-
‘እቲ እሙን ባርያ’ ብፈተና ይሓልፍ!ግምቢ ዘብዐኛ—2004 | 1 መጋቢት
-
-
2, 3. “እቲ ኽፉእ ባርያ” ኻበይ እዩ መጺኡ: ብኸመይከ እዩ ኣስፋሕፊሑ፧
2 የሱስ ብዛዕባ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ገሊጹ ምስ ወድአ ብኡንብኡ ናብቲ ኽፉእ ባርያ ሰገረ። “እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ: ጐይታይ ይድንጒ እዩ: እንተ በለ: ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር: ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን። ጐይታ እቲ ባርያ እቲ: ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈለጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ: ዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ: ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።” (ማቴዎስ 24:48-51) የሱስ ብዛዕባ “እቲ ኽፉእ ባርያ” ኽዛረብ ከሎ “እቲ” ኢሉ ምጥቃሱ ኣቐዲሙ ንእተዛረበሉ ነገር ስለ ዘመልክት: ናብቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኸም እነቕልብ እዩ ዝገብረና። እወ: “እቲ ኽፉእ ባርያ” ኽፍሊ እቲ እሙን ባርያ እዩ ነይሩ።a እዚ ኸመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፧
-
-
‘እቲ እሙን ባርያ’ ብፈተና ይሓልፍ!ግምቢ ዘብዐኛ—2004 | 1 መጋቢት
-
-
4. የሱስ ነቲ “ኽፉእ ባርያ” ዀነ ንዅሎም እቶም ከምቲ ናይቲ ኽፉእ ባርያ ዓይነት መንፈስ ዘርኣዩ ሰባት እንታይ ስጕምቲ እዩ ወሲዱሎም፧
4 እዞም ክርስትያናት ዝነበሩ ሰባት እዚኣቶም “እቲ ኽፉእ ባርያ” ምዃኖም ምስ ተፈልጠ: የሱስ ‘ኣብ ክልተ ብምጭንዳሕ’ ቀጽዖም። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ስለ ዝነጸጎም ሰማያዊ ተስፋኦም ኣጥፊኦም ማለት እዩ። ብኡንብኡ ግን ኣይጠፍኡን። ብመጀመርታ “ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት” ማለት ካብታ ክርስትያን ጉባኤ ወጻኢ ኣብ ዘሎ ጸልማት ኰይኖም ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ከሕልፉ ነበሮም። (ማቴዎስ 8:12) ካብቲ እዋን እቲ ጀሚሩ ኸኣ ካብቶም ቅቡኣት ዝዀኑ ሒደት ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ዝዀነ ሕማቕ መንፈስ ብምርኣይ: ንገዛእ ርእሶም ምስቲ “ኽፉእ ባርያ” ወጊኖም እዮም። ገለ ኻብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን ነዞም ዘይእሙናት ባሮት ስዒቦምዎም እዮም። (ዮሃንስ 10:16) ኵሎም እዞም ጸላእቲ ክርስቶስ እዚኣቶም ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ “ናይ ወጻኢ ጸልማት” እዮም ዝነብሩ ዘለዉ።
-