-
“ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን”“ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
-
-
9 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ግብሪ ዜውጽኡ ሰባት ንጴጥሮስ፡ የሱስ ግብሪ ቤተ መቕደስ ይኸፍል እንተ ዀይኑ ሓተትዎ።c ጴጥሮስ ከኣ ብኡብኡ “ይኸፍል እባ” ኢሉ መለሰሎም። ጸኒሑ፡ የሱስ፡ “ስምኦን፡ እንታይ ይመስለካ፧ ነገስታት ምድሪ፡ ቀረጽ ወይ ግብሪ ኻብ መን እዮም ዚወስዱ፧ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት፧” ኢሉ ሓተቶ። ጴጥሮስ “ካብ ካልኦት” ኢሉ መለሰ። የሱስ ድማ፡ “እምበኣርሲ፡ ደቆም ካብ ቀረጽ ናጻ እዮም” በሎ። (ማቴዎስ 17:24-27) እቲ የሱስ በቲ ሕቶታት እቲ ኣቢሉ ኼመሓላልፎ ዝደለየ ነጥቢ ንጴጥሮስ ነጺሩሉ ኪኸውን ኣለዎ፣ ኣባላት ስድራ ቤት ነገስታት ካብ ግብሪ ናጻ እዮም። ስለዚ፡ የሱስ ሓደ ወዲ እቲ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ዚምለኽ ሰማያዊ ንጉስ ስለ ዝዀነ፡ ግብሪ ኪኸፍል ግዴታ ኣይነበሮን። ንጴጥሮስ ብቐጥታ መልሲ ኣብ ክንዲ ዚህቦ ግና ሕቶታት ብሜላ ብምጥቃም፡ ጴጥሮስ ኣብቲ ቕኑዕ መደምደምታ ኺበጽሕ፡ ምናልባት ከኣ ኣብ መጻኢ ቕድሚ ምምላሱ ብዝያዳ ተጠንቂቑ ኺሓስብ ዜኽእሎ ትምህርቲ ሃቦ።
-
-
“ከምዚ ገይሩ እተዛረበ ሰብ ከቶ የልቦን”“ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
-
-
c ኣይሁድ ንቤተ መቕደስ ዓመታዊ ኽልተ ድሪም ግብሪ ኪኸፍሉ ነበሮም፡ እዚ ገንዘብ እዚ ኸኣ ናይ ክልተ መዓልቲ ደሞዝ ኣቢሉ ዚኸውን ነበረ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ “እዚ ግብሪ እዚ ብቐንዱ ነቲ መዓልታዊ ዚቐርብ ዚሓርር መስዋእትን ንዅሉ እቲ ብስም እቶም ህዝቢ ዚቐርብ መስዋእትታትን ዚግበር ወጻኢታት ንምሽፋን እዩ ዚውዕል ነይሩ” በለ።
-