መንከ ‘ክድሕን’ ኢዩ፧
“ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 2:21
1. ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ታሪኽ ዓለም ነጥበ-መቐይሮ ዝነበረት ስለምንታይ ኢያ፧
ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ታሪኽ ዓለም ነጥበ-መቐይሮ ኢያ ነይራ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ሓድሽ ህዝቢ ተወሊዱ ኢዩ። ኣብ መጀመርታ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ኣይነበረን: እቶም ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ 120 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ጥራይ ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: እቶም ሽዑ ዝነብሩ ዝነበሩ ህዝብታት መብዛሕትኦም ክርስዑ ከለዉ: እቲ ኣብታ ላዕለወይቲ ደርቢ እተወልደ ህዝቢ ግን ገና ምሳና ኣሎ። እዚ ሓቂ እዚ ንዅላትና ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ኢዩ: ምኽንያቱ እቲ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ደቅሰብ ምስክሩ ክኸውን ዝመረጾ ህዝቢ ንሱ ኢዩ።
2. ምውላድ ናይ ሓድሽ ህዝቢ ዘመልክት እንታይ ተኣምራታዊ ፍጻመ ኢዩ እተራእየ፧
2 እቲ ሓድሽ ህዝቢ ኣብ ህላወ ምስ መጸ: ነቲ ናይ ዮኤል ትንቢታዊ ቃላት ዝፍጽም ኣገዳሲ ኵነታት ተራእየ። ብዛዕባ እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2:2-4 ከምዚ ነንብብ:- “ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ: ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም: ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ኵሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም: መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።” በዚ ኸምዚ እዞም 120 እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን መንፈሳዊ ህዝቢ ኰኑ: ናይ መጀመርታ ኣባላት ናይቶም ሃዋርያ ጳውሎስ ጸኒሑ ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል’ ኢሉ ዝጸውዖም ድማ ኰኑ።—ገላትያ 6:16
3. ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣየናይ ናይ ዮኤል ትንቢት ኢዩ እተፈጸመ፧
3 ነቲ ዝነበረ “ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ” እንታይ ምዃኑ ንኽርእዩ ብዙሓት ሰባት ተኣከቡ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ድማ ሓደ ካብቲ ናይ ዮኤል ትንቢታት ይፍጸም ከም ዘሎ ገለጸሎም። ኣየናይ ትንቢት፧ ነቲ ዝበሎ እስከ ስምዓዮ:- “በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: ይብል ኣምላኽ: ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዅሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ: ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ: ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ: ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ: ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት: ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኸኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓን ክገብር እየ። እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ ኸይመጸት: ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ: ወርሒ ኸኣ ናብ ደም። ኪኸውን ድማ እዩ: ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:17-21) እተን ጴጥሮስ ዝጠቐሰን ቃላት ኣብ ዮኤል 2:28-32 ኢየን ዝርከባ: እቲ ፍጻሜ ናይተን ትንቢታት ድማ ንኣይሁዳውያን ተሪፍዎም ዝነበረ ግዜ ይውዳእ ምንባሩ ዘመልክት ኢዩ። ምስቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን ምጽብጻብ ዝግበረላ መዓልቲ: “እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ” ቀሪባ ኢያ ነይራ። እንተዀነ ግን: መን ኢዩ ዝድሕን ወይ ዘምልጥ፧ እዚኸ ናይ እንታይ ጽላሎት ኢዩ ነይሩ፧
ክልተ ፍጻሜታት ናይቲ ትንቢት
4, 5. ጴጥሮስ ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ ፍጻመ ብምርኣይ እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃበ: እቲ ምኽሪ እቲኸ ክንዮ እቲ እዋን እቲ ተፈጻምነት ዝነበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ኣብቲ ድሕሪ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ዓመታት: እቶም መንፈሳውያን ናይ ኣምላኽ እስራኤል ሰሰኑ: እቶም ስጋውያን እስራኤል ግን ኣይሰሰኑን። ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ስጋውያን እስራኤል ምስ ሮሜ ይዋግኡ ነበሩ። ብ70 ከ.ኣ.ዘ. እስራኤል ዳርጋ ካብ ህላወ ኣቋሪጻ ኢያ ነይራ: የሩሳሌም ምስ ቤት መቕደሳ ድማ ናብ ሓመድ ክሳዕ እትለወጥ ነደደት። ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ጴጥሮስ ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ ሓደጋ ብምርኣይ ጽቡቕ ዝዀነ ምኽሪ ሃበ። እንደገና ካብ ዮኤል ብምጥቃስ “ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ” በለ። ነፍሲ ወከፍ ኣይሁዳዊ ስም የሆዋ ንምጽዋዕ ብሕታዊ ውሳነ ክገብር ነበሮ። እዚ ድማ ነቲ ጴጥሮስ ወሲኹ ዝሃቦ መምርሒታት ምቕላብውን ዘጠቓለለ ነበረ:- “ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:38) ናይ ጴጥሮስ ሰማዕቲ ነቲ እስራኤል ብሃገር ደረጃ ዝኸሓደቶ የሱስ ከም መሲሕ ክቕበልዎ ነበሮም።
5 እቲ ትንቢታዊ ቃላት ዮኤል ኣብቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ትሑታት ሰባት ዓቢ ጽልዋ ነይርዎ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሕጂ እውን ዝዓበየ ጽልዋ ኣለዎ: ምኽንያቱ እቲ ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘበን እተፈጸመ ነገራት ከም ዝሕብሮ ካልኣይ ፍጻሜ ናይ ትንቢት ዮኤል እውን ኣሎ። ብኸመይ ምዃኑ እስከ ንርአ።
6. መንነት ናይቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል 1914 እናቐረበት ክትመጽእ ከላ ክንጽር ዝጀመረ ብኸመይ ኢዩ፧
6 ድሕሪ ሞት ሃዋርያት እቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል በቲ ናይ ሓሶት ክርስትና ክርዳድ ተሸፈኑ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ብ1914 ዝጀመረ ግዜ መወዳእታ መንነት ናይዞም መንፈሳውያን እስራኤል እንደገና ተነጸረ። እዚ ዅሉ ድማ ፍጻሜ ናይቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ ስርናይን ክርዳድን ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 13:24-30, 36-43) 1914 እናቐረበት ክትመጽእ ከላ: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ነቲ ናይታ ዘይእምንቲ ህዝበ-ክርስትያን ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነት ብትብዓት ብምንጻግ: ምውዳእ ናይቲ ዝቐርብ ዝነበረ “ምዱብ ዘመናት ኣህዛብ” ድማ ብምስባኽ ንገዛእ ርእሶም ካብኣ ፈለዩ። (ሉቃስ 21:24 NW ) እንተዀነ ግን: እቲ ብ1914 ዝጀመረ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ዘይተዳለውሉ ጕዳያት ኣልዓለ። ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ጸቕጢ ብዙሓት ዘሓሉ: ገሊኣቶም ድማ ተለማመጡ። ብ1918 ናይ ስብከት ንጥፈታቶም ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ደው በለ።
7. (ሀ) ብ1919 ምስቲ ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝመሳሰል እንታይ ፍጻመ ኢዩ ዘጋጠመ፧ (ለ) ካብ 1919 ጀሚሩ ምውራድ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ሳዕቤን ነበሮ፧
7 እዚ እውን እንተዀነ ብዙሕ ኣይጸንሐን። ካብ 1919 ጀሚሩ የሆዋ ንመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ብዘዘኻኽር ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ መንፈሱ ከፍስስ ጀመረ። ልክዕ ኢዩ ብ1919 ብቛንቋታት ምዝራብን ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስን ኣይነበረን። ካብቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:8 ተጠቒሱ ዘሎ ቃላት ጳውሎስ: ተኣምራት ነዊሕ ይገብር ከም ዝተረፈ ኢና ንርዳእ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ኣብ ሰዳር ፖይንት ኦሃዮ: ሕ.መ.ኣ. እተገብረ ዓቢ ኣኼባ እቶም እሙናት ክርስትያናት ተሓዲሶም ንብስራት ናይታ መንግስቲ እንደገና ክሰብክዎ ምስ ጀመሩ: ብ1919 መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝነበረ ርኡይ ኢዩ ነይሩ። ብ1922 ናብ ሰዳር ፖይንት ተመልሱ: በቲ “ብዛዕባ እቲ ንጉስን እታ መንግስትን ኣውጁ: ኣውጁ: ኣውጁ” ዝብል ለበዋ ድማ እንደገና ተለዓዓሉ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዘጋጠመ: ዓለም መንፈስ የሆዋ ብምፍሳሱ ዝነበሮ ውጽኢት ንኽትርኢ ተገዲዳ ኢያ። ህይወቱ ዝወፈየ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን — ወዲ ተባዕታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ: ዓቢ ይኹን ንእሽቶ—‘ክንበ’ ማለት ነቲ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ክእውጅ ጀመረ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:11) ልክዕ ከም ጴጥሮስ: ነቶም ትሑታት ሰባት “ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑ” ኢሎም መዓድዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:40) እቶም ምላሽ ዝሃቡኸ ነዚ ብኸመይ ክገብርዎ ከኣሉ፧ ነቲ “ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ” ዝብል ኣብ ዮኤል 2:32 ዝርከብ ቃላት ዮኤል ብምቕላብ ኢዮም ዝገብርዎ።
8. ካብ 1919 ኣትሒዙ ምስ ናይ ኣምላኽ እስራኤል እተተሓሓዘ ነገራት ዝማዕበለ ብኸመይ ኢዩ፧
8 ካብተን ናይ መጀመርታ ዓመታት ኣትሒዙ: እቲ ዕዮታት ናይ ኣምላኽ እስራኤል ንቕድሚት ገጹ ሰጒሙ ኢዩ። ምሕታም ናይቶም ቅቡኣት ዳርጋ ኣብ ምውዳእ ገጹ ዝኸደ ይመስል ነበረ: ካብ 1930ታት ጀሚሩ ድማ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ትሑታት ሰባት ዝሓዘ ዓቢ ጭፍራ ተቐልቀለ። (ራእይ 7:3, 9) ኵሎም ናይ ህጹጽነት ስምዒት ይስምዖም ኢዩ: ከመይሲ እቲ ናይ ዮኤል 2:28, 29 ካልኣይ ፍጻሜ: እቲ ዓለምለኻዊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ናይ ፖለቲካ: ከምኡውን ናይ ንግዲ ኣገባብ ዝጠፍኣላ ዝዓበየት እተፍርህ መዓልቲ የሆዋ ካብቲ ናይ ቅድም ንላዕሊ ኣዝያ ቀሪባ ከም ዘላ ኢዩ ዝገልጽ። ከም ዘድሕነና ምሉእ ብምሉእ እምነት ብምግባር ‘ስም [የሆዋ] ክንጽውዕ’ እኹል ምኽንያት ኣሎና!
ብኸመይ ኢና ስም የሆዋ እንጽውዕ፧
9. ስም የሆዋ ኣብ ምጽዋዕ ተጠቓሊሉ ካብ ዘሎ ገለ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
9 ስም የሆዋ ምጽዋዕ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧ ናይ ዮኤል 2:28, 29 ትሕዝቶ ጽሑፍ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ክሕግዘና ኢዩ። ንኣብነት: የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ዝጽውዖ ሰብ ኣይኰነን ዝሰምዕ። ብኻልእ ነብዪ ማለት ብኢሳይያስ ኣቢሉ የሆዋ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም:- “ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ: ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን: ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም: ኣይሰምዕን እየ።” የሆዋ ንህዝቡ ምስማዕ ዝኣበዮም ስለምንታይ ኢዩ፧ ንሱ ባዕሉ “ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን” ብምባል ይምልስ። (ኢሳይያስ 1:15) የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ናይ ደም ገበነኛ ወይ ሓጢኣት ዝገብር ሰብ ኣይሰምዖን ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢዩ ጴጥሮስ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ነቶም ኣይሁድ ክናስሑ ዝነገሮም። ኣብቲ ናይ ዮኤል 2:28, 29 ትሕዝቶ ጽሑፍ: ዮኤል እውን ነስሓ ከም ዘድሊ ኣጕሊሑ ምህላዉ ኢና እነንብብ። ንኣብነት: ኣብ ዮኤል 2:12, 13 ከምዚ ነንብብ:- “እምበኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ: ይብል እግዚኣብሄር። ንሱ ንዅራ ደንጓዪ: ብሳህሊ ኸኣ ምሉእ: ብእከይ ድማ ተጠዓሳይ: ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ: ክዳንኩም ኣይኰነን ልብኹም ደኣ ቕደዱ: ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ።” ካብ 1919 ጀሚሮም እቶም ቅቡኣት ተረፍ ምስ እዘን ቃላት እዚኣተን ብምስምማዕ ተመላሊሶም ኢዮም። በቲ ዘርኣይዎ ድኻም ተናሲሖም: እንደገና ንኸይለማመጡ ወይ ንኸይዝሕሉ ድማ ቈሪጾም ተላዕሉ። እዚ ድማ መንፈስ ኣምላኽ ንኽፈስስ መገዲ ከፈተ። ስም የሆዋ ክጽውዕን ክስማዕን ዝደሊ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክወስድ ኣለዎ።
10. (ሀ) ናይ ሓቂ ነስሓ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ንናይ ሓቂ ነስሓ ብኸመይ ኢዩ ዝምልሰሉ፧
10 ናይ ሓቂ ነስሓ “ተጋግየ” ካብ ምባል ንላዕሊ ምዃኑ ኣይትረስዕ። እስራኤላውያን ዕምቈት ስምዒቶም ንምርኣይ ክዳውንቶም ይቐዱ ነበሩ። እንተዀነ ግን የሆዋ “ክዳንኩም ኣይኰነን ልብኹም ደኣ ቕደዱ” ይብል። ናይ ሓቂ ነስሓ ካብ ልቢ: ካብቲ ውሽጣዊ እንታይነትና ዝመጽእ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 55:7 “ረሲእ መገዱ: ዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ: ናብ እግዚኣብሄር ይመለስ” ብምባል ተገሊጹ ዘሎ ንጌጋ ምግባር ዝባንካ ምሃብ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ልክዕ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ንሓጢኣት ምጽላእ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። (እብራውያን 1:9) ድሕርዚ: የሆዋ ‘ንዅራ ደንጓዪ: ብሳህሊ ኸኣ ምሉእ: ርሕሩሕን መሓርን’ ስለ ዝዀነ: ብመሰረት እቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ይቕረታ ከም ዝገብረልና ኣብኡ እምነት ነሕድር። ንኣምልኾና ማለት ነቲ እነቕርቦ መንፈሳዊ መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ክቕበሎ ኢዩ። ስሙ ክንጽውዕ ከሎና ክሰምዓና ኢዩ።—ዮኤል 2:14
11. ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ህይወትና ከመይ ዝበለ ቦታ ኢዩ ክህልዎ ዝግባእ፧
11 የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” ክብል ከሎ ካልእ ክንዝክሮ ዘሎና ነገር ኢዩ ነጊሩና። (ማቴዎስ 6:33) ኣምልኾና ሳሕቲ: ንሕልናና መቕሰኒ ኢልና ጥራይ እንገብሮ ገይርካ ክርአ የብሉን። ንኣምላኽ ምግልጋል ኣብ ህይወትና ቀዳማይ ቦታ ክሕዝ ኢዩ ዝግባእ። የሆዋ ብዮኤል ገይሩ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ: . . . ህዝቢ አክቡ: ማሕበር ቀድሱ: ኣረገውቲ አክቡ: ቈልዑን ጡብ ዚጠብዉን አክቡ። መርዓዊ ኻብ ቤቱ ይውጻእ: መርዓት ከኣ ካብ ሕልፍኝኣ።” (ዮኤል 2:15, 16) ሓደስቲ መርዓውቲ ኣብ ንሓድሕዶም ጥራይ ስለ ዝግደሱ: ካልእ ነገራት ክርስዑ ባህርያዊ ኢዩ። ይኹን እምበር: ንሳቶም እውን እንተዀነ ንየሆዋ ምግልጋል ቀዳማይ ቦታ ክህብዎ ኢዩ ዝግባእ። ቅድሚ እቲ ስሙ ብምጽዋዕ እንገብሮ ኣኼባ ዋላ ሓንቲ ነገር ክመጽእ የብሉን።
12. ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝነበረ ናይ ዝኽሪ በዓል ጸብጻብ ዕቤት ክህሉ ከም ዝኽእል ዝሕብር እንታይ ኢዩ እተራእየ፧
12 ነዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: ነቲ ኣብ ናይ 1997 ናይ ኣገልግሎት ዓመት እተራእየ ጸብጻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እስከ ንርአ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 5,599,931 ዝኣኽሉ ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ነበሩ: እዚ ድማ ብሓቂ ዓቢ ጭፍራ ወደስቲ ማለት ኢዩ! ኣብ ዝኽሪ በዓል ዝነበረ ቍጽሪ ተኣከብቲ 14,322,226 ነይሩ: እዚ ድማ ካብቲ ናይ ኣስፋሕቲ ቍጽሪ ዳርጋ ብልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዛይድ ኢዩ። እዚ ቝጽሪ እዚ ዘገርም ዕቤት ክህሉ ከም ዝኽእል ዘርኢ ኢዩ። መብዛሕትኦም ካብዞም ሸሞንተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዀኑ ሰባት ከም ተገደሰቲ ሰባት መጠን ድሮ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘጽንዑ ዘለዉ ወይ ድማ ናይ እተጠምቁ ወለዲ ውሉዳት ኢዮም። ኣዝዩ ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰባት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣኼባታት ተኻፊሎም ኢዮም። ኣብ ኣኼባታት ምክፋሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክፈልጥዎምን ተወሳኺ ዕቤት ክገብሩ ድማ ንኽሕግዝዎምን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ከፊትሎም ኢዩ። እቶም ኵሉ ግዜ ኣብ ናይ ዝኽሪ በዓል ዝመጹ: ምናልባት እውን ሳሕቲ ካልእ ኣኼባታት ዝካፈሉ: ተወሳኺ ዕቤት ግን ዘይገብሩ ሰባት ከኣ ነይሮም ኢዮም። ልክዕ ኢዩ: ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ምሳና ክእከቡ ሓንጎፋይ ኢልና ኢና እንቕበሎም። እንተዀነ ግን: ክጽውዕዎ ከለዉ የሆዋ ከም ዝሰምዖም ምእንቲ ከረጋግጹ: ነቲ ናይ ዮኤል ትንቢታዊ ቃላት ብጥንቃቐ ከስተንትንሉ: እንታይ ተወሳኺ ስጕምቲ ክወስዱ ከም ዘለዎም ድማ ክሓስብሉ ነተባብዖም።
13. ድሮ ስም የሆዋ ንጽውዕ እንተድኣ ኣሊና: ንኻልኦት ሰባት እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዘሎና፧
13 ሃዋርያ ጳውሎስ ንስም የሆዋ ናይ ምጽዋዕ ካልእ መዳይ ኣጕሊሑ ኣሎ። ኣብታ ንሰብ ሮሜ ዝለኣኻ ደብዳብ: ናይ ዮኤል ትንቢታውያን ቃላት ይጠቅስ:- “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ።” ድሕርዚ ከምዚ ዝስዕብ ክውንነታዊ መረድኢ ይህብ:- “ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ: ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺአምኑ፧ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧” (ሮሜ 10:13, 14) እወ: ክሳዕ ሎሚ ንየሆዋ ዘይፈልጥዎ ካልኦት ብዙሓት ሰባት ስም ኣምላኽ ክጽውዑ የድልዮም ኢዩ። እቶም ድሮ ንየሆዋ ዝፈልጥዎ ክሰብኩ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቶም ዘይፈለጡ ሰባት ክረኽብዎምን እቲ ሓገዝ እቲ ክህብዎምን ሓላፍነት ኣለዎም።
መንፈሳዊት ገነት
14, 15. ህዝቢ የሆዋ ከምቲ ንዕኡ ዘሐጕሶ መገዲ ገይሮም ስሙ ብምጽውዖም ከመይ ዝበለ ገነታዊ ኵነታት ዘለዎ በረኸታት ኢዮም ዘስተማቕሩ፧
14 እቶም ቅቡኣትን ካልኦት ኣባጊዕን ንነገራት ከምዚ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ: ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ የሆዋ ይባርኾም። “እግዚኣብሄር ንሃገሩ ቐንኤ: ንህዝቡ ኸኣ ራሕርሔ።” (ዮኤል 2:18) ብ1919 የሆዋ ንህዝቡ ክመልሶምን ናብቲ ናይ መንፈሳዊ ንጥፈት ኵነታት ከምጽኦምን ከሎ ቅንእን ድንጋጸን ኣርእዩ ኢዩ። እዚ ብሓቂ መንፈሳዊ ገነት ኢዩ: በዚ ዝስዕብ ቃላት ዮኤል ድማ ጽቡቕ ገይሩ ተገሊጹ ኣሎ:- “ኣቲ ሃገር: እግዚኣብሄር ዓብዪ ነገር ገይሩ እዩ እሞ: ኣይትፍርሂ: ተሐጐሲ ባህውን ይበልኪ። ኣቱም እንስሳ መሮር: እቲ መጓሰዪ በረኻ ለምሊሙ: ኦም ፍሬኡ ይፈሪ: ኦም በለስን ተኽሊ ወይንን ከኣ ሓይሉ ይህብ አሎ እሞ: ኣይትፍርሁ። ኣቱም ደቂ ጽዮን: ዝናም ጽድያ ብልክዕ ይህበኩም: ዝናም ጽድያን ጽብሓትን ከም ቀደሙ የውርደልኩም አሎ እሞ: ተሐጐሱ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ባህ ይበልኩም። ኣዕውዲ ኸኣ እኽሊ ኺመልእ: መጽመቚታትውን ወይንን ዘይትን ኪጅርብብ እዩ።”—ዮኤል 2:21-24
15 ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ባህ ዘብል መግለጺ ኰን ኢዩ! እቲ ኣብ እስራኤል ንህይወት ዘድሊ ሰለስተ ቀንዲ መሰረታዊ ነገር—እኽሊ: ናይ ኣውሊዕ ዘይቲ: ከምኡውን ወይኒ—ምስ ብዙሓት ኣሓ ሓዊስካ ኣኽል-ታርፍ ነበረ። ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን እዘን ትንቢታውያን ቃላት እዚኣተን ብመንፈሳዊ መገዲ ብርግጽ ተፈጺመን ኢየን። የሆዋ እቲ ዘድልየና ኵሉ መንፈሳዊ መግቢ ይህበና ኢዩ። ኵልና በዚ ኣምላኽ ዝሃበና ኣኽል-ታርፍ ነገራት ኣይንሕጐስንዶ ኢና፧ ብርግጽ: ከምቲ ሚልክያስ ኣቐዲሙ ዝበሎ ኣምላኽ ‘መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ: በረኸት ብዘይ ልክዕ ኣፍሲሱልና ኢዩ።’—ሚልክያስ 3:10
መወዳእታ ናይ ሓደ ኣገባብ
16. (ሀ) ምውራድ መንፈስ የሆዋ ንግዜና እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧ (ለ) መጻኢ ግዜ እንታይ ኢዩ ሒዙ ዘሎ፧
16 ዮኤል ብዛዕባ እቲ ገነታዊ ኵነታት ህዝቢ ኣምላኽ ድሕሪ ምንባዩ ኢዩ ብዛዕባ ምውራድ መንፈስ የሆዋ እተዛረበ። ጴጥሮስ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ነዚ ትንቢት እዚ ክጠቅስ ከሎ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ከም እተፈጸመ ተዛሪቡ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:17) ኣብቲ እዋን እቲ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ማለት መወዳእታ መዓልትታት ኣገባብ ኣይሁድ ጀሚረን ማለት ኢዩ ነይሩ። ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል መንፈስ ቅዱስ ምውራድ ማለት ኣብ መወዳእታ መዓልትታት ናይዚ ዓለምለኻዊ ኣገባብ እዚ ንነብር ኣሎና ማለት ኢዩ። ብመንጽር እዚ ክርአ ኸሎ: መጻኢ ግዜ እንታይ ኢዩ ሒዙ ዘሎ፧ ትንቢት ዮኤል ቀጺላ ከምዚ ትብለና:- “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት: ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን: ከርኢ እየ። እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት: ጸሓይ ኣብ ጸልማት: ወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ።”—ዮኤል 2:30, 31
17, 18. (ሀ) ከመይ ዝበለት እተፍርህ መዓልቲ የሆዋ ኢያ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዝመጸት፧ (ለ) እታ እተፍርህ መዓልቲ የሆዋ ክትመጽእ ርግጽ ምዃኑ እንታይ ንምግባር ኢዩ ዘለዓዕለና፧
17 ብ66 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ፍጻመታት ብዘይ ምቍራጽ ናብታ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝመጸት “ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ገጹ እናማዕበለ ክኸይድ ከሎ እዚ ትንቢታዊ ቃላት እዚ ሓቅነቱ ክርአ ጀመረ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ መንጎ እቶም ንስም የሆዋ ዘይጽውዑ ክትርከብስ ክሳዕ ክንደይ ዘርዕድ ኰን ኢዩ ነይሩ! ሎሚ እውን: ብምልኡ እዚ ናይ ዓለም ኣገባብ ብኢድ የሆዋ ክዓኑ ከሎ ዘርዕድ ፍጻመታት ኣብ ቅድሜና ይጽበየና ኣሎ። ገና ግን ምድሓን ይከኣል ኢዩ። እቲ ትንቢት ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ኪኸውን ከኣ እዩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ: ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ኣብቶም እግዚኣብሄር ዚጽውዖም ተረፍን ምድሓን ኪኸውን እዩ እሞ: ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።” (ዮኤል 2:32) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስም የሆዋ ምፍላጦም ብሓቂ መመስገንቲ ኢዮም: ክጽውዕዎ ከለዉ ከም ዘድሕኖም ድማ ምሉእ ትውክልቲ ኣለዎም።
18 ይኹን እምበር: እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ የሆዋ በቲ ሒዛቶ ዘላ ኵሉ ቍጥዓ ነዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ክትወቕዓ ከላ እንታይ ከጋጥም ኢዩ፧ እዚ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጽ ክዝረበሉ ኢዩ።
ትዝክሮዶ ኢኻ፧
◻ የሆዋ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ መንፈሱ ዘውረደ መዓስ ኢዩ፧
◻ ስም የሆዋ ኣብ ምጽዋዕ ተጠቓሊሉ ዘሎ ገለ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
◻ እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ስጋውያን እስራኤል ዝመጸት መዓስ ኢያ፧
◻ የሆዋ ነቶም ሎሚ ስሙ ዝጽውዑ ዝባርኾም ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ሓደ ሓድሽ ህዝቢ ተወልደ
[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ክፍለ-ዘበን: የሆዋ ንመፈጸምታ ትንቢት ዮኤል 2:28, 29 ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እንደገና መንፈሱ ኣውረደ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ሰባት ስም የሆዋ ምእንቲ ክጽውዑ ክሕገዙ ኣለዎም