“ሓቅን ሰላምን ኣፍቅሩ”!
“ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ መጸኒ: . . . ሓቅን ሰላምን ኣፍቅሩ።”—ዘካርያስ 8:18, 19
1, 2. (ሀ) ንሰላም ዝምልከት ናይ ወድሰብ ጸብጻብ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧ (ለ) እዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ናይ ሓቂ ሰላም ርእያ ዘይትፈልጥ ስለምንታይ ኢያ፧
ዓለም ፈጺማ ሰላም ረኺባ ኣይትፈልጥን ኢያ። ኣብ ገለ ቦታ—መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ብዙሕ ቦታታት—ኵሉ ግዜ ውግእ ኣሎ።” እዚ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዝርከብ ናይ ማሳቹሰትስ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሶር ሚልተን መየር ዝበሎ ኢዩ። ንሰብኣዊነት ዝምልከት ከመይ ዝበለ ዘሕዝን ርእይቶ ኰን ኢዩ! ሓቂ ኢዩ ሰባት ንሰላም ደልዮምዋ ኢዮም። ፖለቲከኛታት ካብቲ ኣብ ግዜ ሮሜ ዝነበረ ፓክስ ሮማነ ክሳዕ እቲ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝነበረ ሜላ “ተሓላሊኻ ምንባር:” ንሰላም ምእንቲ ኽዕቅብዋ ኵሉ ዓይነት መገድታት ፈቲኖም ኢዮም። እንተዀነ ግን: ኣብ መወዳእታ ኵሉ ጻዕሮም ፈሺሉ ኢዩ። ከምቲ ዘበናት ይገብር ኢሳይያስ ዝገለጾ “ልኡኻት ሰላም ከኣ ኣምሪሮም ይበኽዩ አለዉ።” (ኢሳይያስ 33:7) ስለምንታይ ኢዩ ከምዚ ዝዀነ፧
2 ምኽንያቱ ነባሪ ሰላም ካብ ጽልእን ስስዐን ዘይብሉ ኢዩ ክምንጭ ዘለዎ፣ ኣብ ሓቂ ክምስረት ኣለዎ። ሰላም ኣብ ሓሶት ክስረት ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤል ብዛዕባ ምምላስን ሰላምን ክመባጻዕ ከሎ ከምዚ ዝበለ:- “እንሆ: ሰላም ከም ፈሳሲ ርባ: ክብረት ኣህዛብ ከኣ ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኬውሕዘላ እ[የ]።” (ኢሳይያስ 66:12) ኣምላኽ እዚ ኣገባብ እዚ: ሰይጣን ድያብሎስ: “ቀታል ነፍሲ:” ከምኡውን ‘ሓሳዊ ንሓሶትውን ኣቦኣ ኢዩ።’ (ዮሃንስ 8:44፣ 2 ቈረንቶስ 4:4) ከምዚ ዝበለ ኣምላኽ ዘለዋ ዓለም ከመይ ኢሉ ሰላም ክህልዋ ይኽእል፧
3. ኣብዛ እተሸገረት ዓለም ዝነብሩ እኳ እንተዀኑ: የሆዋ ንህዝቡ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ህያብ ኢዩ ዝህቦም፧
3 እንተዀነ ግን: ፍልይ ብዝበለ ድማ: የሆዋ ንህዝቡ ኣብዛ ውግእ ዘናወጻ ናይ ሰይጣን ዓለም እናነበሩ ኸለዉ ሰላም ይህቦም ኢዩ። (ዮሃንስ 17:16) ኣብ ሻድሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ነቲ ብኤርምያስ ገይሩ ዝሃቦ መብጽዓኡ ፈጺምዎ ኢዩ ከምኡውን ናብ ሃገሮም ክመልሶም ከሎ ነቶም ፍሉያት ህዝቡ “ሰላምን ሓቅን” ሂብዎም ኢዩ። (ኤርምያስ 33:6) ከምኡውን ኣብዚ ዳሕሮት መዓልትታት: ሽሕ’ኳ ኣብቲ እዛ ዓለም እዚኣ ዝረኣየቶ ኣዝዩ ዝኸፍአ ግዜ ሽግር እንተ ነበሩ: ኣብ ‘ሃገሮም’ ወይ ኣብቲ ናይ ምድሪ መንፈሳዊ ቦታ: ንህዝቡ “ሰላምን ሓቅን” ሂብዎም ኢዩ። (ኢሳይያስ 66:8፣ ማቴዎስ 24:7-13፣ ራእይ 6:1-8) ንዘካርያስ ምዕራፍ 8 እናተዛራረብናሉ ክንከይድ ከሎና: ብዛዕባ እዚ ኣምላኽ ዝህቦ ሰላምን ሓቅን ዓሚቝ ምርዳእ ክንረክብን ኣብኡ ዘሎና ግደ ንምዕቃብ ድማ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎናን ክንርኢ ኢና።
‘ኣእዳውኩም ይጽናዕ’
4. ዘካርያስ ንእስራኤል ሰላም ምእንቲ ክረኽቡ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ዘተባብዖም ብኸመይ ኢዩ፧
4 ኣብ ዘካርያስ ምዕራፍ 8: ንሻድሻይ ግዜ ካብ የሆዋ ዝመጽእ ዘሐጕስ ኣዋጅ ንሰምዕ:- “ኣቱም በዘን መዓልትታት እዚኣተን: እቶም ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኽትህነጽሲ መሰረት ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እተሰረተትላ መዓልቲ ኣብኣ ዝነበሩ ነብያት እተዛረብዎ: ካብ ኣፎም እዘን ቃላት እዚኤን እትሰምዑ ዘሎኹም: ኣእዳውኩም ኣጽንዑ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ቅድሚ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ውዕለት ሰብን ውዕለት እንስሳን ኣይነበረን። ንዅሉ ሰብ ኣብ ንሓድሕዱ ፈንየዮ እየ እሞ: ብሰሪ ጸላኢ ነቲ ዚወጽእን ዚአቱን ሰላም ኣይነበረን።”—ዘካርያስ 8:9, 10
5, 6. (ሀ) ብምኽንያት ናይ እስራኤላውያን ተስፋ ምቝራጽ ኣብ እስራኤል ኵነታት ከመይ ነበረ፧ (ለ) ንኣምልኾኡ ቀዳማይ ቦታ እንተድኣ ሂባ የሆዋ ንእስራኤል እንታይ ለውጢ ክገብረላ ኢዩ እተመባጽዓላ፧
5 ዘካርያስ ነዘን ቃላት እዚኣተን እተዛረበን እታ ቤት መቕደስ ኣብ የሩሳሌም እንደገና እናተሃንጸት ከላ ኢዩ። ኣቐድም ኣቢሉ: እቶም ካብ ባቢሎን እተመልሱ እስራኤላውያን ተስፋ ቘሪጾም ነይሮም ኢዮም: ስለዚ ኸኣ ንዕዮ ምህናጽ ቤት መቕደስ ድማ ኣቋረጽዎ። ቈላሕታኦም ናብ ናይ ገዛእ ርእሶም ምቾት ገይሮም ብምንባሮም ካብ የሆዋ በረኸትን ሰላምን ኣይረኸቡን። ሽሕ’ኳ ንግራውቶም እንተዀስኰሱ: ንተኽሊ ወይኖም ድማ እንተ ተኸናኸኑ: ኣይበልጸጉን። (ሃጌ 1:3-6) ልክዕ ብዘይ “ውዕለት” ይዓዩ ከም ዝነበሩ ኢዩ።
6 ሕጂ ግን እታ ቤት መቕደስ እንደገና ትህነጽ ኢያ ዘላ: ዘካርያስ ድማ ነቶም ኣይሁድ ብትብዓት ንኣምልኾ የሆዋ ቀዳማይ ቦታ ምእንቲ ክህብዎ ‘ክጸንዑ’ ኣበራትዖም። ከምኡ እንተ ዝገብሩኸ እንታይ ምስዓበ፧ “ዘርኢ ሰላም ኪኸውን እዩ: ወይኒ ፍሬኣ ኽትህብ እያ: ምድሪ ኸኣ ብቝላ ኽትህብ: ሰማያት ድማ ጠሎም ኪህቡ: ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢውን እዚ ዅሉ ኸረስትዮም እየ እምበር: ሕጅስ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢዚ ኸምቲ በተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝነበርክዎ ኣይክዀኖምን እየ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ኪኸውን ድማ እዩ: ኣቱም ቤት ይሁዳን ቤት እስራኤልን: ከምቲ ኣብ ማእከል ኣህዛብ መርገም ዝዀንኩም: ከምኡ ኸድሕነኩም እየ። በረኸትውን ክትኰኑ ኢኹም: ኣይትፍርሁ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ።” (ዘካርያስ 8:11-13) እስራኤል ብቘራጽነት እንተ ትዓዪ ምበልጸገት ነይራ። ኣቐድም ኣቢሉ: እተን ሃገራት ናይ መርገም ኣብነት ምስ ዝደልያ ንእስራኤል ክጠቕስኣ ይኽእላ ነይረን ኢየን። ሕጂ ግን እስራኤል ናይ በረኸት ኣብነት ኢያ ክትከውን። ‘ኣእዳዎም ከጽንዑስ’ ከመይ ዝበለ ብሉጽ ምኽንያት ኰን ኢዩ!
7. (ሀ) ህዝቢ የሆዋ ኣብ ናይ 1995 ናይ ኣገልግሎት ዓመት እተዛዘመ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ለውጥታት ኢዮም ዘሕለፉ፧ (ለ) ኣብቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ብምርኣይ፣ ጕሉሕ ጸብጻብ ናይ ኣስፋሕቲ: ፓይነራት: ገምጋም ሰዓታት ዘለወን ሃገራት ኣየኖት ኢየን፧
7 ሎሚኸ፧ ልክዕ ኢዩ ኣብቲ ቅድሚ 1919 ዝነበረ ዓመታት: ህዝቢ የሆዋ ብገለ መገዲ ቅንኢ ጐዲልዎም ነይሩ ኢዩ። ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ናይ ገለልትነት መርገጽ ኣይወሰዱን: ከምኡውን ኣብ ክንዲ ነቲ ንጉሶም: የሱስ ክርስቶስ: ንሰብ ናይ ምስዓብ ዝንባለ ኢዩ ነይርዎም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: ገሊኦም በቲ ካብ ውሽጥን ካብ ወጻእን ናይታ ማሕበር ዝመጸ ምጽራር ተስፋ ቘሪጾም ኢዮም። ድሕርዚ: ብ1919 ብሓገዝ የሆዋ ኣእዳዎም ኣጽንዑ። (ዘካርያስ 4:6) የሆዋ ሰላም ሃቦም: ኣዝዮም ድማ ሃብተሙ። እዚ ኣብቲ ናይ 1995 ኣገልግሎት ዓመት እተዛዘመ ናይ ዝሓለፈ 75 ዓመታት ጸብጻብ ተራእዩ ኢዩ። ከም ህዝቢ መጠን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ሃገራውነት: ቀቢላውነት: ንሰብ ኣቐዲምካ ብጌጋ ካብ ምፍራድ: ከምኡውን ካብ ኵሉ ካልእ ናይ ጽልኢ ምንጭታት ርሒቖም ኢዮም። (1 ዮሃንስ 3:14-18) ንየሆዋ ኣብታ መንፈሳዊት ቤት መቕደሱ ኰይኖም ብሓቀኛ ቅንኢ የገልግልዎ ኢዮም። (እብራውያን 13:15፣ ራእይ 7:15) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ: ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦኦም ክነግርዎም ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት ኣሕሊፎም ኢዮም! ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ: 4,865,060 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ መሪሖም ኢዮም። ብገምጋም 663,521 ዝዀኑ ሰባት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ተኻፊሎም ኢዮም። ናይ ህዝበ ክርስትያን ኣገልገልቲ ብዛዕባ ኣብ ኣምልኾኦም ብሓቂ ውዕዉዕ መንፈስ ዘለዎም ሰባት ኣብነት ክህቡ ምስ ዝደልዩ ሓድሓደ ግዜ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም ዝጠቕሱ።
8. ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ውልቀሰብ ካብቲ “ዘርኢ ሰላም” ክጥቀም ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
8 ብምኽንያት እቲ ዘለዎም ቅንኢ: የሆዋ ንህዝቡ “ዘርኢ ሰላም” ይህቦም ኢዩ። ነቲ ዘርኢ እቲ ዝዀስኰሰ ነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብ ኣብ ልቡን ህይወቱን ሰላም ክዓቢ ከሎ ክርኢ ኢዩ። ምስ የሆዋን ምስ ክርስትያን ብጾቱን ብሰላም ዝመላለስ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ክርስትያን ኣብቲ ሓቅን ሰላምን ናይቶም ብስም የሆዋ እተጸውዑ ህዝቢ ክካፈል ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 3:11፣ ምስ ያእቆብ 3:18 ኣረኣእዮ።) እዝስ ኣዝዩ ባህ ዘብልዶ ኸይኰነ፧
“ኣይትፍርሁ”
9. የሆዋ ኣብቲ ምስ ህዝቡ ዝገብሮ ምምልላስ እንታይ ለውጥታት ክገብር ኢዩ እተመባጽዐ፧
9 ሕጂ ካብ የሆዋ ዝመጸ ሻብዓይ ኣዋጅ ኢና እነንብብ። ንሱኸ እንታይ ኢዩ፧ “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ: ከምቲ ኣቦታትኩም ምስ ኣቘጥዑኒ ኽፉእ ክገብረኩም ዝሐሰብኩዎ እሞ ዘይተጠዐስኩሉ: ከምኡውን በዘን መዓልትታት እዚኣተን ንየሩሳሌምን ንቤት ይሁዳን ሰናይ ክገብረለን ከም ብሓድሽ ሓሲበ አሎኹ: ኣይትፍርሁ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።”—ዘካርያስ 8:14, 15
10. ኣየናይ ጸብጻብ ኢዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘይፈርሁ ዘርኢ፧
10 ሽሕ’ኳ ህዝቢ የሆዋ ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብመንፈሳዊ መገዲ ተበታቲኖም እንተ ነበሩ: ብኣልባቦም እቲ ቅኑዕ ዘበለ ክገብሩ ደልዮም ኢዮም። ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሆዋ: ገለ መቕጻዕቲ ምስ ሃቦም: ኣብቲ ምስኣቶም ዝነበሮ ምምልላስ መገዱ ዝለወጠ። (ሚልክያስ 3:2-4) ሎሚ: ንድሕሪት ምልስ ኢልና ብምርኣይ: በቲ ዝገበሮ ምዉቕ ምስጋና ነቕርበሉ ኢና። ሓቂ ኢዩ: “ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት” ኴንና ኢና። (ማቴዎስ 24:9) ብዙሓት ተኣሲሮም: ገሊኦም ድማ ምእንቲ እምነቶም ተቐቲሎም ኢዮም። ዝበዝሕ ግዜ ንዕቀት ወይ ጽልኢ የጋጥመና ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣይንፈርህን ኢና። የሆዋ ካብ ዝዀነ ዝርአ ይኹን ዘይርአ ምጽራር ከም ዝሕይል ንፈልጥ ኢና። (ኢሳይያስ 40:15፣ ኤፌሶን 6:10-13) ነተን “ብእግዚኣብሄር [ተስፋ ግበር]: በርትዕ: ልብኻ ቀጥ ይበል” ዝብላ ቃላት ካብ ምቕላብ ድሕር ኣይክንብልን ኢና።—መዝሙር 27:14
“ነፍሲ ወከፍ ነንብጻይኩም ሓቂ ተዛረቡ”
11, 12. ኣብቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝህቦ በረኸታት መሊእና ክንካፈል ንደሊ እንተድኣ ኴንና በብውልቅና እንታይ ኢና ክንዝክር ዘሎና፧
11 ኣብቲ ካብ የሆዋ ዝርከብ በረኸት መሊእና ምእንቲ ክንካፈል: ክንዝክሮ ዘሎና ነገራት ኣሎ። ዘካርያስ ከምዚ ይብል:- “እቲ ኽትገብርዎ ዚግብኣኩም ነገርሲ እዚ እዩ: ነፍሲ ወከፍኩም ነንብጻይኩም ሓቂ ተዛረቡ: ኣብ ደጌታትኩም ፍርዲ ሓቅን ሰላምን ፍረዱ። ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እኩይ ኣይሕሰበሉ: ማሕላ ሓሶት ኣይትፍተዉ: ነዚ ዅሉ እጸልኦ እየ: ይብል እግዚኣብሄር።”—ዘካርያስ 8:16, 17
12 የሆዋ ሓቂ ክንዛረብ ኢዩ ዝምሕጸነና። (ኤፌሶን 4:15, 25) ንሱ ናይቶም ክፉእ ነገራት ዝኣልሙ: ንብሕታዊ ረብሓ ኢሎም ሓቂ ዝሓብኡ: ወይ ብሓሶት ዝምሕሉ ሰባት ጸሎት ኣይሰምዖን ኢዩ። (ምሳሌ 28:9) ክሕደት ዝጸልእ ብምዃኑ ናብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክንጠብቕ ኢዩ ዝደልየና። (መዝሙር 25:5፣ 2 ዮሃንስ 9-11) ብተወሳኺ: ልክዕ ከምቶም ኣብ ኣፍ ደገ ከተማ ናይ እስራኤል ዝነበሩ ዓበይቲ ሰባት: ናይ ፍርዲ ጕዳያት ዝርእዩ ሽማግለታት ዝህብዎ ምኽርን ውሳኔታትን ኣብ ብሕታዊ ኣረኣእያ ዘይኰነስ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክስርትዎ ይግባእ። (ዮሃንስ 17:17) ከም ክርስትያን ጓሶት መጠን: ኣብ መንጎ ዝሰሓሓቡ ጕጅለታት ሰላም ምእንቲ ክፈጥሩ ከምኡውን ነቶም እተናስሑ በደለኛታት ምስ ኣምላኽ ሰላም ክገብሩ ንኽሕግዝዎም ብምፍታን: የሆዋ ‘ፍርዲ ሰላም’ ክስዕቡ ኢዩ ዝደልዮም። (ያእቆብ 5:14, 15፣ ይሁዳ 23) ማዕረ ማዕረ ናይዚ ድማ: ነቶም ኰነ ኢሎም ኣብ ሕማቕ ተግባራት ብምቕጻል ነዚ ሰላም እዚ ዝዝርጉ ሰባት ብትብዓት ብምስጓግ ንሰላም ናይታ ጉባኤ ይሕልዉ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10
“ሓጐስን ደስታን”
13. (ሀ) ዘካርያስ ንጾም ዝምልከት እንታይ ለውጢ ኢዩ እተነበየ፧ (ለ) ኣብ እስራኤል ከመይ ዝበለ ጾም ኢዩ ዝበዓል ነይሩ፧
13 ሕጂ ድማ ሓደ ዘሐጕስ ሻሙናይ ኣዋጅ ኢና እንሰምዕ:- “እቲ ጾም ናይ ራብዓይ ወርሕን እቲ ጾም ናይ ሓምሳይን እቲ ጾም ናይ ሳብዓይን እቲ ጾም ናይ ዓስራይ ወርሕንሲ ንቤት ይሁዳ ሓጐስን ደስታን ባህ ዜብል በዓላት ዓመትን ኪዀነሎም እዩ: እምበኣርሲ ሓቅን ሰላምን ኣፍቅሩ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” (ዘካርያስ 8:19) ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ: እስራኤላውያን ብሓጢኣቶም ከም ዝሓዘኑ ንምግላጽ ኣብ መዓልቲ ምትዕራቕ ይጾሙ ነይሮም ኢዮም። (ዘሌዋውያን 16:29-31) እተን ዘካርያስ ዝጠቐሰን ኣርባዕተ ናይ ጾም ግዜያት በቲ ምስ ስዕረትን ዕንወትን የሩሳሌም እተተሓሓዘ ኵነታት ንምሕዛን ከም እተገብረ ብሩህ ኢዩ። (2 ነገስት 25:1-4, 8, 9, 22-26) ይኹን እምበር: ኣብዚ ግዜ እዚ: እታ ቤት መቕደስ እንደገና ትህነጽ የሩሳሌም ድማ እንደገና ብህዝቢ ትመልእ ኢያ ነይራ። ሓዘን ናብ ደስታ: ግዜ ጾም ድማ ናብ ባህ ዜብል በዓላት ኢዩ ዝልወጥ ነይሩ።
14, 15. (ሀ) እቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ንሓጐስ ዓቢ ምኽንያት ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ: እዚኸ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ከዘኻኽረና ዘለዎ፧ (ለ) ኣብቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ከም እተራእየ: ኣየኖት ሃገራት ኢየን ኣብቲ ዝኽሪ ዝበዝሑ ተሳተፍቲ ዝነበርወን፧
14 ሎሚ: እቲ ብዘካርያስ እተጠቕሰ ናይ ጾም ግዜያት ወይ እቲ ኣብቲ ሕጊ እተጻሕፈ ጾም ኣይንሕሉን ኢና። የሱስ ኣብ ክንዲ ሓጢኣትና ህይወቱ ስለ ዝሃበ: ናይቲ ዝዓበየ መዓልቲ ምትዕራቕ በረኸታት ኢና እነስተማቕር ዘሎና። ሓጢኣትና ፍርቀ ፍርቂ ዘይኰነስ ምሉእ ብምሉእ ኢዩ ተሓዲጉልና። (እብራውያን 9:6-14) ንትእዛዝ ናይቲ ሰማያዊ ሊቀ ካህን: የሱስ ክርስቶስ: ብምስዓብ ከም እንኮ ናይ ሓጐስ በዓል ነቲ ብክርስትያናት ዝበዓል ዝኽሪ ሞቱ ነኽብሮ ኢና። (ሉቃስ 22:19, 20) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ነቲ በዓል እቲ ኢልና ክንእከብ ከሎና “ሓጐስን ደስታን” ኣይነሕልፍን ዲና፧
15 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት: ካብቲ ናይ 1994 ቍጽሪ ብ858,284 ዝበዝሕ 13,147,201 ዝኣኽሉ ሰባት ነቲ ዝኽሪ ከብዕሉ ተኣኪቦም ኢዮም። ከመይ ዝበሉ ኣእላፍ ኰን ኢዮም! ነቲ በዓል እቲ ኢሎም ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰባት ናብቲ መንግስቲ ኣዳራሻት ክውሕዙ ከለዉ ኣብተን 78,620 ዝኣኽላ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት ዘሎ ሓጐስ እሞ ገምቶ። ብርግጽ: ኵሎም እቶም ንሞት ናይቲ “መገድን ሓቅን ህይወትን” ዝዀነ ከምኡውን ሕጂ ከም ናይ የሆዋ ዓብዪ “መስፍን ሰላም” ኰይኑ ነጊሱ ዘሎ ክዝክሩ ኣብኡ እተረኽቡ ሰባት ‘ሓቅን ሰላምን ከፍቅሩ’ ተለዓዒሎም ኢዮም! (ዮሃንስ 14:6፣ ኢሳይያስ 9:6) እቲ በዓል እቲ ነቶም ኣብቲ ናዕብን ውግእን ዝመልኦ ሃገራት ኰይኖም ዘብዓልዎ ሰባት ፍሉይ ትርጕም ነይርዎ ኢዩ። ገሊኦም ኣሕዋትና ኣብ 1995 ዝነበረ እዚ ዘይብሃል ራዕድታት ርእዮም ኢዮም። ጌና ግን: ‘እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ንልቦምን ሓሳቦምን ብክርስቶስ የሱስ ሓልይዎ እዩ’—ፊልጲ 4:7
‘ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንማህለል’
16, 17. ናይ ሃገራት ህዝብታት ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክምህለሉ’ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
16 እንተዀነ ግን: ኵሎም እቶም ኣብቲ ዝኽሪ እተኻፈሉ ሚልዮናት ሰባት ካበይ ኢዮም መጺኦም፧ እቲ ታሽዓይ ናይ የሆዋ መግለጺ ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ: ህዝብታትን ኣብ ብዙሕ ከተማታት ዚነብሩን ገና ኺመጹ እዮም። ኣብታ ሓንቲ ዚነብሩ ናብታ ኻልእ ኪኸዱ እዮም እሞ: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንምህለል: ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ክንደሊ ንኺድ: ኣነውን ክኸይድ እየ: ኪብሉ እዮም። ብዙሓት ህዝብታትን ሓያላት ኣህዛብን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ የሩሳሌም ኪደልይዎ: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኪምህለሉንስ ኪመጹ እዮም።”—ዘካርያስ 8:20-22
17 እቶም ኣብቲ ዝኽሪ እተኻፈሉ ሰባት ‘ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪደልይዎ’ ይብህጉ ኢዮም። ብዙሓት ካብኣቶም ውፉያትን እተጠመቑን ኣገልገልቱ ኢዮም። ካብቶም ተሳተፍቲ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካልኦት ድማ ጌና ኣብቲ ደረጃ እቲ ዘይበጽሑ ኢዮም። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ናይቶም ተኻፈልቲ ዝኽሪ ቍጽሪ ካብቲ ናይ ኣስፋሕቲ ቍጽሪ ብኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ግዜ ዝዓቢ ኢዩ። እዞም ብዙሓት ተገደስቲ ሰባት እዚኣቶም ምዕባለ ምግባር ምእንቲ ክቕጽሉ ሓገዝ የድልዮም ኢዩ። በቲ የሱስ ኣብ ክንዲ ሓጢኣትና ከም ዝሞተን ሕጂ ድማ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ይገዝእ ከም ዘሎን ዝሕብር ፍልጠት ክሕጐሱ ንምሃሮም። (1 ቈረንቶስ 5:7, 8፣ ራእይ 11:15) ገዛእ ርእሶም ንየሆዋ ኣምላኽ ክውፍዩን ነቲ እተመዘዘ ንጉሱ ክግዝኡን ነተባብዓዮም። በዚ ኸምዚ ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክምህለሉ’ ኢዮም።—መዝሙር 116:18, 19፣ ፊልጲ 2:12, 13
“ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ”
18, 19. (ሀ) ንፍጻሜ ዘካርያስ 8:23: ሎሚ እቲ “ኣይሁዳዊ” መን ኢዩ፧ (ለ) ሎሚ ‘ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ዝሕዙ’ “ዓሰርተ ሰብ” መን ኢዮም፧
18 ኣብ ዘካርያስ ምዕራፍ ሾሞንተ ንመወዳእታ ግዜ ከምዚ ነንብብ:- ‘እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል።’ ናይ የሆዋ ናይ መወዳእታ ኣዋጅ እንታይ ኢዩ፧ “በተን መዓልትታት እቲኣተን ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም: እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና: ኪብሉ እዮም።” (ዘካርያስ 8:23) ኣብ ግዜ ዘካርያስ: ብትውልዲ እስራኤላውያን ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እስራኤላውያን ነቲ ናይ የሆዋ መሲሕ ነጸግዎ። ስለዚ ኸኣ: ኣምላኽና ከም ፍሉይ ህዝቡ መጠን ን“ኣይሁዳዊ”—ሓድሽ እስራኤል—ካብ መንፈሳውያን ኣይሁድ ዝቘመ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” መረጸ። (ገላትያ 6:16፣ ዮሃንስ 1:11፣ ሮሜ 2:28, 29) ናይቶም ምስ የሱስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቱ ክገዝኡ ካብ ደቅሰብ እተሓርዩ: ናይ መወዳእታ ቝጽሪ ድማ 144,000 ክኸውን ነበሮ።—ራእይ 14:1, 4
19 መብዛሕትኦም ካብዞም 144,000 ድሮ እሙናት ኰይኖም ሞይቶም ናብቲ ሰማያዊ ዓስቦም ድማ ከይዶም ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 15:51, 52፣ ራእይ 6:9-11) ሒደት ዝዀኑ ኸኣ ኣብ ምድሪ ተሪፎም ኣለዉ: እዚኣቶም ድማ እቶም ምስቲ “ኣይሁዳዊ” ክኸዱ ዝመረጹ “ዓሰርተ ሰብ” ብርግጽ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ . . . [ዓቢ ጭፍራ ትሓዓ]” ምዃኖም ክርእዩ የሐጕሶም ኢዩ።—ራእይ 7:9፣ ኢሳይያስ 2:2, 3፣ 60:4-10, 22
20, 21. ናይዛ ዓለም እዚኣ መወዳእታ እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ እዋን: ምስ የሆዋ ብሰላም ክንነብር እንኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
20 ናይዛ ዓለም እዚኣ መወዳእታ ብዘየጠራጥር መገዲ እናቐረበ ክኸይድ ከሎ: ህዝበ ክርስትያን ልክዕ ከምታ ብግዜ ኤርምያስ ዝነበረት የሩሳሌም ኢያ:- “ሰላም ተጸቤና: ግናኸ ሰናይ ኣይመጸን። እንሐውየሉ ጊዜ ተጸቤና: እንሆ ስምባድ ኰነ።” (ኤርምያስ 14:19) እቲ ስምባድ እቲ: መንግስታት ነዘን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ምስ ተገልበጥወንን ሕሱም መወዳእታ ምስ ኣምጽኡለንን ኣብ መዛዘሚኡ ክበጽሕ ኢዩ። ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ: መንግስታት ንገዛእ ርእሶም ኣብቲ ናይ መወዳእታ ውግእ ኣምላኽ: ኣርማጌዶን: ክጠፍኡ ኢዮም። (ማቴዎስ 24:29, 30፣ ራእይ 16:14, 16፣ 17:16-18፣ 19:11-21) እቲ ግዜ እትስ ከመይ ዝበለ ናይ ናዕቢ ግዜ ኰን ክኸውን ኢዩ!
21 እዚ ኵሉ ክኸውን ከሎ: የሆዋ ነቶም ሓቂ ዘፍቅሩን “ዘርኢ ሰላም” ዝዅስኵሱን ሰባት ከዕቝቦም ኢዩ። (ዘካርያስ 8:12፣ ጸፎንያስ 2:3) እምበኣር: ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንእኡ ብቕዱስ ቅንኢ ብምውዳስን ንብዙሓት ድማ ክሳዕ ዝከኣለና ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንኽምህለሉ’ ብምሕጋዝን ኣብታ ናይ ህዝቡ ሃገር ተዓቝብና ንጽናሕ። ከምዚ እንተድኣ ገይርና: ኵሉ ግዜ ናይ የሆዋ ሰላም ከነስተማቕር ኢና። እወ: “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦ: እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርኾ” ኢዩ።—መዝሙር 29:11
ክትገልጾ ምኸኣልካ፧
◻ ኣብ ግዜ ዘካርያስ ህዝቢ ኣምላኽ ‘ኣእዳዎም ዘጽንዑ’ ብኸመይ ኢዮም፧ ሎሚኸ፧
◻ ንስደት: ንጽልኢ: ከምኡውን ምስትንዓቕ ብኸመይ ኢና እንምልሸሉ፧
◻ ‘ነፍሲ ወከፍ ነንብጻዩ ሓቂ ምዝራብ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧
◻ ሓደ ሰብ ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክምህለል’ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ኣብ ናይ ዘካርያስ 8:23 ፍጻሜ ንሓጐስ ዓቢ ምኽንያት ዝኸውን እንታይ ኢዩ እተራእየ፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክዛረቡዎም 1,150,353,444 ሰዓታት ኣሕሊፎም