ንመንግስቲ ኣምላኽ ተስተውዕለላዶ ኣሎኻ፧
“እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ እዩ።”—ማቴዎስ 13:23
1. ገለ ካብቲ ‘ንመንግስተ ሰማያት’ ዝምልከት ልሙድ እምነታት እንታይ ኢዩ፧
መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃና ‘ኣስተውዒልካላዶ፧’ ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ናይ “መንግስተ ሰማያት” ኣምራት ኣዝዮም ተፈላልዮም ኢዮም። ኣብ መንጎ ገለ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣባላት ሎሚ ዘሎ ልሙድ እምነት: እታ መንግስቲ ሓደ ሰብ ክልወጥ ከሎ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዘንብረሉ ነገር ኢያ ዝብል ኢዩ። ካልኦት ድማ ጽቡቕ ዝገብሩ ሰባት ድሕሪ ሞት ዘለኣለማዊ በረኸት ንምስትምቓር ዝኸድሉ ቦታ ምዃኑ ይስምዖም። ካልኦት ከኣ ንክርስትያናዊ ትምህርትታትን ተግባራትን ኣብ ማሕበራውን መንግስታውን ጕዳያት ንምእታው ብዝገብርዎ ወፍሪ ነታ መንግስቲ እቲኣ ከምጽኡ ኣምላኽ ንደቅሰብ ሓዲጉሎም ኢዩ ይብሉ።
2. መጽሓፍ ቅዱስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ይገልጻ: እንታይከ ክትፍጽም ኢያ፧
2 ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ እትርከብ ትካል ከም ዘይኰነት የርኢ ኢዩ። ናይ ልቢ ኵነታት ወይ ንሰብኣዊ ማሕበረሰብ ክርስትያን ምግባር ኣይኰነትን። ብሓቂ: እዛ መንግስቲ እዚኣ እንታይ ምዃና ግቡእ ገይርካ ምርዳእ ኣብ ህይወት ናይቶም ኣብኣ እምነት ዘርእዩ ሰባት ዓቢ ለውጥታት የምጽእ ኢዩ። ይኹን እምበር: እታ ነቲ ናይ ሓጢኣትን ሞትን ሳዕቤናት ብምርሓቕ: ኣብ ልዕሊ ምድሪ ድማ ጽድቃዊ ኵነታት ብምምላስ ፍቓድ ኣምላኽ እትፍጽም ብመለኮታዊ መገዲ ዝቘመት ሰማያዊት መንግስቲ ኢያ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ድሮ ኣብ ሰማያት ስልጣን ሒዛ ኣላ: ድሕሪ ቐረባ ግዜ ድማ “ንዅለን እዘን [ሰብኣውያን] መንግስታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”—ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 11:15፣ 12:10
3. የሱስ ኣገልግሎቱ ክጅምር ከሎ: ንደቅሰብ እንታይ ኢዩ እተኸፍተሎም፧
3 ጸሓፍ ታሪኽ ኤች. ጂ. ዌልስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እዚ ናይ የሱስ ቀንዲ ትምህርቲ ዝነበረ: ኣብቲ ክርስትያናዊ እምነታት ድማ ኣዝዩ ንእሽቶ ግደ ዘለዎ ናይ መንግስተ ሰማያት ሰረተ-እምነት: ብርግጽ ሓደ ካብቶም መብዛሕትኦም ናይ ሰብ ኣተሓሳስባ ዝቐስቀሱን ዝለወጡን መሰረታዊ ለውጥታት ዘምጽኡ ሰረተ-እምነታት ኢዩ።” ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ: ናይ የሱስ ኣገልግሎት ቀንዲ ኣርእስቲ “መንግሰተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ: ተነስሑ” ዝብል ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 4:17) ኣብቲ እዋን እቲ: እተቐብአ ንጉስ ኢዩ ነይሩ: እቲ ኣዝዩ ዘሐጕስ ድማ: ሽዑ ሰባት ኣብቲ ናይታ መንግስቲ በረኸታት ተኻፈልቲ ክዀኑ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ የሱስ ኣብታ መንግስቲ መናግስቱን ካህናትን ክዀኑ ኣጋጣሚ ይኽፈት ኢዩ ነይሩ!—ሉቃስ 22:28-30፣ ራእይ 1:6፣ 5:10
4. ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን: ብዙሓት ሰባት ነቲ “ወንጌል መንግስቲ” ብኸመይ መለስሉ: እዚኸ ናብ እንታይ ፍርዲ ኣምርሐ፧
4 ነቲ ዘሐጕስ “ወንጌል [“ብስራት:” ትሓዓ ] መንግስቲ” ሽሕ’ኳ ብዙሓት ሰባት እንተሰምዕዎ ሒደት ጥራይ ኢዮም ኣሚኖም። እዚ ድማ ብኸፊሉ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ‘መንግስተ ሰማያት ንሰብ ብምዕጻዎም’ ኢዩ። በቲ ናይ ሓሶት ትምህርትታቶም ገይሮም ነቲ ‘መርሖ ፍልጠት ወሲዶምዎ’ ኢዮም። መብዛሕትኦም ሰባት ንየሱስ ከም መሲሕን እተቐብአ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽን መጠን ስለ ዝነጸግዎ: የሱስ ከምዚ በሎም:- “መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ: ፍሬኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ።”—ማቴዎስ 4:23፣ 21:43፣ 23:13፣ ሉቃስ 11:52
5. መብዛሕትኦም ካብቶም ናይ የሱስ ምሳሌታት ዝሰምዑ ብዘይ ምስትውዓል ከም ዝሰምዕዎ ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧
5 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንብዙሓት እኩባት ህዝቢ ክምህሮም ከሎ: የሱስ እምነቶም ንኽፍትንን ነቶም ኣብታ መንግስቲ ናይ ኣምስሉ ተገዳስነት እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ዘይነበሮም ሰባት ምእንቲ ክፈልዮምን ኢሉ ከምቲ ልማዱ ተኸታታሊ ምሳሌታት ተጠቕመ። እታ ናይ መጀመርታ ምሳሌ ንሓደ ኣብ ኣርባዕተ ዓይነት ሓመድ ዝዘርአ ሰብኣይ እትምልከት ኢያ ነይራ። እቲ ናይ መጀመርታ ሰለስተ ዓይነት ሓመድ ኣትክልቲ ከዕቢ ምቹእ ኣይነበረን: ይኹን እምበር እቲ ናይ መወዳእታ ጽቡቕ ፍረ ዘፍሪ “ጽቡቕ ምድሪ” ኢዩ ነይሩ። እዛ ሓጻር ምሳሌ እዚኣ “እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ [“ጽን ይበል:” ትሓዓ ]” ዝብል መተሓሳሰቢ ብምሃብ ትዓጹ። (ማቴዎስ 13:1-9) ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰሚዖምዎ ኢዮም: ግናኸ ‘ጽን ኣይበሉን።’ ኣብ ትሕቲ እተፈላለየ ኵነታት እተዘርአ ዘርኢ ብኸመይ ከም መንግስተ ሰማያት ከም ዝኸውን ክፈልጡ: ድራኸ ይኹን ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣይነበሮምን። ነቲ ናይ የሱስ ምሳሌታት ስነ-ምግባራዊ ፍረ ነገር ዝሓዘ ጽቡቕ ዛንታታት ኢዩ ኢሎም ብምሕሳብ: መዓልታዊ መነባብሮኦም ክገብሩ ናብ ገዝኦም ተመልሱ። ኣልባቦም ምላሽ ዘይህብ ብምንባሩስ ከመይ ዝበለ ናይ ምርዳእ ሃብትን ዓቢ መሰላትን ኣጋጣሚታትን ኰን ኢዮም ኣጥፊኦም!
6. እቲ ‘ምስጢር ምፍላጥ ናይታ መንግስቲ’ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ጥራይ እተዋህበ ስለምንታይ ኢዩ፧
6 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም:- “ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻትኩም ተውሂቡ አሎ: ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን።” ካብ ኢሳይያስ ጠቒሱ ድማ “በእዛኖም ከይሰምዑ: በዒንቶም ከይርእዩ: ኣእዛኖም ኣጽመሙ: ኣዒንቶም ዐመቱ: ብልቦም ከየስተውዕሉ: ከይምለሱ: ኣነውን ከየሕውዮምሲ: ልቢ እዚ ህዝቢዚ ረጒድ እዩ . . . ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ: ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ: ብጹኣት እየን።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ማቴዎስ 13:10-16፣ ማርቆስ 4:11-13
ብዛዕባ እታ መንግስቲ ‘ምስትውዓል’
7. ነታ መንግስቲ ‘ከተስተውዕለላ’ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
7 የሱስ እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ሓቢሩ ኢዩ። ምስቲ ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ‘ምስትውዓል’ እተተሓሓዘ ኢዩ። ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ብሕቶም ከምዚ በሎም:- “እምበኣርሲ ንስኻትኩም ምስላ ዘራኢ ስምዑ። ቃል መንግስቲ ሰሚዑስ ዘየስተውዕሎ ዅሉ: እቲ ኽፉእ ይመጽእ እሞ ነቲ ኣብ ልቡ እተዘርኤ ይምንጥሎ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ቀጺሉ ነቲ ብእተፈላለየ ኵነታት ልቢ ተመሲሉ ዘሎ “ቃል መንግስቲ” ዝዝርኣሉ: ኣርባዕተ ዓይነት ሓመድ ይገልጾ።—ማቴዎስ 13:18-23፣ ሉቃስ 8:9-15
8. እቲ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሰለስተ ዓይነት ሓመድ እተዘርአ “ዘርኢ” ፍረ ንኸየፍሪ ዝኸልከሎ እንታይ ኢዩ፧
8 ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ “ዘርኢ” ጽቡቕ ኢዩ ነይሩ: ይኹን እምበር ፍረ ኣብ ኵነታት ናይቲ ሓመድ እተመርኰሰ ኢዩ። ናይቲ ልቢ ሓመድ ልክዕ ከም ብስራሕ ትሑዝ: እተጨቓጨቐ መገዲ: ብዙሕ ዘይመንፈሳዊ ንጥፈታት ዝኸበዶ እንተድኣ ኰይኑ: ሓደ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ዝሰምዐ ሰብ: ነታ መንግስቲ ዝኸውን ግዜ የብለይን ብምባል ገዛእ ርእሱ ከዕሹ ቀሊል ኢዩ። እቲ ሸለል እተባህለ ዘርኢ ሱር ቅድሚ ምስዳዱ ብቐሊሉ ክምንጠል ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ዘርኢ ኣብ ከውሒ መሰል ልቢ እንተድኣ ተዘሪኡኸ፧ እቲ ዘርኢ ይጥጥዕ ይኸውን: ዕንጋለን ጽንዓትን ንኽረክብ ሰራውሩ ኣዕሚቝ ክሰድድ ግን ይጽግሞ ኢዩ። እዙዝ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ናይ ምዃን ተስፋ: ብፍላይ ኣብ ናይ ስደት ሃፈጽታ: ብዙሕ ጸገም ዘምጽእ ኢዩ: እቲ ውልቀሰብ ድማ ክዕንቀፍ ይኽእል ኢዩ። ከምኡ እውን: እቲ ናይ ልቢ ሓመድ እሾኽ ብዝመስል ጭንቀታት ወይ ብናይ ሃብቲ ስጋዊ ባህጊ እንተድኣ መሊኡ: እቲ ጠጢዑ ዝነበረ ናይታ መንግስቲ ተኽሊ ይሕነቕ። ኣብዚ ሰለስተ ተመሳሳሊ ኵነታት ናይ ህይወት: ዝዀነ ናይታ መንግስቲ ፍረ ክፈሪ ኣይክእልን ኢዩ።
9. እቲ ኣብ ጽቡቕ ሓመድ እተዘርኣ ዘርኢ ጽቡቕ ፍረ ክፈሪ ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧
9 ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቲ ኣብ ጽቡቕ ሓመድ እተዘርአ ዘርኢ ናይታ መንግስቲኸ፧ የሱስ ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ እዩ: ንሱ ፍረ ይፈሪ: ገሊኡ ሚእቲ: ገሊኡ ስሳ: ገሊኡ ኸኣ ሰላሳ ይእቶ።” (ማቴዎስ 13:23 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ነታ መንግስቲ ምስ ‘ዘስተውዕሉላ:’ ከከም እቲ ውልቃዊ ኵነታቶም ጽቡቕ ፍረ ምፈረዩ ነይሮም።
ሓላፍነት ምስ ምርዳእ ኢዩ ዝመጽእ
10. (ሀ) የሱስ ነታ መንግስቲ ምስ ‘እተስተውዕለላ:’ ክልቲኡ ማለት በረኸታትን ሓላፍነትን ከም ዘምጽእ ዝገለጸ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ኬድካ ደቀ መዛሙርቲ ግበር ዝብል ናይ የሱስ ትእዛዝ ነቶም ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቲ ጥራይ ዝምልከት ድዩ ነይሩ፧
10 የሱስ እተፈላለየ መዳያት ናይታ መንግስቲ ንኽገልጽ ሽዱሽተ ተወሳኺ ምሳሌታት ምስ ሃበ: ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ኢሉ ሓተቶም:- “ነዚ ዅሉስ ኣስተውዒልኩምዎዶ አሎኹም፧” እወ: ኢሎም ምስ መለሱ “ስለዚ ንመንግስተ ሰማያት ኢሉ እተማህረ [“ዝምህር:” ትሓዓ ] ዅሉ ጸሓፊ [“መምህር:” ትሓዓ ] ኻብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስል” በሎም። እቲ ብየሱስ እተዋህበ ትምህርትታትን ልምምድን ንደቀ መዛሙርቱ ካብ ‘መዝገቦም’ መወዳእታ ዘይብሉ ቀረብ ናይ መንፈሳዊ መግቢ ክህቡ ዝኽእሉ ብሱላት ክርስትያናት ክገብሮም ነበሮ። መብዛሕትኡ ካብዚ ድማ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ እተተሓሓዘ ኢዩ። የሱስ ነታ መንግስቲ ዝምልከት ‘ምስትውዓል’ ምህላው በረኸታት ጥራይ ዘይኰነስ ሓላፍነት እውን ከም ዘምጽእ ንጹር ገይርዎ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዘ:- “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ [“መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ:” ትሓዓ ] ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።”—ማቴዎስ 13:51, 52፣ 28:19, 20
11. 1914 ምስ መጸት: ምስታ መንግስቲ እተተሓሓዙ እንታይ ፍጻመታት ኢዮም እተፈጸሙ፧
11 የሱስ ከምቲ እተመባጽዖ ኣብ ኵሉ እዚ ዝሓለፈ ዘበናት ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ምስቶም ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቱ ምዃን ቀጺሉ ኢዩ። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት: በብደረጃኡ ምርዳእ ይህቦም ኢዩ ዘሎ: ንኣጠቓቕማ ናይቲ ዝውስኽ ዘሎ ብርሃን ሓቂ ዝምልከት እውን ብሓላፍነት ይሓቶም ኣሎ። (ሉቃስ 19:11-15, 26) ብ1914: ናይታ መንግስቲ ፍጻመታት ብቕልጡፍን ሃንደበትን ክግለጽ ጀመረ። ኣብታ ዓመት እቲኣ: እቲ ንነዊሕ ግዜ ተስፋ እተገብረሉ ‘ምውላድ’ ናይታ መንግስቲ ተፈጺሙ ጥራይ ዘይኰነስ: “መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ” እውን ጀሚሩ ኢዩ። (ራእይ 11:15፣ 12:5, 10፣ ዳንኤል 7:13, 14, 27) ሓቀኛ ክርስትያናት ናይዚ እዋናዊ ኵነታት ትርጕም ብምስትውዓል: ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ናይ መንግስቲ ስብከትን ምምሃርን ወፍሪ ኣካይዶም ኢዮም። የሱስ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ብምባል ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነበረ።—ማቴዎስ 24:14
12. (ሀ) እቲ ሰፊሕ ዘመናዊ ምስክርነት ናይታ መንግስቲ እንታይ ውጽኢት ኢዩ ዘለዎ፧ (ለ) ኣብዛ ተጠራጣሪት ዓለም ንክርስትያናት ከመይ ዝበለ ሓደጋ ኢዩ ዘለዎም፧
12 እዚ ሰፊሕ ዝዀነ ናይታ መንግስቲ ምስክርነት ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት በጺሑ ኣሎ። ድሮ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሓቀኛታት ደቀ መዛሙርቲ ኣብዚ ዕዮ እዚ ይሳተፉ ኣለዉ: ጌና ካልኦት ድማ ይእከቡ ኣለዉ። ይኹን እምበር: ነቲ ቍጽሪ ደቀ መዛሙርቲ ምስቶም 5.6 ቢልዮን ዝዀኑ ተቐማጦ ምድሪ እንተድኣ ኣወዳዲርናዮ: ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ: ዝበዝሑ ደቅሰብ ነታ መንግስቲ ‘ኣየስተውዓሉላን።’ ከምቲ ኣቐዲሙ ተባሂሉ ዝነበረ: ብዙሓት ይጻረፉ “ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧” ድማ ኢዮም ዝብሉ። (2 ጴጥሮስ 3:3, 4) እቲ ተገዳስነት ዘይብሉ: ተጠራጣሪ: ከምኡውን ናይ ፍቕረ-ንዋይ ኣረኣእያኦም ነቲ ከም ክርስትያናት መጠን ኣብቲ ናይታ መንግስቲ መሰላት ዘሎና ኣረኣእያ በብቁሩብ ክትንክፎ ይኽእል ኢዩ። ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ ሰባት ስለ እተኸበብና: ንገለ ካብቲ ኣረኣእያታቶምን ተግባራቶምን ብቐሊሉ ምቕባል ክንጅምር ንኽእል ኢና። ንመንግስቲ ኣምላኽ ‘ከነስተውዕለላ’ ናብኣ ድማ ክንጠብቕ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ኰን ኢዩ!
ነታ መንግስቲ ብዝምልከት ገዛእ ርእስና ምምርማር
13. ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ምስባኽ ዝምልከት ትእዛዝ: ብምስትውዓል ‘ምስማዕ’ ንቕጽል እንተሊናን እንተ ዘየሊናን ብኸመይ ክንምርምር ንኽእል፧
13 የሱስ ነዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ዓጺድ ኣመልኪቱ ከምዚ በለ:- “ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ: ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዅሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም: . . . ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።” (ማቴዎስ 13:41, 43) ነታ መንግስቲ ንምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ንምግባርን እተዋህበ ትእዛዝ ናይ ተኣዛዝነት ምላሽ ብምሃብ ‘ምስማዕ’ ትቕጽልዶ ኣሎኻ፧ “እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኤ:” ‘ነቲ ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ:’ ጽቡቕ ፍረ ድማ ዘፍረየ ኢዩ።—ማቴዎስ 13:23
14. መምርሒ ምስ ዝወሃብ: ነቲ እተዋህበ ምኽሪ ከም ‘ዘስተውዓልናሉ’ ብኸመይ ነርኢ፧
14 ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ክንገብርን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ድማ ክንካፈልን ከሎና: ‘ልብና ናብ ምስትውዓል ከነድንኖ’ ኣሎና። (ምሳሌ 2:1-4) ንጠባይ: ክዳን: ሙዚቃ: ከምኡውን መዘናግዒ ዝምልከት ምኽሪ ክወሃበና ኸሎ: ኣብ ኣልባብና ክሰርጽን ዝዀነ ኣድላዪ ምትዕርራይ ክንገብር ከለዓዕለናን ከነፍቅደሉ ኣሎና። ፈጺምና ኣይነመሳምስ: ኣይነማኻኒ: ወይ ድማ ምላሽ ካብ ምሃብ ኣይንስነፍ። እታ መንግስቲ ኣብ ህይወትና ናይ ሓቂ እንተድኣ ኰይና: ብስርዓታታ ክንመላለስ ኢና ከምኡውን ንኻልኦት ብዛዕባኣ ብውዕዉዕ ቅንኢ ክንሰብከሎም ኢና። የሱስ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር: ጐይታይ: ጐይታይ: ዚብለኒ ዅሉ: መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን” በለ።—ማቴዎስ 7:21-23
15. ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ምድላይ’ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ናይ ሰብ ዝንባለ ብዛዕባ ዘድልዮ መግቢ: ክዳን: ከምኡውን መጽለሊ ምጭናቕ ኢዩ: የሱስ ግን “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ኢዩ ዝበለ። (ማቴዎስ 6:33, 34) ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገራት ክትሰርዕ ከሎኻ: ነታ መንግስቲ ኣብ ህይወትካ ቀዳምነት ሃባ። በቲ መሰረታዊ ነገራት ብምዕጋብ: ንናብራኻ ቀሊል ግበሮ። ምናልባት: እዞም ነገራት እዚኣቶም ብመሰረቱ ሕማቓት ኢዮም ማለት ካብ ዘይኰነ: ከምኡ ምግባር ቅቡል ኢዩ ኢልና ብምምስማስ: ንናብራና ብዘየድሊ ንጥፈታትን ድልየታትን ምምላእ ዕሽነት ኢዩ። እዚ ሓቂ ክኸውን እኳ እንተ ኸኣለ: ከምዚ ዝበለ ዘየድሊ ነገራት ምርካብን ምዝውታርን ነቲ ናይ ብሕቲ መጽናዕትና ምምዳብ: ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋል ከምኡውን ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ምስታፍ እንታይ ይገብሮ፧ የሱስ እታ መንግስቲ ከም ሓደ ሓንቲ ‘ኽብርቲ ዕንቍ ምስ ረኸበ: ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ዝዓደጋ’ ነጋዳይ ኢያ እትመስል በለ። (ማቴዎስ 13:45, 46) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከምዚ ኢዩ ክስማዓና ዘለዎ። ከምቲ ‘ነዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝፈተዋ’ ነቲ ኣገልግሎት ዝሓደጎ ዴማስ ዘይኰነስ: ንጳውሎስ ክንመስሎ ኣሎና።—2 ጢሞቴዎስ 4:10, 18፣ ማቴዎስ 19:23, 24፣ ፊልጲ 3:7, 8, 13, 14፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10, 17-19
‘ዓመጽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይክወርሱን ኢዮም’
16. ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ‘ምስትውዓል:’ ሕማቕ ጠባይ ንምርሓቕ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧
16 ጉባኤ ቈረንቶስ ንርኽሰት ተጻዊራቶ ክትከይድ ከላ ጳውሎስ ብግልጺ ከምዚ በላ:- “ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሓቱ፤ ኣመንዝራታት: ወይ መምለኽቲ ጣኦት: ዘመውቲ: ወይ ሕንቁቓት: ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ: ሰረቕቲ: ወይ ስሱዓት: ወይ ሰካራት: ወይ ተጻረፍቲ: ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።” (1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ንመንግስቲ ኣምላኽ እንተድኣ ‘ኣስተውዒልናላ:’ ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ትሑዛት ምዃንና ክሳዕ ዝረኣየ የሆዋ ገለ ዓይነት ርኽሰት ክጻወረና ኢዩ ኢልና ብምሕሳብ: ንገዛእ ርእስና ኣይከነታልላን ኢና። ርኽሰት ዝበሃል ክርከበና የብሉን። (ኤፌሶን 5:3-5) ናይዛ ዓለም እዚኣ ናይ ዕሽነት ኣተሓሳስባ ወይ ተግባር ኣብ ህይወትካ ሰላሕ ኢሉ ክኣቱ ይጅምር ከም ዘሎ ተስተብህልዶ ኣሎኻ፧ ብቕጽበት ካብ ህይወትካ ቍረጾ! እታ መንግስቲ ምእንቲ እዞም ነገራት እዚኣቶም ክትብል ኣይትድንጕን ኢያ።—ማርቆስ 9:47
17. ንመንግስቲ ኣምላኽ ሞሳ ምርኣይ: ትሕት ንኽንብል ዘለዓዕለናን ንዕንቅፋት ምኽንያታት ዝዀኑ ነገራት ዘርሕቕን በየናይ መገድታት ኢዩ፧
17 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ “ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ኰን ይበልጽ፧” ኢሎም ሓተቱ። የሱስ ቈልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ብምባል መለሸሎም: ከምዚ ድማ በለ:- “እንተ ዘይተመለስኩም: ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም: ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት: ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ።” (ማቴዎስ 18:1-6) ዕቡያት: ስልጣን ዝሃርፉ: ሓልዮት ዘይብሎም: ከምኡውን ስርዓት ዘይብሎም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይክህልዉን: ተገዛእታ እውን ኣይክዀኑን ኢዮም። ንኣሕዋትካ ዘሎካ ፍቕሪ: ትሕትናኻ: ኣምላኻዊ ፍርሃትካ: ብጠባይካ ገይርካ ንኻልኦት ምእንቲ ከይትዕንቅፍ የለዓዕለካ ድዩ፧ ወይስ እዚ ኣረኣእያ እዝን እዚ ጠባይን እዝን ንኻልኦት ክሳዕ ክንደይ ክትንክፎም ከም ዝኽእል ብዘየገድስ: “መሰልካ” ክኽበር ኢኻ ትጸቅጥ፧—ሮሜ 14:13, 17
18. መንግስቲ ኣምላኽ ፍቓዱ “ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ” ከም ዝፍጸም ምስ ገበረት ንእዙዛት ደቅሰብ እንታይ ክመጽኣሎም ኢዩ፧
18 የሆዋ: እቲ ሰማያዊ ኣቦና: ድሕሪ ቐረባ ግዜ ነቲ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ዝብል ምዉቕ ጸሎት ምሉእ ብምሉእ ክምልሶ ኢዩ። ድሕሪ ኣዝዩ ቐረባ ግዜ እቲ ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ: የሱስ ክርስቶስ: ነተን “ኣባጊዕ” ካብተን “ኣጣል” ንምፍላይ: ኣብ ዝፋኑ ንኽፈርድ ኢሉ ከም ዝቕመጥ ኰይኑ ክመጽእ ኢዩ። ኣብቲ ምዱብ ግዜ: “እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም: ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት: ንዑ: እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ።” እተን ኣጣል “ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ [“ምቝራጽ:” ትሓዓ]: ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።” (ማቴዎስ 6:10፣ 25:31-34, 46) “እቲ ዓቢ ጸበባ” ነዚ ኣረጊት ኣገባብን ንዅሎም እቶም ነታ መንግስቲ ‘ምስትውዓል’ ዝኣበዩን ክጸርጎም ኢዩ። ይኹን እምበር እቶም ካብቲ “ዓቢ ጸበባ” ደሓንቲ ዝዀኑ ሚልዮናት ሰባትን እቶም ካብ ምዉታት ዝትንስኡ ቢልዮናት ሰባትን ኣብታ እተመልሰት ምድራዊት ገነት ነቲ ናይታ መንግስቲ በረኸታት ንሓዋሩ ክወርስዎ ኢዮም። (ራእይ 7:14 ትሓዓ) እታ መንግስቲ ኣብ ሰማያት ኰይና እትገዝእ ናይ ምድሪ ሓዳስ መንግስቲ ኢያ። እቲ ንምድርን ደቅሰብን ዝምልከት ዕላማ የሆዋ ክትፍጽም ኢያ: እዚ ዅሉ ድማ ንምቕዳስ እቲ ኣዝዩ ቅዱስ ዝዀነ ስሙ ኢዩ። እዝስ ክትዓየሉ: ክትስዋኣሉ: ከምኡውን ክትጽበዮ ዝግባእ ውርሻዶ ኣይኰነን፧ ነታ መንግስቲ ‘ከነስተውዕለላ’ ማለት እዚ ክኸውን ኣለዎ!
ብኸመይ ምመለስካ፧
◻ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧
◻ ካብቶም ንየሱስ ዝሰምዕዎ መብዛሕትኦም ነታ መንግስቲ ‘ዘየስተውዓሉላ’ ስለምንታይ ኢዮም፧
◻ ነታ መንግስቲ ‘ከተስተውዕለላ’ ከሎኻ ክልቲኡ ማለት በረኸታትን ሓላፍነትን ዘምጽእ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ንስብከት ዝምልከት: ነታ መንግስቲ ‘ኣስተውዒልናላ’ እንተሊናን እንተዘየሊናን ዝሕብር እንታይ ኢዩ፧
◻ ነቲ እተዋህበ ምኽሪ ‘ኣስተውዒልናሉ’ ከም ዘሎና ብጠባይና እነርኢ ብኸመይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነታ መንግስቲ ‘ኣስተውዒሎምላ:’ ጽቡቕ ፍረ ድማ ኣፍርዮም ኢዮም