እቲ ናብ ሓቀኛ እምነት ዝመርሕ ስም
ሓንቲ ሰበይቲ ንሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ብየሱስን በቲ ንበጅነት ዝፈሰሰ ደሙን ኣይትኣምኑን ኢኹም” በለቶ። ሓደ ሰብኣይ ከኣ “ንስኻትኩም ንገዛእ ርእስኹም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢልኩም ትጽውዕዋ: ኣነ ግን ናይ የሱስ ምስክር ኢየ” ብምባል ተዛረበ።
እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብየሱስ ኣይኣምኑን ኢዮም ወይ ከኣ ግቡእ ዝዀነ ክብሪ ኣይህብዎን ኢዮም ዝብል ኣረኣእያ ልሙድ ኢዩ። እቲ ሓቂ ግን ከመይ ኢዩ፧
ሓቂ ኢዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣምላኽ ብርቱዕ ስምዒት ኣለዎም።a ኢታማር እተባህለ ኣብ ብራዚል ዝርከብ ሓደ ምስክር ከምዚ ብምባል ይዝክር:- “ኣብ ህይወተይ ለውጢ ዝገበርኩ ስም ኣምላኽ ምስ ፈለጥኩ ኢዩ። ንመጀመርታ ግዜ ምስ ኣንበብክዋ: ካብ ዓሚቝ ድቃስ ከም እተበራበርኩ ኢዩ ኰይኑኒ። እታ የሆዋ እትብል ስም ስምዒተይ ከም ዝለዓዓልን ከም ዝድረኽን ገበረትኒ፣ ኣብ ውሽጠይ ተንከፈትኒ።” ይኹን እምበር: ወሲኹ “ልበይ ብፍቕሪ የሱስ እውን ጀርቢቡ ኢዩ” በለ።
እወ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ “ብስም ወዲ ኣምላኽ” ማለት የሱስ ክኣምኑ ከም ዘለዎም ኣፍልጦ ይህቡ ኢዮም። (1 ዮሃንስ 5:13) እንተዀነ ግን እታ ‘ብስም የሱስ’ እትብል መግለጺት እንታይ ማለት ኢያ፧
ስም የሱስ እንታይ ከም ዘመልክት
“ብስም የሱስ” ዝብልን ተመሳሳሊ መግለጺታትን ኣብ ብምሉኡ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ጽሑፋት ወይ “ሓድሽ ኪዳን” ኣሎ። አረ እታ “ስም” እትብል ቃል ንየሱስ ብምምልካት ልዕሊ 80 ግዜ ተጠቒሳ ኣላ: ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ጥራይ ከኣ 30 ግዜ ኣላ። እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያን ብስም የሱስ የጠምቑ: ብስሙ የሕውዩ: ብስሙ ይምህሩ: ስሙ ይጽውዑ: ምእንቲ ስሙ ይሳቐዩ: ከምኡውን ንስሙ የዕብዩ ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:38፣ 3:16፣ 5:28፣ 9:14, 16፣ 19:17
ብመሰረት ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት ዝበሎ: እታ “ስም” እትትርጐም ናይ ግሪኽ ቃል ብተደጋጋሚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ንዅሉ እቲ ሓደ ስም ዝሓዞ ትርጕም: ስልጣን: ባህርይ: መዓርግ: ዕቤት: ሓይሊ: ግርማ: ወዘተ. ንዅሉ እቲ ስም ዘመልክቶ ነገራት” ኢያ እተስምዕ። ስም የሱስ እምበኣር ንዅሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ብሕድሪ ዝሃቦ ዓብን ሰፊሕን ፍርዲ ናይ ምፍጻም ስልጣን ኢዩ ዘመልክት። የሱስ ባዕሉ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ” በለ። (ማቴዎስ 28:18) ጴጥሮስን ዮሃንስን ንሓደ ሓንካስ ሰብኣይ ምስ ኣሕወዩ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ “በየናይ ሓይሊ ወይስ በየናይ ስም ኢኹም ነዚ ዝገበርኩምዎ፧” ኢሎም ሓተትዎም። ብድሕርዚ ጴጥሮስ “ብስም . . . የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ: ብእኡ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ደው ኢሉ” ኣሎ ብምባል ከም ዝፍለጥ ምስ ገበረ: ኣብቲ ስም የሱስ ሒዝዎ ዘሎ ስልጣንን ሓይልን ዘለዎ እምነት ብትብዓት ገለጸ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:1-10፣ 4:5-10
እምነት ኣብ የሱስዶ ወይስ ኣብ ቄሳር፧
ይኹን እምበር: ኣብ ስም የሱስ ከምዚ ዝበለ እምነት ምርኣይ ቀሊል ኣይኰነን። ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረቦ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ‘ብዛዕባ ስሙ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክዀኑ ኢዮም።’ (ማቴዎስ 24:9) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ስም የሱስ ነቲ ኵሎም ህዝብታት ብተኣዛዝነት ክሰግዱሉ ዘለዎም ከም ኣምላኽ ዝቐብኦ ገዛኢ: ንጉሰ ነገስት መጠን ዘለዎ ቦታ ኢዩ ዘመልክት: ክሰግዱሉ ግን ቅሩባት ወይ ከኣ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።—መዝሙር 2:1-7
እቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት እውን ብተኣዛዝነት ንየሱስ ክሰግዱሉ ኣይደለዩን። ንወዲ ኣምላኽ ብምንጻግ “ብዘይ ቄሳርሲ ንጉስ የብልናን” በሉ። (ዮሃንስ 19:13-15) ኣብ ክንድኡስ ትውክልቶም ኣብ ሓይልን ስልጣንን ናይ ቄሳርን ሃጸያዊ መንግስቱን ገበሩ። እቲ ዝነበሮም ቦታን ስልጣንን ዓቂቦም ምእንቲ ክቕጽሉ ኸኣ የሱስ ክቕተል እውን ከይተረፈ ወሰኑ።—ዮሃንስ 11:47-53
ኣብቲ ድሕሪ ሞት የሱስ ዝነበረ ክፍለ-ዘበናት ብዙሓት ክርስትያን ኢና ዝብሉ ሰባት ከምቲ ናይቶም መራሕቲ ኣይሁድ ዝመስል ኣረኣእያ ሓዙ። እዞም ክርስትያን ዝበሃሉ ሰባት እምነቶም ኣብ ሓይልን ስልጣንን ናይታ ሃገር ገበሩ: ኣብቲ ምስሕሓባታ ኸኣ ኣእዳዎም ኣእተዉ። ንኣብነት: ኣብ መበል 11 ክፍለ-ዘበን እታ ቤተ-ክርስትያን ነቶም ስራሕ ዘይነበሮም ተዋጋእቲ ኣብ ትሕቲ ሚሊትያ ክሪስቲ: ወይ ክርስትያን ወተሃድር ዝብል ምስ ጠርነፈቶም ነቲ “ቅኑዕ ውግእ ናይ ምክያድ ሓላፍነት ካብቶም ፖለቲካውያን ሓይልታት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ተወስደ: እታ ቤተ-ክርስትያን ከኣ ነቶም ክርስትያን ወተሃደራት ዝበሃሉ ብምውካል ከተካይዶ ሓላፍነት ተቐበለት።” (ዘ ኦክስፎርድ ሂስትሪ ኦቭ ክሪስቲያኒቲ [እንግሊዝኛ]) እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገለ ካብ መንበረ ጵጵስና እተዋህበ ኣዋጃት መብዛሕትኦም እቶም መስቀላውያን ተዋጋእቲ ኣብ ውግእ መስቀላውያን ግደ እንተድኣ ኣልይዎም “ምስ ኣምላኽ ውዕል ምግባሮምን ኣብ ገነት ቦታ ከም ዝህልዎም መረጋገጺ ምዃኑን” ከም ዝኣምኑ ገበሮም።
ገሊኦም ሰባት ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ከምኡውን ኣብ ናይ ሃገራት ውግእ ግደ እናሃለወካ ንየሱስ እሙን ምዃን ይከኣል ኢዩ ብምባል ይማጐቱ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ እከይ ንምጥፋእ ምቅላስ ናይ ሓደ ክርስትያን ግዴታ ኢዩ: እዚ ኸኣ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ውግእ እውን ዘጠቓልል ኢዩ ዝብል ስምዒት ይህልዎም ይኸውን። እንተዀነ ግን እቶም ቀዳሞት ክርስትያን እዚ ኣረኣእያ እዚ ነይርዎምዶ ኢዩ፧
ሓንቲ ዓንቀጽ ናይ ዘ ክሪስችያን ሰንችሪ እትብሃል መጽሔት (እንግሊዝኛ) “እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ዕጡቓት ሰራዊት ኣየገልግሉን ኢዮም ነይሮም” ትብል። ክሳዕ እቲ ካብ 170-180 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት ክርስትያናት ኣብ ሰራዊት ኣገልጊሎም ዝብል መርትዖ ፈጺሙ የለን ብምባል ትገልጽ። እታ ዓንቀጽ ወሲኻ ከምዚ ትብል:- “ክርስትያናት እቲ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝነበሮም ምጽራር ቀስ እናበሉ ኢዮም ገዲፎምዎ።”
እቲ ሳዕቤንከ እንታይ ኰነ፧ እታ ኣብ ዘ ክሪስችያን ሰንችሪ ዝወጸት ዓንቀጽ ከምዚ ብምባል ተመልክት:- “ንክርስትና ዝያዳ ውርደት ዘስዓበሉ ነገር እንተሎ ውግእ ብዝምልከት ካብቶም ክርስትያን ዘይኰኑ እተፈልየ ኣቕዋም ብዘይምሓዙ ኢዩ። እቶም ክርስትያናት ብሓደ ወገን ንእምነት ናይቲ መድሓኒ ክድግፉ ከለዉ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ንሃይማኖታዊ ወይ ሃገራዊ ውግእ ብውዕዉዕ ስምዒት ምድጋፎም ነቲ እምነት ኣጸቢቑ ጐዲእዎ ኢዩ።”
ሎሚ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ምምሳል
እዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ነቲ ብሉጽ ኣብነት ናይቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ክስዕቡ ይኽእሉዶ ኢዮም፧ ኣብዚ ክፍለ-ዘበን እዚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝከኣል ኣርእዮም ኢዮም። ብዛዕብኦም ክዛረብ ከሎ ኣዳላዊ ናይ ሆሎካስት ኢዱኬሽናል ዳይጀስት (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ዋላ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንውግእ ፈጺሙ ኣይከይድን ኢዩ። . . . ኣብ ዓለም ዘሎ ኵሉ በዓል ስልጣን ከምዚ እምነት እዚ እንተ ዝህልዎ [ካልኣይ ውግእ ዓለም] ፈጺሙ ኣይምዀነን ነይሩ።”
ብዛዕባ እቲ ከም ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ እተወልዐ ዝኣመሰለ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ዝዀነ ዞባዊ ምስሕሓባት እውን ከምኡ ክብሃል ይከኣል ኢዩ። ቅድሚ ገለ ዓመታት ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከተማ ቤልፋስት ኣብቲ ፕሮተስታንት ዝነብሩሉ ኣከባቢ ካብ ቤት ናብ ቤት ይሰብኽ ነበረ። ሓደ በዓል ቤት እቲ ምስክር ቅድም ካቶሊክ ከም ዝነበረ ምስ ፈለጠ ከምዚ ኢሉ ሓተቶ:- “ካቶሊክ ከሎኻ ንኣይ.ኣር.ኤ. [ናይ ኣየርላድ ረፑብሊካዊ ሰራዊት] ትድግፍዶ ነይርካ፧” እቲ ምስክር: እቲ ሰብኣይ ሽጉጥ ሒዙ ንሓደ ካቶሊክ ክቐትል ክኸይድ ከሎ ተረኺቡ ተኣሲሩ ነይሩስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ውጽእ ምስ በለ ስለ ዝዀነ ዓመጽ ክፍጽም ከም ዝኽእል ተገንዘበ። ስለዚ እቲ ምስክር “ሕጂ ኣነ ካቶሊክ ኣይኰንኩን። ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢየ። ከም ሓቀኛ ክርስትያን መጠን ከኣ ንመንግስቲ ወይ ከኣ ንዝዀነ ሰብ ኢለ ፈጺመ ሰብ ኣይቀትልን ኢየ” በሎ። ብድሕርዚ እቲ በዓል ቤት ሰላም በሎ እሞ “ኵሉ ምቕታል ጌጋ ኢዩ። ንስኹም ሰናይ ዕዮ ኢኹም እትዓዩ ዘለኹም። ቀጽልዎ” በለ።
ብስም የሱስ ምእማን እንታይ ማለት ምዃኑ
እንተዀነ ግን: ብስም የሱስ ምእማን ማለት ኣብ ውግእ ዘይምክፋል ጥራይ ኣይኰነን። ኵሉ ትእዛዛት ናይ ክርስቶስ ምእዛዝ ማለት ኢዩ። ከመይሲ የሱስ “ንስኻትኩም እዚ ዝአዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም: ኣዕሩኸይ ኢኹም” ኢሉ ኢዩ: ሓደ ካብቲ ትእዛዛቱ ኸኣ ‘ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ’ ዝብል ኢዩ። (ዮሃንስ 15:14, 17) ፍቕሪ ንኻልኦት ሰናይ ክትገብር ኢያ ትደሊ። ንዅሉ ዓሌታዊ: ሃይማኖታዊ: ከምኡውን ንማሕበራዊ ደረጃ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ስምዒት ተልግሶ ኢያ። እዚ ብኸመይ ከም ዝግበር የሱስ ኣርእዩ ኢዩ።
እቶም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ ንሳምራውያን ብርቱዕ ጽልኢ ነበሮም። የሱስ ግን ኣንጻር ናይዚ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ተዛረበ: ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ንሳን ብዙሓት ካልኦትን ብስሙ ኣመኑ። (ዮሃንስ 4:39) የሱስ እቶም ደቀ መዛሙርቱ እውን “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ” መሰኻኽሩ ከም ዝዀኑ ተዛሪቡ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) እቲ ህይወት ዝህብ መልእኽቱ ንኣይሁድ ጥራይ እተወሰነ ኣይነበረን። በዚ መሰረት እዚ ኸኣ ጴጥሮስ ናብቲ ሮማዊ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ቆርኔሌዎስ ክኸይድ መምርሒ ተዋህቦ። ሓደ ኣይሁዳዊ ንኻልእ ዝዓሌቱ ሰብ ክበጽሖ ዘይሕጋዊ እኳ እንተ ነበረ: ኣምላኽ ግን ንጴጥሮስ “ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፍንፍን ወይስ ርኹስ እዩ ኸይብል” ኣርኣዮ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:28
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንየሱስ ብምምሳል ዓሌታዊ: ሃይማኖታዊ: ወይ ቍጠባዊ መበቆል ናይ ሰባት ብዘየገድስ ነቲ ብስም የሱስ ዝመጽእ ድሕነት ክፈልጡ ንምሕጋዞም ፍቓደኛታት ኢዮም። እቲ ኣብ ስም የሱስ ዘለዎም እምነት ‘የሱስ ጐይታ ምዃኑ ንኽነግሩ’ የለዓዕሎም። (ሮሜ 10:8, 9) ንስኻ እውን ብስም የሱስ ምእማን ምእንቲ ክትምሃር ሓገዞም ክትቅበል ንላበወካ።
ብሓቂ ስም የሱስ ናይ ምኽባርን ተኣዛዝነትን ስምዒት ከሕድር ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ: ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን እዩ።” (ፊልጲ 2:10, 11) ዋላ እኳ መብዛሕትኦም ተቐማጦ ምድሪ ንግዝኣት የሱስ ክእዘዙ ፍቓደኛታት እንተ ዘይኰኑ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኵሎም ሰባት ክእዘዙ ከም ዘለዎም እንተ ዘይኰነ ኸኣ ዝጠፍእሉ ግዜ ምቕራቡ ይሕብር። (2 ተሰሎንቄ 1:6-9) ስለዚ ዅሉ ትእዛዛቱ ብምሕላው ብስም የሱስ እንኣምነሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም እትብሃል ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ብሮሹር ኣብ ገጽ 28-31 ርአ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብስም የሱስ ቀቲሎምን ተቐቲሎምን ኢዮም
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ዓሌታዊ ኣቐዲምካ ብምሕማቕ ናይ ምፍራድ ስምዒት ኣይነበሮን። ንስኻኸ፧