-
ትርጉም ሓዳስ ዓለም ልክዕነቱ ዝሓለወ ድዩ፧ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
-
-
እተፈልየ ቓላት። ሓድሓደ ግዜ፡ ቃል ብቓል እተተርጐመ ሓሳባት ዘይንጹር ወይ ዜደናግር እዩ። ንኣብነት፡ እቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 5:3 እተዛረቦ ነገር መብዛሕትኡ ግዜ፡ “ብመንፈስ ድኻታት . . . ብጹኣን እዮም” ተባሂሉ ይትርጐም እዩ። (ትርጉም 1956፣ ኢንግሊሽ ስታንዳርድ ቨርሽን፣ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን፣ ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን) ብዙሓት ግና ነዚ “ብመንፈስ ድኻታት” ዚብል ቃል ብቓል እተተርጐመ ሓሳባት ዘይንጹር ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም፣ ገሊኦም ድማ የሱስ ንኣገዳስነት ትሕትና ወይ ድኽነት ዜጕልሕ ዝነበረ ይመስሎም እዩ። የሱስ ግና ናይ ሓቂ ሓጐስ ኪርከብ ዚከኣል፡ መምርሒ ኣምላኽ ከም ዜድልየካ ብምግንዛብ ምዃኑ እዩ ዚምህር ነይሩ። ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ” ብዚብል ቃላት ገይሩ ንሓሳባቱ ብልክዕ የመሓላልፎ እዩ።—ማቴዎስ 5:3።c
-
-
ትርጉም ሓዳስ ዓለም ልክዕነቱ ዝሓለወ ድዩ፧ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
-
-
c ብተመሳሳሊ፡ ትርጉም ጆን በርትራም ፊሊፕስ ንቓላት የሱስ፡ “ኣምላኽ ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ” ኢሉ ተርጒምዎ ኣሎ፣ ዘ ትራንስሌተርስ ኒው ተስታመንት ድማ፡ “መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ” ዚብል ሓረግ ተጠቒሙ ኣሎ።
-