ናይ ክርስትያን እምነት ክትፍተን ኢያ
“እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን።”—2 ተሰሎንቄ 3:2
1. ታሪኽ ንዅሉ ሰብ ናይ ሓቂ እምነት ከም ዘይነበረቶ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
ኣብ ታሪኽ ናይ ሓቂ እምነት ዝነበረቶም ሰብኡት: ኣንስቲ: ከምኡውን ቈልዑ ነይሮም ኢዮም። እታ “ናይ ሓቂ” እትብል ገላጺት ቅጽል ብቕዕቲ ኢያ: ምኽንያቱ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካልኦት ሰባት ልክዕ ከም ተዓሚትካ ምቕባል: ርጡብ መሰረት ወይ ምኽንያት ከይሓዝካ ንምእማን ድሉው ምዃን ዝዓይነታ እምነት ኣርእዮም ኢዮም። ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ወይ ምስቲ ዅሉ ዝኽእል የሆዋን ምስቲ እተገልጸ ቃሉን ዘይሰማማዕ ዓይነት ኣምልኾ ዘጠቓለለት ኢያ። በዚ ኸኣ ኢዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ዝጸሓፈ:-“እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን።”—2 ተሰሎንቄ 3:2
2. እምነትና ክንምርምራ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
2 ናይ ጳውሎስ ሓሳባት ግን ኣብቲ ግዜ እቲ ገሊኣቶም ናይ ሓቂ እምነት ከም ዝነበረቶም ኢዩ ዘመልክት: ሎሚ ገለ ሰባት እምነት ከም ዘላቶም ድማ ይእምት ኢዩ። ዝበዝሑ ኣንበብቲ ናይዚ መጽሔት እዚ ከምዚኣ ዝበለት ናይ ሓቂ እምነት—ምስቲ ናይ መለኮታዊ ሓቂ ርጡብ ፍልጠት እትሰማማዕ እምነት—ክትህልዎም እናወሰኸት ድማ ክትከይድ ይብህጉ ኢዮም። (ዮሃንስ 18:37፣ እብራውያን 11:6) ንስኻኸ ትብህግ ዲኻ፧ እምበኣር እምነትካ ክትፍተን ምዃና ክትፈልጦን ክትዳለወሉን ከም ዘሎካ ዘይተርፍ ነገር ኢዩ። ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ክበሃል ዝከኣል፧
3, 4. በቲ ናይ እምነት ፈተናታት ዝመጸ ንየሱስ ክንጥምት ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
3 የሱስ ክርስቶስ ሕምብርቲ እምነትና ምዃኑ ኣፍልጦ ክንህበሉ ኣሎና። አረ መጽሓፍ ቅዱስሲ ደምዳም እምነትና ከም ዝዀነ ኢዩ ዝዛረበሉ። እዚ ድማ ብምኽንያት እቲ የሱስ ዝበሎን ዝገበሮን: ብፍላይ ድማ ትንቢት ዝፈጸመሉ መገድን ኢዩ። ነቲ ሰባት ናይ ሓቂ እምነት ንኽሃንጹ ዘኽእሎም መሰረት ኣደልዲልዎ ኢዩ። (እብራውያን 12:2፣ ራእይ 1:1, 2) እንተዀነ ግን: የሱስ “ብዘይ ሓጢኣትሲ: ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ” ምንባሩ ኢና እነንብብ። (እብራውያን 4:15) እወ: እምነት የሱስ ተፈቲና ኢያ። እዚ ተስፋ ከቝርጸና ወይ ከሻቕለና ዘይኰነስ ከጸናንዓና ኢዩ ዘለዎ።
4 የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ክሳዕ ሙማት እውን ከይተረፈ ዓበይቲ ፈተናታት ብምሕላፍ “ምእዛዝ ተማህረ።” (እብራውያን 5:8) ሰባት ዝዀነ ይኹን ፈተናታት እናኣጋጠሞም ክነሱ ናይ ሓቂ እምነት ብምሓዝ ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ኣረጋጊጹ ኢዩ። ነቲ የሱስ ብዛዕባ ሰዓብቱ “ነቲ፤ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዐብን እዩ: ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ” ብምባል እተዛረቦ ክንሓስበሉ ከሎና: እዚ ፍሉይ ኣገዳስነት ዘለዎ ኢዩ። (ዮሃንስ 15:20) አረ: ነቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሰዓብቱ ኣመልኪቱስ: የሱስ ከምዚ ብምባል ተነብዩ ኢዩ:- “ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም።”—ማቴዎስ 24:9
5. ቅዱሳት ጽሑፋት ፈተናታት ከጋጥመና ምዃኑ ዝሕብር ብኸመይ ኢዩ፧
5 ኣብ መጀመርታ ናይዚ ክፍለ-ዘበን እዚ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ጀሚሩ ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ብምባል ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ:- “እቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዚጅምረሉ ጊዜ መጺኡ እዩ እሞ: ቅድም ኣባና ኻብ ዚጅምርሲ: እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧ እቲ ጻድቕ ብሓይለ ገደል ዚድሕን ካብ ዚኸውን: እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ ኣበይ ኪርኤ እዩ፧”—1 ጴጥሮስ 4:17, 18
እምነት ትፍተን—ስለምንታይ፧
6. እተፈተነት እምነት ኣዝያ ኽብርቲ እትኸውን ስለምንታይ ኢያ፧
6 ዘይተፈተነት እምነት ግና ብቕዕቲ ምዃና ክትረጋገጽ ኣይትኽእልን ኢያ: እቲ ዓይነታ ኸኣ ኣይፍለጥን ኢዩ። ልክዕ ምስ ሓደ ገና ገንዘብ ዘይወጸሉ ቸክ ከተማሳስላ ትኽእል ኢኻ። ንዝዓየኻዮ ዕዮ: ንዘቕረብካዮ ኣቕሑ: ወይ ብመልክዕ ህያብ ቸክ ተቐቢልካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እቲ ቸክ ዋጋ ዘለዎ ይመስል: እንተዀነ ግን ዋጋ ኣለዎ ድዩ፧ ናይ ሓቂ ዋግኡ ክንዲ እቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ መጠን ድዩ፧ ብተመሳሳሊ: እምነትና ካብ መልክዕ ወይ ቃል ንላዕሊ ክትከውን ኣለዋ። ዋጋ ዘለዋ: ዓይነታ ኸኣ ብሓቂ ጥዑይ ምዃኑ ክትረጋገጽ እንተድኣ ኰይና ክትፍተን ኣለዋ። እምነትና ምስ እትፍተን ድልድልትን ዋጋ ዘለዋን ኰይና ክንረኽባ ንኽእል ኢና። ፈተና እምነትና ምሕዳስ ወይ ምብርታዕ እትደልየሉ ዝዀነ ይኹን ጎድንታት ክገልጽ እውን ይኽእል ኢዩ።
7, 8. ናይ እምነትና ፈተናታት ካበየናይ ምንጪ ኢዩ ዝመጽእ፧
7 ኣምላኽ ስደትን ካልእ ናይ እምነት ፈተናታትን ክወርደና የፍቅድ ኢዩ። ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ: ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ: ኣምላኽ ፈቲኑኒ: ኣይበል።” (ያእቆብ 1:13) ንኸምዚ ዝበለ ፈተናታት ሓላፍነት ዝስከም መን ወይ እንታይ ኢዩ፧ ሰይጣን: ዓለም: ከምኡውን ዘይፍጹም ስጋና ኢዮም።
8 ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ዓለም: ኣብ ኣተሓሳስብኣ: ከምኡውን ኣብ መገድታታ ብርቱዕ ጽልዋ ከም ዝገብር ኣፍልጦ ንህበሉ ንኸውን። (1 ዮሃንስ 5:19) ምናልባት ድማ ኣንጻር ክርስትያናት መስጐግቲ ከም ዘለዓዕል ንፈልጥ ንኸውን። (ራእይ 12:17) ማዕረ እዚ ግን: ሰይጣን ዓለማዊ መስድዒታት ኣብ ቅድሚ ዓይንና ብምንባር: በቲ መፈንጠራ ክንትሓዝ: ንኣምላኽ ከይንእዘዝን ኣብ መወዳእታ ኸኣ ስምረት የሆዋ ክንስእንን ተስፋ ብምግባር: ነቲ ዘይፍጹም ስጋና ተጠቒሙ ከስሕተና ከም ዝፍትን ንርዳእ ዲና፧ ርግጽ ኢዩ: ናይ ሰይጣን ሜላታት ከደንጽወና የብሉን: ከመይሲ ንየሱስ ክፍትኖ ከሎ ተመሳሳሊ ብልሓት ኢዩ ተጠቒሙ።—ማቴዎስ 4:1-11
9. ካብቲ ናይ እምነት ኣብነታት ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
9 የሆዋ ብቓሉን በታ እትርአ ማሕበሩን ኣቢሉ: ክንቀድሖ እንኽእል ኣወንታዊ ኣብነታት ናይ እምነት ይህበና ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይምዕድ:- “ኣሕዋተየ: ንኣይ ምሰሉ: ከምቲ ንሕና ኣርኣያ ዝዀንናኩም: ኣብቶም ከምኡ ኢሎም ዚመላለሱ ኣስተብህሉ።” (ፊልጲ 3:17) ጳውሎስ ከም ሓደ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ቅቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን: ዓበይቲ ፈተናታት ኣጋጢምዎ ክነሱ ናይ እምነት ተግባራት ኣብ ምፍጻም መሪሕነት ወሲዱ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ምውዳእ መበል 20 ክፍለ-ዘበን: ምስዚ ዝመሳሰል ናይ እምነት ኣብነታት ኣይንስእንን ኢና። እተን ኣብ እብራውያን 13:7 ዘለዋ ቃላት ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ ክጽሕፈን ከሎ ዝነበረን ሓይሊ ኢዩ ዘለወን:- “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም: መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም: ኣስኣሰር እምነቶም ስዐቡ።”
10. ኣብዚ ዘመናዊ እዋን እንታይ ፍሉይ ናይ እምነት ኣብነታት ኢዩ ዘሎና፧
10 ናብራ ናይቶም ቅቡኣት ተረፍ እንታይ ውጽኢት ከም ዘለዎ ምስ እንርኢ እቲ ምዕዶ እቲ ብፍላይ ሓይሊ ኣለዎ። ነቲ ኣብነቶም ከነስተንትነሉን ንእምነቶም ክንቀድሖን ንኽእል ኢና። እምነቶም ብፈተናታት እተዀልዐት ናይ ሓቂ እምነት ኢያ። ካብቲ ኣብ 1870ታት ዝነበረ ንእሽቶ ምጅማር ሓደ ዓለምለኻዊ ክርስትያናዊ ሕውነት ማዕበለ። ከም ውጽኢት ናይቲ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ዝነበረ ፍረ እምነትን ምጽማምን ናይቶም ቅቡኣት: ሎሚ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮንን ፈረቓን መሰኻኽር የሆዋ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩን ይምህሩን ኣለዉ። እታ ሎሚ ዘላ ቀንኣት ዝዀኑ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዝሓዘት ዓለምለኻዊት ማሕበር ዝርአ መርትዖ ናይ እተፈተነት እምነት ኢያ።—ቲቶስ 2:14
ን1914 ዝምልከት እምነት ተፈቲና ኢያ
11. ንሲ. ቲ. ራስልን መተዓይይቱን 1914 ኣገዳሲት ዓመት ዝነበረት ብኸመይ ኢያ፧
11 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ ዓመታት ይገብር: እቶም ቅቡኣት ተረፍ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት 1914 ትርጕም ዘለዋ ዕለት ከም እትኸውን ይእውጁ ነበሩ። ይኹን እምበር: ገለ ካብቲ ትጽቢታቶም ቅድሚ እዋኑ እተገብረ: ነቲ ክፍጸም ዘለዎ ነገራት ኣመልኪቱ ዝነበሮም ርእይቶ ድማ ምሉእ ብምሉእ ልክዕ ዘይኰነ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ሲ. ቲ. ራስል: ቀዳማይ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን መተዓይይቱን ሰፊሕ ዕዮ ስብከት የድሊ ምንባሩ ክግንዘቡ ክኢሎም ኢዮም። ከምዚ ዝብል ኣንቢቦም ኢዮም:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።” (ማቴዎስ 24:14) እቲ ብተዛማዲ ንእሽቶ ዝነበረ ጕጅለኦም ግን ነዚ ብኸመይ ኢዩ ክገብሮ ዝኽእል ዝነበረ፧
12. ሓደ ካብቶም መተዓይይቲ ራስል ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብኸመይ ተቐበሎ፧
12 ኤይ. ኤች. ማክሚላን እተባህለ መተዓይይቲ ራስል ብኸመይ ከም እተተንከፈ ርአ። ኣብ ካናዳ እተወልደ ማክሚላን ነታ ዘ ፕላን ኦቭ ዘ ኤጅስ (1886) እትበሃል ናይ ራስል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ክረኽባ ከሎ ገና 20 ዓመት ኣይመልአን ነበረ። (እዛ መጽሓፍ እዚኣ: ዘ ዲቫይን ፕላን ኦቭ ዘ ኤጅስ ተባሂላ እውን እትጽዋዕ: 1ይቲ ጥራዝ ናይተን ብሰፊሑ እተዘርግሓ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ [እንግሊዝኛ] ዝበሃላ ጥሙራት መጻሕፍቲ ኰነት። 2ይቲ ጥራዝ: ዘ ታይም ኢዝ ኣት ሃንድ [1889] [እንግሊዝኛ] 1914 መወዳእታ “ዘመናት ኣህዛብ” ምዃና ሓበረት። [ሉቃስ 21:24]) ማክሚላን ልክዕ ኣብታ ከንብበላ ዝጀመረ ለይቲ: “እዚ እኳ ሓቅነት ዘለዎ ይመስል!” ኢሉ ሓሰበ። ኣብ ክራማት ናይ 1900 ንራስል ኣብ ሓደ ናይ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ—ሽዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍለጥሉ ዝነበሩ ስም—ዓቢ ኣኼባ ረኸቦ። ማክሚላን ሽዑ ንሽዑ ተጠምቀ: ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ናይ ማሕበር ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ድማ ምስ ሓው ራስል ክዓዪ ጀመረ።
13. ንፍጻሜ ማቴዎስ 24:14 ዝምልከት ንማክሚላንን ካልኦትን እንታይ ግድል ኢዩ እተራእዮም፧
13 እዞም ቅቡኣት ክርስትያናት እዚኣቶም ብመሰረት እቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቦም ዝረኸብዎ: 1914 ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ነጥበ-መቐይሮ ምዃና ሓበሩ። ማክሚላንን ካልኦትን ግን እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 ብትንቢት እተነግረሉ ንህዝብታት ዝእወጅ ስብከት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ከመይ ኢሉ ክዕመም ከም ዝኽእል ይገርሞም ነበረ። ጸኒሑ ከምዚ በለ:- “ነዚ ነገር እዚ ምስ ሓው ራስል ደጋጊመ ክዘራረበሉ እዝከረኒ: ንሱ ድማ ‘ርኢኻ ሓውና: ካብቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ኣብዚ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከቡ ኣይሁድ ይበዝሑ። ካብ ኣብ ደብለን ኣብዚ ዘለዉ ደቂ ኣየርላንድ ይበዝሑ። ካብ ኣብ ሮማ ኣብዚ ዘለዉ ጣልያን ይበዝሑ። ሕጂ ኣብዚ ንዅሎም እንተድኣ ሰቢኽናሎም: ንህዝቢ ዓለም እቲ መልእኽቲ ኣብጺሕናሉ ማለት ኢዩ’ ይብለኒ ነበረ። እዚ ግን ንኣእምሮና ዘዕገቦ ኣይመስልን ነበረ። በዚ ኸኣ ነታ ‘ፎቶ-ድራማ’ ናይ ምድላው ሓሳብ መጽኣና።”
14. ቅድሚ 1914 እንታይ ዘደንቕ ዕማም ኢዩ እተፈጸመ፧
14 እታ “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሬኤሽን” (እንግሊዝኛ) ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ዕማም ኰን ኢያ ነይራ! ኣብ ፎኖግራፍ ምስ እተመልአ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርባትን ሙዚቃን እተወሃሃደ ተንቀሳቓሲ ስእልን ብኢድ እተዳለወ ዘይንቀሳቐስ ስእልን ዝጠርነፈት ኢያ ነይራ። ብ1913 ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ኣብ ኣርካንሳስ: ሕ.መ.ኣ. ዝነበረ ሓደ ዓቢ ኣኼባ ከምዚ ኢላ ነበረት:- “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንምምሃር ተንቀሳቓሲ ስእልታት ምጥቃም ግዜኡ ከም ዝኣኸለ ናይ ሓባር ውሳነ ተመሓላለፈ። . . . [ራስል] ነዚ ውጥን እዚ ንምትግባር ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ከም ዝዓየየ: ሕጂ ድማ ብዘይጥርጥር ንብዙሓት ሰባት ዝማርኽን ነቲ ወንጌል ዝእውጅን: ሰባት ኣብ ኣምላኽ እምነት ክገብሩ ኸኣ ዝሕግዝ: ዳርጋ ብኣማእታት ዝቝጸር ምልኩዕ ስእልታት ድሮ ተዳልዩ ምህላዉ ገለጸ።”
15. እታ “ፎቶ-ድራማ” ከመይ ዝበለ ፍረ ነበራ፧
15 እታ “ፎቶ-ድራማ” ኣብቲ ጥሪ 1914 ዝቐረበ ናይ መጀመርታ ትርኢታ ልክዕ ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተባህለ ኢያ ገይራ። ቀጺሉ ድማ ካብ ናይ 1914 ግምቢ ዘብዐኛ እተረኽበ ጸብጻባት እንሆ:-
1 ሚያዝያ:- “ሓደ ኣገልጋሊ ነተን ክልተ ኽፍልታት ምስ ረኣየን ‘ናይታ ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪአሽን ፍርቂ ጥራይ ኢየ ርእየ: ድሮ ግን ካብቲ ኣብ ናይ ስነ-ሃይማኖት ሰሚናራት ንሰለስተ ዓመታት ዝወሰድክዎ ኮርስ ንላዕሊ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ካብኣ ብዙሕ ኢየ ተማሂረ።’ ሓደ ኣይሁዳዊ ምስ ረኣያ ‘ካብቲ ንዓኣ ቅድሚ ምርኣየይ ዝነበርኩዎ ዝሓሸ ኣይሁዳዊ ኰይነ ከድኩ’ ብምባል ተዛረበ። ሓያለይ ናይ ካቶሊክ ካህናትን ደናግልን ነታ ድራማ ርእዮምዋ ብዙሕ ሞሳ ድማ ገሊጾም ኢዮም። . . . ዛጊት ዓሰርተው ክልተ ክፍልታት ናይታ ድራማ ጥራይ ኢየን ተወዲአን ነይረን። . . . እንተዀነ ግን: ድሮ ዝበጻሕናየንን እነገልግለለንን ዘሎና ከተማታት ሰላሳን ሓደን ኢየን። . . . ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕ ሰባት ይርእይዋ: ይሰምዕዋ: የድንቕዋ: ይሓስቡላን ይባረኹን ኣለዉ።”
15 ሰነ:- “እቲ ስእልታት: ነቲ ቃል ሓቂ ንምዝርጋሕ ዝያዳ ቀናእ ከም ዝኸውን ገይሩኒ: ነቲ ሰማያዊ ኣቦናን በዅሪ ሓውና የሱስን ዘሎኒ ፍቕሪ ድማ ወሲኹለይ ኢዩ። ነታ ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪአሽን ከምኡውን ንዅሎም ኣብኣ እተሳተፉ ሰባት ኣምላኽ ኣብዚሑ ክባርኾም መዓልታዊ ጸሎተይ ኢዩ። . . . መገላግልትኹም ኤፍ. ዳብሊው. ኖች።—ኣዮዋ ”
15 ሓምለ:- “እቲ ስእልታት ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዘገርም ጦብላሕታ ከም ዝሓደገ ክንገልጽ ከሎና ሕጕሳት ኢና: እዚ ንዓለም ዝቐረበ ምስክርነት ጐይታ ዝሓረዮም ኣዕናቝ ምዃኖም መረጋገጺ ዝህቡ ብዙሓት ሰባት ንምእካብ ይጠቅም ምህላዉ ድማ ርግጸኛታት ኢና ዝብል ስምዒት ኣሎና። ብምኽንያት ዕዮ ናይዛ ፎቶ-ድራማ ብርክት ዝበሉ ሓቀኛታት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምስታ ጉባኤ ሓቢሮም ምህላዎም ንፈልጥ ኢና። . . . ብጐይታ ሓብትኹም ኤማ ኤል. ብሪካር።”
15 ሕዳር:- “ነቲ ብመገዲ ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪአሽን ኣብ ለንደን ኦፔራ ሃውስ: ኪንግስወይ: ዝዋሃብ ዘሎ ዘገርም ምስክርነት ምስማዕ ከም ዘሐጕሰኩም ርግጸኛታት ኢና። እታ ደጋፊት ኢድ ጐይታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትርኢት ናይዛ ኣሕዋት ብዙሕ ዝሕጐሱላ ዘለዉ ድራማ ኣዝዩ ብዘደንቕ መገዲ ተራእያ ኢያ። . . . ተዓዘብትና ካብ ኵሉ ደረጃ መነባብሮን ካብ ኵሎም ዓይነት ሰባትን ዝመጹ ኢዮም፣ ብዙሓት ካብ ኣቕሽሽቲ ናብቲ ምርኢት ክመጹ ተዓዚብና ኢና። ሓደ ቆመስ . . . ንሱን በዓልቲ ቤቱን እንደገና መጺኦም ምእንቲ ክርእይዋ ቲኬት ሓተተ። ሓደ መራሕ ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ድማ: ነታ ድራማ ሓያለይ ግዜ ረኣያ: . . . ነታ ድራማ ምእንቲ ክርእይዋ ኸኣ ብዙሓት ኣዕሩኹ ኣምጽአ። ክልተ ኣቡናትን ሓያለይ ሰብ መዓርግን ኣብኡ ተረኺቦም ኢዮም።”
1 ታሕሳስ:- “ኣነን በዓልቲ ቤተይን ነቲ ብኣኻ ኣቢሉ ዝመጸና ዓብን ብዋጋ ዘይሽነንን በረኸት ንሰማያዊ ኣቦና ብሓቂ ኣመስጊናዮ ኢና። ንሓቂ ክንርእዮን ክንቅበሎን ምኽንያት ዝዀነትና እታ ጽብቕቲ ዘዳለኻያ ፎቶ-ድራማ ኢያ። . . . እተን ናይ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ሽዱሽተ ጥራዛትካ ኣለዋና። ዓቢ ሓገዝ ድማ ኢየን።”
ነቲ ናይ ሽዑ እዋን ፈተናታት እተራእየ ምላሽ
16. ስለምንታይ ኢያ 1914 ናይ እምነት ፈተና ዘምጽአት፧
16 እዞም ቅኑዓትን ውፉያትን ክርስትያናት ነቲ ብ1914 ምስ ጐይታ ክሓብሩ ዝነበሮም ትጽቢት ከም ዘይተፈጸመ ምስ ተገንዘቡ ግን እንታይ ኰነ፧ እዞም ቅቡኣት እዚኣቶም ሓደ ፍልይ ዝበለ ናይ ፈተና እዋን ኣሕሊፎም ኢዮም። እታ ናይ 1 ሕዳር 1914 ግምቢ ዘብዐኛ “ኣብ ናይ ፈተና እዋን ከም ዘለና ንዘክር” ብምባል ኣወጀት። እታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትብሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ (1993) ነዚ ኣመልኪታ “እቲ ካብ 1914 ክሳዕ 1918 ዝነበረ ዓመታት ነቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ናይ ‘ፈተና እዋን’ ኢዩ ነይሩ።” ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ዕዮ ክፍጽምዎ ምእንቲ ክኽእሉ እምነቶም ክትኵላዕን ኣተሓሳስብኦም ክዕረን የፍቅድሉዶ ይዀኑ፧
17. እቶም እሙናት ቅቡኣት 1914 ምስ ሓለፈ ነቲ ኣብ ምድሪ ምጽንሖም ብኸመይ መለስሉ፧
17 እታ ናይ 1 መስከረም 1916 ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ ኢላ ነበረት:- “እቲ ምእካብ ናይታ ቤተ-ክርስትያን [እቶም ቅቡኣት] ዝካየደሉ ዕዮ ዓጺድ: ዘመናት ኣህዛብ ቅድሚ ምውድኡ ዝፍጸም ይመስለና ነይሩ፣ እንተዀነ ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ዝብል ዋላ ሓንቲ የለን። . . . እቲ ዕዮ ዓጺድ ብምቕጻሉ ንጠዓስ ዲና፧ . . . ክቡራት ኣሕዋት: ሕጂ ንኣምላኽ ዓቢ ምስጋና ዝህብ: ነቲ ኣምላኽ ምርዳእ ንኽህልወናን ብእኡ ክንፍለጥን ኢሉ ዝሃበና መሰል ናይቲ ውቁብ ቃል ሓቂ እናወሰኸ ዝኸይድ ሞሳ ዝገልጽ: ከምኡውን ነዚ ሓቂ እዚ ካልኦት ንኽፈልጥዎ ክንሕግዝ እናዓበየ ዝኸይድ ቅንኢ ዘለዎ ኣረኣእያ ክህልወና ይግባእ።” እምነቶም ተፈቲና ኢያ: እንተዀነ ግን ነቲ ፈተና እቲ ተጋጢሞምዎ ብዓወት ድማ ተዋጺኦምሉ ኢዮም። ንሕና ክርስትያናት ግን እቲ ናይ እምነት ፈተናታት ብዙሕን እተፈላለየን ክኸውን ስለ ዝኽእል ክንጥንቀቕ ኣሎና።
18, 19. ህዝቢ ኣምላኽ ድሕሪ ሞት ሓው ራስል ብዙሕ ከይጸንሐ እንታይ ካልእ ናይ እምነት ፈተናታት ኣጋጠሞም፧
18 ንኣብነት: ሓው ቻርለስ ቲ. ራስል ድሕሪ ሙማቱ ቅሩብ ጸኒሑ ኸኣ ነቶም ተረፍ ካልእ ዓይነት ፈተና ኣጋጠሞም። እዚ ናይ ተኣማንነቶምን እምነቶምን ፈተና ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:45 ዘሎ ‘እሙን ባርያ’ መን ኢዩ፧ ገሊኦም ሓው ራስል ይመስሎም ነበረ እሞ ነቲ ሓድሽ ናይ ማሕበር ምትዕርራያት ድማ ምድጋፍ ኣበዩ። እቲ ባርያ ንሱ እንተድኣ ነይሩ ሕጂ ንሱ ምስ ሞተ ድኣ እቶም ኣሕዋት እንታይ ኢዮም ክገብሩ፧ ንሓድሽ እተመርጸ ውልቀ-ሰብ ክስዕቡ ድዩ ዘለዎም: ወይስ የሆዋ ከም መሳርሒ ወይ ከም ክፍሊ ባርያ ዝጥቀመሉ ኣካል: ሓደ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ ሓደ ጕጅለ ክርስትያናት ምዃኑ ሕጂ ኣፍልጦ ዝህብሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ፧
19 ብ1918 ዓለማውያን ሰበ-ስልጣን ብኣቕሽሽቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ተደፋፊኦም ‘ንሕጊ ብዓመጽ’ ተጠቒሞም ኣብ ማሕበር የሆዋ ጕድኣት ምስ ኣውረዱ: እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ተወሳኺ ፈተና ኣጋጠሞም። (መዝሙር 94:20) ኣንጻር እቶም ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኣብ ኣውሮጳን ዝነበሩ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ማዕበል ብርቱዕ መስጐግቲ ተፈነወ። እቲ ብኣቕሽሽቲ እተለዓዓለ መስጐግቲ 7 ግንቦት 1918 ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድን ንኤይ. ኤች. ማክሚላን ሓዊስካ ብዙሓት ካብቶም ናይ ቀረባ መተዓይይቱን ክእሰሩ ዝእዝዝ ወረቐት ካብቲ ናይ ሕ.መ.ኣ. ፈደራላዊ መንግስቲ ምስ ወጸ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጅኡ በጽሐ። ከም መናዓብቲ ተኸሱ: ነቲ ንጹሃት ምዃኖም ንምግላጽ ዘቕረብዎ መልስታት ድማ እቶም ሰበ-ስልጣን ግዲ ኣይገበርሉን።
20, 21. ከምቲ ኣብ ሚልክያስ 3:1-3 ብትንቢት እተገልጸ: ኣብ ማእከል እቶም ቅቡኣት እንታይ ዕዮ ኢዩ ዝካየድ ነይሩ፧
20 ኣብቲ ግዜ እቲ ከምኡ ምዃኑ ዘይተፈልጠ እኳ እንተ ነበረ: ከምቲ ኣብ ሚልክያስ 3:1-3 ተገሊጹ ዘሎ ናይ ምንጻህ ዕዮ ኢዩ ዝካየድ ነይሩ: ከምዚ ድማ ይብል:- “ንሱ [መልኣኽ ቃል ኪዳን] ኸም ናይ ኰላዒ ሓውን ከም ናይ ሓጻቢ ሳሙናን እዩ እሞ: ነታ መዓልቲ ምምጻኡ መን ይጽመማ፧ ንሱ ኺግለጽ ከሎስ: መን ይቐውም፧ ንሱ ኸኣ ነቲ ብሩር ኪዅልዕን ኬጽርን ኪቕመጥ እዩ። ንደቂ ሌዊ ኼጽርዮም: ከም ወርቅን ብሩርን ከኣ ኪዅልዖም እዩ: ንሳቶምውን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብጽድቂ ኺስውኡሉ እዮም።”
21 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ናብ ምውዳእ ገጹ ክኸይድ ከሎ: ንገለ ካብ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናይ ዓለም ወተሃደራዊ ጕዳያት ጽኑዕ ገለልተኝነት ዝዕቅቡ ምዃኖም ዘይምዃኖም ዘፍልጥ ካልእ ናይ እምነት ፈተና ኣጋጠሞም። (ዮሃንስ 17:16፣ 18:36) ገለ ግን ገለልትነቶም ኣይዓቀቡን። ስለዚ: ብ1918 የሆዋ ነቶም ሒደት ጕጅለ ኣምለኽቱ ካብ ናይ ዓለም ኣበራት ምእንቲ ከንጽሆም ነቲ “መልኣኽ ቃል ኪዳን” ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ናብቲ ናይ መንፈሳዊ ቤት መቕደሱ ምድላው ለኣኾ። እቶም ናይ ሓቂ እምነት ምርኣይ ዝቐጸሉ ካብቲ ተመክሮ ትምህርቲ ብምርካብ ንቕድሚት ሰጐሙ: ብቕንኢ ኸኣ ምስባኽ ቀጸሉ።
22. ነቲ ናይ እምነት ፈተናታት ዝምልከት: ኣብ ዝመጽእ እንርእዮ እንታይ ኢዩ፧
22 እዚ ክሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ሕሉፍ ታሪኻዊ ፍጻመ ከም ዝዀነ ገይርካ ጥራይ ዝውሰድ ኣይኰነን። ምስ መንፈሳዊ ኵነታት ናይዛ ሎሚ ዘላ ዓለምለኻዊት ማሕበር የሆዋ ብቐጥታ ዝተሓሓዝ ኢዩ። ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ንገለ ካብቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዘጋጥሞም ዘሎ ናይ እምነት ፈተናታትን ነዚ ከመይ ኢልና ብዓወት ክንዋጽኣሉ ከም እንኽእልን ንርአ።
ትዝክሮዶ፧
◻ ህዝቢ የሆዋ እምነቶም ክትፍተን ክጽበዩ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧
◻ ቅድሚ 1914 ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ንምዝርጋሕ ከመይ ዝበለ ጻዕርታት ኢዩ እተራእየ፧
◻ እታ “ፎቶ-ድራማ” እንታይ ኢያ: እንታይ ፍረኸ ኢዩ ዝነበራ፧
◻ እቲ ኣብ እዋን 1914-18 እተራእየ ፍጻመታት ብኸመይ ኢዩ ነቶም ቅቡኣት ዝፈተኖም፧
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዘመን እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከቡ ሰባት በተን “ሚለንያል ዳውን ” ጸኒሐን ድማ “ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ” እተባህላ ተኸታተልቲ ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ ተሓጊዞም መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ ነበሩ
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
“‘ፎቶ -ድራማ ኦቭ ክሪአሽን ’ ብኣይ. ቢ. ኤስ. ኤይ.—ኣህጉራዊ ማሕበር ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ —እተዳለወት ኢያ። ዕላምኣ ምስ ሃይማኖ ትን ስነ -ፍልጠትን ኣሕቢርካ ንህዝቢ ትምህርቲ ምሃብ: ከምኡውን ኣብ ክንዲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥባቕ ኢዩ ” ዝብል ናይ መእተዊ ጽሑፍ ዝሓዘት ካብ ሲ. ቲ. ራስል ዝመጸት ደብዳበ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ደሚትርየስ ፓፓጆርጅ ነታ “ፎቶ -ድራማ ኦቭ ክሪአሽን ” ከርኢ ተጓዒዙ ኢዩ። ጸኒሑ ብምኽንያ ት ክርስትያናዊ ገለልትነቱ ተኣስረ