ምዕራፍ 2
ነቲ ክርስቶስ ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ኣለልዮ
“ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማያትን ምድርን ፈጠረ፣” ኵሉ እቲ ዝገበሮ ድማ “ኣዝዩ ጽቡቕ” ነበረ። (ዘፍ. 1:1, 31) የሆዋ ንደቂ ሰብ ኪገብሮም ከሎ፡ መጻኢኦም ብሩህ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ኣብ ኤደን እተፈጸመ ዕልወት ነቲ ዜሐጕስ ኵነታት ደቂ ሰብ ንግዜኡ ዀለፎ። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዝነበሮ ዕላማ ኣይተቐየረን። ኣምላኽ፡ እቶም እዙዛት ዘርኢ ኣዳም ኪድሕኑ ምዃኖም ሓቢሩ እዩ። ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዳግም ኺስረት፡ ኣምላኽ ከኣ ነቲ እኩይ ምስ ኵሉ እቲ እከይ ግብሩ ኼጥፍኦ እዩ። (ዘፍ. 3:15) ሽዑ እውን እንተ ዀነ “ኣዝዩ ጽቡቕ” ኪኸውን እዩ። የሆዋ ነዚ ዕላማኡ፡ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኺፍጽሞ እዩ። (1 ዮሃ. 3:8) ስለዚ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ኸነለልዮ ኣሎና።—ግብ. 4:12፣ ፊል. 2:9, 11።
ክርስቶስ ዘለዎ ግደ
2 ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ኽንሓስብ ከለና፡ እቲ ግዲኡ እተፈላለየ መዳያት ከም ዘለዎ ንፈልጥ ኢና። የሱስ ከም ተበጃዊ ደቂ ሰብ፡ ከም ሊቀ ኻህናት፡ ከም ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ከምኡ ድማ ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ የገልግል እዩ። ብዛዕባ እዚ ግደታት እዚ ምስትንታን፡ ነቲ ንስርዓት ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ የዕዝዞ፡ ነታ ንክርስቶስ የሱስ ዘላትና ፍቕሪ ድማ የዕምቛ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንገለ ኻብቲ ክርስቶስ ዘለዎ እተፈላለየ ግደ ይገልጾ እዩ።
የሱስ ነቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኣብ ምፍጻም ቀንዲ ተዋሳኢ እዩ
3 ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎት ክርስቶስ፡ እቲ እዙዛት ደቂ ሰብ ምስ ኣምላኽ ዚዕረቑሉ መገዲ ብእኡ ኣቢሉ ኸም ዚፍጸም ንጹር ኰይኑ እዩ። (ዮሃ. 14:6) ከም ተበጃዊ ደቂ ሰብ መጠን፡ ንብዙሓት በጃ ምእንቲ ኪኸውን ርእሱ ኣሕሊፉ እዩ። (ማቴ. 20:28) ስለዚ፡ የሱስ ኣርኣያ እቲ ኣምላኽ ዚፈትዎ ኣካይዳ ጥራይ ኣይኰነን ዚኸውን። የግዳስ፡ ነቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኣብ ምፍጻም ቀንዲ ተዋሳኢ እዩ። ሞገስ ኣምላኽ ክንረኽበሉ እንኽእል ሓደ በይኑ መገዲ ንሱ እዩ። (ግብ. 5:31፣ 2 ቈረ. 5:18, 19) መስዋእታዊ ሞት የሱስን ትንሳኤኡን ነቶም እዙዛት ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ በረኸት ኪረኽቡ መገዲ ኸፊቱ እዩ።
4 የሱስ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ስለ ዜገልግል፡ “ብድኻምና ኺድንግጸልና” ይኽእል እዩ፣ ሓጢኣት እቶም ኣብዚ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ርእሶም ዝወፈዩ ሰዓብቱ ድማ የተዓርቕ እዩ። ስለዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብዘይ ሓጢኣት፡ ከማና ብዅሉ እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይክእል ሊቀ ኻህናት የብልናን” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ እቶም ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ዜርእዩ ነቲ ምስ ኣምላኽ ኪዕረቑ እተሰርዐ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀሙሉ ኼተባብዕ ከሎ፡ “እምበኣር፡ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበልን ብግዜኡ ዚረድኣና ጸጋ ምእንቲ ኽንረክብን፡ በቲ ንምዝራብ ዘሎና ትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—እብ. 4:14-16፣ 1 ዮሃ. 2:2።
5 የሱስ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን እዩ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቱ ሰብኣዊ መራሒ ዘይነበሮም፡ ሎሚ እውን ንሕና ሰብኣዊ መራሒ የብልናን። የሱስ ብመንፈስ ቅዱስን ብቑዓት ብዝዀኑ ንኡሳን ጓሶትን ኣቢሉ መምርሒ ይህብ እዩ፣ እቶም ንኡሳን ጓሶት ድማ ብዛዕባ እቲ ንመጓሰ ኣምላኽ ዜርእይዎ ሓልዮት፡ ንየሱስን ንሰማያዊ ኣቦኡን ጸብጻብ ይህቡ እዮም። (እብ. 13:17፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3) የሆዋ ብዛዕባ የሱስ፡ “እንሆ፡ ንኣህዛብ ምስክር፡ ንኣህዛብ መራሕን ኣዛዝን ገይረዮ እየ” ኢሉ ትንቢት ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 55:4) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “መራሒኹም ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ መራሕቲ እውን ኣይትበሃሉ” ብምባል ንፍጻመ እዚ ትንቢት እዚ ኣረጋጊጹ እዩ።—ማቴ. 23:10።
6 የሱስ ዘለዎ ኣተሓሳስባን ኪሕግዘና ዘለዎ ድሌትን ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ። ኣነ ልኡምን ትሑት ዝልቡን እየ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ እውን ተምሃሩ፣ ንርእስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ከመይሲ፡ ኣርዑተይ ምሹእ፡ ጾረይ እውን ፈኲስ እዩ” ዚብል ዕድመ ኣቕሪቡ ኣሎ። (ማቴ. 11:28-30) የሱስ ክርስቶስ ንጕዳያት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብልእመትን ዕረፍቲ ብዜምጽኣልና መገድን ብምምሕዳር፡ ኣብነት እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ የሆዋ ኣምላኽ ዚስዕብ “ሕያዋይ ጓሳ” ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ።—ዮሃ. 10:11፣ ኢሳ. 40:11።
7 ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኻ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ኻልእ መዳይ ግደ የሱስ ክርስቶስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣምላኽ ንዅሎም ጸላእቲ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዚገብረሉ፡ ኪነግስ ይግብኦ እዩ። ኵሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽ ንዅሉ፡ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዘኦ ኺግዛእ እዩ” ኢሉ ኣሎ። (1 ቈረ. 15:25, 28) የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ በዅሪ ፍጥረት የሆዋ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ሰማይ “ክኢላ ሰራሕተኛ” ኣምላኽ እዩ ነይሩ። (ምሳ. 8:22-31) ኣምላኽ ንየሱስ ናብ ምድሪ ምስ ለኣኾ፡ ንሱ ዅሉ ግዜ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ዚገብር ነይሩ። ካብ ኵሉ ዝኸበደ ፈተና ተጻዊሩ፡ ንኣቦኡ ድማ እሙን ኰይኑ እዩ ሞይቱ። (ዮሃ. 4:34፣ 15:10) ክሳዕ ሞት እኳ ንኣምላኽ እሙን ብምዃኑ፡ ኣምላኽ ናብ ሰማይ ኣተንሲእዎ እዩ፣ ንጉስ ሰማያዊ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን መሰል ድማ ሂብዎ እዩ። (ግብ. 2:32-36) በዚ ኸምዚ፡ ክርስቶስ የሱስ ንኣእላፋት ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት መሪሑ፡ ንሰብኣዊ ግዝኣት ካብ ምድሪ ኼጥፍእን ንምድርና ኻብ ኵሉ ኽፍኣት ኬጽርያን፡ ካብ ኣምላኽ ዕዮ ተዋሂብዎ እዩ። (ምሳ. 2:21, 22፣ 2 ተሰ. 1:6-9፣ ራእ. 19:11-21፣ 20:1-3) ድሕሪኡ፡ እታ ብክርስቶስ እትምራሕ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ኣብ ብዘላ ምድሪ ስልጣን ዚህልዋ።—ራእ. 11:15።
ነቲ የሱስ ዘለዎ ግደ ምልላይና፡ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
8 እቲ ኣብነትና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ፍጹም እዩ። ኪኣልየና ድማ ተመዚዙ ኣሎ። ካብቲ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዚገብረልና ሓልዮት ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ንየሆዋ እሙናት ክንከውንን ምስታ ገስጋሲት ውድቡ ኽንስጕምን ኣሎና።
9 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ኣጸቢቖም ኣለልዮምዎ እዮም። ነዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ርእስነት ክርስቶስ ብሓድነት ብምዕያይ፡ ማለት ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ዚውሃብ መምርሒኡ ተገዛእቲ ብምዃን እዮም ኣርእዮምዎ። (ግብ. 15:12-21) ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓድነት እታ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ብዚምልከት ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ጽሒፉ እዩ፦ “ሓቂ እናተዛረብና ግና፡ ብዅሉ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ብፍቕሪ ንዕበ። ካብኡ ድማ ኵሉ እቲ ሰብነት ብደገፍ መላግቦ ዘበለ ይገጣጠምን ይዋደድን እዩ። ኵሉ ኣካል ብግቡእ ምስ ዚዓዪ፡ ንርእሱ ብፍቕሪ ስለ ዚሃንጽ፡ እዚ ንዕቤት እቲ ሰብነት ኣበርክቶ ይገብር እዩ።”—ኤፌ. 4:15, 16።
10 ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ክርስትያን ምስ ካልኦት ምስ ዚተሓባበር፡ ኵላትና እውን ኣብ ትሕቲ ርእስነት ክርስቶስ ብስኒት ምስ እንዓዪ፡ ዕቤት ይህሉ፡ እታ “ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት” ዝዀነት ፍቕሪ እውን ትህልወና።—ዮሃ. 10:16፣ ቈሎ. 3:14፣ 1 ቈረ. 12:14-26።
11 እቲ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ይፍጸም ከም ዘሎ ዜርኢ ፍጻመታት ዓለም፡ ካብ 1914 ኣትሒዙ የሱስ ክርስቶስ ስልጣን መንግስቲ ኣምላኽ ከም እተዋህቦ ንጹር መርትዖ ይዀነና እዩ። ሕጂ ንሱ ኣብ ማእከል ጸላእቱ ይገዝእ ኣሎ። (መዝ. 2:1-12፣ 110:1, 2) እዚ ነቶም ሕጂ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ የሱስ ድሕሪ ሓጺር እዋን ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ጸላእቲ ኣምላኽ ምስ ፈጸመ፡ ነቲ ኸም ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይተትን መጠን ዘለዎ ግደ ኼርእዮም እዩ። (ራእ. 11:15፣ 12:10፣ 19:16) ድሕሪኡ፡ ነቶም ኣብ የማኑ ዘለዉ ሞገሱ ዚረኽቡ ሰባት፡ ነቲ የሆዋ ኣብ መጀመርታ ዕልወት ሰብ ዘተስፈዎ ተስፋ ድሕነት ኪፍጽመሎም እዩ። (ማቴ. 25:34) ክርስቶስ ኣብ ስርዓት ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! እምበኣር፡ ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ ዚካየድ ዘሎ ዓለምለኻዊ ኣገልግሎት ብሓድነት ንዕየ!