላእቲ እዚኣቶም ዝገልጾ ‘ዓብዪ ቑጥዓ’ ማዕረ ኢዩ። እሙናት ኣይሁድ ኣብታ እንደገና እተሃንጸት ቤት መቕደስ ኰይኖም ከምልኹ ከለዉ: ናይታ ሽዑ ወዲቓ ዝነበረት ሓያል ባቢሎን ዕንወት ከንጸባርቑ ክኢሎም ኢዮም። ከምኡውን ብዛዕባ ምሉእ ፍሽለት ናይቶም ነታ ቤት መቕደስ እንደገና ንምህናጽ ክኽልክሉ ዝፈተኑ ጸላእቲ ክሓስቡ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። (እዝራ 4:1-6፣ 6:3) የሆዋ መብጽዓኡ ስለ ዝፈጸመ ድማ ከመስግንዎ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ቅንኡ ዓወት ኣምጺኡሎም ኢዩ!
“ከተማ ሓቂ”
8. ኣብ ግዜ ዘካርያስ: ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ግዜያት ብምንጽጻር የሩሳሌም ከተማ ሓቂ ክትከውን ዝነበራ ብኸመይ ኢያ፧
8 ዘካርያስ ካልኣይ ግዜ ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- ‘እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል።’ በዚ ኣጋጣሚ እዚኸ ናይ የሆዋ ቃላት እንታይ ዝብል ኢዩ፧ “ኣነ ናብ ጽዮን ክምለስ: ኣብ ማእከል የሩሳሌም ከኣ ክነብር እየ። የሩሳሌም ድማ ከተማ ሓቂ ኽትስመ: እቲ ኸረን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ቅዱስ ከረን ክስመ እዩ።” (ዘካርያስ 8:3) ቅድሚ 607 ቅ.ኣ.ዘ.: የሩሳሌም ፈጺማ ከተማ ሓቂ ኣይነበረትን። ካህናታን ነብያታን ብልሽዋት: ህዝባ ድማ ዘእሙናት ኢዮም ነይሮም። (ኤርምያስ 6:13፣ 7:29-34፣ 13:23-27) ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ዘለዎም ተወፋይነት ብምርኣይ: ኣብቲ እዋን እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ነታ ቤት መቕደስ እንደገና ይሃንጽዋ ነይሮም። የሆዋ ብመንፈስ እንደገና ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ። እቲ ናይ ጽሩይ ኣምልኾ ሓቅታት እንደገና ኣብኣ ተዘርበ: ስለዚ ድማ: የሩሳሌም “ከተማ ሓቂ” ክትበሃል ትኽእል ኢያ ነይራ። እቲ ዝነበራ ዝለዓለ ቦታ “ኸረን እግዚኣብሄር” ተባሂሉ ክጽዋዕ ይኽእል ነይሩ ኢዩ።
9. ብ1919 እቶም “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ከመይ ዝበለ ፍሉይ ናይ ኵነታት ለውጢ ኢዮም ዘሕለፉ፧
9 እዚ ክልተ ኣዋጃት እዚ ንጥንታውያን እስራኤል ትርጕም ዝመልኦ እኳ እንተ ነበረ: እዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ናብ መወዳእታ ገጹ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ንኣና እውን ብዙሕ ትርጕም ኣለዎ። 80 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: እቶም ሽዑ ነቲ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዝውክሉ ዝነበሩ ሒደት ኣሽሓት ቅቡኣት: ከምቲ ጥንታዊት እስራኤል ንምርኮ ናብ ባቢሎን እተወስደት ናብ መንፈሳዊ ምርኮ ተወሲዶም ነይሮም ኢዮም። (ገላትያ 6:16) ብትንቢታዊ መገዲ: ከም ኣብ ጐደናታት እተደርበዩ ሬሳታት ኰይኖም ኢዮም ተገሊጾም ነይሮም። ጌና ግን: ንየሆዋ “ብመንፈስን ብሓቅን” ከምልኽዎ ቅኑዕ ባህጊ ነይርዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 4:24) ስለዚ ድማ የሆዋ: ብ1919: ካብቲ ብመንፈስ ሞይቶምሉ ዝነበሩ ኵነታት ኣተንሲኡ: ካብ ምርኮ መለሶም። (ራእይ 11:7-13) በዚ ኸምዚ የሆዋ ነቲ ናይ ኢሳይያስ ትንቢታዊ ሕቶ መቓልሕ ብዝህብ እወ መለሸሉ:- “ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ጽዒራ ትወልድ እያ፧ ህዝቢዶኸ ብሓንቲ ጊዜ ይውለድ እዩ፧” (ኢሳይያስ 66:8) ህዝቢ የሆዋ እንደገና ብ1919 ከም መንፈሳዊ ህዝቢ መጠን ኣብ ‘ሃገሮም’: ወይ ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዝርከብ መንፈሳዊ ቦታኦም ምንባር ቀጺሎም ኢዮም።
10. ካብ 1919 ጀሚሮም: ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብታ ‘ሃገሮም’ ኰይኖም ከመይ ዝበለ በረኸታት ኢዮም ዘስተማቐሩ ዘለዉ፧
10 ኣብታ ሃገር ዕቝባ ብምርካብ: ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብቲ ናይ የሆዋ ዓቢ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ ኣገልጊሎም ኢዮም። ነቲ ናይ የሱስ ምድራዊ ጥሪት ናይ ምሕላይ ሓላፍነት: እዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ናብ መወዳእታ ገጹ እናኸደ ከሎ ጌና ዘስተማቕርዎ ዘለዉ መሰል ብምቕባል ከም “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” መጠን ተሸይሞም ኢዮም። (ማቴዎስ 24:45-47 ትሓዓ ) የሆዋ “ኣምላኽ ሰላም” ምዃኑ ጽቡቕ ትምህርቲ ረኺቦም ኢዮም።—1 ተሰሎንቄ 5:23
11. ናይ ህዝበ ክርስትያን ሃይማኖታውያን መራሕቲ ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ ምዃኖም ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧
11 ብዛዕባ እቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ጸላእቲኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ቅንኢ ምስቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ጻላእቲ እዚኣቶም ዘውርዶ ቁጥዓ ማዕረ ኢዩ። ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም: እቶም ናይ ህዝበ ክርስትያን ሃይማኖታውያን መራሕቲ ነቲ ናይቶም ሓቂ ዝዛረቡ ክርስትያናት ንእሽቶ ጕጅለ ከጥፍእዎ ብምፍታን—ኣይተዓወቱን ድኣምበር—ብዙሕ ጸቕጥታት ኣምጺኦምሉ ኢዮም። ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም: ናይ ህዝበ ክርስትያን ኣገልገልቲ ኣብ ሓደ ነገር ጥራይ ሕብረት ነበሮም:- ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ናይቲ ግርጭት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእንቲ ክጸቕጥዎም ንመንግስታት ደፋፊኦምዎም ኢዮም። ሎሚውን ከይተረፈ: ኣብ ብዙሕ ሃገራት ሃይማኖታውያን መራሕቲ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክርስትያናዊ ዕዮ ስብከት ምእንቲ ክቕይድዎ ወይ ክእግድዎ ንመንግስታት የለዓዕልዎም ኢዮም ዘለዉ።
12, 13. እቲ የሆዋ ኣንጻር ህዝበ ክርስትያን ዘለዎ ቍጥዓ ብኸመይ ተገልጸ፧
12 የሆዋ ነዚ ከየስተብሃለሉ ኣይሓለፈን። ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ህዝበ ክርስትያን: ምስቲ ዝተረፈ ክፍሊ ናይ ዓባይ ባቢሎን ብምዃን: ውድቀት ኣጋጢምዋ ኢዩ። (ራእይ 14:8) ካብ 1922 ጀሚሩ: ነቲ መንፈሳዊ ምዉት ኵነታታ ብግሁድ ብምቅላዕ ከምኡውን ብዛዕባ መጻኢ ጥፍኣታ መጠንቀቕታ ብምሃብ: ተኸታታሊ ምሳልያዊ መዓታት ምስ ፈሰሰ: ናይ ህዝበ ክርስትያን ውድቀት ሓቅነቱ ግሁድ ኰነ። (ራእይ 8:7–9:21) ናይዚ መዓታት እዚ ምፍሳስ ከም ዝቐጸለ ዘረጋግጽ: እቲ “ናይ ሓሶት ሃይማኖት መወዳእታ ቀሪቡ” ዝብል ዝርርብ: ብ23 ሚያዝያ 1995 ኣብ ምሉእ ዓለም ተዋሂቡ ኢዩ: ስዒቡ ድማ ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸር ቅዳሓት ናይታ ዜና ናይታ መንግስቲ እተባህለት ፍልይቲ ሕታም ተዘርግሐ።
13 ሎሚ: ህዝበ ክርስትያን ኣብ ዘሕዝን ኵነታት ኢያ ዘላ። ኣብ ውሽጢ እዚ መበል 20 ክፍለ- ዘበን: ኣባላታ ኣብቲ ብኣቕሽሽቶምን ኣገልገልቶምን እተባረኸ ሕሱም ውግኣት ኣብ ንሓድሕዶም ተቓቲሎም ኢዮም። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ጸለውታኣ ዳርጋ የሎን። ምስቲ ዝተረፈ ክፍሊ ናይ ዓባይ ባቢሎን ብምዃን ንጥፍኣት ተመዲባ ኢያ።—ራእይ 18:21
ሰላም ንህዝቢ የሆዋ
14. ብዛዕባ እቲ ብሰላም ዝነብር ህዝቢ ዘርኢ እንታይ ብቃላት ቀሪቡ ዘሎ ትንቢታዊ ስእሊ ኢዩ እተዋህበ፧
14 በቲ ኻልእ ወገን: ኣብዚ ዓመት ናይ 1996: ከምቲ ኣብቲ ሳልሳይ ኣዋጅ ተገሊጹ ዘሎ ህዝቢ የሆዋ ኣብታ እተመልሰት ሃገሮም ብዙሕ ሰላም ከስተማቕሩ ኢዮም:- “ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣረገውቲ ኣንስትን ገና ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪቕመጡ እዮም: ዕድሚኦም ስለ ዝነውሔ ኸኣ: ነፍሲ ወከፎም መምርኩሱ ኣብ ኢዱ ኺሕዝ እዩ። ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ በቶም ኣብተን ኣደባባያታ ዝስሐቑ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልኣ እየን: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።”—ዘካርያስ 8:4, 5
15. ሽሕ’ኳ ናይ ሃገራት ውግእ እንተሃለወ: ኣገልገልቲ የሆዋ ዘስተማቕርዎ ሰላም ከመይ ዝበለ ኢዩ፧
15 እዚ ዘሐጕስ ብቓላት ቀሪቡ ዘሎ ስእሊ ኣብዛ ውግእ ዘናወጻ ዓለም ሓደ ፍሉይ ነገር—ብሰላም ዝነብር ህዝቢ— ከም ዘሎ ዝገልጽ ኢዩ። ካብ 1919 ኣትሒዙ: ናይ ኢሳይያስ ትንቢታዊ ቃላት ይፍጸም ኢዩ ዘሎ:- “ሰላም ነቲ ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ዘሎ ይኹን: ኣነውን ከሕውዮ እየ: ይብል እግዚኣብሄር። እቶም ረሲኣንሲ . . . ሰላም የብሎምን: ይብል ኣምላኸይ።” (ኢሳይያስ 57:19-21) ርግጽ ኢዩ: ህዝቢ የሆዋ ናይ ዓለም ክፍሊ እኳ እንተ ዘይኰኑ: በቲ ናይ ሃገራት ናዕቢ ከይተተንከፉ ክሓልፉ ግን ኣይክእሉን ኢዮም። (ዮሃንስ 17:15, 16) ኣብ ገሊኡ ሃገራት: ከቢድ ሽግራት ተጸሚሞም ኢዮም: አረ ውሑዳት እውን ተቐቲሎም ኢዮም። እንተዀነ ግን: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብኽልተ ቀንዲ መገድታት ሰላም ኣለዎም። ቀዳማይ: ‘ምስ ኣምላኽ ብጐይታኦም የሱስ ክርስቶስ ሰላም’ ኣለዎም። (ሮሜ 5:1) ካልኣይ: ኣብ መንጎኦም ሰላም ኣለዎም። ነታ “ቅድም ንጽህቲ . . . ድሓርውን ሰላማዊት” ዝዀነት “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኢዮም ዝዅስኵሱ። (ያእቆብ 3:17፣ ገላትያ 5:22-24) ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብቲ “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ዝብል መብጽዓ ዝፍጸመሉ ግዜ ንሰላም ምሉእ ብምሉእ ከስተማቕርዋ ብሃንቀውታ ኢዮም ዝጽበዩ።—መዝሙር 37:11
16, 17. (ሀ) “ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣረገውቲ ኣንስትን” ከምኡውን “ኣወዳትን ኣዋልድን” ንማሕበር የሆዋ ዘበርትዕዋ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ናይ ህዝቢ የሆዋ ሰላም ዝገልጽ እንታይ ኢዩ፧
16 ነቲ ናይ ቅድም ናይ ማሕበር የሆዋ ዓወታት ዝዝክሩ ቅቡኣት “ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣረገውቲ ኣንስትን” ጌና ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ኣለዉ። እምነቶምን ምጽማሞምን ኣዝዩ ዝምስገን ኢዩ። ብዕድመ ናእሽቱ ቅቡኣት ኣብቲ ብ1930ታትን ካልኣይ ውግእ ዓለምን ዝነበረ ሕማቕ እዋናት: ከምኡውን ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዘሐጕስ ናይ ዕቤት ዓመታት መሪሕነት ወሲዶም ኢዮም። ብተወሳኺ: ብፍላይ ካብ 1935: ናይቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” “ዓቢ ጭፍራ” ተቐልቂሉ ኢዩ። (ራእይ 7:9፣ ዮሃንስ 10:16) ቅቡኣት ክርስትያናት እናኣረጉን እናወሓዱን ምስ ከዱ: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ነቲ ናይ ስብከት ዕዮ ተተሓሒዞምዎን ኣብ ምልእቲ ምድሪ ድማ ኣስፊሖምዎን ኢዮም። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ካልኦት ኣባጊዕ ናብታ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ሃገር ይውሕዙ ኢዮም ዘለዉ። ምኽንያቱ አብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ: 338,491 ካብኣቶም ከም ምልክት ናይቲ ንየሆዋ ዘለዎም ወፈያ ተጠምቁ! ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ከምዚአቶም ዝበሉ ሰባት ብርግጽ ኣዝዮም ናእሽቱ ኢዮም። ሓደስቲ ምዃኖምን ውዕዉዕ ስምዒቶምን ንቝጽሪ ናይቶም ነቲ ‘ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ነቲ ገንሸልን’ ናይ ምስጋና መዝሙር ዝዝምሩ ሰባት ዝውስኸሉ ኢዩ።—ራእይ 7:10
17 ሎሚ: ‘እቲ ኣደባባያት ብኣወዳትን ኣዋልድን:’ ከም ናይ መንእሰይ ዝመስል ሓይሊ ብዘለዎም መሰኻኽር ‘ዝመልአ’ ኢዩ። ኣብ ናይ 1995 ናይ ኣገልግሎት ዓመት: ካብ 232 ሃገራትን ደሴታት ባሕርን ጸብጻባት ተረኺቡ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ እቶም ቅቡኣትን ካልኦት ኣባጊዕን ኣህጉራዊ ውድድር: ውሽጠ–ቐቢላዊ ጽልኢ: ዘይግቡእ ቅንኢ ኣይተራእየን። ኵሎም ብፍቕሪ ሓቢሮም ብመንፈስ ብሓባር ይጕልምሱ። እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓለምለኻዊ ሕውነት ኣብ ናይ ዓለም መድረኽ ብሓቂ ፍሉይ ኢዩ።—ቈሎሴ 3:14፣ 1 ጴጥሮስ 2:17
ንየሆዋ ኣዝዩ ዘሸግሮ ድዩ፧
18, 19. ካብ 1919 ኣትሒዙ ኣብ ዝነበረ ዓመታት: የሆዋ ነቲ ብዓይኒ ሰብ ክርአ ኸሎ ኣሸጋሪ ዝመስል ነገራት ዝፈጸሞ ብኸመይ ኢዩ፧
18 ብ1918 እቶም ቅቡኣት ተረፍ በቶም ኣብ መንፈሳዊ ምርኮ ኰይኖም ተስፋ ዝቘረጹ ሒደት ኣሽሓት ነፍሳት ቈይሞም ከለዉ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዛዕባ እቲ ክኸውን ዝነበሮ ነገራት ዝፍጸመሉ መገዲ ኣቐዲሙ ክርኢ ኣይከኣለን። እንተዀነ ግን: ከምቲ በቲ ራብዓይ ትንቢታዊ ኣዋጁ ገይሩ ዘረጋገጾ: የሆዋ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ:- “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ: በተን መዓልታት እቲኣተን ነዒንቲ ተረፍ እዚ ህዝቢ እዚ [ኣዝዩ ዘሸግር እንተ መሰለስ ትሓዓ] ነዒንተይዶ [ኣዝዩ ዘሸግር ክመስል ትሓዓ] እዩ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።”—ዘካርያስ 8:6
19 ብ1919: መንፈስ የሆዋ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ዕዮ ክፍጽሙ ንህዝቡ ኣበራበሮም። ጌና ግን: ምስታ ናይ ኣምለኽቲ የሆዋ ንእሽቶ ማሕበር ምጥባቕ እምነት ዝሓትት ነበረ። ኣዝዮም ሒደት ኢዮም ነይሮም: ብዙሕ ነገራት ድማ ብሩህ ኣይነበረን። ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ ናይ ብስራት ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ክርስትያናዊ ዕዮ ንኽገብሩ በብቑሩብ ብማሕበር ደረጃ ኣበራትዖምን ኣዕጠቖምን። (ኢሳይያስ 60:17, 19፣ ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ቀስ እናበለ: ንኸም ገለልትነትን ኣድማሳዊ ሉዓላውነትን ዝኣመሰለ ኣገደስቲ ጕዳያት ንኽርድእዎ ሓጊዝዎም ኢዩ። በታ ሽዑ ዝነበረት ናይ መሰኻኽር ንእሽቶ ጕጅለ ገይሩ ፍቓዱ ንኽፍጽም ንየሆዋ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ድዩ ነይሩ፧ እቲ መልሲ ብርግጽ ኣይኰነን ዝብል ኢዩ! እዚ ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ 1995 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ዘርኣይዎ ንጥፈት ዝገልጽ ሰሌዳ: ኣብ ገጽ 12 ክሳዕ 15 ናይዚ መጽሔት እዚ ተራእዩ ኣሎ።
‘ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ’
20. እቲ ክፍጸም ምዃኑ ብትንቢት እተነግረሉ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ምእካብ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ሰፊሕ ዝነበረ፧
20 እቲ ሓሙሻይ ኣዋጅ: ነቲ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዉዎ ካልእ ዘሐጕስ ኵነታት ዝገልጽ ኢዩ:- “እንሆ: ካብ ሃገር ምብራቕን ካብ ሃገር ምዕራብን ንህዝበይ ከድሕኖም እየ። ከምጽኦም እየ እሞ: ኣብ ማእከል የሩሳሌም ኪነብሩ እዮም: ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም: ኣነ ኸኣ ብሓቅን ብጽድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።”—ዘካርያስ 8:7, 8
21. በየናይ መገዲ ኢዩ እቲ ናይ ህዝቢ የሆዋ ብዝሒ ሰላም እተዓቀበን ዝሰፍሐን፧
21 ኣብ 1996: ኣፍና መሊእና እቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም: ‘ካብ ሃገር ምብራቕ ክሳዕ ሃገር ምዕራብ’ ተሰቢኹ ኢዩ ክንብል ንኽእል ኢና። ካብ ኵሎም ህዝብታት ደቀ መዛሙርቲ ተገይሮም ኢዮም: እቲ “ኵላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም: ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ” ዝብል ናይ የሆዋ መብጽዓ ፍጻሜ ድማ ርእዮም ኢዮም። (ኢሳይያስ 54:13) ብየሆዋ እተማሃርና ብምዃንና ሰላም ኣሎና። ነዚ ዕላማ እዚ ድማ ኢዩ ጽሑፋት ብልዕሊ 300 ቋንቋታት ዝሕተም ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 21 ካልኦት ቋንቋታት ተወሲኾም ኢዮም። ሕጂ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ሓደ እዋን ብ111 ቋንቋታት: ንቕሑ! ኸኣ ብ54 ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ። ሃገራውን ኣህጉራውን ዓበይቲ ኣኼባታት ነቲ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ ሰላም ግሁድ መርኣዪ ዝህብ ኢዩ። ሰሙናዊ ኣኼባታት ዘሕብሩናን ጽኑዓት ኴንና ምእንቲ ክንቅጽል ድማ ዘድልየና ምትብባዕ ዝህቡናን ኢዮም። (እብራውያን 10:23-25) እወ: የሆዋ ንህዝቡ “ብሓቅን ብጽድቅን” ይምህር ኢዩ ዘሎ። ንህዝቡ ሰላም ይህቦም ኢዩ ዘሎ። ኣብቲ ብዝሒ ሰላም እቲ ክንካፈልስ ክሳዕ ክንደይ እተባረኽና ኰን ኢና!
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ: የሆዋ ንህዝቡ ‘ብዓብዪ ቑጥዓ ዝቐንአ’ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ኣብቲ ውግእ ዘናወጾ ሃገራት እውን ከይተረፈ: ህዝቢ የሆዋ ሰላም ዘስተማቕሩ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ በየናይ መገዲ ኢዩ እቲ ‘ኣደባባያት ብኣወዳትን ኣዋልድን ዝመልአ’፧
◻ ህዝቢ የሆዋ ብእኡ ክማሃሩ ምእንቲ ክኽእሉ ከመይ ዝበለ ምድላዋት ኢዩ እተገብረ፧
[ኣብ ገጽ 12-15 ዘሎ ሰሌዳ]
ናይ 1995 ኣገልግሎት ዓመት ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር
[ኣብ ገጽ 8, 9 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ሻድሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. እቶም ንቤት መቕደስ ዝሃነጹ እሙናት ኣይሁድ የሆዋ እቲ እንኮ ሓቀኛ ምንጪ ሰላም ምዃኑ ተማሂሮም ኢዮም