“ብባህርያዊ መገዲ ጥበበኛታት” ዝዀኑ ፍጥረታት እንታይ ክምህሩና ከምዝኽእሉ
ኣየር ዘመቻችእ መሳርሒ: ፈሳሲ ብዛሕሊ ከይረግእ ዝከላኸል ነገር: ንጨዋም ማይ ነቲ ጨዉ ፈሊኻ ናይ ምጽራይ ኣገባብ: ከምኡውን ኣብ ማይ ንዝርከብ ነገራት መቓልሕ ፈጢርካ ምልላይ: ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ብሰፊሑ ንወድሰብ እተገልጽሉ ምህዞታት ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብ ናይ እንስሳ ዓሌት ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ኣቐዲሞም ዝነበሩ ኢዮም። እወ: ወድሰብ ነቶም “ብባህርያዊ መገዲ ጥበበኛታት” ዝዀኑ ፍጥረታት ብምጽናዕ ይጥቀም ኢዩ። (ምሳሌ 30:24-28 ትሓዓ፣ እዮብ 12:7-9) ገለ እንስሳታት ዘይዛረቡ ናይ ወድሰብ መምህራን ዝዀኑ ኢዮም ዝመስሉ: ባህርያቶም ምጽንዑ ኸኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።
ንባህርያት ናይ ገለ እንስሳታት ምስ እንምርምሮ ክንጥቀም ንኽእልዶ ኢና፧ እወ: የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ: ምስ ኣባጊዕ: ኣትማን: ረገቢት: ከምኡውን ምስ ኣንበጣ ኣመሳሲልዎም ኣሎ። ንሰዓብቱ ምስ እዞም ፍጥረታት እዚኣቶም ከመሳስሎም ከሎ ኣብ ኣእምሮኡ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ እስከ ንርአ።
‘ኣባጊዐይ ድምጸይ ይሰምዓ’
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣባጊዕ ልዕሊ 200 ግዜ ተጠቒሰን ኣለዋ። ስሚዝስ ባይብል ዲክሽነሪ (እንግሊዝኛ) ከም ዝገለጾ “በጊዕ ናይ ትሕትና: ትዕግስቲ: ከምኡውን ተኣዛዝነት ምልክት ኢያ።” ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 53 የሱስ ንባዕሉ ብትንቢታዊ መገዲ ብበጊዕ ተመሲሉ ኣሎ። ንሱ ባዕሉ ንሰዓብቱ ምስታ እንስሳ እቲኣ ከመሳስሎምሲ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ! ግናኸ የሱስ ኣየናይ ፍሉይ ባህርያት ናይ ኣባጊዕ ኢዩ ኣብ ኣእምሮኡ ዝነበረ፧
የሱስ “እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ: ኣነ ኸኣ ኤለልየን: ንሳተንውን ይስዕባኒ” በለ። (ዮሃንስ 10:27) ስለዚ ኸኣ ንትሕትና ናይቶም ሃዋርያቱን ንኽስዕብዎ ዝነበሮም ህንጥዮትን ኣጕሊሕዎ ኣሎ። ቃል ብቓሉ ኣባጊዕ ንጓስአን ይሰምዓኦ ብፍታው ከኣ ይስዕባኦ ኢየን። እቲ ጓሳ ንባዕሉውን ምስተን መጓሰ እተቐራረበ ርክብ ኢዩ ዘለዎ።
መጓሰ ሳዕሪ ክበልዓ ከለዋ ኣብቲ ሸኻ ፋሕ ይብላ ይዀና: ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በጊዕ ምስ ብምሉኡ እቲ መጓሰ ትራኸብ ኢያ። በዚ ኸምዚ: እቲ ኣለስ ፉዩር ዳስ ሻፍ (ብቛንቋ ጀርመን) እተባህለ መጽሓፍ ከም ዝገልጾ: እተን እንስሳታት ስግኣት ወይ ፍርሂ እንተድኣ ተሰሚዑወን: “ቀልጢፈን ብሓንሳብ ክእከባ ይኽእላ” ኢየን። ኣባጊዕ ካብ ሓደጋ ከምልጣ ዝሃድማ እንተድኣ ኰይነን: እቲ ኵነታት ድሓን ምህላዉን ዘይምህላዉን ኣብ መንጎ ደው ኢለን እናኣረጋገጻ ብመጓሰአን ሓቢረን ኢየን ዝሃድማ። “በብደረጃ ምህዳመን ነተን ዕያውትን ድኽም ዝበላ እንስሳታትን ከርክባ ይሕግዘን ኢዩ። እቲ መጓሰ ፍሉይ ዕቝባውን ከይተረፈ ይህበን ኢዩ።” ካብዚ ባህርይ እዚ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
ሎሚ ዘለዉ ሓቀኛታት ክርስትያናት: ኣብ ማእከል እዘን ናይ ህዝበ-ክርስትያን ጕጅለታትን ኣንቈራታትን ፋሕ ዝበሉ ኣይኰኑን። ኣብ ክንድኡ ግን ኣብ ሓደ መጓሰ እተኣከቡ ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብዚ ናይ ኣምላኽ መጓሰ ብሕታዊ ምቅርራብ ክስምዖ ይኽእል ኢዩ: እዚ ድማ ነቲ ኣብ ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ ሓድነት ኣስተዋጽኦ ይገብር ኢዩ። ቅልውላው—ከቢድ ሕማም: ውግእ: ወይ ከኣ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ—ኣብ ዘጋጥመሉ እዋናት: ነፍሲ ወከፍ ኣምላኺ ካበይ ኢዩ መሪሕነትን ዕቝባን ክረክብ ዝደሊ፧ ካብታ መንፈሳዊ ዕቝባ እትህብ ማሕበር የሆዋ ኢዩ።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ብኸመይ ኢዩ ተዳልዩ ዘሎ፧ ብግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን በቲ ብጻዩ ዝዀነ ንቕሑ! ዝኣመሰሉ ጽሑፋት ኢዩ ዝዳሎ። እዚ መጽሔታት እዝን ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ነቶም ተወሳኺ ሓልዮት ዘድልዮም: ከምቲ ነተን ኣብቲ መጓሰ ዘለዋ ዕያውትን ድኽም ዝበላ ኣባጊዕን ዝግበረለን: ፍሉይ ሓገዝ እውን ከይተረፈ ይህቦም ኢዩ። ንኣብነት: ንንጽል ወለድን ነቶም ብመንፈስ ጭንቀት ዝሳቐዩን ቈላሕታ ይግበረሎም ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ንነፍሲ ወከፍ መጽሔት ከነንብቦ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ክንካፈል: ነቲ እተማሃርናዮ ኸኣ ኣብ ተግባር ከነውዕሎ ክሳዕ ክንደይ ጥበባዊ ኰን ኢዩ! በዚ ኸምዚ ኸኣ ትሕትናን ምስ መጓሰ ኣምላኽ ጽኑዕ ምቅርራብን ክህልወና ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 5:2
“ጠቢባን ከም ተመን: ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ”
ስሚዝስ ባይብል ዲክሽነሪ (እንግሊዝኛ) “ኣብ ምሉእ ምብራቕ: ንተመን ከም ምልክት ናይ እኩይ መምርሒ: መንፈስ ዘይምእዛዝ ኢዮም ዝጥቀምሉ” ይብል። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ “ርግበይ” ናይ ኣኽብሮት ኣገላልጻ ኢዩ። (መሃልየ መሃልይ 5:2) የሱስ ንሰዓብቱ “ጠቢባን ከም ተመን: ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ” ክዀኑ ከተባብዖም ከሎ ኣብ ኣእምሮኡ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧—ማቴዎስ 10:16
የሱስ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን መምርሒ ኢዩ ዝህብ ነይሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ በብዓይነቱ ኣቀባብላ ክጽበዩ ነበሮም። ገለ ሰባት ተገዳስነት ከርእዩ ከለዉ ካልኦት ግን ነቲ ብስራት ክነጽግዎ ነበሮም። አረ ገሊኦምሲ ነዞም ሓቀኛታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከሳጕጉዎም እውን ነይርዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 10:17-23) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ መስጐግቲ ብኸመይ ክምልሽሉ ነበሮም፧
ኣብታ ዳስ ኢፋንጌልዩም ደስ ሞቴዬስ እትበሃል መጽሓፍ (ብቛንቋ ጀርመን): ፍሪትስ ሪነከር ብዛዕባ ማቴዎስ 10:16 ከምዚ ይብል:- “ጕርሒ . . . ምስ ንጽህና: ቅንዕና: ከምኡውን ምስ ግልጺ ምዃን ክተሓሓዝ ይግብኦ፣ እዚ ድማ: ጸላእቲ መንቅብ ንምርካብ ዘኽእሎም ምቹእ ኵነታት ዝፈጥር ዝዀነ ይኹን ነገር ምእንቲ ከየጋጥም ዝሕግዝ ኢዩ። እቶም ናይ የሱስ ልኡኻት: ኣብ ማእከል እቶም ንሃዋርያት ፈጺሞም ዘይሓልዩሎም: ከምኡውን ብዘይምሕረትን ብጭካነን ዘጥቅዕዎም ዝነበሩ ሕሱማት ጸላእቲ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር: ልክዕ ከም ተመን: ካብ ጸላእቲ ኣዝዮም ክጥንቀቑ: ነቲ ኵነታት ብኣዒንቶምን ህዋሳቶምን ንቑሓት ኰይኖም ክሕልውዎ ብዘይሸፈጥ ወይ ብዘይምትላል ነቲ ኵነታት ክቈጻጸርዎ: ብቓልን ተግባርን ንጹሃትን ሓቀኛታትን ኰይኖም ርግቢ መሰል ምዃኖም ከረጋግጹ ኣድላዪ ኢዩ።”
ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብቲ ኣብ ማቴዎስ 10:16 ዘሎ ቃላት የሱስ እንታይ ክማሃሩ ይኽእሉ፧ ሎሚ ሰባት ነቲ ብስራት ልክዕ ከምቶም ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ዝሃብዎ ምላሽ ገይሮም ኢዮም ዝምልሽሉ ዘለዉ። ሓቀኛታት ክርትስትያናት መስጐጕቲ ከጋጥሞም ከሎ: ነቲ ጕርሒ ናይ ተመንን ንጽህና ናይ ርግብን ብሓባር ከንጸባርቕዎ ኣለዎም። ክርስትያናት ነቲ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ንኻልኦት ዝእውጅዎ ምትላል ወይ ከኣ ምድንጋር ተጠቒሞም ዘይኰነስ: ዘይብልሽዋትን ሓቀኛታትን ቅኑዓትን ብምዃን ኢዮም።
ንመረዳእታ:- መሳርሕትኻ: መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ: ወይ ኣባላት ስድራቤትካውን ከይተረፉ: ብዛዕባ እቲ ከም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን ዘሎካ እምነት ዘሕርር ዘረባ ይዛረቡ ይዀኑ። እቲ ሽዑ እንህቦ መልሲ ምናልባት ብዛዕባ እምነቶም ብምቍንጻብ: ከምቲ ናታቶም ገይርካ ምምላስ ይኸውን። እዚ ግን ግርህነት ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን። እቶም ዝነቕፉኻ ሰባት: እቲ ዝሃብዎ ሓሳባት ኣብቲ ሕጕስ ጠባይካ ምንም ሳዕቤን ከም ዘይገበረ እንተድኣ ኣርኢኻዮም: ኣረኣእያኦም ይልውጡ ይዀኑ። በዚ ኸምዚ ኸኣ: ጐራሕን ንጹህን—‘ጠቢብ ከም ተመን: ገርሂ ከም ርግቢ’—ትኸውን ኣሎኻ ማለት ኢዩ።
“እቲ ኣንበጣ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል”
ጂኦ እተባህለ መጽሔት (ብቛንቋ ጀርመን) ኣብ 1974: ደቡብ ኣፍሪቃ “በቲ ኣብ ታሪኽ ካብ እተመዝገበ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝበዝሐ ዕስለ [ናይ ኣንበጣ]” ከም ዝበረሰት ጸብጻብ ሃበ። እቲ ዕስለ ልዕሊ 5, 200 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ስፍሓት ሸፊኑ ነበረ። እዚ ንስፍሓት ናይ ሆንግ ኮንግ ዳርጋ ሓሙሽተ ዕጽፊ ምዃኑ ኢዩ። ስሚዝስ ባይብል ዲክሽነሪ (እንግሊዝኛ) ኣንበጣ “ኣብተን ዝበጽሐን ሃገራት ብምሉአን ዘስካሕክሕ ምብራስ ናይ ኣትክልቲ ኢዩ ዘውርድ” ይብል።
የሱስ ብዛዕባ እቲ “ብመዓልቲ ጐይታ” ዝፍጸም ነገራት ኣብ ዝገለጾ ኣምላኽ ዝሃቦ ራእይ: ናይ ኣንበጣ ዕስለ ዝገልጽ ትርኢት ተጠቒሙ ኣሎ። ብዛዕብኦም “እቲ ኣንበጣ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል” ተባሂሉሎም ኣሎ። (ራእይ 1:1, 10፣ 9:3-7) ትርጕም ናይዚ ምልክት እዚ እንታይ ኢዩ፧
ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እቶም ኣብ ራእይ ዮሃንስ ምዕራፍ 9 ተገሊጾም ዘለዉ ኣንበጣ: ነቶም ኣብዚ ዘበን እዚ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ዘምልክቱ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ተረዲኦምዎ ኢዮም።a እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ሓደ ፍሉይ ዕዮ ተዋሂብዎም ኢዩ። ንሱ ኸኣ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ምእዋጅን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) እዚ ነቲ ዘጋጥሞም ዕንቅፋታት ክዋጽኡሉን ኣብ ዕዮኦም ክቕጽሉን ዝሓቶም ኢዩ። ነዚ ካብቲ ዘይሰዓር ኣንበጣ ሓሊፉ ክገልጾ ዝኽእል እንታይ ዝሓሸ ኣብነት ኣሎ፧
ኣንበጣ ቁመቱ ካብ 5 ሳንቲ ሜተር ቍሩብ ዝነውሕ እኳ እንተዀነ: ኣብ መዓልቲ ካብ 100 ክሳዕ 200 ኪሎ ሜተር ይጓዓዝ። አረ ናይ በረኻ ኣንበጣስ ክሳዕ 1,000 ኪሎ ሜተር ከይተረፈ እውን ይጓዓዝ ኢዩ። ጂኦ (ብቛንቋ ጀርመን) ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “መንገብገቡ ኣብ ሓንቲ ካልኢት 18 ግዜ እናንገብገበ ኣብ መዓልቲ 17 ሰዓታት ይኸይድ። እዚ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሓሰኻ ክገብሮ ኣይክእልን ኢዩ።” ነዚ ደቂቕ ፍጥረት እዝስ ከመይ ዝበለ ዓቢ ስራሕ ኰን ኢዩ!
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጕጅለ ደረጃ ክረኣዩ ከለዉ: ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ኣብ ምዝርጋሕ ጽኑዓት ኢዮም። ሎሚ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ኰይኖም ይሰብኩ ኣለዉ። እዞም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኣቶም: ነቲ ዕዮ ኣብ ምፍጻም ምእንቲ ክካፈሉ ብዙሕ ጸገማት ኢዮም ዘሰንፉ። እንታይ ዓይነት ግድላት ኢዮም ዝጋጠሙ፧ ሒደት ካብኡ ንምጥቃስ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ: ሕጋዊ እገዳታት: ሕማም: ተስፋ ምቝራጽ: ከምኡውን ካብ ኣዝማድ ዝመጾም ምጽራር ዝኣመሰለ ኢዩ። ይኹን እምበር: ዋላ ሓደ ካብዚ ነገራት እዚ ንዕብየቶም ክዓግቶ ኣይከኣለን። ነቲ ብኣምላኽ እተዋህቦም ዕዮ ጸኒዖም ኢዮም ዝሕዝዎ።
ክርስትያናዊ ባህርያት ምንጽብራቕ ቀጽል
እወ የሱስ ንሰዓብቱ ምስ ኣባጊዕ: ኣትማን: ረገቢት: ከምኡውን ምስ ኣንበጣ ኣመሳሲልዎም ኣሎ። እዚ ብሓቂ ምስ ግዜና ዝሰማማዕ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ኣዝዩ ስለ ዝቐረበን ግድላት ከኣ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ይበዝሕ ስለ ዘሎን ኢዩ።
ሓቀኛታት ክርስትያናት ነቲ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ቃላት ኣብ ኣእምሮኦም ብምሓዝ ናብ መጓሰ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ይጠብቁ: ካብ ማሕበር የሆዋ ኸኣ ብትሕትና ምኽሪ ይቕበሉ። ብዅሉ ነገራት ዘጽርፍ ነገር ዘይገብሩ እኳ እንተዀኑ: ነቲ ንክርስትያናዊ ንጥፈታቶም ከጐናድብ ዝኽእል ኵነታት ንቑሓት ኢዮም: ብቐጻሊ ኸኣ ይከላኸልዎ። ብዝያዳ ድማ: ዕንቅፋት ከጋጥሞም ከሎ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ይጸንዑ። ካብ ገለ “ብባህርያዊ መገዲ ጥበበኛታት” ዝዀኑ ፍጥረታት ምምሃሮም ከኣ ይቕጽሉ ኢዮም።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነታ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! (እንግሊዝኛ) እትበሃል ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት መጽሓፍ ምዕራፍ 22 ርአ።