ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናብራ ገፋፍ ዓሳ
“ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ረአየ። የሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም።”—ማቴዎስ 4:18, 19።
ዓሳ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ገፈፍቲ ዓሳ ዚብል ቃላት ኣብ ወንጌላት ብዙሕ ሳዕ እዩ ዚጥቀስ። አረ፡ የሱስሲ ብዛዕባ ምግፋፍ ዓሳ ሓያሎ ምስላታት ሂቡ ኣሎ። እዚ ድማ ዜገርም ኣይኰነን፡ ከመይሲ፡ መብዛሕትኡ ግዜኡ ኣብ ጥቓ ወይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ገሊላ ኰይኑ ንኻልኦት ብምምሃር እዩ ዜሕልፎ ነይሩ። (ማቴዎስ 4:13፣ 13:1, 2፣ ማርቆስ 3:7, 8) እዚ ጽሩይ ማይ ዝነበሮ ቐላይ እዚ፡ ንውሓቱ 20.92 ኪ.ሜ. ስፍሓቱ ኸኣ 11.27 ኪ.ሜ. እዩ ነይሩ። ካብ ሃዋርያት የሱስ እቶም ሸውዓተ፡ ማለት ጴጥሮስን እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን ፊልጶስን ቶማስን ናትናኤልን ገፈፍቲ ዓሳ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ዮሃንስ 21:2, 3።
ብግዜ የሱስ፡ ናብራ ገፋፍ ዓሳ እንታይ ይመስል ነበረ፧ ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶምን ብዛዕባ ዕዮኦምን ዝያዳ ፍልጠት ክትረክብ ኣይምደለኻንዶ፧ እዚ፡ ብዛዕባ ሃዋርያት ዘሎካ ምርዳእ ከም ዚዓምቝ፡ ብዛዕባ ተግባራትን ምስላታትን የሱስ ዘሎካ ፍልጠት እውን ከም ዚውስኽ እዩ ዚገብሮ። መጀመርታ ግና፡ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ምዕያይ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ርአ።
“ኣብቲ ባሕሪ ዓብዪ ምንዋጽ ኰነ”
ባሕሪ ገሊላ ኣብ መንጎ ሽንጭሮ፡ ኣስታት 210 ሜተር ኣቢሉ ኣብ ዚበጽሕ ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ ይርከብ። ገምጋም እቲ ባሕሪ ብኣኻውሕ እተኸበ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ዓብዪ ኸረን ሄርሞን ከኣ ናብ ሰማይ ተወጢሙ ይርአ። ብግዜ ኽረምቲ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ባሕሪ ዝሑል ንፋስ ስለ ዚነፍስ፡ ማዕበል ይፍጠር እዩ። ብግዜ ሓጋይ ከኣ፡ እቲ ማያት ብውዑይ ኣየር ይሽፈን። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ባሕሪ ኻብ ዘሎ ኣኽራናት ማይ እተሓወሶ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ሃንደበት መጺኡ፡ ንባሕረኛታት የናውጾም እዩ። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ከምዚ ዓይነት ህቦብላ ንፋስ ኣጋጢምዎም ነይሩ እዩ።—ማቴዎስ 8:23-27።
ገፈፍቲ ዓሳ በተን ብዕንጨይቲ እተሰርሓ፡ ብገምጋም 8.27 ሜተር ንውሓትን 2.3 ሜተር ከኣ ስፍሓትን ዘለወን ጃላቡ ይጐዓዙ ነበሩ። መብዛሕትአን እተን ጃላቡ ብሸነኽ ድሕሪተን ስኻንን ጋቢና ዚመስል መደቀስን ነበረን። (ማርቆስ 4:35-41) እዘን ዝሑላት ግናኸ ጽኑዓት ጃላቡ እዚኣተን ብሓደ ሸነኽ ነቲ ንጋንጽላን ንስኻንን ዚደፍእ ንፋስ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ነቲ ጐተት ዚብል ከቢድ መርበብ ተጻዊረን ይጓዓዛ ነበራ።
ሰብኡት ነተን ጃላቡ ብኽልቲኡ ሸነኸን ይቐዝፍወን ነበሩ። ኣብ ሓንቲ ጃልባ፡ ሽዱሽተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ። (ማርቆስ 1:20) ብተወሳኺ፡ እተን ጃላቡ፡ ናውትን ካልእ ዜድሊ ነገራትን ይስከማ ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን። ንኣብነት፡ ጋንጽላ (1)፡ ገመድ (2)፡ መቕዘፍ (3)፡ መልህቕ እምኒ (4)፡ ዜምውቕ ንቑጽ ክዳን (5)፡ ስንቂ (ማርቆስ 8:14) (6)፡ ዘናቢል (7)፡ መተርኣስ (ማርቆስ 4:38) (8)፡ ከምኡውን መርበብ (9) ነበረ። ብዘይካዚ እውን፡ ተወሳኺ መንሳፈፊ (10)፡ ንሰኪዐት ንምጥሓል ዚጠቅም ዓረራት (11)፡ ንመጸገኒ ዚኸውን ናውቲ (12)፡ ከምኡውን ፋናታት (13) ይሕዛ ነይረን ኪዀና ይኽእላ እየን።
“ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ሐዙ”
ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ሎሚ እውን ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዝያዳ ዓሳታት ዚርከበሉ ኸባቢ፡ ጥቓ እቲ ብዙሕ ምንጭታትን ወሓይዝን ዘለዎ ቦታ እዩ። ኣብዚ ኸባቢታት እዚ፡ ኣሕምልቲ ናብቲ ባሕሪ ስለ ዝኣቱ ንዓሳታት ይስሕቦም እዩ። ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ብዙሕ ዓሳ ምእንቲ ኺገፉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ፋናታት ሒዞም ብለይቲ ይዓዩ ነበሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ገሊኦም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ምሉእ ለይቲ ኺገፉ ሓዲሮም ዓሳ ኣይረኸቡን። ንጽብሒቱ ግና፡ ብመሪሕነት የሱስ፡ እንደገና መርበቦም ናብ ባሕሪ ደርበዩ እሞ፡ ጃላቡኦም ጥቓ ምጥሓል ክሳዕ ዚቐርባ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ሓዙ።—ሉቃስ 5:6, 7።
ሓድሓደ ግዜ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ኣብቲ ዕምቈት ዘለዎ ማያት ይጅልቡ ነበሩ። ዓሳ ኺገፉ ኸለዉ፡ ክልተ ጃላቡ ሒዞም ብሓባር ይዓዩ ነበሩ። እቶም ሰብኡት ብማእከል እተን ጃላቡ ሓንቲ መርበብ ይዝርግሑ እሞ፡ ሓዲኦም ንየማን ሓዲኦም ከኣ ንጸጋም ብሓይሊ እናቐዘፉ ሓያሎ ዓሳታት ይገፉ ነበሩ። ሽዑ፡ ነቲ ኣብ ኵርናዓት እቲ መርበብ እተኣስረ ገመድ ብምስሓብ ነቲ መርበብ ናብ ጃልባ የእትውዎ ነበሩ። እቲ መርበብ ልዕሊ 30 ሜተር ንውሓትን 2.44 ሜተር ዕምቈትን ስለ ዝነበሮ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ኺሕዝ ይኽእል ነበረ። ታሕታይ ክፋል እቲ መርበብ ከቢድ ነገር ይግበረሉ፡ እቲ ላዕላዩ ግና ተንሳፋፊ ነገራት ይእሰረሉ ነበረ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ መርበቦም ይዝርግሑ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ከኣ ብዙሕ ሳዕ ይጐትቱ ነበሩ።
ዕምቈት ኣብ ዘይብሉ ኸባቢ፡ ብሓደ ዚዓዩ ገፈፍቲ ዓሳ፡ እተፈላለየ ሜላታት ይጥቀሙ ነበሩ። ገሊኣቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዀይኖም ንሓደ ጫፍ እቲ መርበብ ይሕዙ፡ ካልኦት ከኣ ኣብ ሓንቲ ጃልባ ዀይኖም ነቲ ሓደ ጫፍ እቲ መርበብ ሒዞም ብምዛር ዓሳታት ይገፉ እሞ፡ እቶም ኣብቲ ገምገም ዘለዉ ገፈፍቲ ዓሳ ነቲ መርበብ ጓቲቶም ነቶም ዓሳታት ኣብኡ ኣራጊፎም ይፈላልይዎም ነበሩ። ነቶም ጽቡቓት ዓሳታት ኣብ ኣቕሓ የቐምጥዎም እሞ፡ ንገሊኦም ሽዑ ንሽዑ ኣብቲ ኸባቢ ይሸጥዎም ነበሩ። ንመብዛሕትኦም ግና ኣንቂጾም ጨው ገይሮም ኣብ ሳርማ ዓሺጎም፡ ናብ የሩሳሌም ወይ ናብ ካልእ ሃገራት ይልእኽዎ ነበሩ። ነቶም ከም ተመን ባሕሪ ዝኣመሰሉ፡ ቅርፍቲ ወይ ክንፊ ዘይብሎም ፍጥረታት ግና ከም ርኹሳት ይቝጸሩ ስለ ዝነበሩ፡ ይድርብይዎም ነበሩ። (ዘሌዋውያን 11:9-12) የሱስ ን“መንግሰተ ሰማያት” ምስ ሓንቲ መርበብ፡ ነቶም እተፈላለዩ ዓይነት ዓሳ ኸኣ ምስ ጻድቃንን እኩያትን ኣመሳሲሉ ኣብ ዝገለጸሉ ምሳሌ፡ ነዚ ሜላ ምግፋፍ ዓሳ እዩ ዚጠቅስ ነይሩ።—ማቴዎስ 13:47-50።
በይኑ ዀይኑ ዚገፍፍ ገፋፍ ዓሳ ኸኣ ብዓንቃሪቦ ኺጥቀም ይኽእል ነይሩ እዩ። ወይ ከኣ ንእሽቶ መርበብ ኪጥቀም ይኽእል ነበረ። ኣብቲ ማይ ብእግሩ እናኸደ ኸኣ ነቲ መርበብ ካብ ነብሱ ኣርሕቕ ኣቢሉ ንላዕሊ ምስ ደርበዮ፡ እቲ መርበብ ኣብቲ ማይ ይጥሕል። እቲ ገፋፍ ዓሳ ዕድለኛ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ መርበብ በቲ ኣብ ማእከሉ እተኣስረ ገመድ ምስ ሰሓቦ ሒደት ዓሳ ይረክብ ነበረ።
መርበብ ክቡር ስለ ዝነበረ፡ ንምጽጋኑ ኸኣ ብርቱዕ ጻዕሪ ይሓትት ስለ ዝነበረ፡ እቶም ሰባት ብጥንቃቐ ይሕዝዎ ነበሩ። ሓደ ገፋፍ ዓሳ ንመብዛሕትኡ ግዜኡ፡ መርበብ ኣብ ምዕራይን ኣብ ምሕጻብን ኣብ ምንቃጽን እዩ ዜሕልፎ ነይሩ። እዚ ኸኣ ዕዮ ምግፋፍ መምስ ወድአ ዚገብሮ ዝነበረ ቐጻሊ ዕዮ እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 5:2) የሱስ ንሃዋርያ ያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ንኺስዕብዎ ኺጽውዖም ከሎ፡ ክልቲኦም ኣብ ጃልባ ዀፍ ኢሎም መርበቦም የዐርዩ ነበሩ።—ማርቆስ 1:19።
እቲ ብብዝሒ ዚርከብ ዝነበረ ቲላፒያ ዚብሃል ዓሳ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ብገፈፍቲ ዓሳ ዚድለ ዝነበረ ዓይነት ዓሳ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ኣብ ገሊላ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት፡ ነዚ ዓይነት ዓሳ እዚ ኣዘውቲሮም እዮም ዚምገብዎ ነይሮም። የሱስ እውን ነዚ ምቁር ዓሳ እዚ በሊዑ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ነቶም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ብኽልተ ዓሳ ብተኣምራዊ መገዲ ኺምግቦም ከሎ እኳ፡ ነዚ ዝነቐጸን ብጨው እተቓመመን ዓይነት ዓሳ ተጠቒሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 14:16, 17፣ ሉቃስ 24:41-43) እዚ ዓይነት ዓሳ እዚ፡ ንውሉዱ ኣብ ኣፉ ገይሩ እዩ ዚሕምብስ። ውሉድ እንተ ዘይሒዙ ግና፡ ጸጸር ይሕዝ፡ ወይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ንዝረኸቦ ዜንጸባርቕ ሰልዲ እውን ከይተረፈ ይእክብ።—ማቴዎስ 17:27።
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ዕዉታት ገፈፍቲ ዓሳ ጥቕሚ ንኺረኽቡ ኢሎም ኣብ ዚገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪ፡ ዕጉሳት፡ ህርኩታት፡ ጸገማት ንምጽዋር ድማ ፍቓደኛታት ነበሩ። ብተመሳሳሊ፡ እቶም የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ ንዘቕረበሎም ዕድመ እተቐበሉ ሰባት እውን፡ ውጽኢታውያን “ገፈፍቲ ሰብ” ንኪዀኑ ኸምኡ ዝኣመሰለ ባህርያት የድልዮም ነበረ።—ማቴዎስ 28:19, 20።
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]
(See publication)