ስም እንታይ ሒዙ ኣሎ፧
ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ፡ ወዲ ወለደት። ኰይኑ ግን፡ እቲ ሕጻን ከም ዘይንቀሳቐስ ምስ ረኣየቶ፡ ሓጐሳ ናብ ሓዘን ተቐየረ። ዓባዩ ነቲ ዘይንቀሳቐስ ሕጻን ወሲዳ ኽትሓጽቦ ምስ ጀመረት፡ እቲ ሕጻን ብሃንደበት ኪንቀሳቐስን ኬስተንፍስን ኪበክን ጀመረ! ስም ኣቦ እቲ ሕጻን “ተኣምር” ዚብል ትርጕም ኣለዎ፣ ስለዚ፡ እቶም ወለዲ ነቲ ሕጻን ምስታ ቓል እትገጥም ናይ ኣምሓርኛ ስም ብምሃብ፡ ተሰርሐ ተኣምር ኢሎም ሰመይዎ።
ኣብ ቡሩንዲ፡ ሓደ መንእሰይ፡ ኪቐትልዎ ኻብ ዚደልዩ ዝነበሩ ወተሃደራት ሃደመ። ኣብ ሓደ ግራት ተሓቢኡ ኸሎ፡ ኣምላኽ እንተ ኣድሒንዎ፡ ንበዅሪ ውሉዱ ማኒራኪዛ፡ ማለት “ኣምላኽ መድሓኒ እዩ” ኢሉ ኸም ዚሰምዮ ተመባጽዐ። ብህይወት ስለ ዝተረፈ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ነቲ በዅሪ ወዱ ኸምቲ እተመባጽዖ ኢሉ ሰመዮ።
ገሊኦም ሰባት ንውሉዳት ትርጕም ዘለዎ ስማት ምሃብ ዘይተለምደ ይመስሎም ይኸውን፡ እዚ ልምዲ እዚ ግን ጥንታዊ ዝመበቈሉ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እሞ ኸኣ ብኣማእታት ዚቝጸር ትርጕም ዘለዎ ስማት ሒዙ ኣሎ። ትርጕም ስም እተፈላለዩ ውልቀ-ሰባት ምፍላጥካ፡ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኺጠቕመካ እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።
ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ ትርጕም ዘለዎ ስማት
ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ቐዳሞት ስማት፡ ሴት ዚብል እዩ። ሄዋን ኣደ ሴት፡ ነዚ ስም እዚ ስለምንታይ ከም ዝመረጸት ክትገልጽ ከላ፡ “ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ፍረ ከርሲ ተኪኡኒ እዩ” በለት። (ዘፍጥረት 4:25) ካብ ዘርኢ ሴት ዝዀነ ላሜክ ከኣ ንወዱ ኖህ ኢሉ ሰመዮ፡ እዚ ስም እዚ ድማ “ዕረፍቲ” ወይ “ምጽንናዕ” ማለት እዩ። ላሜክ ንወዱ ስለምንታይ ከምኡ ኢሉ ኸም ዝሰመዮ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብዛ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮናን ካብ ጻዕሪ ኢድናን እዚ ኼጸናንዓና እዩ” በለ።—ዘፍጥረት 5:29።
ኣምላኽ እውን ምእንቲ ትንቢታዊ ዕላማ ኢሉ፡ ንስማት ገሊኦም ዓበይቲ ሰባት ቀይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብራም ዚብል “ኣቦ ልዒሉ” ዝትርጕሙ ስም፡ ናብቲ ኣብርሃም ዚብል “ኣቦ ብዙሓት” ዝትርጕሙ ስም ቀየረሉ። ኣብርሃም ድማ ከም ስሙ፡ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ኰይኑ እዩ። (ዘፍጥረት 17:5, 6) ሳራይ ሰበይቲ ኣብርሃም እውን፡ ምናልባት “ናግራም” ዚብል ትርጕም ዘለዎ ስም እዩ ነይርዋ። ካብኣ ነገስታት ከም ዚወጹ ንምሕባር፡ ኣምላኽ ንዓኣ “ሳራ” ዚብል “ልዕልቲ” ዝትርጕሙ ስም ምስ ሃባ፡ ብዙሕ ተሓጒሳ ኽትከውን ኣለዋ።—ዘፍጥረት 17:15, 16።
ኣምላኽ ንገሊኦም ሕጻናት ባዕሉ ስም ኣውጺኡሎም እዩ። ንኣብነት፡ ንኣብርሃምን ንሳራን፡ ንወዶም ይስሃቅ፡ ማለት “ሰሓቕ” ኢሎም ኪሰምይዎ ነገሮም። እዚ ስም እዚ ነቶም እሙናት ሰብ ሓዳር፡ ነቲ ኣብ ግዜ እርጋኖም ወዲ ኺውለደሎም ምዃኑ ምስ ተነግሮም ፈለማ ዝገበርዎ ነገር የዘኻኽሮም ነይሩ ይኸውን። ይስሃቅ ዓብዩ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምስ ኰነ፡ ኣብርሃምን ሳራን ምስኡ ግዜ ኣብ ዜሕልፉሉ እዋን ስሙ ኺሰምዑ ኸለዉ ፍሽኽ ይብሉ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።—ዘፍጥረት 17:17, 19፣ 18:12, 15፣ 21:6።
ራሄል ሰበይቲ ወዱ ንይስሃቅ፡ ነቲ ሕሳስ ልደ ወዳ፡ ብኣዝዩ እተፈልየ ምኽንያት እያ ስም ኣውጺኣትሉ። ኣብ ኣጋ ሙማታ፡ ነቲ ሕጻን ቤን-ኦኒ፡ ማለት “ወዲ ሓዘነይ” ኢላ ሰመየቶ። ያእቆብ ሰብኣያ ግን፡ ነቲ ስም ቍሩብ ብምቕያር ብንያም፡ ማለት “ወዲ የማነይቲ ኢደይ” በሎ። እዚ ስም እዚ ንሞገስ ዘለዎ ቦታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንደገፍ እውን የመልክት እዩ።—ዘፍጥረት 35:16-19፣ 44:20።
ሓድሓደ ግዜ፡ ብምኽንያት ኣካላዊ ዅነታት፡ ስም ይወጽእ እዩ። ንኣብነት፡ ይስሃቅን ርብቃን ከም ጸጕሪ ማቕ ዚመስል ቀይሕ ጸጕሪ ዘለዎ ወዲ ምስ ወለዱ፡ ኤሳው ዚብል ስም ኣውጽኡሉ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ብእብራይስጢ እቲ ኤሳው ዚብል ስም፡ “ጸጓር” ማለት እዩ። (ዘፍጥረት 25:25) ኣብ መጽሓፍ ሩት ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ናእሚ ኽልተ ኣወዳት ነበርዋ። እቲ ሓደ ማሕሎን፡ ማለት “ሕሙም፡ ምሱን” ኪበሃል ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ኪልዮን፡ ማለት “ድኹም” ዚብል ስም ነበሮ። እዚ ስም እዚ ኺውለዱ ኸለዉ ዝወጸሎም እንተ ዀይኑ፡ ወይ ድሒሩ እተዋህቦም እንተ ዀይኑ ኣይተገልጸን፣ ኰይኑ ግን፡ ክልቲኦም ኣብ ሰዊት ዕድሚኦም ስለ ዝሞቱ፡ ስሞም ንኣታቶም ዚበቅዕ እዩ ዚመስል።—ሩት 1:5።
ስም ምቕያር ወይ ምትዕርራይ እውን ልሙድ እዩ ነይሩ። ናእሚ ሰብኣያን ደቃን ምስ ሞቱዋ፡ ደኽያ ናብ ቤት-ልሄም ኣብ እተመልሰትሉ እዋን፡ በቲ “ደስታይ” ዚትርጕሙ ስማ ኽትጽዋዕ ኣይደለየትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “እቲ ዅሉ ዚኽእል ብዙሕ ኣመሪሩኒ እዩ እሞ፡ ማራ [ማለት “መሪር”] ደኣ በላኒ” በለት።—ሩት 1:20, 21።
ምስ ኣገዳሲ ፍጻመ ኣተሓሒዝካ ንሕጻን ስም ናይ ምውጻእ ልምዲ እውን ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ስም ነብዪ ሃጌ፡ “ኣብ በዓል እተወልደ” ዚብል ትርጕም ኣለዎ።a
ኣብ ዘመን ክርስትና ዚርከብ ትርጕም ዘለዎ ስማት
ስም የሱስ ዓብዪ ትንቢታዊ ትርጕም ኣለዎ። ገና ኸይተወልደ ኸሎ፡ ኣምላኽ ንዮሴፍ፡ “ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ” ዚብል መምርሒ ሃቦ፣ እዚ ስም እዚ፡ “የሆዋ ምድሓን እዩ” ዚብል ትርጕም ኣለዎ። ስለምንታይ እዩ ነዚ ስም እዚ እተዋህቦ፧ እቲ ንዮሴፍ እተዛረቦ መልኣኽ፡ “ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ” ብምባል ምኽንያቱ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 1:21) የሱስ ኣብ እተጠምቀሉ እዋን ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብአ፡ ስሙ ምስቲ “መሲሕ” ዚብል መዓርግ እብራይስጢ ኺተኣሳሰር ጀመረ። እዚ መዓርግ እዚ ብግሪኽኛ፡ “ክርስቶስ” ተባሂሉ እዩ ዚትርጐም። ክልቲኡ ስያመታት፡ “ቅቡእ” ማለት እዩ።—ማቴዎስ 2:4።
የሱስ ባዕሉ ንደቀ መዛሙርቱ ገላጺ ስማት ሓርዩሎም እዩ። ንኣብነት፡ ንስምኦን፡ ኬፋ ዚብል “ከውሒ” ዝትርጕሙ ሴማዊ ስም ሃቦ። ኬፋ ናብ ግሪኽኛ እንተ ተተርጒሙ፡ “ጴጥሮስ” ዚብል ኪኸውን ከሎ፡ ስምኦን እውን በዚ ስም እዚ እዩ ብዝያዳ ዚፍለጥ። (ዮሃንስ 1:42) የሱስ ነቶም ቀናኣት ኣሕዋት ዝነበሩ ያእቆብን ዮሃንስን፡ “ቦኣኔርጌስ፡” ማለት “ደቂ ነጐዳ” ዚብል ስም ኣውጽኣሎም።—ማርቆስ 3:16, 17።
ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ነቲ ሳጓ ናይ ምውጻእ ልምዲ ቐጸልዎ። ንኣብነት፡ ሃዋርያት ነቲ ዮሴፍ ዝስሙ ወደ መዝሙር፡ በርናባስ፡ ማለት “ወዲ ምጽንናዕ” ዚብል ስም ሃብዎ። በርናባስ ንብዙሓት ኣካላውን መንፈሳውን ምጽንናዕ ብምዃን፡ ምስ ስሙ ተሰማሚዑ እዩ ዚነብር ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:34-37፣ 9:27፣ 15:25, 26።
ኣገዳስነት ስምካ
ክንውለድ ከለና ዚወሃበና ስም ክንሓሪ ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ ብግብርና እነጥርዮ ስም ግን፡ ንሕና ባዕልና ጥራይ ኢና እንውስኖ። (ምሳሌ 20:11) ‘የሱስ ወይ ሃዋርያቱ ኣጋጣሚ እንተ ዚኽፈተሎም ነይሩ፡ እንታይ ዚብል ስም ምሓረዩለይ፧ ንቐንዲ ባህርየይ ዚውክል እንታይ ስም ምወጸለይ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።
እዛ ሕቶ እዚኣ ኣርዚንና ኽንሓስበላ ኣሎና። ስለምንታይ፧ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 22:1) ኣብ ማሕበረሰብና ጽቡቕ ስም እንተ ኣልዩና፡ ክቡር ሃብቲ ኢና እነጥሪ። ልዕሊ ዅሉ ግን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም እንተ ኣልዩና፡ ነባሪ መዝገብ ኢና እነጥሪ። ከመይ ኢሉ ኸምኡ ይኸውን፧ ኣምላኽ ነቶም ዚፈርህዎ ኣብ “መጽሓፍ መዘከርታ” ኸም ዚጽሕፎምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚህቦምን ተመባጺዑ ኣሎ።—ሚልክያስ 3:16፣ ራእይ 3:5፣ 20:12-15።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዙሓት ኣብ ኣፍሪቃ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቲ ኣብ ዚውለዱሉ እዋን እተገብረ ዓበይቲ ኣኼባታት እተተሓሓዘ ስም ኣለዎም።
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ንቐንዲ ባህርየይ ዚውክል እንታይ ስም ምወጸለይ፧
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ኣማኑኤል መን እዩ፧
ገሊኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ውልቀ-ሰባት፡ ትንቢታዊ ኪኸውን ከሎ፡ ነቲ ሓደ ሰብ ዚገብሮ ነገር ይገልጽ። ንኣብነት፡ ነብዪ ኢሳይያስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።” (ኢሳይያስ 7:14) እዚ ስም እዚ፡ “ኣምላኽ ምሳና እዩ” ዚብል ትርጕም ኣለዎ። ገሊኦም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶ ዚህቡ ሰባት፡ ነቲ ቐዳማይ ፍጻመ እዚ ትንቢት እዚ ምስ ሓደ ኻብ ነገስታት እስራኤል ወይ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ ኢሳይያስ ኬተሓሕዝዎ ፈቲኖም እዮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ኢሳይያስ እተነበዮ ትንቢት ኣብ የሱስ ምሉእ ብምሉእ ከም እተፈጸመ፡ ማቴዎስ እቲ ጸሓፍ ወንጌል ሓቢሩ ኣሎ።—ማቴዎስ 1:22, 23።
ኣማኑኤል ዚብል ስም ንየሱስ እተዋህቦ ምዃኑ፡ የሱስ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሩ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምህር ዚሓስቡ ሰባት ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ በዚ ኣተሓሳስባ እዚ እንተ ኼድና፡ እቲ ንእዮብ ዘጸናንዖን ዝኣረሞን ኤሊሁ እውን ኣምላኽ እዩ ኽንብል ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ትርጕም ስሙ፡ “ኣምላኸይ ንሱ እዩ” ማለት እዩ።
የሱስ፡ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሩ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። (ዮሃንስ 14:28፣ ፊልጲ 2:5, 6) ኰይኑ ግን፡ ንባህርያት ኣቦኡ ብፍጹም መገዲ ኣንጸባሪቑ፡ ንዅሉ እቲ ብዛዕባ መሲሕ እተዋህበ መብጽዓታት ኣምላኽ እውን ፈጺሙ እዩ። (ዮሃንስ 14:9፣ 2 ቈረንቶስ 1:20) እቲ ኣማኑኤል ዚብል ስም ነቲ የሱስ ከም መሲሓዊ ዘርእን ከም ወዲ ዳዊትን መጠን ዘለዎ ግደ ዚገልጽ፡ ከምኡውን ኣምላኽ ምስ ኣምለኽቱ ኸም ዝዀነ ዜረጋግጽ እዩ።
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
ኣማኑኤል “ኣምላኽ ምሳና እዩ”
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ካብ ኵሉ ዝበለጸ ትርጕም ዘለዎ ስም
ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ 7,000 ሳዕ ኣቢሉ ተጠቒሱ ይርከብ። እዚ በተን יהוה ዚብላ ፊደላት እብራይስጢ ዚውከል ስም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብትግርኛ “የሆዋ” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። ትርጕም እዚ ስም እዚ እንታይ እዩ፧ ሙሴ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ምስ ሓተተ፡ የሆዋ፡ “ከምቲ ባህ ዝብለኒ ክኸውን እየ” ኢሉ መለሰሉ። (ዘጸኣት 3:14፡ ዘ ኢምፋሳይዝድ ባይብል፡ ብጀይ. ቢ. ሮተርሃም) ስለዚ፡ ኣምላኽ ዕላማኡ ንምፍጻም ዝደለዮ ዘበለ ኸም ዚኸውን፡ ብሕታዊ ስሙ ውሕስነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። (ኢሳይያስ 55:8-11) መብጽዓ ኺኣትወልና ኸሎ እውን፡ ኣብቲ መብጽዓኡ ብምምርኳስ ተኣማሚንና ህይወትና ኽንመርሕ ንኽእል ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ስሙ የሆዋ እዩ።
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ኣብርሃም “ኣቦ ብዙሓት”
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
ሳራ “ልዕልቲ”