ምዕራፍ ዓሰርተ ሓሙሽተ
ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለድና ምኽባር
1. ወለድና እንታይ ኢዮም ዝእውዱና: ስለዚ ብዛዕብኦም ከመይ ክስምዓና ኣለዎ: እንታይከ ክንገብር ኣሎና፧
እቲ ነዊሕ ይገብር ዝነበረ ጥበበኛ ሰብኣይ “ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ: ኣዴኻ ምስ አረገት ከኣ ኣይትንዐቃ” ብምባል ምኽሪ ሃበ። (ምሳሌ 23:22) ‘ፈጺመ ከምዚ ኣይገብርን ኢየ!’ ትብል ትኸውን። መብዛሕትና ንኣዴና ወይ ንኣቦና ኣብ ክንዲ ምንዓቕ: ዓሚቝ ፍቕሪ ኢዩ ዘሎና። ብዙሕ ከም ዝእውዱና ንግንዘብ ኢና። ቅድም ቀዳድም ወለድና ህይወት ሂቦምና ኢዮም። የሆዋ ምንጪ ህይወት እኳ እንተዀነ: ብዘይ ወለድና ኣብ ህላወ ክንመጽእ ኣይንኽእልን ኢና። ንወለድና ክንህቦም እንኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ክንዲ ህይወት ክብሪ ዘለዎ የለን። ብዛዕባ እቲ ንቘልዓ ካብ ሕጻንነቱ ክሳዕ እኹል ሰብ ዝኸውን ዘርኣይዎ ርእስኻ ምስዋእ: ምሽቓል እተሓወሶ ሓልዮት: ፍቕራዊ ኣቓልቦ እውን ሕሰብዎ። ስለዚ እምበኣር: ቃል ኣምላኽ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር: ጽቡቕ ኪዀነልካ: ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ” ኢሉ ምኽሪ ምሃቡ ክሳዕ ክንደይ ምኽንያታዊ ኰን ኢዩ!—ኤፌሶን 6:2, 3
ነቲ ስምዒታዊ ድሌቶም ምግንዛቡ
2. ዝዓበዩ ውሉዳት ንወለዶም ‘ውሬታ ዝመልሱ’ ክዀኑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
2 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ: ንሳቶም [ደቂ ወይ ድማ ደቂ ደቂ] ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ኬርእዩ ንወለዶምውን [“ንወለዶም ከምኡውን ኣባሓጎታቶም ወይ እኖሓጎታቶም:” NW ] ውሬታ ኺመልሱ ይምሀሩ።” (1 ጢሞቴዎስ 5:4) እቶም ዝዓበዩ ውሉዳት ነቲ ወለዶም ከምኡውን ኣባሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ዘርኣይዎም ፍቕሪ: ዝገበሩሎም ዕዮን ሓልዮትን ሞሳ ብምርኣይ ‘ውሬታ ይመልሱ።’ ቈልዑ ከምዚ ክገብርሉ ዝኽእሉ ሓደ መገዲ እቶም ዓበይቲ ልክዕ ከምቲ ኻልእ ሰብ ፍቕርን ሓልዮትን ከም ዘድልዮም ብምግንዛብ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ንሕና እንደልዮ: ንሳቶም እውን ግምት ክወሃቦም ይደልዩ ኢዮም። ህይወቶም ቁም ነገር ዘለዎ ምዃኑ ክስምዖም ይደልዩ ኢዮም።
3. ንወለድና ከምኡውን ኣባሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ብኸመይ ኢና ከነኽብሮም እንኽእል፧
3 ስለዚ እምበኣር ንወለድና ከምኡውን ኣባሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ነፍቅሮም ምዃንና ከም ዝፈልጡ ብምግባር ከነኽብሮም ንኽእል ኢና። (1 ቈረንቶስ 16:14) ወለድና ምሳና ዘይነብሩ እንተድኣ ኰይኖም: ደሃይና ክሰምዑ ከለዉ ንዕኦም ዓቢ ነገር ምዃኑ ክንዝክር ኣሎና። ደስ ዘብል ደብዳበ: ስልኪ ምድዋል: ወይ ምብጻሕ ኣብ ሓጐሶም ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ኣብ ጃፓን እትቕመጥ ሜዮ እተባህለት ጓል 82 ዓመት ሰበይቲ ከምዚ ኢላ ትጽሕፍ:- “ጓለይ [በዓል ቤታ ገያሺ ኣገልጋሊ ኢዩ] ‘ማማ: በጃኺ ምሳና “ተጓዓዚ” ትብለኒ።’ ናይቲ ዝገብርዎ ጕዕዞ መደብን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ናይ ዝበጽሕዋ ጉባኤ ስልኪ ቍጽርን ትልእከለይ። ካርታይ ገንጺለ ‘ሕጂ ኣብዚ ቦታ እዚ ኣለዉ!’ እብል። ከምዚኣ ዝኣመሰለት ጓል ሂቡ ስለ ዝባረኸኒ ኵሉ ግዜ ንየሆዋ አመስግኖ ኢየ።”
ብስጋዊ ነገራት ምሕጋዞም
4. እቲ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታዊ ልምዲ ብዛዕባ ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ቅጭጭ ዘይብለካ ንኽትከውን ዘተባብዕ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧
4 ንወለድኻ ምኽባር ነቲ ዘድልዮም ስጋዊ ነገራት ምምላእ ከጠቓልል ይኽእልዶ፧ እወ: ይኽእል ኢዩ። መብዛሕትኡ እዋን ድማ ከምኡ ኢዩ። ኣብቲ የሱስ ዝነበረሉ እዋን እቶም ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ሓደ ሰብ ገንዘቡ ወይ ንብረቱ “መባእ ጌረዮ” ኢየ እንተድኣ ኢሉ: ካብቲ ንወለዱ ንኽሕግዝ ዘለዎ ሓላፍነት ናጻ ኰይኑ ኢዩ ዝብል ልምዲ ነበሮም። (ማቴዎስ 15:3-6) ከመይ ዝበለ ድርቅና ዀን ኢዩ! ብሓቂ ክርአ ኸሎ እቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ነቶም ህዝቢ ንወለዶም ከኽብሩ ዘይኰነስ ብስስዐ ነቲ ዘድልዮም ብምኽላእ ንወለዶም ክጽየፉ ኢዮም ዘተባብዕዎም ነይሮም። ከምዚ ክንገብር ፈጺምና ኣይንደልን ኢና!—ዘዳግም 27:16
5. ኣብ ገለ ሃገራት በቲ መንግስቲ ዝግበር ምድላዋት እኳ እንተሎ: ንወለድኻ ምኽባር ሓድሓደ እዋናት ብገንዘብ ምሕጋዞም እውን ዘጠቓልል ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት: መንግስቲ ዝምውሎ ንኸም መግቢ: ክዳን: ከምኡውን መንበሪ ዝኣመሰለ ስጋዊ ድሌት ናይቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዘማልእ ናይ ረድኤት ፕሮግራማት ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ባዕሎም ንግዜ እርግንኦም ዝኸውን ገለ ምድላዋት ይገብሩ ኢዮም። እንተዀነ ግን: እዚ ፕሮግራማት እዚ ምስ ዘቋርጽ ወይ ዘይእኹል ምስ ዝኸውን: ውሉዳት ንናይ ወለዶም ስጋዊ ድሌት ንምምላእ ዝከኣሎም ዘበለ ብምግባር ንወለዶም የኽብሩ። አረ: ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ምሕላይሲ ነቲ መስራቲ ስርዓት ስድራቤት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎካ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘረጋግጽ ኢዩ።
ፍቕርን ርእስኻ ምስዋእን
6. ገሊኦም ነቲ ናይ ወለዶም ድሌት ምእንቲ ከማልኡ ኣብ ናብርኦም እንታይ ምትዕርራያት ኢዮም ዝገበሩ፧
6 ብዙሓት እኹላት ውሉዳት ንድሌት ናይቶም ድኑሳት ወለዶም ብፍቕርን ርእስኻ ብምስዋእን ኣማሊኦም ኢዮም። ገሊኦም ንወለዶም ናብ ቤቶም ኣምጺኦምዎም ወይ ጥቕኦም ንክዀኑ ገዛ ቀይሮም ኢዮም። ገሊኦም ድማ ምስኦም ምንባር ጀሚሮም። መብዛሕትኡ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምግባር ነቶም ወለድን ውሉዳትን በረኸት ዘምጽእ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ።
7. ብዛዕባ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ናይ ታህዋኽ ውሳነ ዘይምግባር ጽቡቕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
7 ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ምግዓዝ ሓድሓደ እዋን ጽቡቕ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምናልባት እቲ ውሳነ ብሃታሃታ ወይ ብስምዒት ጥራይ እተገብረ ብምዃኑ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” ብምባል ጥበባዊ መጠንቀቕታ ይህብ። (ምሳሌ 14:15) ንኣብነት: እታ ብዕድመ ዝደፍአት ኣዴኻ ናይ ጽምዋ ሽግር ስለ ዘለዋ: ምሳኻ ምንባር እንተድኣ ጀሚራ ክትጥቀም ትኽእል ኢያ ኢልካ ሓሲብካ ንበል። ነቲ እትወስዶ ስጕምቲ ብምስትውዓል ክትሓስበሉ ከሎኻ: ነዚ ዝስዕብ ነገራት ኣብ ግምት ኣእቱ:- እቲ ብሓቂ ዘድልያ ዘሎ ነገር እንታይ ኢዩ፧ ኣማራጺ ዝዀነ መፍትሒ ክህብ ዝኽእል ናይ ብሕቲ ወይ ድማ መንግስቲ ዝምውሎ ኣገልግሎት ኣሎዶ ኢዩ፧ ክትቅይር ትደሊዶ ኢያ፧ እንተድኣ ቀይራኸ: ህይወታ በየናይ መገድታት ኢዩ ዝትንከፍ፧ ኣዳኖታታ ክትገድፈን ከድልያ ድዩ፧ እዚኸ ንስምዒታ ብኸመይ ይትንክፎ፧ እዚ ነገራት እዚ ምስኣ ተዛራሪብካሉዶ ኢኻ፧ እዚ ምቕያር እዝኸ ንዓኻ: ንናይ መርዓ ብጻይካ: ንደቅኻ ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፈኩም፧ ኣዴኻ ክንክን ትደሊ እንተድኣ ኰይና: መን ኢዩ ክከናኸና፧ እቲ ሓላፍነት ክትካፈሎ ይከኣልዶ ኢዩ፧ ነቲ ጕዳይ ምስቶም ዝምልከቶም ኵሎም ተመያይጥካሉዶ ኢኻ፧
8. ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለድኹም ንምሕጋዝ ክትውስኑ ከለኹም ንመን ኢኹም ከተማኽሩ እትኽእሉ፧
8 እቲ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ንዅሎም ውሉዳት ናይታ ስድራቤት ዝምልከት ስለ ዝዀነ: ውሳነ ኣብ ምግባር ኵሎም ምእንቲ ክካፈሉ ናይ ስድራቤት ኣኼባ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ነቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ወይ ተመሳሳሊ ኵነታት ንዘጋጠሞም ብጾት ምሕታት እውን ሓጋዚ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ: ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን: ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ” ብምባል የጠንቅቕ።—ምሳሌ 15:22
ስምዒት ካልኦት እትርድኡን መስተውዓልትን ኩኑ
9, 10. (ሀ) ዕድሜኦም እናደፍአ ዝኸይድ እኳ እንተዀነ: ነቶም ዓበይቲ እንታይ ግምት ኢዩ ክወሃቦም ዘለዎ፧ (ለ) ሓደ ዝዓበየ ውላድ ኣብ ክንዲ ወለዱ ኰይኑ ዝዀነ ይኹን ስጕምቲ ክወስድ ከሎ: ኵሉ ግዜ እንታይ ኢዩ ክህቦም ዘለዎ፧
9 ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለድና ንምኽባር ስምዒት ካልኦት ምርዳእን ምስትውዓልን ይሓትት። እቶም ኣረጋውያን ዕድመ እናደፍኡ ክኸዱ ከለዉ ብእግሪ ክንቀሳቐሱ: ክበልዑ: ከምኡውን ክዝክሩ ከቢድ ኰይኑ ኢዮም ዝረኽብዎ። ሓገዝ የድልዮም ይኸውን ኢዩ። መብዛሕትኡ እዋን እቶም ውሉዳት ዕቑባ ክዀኑን መምርሒ ክህቡን ኢዮም ዝጽዕሩ። እንተዀነ ግን እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣብ ምሉእ ዕድሜኦም ንገዛእ ርእሶም ክኣልዩን ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነታት ክገብሩን ከለዉ ዘጥረይዎ ጥበብን ተመክሮን ኣለዎም። ባህሪኦምን ክብረቶምን ከም ወለድን ዓበይቲ ሰባትን መጠን ግዲኦም ኣብ ምፍጻም ዘተኰረ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቶም ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ደቆም ትኣቱ ዘላ ኰይኑ ዝስምዖም ወለዲ ይጭነቑ ወይ ይሓርቁ ኢዮም። ገሊኦም ነቲ ዝነበሮም ናጽነት ንምድራት ዝግበር ጻዕሪ ዝመስል ብምርኣይ ቂም ይሕዙን ይቃወሙን።
10 ከምዚ ዝኣመሰለ ግድላት ቀሊል መፍትሒ የብሉን: እንተዀነ ግን ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ገዛእ ርእሶም ባዕሎም ክኣልዩ: ብእተኻእለ መጠን ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነ ክገብሩ ከተፍቅደሎም ሕያውነት ኢዩ። ንወለድኻ ከይነገርካ ንዕኦም ዝበለጸ ነገር እዚ ኢዩ ኢልካ ምውሳን ጥበባዊ ኣይኰነን። ብምኽንያት ዕድሚኦም ብዙሕ ነገራት ጐዲልዎም ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ገና ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገራት ክጥቀምሉ ኣፍቅደሎም። ነቲ ናይ ወለድኻ ህይወት ክትቈጻጸር ኢልካ ብዙሕ ምስ ዘይትፍትን: እቲ ምስኦም ዘሎካ ርክብ ዝሓሸ ከም ዝኸውን ክትርዳእ ኢኻ። ዝያዳ ሕጕሳት ክዀኑ ኢዮም: ንስኻ እውን ክትሕጐስ ኢኻ። ምእንቲ ጥቕሞም ኢልካ ኣብ ሓድሓደ ነገራት ትርር ክትብል ኣድላዪ እኳ እንተዀነ: ንወለድኻ ምኽባር እቲ ዝግብኦም ግምት ምሃብ ዝሓትት ኢዩ። ቃል ኣምላኽ “ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ: ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር: ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ” ብምባል ይመኽረና።—ዘሌዋውያን 19:32
እቲ ልክዕ ዝዀነ ኣረኣእያ ምዕቃብ
11-13. እቲ ዝዓበየ ውላድ ቅድም ምስ ወለዱ ጽቡቕ ርክብ ምስ ዘይነብሮ: ኣብ ግዜ እርግንኦም ንምእላይ ዘጋጥሞ ብድሆ ብኸመይ ክዋጽኣሉ ይኽእል፧
11 ሓድሓደ እዋን እቲ ንዓበይቲ ውሉዳት ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም ኣብ ምኽባር ዘጋጥሞም ግድላት ነቲ ቅድም ምስ ወለዶም ዝነበሮም ርክብ ዘጠቓልል ኢዩ። ምናልባት ኣቦኻ ዝሑልን ዘየፍቅርን: ኣዴኻ ድማ ጨቋኒትን ሓያልን ነይሮም ይዀኑ። ከምቲ ክዀኑልካ እትጽበዮም ዓይነት ወለዲ ስለ ዘይነበሩ ክሳብ ሕጂ ተስፋ ትቘርጽ: ትሓርቕ ወይ ድማ ትጕዳእ ትኸውን። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ከተሰንፎ ትኽእልዶ፧a
12 ኣብ ፊንላንድ ዝዓበየ ቤስ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ:- “ሰብኣይ ኣደይ ኣብ ግዜ ናይ ጀርመን ናዚ ናይ ኤስ ኤስ መኰነን ኢዩ ነይሩ። ብቐሊሉ ኢዩ ዝሓርቕ: ድሕርዚ ሓደገኛ ኢዩ ዝኸውን። እናረኣኽዎ ነደይ ብዙሕ ግዜ ይሃርማ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ምሳይ ምስ ሓረቐ: ቍልፉ ኣውጺኡ: በቲ ኣብ ጫፍ ዘሎ ሓጺን ገይሩ ኣብ ገጸይ ሃረመኒ። ኣጸቢቑ ስለ ዝሃሰየኒ ኣብቲ ዓራት ክምብል በልኩ።”
13 እንተዀነ ግን: ናይዚ ባህርይ እዚ ካልእ መልክዕ እውን ነይሩ ኢዩ። ቤስ ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ኣዝዩ ጻዕረኛ ኢዩ: ነታ ስድራቤት ብስጋዊ ነገራት ካብ ምሕላይ ድማ ድሕር ኢሉ ኣይፈልጥን ኢዩ። ናይ ኣቦ ፍቕሪ ኣርእዩኒ ኣይፈልጥን ኢዩ: እንተዀነ ግን ስምዒት ኣልቦ ኰይኑ ከም ዝተረፈ ይፈልጥ ኢየ። ገና ንእሽቶ ከሎ ኣዲኡ ካብ ገዛ ኣባረረቶ። እናተባእሰ ዓብዩ: መንእሰይ ከሎ ድማ ኣብ ውግእ ኣተወ። ብመጠኑ ሽግሩ ይርድኣኒ ኢዩ: ስለዚ ድማ ኣይሕዘሉን ኢየ። ምስ ዓበኹ: ክሳዕ ንሱ ዝመውት ብእተኻእለኒ መጠን ክሕግዞ ደለኹ። ቀሊል ኣይነበረን: እንተዀነ ግን ዝከኣለኒ ገበርኩ። ንሱ ክሳዕ ዝመውት ሕያዋይ ውሉድ ክኸውን ጸዓርኩ: ንሱ እውን ከምኡ ገይሩ እተቐበለኒ ይመስል።”
14. ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ኣብ ምእላይ ዝለዓል እውን ሓዊስካ ኣብ ኵሉ ኵነታት ዝውዕል ጥቕሲ ኣየናይ ኢዩ፧
14 ልክዕ ከም ኣብ ካልእ ኵነታት ኣብቲ ንስድራቤት ዝምልከት ነገራት እውን እዚ ዝስዕብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ክውዕል ይኽእል ኢዩ:- “ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።”—ቈሎሴ 3:12, 13
እቶም ኣለይቲ እውን ምእላይ የድልዮም ኢዩ
15. ንወለዲ ምእላይ ሓድሓደ እዋን ኣጨናቒ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ንሓደ እተደነሰ ወላዲ ምእላይ: ብዙሕ ስራሕ ዘጠቓልል: ብዙሕ ሓላፍነት ዘሰክም: ከምኡውን ነዊሕ ሰዓታት ዝወስድ ከቢድ ዕዮ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣዝዩ ከቢድ ዝዀነ ነገር እቲ ንስምዒት ዝምልከት ኢዩ። ወለድኻ ጥዕና ክስእኑ: ምርሳዕ ክጅምሩ: ከምኡውን ናጽነቶም ክድረት ክትርኢ ዘሕዝን ኢዩ። ሓንቲ ሳንዲ እተባህለት ጓል ፖርቶ ሪኮ ከምዚ ትብል:- “ኣደይ ኣብ ስድራቤትና ኣተኵሮ ዝግበራ ኢያ ነይራ። ንዕኣ ምእላይ ኣዝዩ ከቢድ ነገር ኢዩ ነይሩ። መጀመርታ ምሕንካስ ጀሚራ: ድሕርዚ ምርኵስ ኣድልይዋ: ካብኡ ከንቀሳቕሳ ዝኽእል ነገር ኣድልይዋ: ደሓር ድማ ብሽግለታ ሓንካሳት ኣድለያ። ብድሕሪኡ ክሳዕ እትመውት እናበርትዓ መጸ። ናይ ኣዕጸምቲ መንሽሮ ሓመመት: ለይትን መዓልትን ድማ ቀጻሊ ምእላይ የድልያ ነበረ። ንሓጽባ: ነብልዓ: ከምኡውን ነንብበላ ነበርና። ብፍላይ ብስምዒት ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ። ኣደይ ክትመውት ምዃና ምስ ፈለጥኩ: የፍቅራ ብምንባረይ ብዙሕ ነባዕኩ።”
16, 17. ነቲ ዝኣሊ ሰብ ብዛዕባ ነገራት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኽህልዎ ክሕግዞ ዝኽእል ምኽሪ እንታይ ኢዩ፧
16 ንስኻትኩም እውን ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ምስ እትህልዉ: ብዓወት ንኽትዋጽእሉ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ንየሆዋ ጽን ኢልካ ምስማዕን ብጸሎት ገይርካ ምስኡ ምዝራብን ኣጸቢቑ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። (ፊልጲ 4:6, 7) እተመጣጠነ መግቢ ከም እትበልዑ: እኹል ድቃስ ድማ ከም እትረኽቡ ኣረጋግጹ። ከምዚ ብምግባር ነቲ እተፍቅርዎ ሰብ ንምእላይ ብስምዒታውን ኣካላውን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ክትህልዉ ኢኹም። ምናልባት ካብቲ መዓልታዊ እትገብሮ ሓሓሊፍካ ዕረፍቲ ክትረክብ ክትምድብ ትኽእል ኢኻ። ዕረፍቲ ክትወስድ ዘይትኽእል እንተዄንካ እውን ክትናፈሰሉ እትኽእል ግዜ መድብ። ካብቲ ሕሙም ተፈሊኻ እተዕርፈሉ ግዜ ምእንቲ ክትረክብ: ካልእ ሰብ ምስቲ ሕሙም ክጸንሕ ክትምድብ ትኽእል ኢኻ።
17 እቶም ዝኣልዩ ዘለዉ ዓበይቲ ሰባት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ምኽንያታዊ ዘይኰነ ትጽቢት ክገብሩ ልሙድ ኢዩ። እንተዀነ ግን ብዛዕባ እቲ ክትገብርዎ ዘይትኽእሉ ነገራት ጸጸት ኣይሰማዕኩም። ኣብ ገለ ኵነታት ነቲ እተፍቅርዎ ሰብ ኣብ ሓደ መእለዪ ቦታ ከተእትዉዎ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣላዪ እንተድኣ ኴንካ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ምኽንያታዊ ዝዀነ ትጽቢት ግበር። ናይቶም ወለድኻ ድሌት ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ደቅኻ: ሰበይትኻ: ከምኡውን ናይ ገዛእ ርእስኻ ድሌት እውን ሚዛናዊ ገይርካ ክትሕዞ ኣሎካ።
ክንዮ እቲ ልሙድ ዝዀነ ሓይሊ
18, 19. የሆዋ እንታይ ደገፍ ከም ዝህብ ኢዩ እተመባጽዐ: መብጽዕኡ ከም ዝሕሉ ዘርኢ ተመክሮኸ ኣየናይ ኢዩ፧
18 የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ: ንሓደ ሰብ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዱ ንምእላይ ኣጸቢቑ ክድግፎ ዝኽእል ሓገዝ ይህቦ ኢዩ: እንተዀነ ግን እቲ ዝህቦ ሓገዝ እዚ ጥራይ ኣይኰነን። እቲ ብመንፈስ እተመርሐ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም . . . ቀረባኦም እዩ። . . . ኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ” ብምባል ጸሓፈ። የሆዋ ነቶም እሙናቱ ኣብ ግዜ ከቢድ ኵነታት እውን ከይተረፈ የድሕኖም ወይ የዕቍቦም ኢዩ።—መዝሙር 145:18, 19
19 ኣብ ፊልፕንስ እትርከብ ሚርና እትብሃል ነታ ብሰንኪ ወቕዒ ዝሰነፈት ኣዲኣ ክትኣሊ ከላ ብዛዕባ እዚ ፈሊጣ ኢያ። ሚርና ከምዚ ኢላ ትጽሕፍ:- “እቲ እተፍቅሮ ሰብ ኣበይ የሕምሞ ከም ዘሎ ምንጋር ስኢኑ ክሳቐ ኸሎ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዘጨንቕ ነገር የለን። እናርኣኽዋ ትማስን ከም ዘላ ኢዩ: ክገብሮ ዝኽእል ነገር ድማ ኣይነበረን። ብዙሕ ግዜ ተምበረኪኸ ንየሆዋ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝደኽመኒ ይነግሮ። ከምቲ ንንብዓቱ ኣብ ጭልፎ ክእክቦ እሞ ክዝክሮ ንየሆዋ ዝለመኖ ዳዊት ገይረ በኸኹ። [መዝሙር 56:8] ከምቲ የሆዋ እተመባጽዖ ድማ እቲ ዘድልየኒ ሓይሊ ሃበኒ። ‘እግዚኣብሄር ደጋፍየይ ኰነ።’ ”—መዝሙር 18:18
20. እቶም ኣለይቲ እቲ ዝኣልይዎ ዘለዉ ሰብ እንተ ሞተ እኳ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ከም ዝህልዎም ዝገብር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓ እንታይ ኢዩ፧
20 ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ምእላይ ከም ሓደ “መወዳእትኡ ዘየሐጕስ ዛንታ ኢዩ” ዝበሃል። ዋላ እኳ እቲ ዝበለጸ ምእላይ እንተ ተገብረሎም: ከምቲ ንኣደ ሚርና ዘጋጠማ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ክሞቱ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ኣብ የሆዋ ዝውከሉ ግን: ሞት መወዳእታ ናይቲ ዛንታ ከም ዘይኰነ ይፈልጡ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን . . . ኣብ ኣምላኽ ተስፋ አሎኒ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እቶም ብሰንኪ ሞት ዘፍቅርዎም ኣረጋውያን ወለዶም ዝሰኣኑ ብተስፋ ትንሳኤን በቲ መብጽዓ ናይታ ኣምላኽ ዘምጽኣ “ሞት” ዘይህልወላ ደስ እተብል ሓዳስ ዓለምን ክጸናንዑ ይኽእሉ ኢዮም።—ራእይ 21:4
21. ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ብምኽባር እንታይ ሰናይ ፍረ ይርከብ፧
21 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ወለዶም ዋላ እኳ ብዕድመ ዝደፍኡ እንተዀኑ ዓሚቝ ኣኽብሮት ኣለዎም። (ምሳሌ 23:22-24) የኽብርዎም ኢዮም። ከምዚ ክገብሩ ከለዉ ነቲ “ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይበሎም: እታ ዝወለደትካ ኸኣ ትተሐጐስ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ምስላ ይምከርዎ። (ምሳሌ 23:25) ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ ዘኽብሩ ንየሆዋ ኣምላኽ ደስ የብልዎን የኽብርዎን ኢዮም።
a ብዛዕባ እቲ ወለዲ ዝገብርዎ ሓለፍ ዝበለ ጌጋ ኣጠቓቕማ ሓይልን ኣብኦም ዘሎካ ትውክልትን: እሞ ኸኣ ከም ገበን ዝቝጸር ኵነታት ኣይኰንናን እንመያየጥ ዘሎና።