ኣብ ህይወትካ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ መን እዩ፧
“በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል [ኢኻ]።” —መዝ. 83:18።
1, 2. ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ድሕነት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ስም የሆዋ ምፍላጥና ጥራይ ኣኻሊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧
ንፈለማ እዋን ንስም ኣምላኽ ዝረኣኻዮ፡ ኣብቲ ስም ኣምላኽ ዚርከቦ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 83:18 ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዛ፡ “ንስኻ፡ ጐይታ [“የሆዋ፡” NW] ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ” እትብል ጥቕሲ ምስ ኣንበብካ ተገሪምካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ካብታ ስም የሆዋ ዝፈለጥካላ እዋን ኣትሒዝካ፡ ሰባት ነቲ ፈቃር ኣምላኽና የሆዋ ምእንቲ ኺፈልጥዎ፡ በዛ ጥቕሲ እዚኣ ጌርካ ኽትሕግዞም ከም ዝጸዓርካ እውን ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ሮሜ 10:12, 13።
2 ሰባት፡ ስም የሆዋ ኺፈልጡ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ፍልጠት እዚ ጥራይ ንበይኑ ኣኻሊ ኣይኰነን። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንድሕነትና ዜድሊ ኻልእ ኣገዳሲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ኼጕልሕ ከሎ፡ “በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል [ኢኻ]” ኸም ዝበለ ኣስተብህል። የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣምላኽ እዩ። ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረት ብምዃኑ፡ ካብ ኵሎም ፍጡራቱ ምሉእ ተገዛእነት ኪጽበ መሰሉ እዩ። (ራእ. 4:11) ንርእስና፡ ‘ኣብ ህይወተይ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ መን እዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት እምበኣር ግቡእ እዩ። ንመልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ብጥንቃቐ ኽንምርምር ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ገነት ኤድን እተላዕለ ጕዳይ
3, 4. ሰይጣን ንሄዋን ኬታልላ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧
3 ርዝነት እታ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናያ ሕቶ፡ ኣብቲ ኣብ ገነት ኤድን ዘጋጠመ ፍጻመታት ብንጹር ኪርአ ይከኣል እዩ። እቲ ጸኒሑ ሰይጣን ድያብሎስ ዝዀነ ዓለወኛ መልኣኽ፡ ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ዝዀነት ሄዋን፡ ካብቲ የሆዋ ኻብ ፍረ ሓንቲ ኦም ከይትበልዕ ዝሃባ ትእዛዝ ንላዕሊ ንድሌታ ኸተቐድም ኣታለላ። (ዘፍ. 2:17፣ 2 ቈረ. 11:3) ሄዋን በዚ መስድዒ እዚ ተሓብለት፡ ንልዑላውነት የሆዋ ኸም ዘይተኽብር ከኣ ኣርኣየት። እዚ ድማ፡ ንየሆዋ ኣብ ህይወታ ዝያዳ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘይሃበቶ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ሰይጣን ንሄዋን ኬታልላ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧
4 ሰይጣን ኣብቲ ምስ ሄዋን ዝገበሮ ዝርርብ፡ እተፈላለየ ረቂቕ ሜላታት እዩ ተጠቒሙ። (ዘፍጥረት 3:1-5 ኣንብብ።) ቀዳማይ፡ ንስም የሆዋ ኣይተጠቕመን። ንየሆዋ፡ “ኣምላኽ” ጥራይ ኢሉ እዩ ረቚሕዎ። ብኣንጻሩ ግን፡ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ እብራይስጢ፡ እቲ ንመጽሓፍ ዘፍጥረት ዝጸሓፋ ሰብ፡ ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ ኣብ ቍጽሪ ሓደ ንስም የሆዋ ተጠቒምሉ ኣሎ። ስለዚ፡ እቲ ጸሓፊ፡ ንስም ኣምላኽ ክትጥቀመሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚቡ ነይሩ እዩ። ሰይጣን ግን ንስም ኣምላኽ ዘይምርቋሑ፡ ንሄዋን ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ ኣቦኣ ዘለዋ ብሕታዊ ርክብ ከም ዘይትሓስብ ኪገብራ ይጽዕር ስለ ዝነበረ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካልኣይ፡ ሰይጣን ንሄዋን ብዛዕባ ‘ትእዛዝ’ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዚሓትታ፡ ብመሰረት እቲ በዅሪ ጽሑፍ፡ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝበለ ጥራይ እዩ ሓቲትዋ። (ዘፍ. 2:16, 17) ነዚ ረቂቕ መገዲ እዚ ተጠቒሙ፡ ንኣገዳስነት እቲ ኣምላኽ ዘውጸኦ ትእዛዝ ኬነኣእሶ ይፍትን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሳልሳይ፡ ንሄዋን ጥራይ ይዛረባ እኳ እንተ ነበረ፡ ‘ኣይትብልዑዶ ኢሉ እዩ፧’ ዚብል ሓረግ ምጥቃሙ፡ ሄዋን ንገዛእ ርእሳን ንሰብኣያን ወኪላ ኽትዛረብ እትኽእል ኣገዳሲት ሰብ ከም ዝዀነት ገይራ ኸም እትሓስብ ንኺገብራ ይጽዕር ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ ሄዋን ንርእሳን ንሰብኣያን ወኪላ፡ “ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኦም ንበልዕ ኢና” ኢላ መለሰት።
5. (ሀ) ሰይጣን ንሄዋን ኣብ ምንታይ ከም እተተኵር እዩ ገይርዋ፧ (ለ) ሄዋን ካብታ እተኸልከለት ፍረ ብምብላዓ እንታይ ኣርኣየት፧
5 ብዘይካዚ፡ ሰይጣን፡ ኣምላኽ ንኣዳምን ንሄዋንን “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ” ኢሉ ኺእዝዞም ፍትሓዊ ኸም ዘይኰነ ብምእማት፡ ሓቂ እዩ ዚጠዊ ነይሩ። ቀጺሉ ኸኣ፡ ንሄዋን ብዛዕባ ገዛእ ርእሳን “ከም ኣምላኽ” ብምዃን ንዅነታታ ብዛዕባ እተመሓይሸሉ መገድን ከም እትሓስብ ገበራ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ኣብቲ ምስቲ ንዅሉ ነገራት ዝሃባ ኣምላኽ ዘለዋ ርክብ ዘይኰነስ፡ ኣብታ ኦምን ኣብ ፍሬኣን ከም እተተኵር ገበራ። (ዘፍጥረት 3:6 ኣንብብ።) እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ሄዋን ካብታ ፍረ ስለ ዝበልዐት፡ ንየሆዋ ኣብ ህይወታ ዝያዳ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘይሃበቶ ኣርኣየት።
ብግዜ እዮብ እተላዕለ ጕዳይ
6. ሰይጣን ንንጽህና እዮብ ኣብ ሕቶ ዘእተዎ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ ንእዮብ እንታይ ኣጋጣሚ ኸፈተሉ፧
6 ዘመናት ጸኒሑ፡ እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ ኣብ ህይወቱ ዝያዳ ኣገዳሲ ቦታ ዚህቦ ንመን ምዃኑ ንኼርኢ ኣጋጣሚ ረኺቡ ነበረ። የሆዋ ንንጽህና እዮብ ብዚምልከት ንሰይጣን ምስ ተዛረቦ፡ ሰይጣን፡ “እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧” ኢሉ መለሰ። (እዮብ 1:7-10 ኣንብብ።) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ እዮብ ንኣምላኽ ከም ዘይእዘዞ ኣይኰነን ዚኽሕድ ነይሩ፡ የግዳስ ንድራኸታት እዮብ እዩ ኣብ ሕቶ ዜእትዎ ነይሩ። እቲ ኸሳሲ፡ እዮብ ንየሆዋ ዜገልግሎ ዝነበረ፡ ብስስዐ ተደሪኹ እምበር፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኸም ዘይኰነ ገይሩ እዩ ዚጥቅን ነይሩ። ነዚ ኽሲ እዚ ምላሽ ኪህበሉ ዚኽእል ዝነበረ፡ እዮብ ጥራይ እዩ ነይሩ፣ ከምኡ ንኺገብር ከኣ ኣጋጣሚ ተዋህቦ።
7, 8. እዮብ ከመይ ዝኣመሰለ ፈተናታት እዩ ኣጋጢምዎ፧ በቲ ተኣማንነት ዝመልኦ ጽንዓቱ ኣቢሉኸ እንታይ እዩ ኣርእዩ፧
7 የሆዋ ንሰይጣን ኣብ ልዕሊ እዮብ ተኸታታሊ መዓት ንኼውርድ ፈቐደሉ። (እዮ. 1:12-19) እሞኸ እዮብ እዚ ሃንደበታዊ ለውጢ እዚ ምስ ኣጋጠሞ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ብዛዕባኡ፡ “ኣይበደለን፡ ንኣምላኽውን ኣይነቐፎን” ዚብል ነንብብ። (እዮ. 1:22) ሰይጣን ግን በዚ ኣይተረትዐን። ወሲኹ፡ “ቈርበት ኣብ ክንዲ ቈርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” በለ።a (እዮ. 2:4) እቲ ኸሳሲ ንእዮብ፡ ኣካላዊ ስቓይ እንተ ወሪድዎ፡ ንየሆዋ ኣብ ህይወቱ ዝያዳ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘይህቦ ገይሩ ጠቀኖ።
8 እዮብ ብዜስካሕክሕ ሕማም ተወቕዐ፡ ሰበይቱ ኸኣ ንኣምላኽ ክሒዱ ኺመውት ጸቕጢ ገበረትሉ። ጸኒሑ ድማ፡ ሰለስተ ናይ ሓሶት መጸናናዕቲ መጺኦም፡ ብሕማቕ ተግባር ከሰስዎ። (እዮ. 2:11-13፣ 8:2-6፣ 22:2, 3) ይኹን እምበር፡ እዚ ዅሉ መከራ እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ንጽህናኡ ኣየበላሸወን። (እዮብ 2:9, 10 ኣንብብ።) በቲ ተኣማንነት ዝመልኦ ጽንዓቱ ኣቢሉ፡ ንየሆዋ ኣብ ህይወቱ ዝያዳ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዚህቦ ኣርኣየ። ብዘይካዚ፡ ዘይፍጹም ሰብ ብእተወሰነ ደረጃ እውን እንተ ዀነ፡ ነቲ ድያብሎስ ዜቕርቦ ናይ ሓሶት ክስታት መልሲ ኺህበሉ ኸም ዚኽእል ኣመስከረ።—ምስ ምሳሌ 27:11 ኣረኣኢ።
የሱስ ዝሃቦ ፍጹም መልሲ
9. (ሀ) ሰይጣን ንየሱስ ብትምኒት ስጋ ኺፍትኖ ዝጸዓረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ነቲ ፈተና እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧
9 የሱስ ካብ ዚጥመቕ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሰይጣን ንየሱስ፡ ንየሆዋ ኣብ ህይወቱ ዝያዳ ኣገዳሲ ቦታ ኣብ ክንዲ ዚህብ፡ ደድሕሪ ስስዐ ዝመልኦ ትምኒት ንኺስዕብ ኬታልሎ ጸዓረ። ሰለስተ ፈተናታት ከኣ ኣቕረበሉ። ብቐዳምነት፡ ኣብ ትምኒት ስጋ ኸም ዜተኵር ንኺገብሮ ኢሉ፡ ንኣእማን ናብ እንጌራ ኪቕይሮ ፈተኖ። (ማቴ. 4:2, 3) ኣብቲ እዋን እቲ፡ የሱስ ን40 መዓልቲ ስለ ዝጾመ፡ ጠምዩ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ድያብሎስ ንየሱስ፡ ካብ ጥሜቱ ንኺገላገል ኢሉ ነቲ ዝነበሮ ተኣምር ናይ ምግባር ሓይሊ ብዘይ ግቡእ ኪጥቀመሉ ዝደፋፍኦ። የሱስከ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ከም ሄዋን ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ ቃል የሆዋ ብምትኳር፡ ነቲ ዝቐረበሉ ፈተና ብኡንብኡ ነጸጎ።—ማቴዎስ 4:4 ኣንብብ።
10. ሰይጣን ንየሱስ ካብ ገምገም ቤተ መቕደስ ንታሕቲ ገጹ ኺጸድፍ ብድሆ ዘቕረበሉ ስለምንታይ እዩ፧
10 ሰይጣን ንየሱስ እምብዛ ኣብ ጥቕሚ ርእሱ ኸም ዜተኵር ኪገብሮ እውን ፈቲኑ እዩ። ካብ ገምገም ቤተ መቕደስ ንታሕቲ ገጹ ኺጸድፍ ብድሆ ኣቕረበሉ። (ማቴ. 4:5, 6) ዕላማ ሰይጣን እንታይ እዩ ነይሩ፧ እቲ ፈታኒ፡ የሱስ ምስ ወደቐ እንተ ዘይተጐዲኡ፡ “ወዲ ኣምላኽ” ምዃኑ ኸም ዚረጋገጽ እዩ ዚእምት ነይሩ። ድያብሎስ ንየሱስ ኣመና ብዛዕባ ስሙ ኺግደስ ከኣ እዩ ዚደልዮ ነይሩ። እወ፡ ሰይጣን፡ ሓደ ሰብ ብምኽንያት ኵርዓት ወይ ምእንቲ ኸይዋረድ፡ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት እውን ከይተረፈ ኺኣቱ ፍቓደኛ ኸም ዚኸውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ንሱ ንጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ብጌጋ ይጥቀመሉ እኳ እንተ ነበረ፡ የሱስ ግን ንቓል የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይርድኦ ኸም ዝነበረ ኣርእዩ እዩ። (ማቴዎስ 4:7 ኣንብብ።) የሱስ ነቲ ዝቐረበሉ ፈተና ብምንጻግ፡ ንየሆዋ ኣብ ህይወቱ ዝያዳ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዚህቦ ኣርኣየ።
11. ድያብሎስ ንየሱስ፡ ኵለን መንግስትታት ዓለም ከም ዚህቦ እኳ እንተ ነገሮ፡ የሱስ ዝነጸጎ ስለምንታይ እዩ፧
11 ሰይጣን ንየሱስ ንሳልሳይ ሳዕ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ኵለን መንግስትታት ዓለም ከም ዚህቦ ነገሮ። (ማቴ. 4:8, 9) የሱስ ግን ብኡንብኡ ነጸጎ። ነቲ ዝቐረበሉ ሓሳብ ምቕባል፡ ነቲ የሆዋ ኸም ልዑላዊ ጐይታ መጠን ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ካብ ምንጻግ ዘይፍለ ምዃኑ ይርዳእ ነበረ። (ማቴዎስ 4:10 ኣንብብ።) ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ሰይጣን ዘቕረበሉ ፈተና፡ ካብቲ ስም የሆዋ ዚርከቦ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እናጠቐሰ እዩ ዚምልስ ነይሩ።
12. የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ፡ እንታይ ኣጸጋሚ ውሳነ እዩ ዘጋጠሞ፧ ንሕናኸ ኻብኡ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
12 የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ፡ ሓደ ኣጸጋሚ ውሳነ ኣጋጠሞ። ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ፡ ንህይወቱ መስዋእቲ ገይሩ ብፍታው ከም ዜቕርባ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 20:17-19, 28፣ ሉቃ. 12:50፣ ዮሃ. 16:28) ይኹን እምበር፡ ብሓሶት ኪኽሰስን ብሕጊ ኣይሁድ ኪፍረድን ከም ተጻራፊ ኪቕተልን ምዃኑ እውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ኣጨነቖ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ኣቦይ፡ ዚከአል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን” ኢሉ ጸለየ። (ማቴ. 26:39) እወ፡ የሱስ ክሳዕ ሞት እውን ከይተረፈ እሙን ብምዃን፡ ኣብ ህይወቱ ንመን ዝያዳ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዚህብ ኣርእዩ እዩ።
ንሕና እንህቦ መልሲ
13. ክሳዕ ሕጂ ኻብ ሄዋንን እዮብን የሱስ ክርስቶስን እንታይ ተማሂርና፧
13 ክሳዕ ሕጂ እንታይ ኢና ተማሂርና፧ እቶም ከም ሄዋን ኣብ ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ዜተኵሩን ንርእሶም ክብ ኣቢሎም ዚርእዩን ሰባት፡ ንየሆዋ ኣብ ህይወቶም ዝያዳ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘይህብዎ እዮም ዜርእዩ። ብኣንጻሩ ግን፡ ካብቲ እዮብ ንጽህናኡ ብምሕላው ዝሓደጎ ኣብነት፡ ዘይፍጹማት ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ዋላ እውን ንምንጪ እቲ ዜጋጥሞም ጸገማት ምሉእ ብምሉእ ኣይረድእዎ፡ ብተኣማንነት ብምጽማም ንየሆዋ ቐዳምነት ከም ዚህቡ ኼርእዩ ዚኽእሉ ምዃኖም ክንመሃር ንኽእል ኢና። (ያእ. 5:11) ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ኣመና ኣብ ውልቃዊ ኽብሪ ኻብ እነተኵር፡ ሕፍረት ንኼጋጥመና ፍቓደኛታት ክንከውን ይምህረና እዩ። (እብ. 12:2) ነዚ እተመሃርናዮ ትምህርትታት ክንትግብሮ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧
14, 15. የሱስ ነቲ ዘጋጠሞ ፈተና ዝሃቦ ምላሽ ካብ ናይ ሄዋን ዚፍለ ብኸመይ እዩ፧ ንሕናኸ ብኸመይ ንየሱስ ክንቀድሖ ንኽእል፧ (ነቲ ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ ሓሳብ ሃበሉ።)
14 ፈተናታት ንየሆዋ ኸም እትርስዖ ኺገብረካ ኣይተፍቅድ። ሄዋን፡ ኣቓልቦኣ በቲ ዝቐረበላ ፈተና ኺስረቕ ፈቐደት። እታ ፍረ “ምብልዓ ጥዕምቲ፡ ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ፡ ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና” ረኣየት። (ዘፍ. 3:6) እዝስ ካብቲ የሱስ ነቲ ዝቐረበሉ ሰለስተ ፈተናታት ዝሃቦ ምላሽ ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ! ንሱ፡ ክንዮ እቲ ፈተና ይርእን ነቲ ተግባራቱ ዜምጽኦ ሳዕቤን ይሓስበሉን ነይሩ እዩ። ኣብ ቃል ኣምላኽ ተወኪሉን ንስም የሆዋ ተጠቒሙሉን እዩ።
15 ንሕናኸ ንየሆዋ ዜጕሂ ነገራት ንኽንገብር ክንፍተን ከለና፡ ኣብ ምንታይ ኢና እነተኵር፧ ኣብቲ ፈተና ብዘተኰርና መጠን፡ በቲ ፈተና ንኽንወድቕ ዚሓድረና ትምኒት እውን እናሓየለ እዩ ዚኸይድ። (ያእ. 1:14, 15) ስለዚ፡ ነቲ ትምኒት ምእንቲ ኸነወግዶ፡ ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ፡ ምስቲ ንሓደ ኽፋል ኣካልካ ንምውጋድ እትወስዶ ተሪር ስጕምቲ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። (ማቴ. 5:29, 30) ልክዕ ከም የሱስ ኣብቲ ተግባራትና ዜምጽኦ ሳዕቤን ከነተኵር፡ ማለት ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ኽንሓስብ ኣሎና። ብዘይካዚ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ክንዝክር ኣሎና። ከምዚ እንተ ጌርና ጥራይ ኢና፡ ንየሆዋ ኣብ ህይወትና ዝያዳ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዝሃብናዮ ኸነርኢ እንኽእል።
16-18. (ሀ) ተስፋ ኬቝርጸና ዚኽእል ነገራት እንታይ እዩ፧ (ለ) ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ እንታይ እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧
16 ዜጋጥመካ መከራ ኣብ የሆዋ ኸም እተንጸርጽር ኪገብረካ ኣይተፍቅድ። (ምሳ. 19:3) መወዳእታ እዛ እክይቲ ዓለም እናቐረበ ኣብ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ንብዙሓት ህዝቢ የሆዋ፡ ሓዘንን መከራን የጋጥሞም ኣሎ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ተኣምራዊ ዕቝባ ኺግበረልና ዘይንጽበ እኳ እንተ ዀንና፡ እነፍቅሮ ሰብ ኪመውት ከሎ ወይ መከራ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ከም እዮብ ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን።
17 ከምቲ እዮብ፡ የሆዋ ገሊኡ ነገራት ኬጋጥም ዝፈቐደሉ ምኽንያት ዘይተረድኦ፡ ንሕና እውን ሓድሓደ ግዜ ሕማቕ ነገራት ዜጋጥመሉ ምኽንያት ኣይርድኣናን ይኸውን። ምናልባት ብዛዕባ እቶም ኣብ ከም ሀይቲ ዝኣመሰለ ቦታታት ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ይኹን ብኻልእ ባህርያዊ ሓደጋ ዝሞቱ እሙናት ኣሕዋትና ሰሚዕና ንኸውን፣ ወይ ከኣ ዓመጻ ዘጋጠሞ ወይ ሓደጋ ኣጋጢምዎ ዝሞተ ንጽህናኡ ዝሓለወ ኣስፋሒ ንፈልጥ ንኸውን፣ ወይ እውን ንሕና ንባዕልና ብዜጨንቕ ኵነታት ተዋሒጥና ወይ ዘይፍትሓዊ ነገራት ኣጋጢሙና ይኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብልብና፡ “ኣታ የሆዋ፡ ስለምንታይ እዩ እዚ ዚወርደኒ ዘሎ፧ እንታይ እየ በዲለ፧” ንብል ንኸውን። (ኣን. 1:2, 3) ከምዚ ኺስምዓና ኸሎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
18 እዚ ዅሉ ዘጋጠመና፡ ስምረት የሆዋ ብምስኣንና ኸም ዝዀነ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። የሱስ ብዛዕባ ኣብ ግዜኡ ዘጋጠመ ኽልተ ዜሕዝን ፍጻመ ኺገልጽ ከሎ፡ ነዚ ነጥቢ እዚ ኣጕሊሕዎ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 13:1-5 ኣንብብ።) መብዛሕትኡ ሓደጋታት፡ “ጊዜን ኣጋጣምን” እዩ ዜምጽኦ። (መክ. 9:11) ኰይኑ ግን፡ ጠንቂ ጓሂና ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ኣብቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” እንተ ኣተኲርና፡ ክንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ ንሱ ተኣማንነትና ንኽንሕሉ ዜኽእለና ብርታዐ ይህበና እዩ።—2 ቈረ. 1:3-6።
19, 20. የሱስ ዜሕስር ኵነታት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ንኺጽመም ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ንዓናኸ ንኽንጽመም ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧
19 ኵርዓት ወይ ንኸይትዋረድ ዘሎካ ፍርሂ ኺዕብልለካ ኣይተፍቅድ። የሱስ ትሑት ስለ ዝነበረ፡ “መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ።” (ፊል. 2:5-8) ሓያሎ ዜሕስር ኵነታት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ኺጽመም ዝኸኣለ፡ ኣብ የሆዋ ብምውካሉ እዩ። (1 ጴጥ. 2:23, 24) በዚ ኸምዚ ፍቓድ የሆዋ ስለ ዘቐደመ፡ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል በለ። (ፊል. 2:9-11) ንደቀ መዛሙርቱ እውን፡ ከምቲ ናቱ ዓይነት ህይወት ኪመርሑ ተማሕጸኖም።—ማቴ. 23:11, 12፣ ሉቃ. 9:26።
20 እቲ ሓድሓደ ግዜ ዜጋጥመና ፈተናታት፡ ዜሸቝርር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ የሆዋ እምንቶ ኺህልወና ይግባእ። ጳውሎስ፡ “ብምኽንያቱውን እየ እዚ ሓሳር እዚ ዝጸግብ ዘሎኹ፡ ግናኸ ብመን ከም ዝአመንኩ እፈልጥ እየ፡ ነቲ ገንዘብ ሕድሪውን ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ምሕላዉ ኸም ዚከአሎ ተረዲኤዮ አሎኹ እሞ፡ ኣይሐፍርን እየ” በለ።—2 ጢሞ. 1:12።
21. መብዛሕትኦም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ጥቕሚ ርእሶም ዜቐድሙ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንስኻ ግን እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧
21 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ግዜና ኺንበ ኸሎ፡ “ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም” ይብል። (2 ጢሞ. 3:2) ጥቕሚ ርእሶም ጥራይ ብዜቐድሙ ሰባት ተኸቢብና ምህላውና እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኸይንጽሎ ንጠንቀቕ! ፈተና፡ መከራ፡ ወይ ዜሕፍር ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንየሆዋ ኣብ ህይወትና ዝያዳ ኣገዳሲ ቦታ ኸም እንህቦ ነርኢ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኦም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት፡ እታ “ቈርበት ኣብ ክንዲ ቈርበት” እትብል መግለጺት፡ እዮብ ቈርበቱ ወይ ህይወቱ ምእንቲ ኼድሕን፡ ብስስዐ ተደሪኹ ንቘርበት ደቁን ንቘርበት እንስሳታቱን፡ ማለት ንህይወቶም ኣሕሊፉ ኺህብ ፍቓደኛ ኸም ዚኸውን እትሕብር ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ገሊኦም ከኣ፡ እታ መግለጺት፡ ሓደ ሰብ ንህይወቱ ዜድሕነሉ እንተ ዀይኑ፡ ንገለ ኻብ ቈርበቱ ኣሕሊፉ ኺህብ ፍቓደኛ ኸም ዚኸውን እትሕብር ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ርእሱ ኸይውቃዕ ንምክልኻል፡ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ስለ ዚገብር፡ ቈርበቱ ንምድሓን ንገለ ኻብ ቈርበቱ ይህብ። እቲ ምሳልያዊ ኣገላልጻ ዘለዎ ትርጕም እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ እዮብ ህይወቱ ንምድሓን ዝዀነ ይኹን ነገር ንኺህብ ፍቓደኛ ኸም ዚኸውን ዜመልክት እዩ።
ካብዚ ዚስዕብ እንታይ ንመሃር፧
• ሰይጣን ንሄዋን ዘታለለሉ መገዲ
• እዮብ መከራ ምስ ኣጋጠሞ ዝሃቦ ምላሽ
• ንየሱስ ኣዝዩ ዜገድሶ ዝነበረ ነገር
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ሄዋን ንየሆዋ ኣብ ህይወታ ኣገዳሲ ቦታ ኣይሃበቶን
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ንፈተናታት ሰይጣን ነጺጉ፡ ፍቓድ የሆዋ ኣብ ምግባር ኣተኰረ
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ድሕሪ እቲ ኣብ ሀይቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ ደድንኳን እናኸድካ እተዋህበ ምስክርነት
ዜጕሂ ነገራት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣብቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ከነተኵር ንኽእል ኢና