የሆዋ ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ይህቦም
“እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ።”—እብ. 11:6።
1, 2. (ሀ) ፍቕርን እምነትን ብኸመይ እየን ዚተሓሓዛ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንመያየጥ፧
‘የሆዋ ቕድም ስለ ዘፍቀረና፡’ ንሕና እውን ነፍቅሮ ኢና። (1 ዮሃ. 4:19) ተበግሶ ወሲዱ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዚባርኽ ምዃኑ ድማ ሓደ መግለጺ ፍቕሩ እዩ። ንኣምላኽ ብዘፍቀርናዮ መጠን፡ እምነትና ትድልድል እያ፣ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዜፍቅርዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ዘሎና እምነት ድማ ዝያዳ ይድልድል እዩ።—እብራውያን 11:6 ኣንብብ።
2 የሆዋ ወሃብ ዓስቢ እዩ! እዚ ኸኣ ኣገዳሲ ኽፋል መንነቱን ተግባራቱን እዩ። “እምነት ናይቲ ተስፋ ዚግበሮ ርግጽ ትጽቢት” ስለ ዝዀነት፡ ኣምላኽ ነቶም ተጊሆም ዚደልይዎ ዓስቦም ከም ዚህቦም እንተ ዘይኣሚንና፡ እምነትና ፍጽምቲ ኣይትኸውንን። (እብ. 11:1) እወ፡ እምነት ነቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ርግጽ ኴንካ ምጽባይ ተጠቓልል። እቲ ዓስቢ ኸም እንረክብ ዘሎና ተስፋ ዚጠቕመና ግና ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩን ሕጂ ዘለዉን ኣገልገልቱ ዓስቦም ዝሃቦም ብኸመይ እዩ፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።
የሆዋ ንኣገልገልቱ ኸም ዚባርኾም ኣተስፍዩ
3. ኣብ ሚልክያስ 3:10 እንታይ ተስፋ እዩ ተዋሂቡና ዘሎ፧
3 የሆዋ ኣምላኽ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኸም ዚባርኾም ስለ ዘተስፈወ፡ በረኸቱ ንምርካብ ክንጽዕር ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ። ኣብ ቃሉ፡ “‘መሳዅቲ ሰማያት እንተ ዘይከፊተልኩም፡ ሓንቲ እኳ ኽሳዕ ዘይጐድለኩም ድማ በረኸት እንተ ዘየፍሲሰልኩም ክትርእዩስ፡ በዚ ግዳ ፈትኑኒ’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” ዚብል ነንብብ ኢና። (ሚል. 3:10) ነዚ የሆዋ ብልግሲ ዘቕረበልና ጻውዒት ምስ እንቕበሎ፡ ዓሚቝ ሞሳን ምስጋናን ከም ዘሎና ኢና እነርኢ።
4. በቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 6:33 እተዛረቦ ቓላት ክንእመን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት እንተ ሂቦም፡ ኣምላኽ ከም ዚድግፎም ኣረጋጊጹሎም እዩ። (ማቴዎስ 6:33 ኣንብብ።) የሆዋ ዅሉ ሳዕ እሙን ከም ዝዀነ ስለ ዘመስከረ ድማ እቲ የሱስ ዝኣተዎ ቓል ርግጽ እዩ። ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ኸይተፈጸመ ኸም ዘይተርፍ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 55:11) ንሕና እውን፡ ብምሉእ ልብና ብየሆዋ ኸም እንኣምን እንተ ኣርኢና፡ ንሱ ነቲ “ኸቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ኢሉ ዘተስፈዎ ተስፋ ኸም ዚሕልዎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (እብ. 13:5) እዚ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል፡ በቲ የሱስ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክንደሊ እተላበወና ቓላት ክንእመን ይሕግዘና እዩ።
5. እቲ የሱስ ንጴጥሮስ ዝሃቦ ምላሽ እምነት ዜደልድል ብኸመይ እዩ፧
5 ሓደ እዋን፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “ንሕና ዅሉ ሓዲግና ስዒብናካ፣ እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧” ኢሉ ሓቲትዎ ነይሩ። (ማቴ. 19:27) የሱስ ንጴጥሮስ፡ ነዚ ሕቶ እዚ ስለ ዝሓተተ ኣይገሰጾን፣ የግዳስ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ስለቲ ዝገበርዎ መስዋእቲ ዓስቦም ከም ዚረኽቡ ነገሮም። እወ፡ እቶም እሙናት ሃዋርያትን ካልኦትን ኣብ ሰማይ ምስኡ ሓቢሮም ኪገዝኡ እዮም። ሰዓብቱ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ዓስቢ ይረኽቡ እዮም። የሱስ፡ “ምእንቲ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ውሉዳት፡ ወይ ግራውቲ ዝሓደገ ዅሉ፡ 100 ዕጽፊ ኺረክብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ኪወርስ እዩ” በለ። (ማቴ. 19:29) ደቀ መዛሙርቱ ኻብቲ ዝገበርዎ መስዋእቲ ኣዝዩ ዚበልጽ በረኸት ይረኽቡ እዮም። መንፈሳውያን ኣቦታትን ኣዴታትን ኣሕዋትን ኣሓትን ውሉዳትን ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢልና ኻብ ዝገደፍናዮ ዝዀነ ይኹን ነገር ዚበልጹዶ ኣይኰኑን፧
“መልህቕ ነፍሲ”
6. የሆዋ ንኣምለኽቱ ዓስቢ ኸም ዚህቦም ዘተስፈዎም ስለምንታይ እዩ፧
6 የሆዋ ንኣምለኽቱ ዓስቦም ከም ዚህቦም ዘተስፈዎ ተስፋ፡ ኣምለኽቱ ኣብ ንጽህናኦም ንዜጋጥሞም ፈተና ጸኒዖም ኪምክትዎ ይሕግዞም እዩ። እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ ኣብዚ እዋን እዚ ኣዝዩ ብዙሕ መንፈሳዊ በረኸት ኣብ ርእሲ ምርካቦም፡ ኣብ መጻኢ ኻብዚ ዚዓቢ በረኸት ኬስተማቕሩ ብሃንቀውታ ይጽበዩ እዮም። (1 ጢሞ. 4:8) እወ፡ እቲ የሆዋ “ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” ዘሎና ምትእምማን፡ ብእምነት ክንጸንዕ ኪሕግዘና እዩ።—እብ. 11:6።
7. ተስፋ ኸም መልህቕ እትዀነና ብኸመይ እያ፧
7 የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ “ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት እውን ከምኡ ሰጒጎምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 5:12) እቲ ነቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎምን ነቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎምን ዚውሃቦም ዓስቢ ብሓቂ ‘ዜሐጕስን ባህ ዜብልን’ እዩ። (መዝ. 37:11፣ ሉቃ. 18:30) እታ ዘላትና ተስፋ ሰማያዊት ትኹን ምድራዊት፡ “ከም መልህቕ ነፍሲ፡ ርግጽን ጽንዕትን እያ።” (እብ. 6:17-20) ከምቲ ማዕበል ኪልዓል ከሎ መልህቕ ንመርከብ ኣጽኒዑ ደው ዜብላ፡ እታ እተዋህበትና ተስፋ እውን ብስምዒታውን ብኣእምሮኣውን ብመንፈሳውን መዳይ ጸኒዕና ደው ክንብል ክትሕግዘና ትኽእል እያ። መከራ ኼጋጥመና ኸሎ ኽንጸንዕ ዜኽእለና ብርታዐ ምእንቲ ኽንረክብ ክትሕግዘና ትኽእል እያ።
8. ተስፋ ጭንቀትና ኽንንኪ ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
8 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋና፡ ኣብዚ እዋን እዚ ንዜጋጥመና ጭንቀት ኪንክየልና ይኽእል እዩ። ተስፋታት ኣምላኽ ንእተጨነቐ ልብና ኸም ዜቕስን ፈውሲ ኪዀነልና ይኽእል እዩ። ‘የሆዋ ኸም ዚድግፈና’ ፈሊጥና ‘ጾርና ናብኡ ምድርባይሲ’ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዜጸናንዕ እዩ! (መዝ. 55:22) ኣምላኽ፡ “ካብቲ እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚኽእል” ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 3:20) ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ኣብዚሑን ኣዕዚዙን ጥራይ ዘይኰነስ፡ “እምብዛ ኣዕዚዙ” ኺሕግዘና ይኽእል እዩ!
9. የሆዋ ኸም ዚባርኸና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
9 ዓስቢ ኽንረክብ እንተ ደሊና፡ ብየሆዋ ኸም እንኣምን ከነርእን ንመምርሒታቱ ኽንስዕብን ኣሎና። ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል፡ “ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ፡ የሆዋ ብርግጽ ኪባርኸካ እዩ . . . ሓንትስ ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ ተኣዘዝ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዝ ከኣ ተጠንቂቕካ ሓሉ። ከመይሲ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኸምቲ ዘተስፈወካ ኺባርኸካ እዩ” በሎ። (ዘዳ. 15:4-6) እሞኸ፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት እንተ ኣገልጊልካዮ፡ ንሱ ኸም ዚባርኸካ ምሉእ ብምሉእ ትተኣማመን ዲኻ፧ እወ፡ ክትተኣማመን ዜኽእለካ እኹል ምኽንያት ኣሎካ።
የሆዋ ዓስቢ ሂብዎም
10, 11. የሆዋ ንዮሴፍ ዓስቡ ዝሃቦ ብኸመይ እዩ፧
10 መጽሓፍ ቅዱስ ንጥቕምና እዩ ተጻሒፉ። ኣምላኽ ንእሙናት ኣገልገልቱ ብርግጽ ከም ዚባርኾም ዜርኢ ብዙሕ ጸብጻባት እውን ሒዙ ኣሎ። (ሮሜ 15:4) ዮሴፍ ብሉጽ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ፈለማ፡ ኣሕዋቱ ናብ ባርነት ሸይጦምዎ ነበሩ፣ ደሓር ከኣ ሰበይቲ ጐይታኡ ብሓሶት ከሲሳቶ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግብጺ ተኣሲሩ ነበረ። ካብ ኣምላኹ ግና ተፈላልዩ ድዩ፧ ኣይፋልን! “የሆዋ ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ፣ ብተኣማንነት ከኣ የፍቅሮ . . . ነበረ። . . . የሆዋ ምስ ዮሴፍ ነበረ፡ ዚገብሮ ዘበለ እውን የሆዋ የቕንዓሉ ነበረ።” (ዘፍ. 39:21-23) ዮሴፍ ኣብቲ ፈታኒ እዋን እቲ ንኣምላኽ ብትዕግስቲ ተጸብይዎ እዩ።
11 እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ፡ ፈርኦን ንዮሴፍ ካብ ቤት ማእሰርቲ ፈትሖ፣ ነዚ ትሑት ባርያ እዚ ድማ ኣብ ግብጺ ኻልኣይ ገዛኢ ገበሮ። (ዘፍ. 41:1, 37-43) ዮሴፍ ክልተ ኣወዳት ምስ ወለደ ድማ፡ “‘ኣምላኽ ኵሉ ሽግረይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ኣረሲዑኒ’ ኢሉ ነቲ በዅሪ ስሙ ምናሴ ኣውጽኣሉ። ነቲ ኻልኣይ ድማ፡ ‘ኣምላኽ ኣብ ምድሪ መከራይ ኣፍርዩኒ’ ኢሉ ስሙ ኤፍሬም ኣውጽኣሉ።” (ዘፍ. 41:51, 52) ዮሴፍ ንኣምላኽ እሙን ስለ ዝዀነ፡ የሆዋ ዓስቡ ሂብዎ እዩ፣ ሳላኡ ድማ እስራኤላውያንን ግብጻውያንን ድሒኖም እዮም። ዮሴፍ፡ ዓስቡ ዝሃቦን ዝባረኾን የሆዋ ኸም ዝዀነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—ዘፍ. 45:5-9።
12. የሱስ ፈተናታት ምስ ኣጋጠሞ ዝጸንዐ ብኸመይ እዩ፧
12 የሱስ ክርስቶስ እውን ከቢድ ፈተናታት እምነት ምስ ኣጋጠሞ ንየሆዋ ስለ እተኣዘዘ፡ ዓስቡ ረኺቡ እዩ። ፈተናታት ኪጻወር ዝሓገዞኸ እንታይ እዩ፧ ቃል ኣምላኽ፡ “ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ ጕንዲ ስቅያት ተጻዊሩ” ይብለና። (እብ. 12:2) የሱስ ንስም የሆዋ ብምቕዳሱ ተሓጒሱ እዩ። ብዘይካዚ፡ ሞገስ ኣቦኡን ካልእ ዜደንቕ መሰላትን ብምርካቡ ተባሪኹ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ የማን ዝፋን ኣምላኽ ከኣ ተቐሚጡ እዩ” ይብለና። ኣብ ካልእ ጥቕሲ ድማ፡ “ኣምላኽ ናብ ዝለዓለ ቦታ ልዕል ኣቢልዎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም እውን ብለውሃት ሂብዎ” ዚብል ነንብብ።—ፊል. 2:9።
የሆዋ ንግብርና ኣይርስዖን
13, 14. የሆዋ ብዛዕባ እቲ ምእንታኡ እንገብሮ ነገራት ከመይ ይስምዖ፧
13 የሆዋ ንዅሉ እቲ ንዕኡ ንምግልጋል እንገብሮ ጻዕሪ ኸም ዘይርስዖ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ክንሻቐል ከለና ወይ ርእሰ ምትእምማን ኪጐድለና ኸሎ ይርድኣልና እዩ። ቍጠባዊ ዅነታት ምስ ዚኸብደና ወይ ከኣ ጥዕናና ወይ ስምዒታትና ነቲ እነቕርቦ ቕዱስ ኣገልግሎት ምስ ዚድርቶ ይድንግጸልና እዩ። የሆዋ ነቲ ኣገልገልቱ እሙናት ንምዃን ዚገብርዎ ጻዕሪ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—እብራውያን 6:10, 11 ኣንብብ።
14 እቲ “ሰማዕ ጸሎት” ዝዀነ ኣምላኽና፡ ንሻቕሎትና ኸም ዜቕልበሉ ብምትእምማን ናብኡ ኽንቀርብ ከም እንኽእል እውን ኣይትረስዕ። (መዝ. 65:2) “እቲ ኣቦ ርሕራሐን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ዜድልየና ደገፍ ከም ዚገብረልና፡ ኣመንቲ ብዝዀኑ ብጾትና ኣቢሉ እውን ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (2 ቈረ. 1:3) ንኻልኦት ምስ እንርሕርሓሎም፡ ልቢ የሆዋ ባህ ይብሎ እዩ። እወ፡ “ንትሑት ሞገስ ዜርእዮ፡ ንየሆዋ የለቅሖ፣ ንሱ ኸኣ ከም ግብሩ ይፈድዮ” እዩ። (ምሳ. 19:17፣ ማቴ. 6:3, 4) ስለዚ፡ ጥቕሚ ርእስና ኸይደለና ንእተሸገሩ ምስ እንሕግዝ፡ የሆዋ ንዕኡ ኸም ዘለቃሕናዮ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ስለቲ ዘርኣናዮ ለውሃት ዓስብና ኸም ዚህበና ድማ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ሕጅን ንዘለኣለምን እንረኽቦ ዓስቢ
15. እንታይ ዓስቢ ኽትረክብ ኢኻ እትጽበ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)
15 ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት፡ ‘እቲ ጻድቕ ፈራዲ ዝዀነ ጐይታ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዓስቢ ዚህቦም ኣኽሊል ጽድቂ’ ኺረኽቡ ብተስፋ ይጽበዩ እዮም። (2 ጢሞ. 4:7, 8) ካብዚ እተፈልየ ተስፋ እንተ ኣልዩካ ግና፡ ኣምላኽ ኣኽቢሩ ኣይርእየካን እዩ ማለት ኣይኰነን። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ “ኻልኦት ኣባጊዕ” የሱስ፡ ገነት ኣብ እትኸውን ምድሪ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ብሃንቀውታ ይጽበዩ እዮም። ኣብኡ ኸኣ፡ “ብብዝሒ ሰላም . . . ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።”—ዮሃ. 10:16፣ መዝ. 37:11።
16. ኣብ 1 ዮሃንስ 3:19, 20 እንታይ መጸናንዒ ኢና እንረክብ፧
16 ሓድሓደ ግዜ፡ ብዙሕ ዘይንዓምም ዘለና ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን ወይ ከኣ የሆዋ በቲ እንገብሮ ጻዕሪ ይሕጐስ እንተ ዀይኑ ንጠራጠር ንኸውን። ዝዀነ ይኹን ዓስቢ ኽንቅበል ዘይንበቅዕ ኰይኑ እውን ይስምዓና ይኸውን። ይኹን እምበር፡ “ኣምላኽ ካብ ልብና ይዓብን ኵሉ ይፈልጥን እዩ።” ነዚ ሓቂ እዚ ድማ ኣይንረስዓዮ። (1 ዮሃንስ 3:19, 20 ኣንብብ።) እቲ እንገብሮ መስዋእቲ ኽሳዕ ክንድቲ ዘይረብሕ ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዓና፡ ኣምላኽ ስለቲ ብእምነትን ብፍቕርን ተደሪኽና እንገብሮ ቕዱስ ኣገልግሎት ዓስቢ ኺህበና እዩ።—ማር. 12:41-44።
17. ገለ ኻብቲ ሕጂ እንረኽቦ ዘለና ዓስቢ እንታይ እዩ፧
17 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እቲ እኩይ ስርዓት ሰይጣን እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ንህዝቡ ይባርኾም እዩ። ናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ኣኺሉ ዚተርፍ ብሉጽ መንፈሳዊ ምግቢ ኸም ዚረኽቡ ይገብር ኣሎ። (ኢሳ. 54:13) ከምቲ የሱስ ዘተስፈዎ፡ የሆዋ ኣባላት እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከብ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ዝሓቘፈ ስድራ ቤት ክንከውን ብምፍቃድ፡ ሕጂ ባሪኹና ኣሎ። (ማር. 10:29, 30) ብዘይካዚ፡ ነቶም ብትግሃት ዚደልይዎ፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣእምሮኣዊ ሰላምን ዕግበትን ሓጐስን ይህቦም እዩ።—ፊል. 4:4-7።
18, 19. ኣገልገልቲ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዚረኽብዎ ዓስቢ ኸመይ እዩ ዚስምዖም፧
18 ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ዜደንቕ ዓስብታት ከም እተዋህቦም ኪምስክሩ ይኽእል እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ጀርመን እትነብር ቢያንካ ኸምዚ በለት፦ “የሆዋ ንጭንቀተይ ክዋጽኣሉ ስለ ዝሓገዘንን ኵሉ መዓልቲ ኣብ ጐድነይ ስለ ዝዀነን ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። ዓለም ብሕንፍሽፍሽን ብተስፋ ምቝራጽን እተመልአት እያ። ኣብ ጐድኒ የሆዋ ዀይነ ኽዓዪ ኸለኹ ግና፡ ኣብ ሕቝፉ ኸም ዝኣተኹ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ምእንታኡ መስዋእቲ ኽገብር ከለኹ፡ ሚእቲ ዕጽፊ ገይሩ እዩ ዚባርኸኒ።”
19 ኣብ ካናዳ እትነብር 70 ዓመት ዝዕድሚኣ፡ ስፒና ባይፊዳ ዚብሃል ሕማም ዓንዲ ሕቖ ድማ ዘለዋ ፓውላ እውን ከም ኣብነት ንርአ። ንሳ ኸምዚ በለት፦ “ብዙሕ ክትንቀሳቐስ ዘይምኽኣል፡ ብዙሕ ከተገልግል ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት ኣይኰነን። ከም ብተሌፎንን ብዘይወግዓዊ መገድን ዚግበር ምስክርነት ዝኣመሰለ እተፈላለየ መዳያት ኣገልግሎት እጥቀም እየ። ካብ ጽሑፋትና ዝረኸብክዎ ዜተባብዓኒ ጥቕስታትን ሓሳባትን ኣብ መዘኻኸሪየይ ጽሒፈ በብግዜኡ አንብቦ እየ። ነታ መዘኻኸሪ ጥራዘይ ድማ፡ ‘ጥራዝ ድሕነተይ’ ኢለ እየ ዝጽውዓ። ኣብ ተስፋታት የሆዋ ነተኵር እንተ ዄንና፡ እቲ ዜጋጥመና ተስፋ ምቝራጽ ግዜያዊ እዩ ዚኸውን። ኵነታትና ብዘየገድስ፡ የሆዋ ወትሩ ይሕግዘና እዩ።” ካብ ናይ ቢያንካን ፓውላን እተፈልየ ዅነታት ይህልወካ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንዓኻን ንብጾትካን ዝባረኸሉ መገድታት ርኢኻ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ኣብዚ እዋን እዚ ብኸመይ ይባርኸካ ኸም ዘሎን ኣብ መጻኢ ብኸመይ ከም ዚባርኸካን ምሕሳብ ክሳዕ ክንደይ ኰን ጽቡቕ እዩ!
20. ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና እንተ ኣገልጊልናዮ እንታይ ኢና ኽንረክብ፧
20 ካብ ልቢ እትጽልዮ ጸሎትን እቲ ንኣምላኽ ብትብዓት እትልምኖ ልማኖን፡ ‘ብዙሕ ዓስቢ ኸም ዘለዎ’ ኣይትረስዕ። ‘ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ገበርካ፡ ነታ ተስፋ ኸም እትረኽባ’ ኣይትጠራጠር። (እብ. 10:35, 36) ስለዚ፡ ሕጂ እምነትና ነደልድል፡ ንየሆዋ ድማ ብምሉእ ነፍስና ነገልግሎ። የሆዋ ኸኣ ዚግብኣና ዓስቢ ኺህበና እዩ።—ቈሎሴ 3:23, 24 ኣንብብ።