መበል 132 ስነ ስርዓት ምረቓ ጊልዓድ
ተሓለቕቲ ሓቂ
ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ 10 መጋቢት 2012 ፍልይቲ መዓልቲ እያ ነይራ። ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ዚርከብዎም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ጽቡቕ ክዳን እተኸድኑ ሰባት፡ ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ መበል 132 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ኪእከቡ መጺኦም ነበሩ። ሓያሎ ሰባት ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን ዚርከብ ኣዳራሽ ተኣኪቦም ነበሩ። ገሊኣቶም ከኣ ኣብቲ ብተለቪዥን ዚመሓላለፈሉ ቦታታት ቤት-ኤል ኰይኖም ይከታተልዎ ነበሩ። ብጠቕላላ፡ 9,042 ተኣከብቲ ነበሩ።
እቶም ተመሃሮ እንታይ ከም ዚብሃሉ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ነበሩ። እዞም ተመሃሮ እዚኦም ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሚስዮናውያን ዝሰልጠኑ ተመሃሮ ፍልይ ዜብሎም፡ ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት፡ ማለት ቤት-ኤላውያን፡ ገየሽቲ ሓለውቲ፡ ወይ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ቕድሚ ምስልጣኖም ሚስዮናውያን ኰይኖም ዘገልገሉ ምዃኖም እዩ። እዞም ተመክሮ ዘለዎም ተመሃሮ እንታይ ኰን እዮም ተባሂሎም፧
እቶም ተኣከብቲ ብዛዕባ እዚ፡ ሽዑ ንሽዑ እዮም ፈሊጦም። ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ገራት ሎሽ፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፡ ሊቀ መንበር እዩ ነይሩ፣ ናይ መኽፈቲ መደረ ኸኣ ሃበ። “ተሓለቕቲ ዲኹም፧” ዚብል ዜመራምር ሕቶ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ክርስትያናት ተሓለቕቲ ሓቂ ምዃኖም፡ ንዅሉ ክርስትያናዊ ትምህርትታት ከኣ ከም ዚሕለቕሉ ገለጸ። ንሓቂ ምሕላቕ ኪብሃል ከሎ፡ ንሰባት ሓቂ ኽትምህሮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓቂ ኼፍቅሩ ምሕጋዞም እውን ከም ዜጠቓልል ኣብርሀ።
ሓው ሎሽ፡ “ሓቂ ኸም ዝሓዝና ብኸመይ ንፈልጥ፧” ኢሉ ሓተተ። ቍጽሪ እቶም ሓቂ እተቐበሉ ሰባት፡ ነዚ መርትዖ ኸም ዘይከውን ሓበረ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንጹህ ኣምልኾ እንተ ተቐበሉ እኳ፡ ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ግና ሒደት ጥራይ እዮም ተቐቢሎም። ሓው ሎሽ፡ ሓቂ ኸም ዝሓዝና ኽንፈልጠሉ እንኽእል ነዚ ዚስዕብ ሓሙሽተ ነጥብታት ዘርዘረ፦ (1) ትምህርቲ የሱስ ንስዕብ፡ (2) ንሓድሕድና ንፋቐር፡ (3) በቲ ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ንምራሕ፡ (4) ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት እዛ ዓለም እዚኣ ኢድና ኣይነእቱን፡ ከምኡውን (5) ስም ኣምላኽ ጸዊርና ኣሎና።
“ንመምርሒታት የሆዋ ወትሩ ስዓብዎ”
ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ጀፍሪ ጃክሰን፡ ባልጃ ሒዙ ናብቲ መድረኽ ኪድይብ ከሎ፡ እቶም ተኣከብቲ እንታይ ከም ዚብል ብምግራም ይጽበዩ ነበሩ። ኣርእስቲ መደረኡ፡ ኣብ ኢሳይያስ 50:5 እተመስረተ ዀይኑ፡ “ንመምርሒታት የሆዋ ወትሩ ስዓብዎ” ዚብል እዩ ነይሩ። እታ ጥቕሲ እቲኣ፡ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ብትንቢት ክትዛረብ ከላ፡ “ኣነውን ኣይአቤኹን፡ ኣየድሓርሓርኩን” ትብል።
ሓው ጃክሰን ነቶም ተመሃሮ ነቲ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ፡ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምኡውን ብውድቡ ኣቢሉ ዚህበና መምርሒ ኼስተብህሉሉ ተላበዎም። ኣብቲ ኣብ ማቴዎስ 25:14-30 ተመዝጊቡ ዘሎ ብዛዕባ እተን መክሊት እተዋህበ ምሳሌ፡ ኵሎም እቶም ባሮት ከከም ክእለቶም ስለ እተቐበሉ፡ ማዕረ መክሊት ከም እተቐበሉ እዩ ዚቝጸር። ብእተኻእሎም መጠን ኪጽዕሩ ድማ እዩ ትጽቢት ተገይሩሎም ነይሩ። እቶም ክልተ ባሮት ተናእዱ፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ “ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ” ተባሂሎም ተጸውዑ። እሙን ዚብሃል ሰብ፡ ውጽኢት ዚረክብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንእተዋህቦ መምርሒ ወትሩ ዚስዕብ እዩ።
እቲ ሳልሳይ ባርያ ግና፡ “ክፉእ ሃካይ ባርያ፡” ከምኡውን “ዘይጠቅም ባርያ” ተባህለ። እቲ ባርያ፡ ጸገሙ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ነታ እተዋህበቶ መክሊት ምሕባኡ እዩ። መክሊት ሰልዲ ዘይኰነስ፡ 20 ኪሎ ግራም ክብደት ዘለዎ፡ ማዕረ 6,000 ዲናር ዚኸውን ናይ ክብደት መዐቀኒ ኣሃዱ እዩ። እዚ ኸኣ ዳርጋ ማዕረ እቲ ሓደ ሰብ ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ኪገይሽ ከሎ ኣብ ባልጃኡ ንኺሕዝ ዚፍቀደሉ ኽብደት እዩ። ክንዲ ባልጃ ዚኸውን ነገር ኣብ ምድሪ ንኽትሓብእ ጻዕሪ ኸም ዚሓትት ፍሉጥ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ባርያ ነታ መክሊት ኣብ ምድሪ ብምሕባእ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበረ፡ ከምኡ ኺገብር ግና መምርሒ ኣይተዋህቦን። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ሚስዮናዊ እውን ኣብ እተፈላለየ ንጥፈታት ብምክፋል፡ ማለት ነዊሕ ደብዳብ ብምጽሓፍ፡ ኣብ ኢንተርነት ብምጕርጓር፡ ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ብምውዓል፡ ወይ ኣብ እተፈላለየ ዓለማዊ ስራሕ ብምክፋል ግዜኡ የሕልፍ ይኸውን። እዚ ሚስዮናዊ እዚ፡ ኣብዚ ንጥፈታት እዚ ምስ ተኻፈለ፡ ንምሸቱ ሓይሉ ኺጽንቀቕ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንኺዓይዮ እተዋህቦ መምርሒ ግና ኣይሰዓበን። ሓው ጃክሰን፡ “ወትሩ መምርሒ ስዓቡ” ብምባል መደረኡ ደምደመ።
“ጥርጣረ ኣይተሕድሩ”
እዚ፡ ፍረ ነገር እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ኣንቶኒ ሞሪስ ዘቕረቦ መደረ እዩ ነይሩ። “መጽሓፍ ቅዱስ ንእምነትን ንጥርጣረን ብሓንሳእ ከም ዚኸዳ ገይሩ ፈጺሙ ኣይጠቐሰንን እዩ” ድማ በለ። ኣስዒቡ እውን፡ “እምነት ንጥርጣረ ተባርሮ እያ” በለ። ሰይጣን ኣብ ኣእምሮ እታ ፍጽምቲ ሰበይቲ ዝነበረት ሄዋን ጥርጣረ ኻብ ዘርአ፡ ኣብ ኣእምሮና እውን ኪዘርእ ይኽእል እዩ። ሓው ሞሪስ፡ “ንእምነትኩም እንተ መጊብኩምዋ፡ ጥርጣረ ብጥሜት ኪመውት እዩ” በለ። ንታሪኽ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብምጥቃስ ከኣ መብርሂ ሃበ። ጴጥሮስ መጀመርታ፡ ‘ብማየ ማይ እኳ እንተ ኸደ፡’ “ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና፡ ፈርሄ፡” ኪጥሕል ድማ ጀመረ። የሱስ ንጴጥሮስ ብኢዱ ሒዙ፡ “ስለምንታይከ ተዋላወልካ፧” በሎ። (ማቴዎስ 14:29-31) ድሕርዚ ሓው ሞሪስ፡ “ንስኻትኩም ሚስዮናውያን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብንጥፈት ክትዓይዩ ኸለኹም፡ ካልኦት ሰባት ብማየ ማይ ትኸዱ ኸም ዘለኹም ገይሮም ብምርኣይ፡ ብዅሉ ዕዮታትኩም ይግረሙ ይዀኑ እዮም፣ ብርቱዕ ንፋስ ምስ መጸ ግና፡ ጥርጣረ ኣይተሕድሩ” በለ።
ቀጺሉ ድማ፡ ከም ብርቱዕ ንፋስ ብዚመስል እዋናት ምሕላፍ ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ንፋስ ከም ዚጠፍእ ገለጸ። ነቶም ተመሃሮ ኸኣ፡ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ከምቲ ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጲ ምስ ተኣስሩ ዝገበርዎ ኺገብሩ ተማሕጸኖም። ግብሪ ሃዋርያት 16:25፡ “ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ” ትብል። ጳውሎስን ሲላስን ለሚኖም ወይ ጸልዮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዘሚሮም እውን እዮም። ካልኦት እሱራት ክሳዕ ዚሰምዕዎም ከኣ እዮም ዓው ኢሎም ዚዝምሩ ነይሮም። ሓው ሞሪስ ቀጺሉ፡ መብዛሕትና ናይ ምዝማር ክእለት ዘይብልና እኳ እንተ ዀንና፡ ብፍላይ መከራ ኼጋጥመና ኸሎ ንኽንዝምር ክንሓፍር ከም ዘይብልና ገለጸ። ኣብታ ንየሆዋ ወድስዎ ዘርእስታ መጽሓፍ መዝሙር ንእትርከብ፡ “ክሳዕ መወዳእታ ተጻወሩ” ዘርእስታ መዝሙር 135 ብምንባብ ከኣ መደረኡ ዛዘመ።
ዜተባብዕ ተወሳኺ መደረታት
ኣባል ክፍሊ ሸመታ ዝዀነ ሮበርት ሊስዮኒ፡ “ጽቡቕ መዓልትታት ክትርእዩ ትደልዩዶ፧” ዘርእስቱ መደረ ኣቕረበ። ፍረ ነገር እታ መደረ ኻብቲ ኣብ መዝሙር 34:12 ዚርከብ ቃላት ንጉስ ዳዊት እተወስደ እዩ። ሓው ሊስዮኒ ኣብ መደረኡ፡ ምስ የሆዋ ዘሎካ ጽቡቕ ርክብ ዓቂብካ ንኣጸጋሚ እዋናት ብኸመይ ክትሰግሮ ኸም እትኽእል ገለጸ። ካብቲ ኣብ 1 ሳሙኤል ምዕራፍ 30 ተመዝጊቡ ዘሎ ታሪኽ ብዙሕ ትምህርቲ ኺርከብ ከም ዚከኣል እውን ኣብርሀ። ዳዊትን ሰቡን ስድራ ቤቶምን ካብ ንጉስ ሳኦል ሃዲሞም፡ ኣብ ጺቅላግ ተዓቝቡ። እቶም ሰባት፡ ስድራ ቤቶም ብኣማሌቃውያን ተማሪኾም ምስ ተወስዱ፡ ንዳዊት ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ደለዩ። ዳዊትከ እንታይ ገበረ፧ ተሓሊሉ ኢዱ ኣይሃበን፡ ኣብ ክንዳኡስ፡ “ብእግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸንዔ።” (1 ሳሙኤል 30:6) ንየሆዋ ሓተቶ፡ ምስ መምርሒ ኣምላኽ ተሰማሚዑ ዓየየ፡ ነቶም ምሩኻት ከኣ መለሶም። እቲ ተዛራባይ ነቶም ተመሃሮ፡ ከም ዳዊት ኣብ የሆዋ እንተ ተኣሚኖም፡ ንመምርሒኡ ኸኣ እንተ ስዒቦምዎ፡ ጽቡቕ መዓልትታት ኪርእዩ ምዃኖም ኣረጋገጸሎም። ኣብቲ እተዋህቦም ክቡር መሰል ኣገልግሎት ባህ ዜብል ናብራ ህይወት ኪህልዎም ምዃኑ ድማ ጠቐሰሎም።
ሓደ ኻብቶም መምህራን ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝዀነ ማይክል በርነት፡ “ክንዮ ሓለዋ ለይቲ ጠምቱ” ዘርእስቱ መደረ ኣቕረበ። እስራኤላውያን ካብ ዕራርቦ ጸሓይ ጀሚሩ ኽሳዕ ወጋሕታ ንዘሎ እዋን ለይቲ፡ ኣብ ሰለስተ ሓለዋ ይመቕልዎ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ ሓለዋ ኸኣ ኣርባዕተ ሰዓት ዝሓዘ እዩ ነይሩ። እቲ ናይ መወዳእታ ሓለዋ ለይቲ፡ ካብ ሰዓት 2:00 ቅ.ቀ. ኽሳዕ ሰዓት 6:00 ቅ.ቀ. ኪኸውን ከሎ፡ ኣዝዩ ጸልማትን ኣዝዩ ቘራርን ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ነቒሕካ ንኽትሕሉ እውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሓለዋ ለይቲ ምእንቲ ኸይታኸስ፡ ንቓላት የሆዋ የስተንትነሉ ነበረ። (መዝሙር 119:148) ሓው በርነት ነቶም ተመሃሮ፡ “ንቑሓት ክትኰኑ ኣሎኩም” በሎም። ኣስዒቡ እውን፡ “ሓሓሊፉ ምስ ጸልማት ኪመሳሰል ዚኽእል ተስፋ ዜቝርጽ መዓልትታት ኬጋጥመኩም፡ ኣብዛ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም ድማ ምስ ቍሪ ዚመሳሰል ጸገማት ኬጓንፈኩም እዩ። ስለዚ፡ ኣቐዲምኩም ክትዳለዉ ኣሎኩም” ብምባል ተላበዎም። ብመንፈስ ወትሩ ንቑሓት ምእንቲ ኪዀኑ ድማ፡ ዕምቈት ዘለዎ መጽናዕቲ ኺገብሩ ኣዘኻኸሮም። ነዚ ነጥቢ እዚ ኼብርሆ ኸሎ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “የሆዋ ዓርክኹም ኪኸውን ስለ እትደልዩ፡ መዓልቲ መዓልቲ ናብኡ ትጽልዩ ኢኹም። ስለዚ፡ ንሱ እውን ከም ዓርክኹም መጠን ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ መዓልቲ መዓልቲ ኺዛረበኩም ፍቐዱሉ። ለይቲ ሓሊፉ እዩ፣ ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘሎ መዓልትታት ብኸመይ ከም እትጥቀሙሉ ኻብ ሕጂ ሕሰቡሉ። በዚ ኸምዚ፡ ክንዮ ሓለዋ ለይቲ ኽትጥምቱ ኢኹም።”
“ነቲ ዚጽበዮም ዕዮ ዝሰልጠኑ።” ነዚ ኣብ 1 ጴጥሮስ 5:10 እተመሰረተ ፍረ ነገር፡ ሓደ ኻብቶም መምህራን ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝዀነ ማርክ ኑማር እዩ ኣቕሪብዎ። ሓው ማርክ ነቶም ተመሃሮ፡ “ተመክሮ ዘሎኩም ኣገልገልቲ ኽነስኹም፡ ናብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ እተዓደምኩም ስለምንታይ ኢኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ከኣ መለሰሎም፦ “ምኽንያቱ ኣብ ዕዮኹም ክኢላታት ኢኹም። ሓያሎ ኽኢላታት ሰባት ክእለቶም ብዝበለጸ ምእንቲ ኼመሓይሹ፡ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ወሲዶም ይመሃሩ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሸተ ወርሒ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘሎ ኸቢድ ሓላፍነት ምእንቲ ኽትዋጽኡሉ፡ ብዛዕባ ቓሉን ውድቡን ዓሚቝ ትምህርቲ ብምሃብ ‘ኣጽኒዑኩምን ኣበርቲዑኩምን’ እዩ። ሓደ ጽኑዕ ዓንዲ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ብቐሊሉ ኣይቀንንን፡ ኣይጕብጥን፡ ወይ ኣይስበርን እዩ። ንስኻትኩም እውን ምስ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ክትዓይዩ ኸለኹም፡ ውጽኢት ስልጠናኹም ኪርአ እዩ። ጸገማት ኬጋጥመኩም ከሎ ኻብ ስርዓታት ኣምላኽ ክትወጹ ዲኹም፡ ወይስ ምስቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተመሃርኩምዎ ትምህርቲ ተሰማሚዕኩም ብምምልላስ ክትጸንዑ ኢኹም፧ ሓደ ድልዱል ነገር፡ ጾር ኪስከም ይኽእል እዩ። ንሓደ ዓንዲ ድልዱል ዚገብሮ፡ እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ነገራት እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ጽንዓትኩም በቲ ውሽጣዊ እንታይነትኩም እዩ ዚውሰን። የሆዋ ናብዚ ዘምጽኣኩም፡ ነቲ ዚጽበየኩም ዕዮ ንኼጽንዓኩምን እሙናት ንኺገብረኩምን ኢሉ እዩ። ኣምላኽ ግዲኡ ገይሩ እዩ፣ ስለዚ ግዴኹም ክትገብሩ፡ ከምኡውን ነቲ ‘ዓብዪ መምህርኩም’ ዝዀነ የሆዋ ንስልጠናኹም ኪፍጽሞ ኽትፈቕዱሉ ንጽልየልኩም።”
ተመክሮታትን ቃለ መጠይቓትን
ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ ጊልዓድ፡ ተመሃሮ ተመክሮታቶም ኪገልጹ ኸለዉ ኽትሰምዕ ባህ ዜብል እዩ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ሓደ ኻብቲ መደባት፡ ተመሃሮ ንገለ ኻብቲ ኼገልግሉ ኸለዉ ዘጋጠሞም ተመክሮታት ብመርኣያ ኣቕረብዎ። ንኣብነት፡ ካብ ፈረንሳ ዝመጹ ሰብ ሓዳር፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ንሽዱሽተ ሰዓት ዚኣክል ኪጸንሑ ተገድዱ። ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዘሎ ቤት ምግቢ ኸኣ፡ ነፈርቲ ይጽበዩ ንዝነበሩ ኽልተ ሰብኡት ኬዛርብዎም ጀመሩ። ሓደ ኻብቶም ሰብኡት፡ ወዲ ማላዊ ምዃኑ ምስ ነገሮም ብቛንቋ ቺቸዋ ተዛረብዎ። እቲ ሰብኣይ በዚ ተገሪሙ፡ ቋንቋኡ ኸመይ ገይሮም ከም ዝኸኣሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣብ ማላዊ ሚስዮናውያን ኰይኖም ከም ዜገልግሉ ነገርዎ። እቲ ሓደ ሰብኣይ ካብ ካሜሩን ከም ዝመጸ ምስ ነገሮም ከኣ፡ ንዕኡ ድማ ብፈረንሳይኛ ተዛረብዎ፣ ንሱ እውን ኣዝዩ ደንጸዎ። እቶም ሰብኡት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክብ ኣቢሎም እዮም ዚርእይዎም፡ እቶም ሚስዮናውያን ከኣ መስከሩሎም።
ኣባል ክፍሊ ኣገልግሎት ትርጕም ዝዀነ ኒኮላስ ኣላዲስ፡ ንኽልተ ሰብ ሓዳር ቃለ መጠይቕ ገበረሎም። እቶም ሓደ ሰብ ሓዳር፡ ካብ ኣውስትራልያ ናብታ ብውግእ እተሓመሰት ምብራቕ ቲሞር ተላኢኾም ሚስዮናውያን ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። እቶም ሓደ ሰብ ሓዳር ከኣ፡ ካብ ኮርያ ናብ ሆንግ ኮንግ ተላኢኾም የገልግሉ ነበሩ። ክልቲኦም ሰብ ሓዳር፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንዝቐሰምዎ ትምህርቲ ምእንቲ ኺትግብርዎ፡ ናብቲ እተመደቡሉ ሃገራት ኪኸዱ ተሃንጥዮም ነበሩ።
ነቶም ተመረቕቲ ዲፕሎማ ምስ ተዓደሎም፡ ሓደ ኻብቶም ተመሃሮ ንዅላቶም ወኪሉ፡ ስለቲ እተዋህቦም ስልጠና ሞሳኦም እትገልጽ ደብዳበ ኣንበበ። ድሕሪኡ ሓው ሎሽ፡ ኣብ መደምደምታ ኣብ ዝሃቦ ሓሳባት፡ ባህ ዜብል እተፈላለየ ምሳልያዊ ዘረባ ተጠቕመ። ሓቂ ኸም ቀስተ ደመና ምልክዕቲ፡ ኣብ ምድረ በዳ ኸም ገነት፡ ብማዕበል ኣብ ዚናወጽ ባሕሪ ኸኣ ከም መልህቕ ምዃና ገለጸ። ኣስዒቡ ኸኣ፡ “ሓቂ ምፍላጥናስ፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ስለዚ፡ ተሓለቕቲ ሓቂ ኹኑ፡ ንኻልኦት እውን ተሓለቕቲ ኪዀኑ ሓግዝዎም” በለ።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሰሌዳ/ካርታ]
ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ
12 ዝመጹለን ሃገራት
36 ገምጋም ዕድመ
20 ካብ ዚጥመቑ ዘሕለፍዎ ገምጋም ዓመታት
15 ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት
[ካርታ]
(For fully formatted text, see publication)
እቶም ተመሃሮ ናብዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ሃገራት ተመዲቦም፦
እተመደቡለን ሃገራት
በሊዝ
በኒን
ካምቦዲያ
ካመሩን
ከይፕ ቨርደ
ኮት ዲቭዋር
ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ
ምብራቕ ቲሞር
ኤኳዶር
ጋቦን
ጆርጅያ
ጊኒ
ሆንግ ኮንግ
ላይበርያ
ማዳጋስካር
ማላዊ
ፐሩ
ሳሞዋ
ሳው ቶመን ፕሪንቺፐን
ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ
ዚምባብወ
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ናይ መበል 132 ክፍሊ ተመረቕቲ
ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ስማት ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ፡ ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።
(1) ሮበርቶ የፕ፣ ጁሊ የፕ፣ ቲን ዋ ኤን፣ ፓትሪሻ ኤን፣ ፍራንኽ ሎሪኖ፣ ብላንዲን ሎሪኖ፣ ሳን ዎን፣ ስቴፋኒ ዎን።
(2) ናታን ሞራሌስ፣ ሚርያም ሞራሌስ፣ ሆናታ ዛኑቱ፣ ማኑኤላ ዛኑቱ፣ ኢንጋ ራምፍ፣ ጄኮብ ራምፍ፣ ደልፊን ዠርማን፣ ኒኮላስ ዠርማን።
(3) ኢቭ ኣትቻዴ፣ ኢቮን ኣትቻዴ፣ ክሪስ ቶማስ፣ ኤማ ቶማስ፣ ካትሪን ኤስቲዣን፣ ፖሊትሰር ኤስቲዣን።
(4) ደቪድ ኤርማን፣ ኣና ኤርማን፣ ጆሹዋ ብረይ፣ ኣማንዳ ብረይ፣ ማርታ ኣሞሪን፣ ዴቪድ ኣሞሪን፣ ያንግ ሶ፣ ዮንግ-ጊ ሶ።
(5) ዣን ሲሞን፣ ክሪስተል ሲሞን፣ ክሪስቶፈር ሲል፣ ዲያነዝ ሲል፣ ጀኒፈር ኤሪክሰን፣ ራያን ኤሪክሰን።
(6) ዳንየል ማክላስኪ፣ ታንጂ ማክላስኪ፣ ኣዳም ብራውን፣ ቫለሪ ብራውን፣ ዱኣኒ ማሪያኖ፣ ሲልያ ማሪያኖ፣ ዮላንዳ ሎዮላ፣ ካሌብ ሎዮላ።
(7) ፊሊፕ ረትገረዝ፣ ናኦሚ ረትገረዝ፣ ፊሊፕ ፉኮ፣ ሻርሎት ፉኮ፣ ጆኒ ዉንጃ፣ ኢዚኪኤል ዉንጃ።