መንፈስ ቅዱስ፡ ብፈተና ንኸይንወድቕን ተስፋ ንኸይንቘርጽን ሓይሊ ይህበና
“መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ . . . ኢኹም።”—ግብ. 1:8።
1, 2. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ሓገዝ ከም ዚወሃቦም እዩ እተመባጽዓሎም፧ እቲ ሓገዝ ዜድልዮም ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧
የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ንዅሉ እቲ ዝኣዘዞም ነገራት ብናይ ገዛእ ርእሶም ብርታዐ ኪሕልውዎ ኸም ዘይክእሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስፍሓት ዕዮኦም፡ ዓቕሚ ተጻረርቶም፡ ከምኡውን ድኽመት ስጋዊ ኣካላቶም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ልዕለ-ሰብኣዊ ዝዀነ ሓይሊ ኸም ዜድልዮም ንጹር እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ፡ የሱስ ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ኢሉ ኣረጋገጸሎም።—ግብ. 1:8።
2 ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. መንፈስ ቅዱስ ንሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ንየሩሳሌም ብስብከቶም ኪመልእዋ ሓይሊ ምስ ሃቦም፡ እቲ መብጽዓ ኺፍጸም ጀመረ። ዝዀነ ይኹን ምጽራር ድማ ደው ኬብሎም ኣይከኣለን። (ግብ. 4:20) እሙናት ሰዓብቲ የሱስ፡ እንተላይ ንሕና፡ “ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ፡” ከምዚ ዝኣመሰለ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ ብርታዐ የድልየና እዩ።—ማቴ. 28:20።
3. (ሀ) ኣብ መንጎ መንፈስ ቅዱስን ሓይልን ዘሎ ፍልልይ ግለጽ። (ለ) ካብ የሆዋ እንረኽቦ ሓይሊ እንታይ ንኽንገብር ይሕግዘና፧
3 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ . . . ኢኹም” በሎም። እተን “መንፈስ”ን “ሓይሊ”ን ዚብላ ቓላት፡ እተፈላለየ ትርጕም እዩ ዘለወን። መንፈስ ኣምላኽ፡ ማለት ንጡፍ ሓይሉ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንኺፍጸም ብርታዐን ሓይልን ዚህብ ጸዓት እዩ። ሓይሊ ግን፡ “ስጕምቲ ናይ ምውሳድ ወይ ሓደ ነገር ናይ ምፍራይ ክእለት” እዩ ዜመልክት። እዚ ሓይሊ እዚ፡ ሓደ ነገር ኬፍሪ እንተ ዘይተደልዩ ኺዕቈር ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስቲ ንባትሪ ጕልበት ዚህብ ኤለክትሪክ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ፣ ሓይሊ ግን፡ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ባትሪ ዚዕቈር ጸዓት እዩ። እቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ዚህቦም ሓይሊ፡ ክርስትያናዊ ወፈያና ንኽንፍጽም፡ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከኣ ነቲ ዚግበረልና ጽልዋታት ንኽንቃወም ክእለት ይህበና።—ሚክያስ 3:8፣ ቈሎሴ 1:29 ኣንብብ።
4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧
4 እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ዚወሃበና ሓይሊ ዚግለጽ ብኸመይ እዩ፧ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት እንወስዶ ስጕምቲ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ከነገልግሎ ኽንጽዕር ከለና፡ ብሰንኪ ሰይጣን፡ ብሰንኪ እዚ እንነብረሉ ዘለና ስርዓት፡ ወይ ከኣ ብሰንኪ ዘይፍጽምና ብዙሕ ዕንቅፋት የጋጥመና እዩ። ምእንቲ ኸይንሕለል፡ ኣብ ኣገልግሎት ወትሩ ምእንቲ ኽንካፈል፡ ከምኡውን ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ምእንቲ ኺህልወና፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕንቅፋታት ክንሰግሮ ኣሎና። መንፈስ ቅዱስ፡ ብፈተና ንኸይንወድቕን ንኸይንደክምን ተስፋ ንኸይንቘርጽን ብኸመይ ከም ዚሕግዘና እስከ ንርአ።
መንፈስ ቅዱስ፡ ብፈተና ንኸይንወድቕ ሓይሊ ይህበና
5. ጸሎት ኬሐይለና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
5 የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና” ኢሎም ኪጽልዩ መሃሮም። (ማቴ. 6:13) የሆዋ ኸምዚ ኢሎም ንዚጽልዩ እሙናት ኣገልገልቱ ኣይጥንጥኖምን እዩ። የሱስ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ “እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 11:13) የሆዋ፡ ጽድቂ ንኽንገብር ዜኽእለና ሓይሊ ኸም ዚህበና ተመባጺዑ ምህላዉስ ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኻብ ፈተና ይባልሃና እዩ ማለት ኣይኰነን። (1 ቈረ. 10:13) ኰይኑ ግን፡ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ፡ ብትግሃት ክንጽሊ ኣሎና።—ማቴ. 26:42።
6. የሱስ ንፈተናታት ሰይጣን ዝሃቦ ምላሽ ኣብ ምንታይ እተመርኰሰ እዩ ነይሩ፧
6 የሱስ ብድያብሎስ ምስ ተፈተነ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እናጠቐሰ መለሰሉ። ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ኺዛረብ ከሎ፡ ቃል ኣምላኽ ብንጹር ኣብ ኣእምሮኡ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እዩ፦ “ጽሑፍ እዩ፡ . . . ድማ ጽሑፍ አሎ፡ . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ፡ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን።” የሱስ በቲ ንየሆዋን ንቓሉን ዝነበሮ ፍቕሪ ተደሪኹ፡ ነቲ እቲ ፈታኒ ዘቕረበሉ መህረሪ ነጸጎ። (ማቴ. 4:1-10) ነቲ ዝቐረበሉ ፈተናታት ብተደጋጋሚ ምስ ተዋጽኣሉ፡ ሰይጣን ሓዲግዎ ኸደ።
7. መጽሓፍ ቅዱስ ንፈተናታት ንምቅዋም ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
7 የሱስ ንፈተናታት ሰይጣን ንምቅዋም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ተመርኰሰ፡ ንሕና ግዳ ኸመይ ከምኡ ኽንገብር ዘይግብኣና! ንስርዓታት ኣምላኽ ክንፈልጦን ምሉእ ብምሉእ ክንስዕቦን እንተ ቘሪጽና፡ ንድያብሎስን ንወኪላቱን ክንጻረሮም ንኽእል ኢና። ብዙሓት ሰባት ንቕዱሳት ጽሑፋት ምስ ኣጽንዑ፡ ንጥበብን ጽድቅን ኣምላኽ ድማ ምስ ተረድኡ፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪነብሩ ተደሪኾም እዮም። ብሓቂ እምበኣር፡ “ቃል ኣምላኽ” “ምሕላንን ሓሳብ ልብን” ኪፈልጥ ዚኽእል መስለጢ ስለ ዝዀነ፡ ሓይሊ ኺህብ ይኽእል እዩ። (እብ. 4:12) ሓደ ሰብ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብዝያዳ ብዘንበበን ብዘስተንተነን መጠን፡ ብዝያዳ ናብቲ ‘የሆዋ ዘለዎ ሓቅነት ኬቕልብ’ ይኽእል እዩ። (ዳን. 9:13) ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ድኽመታትና ዚተሓሓዝ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኸነስተንትን ኣሎና።
8. መንፈስ ቅዱስ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
8 የሱስ ንፈተናታት ኪቃወም ዝኸኣለ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ” እውን ስለ ዝነበረ እዩ። (ሉቃ. 4:1) ንሕና እውን ተመሳሳሊ ብርታዐን ክእለትን ምእንቲ ኺህልወና፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበሮ መሰናድዎ ምሉእ ብምሉእ ተጠቒምና ናብኡ ኽንቀርብ ኣሎና። (ያእ. 4:7, 8) እቲ መሰናድዎ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ጸሎትን ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ምሕባርን የጠቓልል። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን እውን፡ ኣእምሮኦም ኣብ ዚሃንጽ መንፈሳዊ ሓሳባት ኬተኵር ዚሕግዞም ክርስትያናዊ ንጥፈታት ዝሓቘፈ መደብ ምውጻእ ጠቓሚ ምዃኑ ርእዮምዎ እዮም።
9, 10. (ሀ) ገለ ኻብቲ ንክርስትያናት ዜጋጥሞም ልሙድ ዝዀነ ፈተናታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ እትደኽመሉ እዋን ምስትንታንካን ምጽላይካን፡ ንፈተና ንኽትቃወሞ ሓይሊ ዚህበካ ብኸመይ እዩ፧
9 ምስ ከመይ ዝኣመሰለ ፈተናታት ኢኻ እትቃለስ ዘለኻ፧ እተመርዓኻ እንተ ዄንካ፡ መጻምድትኻ ምስ ዘይኰነ ሰብ ክትኳሸም ተፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ዘይተመርዓኻ እንተ ዄንካ፡ ምስ ዘይኣማኒ ክትተዓራረኽ ተፈንቲንካዶ ትፈልጥ፧ ክርስትያናት፡ ተለቪዥን ወይ ኢንተርነት ኪርእዩ ኸለዉ፡ ብሃንደበት ዘይንጹህ ነገር ኪርእዩ ይፍተኑ ይዀኑ። ከምዚ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ሽዑ፡ እንታይ ስጕምቲ ወሲድካ፧ ሓደ ጌጋ ኻልእ ጌጋ ኸም ዚወልድ፡ እዚ ኸኣ ውዒሉ ሓዲሩ ኸቢድ በደል ናብ ምፍጻም ከም ዜብጽሕ ምሕሳብካ ኣዝዩ ጥበባዊ እዩ። (ያእ. 1:14, 15) ዘይእሙን ምዃን፡ ኣብ የሆዋን ኣብታ ጉባኤን ኣብ ስድራ ቤትካን ብዛዕባ ዜምጽኦ ጓሂ እውን ሕሰብ። ንጹህ ሕልና ኺርከብ ዚከኣል፡ ንስርዓታት ኣምላኽ ብተኣማንነት ብምስዓብ እዩ። (መዝሙር 119:37፣ ምሳሌ 22:3 ኣንብብ።) ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዓይነት ፈተናታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ንኽትቃወሞ ዜኽእለካ ብርታዐ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ጸሊ።
10 ብዛዕባ እቲ ድያብሎስ ዘምጽኦ ፈተናታት ኽንርስዖ ዘይብልና ኻልእ ነጥቢ እውን ኣሎ። የሱስ ን40 መዓልቲ ኣብ በረኻ ድሕሪ ምጻሙ እዩ ሰይጣን ናብኡ መጺኡ። ድያብሎስ፡ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ንንጽህና የሱስ ዚፍትነሉ ምሹእ ‘ግዜ’ ኸም ዝዀነ ገይሩ ሓሲቡ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣየጠራጥርን እዩ። (ሉቃ. 4:13) ንንጽህናና ንምፍታን እውን ምሹእ ግዜ የናዲ እዩ። ስለዚ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ክንከውን ኣሎና። ሰይጣን መጥቃዕቲ ዚፍኑ፡ ግዳዩ ደኺሙ ኸሎ ስለ ዝዀነ፡ ዝደኸምና ወይ ተስፋ ዝቘረጽና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ የሆዋ ምእንቲ ኼዕቊበናን መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺህበናን ብዝያዳ ኽንልምኖ ኣሎና።—2 ቈረ. 12:8-10።
መንፈስ ቅዱስ፡ ንኸይንደክምን ተስፋ ንኸይንቘርጽን ሓይሊ ይህበና
11, 12. (ሀ) ሎሚ ዘለዉ ሰባት ተስፋ ዚቘርጹ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ተስፋ ንኸይንቘርጽ ሓይሊ ዚህበና እንታይ እዩ፧
11 ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ንቘርጽ ኢና። እዚ ብፍላይ ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ጸቕጢ ዝበዝሖ እዋን ሓቂ እዩ። ምናልባት ደቂ ሰብ ካብ ዝረኣይዎ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዋን ኢና እነሕልፍ ዘለና። (2 ጢሞ. 3:1-5) ኣርማጌዶን ይቐርብ ስለ ዘሎ፡ ቍጠባውን ስምዒታውን ጸቕጥታት እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ። ገሊኦም ሰባት ንስድራ ቤቶም ኪናብዩ ኣዝዮም እንተ ተጸገሙ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። እወ፡ ይደኽሙ፡ ጾር ይኸብዶም፡ ይሕለሉ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ሓይሎም ይጽንቀቕ እዩ። ከምዚ ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ ብኸመይ ነቲ ጸቕጢ ኽትዋጽኣሉ ትኽእል፧
12 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ሓጋዚ፡ ማለት ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚህቦም ተመባጺዑ ምንባሩ ዘክር። (ዮሃንስ 14:16, 17 ኣንብብ።) እዚ መንፈስ እዚ፡ ኣብ መላእ ዩኒቨርስ ዝበርትዐ ሓይሊ እዩ። የሆዋ ብእኡ ኣቢሉ፡ ንዝዀነ ይኹን ፈተና ብጽንዓት ክንሰግር ዜኽእለና ብርታዐ፡ “እምብዛ ኣዕዚዙ” ኺህበና ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 3:20) ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገለጾ ድማ፡ ኣብቲ መንፈስ እንተ ተመርኲስና፡ ምንም እኳ “ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ” እንተ ዀንና፡ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኽንረክብ ኢና። (2 ቈረ. 4:7, 8) የሆዋ ንውጥረት ከም ዜወግዶ ዘይኰነስ፡ ንኽንጻወሮ ዜኽእለና ብርታዐ ብመንፈሱ ኣቢሉ ኸም ዚህበና እዩ ተመባጺዑ።—ፊል. 4:13።
13. (ሀ) ሓንቲ ጐርዞ ምስቲ ዘጋጠማ ኣጸጋሚ ዅነታት ክትቃለስ ዜኽእላ ሓይሊ ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧ (ለ) ተመሳሳሊ ኣብነት ትፈልጥዶ፧
13 ነታ እስቴፋን ዝስማ ጓል 19 ዓመት ስርዕቲ ፈላሚት እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ጓል 12 ኸላ ወቕዒ ኣጋጠማ፡ ኣብ ሓንጎላ ጥረ ኸም ዘለዋ ድማ ተፈልጠ። ካብ ሽዑ ኣትሒዛ፡ ክልተ ግዜ መጥባሕቲ ገበረት፣ ብጸርጊ ዚግበር ሕክምና ተገብረላ፣ መሊሱ ኽልተ ሳዕ ወቕዒ ኣጋጠማ፣ ብሰንኪ እዚ ብጸጋማይ ጐድና ዳርጋ ልምስቲ ዀነት፡ ኣነጺራ እውን ክትርኢ ኣይትኽእልን እያ። ኣብቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ገይራ እትርእዮ ኸም ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ወፍሪ ኣገልግሎትን ዝኣመሰለ ንጥፈታት ምእንቲ ኽትካፈል፡ ሓይላ ትቝጥብ እያ። ኰይኑ ግን፡ መንፈስ የሆዋ ብብዙሕ መዳያት ንኽትጸንዕ ዝሓገዛ ዀይኑ እዩ ዚስምዓ። ኣብ እትድቈሰሉ እዋን፡ ብዛዕባ ክርስትያን ብጾት ዚገልጽ ተመክሮታት ሒዙ ዚወጽእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ብምንባብ ትተባባዕ እያ። ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ደብዳበታት ብምልኣኽ፡ ቅድሚ ኣኼባን ድሕሪኡን ድማ ዜተባብዕ ነገራት ብምንጋር ይድግፍዋ እዮም። ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት እውን፡ ነቲ ንሳ እትምህሮም ትምህርቲ ኸም ዜማስዉሉ ንምርኣይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ናብ ቤታ ይኸዱ እዮም። እስቴፋን፡ እዚ ዅሉ ስለ ዚገብረላ ንየሆዋ ተመስግኖ እያ። ኣዝያ እትፈትዋ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዝሙር 41:3 እያ፣ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብኣ እተፈጸመት ኰይኑ እዩ ዚስምዓ።
14. ተስፋ ኽንቈርጽ ከለና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘይብልና፧ ስለምንታይከ፧
14 ክንደክም ከለና ወይ ጸቕጢ ኺወርደና ኸሎ፡ ምስዚ ጸገም እዚ ንምቅላስ፡ ንገሊኡ መንፈሳዊ ንጥፈታትና ኸነቋርጾ ኽንሓስብ የብልናን። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ዝኸፍአ ነገር ኪኸውን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ዜሐይለና መንፈስ ቅዱስ ክንረክብ እንኽእል፡ ካብ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብስድራ ቤት ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ወፍሪ ኣገልግሎትን ኣኼባታትን ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ንጥፈታት እዩ። ክርስትያናዊ ንጥፈታት ወትሩ ዜሐድስ እዩ። (ማቴዎስ 11:28, 29 ኣንብብ።) መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ኣኼባ ኺመጹ ኸለዉ ደኺሞም እኳ እንተ ነበሩ፡ ናብ ቤቶም ኪምለሱ ኸለው ግን፡ መንፈሳዊ ባትሪኦም እንደገና መሊኡ ተሓዲሶም እዮም ዚኸዱ።
15. (ሀ) የሆዋ፡ ህይወት ሓደ ክርስትያን ቀሊል ከም ዚኸውን ተመባጺዑ ድዩ፧ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግለጽ። (ለ) ኣምላኽ እንታይ እዩ ተመባጺዑልና፧ እዚኸ እንታይ ሕቶ የበግስ፧
15 ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ ክርስትያን ወደ መዝሙር ምዃን ቀሊል እዩ ማለት ኣይኰነን። እሙን ክርስትያን ምዃን ጻዕሪ ይሓትት እዩ። (ማቴ. 16:24-26፣ ሉቃ. 13:24) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ንዝደኸመ ብርታዐ ኺህብ ይኽእል እዩ። ነብዪ ኢሳይያስ፡ “እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ . . . ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን” ኢሉ ጸሓፈ። (ኢሳ. 40:29-31) ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ዘጋጠመና መንፈሳዊ ድኻም እንታይ ምዃኑ ንገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና።
16. ድኻምን ተስፋ ምቝራጽን ካብ ዜምጽእ ነገራት ንምርሓቕ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
16 ቃል የሆዋ፡ “እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ” ኢሉ ይምሕጸነና እዩ። (ፊል. 1:10) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናዊ ናብራ ምስ ነዊሕ ዝርሕቀቱ ጕያ ኣመሳሰሎ፣ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ድማ፡ “ንዅሉ ዚኸብደና . . . ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ” ኢሉ ተላበወ። (እብ. 12:1) እቲ ኼመሓላልፎ ዝደለየ ነጥቢ፡ ካብ ዚኸብደናን ዜድክመናን ነገራት ክንርሕቕ እዩ። ምናልባት ገሌና ብዙሕ ነገራት ክንዓምም ንጽዕር ንኸውን። ስለዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንደክምን ጸቕጢ ዚበዝሓናን እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ዓለማዊ ስራሕና ኽንደይ እዋን ከም እነሕልፍ፡ ንኽንዘናጋዕ ኢልና ኽንደይ ሳዕ ከም እንጐዓዝ፡ ከምኡውን ኣብ ስፖርትን ካልእ ናይ ዕረፍቲ ንጥፈታትን ክንደይ ግዜ ኸም እነሕልፍ ንመርምር። ርትዓውነትን ትሕትናን፡ ዓቕምና ንኽንፈልጥን ኣብ ዘየድሊ ንጥፈታት ግዜና ንኸይነጥፍእን ኪድርኸና ኣለዎ።
17. ገሊኦም ተስፋ ዚቘርጹ ስለምንታይ እዮም፧ የሆዋ ግን እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂቡ ዘሎ፧
17 ገሊኦም ሰባት፡ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኣብቲ ዝሓሰብዎ እዋን ብዘይምምጻኡ ተስፋ ቘሪጾም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ. 13:12) ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዚስምዖ ሰብ፡ በተን ኣብ ኣንባቆም 2:3 ዚርከባ፡ “እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፡ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፡ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፡ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ” ዚብላ ቓላት ኪተባብዑ ይኽእሉ እዮም። ጥፍኣት እዚ ስርዓት እዚ፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ኸም ዚመጽእ የሆዋ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።
18. (ሀ) ኣየናይ መብጽዓ እዩ ብርታዐ ዚህበካ፧ (ለ) እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እትጠቕመና ብኸመይ እያ፧
18 ኵሎም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ነታ ድኻምን ተስፋ ምቝራጽን ዚውገደላ፡ ኵሉ ሰብ ድማ ናብ “ጕብዝናኡ” ዚምለሰላ መዓልቲ ኺርእዩ ይህንጠዩ እዮም። (እዮ. 33:25) ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ዜበራትዕ መንፈሳዊ ንጥፈታት ክንካፈል ከለና፡ ውሽጥና ብመንፈስ ቅዱስ ኪሕይል ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 4:16፣ ኤፌ. 3:16) ድኻም፡ ዘለኣለማዊ በረኸት ካብ ምርካብ ዕንቅፋት ኪዀነካ ኣይተፍቅድ። ብሰንኪ ድኻም ይኹን ብሰንኪ ተስፋ ምቝራጽ ዜጋጥም ዝዀነ ይኹን ፈተና፡ ምሕላፉ ኣይተርፎን እዩ፣ ብኡብኡ እኳ እንተ ዘይሓለፈ፡ ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ግን ኣይኪህሉን እዩ። ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ መንፈስ ቅዱስ ንክርስትያናት፡ መስጐጕቲ ንኺጻወሩ፡ ጐዳኢ ጸቕጢ መዛኑ ንኺቃወሙ፡ ከምኡውን ካልእ ብዙሕ ጸበባ ንኺጽመሙ ብኸመይ ሓይሊ ኸም ዚህቦም ክንምርምር ኢና።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓይሊ ዚህበና ብኸመይ እዩ፧
• ጸሎትን ምስትንታንን ሓይሊ ዚህበና ብኸመይ እዩ፧
• ተስፋ ኻብ ዜቝርጽ ነገራት ክትርሕቕ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብመንፈስ የበራትዓና