-
ከመይ ጌርና ኢና ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ንጹሃት ክንከውን እንኽእል፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
4. ሕማቕ ልማዳት ኣሰንፍ
ሽጋራ እተትክኽ ወይ ሓሽሽ እትወስድ እንተ ዄንካ፡ ነዚ ልማድ እዚ ምውጋድ ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ። እሞ ደኣ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ እቲ ልማድ እቲ ብኸመይ ከም ዚጸልወካ ኣብ ግምት ኣእቱ። ማቴዎስ 22:37-39 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ ትምባኾ ወይ ሓሽሽ ነዚ ዚስዕብ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ተመያየጡሉ፦
ነቲ ሓደ ሰብ ምስ የሆዋ ዘለዎ ዕርክነት
ንስድራ እቲ ሰብ ወይ ኣብ ዙርያኡ ንዘለዉ ሰባት
ሕማቕ ልማዳት ንምስናፍ መደብ ኣውጽእ።a ቪድዮ ኣጻውት።
ፊልጲ 4:13 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ከም ጸሎትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣኼባታትን ዝኣመሰለ ጽቡቕ ልማድ፡ ሕማቕ ልማድ ንምስናፍ ዚሕግዝ ብኸመይ እዩ፧
5. ምስ ርኹስ ሓሳባትን ልማዳትን ተቓለስ
ቈሎሴ 3:5 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ስእለ ጽዩፍን ሰክስቲንግንb ግብረ ሕቡእን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ርኹስ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧
የሆዋ ብስነ ምግባር ንጹሃት ክንከውን ምጽባዩስ ግቡእዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧
ምስ ርኹስ ሓሳባት ብኸመይ ከም እትቃለስ ርአ። ቪድዮ ኣጻውት።
የሱስ፡ ስነ ምግባራዊ ንጽህናና ንምሕላው ቈራጽ ስጕምቲ ኽንወስድ ከም ዘሎና ኺሕብር ኢሉ ምሳሌ ተጠቒሙ ኣሎ። ማቴዎስ 5:29, 30 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
የሱስ ንኣካላትና ኽንጐድእ ማለቱ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ስጕምቲ ኽንወስድ ከም ዘሎና ግና ሓቢሩ እዩ። ሓደ ሰብ፡ ርኹስ ሓሳባት ንምውጋድ እንታይ ቈራጽ ስጕምቲ ኺወስድ ይኽእል፧c
ንርኹስ ሓሳባት ከተሰንፍ ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ የሆዋ ንጻዕርታትካ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። መዝሙር 103:13, 14 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ምስ ርኹስ ልማድ ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብቐጻሊ ኽትቃለስ እተተባብዓካ ብኸመይ እያ፧
እንተ ደጊሱካ፡ ተሳዒርካ ማለት ኣይኰነን!
‘ኣይተዓወትኩን፣ ስለዚ ኢደይ እንተ ሃብኩ ይሓይሽ’ ኢልካ ምሕሳብ ቀሊል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነዚ እሞ ሕሰበሉ፦ ሓደ ጐያዪ ተዓንቂፉ እንተ ዚወድቕ፡ ኣብቲ ቕድድም ይስዓር ማለት ኣይኰነን፣ ከም ብሓድሽ ካብ መጀመርታ ኺጅምር እውን ኣየድልዮን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሕማቕ ልማድካ እንተ ደጊሱካ፡ ንምስናፉ ኣብ እትገብሮ ቓልሲ ተሳዒርካ ማለት ኣይኰነን። ንዅሉ እቲ ኽሳዕ ሕጂ እትገብሮ ዝነበርካ ምምሕያሽ እውን ኣይስርዞን እዩ። ልማድካ ኺደግሰካ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ክፍሊ እቲ ንምጥዓይ እትገብሮ ጕዕዞ እዩ። ኣይትተሓለል! ብሓገዝ የሆዋ፡ ነቲ ሕማቕ ልማድ ከተሰንፎ ትኽእል ኢኻ።
-
-
ክርስትያናት ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ይግባእ፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
6. ምብዛሕ መስተ ሕደጎ
ሓደ ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ዚሰቲ ሰብኣይ፡ ነዚ ብኸመይ ከም ዝሓደጎ ርአ። ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ኣብታ ቪድዮ፡ ኣልኮላዊ መስተ ንድሚትሪ ብኸመይ ጸልይዎ፧
ብኡብኡ ምስታይ ኪሓድጎ ኽኢሉዶ፧
ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተኡ ብኸመይ ሓዲግዎ፧
ቀዳማይ ቈረንቶስ 6:10, 11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ስኽራን ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣኽቢድካ ኺርአ ዚግባእ፧
ኣልኮላዊ መስተ ዜብዝሕ ሰብ ኪቕየር ከም ዚኽእል ዜርኢ እንታይ እዩ፧
ማቴዎስ 5:30 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ኢድ ምቝራጽ ኪብሃል ከሎ፡ ንየሆዋ ባህ ከተብል ኢልካ መስዋእቲ ኽትገብር ከም ዘሎካ የመልክት። ምስ ኣልኮላዊ መስተ ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧a
ቀዳማይ ቈረንቶስ 15:33 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ኣዕሩኽካ ኣብቲ እትሰትዮ መጠን እንታይ ጽልዋ ኺህልዎም ይኽእል፧
-