ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ነቲ ዘሎ ሓድነት ዓቅብዎ
“ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ . . . እናተጋደልኩም: ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም [ብምቛም ] . . . ሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን። ”—ፊልጲ 1:27
1. ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ዓለምን እንታይ ምንጽጻር ኢዩ ዘሎ፧
እዚኣተን እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢየን። ብሓቂ “ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ” (ትሓዓ) ምዃኑውን ኣየጠራጥርን ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መንጎኦም ሰላምን ሓድነትን ስለ ዘለዎም ኣብዚ ዘይርጉእ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ሒዙ ዘሎ “ዘመን መወዳእታ:” ካብ ካልኦት ተፈልዮም ይርኣዩ ኣለዉ። (ዳንኤል 12:4) ይኹን እምበር: ነፍሲ ወከፍ ምስታ ዓለምለኻዊት ስድራቤት ኣምለኽቲ የሆዋ ዘሎ ውልቀ-ሰብ ነዚ ሓድነት እዚ ንምዕቃብ ኣጸቢቑ ክጽዕር የድልዮ።
2. ጳውሎስ ብዛዕባ ሓድነት ምዕቃብ እንታይ ኢዩ ዝበለ: እንታይ ንዝብል ሕቶኸ ኢና እንመያየጠሉ፧
2 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ብጾቱ ክርስትያናት ሓድነት ክዕቅቡ ምዒድዎም ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካብቶም ተጻረርቲ ብሓደ ነገር እኳ ኸይሰምበድኩም: እዚ ንኣታቶም ንጥፍኣት: ንኣኻትኩም ግና ንምድሓን ምልክት እዩ: እዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ እዩ: መጺኤ ኽርእየኩም እንተ ዀይነ ወይስ ከየሎኹ: ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ እናተጋደልኩም: ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም ከም እትቘሙ ምእንቲ ኽሰምዕ: ሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን።” (ፊልጲ 1:27, 28) ቃላት ጳውሎስ: ከም ክርስትያናት ኴንና ሓቢርና ክንዓዪ ከም ዘሎና ኢየን ኣነጺረን ዝነግራና። ስለዚ እምበኣር: ኣብዚ ፈታኒ ግዜ ክርስትያናዊ ሓድነትና ክንዕቅብ ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧
ነቲ መለኮታዊ ፍቓድ ተገዝኡ
3. እቶም ቀዳሞት ዘይተገዝሩ ኣህዛብ መዓስን ብኸመይን ኢዮም ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝዀኑ፧
3 ሓደ ካብቲ ሓድነትና ንምዕቃብ ዝሕግዘና መገዲ ነቲ መለኮታዊ ፍቓድ ወትሩ ምስ እንግዛእ ኢዩ። እዚ ኣብ ኣተሓሳስባና ምትዕርራይ ክንገብር ክሓተና ይኽእል ኢዩ። ነቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝነበሩ ቀዳሞት ኣይሁድ ዘክሮም። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብመጀመርታ ነቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ብ36 ከ.ኣ.ዘ ምስ ሰበኸሎም: ኣምላኽ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መንፈስ ቅዱስ ኣውረደሎም እሞ ተጠምቁ። (ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 10) ክሳዕ ሽዑ ግን: ኣይሁድን እቶም ናብ ኣይሁድነት እተለወጡ ጵሮሰሊትን ሳምራውያንን ጥራይ ኢዮም ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም ዝነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:4-8, 26-38
4. ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቆርኔሌዎስ እተፈጸመ ነገር ድሕሪ ምግላጹ እንታይ ኢዩ ዝበለ: እዚኸ ነቶም ካብ ኣይሁድ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ ፈታኒ ሓሳብ ኢዩ ዘቕረበሎም፧
4 ሃዋርያትን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ካልኦት ኣሕዋትን ብዛዕባ ምቕያር ናይ ቆርኔሌዎስን ኻልኦት ኣህዛብን ምስ ፈለጡ: ነቲ ጴጥሮስ ዘቕረቦ ጸብጻብ ንምስማዕ ተገዳስነት ኣርኣዩ። እቲ ሃዋርያ ኣብ ቆርኔሌዎስን ኣብቶም ካልኦት ዝኣመኑ ኣህዛብን እተፈጸመ ነገር ምስ ገለጸ በዘን ዝስዕባ ቃላት ደምደመ:- “እምበኣርሲ ኣምላኽ ከምቲ ንኣና [ኣይሁድ] ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝአመንና ዝሀበና: ማዕሬና ገይሩ ህያብ [መንፈስ ቅዱስ ነቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ] ካብ ዚህቦም: ኣነ ደኣ ንኣምላኽ ክኽልክሎ ዝኽእል እንታዋይ እየ፧” (ግብሪ ሃዋርያት 11:1-17) እዚ ነቶም ኣይሁዳውያን ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ሓደ ፈታኒ ሓሳብ ኣቕረበሎም። ንፍቓድ ኣምላኽ ተገዛእቲ ብምዃን: ነቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ምስኦም ዘምልኹ ብጾቶም ገይሮም ክቕበልዎምዶ ነበሮም፧ ወይስ ሓድነት ናይቶም ምድራውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ፧
5. እቶም ሃዋርያትን ካልኦት ኣሕዋትን ኣምላኽ ንኣህዛብ ንስሓ ከም ዝሃቦም ምስ ፈለጡ ብኸመይ መለስሉ: ካብዚ ኣረኣእያ እዚኸ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
5 እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “እዚ ምስ ሰምዑ [እቶም ሃዋርያትን ካልኦት ኣሕዋትን] ሀድኡ እሞ፤ እምበኣርስ ኣምላኽ ነህዛብ ድማ ንህይወት ዚኸውን ንስሓ ሂብዎም: እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።” (ግብሪ ሃዋርያት 11:18) እዚ ኣረኣእያ እዚ ነቲ ኣብ ማእከል ሰዓብቲ የሱስ ዝነበረ ሓድነት ዓቂብዎን ኣዕብይዎን ኢዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ጥራይ: እቲ ዕዮ ስብከት ኣብ ማእከል ኣህዛብ: እናስፋሕፍሐ ከደ: ኣብዚ ንጥፈታት እዚ ኸኣ በረኸት የሆዋ ነይሩ ኢዩ። ንሕናውን ሓንቲ ሓዳስ ጉባኤ ክትቀውም ከላ ክንተሓባበር ምስ እንሕተት: ወይ ከኣ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ገለ ቲኦክራሲያዊ ምትዕርራያት ምስ ዝግበር ክንቅበሎ ይግብኣና። እቲ ልባዊ ምትሕብባርና ንየሆዋ ከሐጕሶ: ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ከኣ ሓድነትና ክንዕቅብ ክሕግዘና ኢዩ።
ኣብ ሓቂ ልገቡ
6. ሓቂ ኣብ ሓድነት ናይቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ህዝቢ እንታይ ሳዕቤን ኢዩ ዘለዎ፧
6 ከም ክፍሊ ናይታ ንየሆዋ እተምልኽ ስድራቤት መጠን: ኵላትና ‘ብኣምላኽ እተማሃርናን’ ነቲ እተገልጸ ናይ ኣምላኽ ሓቂ ድማ ኣጽኒዕና እንሕዞን ስለ ዝዀንና ሓድነት ንዕቅብ ኢና። (ዮሃንስ 6:45፣ መዝሙር 43:3) ትምህርትታትና ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ስለ ዝዀነ ኵልና ሓደ ዘረባ ኢና እንዛረብ። ነቲ የሆዋ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ገይሩ ዘዳለወልና መንፈሳዊ መግቢ: ተሓጒስና ንቕበሎ ኢና። (ማቴዎስ 24:45-47 ትሓዓ) እዚ ከምዚ ዝበለ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ነቲ ዓለምለኻዊ ሓድነትና ክንዕቅብ ይሕግዘና ኢዩ።
7. ንሓደ ጉዳይ ኽንርድኦ ብብሕትና ጸገም እንተድኣ ኣልዩና እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና: እንታይከ ኢና ክንገብር ዘይብልና፧
7 ገለ ትምህርቲ ብብሕትና ንኽንርድኦ ወይ ንኽንቅበሎ ኣጸጋሚ ኰይኑ እንተድኣ ረኺብናዮኸ እንታይ ይኹን፧ ጥበብ ክወሃበና ክንጽሊ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ከኣ ምርምር ክንገብር ይግብኣና። (ምሳሌ 2:4, 5፣ ያእቆብ 1:5-8) ምስ ሽማግለ ምይይጥ ምግባር እውን ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። እቲ ትምህርቲ ገና ዘይተረዳእናዮ ምስ እንኸውን ነቲ ጉዳይ ክንሓድጎ ዝሓሸ ኢዩ። ምናልባት ብዛዕባ እቲ ጉዳይ እቲ ዝዛረብ ዝያዳ ሓበሬታ ዝሓዘ ጽሑፍ ይወጽእ ይኸውን: ሽዑ ኸኣ ምርዳእና ክሰፍሕ ኢዩ። ነቲ እተፈልየ ኣረኣእያና ኣብታ ጉባኤ ንዘለዉ ካልኦት ክቕበልዎ ከነእምኖም ኢልና ምፍታን ግን ጌጋ ኢዩ። ከምዚ ምግባር ሓድነት ምዕቃብ ዘይኰነስ ባእሲ ምዝራእ ኢዩ። ‘ብሓቂ ክንመላለስን’ ካልኦት ከኣ ከምኡ ክገብሩ ምትብባዕን ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ኰን ኢዩ!—3 ዮሃንስ 4
8. ብዛዕባ ሓቂ እንታይ ኣመላኻኽታ ኢዩ ግቡእ ዝኸውን፧
8 ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ሕጅስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና: ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ: ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ: ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ።” (1 ቈረንቶስ 13:12) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዋላ እኳ ንዅሉ ነገራት ይርድእዎ እንተዘይነበሩ: ሕቡራት ኰይኖም ቀጺሎም ኢዮም። ሕጂ ንሕና ብዛዕባ ዕላማ የሆዋን እቲ ሓቂ ዝሓዘ ቃሉን ዝያዳ ንጹር ምርዳእ ኣሎና። ስለዚ እምበኣር: ነቲ በቲ ‘እሙን ባርያ’ ኣቢልና ረኺብናዮ ዘሎና ሓቂ መማሰውቲ ንዅን። የሆዋ ብማሕበሩ ገይሩ ስለ ዝመርሓና ድማ መመስገንቲ ንዅን። ዋላ እኳ ኵላትና ሓደ ዓይነት ደረጃ ፍልጠት እንተዘይብልና: ብመንፈስ ኣይንጠምን ወይ ከኣ ኣይንጸምእን ኢና። ኣብ ክንድኡ: የሆዋ ጓሳና ብምዃኑ ከም እንሓብር ገይሩና ኢዩ: ይሓልየልና ኸኣ ኢዩ።—መዝሙር 23:1-3
ንልሳን ብጽቡቕ ተጠቐሙሉ!
9. ልሳንና ሓድነት ንምዕባይ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ምኸኣልና፧
9 ልሳንካ ንኻልኦት ንምትብባዕ ክትጥቀመሉ: ሓድነትን መንፈስ ሕውነትን ንምዕባይ ዝሕግዝ ኣድላዪ መገዲ ኢዩ። እታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን በቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ናይ ግዝረት ሕቶ ዝፈትሐት ደብዳበ: ምንጪ ናይ ምትብባዕ ኢያ ነይራ። እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ ምስ ኣንበብዎ “በቲ ምጽንናዕ ተሐጐሱ።” እቶም ደብዳበ ሒዞም ካብ የሩሳሌም እተላእኩ ይሁዳን ሲላስን: “ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዐድዎምን ኣበርትዕዎምን።” ናይ ጳውሎስን በርናባስን ምህላው እውን ነቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾት ኣተባቢዕዎምን ኣበርቲዕዎምን ክኸውን ከም ዝኽእል ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:1-3, 23-32) ንሕናውን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንእከብ ከሎና ከምኡውን ኣብኡ ብምህላውናን ዝሃንጽ ሓሳባት ብምሃብናን “ንሓድሕድና ንተባባዕ” እንተድኣ ኴንና: ነዚ ኣብነት እዚ ንስዕብ ኣሎና ማለት ኢዩ።—እብራውያን 10:24, 25 ትሓዓ።
10. ጸርፊ እንተድኣ ኣጋጢሙ: ሓድነት ንምዕቃብ እንታይ ኢዩ ክግበር ዘለዎ፧
10 እንተዀነ ግን: ልሳንና ብግጉይ ምስ እንጥቀመሉ ንሓድነትና ኣብ ስግኣት ከውድቖ ይኽእል ኢዩ። ወደ መዝሙር ያእቆብ “ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ: ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ: ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ” ብምባል ጸሓፈ። (ያእቆብ 3:5) የሆዋ ነቶም ንባእሲ ጠንቂ ዝዀኑ ሰባት ይጸልኦም ኢዩ። (ምሳሌ 6:16-19) እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ምፍልላይ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ሓደ ሰብ ብዘዋርድ ምስ ዝጽረፍ ወይ ከኣ ኣደዳ ውርደት ምስ ዝኸውን ወይ ምስ እትኸውንከ እንታይ ይገበር፧ እቶም ሽማግለታት ነቲ በደለኛ ክሕግዝዎ ክፍትኑ ኢዮም። ይኹን እምበር: እቲ ዘይናሳሕ ተጻራፊ ሰላምን ስርዓትን ሓድነትን ናይታ ጉባኤ ምእንቲ ክዕቀብ ክውገድ ይግብኦ። ጳውሎስውን ከምዚ ብምባል ጽሒፉ ኣሎ:- “ምስ ሓደ ሓው ዚብሀል . . . ተጻራፊ . . . ምስኡ ኸይትጽምበሩ። ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ።”—1 ቈረንቶስ 5:11
11. ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኣማኒ ብጻይናን ህውከት ክፈጥር ዝኽእል ነገር እንተድኣ ተዛሪብና ትሕትና ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
11 ንልሳንና ልጓም ምግባር ነቲ ዘሎ ሓድነት ክንዕቅብ ይሕግዘና ኢዩ። (ያእቆብ 3:10-18) ምናልባት ገለ ዘውጻእናዮ ቃላት ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ክርስትያን ብጻይናን ህውከት ፈጢሩ ንበል። ተበግሶ ወሲድና: ኣድላይ ምስ ዝኸውን ይቕረታ ብምሕታት ምስ ሓውና ሰላም ክንገብርዶ ኣይምሓሸን፧ (ማቴዎስ 5:23, 24) ሓቂ ኢዩ: እዚ ትሕትና ወይ ናይ ኣእምሮ ትሕትና ዝሓትት ኢዩ: ይኹን እምበር ጴጥሮስ “ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ: ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ: ትሕትና ተዐጠቑ” ብምባል ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 5:5) ትሕትና ጌጋታትና ብምእማንን ግቡእ ይቕሬታ ብምሕታትን ምስ ኣሕዋትና ዘሎና ‘ሰላም ክንስዕብ’ ክትድርኸና ኢያ። እዚ ነቲ ኣብ ስድራቤት የሆዋ ዘሎ ሰላም ንምዕቃብ ክሕግዝ ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 3:10, 11
12. ሓድነት ህዝቢ የሆዋ ንምዕባይን ንምዕቃብን ልሳንና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ምኸኣልና፧
12 ንልሳንና ብጽቡቕ ንጥቀመሉ እንተድኣ ኴንና: ነቲ ኣብ ማእከል ማሕበር የሆዋ ዘሎ ናይ ስድራቤት መንፈስ ከነሰስኖ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ባዕሉ ከምኡ ስለ ዝገበረ: ንሰብ ተሰሎንቄ ከዘኻኽሮም ክኢሉ ኢዩ:- “ከምቲ እትፈልጥዎ: . . . [ንኣምላኽ] ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ: ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ ኸመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፋጥነኩምን ንምስክረልኩምን ነበርና።” (1 ተሰሎንቄ 2:11, 12) በዚ መገዲ እዚ ጳውሎስ ሰናይ ኣብነት ስለ ዝነበረ: ንብጾቱ ክርስትያናት “ነቶም እተጨነቑ ነፍሳት ብዘጸናንዕ ቃላት ተዛረብዎም” ብምባል ከተባብዖም ክኢሉ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:14 ትሓዓ) ንልሳን ካልኦት ንምጽንናዕ: ንምትብባዕ: ከምኡውን ንምብርታዕ ክንጥቀመሉ ከሎና ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ከም እንገብር እሞ ሕሰቦ። እወ: “ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ።” (ምሳሌ 15:23) ብዝያዳ ኸኣ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ነቲ ኣብ ማእከል ህዝቢ የሆዋ ዘሎ ሓድነት ንምዕባይን ንምዕቃብን ይሕግዝ ኢዩ።
ይቕረ በሃልቲ ኵኑ!
13. ይቕረ በሃልቲ ክንከውን ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና፧
13 ክርስትያናዊ ሓድነትና ክንዕቅብ እንተድኣ ኴንና ንሓደ ይቕረታ ዝሓተተ በደለኛ ይቕረ ክንብለሉ የድሊ። ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢና ይቕረ ክንብል ዘሎና፧ የሱስ ንጴጥሮስ “ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር: ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን” ኢሉ ነገሮ። (ማቴዎስ 18:22) ይቕረ በሃልቲ እንተዘይኴንና ኣንጻር ረብሓታትና ኢና እንኸይድ ዘሎና። ከመይ ኢሉ ከምኡ ይኸውን፧ ጽልእን ቂም ምሓዝን ናይ ኣእምሮ ሰላም ከጥፍኣልና ይኽእል ኢዩ። ብጭካነናን ይቕረ በሃልቲ ብዘይምዃንናን ፍሉጣት እንተድኣ ኴንና ድማ ንገዛእ ርእስና ከም እትግለል ክንገብራ ኢና። (ምሳሌ 11:17) ቂም ምሓዝ ንኣምላኽ ኣየሐጕሶን: ናብ ከቢድ ሓጢኣት ከኣ ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። (ዘሌዋውያን 19:18) ዮሃንስ መጥመቕ እታ ‘እተቐየመቶ’ እክይቲ ሄሮድያዳ ብእተጣበበቶ ውዲት ከም እተሰየፈ ዘክር።—ማርቆስ 6:19-28
14. (ሀ) ማቴዎስ 6:14, 15 ብዛዕባ ይቕረ ምባል እንታይ ኢያ እትምህረና፧ (ለ) ንሓደ ሰብ ይቕረ ቅድሚ ምባልና ኵሉ ሳዕ ይቕረታ ኢሉ ክሓተናዶ ክንጽበ ይግብኣና ኢዩ፧
14 እታ ናይ የሱስ ናይ ኣብነት ጸሎት “ንሕና ንዝበደሉና ዅሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ: ሓጢኣትና ይቕረ በለልና” ዝብል ቃላት ሒዛ ኣላ። (ሉቃስ 11:4) ይቕረ በሃልቲ እንተድኣ ዘይኴንና ሓደገኛ ኢዩ: ከመይሲ የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ይቕረ ዘይብለልና ግዜ ክመጽእ ኢዩ። የሱስውን “ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም: ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኩም እዩ” ኢሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 6:14, 15) ስለዚ እምበኣር: ኣብ ስድራቤት ኣምለኽቲ የሆዋ ሓድነት ንምዕቃብ ብሓቂ ግዴና ክንገብር ንደሊ እንተድኣ ኴንና: ምናልባት ብዘይሓሳብ ከምኡውን ብዘይ ገለ እኩይ ድራኼ እተበደልናዮ በደል ብምርሳዕ ይቕረ በሃልቲ ክንከውን ኢና። ጳውሎስ “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ: ከምቲ ክርስቶስ [“የሆዋ:” ትሓዓ ] ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ” በለ። (ቈሎሴ 3:13) ይቕረ በሃልቲ እንተድኣ ኴንና: ነቲ ናይ ማሕበር የሆዋ ክቡር ሓድነት ንምዕቃብ ክንሕግዝ ኢና።
ሓድነትን ብሕታዊ ውሳነታትን
15. ህዝቢ የሆዋ ብሕታዊ ውሳነታት ክገብሩ ከለዉ ሓድነት ንምዕቃብ ዝሕግዞም እንታይ ኢዩ፧
15 ኣምላኽ ብሕታዊ ውሳነታት ናይ ምግባር መሰልን ሓላፍነትን ዘሎና ናጻ ስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ሂቡ ኢዩ ፈጢሩና። (ዘዳግም 30:19, 20፣ ገላትያ 6:5) ይኹን እምበር: ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕግታትን ስርዓታትን ተሰማሚዕና ንኸይድ ስለ ዝዀንና ሓድነትና ክንዕቅብ ክኢልና ኢና። ብሕታዊ ውሳነታት ክንገብር ከሎና ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕግታትን ስርዓታትን ኣብ ግምት ነእትዎ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29፣ 1 ዮሃንስ 5:3) ንኣብነት ብዛዕባ ገለልትነት ዝመጸ ሓደ ሕቶ ተላዒሉ ንበል። ‘ካብ ዓለም ዘይምዃንና’ ከምኡውን ‘ኣስያፍና ንማሕረሻታት ከም ዝሰራሕናዮ’ ብምዝካር በቲ ዝፈለጥናዮ መሰረት ብሕታዊ ውሳነ ክንገብር ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 17:16፣ ኢሳይያስ 2:2-4) ብተመሳሳሊውን ብዛዕባ እቲ ምስ መንግስቲ ዘሎና ርክብ ብሕታዊ ውሳነ ክንገብር ዘድልየና እንተድኣ ኰይኑ: ንገዛእ ርእስና ብናይ ስራሕ ጉዳያት ዝመጸ “ነቶም ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት” እናተገዛእና ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ናይ ኣምላኽ . . . ንኣምላኽ” ክንህብ ዝሃበና ምኽሪ ንዝክሮ ኢና። (ሉቃስ 20:25፣ ሮሜ 13:1-7፣ ቲቶስ 3:1, 2) እወ: ብሕታዊ ውሳነታት ክንገብር ከሎና: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕግታትን ስርዓታትን ኣብ ግምት ነእትዎ እንተድኣ ኴንና ክርስትያናዊ ሓድነትና ንምዕቃብ ይሕግዘና ኢዩ።
16. ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ቅኑዕ ወይ ጌጋ ክንብሎ ዘይንኽእል ውሳነታት ክንገብር ከሎና: ሓድነት ንምዕቃብ ብኸመይ ክንሕግዝ ምኸኣልና፧ ምሳሌ ሃብ።
16 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርኲስካ ጌጋ ኢዩ ወይ ከኣ ቅኑዕ ኢዩ ክትብሎ ዘይትኽእል ምሉእ ብምሉእ ብሕታዊ ዝዀነ ውሳነ ክንገብር ከሎና እውን ክርስትያናዊ ሓድነትና ንምዕቃብ ክንሕግዝ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ነቶም በቲ ውሳነና ክትንከፉ ዝኽእሉ ካልኦት ፍቕራዊ ተገዳስነትና ብምርኣይ ኢዩ። ንምሳሌ:- ኣብታ ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ: ብዛዕባ ንጣኦት እተሰውአ ስጋ ዝምልከት ሓደ ሕቶ ተላዒሉ ነበረ። ሓደ ክርስትያን ኣብ ናይ ኣምልኾ ጣኦት በዓላት ከም ዘይሳተፍ ፍሉጥ ኢዩ። ይኹን እምበር: ደሙ ብግቡእ ዝፈሰሰ ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጥ ድሕሪ እቲ በዓል ዝተርፍ ስጋ ምብላዕ ግን ሓጢኣት ኣይነበረን። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29፣ 1 ቈረንቶስ 10:25) እንተዀነ ግን: ገለ ክርስትያናት ነዚ ስጋ እዚ ምብላዕ ብሕልናኦም ደስ ኣይብሎምን ነበረ። ስለዚ እምበኣር ጳውሎስ ካልኦት ክርስትያናት ነዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ከይዕንቅፍዎም ተላበዎም። አረ ከምዚ ኢሉ ኢዩ ዝጸሓፈ:- “እቲ ብልዒ ንሓወይ ዜዐንቅፎ እንተዀይኑስ: ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ: ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን እየ።” (1 ቈረንቶስ 8:13) ስለዚ እምበኣር: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጊ ወይ ከኣ ስርዓት ዘይትንክፍ እኳ እንተዀነ ንሓድነት ስድራቤት ኣምላኽ ዝትንክፍ እንተድኣ ኰይኑ ብሕታዊ ውሳነታት ክንገብር ከሎና ንኻልኦት ኣብ ሓሳብና ከነምጽኦም ክንደይ ፍቕራዊ ኰን ኢዩ!
17. ብሕታዊ ውሳነታት ክንገብር ኣብ ዘድልየሉ ግዜ እንታይ ክንገብር ኢዩ ጥበባዊ ዝኸውን፧
17 እንታይ ዓይነት ስጕምቲ ክንወስድ ከም ዘሎና ርግጸኛታት እንተድኣ ዘይኴንና: ጽሩይ ሕልና ሒዝና ክንቅጽል ዘኽእለና ውሳነ ክንገብር ጥበባዊ ኢዩ: ካልኦት ከኣ ንውሳነና ከኽብሩልና ይግባእ። (ሮሜ 14:10-12) ብሕታዊ ውሳነ ክንገብር ከሎና: ብጸሎት ቀሪብና ናይ የሆዋ መሪሕነት ክንሓትት ኣሎና። ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝገበሮ ንሕናውን ተኣማሚንና “እዝንኻ ናባይ ኣድንን: . . . እምባይን ዕርደይን ንስኻ ኢኻ እሞ: ስለ ስምካ ኢልካ ምርሓኒ ኣሳልየኒውን” ኢልና ክንጽሊ ንኽእል ኢና።—መዝሙር 31:2, 3
ኵሉ ግዜ ክርስትያናዊ ሓድነት ዓቅቡ
18. ጳውሎስ ንሓድነት ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ ዝበለ ምሳሌ ኢዩ ገሊጽዎ ዘሎ፧
18 ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 12 ጳውሎስ ንሰብኣዊ ኣካላት: ነቲ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ሓድነት ንምግላጽ ከም ምሳሌ ገይሩ ተጠቒሙሉ ኣሎ። እቲ ሓደ ኣካል ኣብቲ ሓደ ኣካል እተጸግዐ ምዃኑን ነፍሲ ወከፍ ኣካል ከኣ ኣድላዪ ምዃኑን ኣጕሊሕዎ ኣሎ። ጳውሎስ “ኵሉ ኣካላት ሓደ ኣካል ጥራይ እንተ ዚኸውንከ: እቲ ስጋ ኣበይ ምሀለወ፧” ኢሉ ሓተተ። “ሕጂ ግና ኣካላት ብዙሕ: እቲ ስጋ ግና ሓደ እዩ። ዓይኒ ንኢድ: ኣይደልየክን: ክትብላ ኣይከአላን እዩ: ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር: ኣይደልየኩምን: ክትብሎም ኣይከአላን እዩ።” (1 ቈረንቶስ 12:19-21) ብተመሳሳሊ: ኣብ ስድራቤት ናይ ኣምለኽቲ የሆዋ ዘሎና ኵላትና: ሓደ ዓይነት ስራሕ እንፍጽም ኣይኰንናን። እንተዀነ ግን: ሓድነት ኣሎና: እቲ ሓደ ኸኣ ነቲ ሓደ የድልዮ ኢዩ።
19. ካብቲ ኣምላኽ ዝገበሮ መንፈሳዊ ምድላዋት ብኸመይ ኢና ክንጥቀም እንኽእል: ሓደ ሽምግል ዝበለ ሓውከ ብዛዕባዚ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧
19 ከምቲ ኣካላትና መግቢ: ክንክን: መምርሒ ዘድልዮ: ኣምላኽ ብቓሉን መንፈሱን ማሕበሩን ገይሩ ዝህበና መንፈሳዊ ምድላዋት እውን የድልየና ኢዩ። ካብዚ ምድላዋት እዚ ምእንቲ ክንጥቀም: ክፍሊ ምድራዊት ስድራቤት የሆዋ ክንከውን ኣሎና። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብዙሕ ዓመታት ድሕሪ ምግባሩ ሓደ ሓው ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካብቲ ቅድሚ 1914 ኵሉ ንጹር ዘይነበረሉ ናይ መጀመርታ ግዜ ኣትሒዙ . . . ክሳዕ እዚ ሓቂ ልክዕ ከም ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሓይ ዘንጸባርቐሉ ዘሎ ግዜ: በቲ ዕላማታት ኣምላኽ ዝሓዘ ፍልጠት ተመሪሐ እነብር ብምህላወይ ኣዝየ ኢየ ዘመስግን። ንዓይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር እንተድኣልዩ: ምስታ እትርአ ማሕበር የሆዋ ጠቢቕካ ናይ ምምልላስ ጉዳይ ኢዩ። እቲ ናይ ቅድም ተመክሮይ ኣብ ሰብኣዊ ፍልጠት ምውካል ክሳዕ ክንደይ ጥዑይ ከም ዘይኰነ ምሂሩኒ ኢዩ። ኣእምሮይ ሓንሳእ እዚ ውሳነ እዚ ምስ ኣመሓላለፈለይ: ምስታ እምንቲ ማሕበር የሆዋ ክጸንሕ ቈረጽኩ። ካብዚ ሓሊፉ ሓደ ሰብ ብኸመይ ኢዩ እሞ ስምረት የሆዋን በረኸቱን ክረክብ ዝኽእል፧”
20. ብዛዕባ እቲ ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን ዘሎና ሓድነት እንታይ ንምግባር ኢና ቈሪጽና ዘሎና፧
20 የሆዋ ንህዝቡ ካብ ዓለማዊ ጸልማትን ምፍልላይን ኣውጺእዎም ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:9) ምስኡን ምስ ኣመንቲ ብጾትናን በረኸት ኣብ ዘለዎ ሓድነት የእትዩና ኢዩ። እዚ ሓድነት እዚ ኣብቲ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ኣገባብ ክህሉ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ኣብዚ ጽንኩር ዝዀነ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ: ብቐጸሊ ‘ንፍቕሪ ንልበሳ:’ ነቲ ክቡር ሓድነትና ንምዕባይን ንምዕቃብን ዝሕግዝ ዘበለ ነገራት ከኣ ንግበር።—ቈሎሴ 3:14
ብኸመይ ምመለስካ፧
◻ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባርን ናብ ሓቂ ምልጋብን ሓድነት ንምዕቃብ ክሕግዘና ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ሓድነት ምስቲ ንልሳንካ ብግቡእ ምጥቃም ተተሓሒዙ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ምስ ይቕረ በሃላይ ምዃን ተተሓሒዙ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧
◻ ብሕታዊ ውሳነታት ክንገብር ከሎና: ብኸመይ ኢና ሓድነት ክንዕቅብ እንኽእል፧
◻ ክርስትያናዊ ሓድነት እንዕቅብ ስለምንታይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ልክዕ ከምቲ እዚ ጓሳ እዚ ንመጓሰኡ ብሓባር ዝሕዘን: የሆዋ ኸኣ ንህዝቡ የሕብሮም ኢዩ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ጠንቂ ናይ በደል ኣብ እንዀነሉ ግዜ ትሕት ኢልና ይቕረታ ብምሕታትና ሓድነት ንምዕባይ ንሕግዝ ኢና