-
ንኣሕዋት ክርስቶስ ብተኣማንነት ደግፎምግምቢ ዘብዐኛ—2015 | 15 መጋቢት
-
-
4 ብ1881 ዛዮንስ ዎች ታወር (ግምቢ ዘብዐኛ ጽዮን)፡ እቲ “ንጉስ” እውን ተባሂሉ ዘሎ “ወዲ ሰብ፡” ንየሱስ ከም ዜመልክት ገሊጻ ነበረት። ቀዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ኣሕዋተይ” እትብል ቃል፡ ነቶም ምስ ክርስቶስ ዚገዝኡ ኸምኡ እውን ነቶም ኣብ ምድሪ ናብ ፍጽምና ዚበጽሑ ዅሎም ደቂ ሰብ ከም እተመልክት ገይሮም ይሓስቡ ነበሩ። ብዘይካዚ፡ ምፍላይ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን፡ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ዚፍጸም ይመስሎም ነበረ። እቶም በቲ ፍቕሪ ዝመልኦ ሕጊ ኣምላኽ ዚመላለሱ ሰባት፡ ከም ኣባጊዕ ኪፍረዱ ምዃኖም ድማ ይኣምኑ ነበሩ።
5. ብ1920ታት፡ እቲ ዝነበረና ምርዳእ ዝነጸረ ብኸመይ እዩ፧
5 ኣብ መጀመርታ 1920ታት፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ብዛዕባ እቲ ምሳሌ ዘለዎም ምርዳእ ምእንቲ ኺንጽር ሓጊዝዎም እዩ። ናይ 15 ጥቅምቲ 1923 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ እቲ “ወዲ ሰብ፡” የሱስ ምዃኑ ኣረጋገጸት። ይኹን እምበር፡ እቶም ኣሕዋት ክርስቶስ ነቶም ምስኡ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ኸም ዜመልክቱ፡ እቶም ከም ኣባጊዕ ጌርካ ተገሊጾም ዘለዉ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እታ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንኺነብሩ ተስፋ ዚገብሩ ሰባት ምዃኖም ዚገልጽ ዜተኣማምን ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ብምቕራብ፡ ብዛዕባ መንነቶም ሓበረት። እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ብዛዕባ ዚፈላለያሉ ግዜኸ እንታይ ኪብሃል ይክኣል፧ እታ ዓንቀጽ ከም ዝገለጸቶ፡ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ፡ ኣሕዋት ክርስቶስ ምስኡ ዀይኖም ካብ ሰማይ ስለ ዚገዝኡ፡ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ነቶም ቅቡኣት ኪሕግዝዎም ወይ ዕሽሽ ኪብልዎም ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ፡ ምፍልላይ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን፡ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ቅድሚ ምጅማሩ ኺግበር ኣለዎ። እታ ዓንቀጽ ብዛዕባ እቲ ሓደ ሰብ ከም በጊዕ ዚፍረደሉ ምኽንያት ክትሕብር ከላ፡ ሰባት ንየሱስ ከም ጐይታኦም ገይሮም ዚርእይዎ እንተ ዀይኖምን መንግስቲ ኣምላኽ ዝሓሸ ዅነታት ከም እተምጽእ ዚኣምኑ እንተ ዀይኖምን፡ ከም ኣባጊዕ ኪፍረዱ ምዃኖም ገለጸት።
-
-
ንኣሕዋት ክርስቶስ ብተኣማንነት ደግፎምግምቢ ዘብዐኛ—2015 | 15 መጋቢት
-
-
7. ሕጂ እንታይ ንጹር ምርዳእ እዩ ዘሎና፧
7 ሎሚ ብዛዕባ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ንጹር ምርዳእ እዩ ዘሎና። ብዛዕባ መንነት እቶም ኣብታ ምሳሌ እተጠቕሱ ንምግላጽ፦ እቲ “ወዲ ሰብ” ተባሂሉ ዘሎ፡ እቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ እዩ። እቶም “ኣሕዋተይ” ተባሂሎም ዘለዉ ኸኣ፡ ነቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ብመንፈስ እተቐብኡ ሰብኡትን ኣንስትን እዮም ዜመልክቱ። (ሮሜ 8:16, 17) እተን ‘ኣባጊዕን ኣጣልን፡’ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ንእተዋጽኡ ውልቀ ሰባት እየን ዜመልክታ። እዚኣቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ኣይኰኑን። ብዛዕባ ግዜ እቲ ፍርዲኸ እንታይ ኪብሃል ይክኣል፧ እዚ ፍርዲ እዚ፡ ኣብ ከባቢ መወዳእታ እቲ ዚቐርብ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ ኺፍጸም እዩ። ሰባት በየናይ ምኽንያት እዮም ከም በጊዕ ወይ ከም ጤል ዚፍረዱ፧ እዚ ፍርዲ እዚ፡ ኣብቲ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋት ክርስቶስ ዚሕዙሉ መገዲ እተመርኰሰ እዩ። መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኣዝዩ ይቐርብ ስለ ዘሎ፡ የሆዋ ነዚ ምሳሌ እዝን ነቲ ምስኡ ዚተሓሓዝ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24ን 25ን ዘሎ ኻልእ ምሳሌታትን ምእንቲ ኽንርድኦ፡ በብቝሩብ ብርሃን ስለ ዜብርሃልና ኸነመስግኖ ይግባእ።
-
-
ንኣሕዋት ክርስቶስ ብተኣማንነት ደግፎምግምቢ ዘብዐኛ—2015 | 15 መጋቢት
-
-
9 ቀዳማይ፡ የሱስ ብምሳሌ ይምህር ከም ዘሎ ኣስተብህል። ብንጹር እምበኣር፡ ቃል ብቓሉ ንኣባጊዕ ካብ ኣጣል ብዛዕባ ምፍላይ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ሰብ ከም በጊዕ ኪፍረድ እንተ ዀይኑ፡ ነቶም እተኣስሩ ኣሕዋት የሱስ ቃል ብቓሉ ኼብልዖም፡ ኪኸድኖም፡ ኪከናኸኖም፡ ወይ ኪበጽሖም ኣለዎ ማለቱ ኣይኰነን ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም በተን ምሳልያውያን ኣባጊዕ እተመሰሉ ሰባት፡ ንኣሕዋት ክርስቶስ ብዛዕባ ዚህልዎም ኣረኣእያ እዩ ብምሳሌ ዚገልጾ ነይሩ። የሱስ ነቶም ሰባት፡ “ጻድቃን” ኢሉ ዝጸውዖም፡ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ቕቡኣት ኣሕዋት ከም ዘለዎ ስለ ዚኣምኑን ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት ንዓታቶም ብተኣማንነት ስለ ዚድግፍዎምን እዩ።—ማቴ. 10:40-42፣ 25:40, 46፣ 2 ጢሞ. 3:1-5።
10. እቶም ብኣባጊዕ ተመሲሎም ዘለዉ ሰባት ንኣሕዋት ክርስቶስ ለውሃት ዜርእይዎም ብኸመይ እዮም፧
10 ካልኣይ፡ ኣብ ዙርያ እቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ንዘሎ ሓሳብ እስከ ንመርምሮ። የሱስ ብዛዕባ ምልክት እቲ ንሱ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋንን ብዛዕባ መደምደምታ ስርዓት ዓለምን እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (ማቴ. 24:3) ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሓደ ዜደንቕ መዳይ እቲ ምልክት ጠቐሰ፣ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” ኸኣ በለ። (ማቴ. 24:14) ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ቀቅድሚ ምጥቃሱ፡ ብዛዕባ ምሳሌ እቲ ታለንት ገሊጹ ነበረ። ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ ድማ፡ የሱስ ነቲ ምሳሌ ዝጠቐሶ፡ ነቶም ‘ኣሕዋቱ’ ዝዀኑ ብመንፈስ እተቐብኡ ደቀ መዛሙርቲ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኣት ኪካፈሉ ኸም ዘለዎም ንምጕላሕ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቶም የሱስ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ቕቡኣት፡ ሓደ ኸቢድ ብድሆ ኣጋጠሞም፣ መወዳእታ ቕድሚ ምምጽኡ፡ ን“ዅሎም ኣህዛብ” ኪሰብኩሎም ነበሮም። ኣብ ምሳሌ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን ተገሊጹ ኸም ዘሎ ድማ፡ እቶም ብኣባጊዕ እተመሰሉ ሰባት ንቕቡኣት ይድግፍዎም እዮም። ስለዚ፡ እቶም ከም ኣባጊዕ ዚፍረዱ ሰባት ንኣሕዋት ክርስቶስ ለውሃት ካብ ዜርእዩሉ መገድታት እቲ ቐንዲ፡ ንዓታቶም ኣብ ዕዮ ስብከት ብምድጋፍ እዩ። እዚ ደገፍ እዚ ግና እንታይ እዩ ዜጠቓልል፧ ስጋዊ ሓገዝን ስምዒታዊ ምጽንናዕን ጥራይ ድዩ ዜጠቓልል፡ ወይስ ካልእ እውን ኣለዎ እዩ፧
-