“ምእንቲ ኽትረኽብዋ . . . ጕየዩ”
“ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጕየዩ።”—1 ቈረ. 9:24።
1, 2. (ሀ) ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ንምትብባዕ እንታይ ተጠቐመ፧ (ለ) ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ንኺገብሩ እዩ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ዘሎ፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ንእብራውያን ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ ንክርስትያናት ብጾቱ ንምትብባዕ፡ ዜደንቕ ስእላዊ ዘረባ ተጠቕመ። ኣብቲ ንህይወት ዚግበር ቅድድም ዚጐይዩ፡ በይኖም ከም ዘይኰኑ ኣዘኻኸሮም። ከመይሲ፡ በቶም ጕያኦም ብዓወት ዚዛዘሙ “ደበና ምስክር” ተኸቢቦም ነበሩ። እብራውያን ክርስትያናት፡ ነቲ እቶም ደበና ምስክር ዝገበርዎ እሙን ግብርን ሓያል ጻዕርን ምዝካሮም፡ ንቅድሚት ንኺስጕሙን ኣብቲ ዚገብርዎ ጕያ ንኸይሕለሉን ዚሕግዝ እዩ ነይሩ።
2 ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ ንናብራ ህይወት ገለ ኻብቶም “ደበና ምስክር” ተባሂሎም ዘለዉ ሰባት መርሚርና ኢና። ኵላቶም ክሳዕ መወዳእታ ንኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ኪቕጽሉ ዝኸኣሉ፡ ድልድልቲ እምነት ስለ ዝነበረቶም እዩ። ጕያኦም ከኣ ብዓወት ወዲኦም እዮም። ንሕና እውን ጕያና ምእንቲ ኽንወድእ፡ ካባታቶም እንመሃሮ ትምህርቲ ኣሎ። ኣብታ ዓንቀጽ እቲኣ ኸም እተገልጸ፡ ነቲ፡ “ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ” ዚብል ምሕጽንታ ጳውሎስ ከነቕልበሉ ይግባእ።—እብ. 12:1።
3. እቲ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣትለቲካዊ ውድድር ግሪኽ ዚጐይዩ ዝነበሩ ተቐዳደምቲ ዝሃቦ ሓሳባት፡ እንታይ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ፧
3 ባክግራውንድስ ኦቭ አርሊ ክርስትያንስ (ድሕረ ባይታ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ ኣብቲ እዋን እቲ ህቡብ ዝነበረ ኣትለትካዊ ውድድር፡ ማለት ብዛዕባ ጕያ፡ “ግሪኻውያን ዚጐይዩን ጕያኦም ዚውድኡን ዝነበሩ ጥራይ ነብሶም እዮም” በለት።a ኣብዚ ግዜና፡ ጥራይ ነብስኻ ምጕያይ ቅቡል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ጐየይቲ፡ ክዳውንቶም ብምውጻእ ዝዀነ ይኹን ጾር ኪዀኖም ዚኽእል ነገራት ዜወግዱ ዝነበሩ፡ ነቲ ዓስቢ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም እዮም። ስለዚ፡ ጳውሎስ ‘ንዅሉ ዚኸብደና ነርሕቕ’ ኪብል ከሎ እምበኣር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኸይንረክብ ኪዓናቕፈና ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገራት ከነርሕቕ እዩ ዚምዕድ ነይሩ። እዚ ምኽሪ እዚ፡ ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ክርስትያናት ኰነ ንዓና ዚጠቅም እዩ። ኣብቲ ንህይወት ዚግበር ቅድድም ጾር ብምዃን ነቲ ዓስቢ ንኸይንረክብ ዕንቅፋት ኪፈጥረልና ዚኽእል ነገራት እንታይ እዩ፧
“ንዅሉ ዚኸብደና . . . ነርሕቕ”
4. እቶም ብዘመን ኖህ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ምንታይ እዮም ዜቕልቡ ነይሮም፧
4 ጳውሎስ፡ “ንዅሉ ዚኸብደና . . . ነርሕቕ” ዚብል ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ንዅሉ እቲ ኣብቲ እንጐይዮ ጕያ፡ ምሉእ ኣቓልቦ ንኸይንገብርን ዚከኣለና ንኸይንጽዕርን ኪዓናቕፈና ዚኽእል ነገራት ዜጠቓልል እዩ። ገለ ኻብቲ ኸም ጾር ኰይኑ ኪኸብደና ዚኽእል ነገራት እንታይ እዩ፧ የሱስ ነዚ ንኽንርድኦ ኺሕግዘና ዚኽእል ሓሳባት ሂቡ ኣሎ። ብግዜ እቲ ሓደ ኻብቶም ጳውሎስ ዝዘርዘሮም ኣብነታት፡ ማለት ብግዜ ኖህ ንዝነበረ ዅነታት ብምጥቃስ ከኣ፡ “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ኪኸውን እዩ” በለ። (ሉቃ. 17:26) ከምቲ እታ ብዘመን ኖህ ዝነበረት ዓለም ዝጠፍአት፡ እዛ ኣብዚ ዘመንና ዘላ ዓለም እውን ከም እትጠፍእ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ሎሚ ዘሎ ናብራ ሰባት ከም ናብራ እቶም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ ሰባት ከም ዚኸውን እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:37-39 ኣንብብ።) መብዛሕትኦም እቶም ብዘመን ኖህ ዝነበሩ ሰባት፡ ይትረፍዶ ንኣምላኽ ብዘሐጕስ መገዲ ኺመላላሱስ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ተገዳስነት ዚበሃል እኳ ኣይነበሮምን። ኣቓልቦኦም ከም ዚስረቕ ዝገበረ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ፍሉይ ነገራት ዘይኰነስ፡ ልሙድ ናብራ ህይወት ዝዀነ ነገራት፡ ማለት ምብላዕ፡ ምስታይ፡ ምምርዓው እዩ ነይሩ። እቲ ቐንዲ ጸገም ግና፡ እቶም ሰባት ነዚ ነገራት እዚ ንመልእኽቲ ኣምላኽ ካብ ምስማዕ ንላዕሊ ኽብ ኣቢሎም ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ እዩ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ “ኣይፈለጡን” ወይ ብመሰረት እቲ በዅሪ ጽሑፍ “ኣየቕለቡን።”
5. ጕያና ብዓወት ንኽንዛዝም እንታይ እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧
5 ከምቲ ንኖህን ንስድራ ቤቱን ብዙሕ ዕዮ ዝነበሮም፡ ንዓና እውን ብዙሕ ዕዮ እዩ ዘሎና። ንኽንነብር ክንሰርሕ የድልየና፡ ንርእስናን ንስድራ ቤትናን ዜድሊ ነገራት ከኣ ከነማልእ ኣሎና። እዚ ድማ፡ ብዙሕ ግዜናን ጕልበትናን ክንውፊ ዚሓትተና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብፍላይ ናይ ገንዘብ ጸገም ኣብ ዜጋጥመና እዋናት፡ ብዛዕባ እቲ ንናብራና ዜድልየና ነገራት ክንጭነቕ ንኽእል ኢና። እቶም ርእስና ዝወፈና ክርስትያናት ድማ፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ቲኦክራስያዊ ሓላፍነታት ኣሎና። ኣገልግሎት ንኸይድ፡ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ንዳሎ፡ ኣብ ኣኼባታት ንእከብ፡ ብሕታዊ መጽናዕትን ኣምልኾ ስድራ ቤትን ብምግባር ከኣ መንፈሳውነትና ነደልድል ኢና። ኖህ እውን ምስ ኣገልግሎት ኣምላኽ እተተሓሓዘ ብዙሕ ዚዓዮ ነገራት እኳ እንተ ነበሮ፡ “ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ።” (ዘፍ. 6:22) ጕያና ምእንቲ ኽንውድእ፡ ዕንቅፋት ኪፈጥረልና ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ጾር ከነርሕቕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
6, 7. ነየናይ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ኢና ኸነቕልበሉ ዘሎና፧
6 ጳውሎስ፡ ‘ንዅሉ ዚኸብደና ነርሕቕ’ ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ንዅሉ ዘሎና ሓላፍነታት ምሉእ ብምሉእ ከነርሕቖ ኸም ዘይንኽእል ፍሉጥ እዩ። በዚ መዳይ እዚ ነቲ የሱስ፡ “እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ነቕልበሉ። (ማቴ. 6:31, 32) እዚ የሱስ እተዛረቦ ቓላት፡ ከም ምግብን ክዳንን ዝኣመሰለ ንቡር ነገራት እውን ከይተረፈ፡ ቦታኡ እንተ ስሒቱ፡ ጾር ወይ ዕንቅፋት ኪኸውን ከም ዚኽእል የመልክት።
7 “ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ” ንዚብል ቃላት የሱስ ነቕልበሉ። እዚ ኸኣ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ፡ ዜድልየና ነገራት ንኼማልኣልና ኢሉ ሓደ ነገር ከም ዚገብር የመልክት። ኰይኑ ግና፡ “እዚ ዅሉ” ኺበሃል ከሎ፡ ንዅሉ እቲ እንብህጎ ወይ እንምነዮ ነገራት ኣየመልክትን እዩ። ከመይሲ፡ ብዛዕባ እቲ ‘ኣህዛብ ዚደልይዎ ነገራት’ ከይንጭነቕ ተማዒድና ኢና። ስለምንታይ፧ የሱስ ኣብ ካልእ ግዜ ንሰማዕቱ፡ “ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” ኢሉ መኺርዎም እዩ።—ሉቃ. 21:34, 35።
8. ሎሚ ‘ንዅሉ ዚኸብደና ነገራት ከነርሕቕ’ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
8 እታ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ኣብ ቅድሜና እያ ዘላ። ኣብዚ ናብ መወዳእታ ገጽና ቐሪብናሉ ዘለና እዋን፡ ኪዓናቕፈና ዚኽእል ነገራት ክንስከምሲ ኽንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ምስዓቡ ብሓቂ ጥበባዊ እዩ። (1 ጢሞ. 6:6) ንቓላት ጳውሎስ እንተ ኣቕሊብናሉ፡ ነቲ ዓስቢ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና።
‘ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣት ነርሕቆ’
9, 10. (ሀ) እቲ፡ “ዚጠብቀና ሓጢኣት” ዚብል ቃላት ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ለ) በቲ ዚጠብቀና ነገር ተሓንኲልና ኽንወድቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
9 ጳውሎስ፡ “ንዅሉ ዚኸብደና” ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣት” እውን ከነርሕቖ ኸም ዘሎና ጠቒሱ ኣሎ። ከምዚ ኽብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ እታ “ዚጠብቀና” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ጥራይ እያ እትርከብ። ኣልበርት ባርንዝ እተባህለ ምሁር፡ “ልክዕ ከምቲ ሓደ ጐያዪ፡ ኪጐዪ ኸሎ ኣብ ኣእጋሩ ተሓላሊኹ ኺዓናቕፎ ዚኽእል ክዳን ከይክደን ዚጥንቀቕ፡ ብፍላይ ከኣ ሓደ ክርስትያን ንዝዀነ ይኹን ነዚ ዚመስል ነገራት ኬርሕቕ ይግባእ” በለ። ሓደ ኻብቲ ዚጠብቀና ሓጢኣት፡ እምነት ምጥፋእ እዩ። ሓደ ክርስትያን እምነቱ ኼጥፍእ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
10 ሓደ ክርስትያን ብሃንደበት ኣይኰነን እምነቱ ዜጥፍእ። በብቝሩብ ወይ እውን ከይተፈለጦ እዩ ኼጥፍእ ዚኽእል። ጳውሎስ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብታ ናብ እብራውያን ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ ‘ምጥፋእ’ ወይ ‘ምርሓቕ’ ከምኡውን “እኩይ ዘይአምን ልቢ” ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋ ኣጠንቂቑ ኣሎ። (እብ. 2:1, 2፣ 3:12) ሓደ ጐያዪ እናጐየየ ኸሎ ኽዳኑ ኣብ ኣእጋሩ ጠቢቑ እንተ ሓንኲልዎ፡ ከም ዚወድቕ ፍሉጥ እዩ። እዚ ብፍላይ ሓደገኛ ዚኸውን ከኣ፡ ነቲ ኺጐዪ ኸሎ ኺሓናዅሎ ዚኽእል ክዳን ዕሽሽ ኢሉ ምስ ዚኽደኖ እዩ። ነቲ ሓደጋ እቲ ዕሽሽ ከም ዚብሎ ኺገብሮ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ሸለልትነት ወይ ሕሉፍ ርእሰ ተኣማንነት ወይ ኣቓልቦኡ ኺሰርቕ ዚኽእል ካልእ ነገራት ኪኸውን ይኽእል። ካብቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ደኣ እሞ እንታይ ኢና እንመሃር፧
11. ንእምነትና ኼጥፍኣ ዚኽእል ነገር እንታይ እዩ፧
11 ሓደ ክርስትያን እምነቱ ኼጥፍእ ዚኽእል፡ ብሰንኪ እቲ ብምርጫኡ ዚገብሮ ነገራት ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። ካልእ ምሁር ብዛዕባ እቲ “ዚጠብቀና ሓጢኣት” ኪገልጽ ከሎ፡ “ብዅነታትናን ብጠባይናን ብመዋዕልትናን ኣዝዩ ዚምዝምዘና ሓጢኣት እዩ” በለ። ከምዚ ኺብል ከሎ ኸኣ፡ ከባቢና ዀነ ድኽመትና ዀነ ምሕዝነትና ብርቱዕ ጽልዋ ኺገብረልና ኸም ዚኽእል እዩ ዚሕብር ነይሩ። እወ፡ እዚ ነገራት እዚ፡ ንእምነትና ኼዳኽማ ጥራይ ዘይኰነስ ኬጥፍኣ እውን ይኽእል እዩ።—ማቴ. 13:3-9።
12. እምነትና መታን ከይነጥፍእ ነየናይ መዘኻኸሪታት ኢና ኸነቕልበሉ ዘሎና፧
12 እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ፡ ብዛዕባ እቲ እንርእዮን እንሰምዖን ነገራት፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ንልብናን ንኣእምሮናን እንመልኦ ነገራት ክንጥንቀቐሉ ኸም ዘሎና ኼዘኻኽረና ጸኒሑ እዩ። ገንዘብን ጥሪትን ንምድላብ ላዕልን ታሕትን ምባል ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋ እውን ኬጠንቅቐና ጸኒሑ እዩ። እዛ ዓለም እዚኣ ንእተቕርቦ መዘናግዒ ነፍቅር ወይ ከኣ ንዘዝመጸ ሓደስቲ ኣቕሑ ንምነ እንተ ዄንና፡ እዚ ነቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ግዜ ኸም እንስእን ኪገብረና ይኽእል እዩ። ነዚ ምኽሪ እዚ እምብዛ ቐያዲ ኸም ዝዀነ፡ ወይ ከኣ ንኻልኦት ደኣ እምበር ንዓና ኸም ዘይምልከት ጌርካ ምውሳዱ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰይጣን ንኣተሓሳስባን ትምኒትን እዛ ዓለም እዚኣ ተጠቒሙ፡ ኣብ ጕያና ኺሓናዅለና እዩ ዚደሊ። ገሊኣቶም ብሸለልትነት፡ ብሕሉፍ ርእሰ ተኣማንነት፡ ወይ ኣቓልቦ ኺሰርቕ ብዚኽእል ካልእ ነገራት እምነቶም ኣጥፊኦም እዮም። ንሕና እውን እዚ ነገራት እዚ ኺጸልወና እንተ ኣፍቂድናሉ፡ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም እንስእን ኪገብረና ይኽእል እዩ።—1 ዮሃ. 2:15-17።
13. በቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ምእንቲ ኸይንጽሎ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
13 በቶም ከም ናታቶም ዓይነት ሸቶታትን ስርዓታትን ኣተሓሳስባን ኪህልወና ዚደልዩ ሰባት ኢና ተኸቢብና ዘሎና። (ኤፌሶን 2:1, 2 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ እቲ ምርጫ ኣባና እተገድፈ እዩ። ብኣተሓሳስባ ዓለም ንኽንጽሎ ወይ ንኸይንጽሎ ባዕልና ኽንውስን ንኽእል ኢና። እቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ “ኣየር” መርዛም እዩ። በዚ መርዛም ኣየር እዚ ተዓፊንና ወይ ተዓቢስና ጕያና ኸይነቋርጽ ወትሩ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። በዚ ኸይተተንከፍና ኣብ ጕያና ንኽንቅጽል ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ኣሰር እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ጕያኡ ብዓወት ብምዝዛም ፍጹም ኣብነት ዝዀነ የሱስ ምስዓብ እዩ። (እብ. 12:2) ብዘይካዚ፡ ኣብነት ጳውሎስ እውን ኣሎና። ከመይሲ፡ ንሱ እውን ኣብቲ ጕያ ጐይዩ፡ ንኣሕዋቱ ኸኣ ኣብነቱ ኺስዕቡ ተማሕጺንዎም እዩ።—1 ቈረ. 11:1፣ ፊል. 3:14።
“ኽትረኽብዋ”—ብኸመይ፧
14. ጳውሎስ ብዛዕባ ጕያኡ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧
14 ጳውሎስ ብዛዕባ ጕያኡ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧ ነቶም ካብ ኤፌሶን ዝመጽዎ ሽማግለታት ንመወዳእታ ግዜ ኺዛረቦም ከሎ፡ “ጕያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ . . . ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ” በሎም። (ግብ. 20:24) ጕያኡ ምእንቲ ኺውድእ፡ ኵሉ ነገራት፡ ህይወቱ እውን ከይተረፈ፡ ኪስውእ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። ጕያኡ እንተ ኣቋሪጹ ግና፡ ኵሉ እቲ ምእንቲ ወንጌል ኢሉ ዝገበሮ ጻዕርን ድኻምን ከንቱ ኸም ዚኸውን ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ነቲ ዓስቢ ዛጊት ከም ዝረኸቦ ገይሩ ኸይሓሰበ፡ ጕያኡ ኽሳዕ መወዳእታ ቐጸለ። (ፊልጲ 3:12, 13 ኣንብብ።) ኣብ ኣጋ ሞቱ ጥራይ እዩ፡ “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ” ዝበለ።—2 ጢሞ. 4:7።
15. ጳውሎስ ነቶም ኣብቲ ጕያ ዘለዉ ብጾቱ፡ እንታይ መተባብዒ እዩ ሂብዎም፧
15 ብተወሳኺ፡ ጳውሎስ፡ ክርስትያን ብጾቱ ነቲ ጕያ ኺውድእዎ ተመንዩሎም እዩ። ንኣብነት፡ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ንድሕነቶም ኢሎም ኪጽዕሩ ተማሕጺንዎም እዩ። ነቲ ህይወት ዚህብ ቃል ‘ኣጽኒዖም ኪሕዝዎ’ ኣዘኻኸሮም። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “በታ ክርስቶስ ዚመጸላ መዓልቲ ኸኣ ብኸንቱ ስለ ዘይጐየኹን ስለ ዘይጸዓርኩን ክምካሕ እየ” በሎም። (ፊል. 2:16፡ ትርጕም 1990) ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት እውን፡ “ንስኻትኩም [ነታ ዓስቢ] ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጕየዩ” በሎም።—1 ቈረ. 9:24።
16. ነታ ዓስቢ ኣነጺርና ኽንርእያ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
16 ኣብቲ ኸም ማራቶን ዝኣመሰለ ነዊሕ ርሕቐት ዘለዎ ጕያ፡ እታ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ኣብ ፈለማ ኣይትርአን እያ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ጐያዪ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ኣብታ ሕንጻጽ እቲኣ እዩ ዜተኵር። ሸቶኡ ኺወቅዕ ከም ዝቐረበ ምስ ፈለጠ እሞ ኸኣ፡ እታ ሕንጻጽ ዝያዳ ጐሊሓ እያ እትርኣዮ። ጕያና እውን ከምኡ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። እታ ዓስቢ ነጺራ ኽትርኣየና ኣለዋ። እዚ ኣረኣእያ እዚ፡ ነታ ዓስቢ ንኽንረኽባ ይሕግዘና።
17. እምነት ኣብቲ ዓስቢ ንኸነተኵር ክትሕግዘና እትኽእል ብኸመይ እያ፧
17 ጳውሎስ፡ “እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 11:1) ኣብርሃምን ሳራን ነቲ ምሹእ ናብራኦም ሓዲጎም፡ ኣብታ ዝኸድዋ ምድሪ “ኣጋይሽን ስደተኛታትን” ኰይኖም ኪነብሩ ፍቓደኛታት እዮም ነይሮም። ከምኡ ንኺገብሩ ዝሓገዞም እንታይ እዩ ነይሩ፧ ንፍጻመ መብጽዓታት ኣምላኽ፡ ‘ካብ ርሑቕ ስለ ዝረኣይዎ’ እዩ። ሙሴ፡ ‘ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ኪብሎ’ ኣይደለየን፣ ን“መዝገብ ግብጺ” እውን ነጸጎ። ነዚ ስጕምቲ እዚ ንምውሳድ፡ እምነትን ብርታዐን ክረክብ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ‘ናብቲ ዓስቢ ስለ ዝጠመተ’ እዩ። (እብ. 11:8-13, 24-26) ጳውሎስ፡ ነፍሲ ወከፎም “ብእምነት” ከም እተመላለሱ ገሊጹ ኣሎ። እምነት ስለ ዝነበረቶም፡ ክንዮ እቲ ዜጋጥሞም ዝነበረ ፈተናታትን ጸገማትን ብምጥማት፡ ነቲ ኣምላኽ ዚገብረሎም ዝነበረን ንዚመጽእ ዚገብረሎምን ነገራት ኪርእዩ ኽኢሎም እዮም።
18. ነቲ “ዚጠብቀና ሓጢኣት” ንኸነርሕቕ እንታይ ኣወንታዊ ስጕምትታት ኢና ኽንወስድ እንኽእል፧
18 ብዛዕባ እቶም ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ተጠቒሶም ዘለዉ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ብምስትንታን፡ ንኣብነቶም ከኣ ብምስዓብ፡ እምነት ከነማዕብልን “ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣት” ከነርሕቕን ንኽእል ኢና። (እብ. 12:1) ብዘይካዚ፡ ምስቶም ነዛ እምነት እዚ ንኼማዕብሉ ዚጽዕሩ ሰባት ብምእካብ ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ከነስተብህል’ ንኽእል ኢና።—እብ. 10:24።
19. ኣብታ ዓስቢ ብምትኳር ምጕያይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
19 ጕያና ኽንውድእ ቀሪብና ኢና። እታ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ኣብ ቅድሜና እያ ዘላ። ንሕና እውን ብእምነትን ብሓገዝ የሆዋን፡ “ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን” ከነርሕቕ ንኽእል ኢና። እወ፡ ነታ እቲ ኣምላኽናን ኣቦናን ዝዀነ የሆዋ እተመባጽዓልና ዓስቢ ኽሳዕ እንረኽባ ኽንጐዪ ንኽእል ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a እዚ ኣብቶም ጥንታውያን ኣይሁድ ጽዩፍ እዩ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ኣቡኸሪፋዊ መጽሓፍ ዝዀነ ኻልኣይ መቃባውያን፡ እቲ ኸሓዲ ዝነበረ ሊቀ ኻህናት ያሶን፡ ከምቲ ግሪኻውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ኣብ የሩሳሌም ጂምናዝዩም ኬቕውም ምስ ደለየ፡ ሓያሎ ኣይሁድ ተቘጢዖም እዮም።—2 መቃ. 4:7-17።
ትዝክሮዶ፧
• “ንዅሉ ዚኸብደና” ነገራት ምርሓቕ ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧
• ንሓደ ክርስትያን እምነቱ ኸም ዜጥፍእ ኪገብሮ ዚኽእል እንታይ እዩ፧
• ኣብቲ ዓስቢ ኸነተኵር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
እቲ “ዚጠብቀና ሓጢኣት” እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ኺጠብቀና ዚኽእል፧