-
“ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”“ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
-
-
11 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ የሆዋ ኺውከሉ መሃሮም። “ወርቂ ዀነ፡ ብሩር ኰነ፡ ነሓሲ ዀነ፡ ኣብ ቅናውትኹም ኣይትሓዙ። ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ንመገዲ ለቘታ ስንቂ፡ ወይ ክልተ ቐምሽ፡ ወይ ኣሳእን ወይ በትሪ ኣይትሓዙ” በሎም። (ማቴዎስ 10:9, 10) ተጓዓዝቲ ዘበሉ ኣብ ቅናውቶም ገንዘብ ምቝጻር፡ ስንቂ ምሓዝ፡ ከምኡ እውን ትርፊ ጽምዲ ሳእኒ ምምላእ ልሙድ ነበረ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኺጭነቑ ኸም ዘይብሎም ትምህርቲ ኺህቦም ከሎ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ “የሆዋ ዜድልየኩም ኬማልኣልኩም እዩ እሞ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ተወከሉ” እዩ ዚብሎም ነይሩ። ኣብ እስራኤል ጋሻ ናይ ምቕባል ልምዲ ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ ነቶም ነቲ ብስራት እተቐበሉ ዘበሉ ኼአንግድዎም ብምድራኽ ዜድልዮም ኬማልኣሎም እዩ።—ሉቃስ 22:35።