እምነትካ ንግብሪ ትድርኸካ ድያ፧
ሓደ ሓለቓ ሚእቲ: የሱስ ንባርያኡ ኻብቲ ዝነበሮ ሕማም ልምሲ ኼሕውዮ ኸም ዚኽእል ርግጸኛ ነበረ። እንተዀነ ግን: ምናልባት ዘይበቅዕ ኰይኑ ስለ እተሰምዖ ይኸውን ወይ ከኣ ካብ ኣህዛብ ስለ ዝነበረ: ንየሱስ ናብ ቤቱ ንኺመጽእ ኣይሓተቶን። ኣብ ክንዳኡስ ዓበይቲ ኣይሁድ ናብኡ ልኢኹ “ጐይታይ: ኣነ: ንስኻ ናብ ቤተይ ክትአቱ: ኣይበቅዕን እየ እሞ: ሓንቲ ቓል ጥራይ ደኣ በል: ቈልዓይ ድማ ይሐዊ” በሎ። የሱስ እዚ ሓለቓ ሚእቲ እዚ ኣብ ርሑቕ ኰይኑውን ኪፍውሰሉ ኸም ዚኽእል ምእማኑ ኣስተብሃለ እሞ “ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኸም ዘይረኸብኩ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በለ።—ማቴዎስ 8:5-10፣ ሉቃስ 7:1-10
እዚ ዛንታ እዚ ኣብቲ ኣገዳሲ ኽፋል እምነት ዝዀነ ነገር ንኸነተኵር ይሕግዘና። ናይ ሓቂ እምነት ብግብሪ እተሰነየት እያ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ “እምነት: ግብሪ እንተ ዜብላስ: ንርእሳ ምውትቲ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 2:17) ግብሪ ኣልቦ እምነት እንታይ ከም ዜስዕብ ካብ ህያው ኣብነታት ምስ እንርኢ: እዚ ሓቂ እዚ ዝያዳ ንጹር ኪኸውን እዩ።
ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ህዝቢ እስራኤል በቲ ሕጊ ኺዳን ኣቢሉ ምስ የሆዋ ኺዳን ተኣታተወ። እቲ ማእከላይ እዚ ኺዳን ዝነበረ ሙሴ ንደቂ እስራኤል “ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም: ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም: . . . ቅዱስ ህዝ[ቢ] ክትኰኑኒ ኢኹም” ብምባል ቃል ኣምላኽ ኣመሓላለፈሎም። (ዘጸኣት 19:3-6) እወ: እስራኤላውያን ኣብ ቅድስና ንምብጻሕ እዙዛት ኪዀኑ ነበሮም።
ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት: ኣይሁድ ኣብ ክንዲ ኣብ ግብራውነት እቲ መሰረታዊ ስርዓት: ኣብ ምጽናዕ እቲ ሕግታት ዝያዳ ኼተኵሩ ጀመሩ። ኣልፍረድ ኤደርሻይም ኣብታ ዘ ላይፍ ኤንድ ታይምስ ኦቭ ጂሰስ ዘ መሳያህ ዘርእስታ መጽሓፉ “እቶም ‘ናይ ዓለም ዓበይቲ ሰባት’ ዚበሃሉ [መምህራን ኣይሁድ] ካብ ግብሪ ንላዕሊ እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ነገር መጽናዕቲ ኸም ዝዀነ ደምዲሞም ነበሩ” በለ።
ርግጽ እዩ ጥንታዎት እስራኤላውያን ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ብቕዓታት ተጊሆም ንኼጽንዑ ተኣዚዞም እዮም። ኣምላኽ ባዕሉ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ” በለ። (ዘዳግም 6:6, 7) እንተዀነ ግን: የሆዋ ነቲ ሕጊ ኻብ ምግባር ንላዕሊ እቲ ኣዝዩ ዜገድስ ነገር ነቲ ሕጊ ምጽናዕ ከም ዝዀነ ድዩ ኣመልኪቱ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ እስከ ንመርምራ።
ኣብ መጽናዕቲ ጥራይ ምትኳር
እስራኤላውያን ነቲ ሕጊ ኣብ ምጽናዕ ዝያዳ ምትኳር ቅኑዕ ተግባር እዩ ዚመስሎም ነይሩ። ኣይሁድ እውን ኣምላኽ ባዕሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንሰለስተ ሰዓት ነቲ ሕጊ የጽንዖ እዩ ዚብል እምነት ነበሮም። ገሊኦም ኣይሁድ ካብዚ ብምብጋስ ‘ኣምላኽ ወትሩ ነቲ ሕጊ ዜጽንዕ ካብ ኰነ እቶም ምድራውያን ፍጡራቱኸ ኸምኡ ኺገብሩዶ ኣይግብኦምን፧’ ዚብል መርትዖ የቕርቡ ይዀኑ።
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እቶም መምህራን ኣይሁድ ነቲ ሕጊ መቓቒሎም ምምርማሮምን ምትርጓሞምን ነተሓሳስባኦም ምሉእ ብምሉእ ኣቕነኖ። የሱስ: “ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን . . . ይብሉ ደኣ እምበር: ኣይገብሩን እዮም . . . ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮም: ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ: ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን” በለ። (ማቴዎስ 23:2-4) እዞም መራሕቲ ሃይማኖት እዚኣቶም ነቲ ተራ ህዝቢ ማእለያ ዘይብሉ ሕግታትን መምርሒታትን የሰክምዎ: ንርእሶም ግን ካብዚ ሕጊ እዚ ናጻ ዚገብሮም እተፈላለየ ምኽኒት የቕርቡ ነበሩ። ብተወሳኺውን እዞም ኣብ መጽናዕቲ ጥራይ ዜተኵሩ ዝነበሩ ሰባት “እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፤ ፍርዲ: ምሕረት: እምነት” ሸለል ኢሎምዎ ነበሩ።—ማቴዎስ 23:16-24
እዞም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንርእሶም ጻድቃን ኪገብሩ ኢሎም ነቲ ኸም ዚሕልውዎ ዚዛረቡሉ ሕጊ ምጥሓሶምስ ከመይ ዝኣመሰለ ስግንጢር ስራሕ ኰን እዩ! ኣብ ቃላትን ኣገዳስነት ኣብ ዘይብሉ ኽፋልን እቲ ሕጊ ንዘመናት ዝገበርዎ ኽትዕ ናብ ኣምላኽ ኣየቕረቦምን። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ሃተውተው:” “ክትዕ:” ከምኡውን ናይ ሓሶት “ፍልጠት” ዝበሎ እሞ ምፍልላይ ዘምጽአ: እዚውን ተመሳሳሊ ሳዕቤን እዩ ዘለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 6:20, 21) እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምርምር ካልእ ከቢድ ጸገም እውን ኣምጺኡሎም እዩ። እዚ ኸኣ ቅኑዕ ንምግባር እትድርኽ ዓይነት እምነት ኣይነበረቶምን።
በሊሕ ኣእምሮ ግን ከኣ እምነት ዘይብላ ልቢ
ኣተሓሳስባ እዞም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ካብ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ከመይሲ እስራኤላውያን ናብታ ምድሪ ተስፋ ቐቅድሚ ምእታዎም: ሙሴ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝምስክረልኩም ዘሎኹ ዅሉ ቓላት ንደቅኹም ተጠንቂቖም ኪገብርዎ ኽትእዝዝዎም: ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ” ኢልዎም ነይሩ። (ዘዳግም 32:46) እምበኣር ህዝቢ ኣምላኽ ፈላጣት እቲ ሕጊ ጥራይ ዘይኰነስ: ገበርቲ እቲ ሕጊ እዮም ኪዀኑ ነይርዎም።
ይኹን እምበር: ህዝቢ እስራኤል ብተደጋጋሚ ንየሆዋ ዘይእሙናት ኰይኖም ተረኺቦም እዮም። ኣብ ክንዲ ነቲ ቕኑዕ ዝዀነ ዚገብሩ ‘ኣይአመንዎን ቃሉውን ኣይሰምዑን።’ (ዘዳግም 9:23፣ መሳፍንቲ 2:15, 16፣ 2 ዜና መዋእል 24:18, 19፣ ኤርምያስ 25:4-7) ሕሉፍ ሓሊፎም ከኣ የሱስ መሲህ ከም ዝዀነ ብዘይምቕባሎም ዝገደደ ኣበሱ። (ዮሃንስ 19:14-16) በዚ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽ ንእስራኤል ገዲፉ ናብ ኣህዛብ ኣተኰረ።—ግብሪ ሃዋርያት 13:46
ንሕናውን በሊሕ ኣእምሮ ግን ከኣ እምነት ዘይብላ ልቢ ሒዝና ንኣምላኽ ከነምልኾ ንኽእል ኢና ኢልና ርእስና ኣይነታልል። ብኻልእ ኣበሃህላ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንገብሮ መጽናዕቲ ፍልጠት ንምእካብ ጥራይ ኪኸውን የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ እቲ እንረኽቦ ርጡብ ፍልጠት ንልብና ተንኪፉ ኣብ ህይወትና ጽቡቕ ጽልዋ ኼሕድር ኣለዎ። ብዛዕባ ምክንኻን ኣታኽልቲ እንተ ነጽንዕ እሞ ግን ከኣ ዋላ ሓንቲ ዘርኢ እንተ ዘይዘራእና እቲ ዝገበርናዮ መጽናዕቲ ትርጕም ምሃለዎዶ፧ ርግጽ እዩ ብዛዕባ ምክንኻን ኣታኽልቲ ዝመጸ እተወሰነ ፍልጠት ነጥሪ ንኸውን: ምንም ዓይነት ፍረ ግን ኣይንረክብን ኢና። ብተመሳሳሊውን እቶም በቲ ዚገብርዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሎም ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ብቕዓታት እተማህሩ ሰባት: ዘርኢ ሓቂ ነልባቦም ተንኪፉ ስጕምቲ ንኺወስዱ ኺድርኾም ኣለዎ።—ማቴዎስ 13:3-9, 19-23
“ገበርቲ ቓል ኩኑ”
ሃዋርያ ጳውሎስ “እምነት ካብ ምስማዕ እያ” በለ። (ሮሜ 10:17) ቃል ኣምላኽ ሰሚዕና ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ እምነት ብምሕዳር: ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ንረክብ ኢና። ርግጽ እዩ እዚ ‘ኣብ ኣምላኽን ኣብ ክርስቶስን እኣምን እየ’ ኻብ ምባል ንላዕሊ ዚሓትት እዩ።
የሱስ ንሰዓብቱ “ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም: ኣቦይ በዚ ይኸብር: ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም” ብምባል ንግብሪ እትድርኾም ዓይነት እምነት ኬጥርዩ ተላብዩዎም እዩ። (ዮሃንስ 15:8) ጸኒሑ ኸኣ እቲ ንየሱስ በደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ “ገበርቲ ቓል ኩኑ: . . . ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 1:22) እንታይ ክንገብር ከም ዚግብኣና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ የሱስ ብቓል ኰነ ብግብሪ ንኣምላኽ ብኸመይ ከነሐጕሶ ኸም እንኽእል ገሊጹልና እዩ።
የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕን ስም ኣቦኡ ንኬኽብርን ኣበርቲዑ ይጽዕር ነበረ። (ዮሃንስ 17:4-8) ብኸመይ፧ መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ የሱስ ንሕሙማትን ንሓንካሳት ዘሕወየሉ ተኣምራት ይዝክሩ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ወንጌል ማቴዎስ “የሱስ ኣብ ኵሉ ኸተማታትን ኣብ ኵሉ ዓድታትን ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ: ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ” ይዘውር ከም ዝነበረ ብምግላጽ ነቲ ቐንዲ ዕዮኡ የነጽሮ። ካብዚ ኸም እንርእዮ ሓሓሊፉ ንእተወሰኑ ኣዕሩኹን ንዚፈልጦም ሰባትን ወይ ድማ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዚረኽቦም ሰባት ጥራይ ኣይኰነን ዚሰብኽ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ ብእተኻእሎ ዘበለ “ኣብ ኵላ ገሊላ” ሰባት ንምርካብ ይጽዕር ነበረ።—ማቴዎስ 4:23, 24፣ 9:35
የሱስ ንሰዓብቱ: ኣብዚ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኺሳተፉ ኣዚዝዎም እዩ። ንኺስዕብዎ ኸኣ ፍጹም ኣብነት ገደፈሎም። (1 ጴጥሮስ 2:21) ነቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” በሎም።—ማቴዎስ 28:19, 20
ሓቂ እዩ ኣብ ዕዮ ስብከት ምስታፍ ኣጸጋሚ እዩ። የሱስ ባዕሉ እኳ “እንሆ: ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ” ኢሉ እዩ። (ሉቃስ 10:3) ምጽራር ምስ ዜጋጥመና: ካብ ሽግርን ጭንቀትን ከነምልጥ ኢልና ድሕርሕር ምባል ባህርያዊ እዩ። ኣብታ የሱስ እተታሕዘላ ምሸት እውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ኣጋጢሙ። እቶም ሃዋርያት ስለ ዝፈርሁ: ሃደሙ። በታ ሽዓ ምሸት ከኣ ጴጥሮስ ንየሱስ ኣይፈልጦን እየ ብምባል ሰለስተ ሳዕ ከሓዶ።—ማቴዎስ 26:56, 69-75
ብተወሳኺውን ጳውሎስ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ይቃለስ ከም ዝነበረ ምፍላጥካ የገርመካ ይኸውን። ኣብታ ንሰብ ተሰሎንቄ ዝጻሓፋ መልእኽቱ “መከራ ምስ ጸገብናን ምስ ተዋረድናን: ብሓይለ ገደል ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽና ተባዕና” በለ።—1 ተሰሎንቄ 2:1, 2
ከምቲ ጳውሎስን ብጾቱ ሃዋርያትን ንኻልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ዝነበሮም ፍርሂ ዘወገድዎ: ንስኻውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኣብ የሆዋ ምውካል እዩ። ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንእመን እንተደኣ ዄንና: እዛ እምነት እዚኣ ገበርቲ ንኽንከውን ትድርኸና: በዚ ኸኣ ፍቓድ የሆዋ ኽንፍጽም ንኽእል።—ግብሪ ሃዋርያት 4:17-20፣ 5:18, 27-29
እትገብሮ ጻዕሪ ዓስቢ ኣለዎ
የሆዋ ነቲ ንዕኡ ንምግልጋል እንገብሮ ጻዕሪ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። ንኣብነት: ክንሓምም ወይ ክንደክም ከለና ይፈልጥ እዩ። ነቲ ዜሻቕለና ዅነታትውን ይፈልጦ እዩ። ቍጠባዊ ጸቕጥታት ኪኸብደና ኸሎ: ጥዕናና ኺበላሾ ወይ ስምዒትና ኺጠልመና ኸሎ የሆዋ ንዅነታትና ይርድኣልና እዩ።—2 ዜና መዋእል 16:9፣ 1 ጴጥሮስ 3:12
ዘይፍጽምናን ጸገምን እናሃለወና ኽነሱ እምነትና ንግብሪ ምስ እትድርኸናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ የሆዋ ዚሕጐስ! እቲ የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዘለዎ ድንጋጽ ስቕ ኢልካ ስምዒት ጥራይ ኣይኰነን የግዳስ: መብጽዓ ዝሓዘለ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ “ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ።—እብራውያን 6:10
ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ “ዓመጻ ዜብሉ ኣምላኽ እምነት” ከምኡውን ‘ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ዚህብ እዩ’ ዚብሎ ኽትኣምኖ ትኽእል ኢኻ። (ዘዳግም 32:4፣ እብራውያን 11:6) ንኣብነት: ኣብ ካሊፎርንያ: ሕ.መ.ኣ. እትነብር ሓንቲ ሰበይቲ ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ “ኣቦይ ከይወለደ ኸሎ: ንዓሰርተ ዓመት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይኑ የገልግል ነይሩ እዩ። ኣብ ኣገልግሎቱ: የሆዋ ብኸመይ ይድግፎ ኸም ዝነበረ ዛንታታት ይነግረኒ ነበረ። ብዙሕ ግዜ ነተን ዝተረፋኦ ገንዘብ ናብ ኣገልግሎት ንምኻድ ነዳዲ ይገዝኣለን እሞ: ካብኡ ኣገልግሎቱ ወዲኡ ንገዛ ምስ ተመልሰ ኣብ ኣፍደገ ዘይተጸበዮ ምግቢ ተቐሚጡ ይጸንሖ ነበረ” በለት።
ካብቲ ብስጋዊ ነገራት ዚገብረልና ሓገዝ ብተወሳኺ እቲ “ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” ስምዒታውን መንፈሳውን ደገፍ እውን ይህበና እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:3) ሓንቲ ንነዊሕ ዓመታት ብዙሕ ፈተናታት እተጻወረት ናይ የሆዋ ምስክር “ኣብ የሆዋ ምውካል ዜዕግብ ስምዒት እዩ። ከመይሲ: ኣብ የሆዋ ንኽትእመንን ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ንኽትርእን ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ” በለት። ብብሕትና ንዜጨንቐና ነገራት የሆዋ ኸም ዜቕልበሉ ብምትእምማን ናብቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ብትሕትና ንቕረብ።—መዝሙር 65:2
ኣብቲ መንፈሳዊ ቐውዒ ዚዓዩ ዓየይቲ: ብዙሕ በረኸትን ዓስብን እዮም ዚረኽቡ። (ማቴዎስ 9:37, 38) ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምስታፎም ብጥዕና ዝመጸ ንብዙሓት ሰባት ብዙሕ ረብሓታት ኣምጺኡሎም እዩ: ንዓኻውን ኬምጽኣልካ ይኽእል እዩ። ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኸኣ ንኻልኦት ሰባት ምምስካርና ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ጽቡቕ ርክብ ንኸነደልድሎ ይሕግዘና እዩ።—ያእቆብ 2:23
ጽቡቕ ምግባር ቀጽል
ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ብሰንኪ ስንክልና ወይ ዕድመ ብምድፋኡ: ከም ድላዩ ምግልጋል እንተ ሰኣነ: በዚ የሆዋ ይጕሂ እዩ ኢሉ ኺሓስብ የብሉን። እቶም ብሰንኪ ጥዕናን ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ወይ ድማ ብኻልእ ኵነታት ኪገብርዎ ዚኽእሉ እተደረተ ዝዀነውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ኬሕድሩ ኣይግባእን።
ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ዝነበሮ ኣካላዊ ጸገም ከም ዘድከሞ ዀይኑ ምስ ተሰምዖ እዚ ጸገም ካብኡ ንኺርሕቕ “ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ” ለመኖ። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝያዳ ምእንቲ ኺገብር ኢሉ ነቲ ጸግም ኣብ ክንዲ ዜልግሰሉ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ: ጸጋይ ይአኽለካ” በሎ። (2 ቈረንቶስ 12:7-10) ስለዚ እምበኣር: ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጸገም ይሃሉኻ ሰማያዊ ኣቦኻ ነቲ ንረብሓታቱ ንምድንፋዕ እትገብሮ ዘበለ ዅሉ የማስወሉ እዩ።—እብራውያን 13:15, 16
እቲ ፈቃር ዝዀነ ፈጣሪና: ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ኣይጽበየናን እዩ። ንግብሪ እትድርኽ ዓይነት እምነት ንኽትህልወና ጥራይ እዩ ዚደሊ።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ሕጊ ምጽናዕ ጥራይ እኹል ድዩ ነይሩ፧
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
እምነትና ብግብሪ ኽትስነ ኣለዋ