ዘተኣማምን መጻኢ ዘለዎም መንእሰያት
“ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሰንብድን ዘስካሕክሕን [ናይ ምግሳስ ጕዳይ] ተራእዩ ኣይፈልጥን” ብምባል ናይ ሓደ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተኻየደ መጋባእያ ማእከላይ ዳኛ ዝነበረ: ነቲ እተፈጸመ ገበን ገለጾ። ዕድሚኦም ካብ 14 ክሳዕ 18 ዓመት ዝበጽሕ ሾሞንተ ኮተቴ: ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ቱሪስት ኣብ ውሽጢ ከተማ ለንደን ብምኽታር ምስኣ ተደጋጋሚ ጾታዊ ርክብ ድሕሪ ምፍጻሞም: ክትሕምብስ ከም ዘይትኽእል እኳ እንተ ነገረቶም ናብቲ ኣብ ጥቕኦም ዝነበረ መትረብ ማይ ደርበይዋ። ኣደ ናይ ሓደ ካብቶም ኮተቴ ነቲ ወዳ ዝገበሮ ነገር ኣብ ጸብጻብ ዜና ተለቪዥን ምስ ረኣየቶ ካብ ስምባድ እተላዕለ ከም ዝሓመመት ምግላጻ ቅቡል ኢዩ።
እቲ ዘሕዝን: እዚ ፍጻመ እዚ ነቲ ሎሚ ኣብ ሕብረተሰብ ዘጋጥም ዘሎ ኵነታት ዝገልጽ ኢዩ። ኣብ ናይ ገበን ተግባር ይኹን ኣብ ውሽጣዊ ናዕቢ: ወይ ኣብቲ ኣብ ሃገራት ባልካን: ማእከላይን ምዕራባውን ኣፍሪቃ ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት ዘሎ ዓሌታዊ ግርጭት: ጭከና ልሙድ ኢዩ። መንእሰያት ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ይዓብዩ: ወይ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባኡ ይሰምዑ ኢዮም። ብዙሓት መንእሰያት ስምዒት ዘይብሉ ደረቐኛ ጠባይ እንተ ኣማዕበሉ: “ባህርያዊ ፍቕሪ” ዘየንጸባርቑ: ከምኡውን “ርእሰ-ግትኣት ዘይብሎም” እንተዀኑ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን።—2 ጢሞቴዎስ 3:3 NW
“ሕሱማት”
እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ሽማግለ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ካልኣይቲ መልእኽቲ ክጽሕፈሉ ኸሎ: ሮሜ ዓብላሊት ሓይሊ ዓለም ኢያ ነይራ። ኣብቲ ናይ ሮሜ መድረኻት ትያትር: ጭከናን ኣረሜንነትን ግኑን ነበረ። እንተዀነ ግን: ጳውሎስ “ክትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር” ዝዀነ እዋን ክመጽእ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1 NW ) እቲ ዘገርም ድማ: እታ እዚ እዋን እዚ “ክትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር” ከም ዝኸውን እትገልጽ ናይ ግሪኽ ቃል: ‘ሕሱም’ ከም ዝኸውን ዘመልክት ሓሳብ እውን ዝሓዘት ኢያ። ልዕሊ 30 ዓመታት ኣቐዲሙ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ ዘጋጠመ ሓደ ፍጻመ: ነቲ ኣብ ግዚኡ እተራእየ ገለ ናይ ጭከና ተግባራት ምኽንያቱ እንታይ ከም ዝነበረ ይሕብር ኢዩ።
የሱስ ብጃልባ ገይሩ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ገሊላ በጽሐ። ኣብ መሬት ምስ ወረደ ክልተ ሰብኡት ተጓነፍዎ። እቲ ዕቡድ ትርኢቶምን ጭድርትኦምን ገለ ነገር ከም ዝዀኑ ብንጹር ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። “ኣዝዮም ክፉኣት [“ሕሱማት:” NW ]”: አረ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም እውን ኢዮም ነይሮም።a እቲ ጭድርትኦም ካብቶም ነቲ ሕሱም ተግባራቶም ዝቈጻጸርዎ ዝነበሩ እኩያት መናፍስቲ ኢዩ ዝወጽእ ነይሩ። እቶም ሰብኡት “ወዲ ኣምላኽ: ምሳኻ እሞ እንታይ አሎና፧ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጻእካ፧” ብምባል ጨርሑ። ኣብቶም ክልተ ሰብኡት ሓዲሮም ዝነበሩ እኩያት መናፍስቲ: ኣምላኽ ድሮ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ፍርዱ ዘውርደሉ ግዜ መዲቡ ከም ዘሎ ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጡ ነበሩ። እዚ ድማ ዘለኣለማዊ ጥፍኣቶም ማለት ኢዩ ነይሩ። ክሳዕ ሽዑ ግን ነቲ ልዕሊ ሰብኣዊ ሓይሊ ዝዀነ ክእለታቶም ሕሱም ዓመጻ ንምምጻእ ከዘውትርዎ ነበሮም። የሱስ ነቶም ኣጋንንቲ እቲኣቶም ንምውጻእ ዝፈጸሞ ተኣምራታዊ ተግባር ጥራይ ኢዩ ነቶም ክልተ ሰብኡት ዕረፍቲ ዘምጽኣሎም።—ማቴዎስ 8:28-32፣ ይሁዳ 6
ንመንእሰያት ሓዊስካ: ሎሚ ዘለዉ ሰባት ናይ ጽላለ ተግባራት ክገብሩ ኸለዉ: ነቲ ፍጻመ እቲ ምዝካሩ የድሊ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን: ከምቲ እታ ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ እትገልጾ: ተመሳሳሊ ሓደጋ የጋጥመና ኢዩ:- “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም።” (ራእይ 12:12) ሰይጣን ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ ሓጺር ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ: እቲ ዝወረዶ ሕስራን “ብብርቱዕ ቍጥዓ” ዝስነ ምዃኑ በጃኻ ኣስተብህል።
ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ
ኣብ ገጻት ናይዚ መጽሔት እዚ ወትሩ ከም ዝጥቀስ: 1914 ክርስቶስ የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃን እተሸመላ ዓመት ኢያ። የሱስ ብኡንብኡ ኣንጻር እቲ ቐንዲ ጸላእ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ስጕምቲ ወሰደ። ድያብሎስን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ተደርብዮም ኢዮም: ሕጂ ድማ ብምሉእ ሓይሎም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣተኲሮም ኣለዉ። (ራእይ 12:7-9) ሰይጣን ዓውዲ ጽልዋኡ ኣዝዩ ቅዩድ ብምዃኑ “ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ።” (1 ጴጥሮስ 5:8) እቶም ብቐሊሉ ዝህደንሉኸ መን ኢዮም፧ ብፍላይ ነቶም ኣብ ህይወትን ሰብኣዊ ርክብን ተመክሮ ዝጐድሎም ኢዩ ዝሃድን ምባልሲ ቅቡልዶ ኸይኰነ፧ ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት እምበኣር ናይ ድያብሎስ ዒላማ ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ። በቲ ዝሰምዕዎ ሙዚቃን ዝስዕብዎ መዘናግዕን ብሓቂ ኣብ ኢድ ናይዚ ዘይርአ ጐራሕ ተቘጻጻሪ ሓሸውየ ይብሉ ኣለዉ።—ኤፌሶን 6:11, 12
መንእሰያት ኣብ ህይወቶም ዕዉታት ንምዃን እኳ እንተ ጸዓሩ: ዝዕንቅፎም ነገር ኣይስእኑን ኢዮም። ካብቲ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተወድኣሉ ግዜ ኣትሒዞም ኣብተን ቅድሚ ሕጂ ውግእ ዝነበረን መብዛሕትአን ሃገራት ዝቕመጡ ሰባት ስድራቤታቶም ብልጹግ ናብራ ህይወት ከም ዝህልወን ብምግባር ንምኽሓሰን ጽዒሮም ኢዮም። ስጋዊ ጥሪት: ቀይዲ ኣልቦ ዝዀነ ግዜ ዕረፍቲ: ከምኡውን መዘናግዒ ቀንዲ ሸቶታት ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ: ብዙሓት ሰባት ተሳቕዮም ኢዮም። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: . . . ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ: ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ . . . ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ” ብምባል ኣጠንቀቖ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ብሓፈሻ: ኣብዚ ሎሚ ብፍቕረ-ንዋይ ተታሒዙ ዝርከብ ሕብረተሰብ ዘለዉ ሰባት ቁጠባዊ: ናይ ገንዘብ: ከምኡውን ስምዒታዊ ስቓይ ከጋጥሞም ኢና እንርኢ። ካብኣቶም ድማ ብዙሓት መንእሰያት ግዳያት ናይዚ ቐንዲ ጸላእ ኣምላኽ ይዀኑ።
እቲ ባህ ዘብል ግን ዘሐጕስ ዜና ምህላዉ ኢዩ። ነቶም ዘተኣማምን መጻኢ ዝጽበዮም ዘሎ መንእሰያት ድማ የገድሶም ኢዩ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ከመይ ኢሉ ኢዩ፧
ድለ ክትረክብ ድማ ኢኻ
ብዙሓት መንእሰያት ናይ ገዛእ ርእሶም ዓለም ይፈጥሩ። ነቲ ኣብ ዓበይቲ ሰባት ልሙድ ዝዀነ ዘንቈልቍል ዘሎ መዐቀኒታት ይነጽግዎ። በቶም ስልጣን ዝሃርፉ ፖለቲከኛታትን ዓበይቲ ነጋዶን ዝርአ ዘይፍትሓውነትን ስምዒት ኣልቦ ኣረኣእያን ድማ ይሽቝርሮም ኢዩ። መንእሰይ እንተድኣ ዄንካ: ምናልባት ከምዚ ይስምዓካ ይኸውን።
ኣብ መወዳእታ ዕድመ ኮተቴ ዝርከብ: ተመክሮኡ ምስ ናይ ብዙሓት መንእሰያት ዝመሳሰል ሴድሪክ እተባህለ መንእሰይ ርአ።b ቈልዓ ኸሎ ብዙሕ ዘፍርህ ነገራት ናይ ሞት ፍርሂ እውን ከይተረፈ ነበሮ። ዕላማ ህይወት እንታይ ምዃኑ ይገርሞ ነበረ። ንሕቶታቱ መልሲ ስለ ዝሰኣነሉ ወዲ 15 ዓመት ምስ ኰነ: ምስ ካልኦት ናይ ገዛእ ርእሶም ዓለም ዝነበሮም መንእሰያት ብምሕባር ብዛዕባ ህይወት ከስተንትን ጀመረ። “ሓሽሽ ንወስድ ብዙርያ ኸቢብና ድማ ንነዊሕ ሰዓታት ነዕልል ነበርና። ኵሉ ሰብ ልክዕ ከምቲ ናትካ ይሓስብ ከም ዘሎ ዀይኑ ኢዩ ዝስማዓካ: መልሲ ዝረክብ ሰብ ግን ዋላ ሓደ ኣይነበረን” ብምባል ይዝክር።
ልክዕ ከም ብዙሓት መንእሰያት: ሴድሪክ ሓጐስ ክረክብ ሃረር ኢሉ ኢዩ። ሓሽሽ ምውሳድ ጥራይ ዕግበት ኣየምጽኣሉን። ብኡንብኡ ድማ ኣብ ስርቅን ሓሽሽ ብሕቡእ ኣብ ምትሕልላፍን ተጸምደ። ገና ካልእ ዘሐጕሶ ሓደስቲ ነገራት ደለየ። ነቶም ኣቕሓ ብጠለብ ዝዕድጉ ሰባት ክሰርቆም ጀመረ። “ከምኡ ምግባር የሐጕሰኒ ነበረ። ካብ ተራ ሰብ ግን ፈጺመ ሓንቲ ነገር ኣይወስድን ኢየ። ማኪና ሰሪቐ ክጥቀመላ እንተድኣ ዀይነ: ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ሓዲገያ ኢየ ዝኸይድ። ንሓደ ቤት ንግዲ ብምስባር ክሰርቕ እንተድኣ ዀይነ ድማ: ናይ መድሕን ውሕስነት ከም ዘለዎ ምስ ፈለጥኩ ጥራይ ኢየ ከምኡ ዝገብር። እዚ ነቲ ዝፈጸምኩዎ ነገር ምኽኑይ ከም ዝዀነ ገይረ ንኽወስዶ ሓጊዙኒ ኢዩ” ብምባል ይእመን። ክትጽበዮ ከም እትኽእል: ሴድሪክ መወዳእታኡ ቤት ማእሰርቲ ኣተወ።
ሴድሪክ ከምዚ ብምባል ይዝክር:- “ማርክ እተባህለ መተኣስርተይ የዘራርበኒ ነበረ። ኣብ ቅልጽመይ ዓቢ ናይ መስቀል ውቃጦ ምስ ረኣየ: ስለምንታይ ከም እተወቀጥክዎ ሓተተኒ። ካብ ሃይማኖታዊ ምግዳስ ተላዒለ ከም ዝገበርክዎ ኢዩ ሓሲቡ።” ድሕሪ ኽልተ ቕነ: ማርክ ንሴድሪክ ሓንቲ ቕዳሕ ናይታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል መጽሓፍ ሃቦ።c “ ‘ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ’—እዘን ቃላት እዚኣተን ብኡንብኡ መሰጣኒ። ኵሉ ግዜ እንዛረበሉ ዝነበርና ነገር እዚ ኢዩ ነይሩ: ነቲ መሰረቱ ግን ፈጺምና ክንረኽቦ ኣይከኣልናን።” ሴድሪክ ምስ ሓደ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝበጽሕ ዝነበረ ናይ የሆዋ ምስክር ብዙሕ ምስ ተዘራረበ: እቲ ሃረር ዝብሎ ዝነበረ ነገር ክርከብ ዝከኣል ምዃኑ ተረድአ—እዚ ግን ብመገዲ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ።
ሴድሪክ “ምስቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ምሕባር ሓንሳእ ምስ ኣቋረጽኩ: ቅልጡፍ ዕቤት ኣርኣኹ” ብምባል ይገልጽ። ኣብ ምርድኡን ነቲ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣብ ምግንዛብን ዘርኣዮ ዕቤት ቀሊል ኣይነበረን። “ገና እዓየሉ ኢየ ዘሎኹ። ብኣተሓሳስባይ ጥንቁቕ ክኸውን ኣሎኒ” ድማ ይብል። እወ: ሴድሪክ ሸቶታቱ ክብጻሕ ዝከኣል ኣብ ምሕጓስ ዘተኰረ ንጥፈታት እናሰዓብካ ጥራይ ኢዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ብምሓዝ: ናይ ገዛእ ርእስኻ ዓለም ምፍጣር ኣብ መፈንጠራ ድያብሎስ ከም ዘውደቖ ሕጂ ተረዲኡ ኢዩ።
እቲ ዘሐጕስ ግን: ሴድሪክ ካብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝወጽእ ነዊሕ ግዜ ኣሕሊፉ ኢዩ: ምስቶም ነቲ ሃለው ዝብልዎ ዝነበሩ ነገር ዝረኸቡ ካልኦት ሰባት ድማ ስርዓታዊ ሕብረት የስተማቕር ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃን: ነቲ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋኦም ረኺብዎ ኢዩ። ሰይጣናዊ ጽልዋ ምስ ኵሉ መልክዓቱ ዝጠፍኣሉ ግዜ ድማ ብተስፋ ይጽበ ኣሎ።
ርግጽ ኢዩ: ከም በዓል ሴድሪክ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ጥራይ ኣይኰኑን ዘተኣማምን መጻኢ ዘለዎም፣ ኣብ ደቆም ፍቕሪ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ዝተኸሉ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ዘዕበይዎም ካልኦት መንእሰያት እውን ኣለዉ።
ኣምላኻዊ ምልምማድ ጻማ ኣለዎ
እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” ብምባል ጸሓፈ። (ምሳሌ 22:6) እዚ ኣብ ኵነታት ናይቶም ንመዐቀኒታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ ዝመረጹ ብዙሓት ውፉያት መንእሰያት ሓቂ ዀይኑ ተረኺቡ ኢዩ።
ሺላ: ጎርዶን: ሴራ እተባህሉ መንእሰያት ከምኡ ኢዮም ገይሮም። ወለዶም ንብስራት ናይታ መንግስቲ ብምስባኽ ‘ኬድኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ’ ዝብል ናይ ክርስቶስ ትእዛዝ ምሕላው ዝያዳ ኣገዳሲ ነገር ገይሮም ይርእይዎ ከም ዝነበሩ ይዝክሩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ሺላ “ኣደይን ኣነን ንዝዀነ ይኹን ክግበር ዘለዎ ውሳነ: ‘ንዕዮ ስብከት ብኸመይ ይትንክፎ፧’ ብምባል ንሓድሕድና ንዘራረበሉ ነበርና” ትብል። “ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ብምሓዝ: ንብዙሕ ናይ ስራሕ መደባት ኣቋሪጽናዮ ኢና” ብምባል ትእመን: ቅጽል ኣቢላ ድማ “ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸታት ኰን ኢና ግን ዝረኸብና!” ትብል። ሺላን ኣዲኣን ኣብቲ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ኣባይቲ ሰባት ብስራት ከብጽሓ ውዒለን ናብ ገዝአን ዝምለሳሉ እዋናት እውን ከይተረፈ እናዘመራ ኢየን ዝምለሳ ነይረን። ሺላ “ሓጐሰይ ምሉእ ነበረ። ገና ክሳዕ ሕጂ ድማ ሓጐስ ይስምዓኒ ኣሎ” ትብል።
ጎርዶን ቀዳም ምሸት ዘሕልፎ ዝነበረ ብዙሕ ባህ ዘብል እዋናት ይዝክር። ጎርዶን ከምዚ ይብል:- “ናብቲ ጠቓሚ ሕቶታትን ዕላላትን ዝነበረሉ ኣባይቲ ናይቶም ሽማግለታት ጉባኤ እዕደም ነበርኩ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ክንዝክር: ናጻ ዄንና ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣርእስትታት ክንመያየጥ: ኣብ ኣገልግሎት ዘጋጠመ ተመክሮ ከነዘንቱ: ከምኡውን ዕዮ ናይታ መንግስቲ ክሳዕ ክንደይ ይሰፍሕ ከም ዝነበረ ክንፈልጥ ተተባቢዕና ኢና። ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ጽቡቕ መሰረት ከንብርን ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎኒ ፍቕሪ ክዅስኵስን ሓጊዙኒ ኢዩ።”
ሴራ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ንኣሕዋት ኣብ ምብጻሕ እተሕልፎ ዝነበረት እዋን ምሸት ባህ ዘብል ተዘክሮታት ኢዩ ዘለዋ። “ሓቢርና ንበልዕ። ድሕርዚ ድማ ቅድሚ ምፍልላይና ምስቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መዝሙራት ሓቢርና ብምዝማር ፒያኖ ንጻወት። ብፍላይ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ዝነበርናሉ ዓመታት: ሙዚቃ ከም ስድራቤት መጠን ሓቢርና ነገራት ከም እንዓዪ ስለ ዝገበረና ብሓቂ ሓጊዙና ኢዩ።”
ርግጽ ኢዩ: ኵሉ ዘማልአ ኵነታት ስድራቤት ዘለዎም ኵሎም ንየሆዋ ከሐጕሱ ዝደልዩ መንእሰያት ኣይኰኑን። ይኹን እምበር: ምስተን ኣብታ ጉባኤ ዘለዋ ካልኦት ስድራቤታት ጥብቂ ርክብ ምግባር: ዕቝባ ከም ዝረኸቡን ኣባላተን ከም ዝዀኑን ክስምዖም ይሕግዝ ኢዩ።
ንመጻኢ ዝኸውን ዘተኣማምን መሰረት ዓቅብ
ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ምርጫ ኣለዎም። እዛ እክይቲ ዓለም ናብቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረበሉ ኣብ “ዓቢ ጸበባ” ዝህሉ ጥፍኣት ገጻ ብናህሪ ክትውንጨፍ ከላ ምስኣ ክቕጽሉ ይኽእሉ ኢዮም። ወይውን ከምቲ ብመንፈስ ተደሪኹ መዝሙር ዝጸሓፈ ኣሳፍ ዝዘመሮ “ተስፋኦም ናብ ኣምላኽ ኪገብሩ: ትእዛዛቱ ኺሕልዉ” ይኽእሉ ኢዮም። ንኣምላኽ ምእዛዝ “ህልኸኛን ዓለወኛን ወለዶ: . . . ልቡ ቀጥ ዘይበለ: መንፈሱውን ናብ ኣምላኽ ዘይተአመነ ወለዶ” ካብ ምዃን ክከላኸለሎም ኢዩ።—ማቴዎስ 24:21 NW ፣ መዝሙር 78:6-8
ኣብተን ልዕሊ 80,000 ዝዀና ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ክትንእዶም እትኽእል ብዙሓት መንእሰያት ክትረክብ ኢኻ። ጳውሎስ “ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ: ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ: ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ: . . . ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ” ብምባል ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ዝሃቦ ምኽሪ ኢዮም ዝስዕቡ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ኣብዚ እዋን እዚ ‘ናይ ሓቂ ህይወት ንምርካብ’ ጽኑዕ ተስፋ ኣለዎም። (1 ጢሞቴዎስ 6:18, 19) ኣብ ኣኼባታቶም ብምክፋል ነዞም ናይ ሓቂ ክርስትያናት እዚኣቶም ዝያዳ ፍለጦም። ድሕርዚ ንስኻ እውን ናይ ዘተኣማምን መጻኢ ተስፋ ክህልወካ ይኽእል ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እታ ኣብ ማቴዎስ 8:28 “ሕሱማት” (NW) ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1 እውን ትርከብ ኢያ።
b ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።
c ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ኣብቶም የሱስ ዘሕወዮም “ኣዝዮም ሕሱማት ” ሰብኡት: እኩያት መናፍስቲ ኢዮም ሓዲሮም ነይሮም
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
“ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ” ምህናጽ