“እቲ ዜንብብ የስተውዕል”
“እቲ . . . ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም: . . . ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ”—ማቴዎስ 24:15, 16
1. እቲ ኣብ ሉቃስ 19:43, 44 ዝርከብ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ከመይ ዝበለ ውጽኢት ኢዩ ነይርዎ፧
ብዛዕባ ሓደ እናቐረበ ዝመጽእ መከራ ንቑሓት ኴንና ምጽናሕና ንኽንእለየሉ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 22:3) ሮማውያን ብ66 ከ.ኣ.ዘ. መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውራዶም ኵነታት ናይቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ከመይ ከም ዝነበረ እሞ ገምት። የሱስ እታ ኸተማ ክትክበብን ክትዓኑን ምዃና ኣጠንቂቑ ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 19:43, 44) መብዛሕትኦም ኣይሁድ ነጺጎምዎ ኢዮም። ደቀ መዛሙርቱ ግን መጠንቀቕትኡ ስዒቦም ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ካብቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝወረደ መከራ ክድሕኑ ክኢሎም ኢዮም።
2, 3. በቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 24:15-21 እተዛረቦ ትንቢት ስለምንታይ ክንግደስ ይግብኣና፧
2 የሱስ ንግዜናውን ዘመልክት ትንቢት ክንበ ኸሎ: እኩብ ምልክት ዘርዚሩ ኣሎ። እዚ ድማ ውግእ: ጥሜት: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ፌራ: ከምኡውን ኣብ ልዕሊ እቶም መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰብኩ ክርስትያናት ዝወርድ መስጐጕትን ዘጠቓልል ኢዩ። (ማቴዎስ 24:4-14፣ ሉቃስ 21:10-19) የሱስ: ደቀ መዛሙርቱ መወዳእታ ከም ዝቐረበ ክፈልጥሉ ዝኽእሉ ሓበሬታውን ሂብዎም ኢዩ። እዚ ድማ ‘ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ክቐውም ’ ምዃኑ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:15 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ትርጕም ዘለዎ ቃላት እዚ: ሕጅን ንዝመጽእን ንህይወትና ብኸመይ ክትንክፎ ከም ዝኽእል ደጊምና እስከ ንመርምሮ።
3 ነቲ ምልክት ድሕሪ ምዝርዛሩ የሱስ ከምዚ በለ:- “እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም:—እቲ ዜንብብ የስተውዕል:—ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ካብ መጀመርታ ዓለም . . . ዘይኰነ . . . እዩ እሞ: እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ።”—ማቴዎስ 24:15-21
4. ማቴዎስ 24:15 ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን ፍጻሜ ከም ዝነበሮ ዝሕብረና እንታይ ኢዩ፧
4 እቲ ብማርቆስን ሉቃስን እተዋህበ ጸብጻብ: ተወሳኺ ዝርዝር ይህበና። ማቴዎስ “ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ” ክብል ከሎ: ማርቆስ 13:14 ግን “ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቘይሙ” ይብለና። ሉቃስ 21:20 ነተን “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም: ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ” ዝብላ ቓላት የሱስ ወሲኹ ጽሒፍወን ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ናይ መጀመርታ ፍጻሜ ነቲ ሮማውያን ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣይሁድ ቅዱስ ንየሆዋ ግን ቅዱስ ዘይነበረ የሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ዘውረድዎ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ዝጀመረ መጥቃዕቲ ዘጠቓልል ምዃኑ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ሮማውያን ነታ ኸተማን ቤት መቕደሳን ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ኣዕነውዋ ምሉእ ብምሉእ ጠፍአት። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ “ርኽሰት” እንታይ ኢዩ፧ ‘ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ዝቘመኸ’ ብኸመይ ኢዩ፧ ናይዚ ሕቶታት እዚ መልሲ: ነዚ ዘመናዊ ፍጻሜ ኣነጺርና ንኽንርድኦ ይሕግዘና።
5, 6. (ሀ) ናይ ዳንኤል ምዕራፍ 9 ኣንበብቲ ምስትውዓል ዘድልዮም ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ የሱስ ብዛዕባ “ርኽሰት” እተዛረቦ ትንቢት እተፈጸመ ብኸመይ ኢዩ፧
5 የሱስ ንኣንበብቲ ከስተውዕሉ ተላብይዎም ኣሎ። ናይ ምንታይ ኣንበብቲ፧ ናይ ዳንኤል ምዕራፍ 9 ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣብኡ መሲሕ መዓስ ከም ዝቕልቀል ዝሕብርን ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ድማ “ክቝረጽ” ምዃኑ ዝነግርን ትንቢት ንረክብ። እቲ ትንቢት ከምዚ ይብል:- “እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፍ ርኽሰት ኪመጽእ እዩ: እዚ ኸኣ ክሳዕ እቲ ምዱብ መፈጸምታ ኣብቲ መጥፍኢ ዚወርድ እዩ።”—ዳንኤል 9:26, 27 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ ከምኡውን ዳንኤል 11:31፣ 12:11 ርአ።
6 ኣይሁድ: እዚ ትንቢት እዚ ነቲ ኣንቲከስ 4ይ 200 ዓመታት ኣቐዲሙ ዝገበሮ ምርካስ ናይቲ ቤት መቕደስ ከም ዘመልክት ይሓስቡ ነበሩ። የሱስ ግን ብኣንጻሩ እቲ “ርኽሰት” ክቕልቀልን “ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ” ክቐውምን ስለ ዝነበሮ ምስትውዓል ከም ዘድሊ ተላበወ። የሱስ: ነቲ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ፍሉይ ኣርማታት ሒዙ ክመጽእ ዝነበሮ ሰራዊት ሮሜ የመልክት ከም ዝነበረ ርዱእ ኢዩ። እዚ ንነዊሕ እዋን ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣርማታት: ምሳልያዊ ጣኦት ኢዩ ነይሩ: ኣብ ቅድሚ ኣይሁድ ድማ ርኹስ ነበረ።a ይኹን እምበር ‘ኣብ ቅዱስ ስፍራ ክቘሙ’ ዝነበሮም መዓስ ኢዩ፧ ሰራዊት ሮሜ ኣርማታቶም ሒዞም ንየሩሳሌምን ነታ ኣይሁድ ከም ቅድስቲ ዝሓስብዋ ዝነበሩ ቤት መቕደሳን ኣብ ዘጥቅዕሉ ግዜ ኢዩ። ሮማውያን ነቲ ኣብ ከባቢ ቤት መቕደስ ዝነበረ መንደቕ እውን ከይተረፈ ከፍርስዎ ጀመሩ። ብሓቂ: እቲ ንነዊሕ እዋን ርኹስ ገይርካ ዝርአ ዝነበረ ሕጂ ኣብ ቅድስቲ ስፍራ ቈመ!—ኢሳይያስ 52:1፣ ማቴዎስ 4:5፣ 27:53፣ ግብሪ ሃዋርያት 6:13
ዘመናዊ “ርኽሰት”
7. ከመይ ዝበለ ትንቢት የሱስ ኢዩ ኣብ ግዜና ዝፍጸም ዘሎ፧
7 ናይቲ የሱስ እተዛረቦ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ተመዝጊቡ ዘሎ ምልክት ዝዓበየ ፍጻመ ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ንነጀው ክፍጸም ንርእዮ ኣሎና። ገና ግን ንቓላቱ ንዘክሮ:- “እቲ . . . ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም . . . ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ።” (ማቴዎስ 24:15, 16) እዚ መዳይ ናይዚ ትንቢት እዚ ኣብ ግዜና እውን ፍጻመ ክህልዎ ኣለዎ።
8. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዓመታት ዝኣክል ነዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ “ርኽሰት” ከቃልዕዎ ዝጸንሑ ብኸመይ ኢዮም፧
8 ኣገልገልቲ የሆዋ እዚ ትንቢት እዚ ክፍጸም ምዃኑ ምትእምማን ከም ዝነበሮም ዝገልጽ ናይ 1 ጥሪ 1921 ግምቢ ዘብዐኛ ምስቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጸም ዝነበረ ነገራት ብምትሕሓዝ: ኣብቲ ትንቢት እቲ ኣተኲራ ነበረት። ብተኸታታሊ ኣብቲ ናይ 15 ታሕሳስ 1929 ሕታማ ኣብ ገጽ 374 ግምቢ ዘብዐኛ ኣነጺራ ከምዚ በለት:- “ናይ እተኣሳሰራ መንግስታት ምሉእ ዝምባለ ንሰባት ካብ ኣምላኽን ካብ ክርስቶስን ንምርሓቕ ኢዩ: ስለዚ እምበኣር እተኣሳሰራ መንግስታት ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ፍረ ሰይጣን ዝዀነት እተጥፍእን ፍንፍንትን ነገር ኢያ።” ስለዚ እቲ “ርኽሰት” ብ1919 ኢዩ ተቐልቂሉ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን: እተኣሳሰራ መንግስታት ንሕቡራት ሃገራት መገዲ ከፈተትላ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዘን ብደቅሰብ ዝቘማ ናይ ሰላም ማሕበራት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ርኹሳት ከም ዝዀና ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ከቃልዕወን ጸኒሖም ኢዮም።
9, 10. እቲ ብዛዕባ ዓቢ ጸበባ ኣቐድም ኣቢሉ ዝነበረና ምርዳእ: እቲ “ርኽሰት” ኣብቲ ቕዱስ ስፍራ ዝቘመሉ ግዜ መዓስ ምዃኑ ንኣመለኻኽታና ዝጸለዎ ብኸመይ ኢዩ፧
9 እታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ ኣብ ዝበዝሕ ክፋላት ናይ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ከምኡውን 25 ጽሙቝ ዝበለ ሓሳባት ብምቕራብ ዝነጸረ ኣመለኻኽታ ከም ዝህሉ ገይራ ኢያ። ብዛዕባ እቲ ‘ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ዝቘመ ርኽሰት’ ገለ ንጹር ሓሳባት ክወሃበሉ ግቡእዶ ኢዩ፧ እወ ግቡእ ይመስል። እቲ የሱስ ዝሃቦ ትንቢት ‘ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ምቛም’ ምስ ምጅማር እቲ “መከራ” ኣጸቢቑ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር እቲ “ርኽሰት” ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ይነብር እኳ እንተሎ: ‘ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ምቛሙ’ ምስቲ ዓቢ ጸበባ ዘለዎ ምትእስሳር ንኣመለኻኽታና ክጸልዎ ይግባእ። ብኸመይ፧
10 ሓደ እዋን ኣገልገልቲ ኣምላኽ: እቲ ናይ መጀመርታ መድረኽ ናይቲ ዓቢ ጸበባ: ብ1914 ከም ዝጀመረ: እቲ ናይ መወዳእታ ክፋሉ ድማ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ከም ዝመጽእ ገይሮም ይርድእዎ ነበሩ። (ራእይ 16:14, 16፣ ምስታ ናይ 1 ሚያዝያ 1939 ናይ እንግሊዝኛ ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 110 ኣረኣእዮ።) ስለዚ እምበኣር: እቲ ካልኣይ ፍጻመ ዝነበሮ “ርኽሰት” ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ዝቘመ ደድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከም ዝዀነ ገይርካ ዝሕሰበሉ ዝነበረ ምኽንያት ክንርድኦ ንኽእል ኢና።
11, 12. ብ1969 ብዛዕባ እቲ ዓቢ ጸበባ እንታይ እተኣረመ ኣመለኻኽታ ኢዩ ዝቐረበ፧
11 ይኹን እምበር: ኣብተን ብድሕሪኡ ዝነበራ ዓመታት ንነገራት ብእተፈልየ መልክዕ ክንርእዮ ጀሚርና ኢና። ሓሙስ 10 ሓምለ 1969 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ እተኻየደ “ሰላም ኣብ ምድሪ” ዝብል ኣህጉራዊ ኣሰምብሊ: እቲ ሽዑ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ምክትል ፕረዚደንት ዝነበረ ኤፍ. ዳብልዩ. ፍራንዝ ውዕዉዕ ዝርርብ ሃበ። ሓው ፍራንዝ: ነቲ ብዛዕባ ትንቢት የሱስ ዝነበረ ናይ ቅድም ምርዳእ ክትንትኖ ኸሎ ከምዚ በለ:- “እቲ ‘ዓቢ ጸበባ’ ብ1914 ከ.ኣ.ዘ. ጀመረ: ግናኸ ክቕጽል ኣይተፈቕደሉን ኣብ ክንድኡስ ኣምላኽ ንቐዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ሕዳር 1918 ደው ኣበሎ። ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ድማ ኣምላኽ ምእንቲ ዕዮ ናይቶም ካብ ሕሩያት ክርስትያናት ዝዀኑ ቅቡኣት ተረፉ ኢሉ: ነቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ናይቲ ‘ዓቢ ጸበባ’ ኣብ ኣርማጌዶን ቅድሚ ምፍናዉ ነቲ ኣብ መንጎ ዘሎ ግዜ ክቕጽል ኣፍቀደሉ ዝብል መግለጺ ኢዩ ዝወሃብ ነይሩ።”
12 ድሕሪዚ ዓቢ መአረምታ ዝሓዘ መግለጺ ተዋህበ:- “ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እተኻየደ ፍጸመ ንምስምማዕ . . . እቲ ‘ዓቢ ጸበባ’ ብ1914 ከ.ኣ.ዘ. ኣይጀመረን። ኣብ ክንድኡ ግን እቲ ብ1914-1918 ኣብዛ ዘመናዊት መማሳስልቲ የሩሳሌም እተፈጸመ ነገራት ‘መጀመርታ ቕልውላው’ ኢዩ ነይሩ። . . . እቲ ከምኡ ዝበለ ከቶ ዘይከውን ‘ዓቢ ጸበባ’ ገና ኣብ ቅድሜና ኢዩ ዘሎ: ከመይሲ ዓቢ ጸበባ ንጥፍኣት ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት (ንህዝበ-ክርስትያን ሓዊስካ) ከምኡውን ነቲ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ኣብ ኣርማጌዶን ዝፍጸም ‘ውግእ ናይቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ’ ኢዩ ዘመልክት።” እዚ ኸኣ እቲ ዓቢ ጸበባ ብምሉኡ ገና ነይሩ ማለት ኢዩ።
13. እቲ ‘ርኽሰት ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ዝቘመሉ’ መጻኢ ግዜ ክህሉ ኢዩ ኢልካ ምዝራብ ርትዓዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
13 እዚ ሓሳባት እዚ: እቲ “ርኽሰት” ኣብቲ ቕዱስ ስፍራ መዓስ ከም ዝቐውም ንምስትውዓል ኣጸቢቑ ኢዩ ዝሕግዝ። ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን እተፈጸመ ነገር ዘክር። ሮማውያን ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ንየሩሳሌም ኣጥቅዕዋ: እንተዀነ ግን ሃንደበት ስለ ዘዝለቑ: እዚ ኣጋጣሚ እዚ “ስጋ ዝለበሰ” ክርስትያን ንኽድሕን ኣፍቀደሉ። (ማቴዎስ 24:22) በዚ መሰረት እዚ: እቲ ዓቢ ጸበባ ቀልጢፉ ክጅምር ንጽበ ኢና: ይኹን እምበር ምእንቲ ሕሩያት ኣምላኽ ክሓጽር ኢዩ። ነዚ ኣገዳሲ ነጥቢ እዚ ኣስተብህለሉ:- ኣብቲ ጥንታዊ ኣብነት ‘እቲ ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ዝቘመ ርኽሰት’ ምስቲ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ብጀነራል ጋለስ እተመርሐ መጥቃዕቲ ሮማውያን ተተሓሒዙ ኣሎ። እቲ ምስኡ ዝመሳሰል ዘመናዊ መጥቃዕቲ:—ምጅማር ናይቲ ዓቢ ጸበባ—ገና ኣብ ቅድሜና ኢዩ ዘሎ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ካብ 1919 ጀሚሩ ኣብ ህላወ ዘሎ “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት” ኣብ ቅዱስ ስፍራ ዝቐውም ገና ብሕጂ ምዃኑ ግሁድ ኢዩ።b እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝፍጸም፧ ንሕናኸ ብኸመይ ኢና ክንትንከፍ እንኽእል፧
መጻኢ መጥቃዕቲ
14, 15. ራእይ ምዕራፍ 17 ነቲ ናብ ኣርማጌዶን ዘምርሕ ፍጻመታት ንኽንርድኦ እትሕግዘና ብኸመይ ኢያ፧
14 መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝወርዳ ናይ ጥፍኣት መጥቃዕቲ ይገልጽ። ምዕራፍ 17 ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ‘ኣደ ኣመናዝር ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን’—ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት—ዝወርድ ፍርዲ ኣምላኽ ይዝርዝር። ናይዚኣ ቀንዲ ክፍሊ ድማ ህዝበ-ክርስትያን ኢያ: ምስ ኣምላኽ ዘለዋ ርክብ ከአ ብኺዳን ዝጸንዐ ምዃኑ ኢያ እትዛረብ። (ምስ ኤርምያስ 7:4 ኣረኣእዮ።) ንህዝበ-ክርስትያን ሓዊስካ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዘን ምስ “ነገስታት ምድሪ” ዘይግቡእ ርክብ ክገብራ ጸኒሐን ኢየን: ይኹን እምበር: እዚ ርክብ እዚ ብጥፍኣት እዘን ሃይማኖታት እዚኣተን ከቋርጽ ኢዩ። (ራእይ 17:2, 5) ብኢድ መን ኢየን ዝጠፍኣ፧
15 ራእይ ብዛዕባ ሓደ ንገለ ግዜ ድሕሪ ምንባሩ ዘልግስ ጸኒሑ ኸኣ ዝምለስ “ቐዪሕ ኣራዊት” ትገልጽ። (ራእይ 17:3, 8) እዚ ኣራዊት እዚ ብገዛእቲ ዓለም ኢዩ ዝድገፍ። ኣብቲ ትንቢት ተዘርዚሩ ዘሎ ሓሳባት: ነዚ ምሳልያዊ ኣራዊት እዚ: እቲ ካብ 1919 ጀሚሩ እተኣሳሰራ መንግስታት እተባህለ (“ናይ ጥፍኣት ርኽሰት”) ሕጂ ድማ ሕቡራት ሃገራት ዝበሃል ዘሎ ናይ ሰላም ማሕበር ከም ዝዀነ ገይርና ከነለልዮ ይሕግዘና። ራእይ 17:16, 17 ኣምላኽ ንገለ ካብቶም ኣብዚ “ኣራዊት” እዚ ምርኡያት ዝዀኑ ሰብኣውያን መራሕቲ: ነታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንምጥፋእ ኣብ ልቦም ሓሳብ ከእትወሎም ምዃኑ ይገልጽ። እቲ መጥቃዕቲ ምጅማር ናይቲ ዓቢ ጸበባ የመልክት።
16. ንሃይማኖት ዝምልከት ከመይ ዝበለ ኣገዳሲ ነገራት ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፧
16 እቲ ዓቢ ጸበባ ዝጅምረሉ ግዜ ንዝመጽእ ካብ ኰነ: እቲ ‘ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ምቛም’ ገና ብሕጂ ዝኸውን ድዩ፧ ብመሰረት እቲ ክሳዕ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ መርትዖ መልሱ እወ ኢዩ። ሽሕ’ኳ እቲ “ርኽሰት” ኣብ ህላወ ዝመጸ ኣብ መጀመርታ እዚ ዘለናዮ ክፍለ-ዘበን እንተዀነ: ዓሰርተታት ዓመታት ዝገበረውን እንተዀነ: ድሕሪ ቐረባ ግዜ ብእተፈልየ መልክዕ “ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ” ቦትኡ ክሕዝ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ሰዓብቲ ክርስቶስ እቲ ‘ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ምቛም’ ከመይ ኢሉ ከም ዝፍጸም ብሃንቀውታ ዝጽበዩ ዝነበሩ: እዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ከምኡ ዝበለ ትጽቢት ኣለዎም። ንዅሉ ዝርዝራቱ ንምፍላጥ ግን ነቲ ርኡይ ፍጻሜኡ ክንጸበ ከም ዘሎና ርዱእ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ድሮ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ዝርአ ጽልኢ እናተጋህደን እናዓበየን ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ገለ ገለ ፖለቲካውያን ባእታታት ምስቶም ካብ ሓቀኛ እምነት ዘልገሱ ክርስትያናት ዝነበሩ ሰባት ሕብረት ብምግባር: ብሓፈሻ ኣንጻር ሃይማኖት ብፍላይ ከኣ ኣንጻር ሓቀኛታት ክርስትያናት ጽልኢ ከም ዝህሉ ይገብሩ ኣለዉ። (መዝሙር 94:20, 21፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:20, 21) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ፖለቲካውያን ሓይልታት ሕጅውን ከይተረፈ ‘ምስቲ ገንሸል ይዋግኡ’ ኣለዉ: ከምቲ ራእይ 17:14 ዝሕብሮ ድማ እዚ ውግእ እዚ እናጻዕጽዐ ክኸይድ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ክብ ኢሉን ከቢሩን ዘሎ ገንሸል ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ቃል ብቓሉ ኣእዳዎም ከልዕሉ ዘይክእሉ እኳ እንተዀኑ: ኣንጻር እቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ብፍላይ ድማ ኣንጻር ‘ቅዱሳኑ’ ጽልኦም ክገልጹ ኢዮም። (ዳንኤል 7:25፣ ምስ ሮሜ 8:27፣ ቈሎሴ 1:2፣ ራእይ 12:17 ኣረኣእዮ።) እቲ ገንሸልን እቶም ምስኡ ዘለዉ ሰባትን ከም ዝዕወቱ ዝገብሮም መለኮታዊ መረጋገጺ ኣሎና።—ራእይ 19:11-21
17. እቲ “ርኽሰት” ብኸመይ ኣብ ቅድስቲ ስፍራ ከም ዝቐውም: ትርር ከይበልና እንታይ ክንብል ንኽእል፧
17 ናይ ሓሶት ሃይማኖት ጥፍኣት ይጽበያ ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ዓባይ ባቢሎን ‘ብደም ቅዱሳን ሰኺራ:’ ከም ንግስቲ ዀይና ድማ ክትዓዪ ጸኒሓ ኢያ: ይኹን እምበር ጥፍኣታ ዘይተርፍ ኢዩ። እቶም ‘ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን’ ኣብ ልዕሊኣ ብርቱዕ ጽልኢ ብምሕዳር ነቲ ምስኣ ዝነበሮም ዝምድና ምስ ኣጥፍእዎ እቲ ኣብ ልዕሊ ነገስታት ምድሪ እትገብሮ ዝነበረት ርኹስ ጽልዋ ሃንደበት ክቕየር ኢዩ። (ራእይ 17:6, 16፣ 18:7, 8) እቲ “ቐዪሕ ኣራዊት” ነታ ሃይማኖታዊት ኣመንዝራ ምስ ኣጥቅዓ: እቲ “ርኽሰት” ኣብቲ ናይ ህዝበ-ክርስያን ቅዱስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስፍራ ሓደጋ ንምውዳቕ ብዘስግእ መገዲ ክቐውም ኢዩ።c ስለዚ እምበኣር: ጥፍኣት ዝጅምር በታ ንገዛእ ርእሳ ቅድስቲ ገይራ እትሓስብ እምነት ዘይብላ ህዝበ-ክርስትያን ኢዩ።
ብኸመይ ኢዩ ‘ዝህደም’፧
18, 19. ‘ናብ ኣኽራን ምህዳም’ ሃይማኖት ምቕያር ማለት ከም ዘይኰነ ንምምልካት እንታይ ምኽንያታት ኢዩ እተዋህበ፧
18 የሱስ ‘እቲ ርኽሰት ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ከም ዝቐውም’ ድሕሪ ምንባዩ: ነቶም መስተውዓልቲ ሰባት ስጕምቲ ክወስዱ ከም ዘለዎም የጠንቅቕ። እዚ ኽብል ከሎ ኣብታ ናይ መወዳእታ ህሞት ማለት ‘እቲ ርኽሰት ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ምስ ቈመ’ ብዙሓት ሰባት ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሃዲሞም ናይ ሓቂ ኣምልኾ ክሕዙ ኢዮም ማለቱዶ ኢዩ ነይሩ፧ ፈጺሙ ዘይመስል ኢዩ። ነቲ ናይ መጀመርታ ፍጻሜ ንርአ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ: ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ ኣይእቶውን። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸኣ ክዳኑ ኺማላእ ንድሕሪት ኣይመለስ። በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። . . . ምህዳምኩም ብኽረምቲ ኸይከውንሲ ጸልዩ።”—ማርቆስ 13:14-18 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
19 የሱስ: ካብ ማእከል ኣምልኾ ኣይሁድ ክወጹ ከም ዘድልዮም ንምሕባር ኢሉ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ጥራይ ክወጹ ኣለዎም ኣይበለን፣ ከምኡውን ኣብቲ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ብዛዕባ ሃይማኖት ምቕያር ማለት ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሃዲምካ ሓቀኛ ሃይማኖት ምሓዝ ኣይጠቐሰን። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብ ሓደ ሃይማኖት ናብ ካልእ ክሃድሙ መጠንቀቕታ የድልዮም ከም ዘይነበረ እተረጋገጸ ኢዩ፣ ድሮ ሓቀኛታት ክርስትያናት ኢዮም ኰይኖም ነይሮም። እቲ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ዝወረደ መጥቃዕቲ ድማ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰዓብቲ ኣይሁድነት: ነቲ ሃይማኖት እቲ ገዲፎም ክርስትና ክቕበሉ ኣይደረኾምን። ፕሮፌሰር ሄንሪክ ግራስ: እቶም ንሮማውያን ዘሳጕጕዎም ዝነበሩ ኣይሁድ ናብታ ከተማ ከም እተመልሱ ክገልጽ ከሎ ከምዚ በለ:- “እቶም ዚለታውያን ዓወት ዝገልጽ መዝሙር ብጭድርታ እናዘመሩ: ኣልባቦም ድማ ብናይ ሓርነትን ናጽነትን ተስፋ መሊኡ (ብ8 ጥቅምቲ) ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። . . . ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ነቦታቶም ብምሕረት ዝሕግዞም ዝነበረ ኣይሓገዞምንዶ ኢዩ፧ እቶም ዚለታውያን ብዛዕባ መጻኢ ኣብ ልቦም ፍርሂ ዝበሃል ኣይነበሮምን።”
20. እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ነቲ የሱስ ናብ ኣኽራን ክሃድሙ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ብኸመይ ኢዮም ዝመለስሉ፧
20 እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ብተዛማዲ ሒደት ዝዀኑ ሕሩያትከ ንምኽሪ የሱስ ብኸመይ ኢዮም ዝረኣይዎ፧ ንይሁዳ ገዲፎም ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ኣኽራን ምስ ሃደሙ: ብፖለቲካዊ ይኹን ብሃይማኖታዊ መገዲ ክፍሊ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ከም ዘይኰኑ ኣርኣዩ። ግራውቶምን ኣባይቶምን ገዲፎም: ንብረቶም እውን ከይተረፈ ከይኣከቡ ወጹ። ዕቝባን ደገፍን የሆዋ ከም ዝረኽቡ ተኣማሚኖም: ንኣምልኾኡ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ኣድላዪ ዝመስል ነገራት ቀዳምነት ሃብዎ።—ማርቆስ 10:29, 30፣ ሉቃስ 9:57-62
21. እቲ “ርኽሰት” ከጥቅዕ ከሎ እንታይ ክኸውን ኢና ክንጽበ ዘየድልየና፧
21 ሕጂ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝዓበየ ፍጻመ ሕሰብ። ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል: ንሰባት ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ወጺኦም ሓቀኛ ኣምልኾ ክሕዙ ክንላበዎም ጸኒሕና ኢና። (ራእይ 18:4, 5) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ከምቲ ዝበልናዮም ገይሮም ኢዮም። ናይ የሱስ ትንቢት: እቲ ዓቢ ጸበባ ጅምር ምስ ኣበለ: ሓፋሽ ህዝቢ ናብቲ ንጹህ ኣምልኾ ክጽጋዕ ኢዩ ኣይበለን፣ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ናይ ሓፋሽ ህዝቢ እምነት ምቕያር ከም ዘይነበረ እተረጋገጸ ኢዩ። ሓቀኛታት ክርስትያናት ግን ነቲ ናይ የሱስ መጠንቀቕታ ኣብ ተግባር ብምውዓል ንኽሃድሙ ሓያል ድራኸ ክህልዎም ኢዩ።
22. እቲ የሱስ ብዛዕባ ናብ ኣኽራን ምህዳም ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓልና እንታይ ኢዩ ከጠቓልል ዝኽእል፧
22 ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ እቲ ዓቢ ጸበባ ምሉእ ዝርዝር ክህልወና ኣይክእልን ኢዩ: ይኹን እምበር እቲ የሱስ እተዛረበሉ ምህዳም ኣባና ዝውዕል ብጂኦግራፊያዊ መልክዕ ከም ዘይኰነ ብርትዓዊ መገዲ ክንድምድም ንኽእል ኢና። ህዝቢ ኣምላኽ ድሮ ኣብ መላእ ምድሪ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ይርከቡ ኣለዉ። ይኹን እምበር: ምህዳም ኣድላዪ ክኸውን ከሎ: ክርስትያናት ነቲ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ናይ ሓሶት ሃይማኖታውያን ማሕበራትን ዘለዎም ንጹር ፍልልይ ብቐጻሊ ከም ዝዕቅብዎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። የሱስ: ሓደ ሰብ ክዳውንቲ ወይ ካልእ ኣቝሑ ክወስድ ኢሉ ናብ ቤቱ ከይምለስ ምጥንቃቑ እውን ትርጕም ዘለዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:17, 18) ስለዚ እምበኣር: ንንዋታዊ ነገራት ብኸመይ ከም እንርእዮ ኣብ ቅድሜና ፈተና ክህሉ ይኽእል ኢዩ፣ እቲ ንዋታዊ ነገራት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዘድሊ ድዩ: ወይስ እቲ ንዅሎም ብወገን ኣምላኽ ዝዀኑ ሰባት ዝወሃብ ድሕነት ኢዩ ዝያዳ ኣገዳሲ፧ እወ: ምህዳምና ገለ ዓይነት ጸገማትን ሕድገታትን ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት: ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ካብ ይሁዳ ናብ ጴርያ ዝሃደሙ: ዝዀነ ይኹን ኣገዳሲ ስጕምቲ ንምውሳድ ድልዋት ምዃን ከድልየና ኢዩ።
23, 24. (ሀ) ኣበይ ጥራይ ኢና ዕቝባ ዝዀነና ጸግዒ ክንረከብ እንኽእል፧ (ለ) እቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ‘ኣብ ቅድስቲ ስፍራ ዝቘመ ርኽሰት’ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኣባና ከመይ ዝበለ ሳዕቤን ኢዩ ክህልዎ ዘለዎ፧
23 ዕቝባና የሆዋን እታ ከረን መሰል ማሕበሩን ኰይኖም ከም ዝቕጽሉ ርግጸኛታት ክንከውን ኣሎና። (2 ሳሙኤል 22:2, 3፣ መዝሙር 18:2፣ ዳንኤል 2:35, 44) ኣብኡ ጥራይ ከኣ ኢና ዕቝባ እንረክብ! ነቶም ‘ሃዲሞም ኣብ በዓትታትን ኣኽራንን’ ማለት ኣብቶም ዓባይ ባቢሎን ድሕሪ ምጥፍኣ ንቝሩብ ግዜ ዝጸንሑ ሰብኣውያን ማሕበራትን ትካላትን ዝሕብኡ ብዙሓት ሰባት ኣይንስዕቦምን ኢና። (ራእይ 6:15፣ 18:9-11) ልክዕ ከምቲ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ጥኑሳት ኣንስቲ ካብ ይሁዳ ምስ ዝሃድማ: ወይ ከኣ ዝዀነ ይኹን ሰብ በቲ ዛሕልን ዝናብን ዝነበሮ ኵነታት ኣየር ምስ ዝጓዓዝ: ኣሸጋሪ ክኸውን ዝነበሮ: እዋኑ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘይክሓድ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ድሕነት ከም ዝከኣል ክገብር ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሕጂ እውን ከይተረፈ ነቲ ኣብ የሆዋን ኣብቲ ሕጂ ንጉስ ናይታ መንግስቲ ኰይኑ ዝገዝእ ዘሎ ወዱን ዘሎና ትውክልቲ ነደልድሎ።
24 ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ክኸውን ዘለዎ ነገራት ብፍርሒ እንዋሓጠሉ ምኽንያት የብልናን። ኣብቲ ቐዳማይ ፍጻመ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ክፈርሁ ኣይደለዮምን: ንዓናውን ሕጂ ይኹን ኣብ ዝመጽእ ክንፈርህ ኣይደልየናን ኢዩ። ነልባብናን ኣእምሮናን ምእንቲ ከነዳልዎ ኣንቂሑና ኢዩ። ደሓር ከኣ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን እቲ ዝተረፈ ክፍሊ እዚ እኩይ ኣገባብ እዝን ጥፍኣት ክወርድ ከሎ እዙዛት ክርስትያናት ኣይክቕጽዑን ኢዮም። ብዛዕባ እቲ ‘ኣብቲ ቕዱስ ስፍራ ዝቘመ ርኽሰት’ እተዋህበ መጠንቀቕታ ከስተውዕልሉን ክስዕብዎን ኢዮም። በታ ዘይትነቓነቕ እምነቶም ቈራጽነት ዘለዎ ስጕምቲ ክወስዱ ኢዮም። የሱስ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና: ንሱ ኺድሕን እዩ” ብምባል ከም እተመባጽዐ ዘይንርስዖ ይግበረና።—ማርቆስ 13:13
[እግረ-ጽሑፋት]
a “እቲ ናይ ሮማውያን ኣርማታት: ኣብተን ኣብ ሮሜ ዝርከባ ኣብያተ-መቕደስ ብሃይማኖታዊ ክብሪ ኢዩ ዝዕቀብ ነይሩ። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ጸብለል በብዝበልሉ መጠን እቲ ንኣርማታቶም ዝነበሮም ክብሪ እውን ማዕሪኡ ይውስኽ ነበረ። . . . [ነቶም ወተሃደራት እሞ ኸኣ] ምናልባት ኣብ ምድሪ ኣሎ ካብ ዝበሃል ነገራት ንላዕሊ ኣዝዩ እተቐደሰ ኢዩ ነይሩ። ወተሃደር ሮሜ ብኣርምኡ ኢዩ ዝምሕል ነይሩ።”—ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ: መበል 11 ሕታም
b እቲ ብ66-70 ከ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ ቃላት የሱስ: ኣብቲ ዓቢ ጸበባ ብኸመይ ከም ዝፍጸም ንኽንርዳእ ክሕግዘና ዝኽእል እኳ እንተዀነ: እዚ ክልተ ፍጻሜታት እዚ ኣብ እተፈላለየ ኵነታት ዝፍጸም ብምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ተመሳሳሊ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።
ትዝክሮዶ፧
◻ “እቲ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት” ኣብቲ ቐዳማይ ክፍለ-ዘበን እተቓልዐ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ እዚ ዘመናዊ “ርኽሰት” ኣብ ዝመጽእ ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ክቐውም ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ምኽንያታዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ኣብ ራእይ: ከመይ ዝበለ እቲ “ርኽሰት” ዘውርዶ መጥቃዕቲ ኢዩ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ዘሎ፧
◻ እንታይ ዝዓይነቱ ‘ምህዳም’ ኢዩ ገና ካባና ዝድለ፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ዓባይ ባቢሎን ‘ኣደ ኣመናዝር ’ ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 17 ተጠቒሱ ዘሎ ቀይሕ ኣራዊት: እቲ የሱስ እተዛረበሉ “ርኽሰት ” ኢዩ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ቀይሕ ኣራዊት ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ጥፍኣት ከውርድ ኢዩ