‘እቲ መንፈስ መዓሙቝ ኣምላኽ ይምርምር’
“እቲ መንፈስ ግና መዓሙቝ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዅሉ ይምርምር እዩ።” —1 ቈረ. 2:10።
1. ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 2:10፡ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ግደ ኸም ዘለዎ እዩ ዝገለጸ፧ እንታይ ሕቶታት እዩኸ ዚለዓል፧
ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ይዓዪ ብምህላዉስ መማሰውቲ ኽንከውንዶ ኣይግብኣናን፧ እቲ መንፈስ፡ መጸናንዕን ህያብን ምስክርን ኣብ ክንዳና ዚልምንን ከም ዝዀነ ቕዱሳት ጽሑፋት ይነግረና እዩ። (ዮሃ. 14:16፣ ግብ. 2:38፣ ሮሜ 8:16, 26, 27) ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ፡ ብዛዕባ እቲ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ኻልእ ኣገዳሲ ግደ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ መንፈስ ግና መዓሙቝ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዅሉ ይምርምር እዩ” በለ። (1 ቈረ. 2:10) እወ፡ የሆዋ ነቲ ዓሚቝ መንፈሳዊ ሓቅታት ንምግላጽ መንፈስ ቅዱሱ ይጥቀም እዩ። ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይህልወና፡ ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ብዙሕ ኣይምፈለጥናን ኔርና። (1 ቈረንቶስ 2:9-12 ኣንብብ።) ይኹን እምበር፡ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኪለዓል ይኽእል እዩ፦ ‘እቲ መንፈስ፡ መዓሙቝ ኣምላኽ ዚምርምር’ ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ነዚ ብመን ኣቢሉ እዩ ገሊጽዎ፧ ኣብዚ ግዜናኸ እቲ መንፈስ ብኸመይን ብመንን ኣቢሉ እዩ መዓሙቝ ኣምላኽ ዚምርምር፧
2. እቲ መንፈስ በየናይ ክልተ መገዲ እዩ ዚዓዪ፧
2 የሱስ እቲ መንፈስ ብኽልተ መገዲ ኸም ዚዓዪ ሓበረ። ቀቅድሚ ሞቱ ንሃዋርያቱ፡ “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ” በሎም። (ዮሃ. 14:26) ስለዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ከም መምህርን መዘኻኸርን ኰይኑ ይዓዪ እዩ። ልክዕ ከም መምህር፡ ክርስትያናት ኣቐዲሞም ዘይርድእዎ ዝነበሩ ነገራት ንኺርድኡ ይሕግዞም። ከም መዘኻኸሪ ድማ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝበርሀ ነገራት ብልክዕ ኪዝክርዎን ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎን ይሕግዞም።
ኣብ ቀዳማይ ዘመን
3. “መዓሙቝ ኣምላኽ” በብቕሩብ ከም ዚበርህ የሱስ ብኸመይ ሓበረ፧
3 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሓድሽ ዝዀኖም ብዙሕ ሓቅታት ምሂርዎም እዩ። ገና ግን ብዙሕ ዚመሃርዎ ነገራት ነበረ። ንሃዋርያቱ፡ “ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ . . . ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ” በሎም። (ዮሃ. 16:12, 13) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ዓሚቝ መንፈሳዊ ነገራት ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ በብቕሩብ ከም ዚበርህ ሓበረ።
4. ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.፡ መንፈስ ቅዱስ ከም መምህርን መዘኻኸርን ኰይኑ ዝዓየየ ብኸመይ እዩ፧
4 ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.፡ “እቲ መንፈስ ሓቂ” መጺኡ፡ ኣብቶም ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ 120 ዚዀኑ ክርስትያናት ፈሰሰ። ነዚ ዜረጋግጽ ብዓይኒ እተራእየን ብእዝኒ እተሰምዐን መርትዖታት ነይሩ እዩ። (ግብ. 1:4, 5, 15፣ 2:1-4) ከመይሲ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ “ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ብእተፈላለየ ቛንቋታት ተዛሪቦም እዮም። (ግብ. 2:5-11) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሓድሽ ነገር ተቐልዐ። ነብዪ ዮኤል፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚፈስስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዮኤ. 2:28-32) ተዓዘብቲ፡ እዚ ትንቢት እዚ ብዘይተጸበይዎ መገዲ ኺፍጸም ከሎ ርእዮም እዮም፣ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከኣ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ መብርሂ ኣብ ምሃብ መሪሕ ግደ ነበሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:14-18 ኣንብብ።) ጴጥሮስ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ዘጋጠሞም ነገር ፍጻመ ጥንታዊ ትንቢት ምዃኑ ኺርዳእ ዝኸኣለ፡ መንፈስ ቅዱስ ከም መምህር ኰይኑ ስለ ዝሓገዞ እዩ። ብዘይካዚ፡ ጴጥሮስ ካብ ዮኤል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ክልተ መዝሙራት ዳዊት ኪጠቅስ ዝኸኣለ፡ መንፈስ ቅዱስ ከም መዘኻኸሪ ዀይኑ ስለ ዝሓገዞ እዩ። (መዝ. 16:8-11፣ 110:1፣ ግብ. 2:25-28, 34, 35) እቶም እኩባት ህዝቢ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ነገራት፡ ብሓቂ መዓሙቝ ኣምላኽ እዩ ነይሩ።
5, 6. (ሀ) ድሕሪ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.፡ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ዚምልከት እንታይ ኣገዳሲ ሕቶታት እዩ መልሲ ዘድለዮ፧ (ለ) እዚ ሕቶታት እዚ ብመን እዩ ቐሪቡ፧ ብኸመይከ ውሳነ ተገብረ፧
5 ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ገና ኺበርሃሎም ዜድሊ ነገራት ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ሓድሽ ኪዳን ሕቶታት ተላዒሉ ነበረ። እቲ ሓድሽ ኪዳን ንኣይሁድን እምነቶም ናብ ኣይሁድነት ንዝቐየሩ ጵሮሴሊታትን ጥራይ ድዩ ዚምልከት ነይሩ፧ ኣህዛብከ ተቐባልነት ረኺቦም ብመንፈስ ቅዱስ ኪቕብኡ ይኽእሉ ነይሮም ድዮም፧ (ግብ. 10:45) ካብ ኣህዛብ ዝመጹ ሰብኡት፡ ብመጀመርታ ኺግዘሩን ንሕጊ ሙሴ ኺእዘዙን ነይርዎም ድዩ፧ (ግብ. 15:1, 5) እዚ ሕቶታት እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። መንፈስ የሆዋ ኸኣ ነዚ ዓሚቝ ነገራት መርሚርዎ እዩ። ብመን ኣቢሉ እዩ ግን መርሚርዎ፧
6 እዚ ሕቶታት እዚ፡ በቶም ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት እዩ ቐሪቡ። ጴጥሮስን ጳውሎስን ባርናባስን ኣብቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝገበሮ ኣኼባ ተኻፊሎም፡ የሆዋ ምስቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ብኸመይ ርክብ ከም ዝገበረ ኣዘንተዉ። (ግብ. 15:7-12) እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ፡ ነዚ መርትዖ እዚ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስን ምስ መርመሮ፡ ውሳነ ገበረ። ብዛዕባ እቲ እተገብረ ውሳነ ኸኣ፡ ብደብዳበታት ኣቢሉ ንጉባኤታት ሓበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:25-30፣ 16:4, 5 ኣንብብ፣ ኤፌ. 3:5, 6።
7. ዓሚቝ ሓቅታት ብኸመይ እዩ በሪሁ፧
7 በተን ዮሃንስን ጴጥሮስን ያእቆብን ጳውሎስን ዝጸሓፍወን መንፈስ ዝነፈሰን መልእኽትታት ኣቢሉ ብዙሕ ተወሳኺ ነገራት በርሀ። ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ተጻሒፉ ምስ ተዛዘመ ብዙሕ ከይጸንሐ ግን፡ ውህበታት ትንቢትን ተኣምራዊ ምግላጽ ፍልጠትን ኣቋረጸ። (1 ቈረ. 13:8) እቲ መንፈስከ ኸም መምህርን መዘኻኸርን ኰይኑ ቐጺሉ ድዩ፧ ንክርስትያናት መዓሙቝ ኣምላኽ ንኺምርምሩ ኺሕግዞም ድዩ፧ ትንቢታት፡ ከምኡ ኸም ዚገብር እዩ ዚገልጽ።
ኣብ ግዜ መወዳእታ
8, 9. ኣብ ግዜ መወዳእታ መንፈሳዊ ምስትውዓል ብምርካብ ‘ዚበርሁ’ መን እዮም፧
8 ሓደ መልኣኽ ብዛዕባ ዘመን መወዳእታ ኺዛረብ ከሎ፡ “እቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር፡ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለም ኣለም ኪበርሁ እዮም። . . . ምስትውዓል ድማ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ” በለ። (ዳን. 12:3, 4) እቶም ጠቢባንን ዚበርሁን መን እዮም፧ የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዝገለጾ ምሳሌ እተወሰነ ኣፋፍኖት ሃበ። ብዛዕባ “መወዳእታ ዓለም” ኪዛረብ ከሎ፡ “ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም” በለ። (ማቴ. 13:39, 43) እቶም “ጻድቃን፡” “ደቂ መንግስቲ” ንዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት ከም ዜመልክቱ ኸኣ ገለጸ።—ማቴ. 13:38።
9 እሞኸ ኵሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ድዮም ‘ዚበርሁ’፧ ብሓደ ወገን ኪርአ ኸሎ፡ እወ ኺበሃል ይከኣል እዩ፣ ከመይሲ፡ ኵሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ይሰብኩን ደቀ መዛሙርቲ ይገብሩን ኣብ ኣኼባታት ንሓድሕዶም ይተሃናነጹን እዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንዅሎም ካልኦት ክርስትያናት ኣብነት ይዀኑ እዮም። (ዘካ. 8:23) ኣብ ርእሲ እዚ ግን፡ ኣብ ግዜ መወዳእታ ዓሚቝ ነገራት ኪበርህ ነበሮ። እቲ ዳንኤል እተነበዮ ትንቢት፡ ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ “ሕቱም” እዩ ነይሩ። (ዳን. 12:9) እቲ መንፈስ፡ ነዚ ዓሚቝ ነገራት እዚ ዝመርመሮ ብኸመይን ብመንን ኣቢሉ እዩ፧
10. (ሀ) ኣብ ግዜ መወዳእታ፡ እቲ መንፈስ ብመን ኣቢሉ እዩ ዓሚቝ ሓቅታት ዚገልጽ፧ (ለ) ሓቅታት መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝበርሀ ግለጽ፧
10 ሎሚ፡ መንፈሳዊ ነገራት ንጹር ኪዀነሉ ዚግባእ እዋን ኪበጽሕ ከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ን“እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዚውክል ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ኣቐዲሙ ርዱእ ንዘይነበረ ዓሚቝ ሓቅታት ኬስተውዕል ይሕግዞ እዩ። (ማቴ. 24:45፣ 1 ቈረ. 2:13) እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ ብሓባር ኰይኑ ነቲ እተገብረ ምትዕርራያት ይምርምሮ። (ግብ. 15:6) ነቲ ዝፈለጦ ነገር ድማ፡ ንጥቕሚ ዅሎም ክርስትያናት ኣብ ጽሑፍ ይሓትሞ። (ማቴ. 10:27) ድሕሪ ግዜ፡ ተወሳኺ መብርሂታት ምሃብ ኬድሊ ኸሎ እውን፡ እቲ ባርያ ብቕንዕና መብርሂ ይህብ እዩ።—ነታ “መንፈስ ንትርጕም እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ዝገለጸሉ መገዲ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
እቲ መንፈስ ሎሚ ኻብ ዘለዎ ግደ ተጠቐም
11. ኵሎም እሙናት ክርስትያናት፡ ካብቲ መንፈስ ቅዱስ መዓሙቝ ኣምላኽ ኣብ ምግላጽ ዘለዎ ግደ ብኸመይ ይጥቀሙ፧
11 ኵሎም እሙናት ክርስትያናት፡ ካብቲ መንፈስ ቅዱስ መዓሙቝ ኣምላኽ ኣብ ምግላጽ ዘለዎ ግደ ይጥቀሙ እዮም። መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ክርስትያናት ዚሕግዞም ዝነበረ፡ ሎሚ እውን ንዓና ነቲ ዘጽናዕናዮ ነገራት ንኽንርድኦን ንኽንዝክሮን ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎን ይሕግዘና እዩ። (ሉቃ. 12:11, 12) ነቲ ኣብ ጽሑፋትና ዚወጽእ ዓሚቝ መንፈሳዊ ሓቅታት ንኽንርድኦ፡ ሰፊሕ ዓለማዊ ትምህርቲ ኽንመሃር ኣየድልየናን እዩ። (ግብ. 4:13) ብዛዕባ መዓሙቝ ኣምላኽ ዘለና ምርዳእ ብኸመይ ከነመሓይሽ ንኽእል፧ ገለ ርእይቶታት እስከ ንርአ።
12. መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበና መዓስ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧
12 መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበካ ጸሊ። ቅዱሳት ጽሑፋት ክንምርምር ከለና፡ ኣቐዲምና መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበና ንጸሊ። በይንና ኸነጽንዕ ከለና ወይ እኹል ግዜ ምስ ዘይህልወና እውን ከይተረፈ፡ ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። ከምዚ ዝኣመሰለ ብትሕትና ዚቐርብ ልመና፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና የሐጕሶ እዩ። ከምቲ የሱስ ዝገለጾ፡ ንየሆዋ ብቕንዕና ምስ እንልምኖ፡ መንፈስ ቅዱሱ ብኸምኡ እዩ ዚህበና።—ሉቃ. 11:13።
13, 14. ንኣኼባታት ምድላው፡ መዓሙቝ ኣምላኽ ንኽንርዳእ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
13 ንኣኼባታት ተዳሎ። እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ፡ ‘በብግዜኡ ምግቢ’ ይህበና እዩ። እቲ “ባርያ፡” ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ብምቕራብ፡ ንመጽናዕትን ንኣኼባታትን ዚኸውን መደብ ከኣ ብምውጻእ ዕዮኡ ይፍጽም እዩ። ኵሎም ‘ኣሕዋት’ ነዚ ጽሑፋት እዚ ኼጽንዕዎ ዚደልየሉ ብቑዕ ምኽንያታት ድማ ኣለዎ። (1 ጴጥ. 2:17፣ ቈሎ. 4:16፣ ይሁ. 3) ነቲ ዚወሃበና ምሕጽንታ ኽንስዕብ ዚከኣለና ምስ እንገብር፡ ምስ መንፈስ ቅዱስ ከም እንተሓባበር ኢና እነርኢ።—ራእ. 2:29።
14 ንክርስትያናዊ ኣኼባታትና ኽንዳሎ ኸለና፡ ነቲ ሓሳባቱ ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት ነንብቦ፡ ምስቲ ርእሰ ነገር ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰር ከኣ ነስተውዕል። ከምዚ ምግባር፡ በብቕሩብ ዝዓመቘ ምርዳእ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጥሪ ይሕግዘና እዩ። (ግብ. 17:11, 12) ብዘይካዚ፡ ነቲ ጥቕስታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልና ምስ እነንብብ፡ ኣድላዩ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንትሕዝቶ እቲ ጥቕሲ ኽንዝክሮ መንፈስ ቅዱስ ይሕግዝና እዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ጥቕሲ ዚርከበሉ ገጽ ብቐሊሉ ንዝክሮ።
15. ምስቲ በብእዋኑ ዚዳሎ ጽሑፋት ማዕረ ማዕረ ኽንስጕም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ከመይ ጌርና ኢናኸ ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧
15 ማዕረ ማዕረ ሰጕም። ገሊኡ ጽሑፋት ኣብ ኣኼባታትና ዘይንወስዶ እኳ እንተ ዀንና፡ ንጥቕምና ተባሂሉ እዩ ዚዳሎ። እቲ ንህዝቢ ተባሂሉ ዚዳሎ ሕታማት መጽሔታትና እውን፡ ንዓና ኣብ ግምት የእቱ እዩ። ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ሰብ ብምጽባይ ወይ ሪጋ ብምሓዝ ግዜ ነጥፍእ ኢና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኽፋል ዘየንበብናዮ ጽሑፍ ሒዝና ምስ እንኸይድ፡ ነቲ ግዜ ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ገሊኦም፡ ብእግሮም ወይ ብመጐዓዝያ ኺጐዓዙ ኸለዉ ኻብ ጽሑፋትና እተዳለወ እዋናዊ ቕዳሓት ኣውድዮ ይሰምዑ እዮም። ኣንበብቲ ንኺሕጐሱሉ ተባሂሉ ዚዳሎ ብጥንቃቐ ምርምር እተገብረሉ ጽሑፋት እውን ከይተረፈ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ዘሎና ሞሳ የዛይዶ እዩ።—ኣን. 2:2።
16. ነቲ ዚመጸካ ሕቶታት ምምዝጋብን ጸኒሕካ ምርምር ምግባርን እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧
16 ኣስተንትን። መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብኡ እተመስረተ ጽሑፋት ከተንብብ ከለኻ፡ ነቲ እተንብቦ ዘለኻ ነገር ግዜ ወሲድካ ሕሰበሉ። ነቲ ሓሳባት እናተኸታተልካ ኸተንብብ ከለኻ፡ ሕቶታት ኪመጸካ ይኽእል እዩ። እሞኸ ነቲ ዚመጸካ ሕቶታት ብምምዝጋብ፡ ጸኒሕካ ምርምር ዘይትገብረሉ፧ መብዛሕትኡ እዋን ዕምቈት ዘለዎ መጽናዕቲ እንገብር፡ ነቲ ዘይተረድኣና ሓሳባት ንምፍላጥ ክንምርምር ከለና እዩ። እቲ እንረኽቦ ፍልጠት ከኣ፡ ኣብቲ እንደልዮ ግዜ እንጥቀመሉ መዝገብ ይዀነልና።—ማቴ. 13:52።
17. ኣብቲ ናይ ስድራ ቤት ወይ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ እትገብረሉ እዋን እንታይ መደብ እዩ ዘሎካ፧
17 ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብረሉ ግዜ መድብ። ኵላትና ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ወይ ኣምልኾ ስድራ ቤት እንገብረሉ ምሸት ወይ ካልእ ክፍለ-ግዜ ኽንምድብ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣተባቢዑና እዩ። እቲ ኣብ መደብ ኣኼባታትና እተገብረ ምትዕርራይ ከኣ፡ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ። ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩላ ምሸት እንታይ ኢኹም እተጽንዑ፧ ገሊኦም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ነቲ ሕቶ ዝፈጠረሎም ነገር ምርምር ይገብሩሉ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሶም ከኣ ሓጺር መብርሂ ይጽሕፉ። ሓያሎ ስድራ ቤታት ድማ፡ ነቲ ዜጽንዓኦ ጽሑፋት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕላኦ ይመያየጣ። ገሊኦም ርእሲ ስድራ ቤታት፡ ኣባላት ስድራ ቤቶም ኪመያየጥሉ ዝደለይዎ ጽሑፍ ወይ ከኣ ምስቲ ዘልዓልዎ ርእሰ ነገር ወይ ሕቶ ዚኸይድ ጽሑፍ ይመርጹ። ንስኻትኩም እውን ብዛዕባ እተፈላለየ ርእሰ ነገር ክትመያየጡ ኸም እትደልዩ ፍሉጥ እዩ።a
18. ነቲ ዓሚቝ ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ካብ ምጽናዕ ድሕር ክንብል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
18 መንፈስ ቅዱስ ከም መጸናንዒ ወይ ሓጋዚ ዀይኑ ኸም ዚዓዪ፡ የሱስ ገሊጹ ነበረ። ስለዚ፡ ነቲ ዓሚቝ ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ካብ ምጽናዕ ድሕር ክንብል የብልናን። ክፋል እቲ ኽቡር ‘ፍልጠት ኣምላኽ’ ስለ ዝዀነ፡ ክንምርምሮ ተዓዲምና ኢና። (ምሳሌ 2:1-5 ኣንብብ።) እዚ ሓቅታት እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ‘ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ዜዳለወሎም’ ነገራት ብዙሕ ይገልጽ እዩ። ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ብዙሕ ክንፈልጥ ክንጽዕር ከለና መንፈስ ቅዱስ ኪሕግዘና እዩ፣ ከመይሲ፡ “እቲ መንፈስ . . . መዓሙቝ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዅሉ ይምርምር እዩ።”—1 ቈረ. 2:9, 10።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ ጥቅምቲ 2008 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 8 እውን ርአ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• እቲ መንፈስ በየናይ ክልተ መገዲ እዩ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ንኽንምርምር ዚሕግዘና፧
• ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ መንፈስ ቅዱስ ብመን ኣቢሉ እዩ ዓሚቝ ሓቅታት ዝገለጸ፧
• ኣብዚ ግዜና፡ መንፈስ ቅዱስ ዘይበርሀ ነገራት ንምንጻር ብኸመይ እዩ ዚዓዪ፧
• እቲ መንፈስ ካብ ዘለዎ ግደ ምእንቲ ኽትጥቀም እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን]
መንፈስ ንትርጕም እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ዝገለጸሉ መገዲ
ገለ ኻብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተገልጸ “መዓሙቝ ኣምላኽ፡” ብዛዕባ እቲ ጽላሎት ናይ ዝዓበየ መንፈሳዊ ነገር ዝዀነ ድንኳንን እቲ ጸኒሑ ዝመጸ ቤተ መቕደስን እዩ። ጳውሎስ ነዚ፡ “ጐይታ ደኣ እምበር፡ ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን” ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ። (እብ. 8:2) እታ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ፡ ነቲ ብመስዋእትን ብኽህነትን የሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ እተገብረ መሰናድዎ እያ እተመልክት።
እቲ “ድንኳን ሓቂ” ናብ ህላወ ዝመጸ፡ ብ29 ድ.ክ. እዩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሱስ ተጠምቀ፡ ፍጹም መስዋእቲ ንኪኸውን ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ረኸበ። (እብ. 10:5-10) የሱስ ሞይቱ ምስ ተንስአ፡ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኣተወ፡ ዋጋ መስዋእቱ ኸኣ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ” ኣቕረበ።—እብ. 9:11, 12, 24።
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ካልእ ጥቕሲ ብዛዕባ ቅቡኣት ክርስትያናት ኪዛረብ ከሎ፡ “ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዐቢ እዩ” በለ። (ኤፌ. 2:20-22) እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ፡ እታ ጸኒሑ ናብ ሰብ እብራውያን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ዝጠቐሳ “ድንኳን ሓቂ” ድያ፧ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንብዙሕ ዓመታት ከምኡ ይመስሎም ነበረ። ቅቡኣት ክርስትያናት “ኣእማን” እታ ሰማያዊት ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዳለዉ ጌርካ ይሕሰብ ነበረ።—1 ጴጥ. 2:5።
ኣብ ከባቢ 1971 ግን፡ ሓላፍነት ዘለዎም ክፍሊ እቲ ባርያ፡ እታ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ዝገለጻ ቤተ መቕደስ ነታ ናይ የሆዋ ዓባይ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ከም ዘይተመልክት ኬስተውዕሉ ጀመሩ። እቲ “ድንኳን ሓቂ” በቶም ዝተንስኡ ቕቡኣት ክርስትያናት ዚቐውም እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ደድሕሪ እቲ ኣብ “ምጽኣት ጐይታ” ዝጀመረ ትንሳኤኦም እዩ ናብ ህላወ ዚመጽእ ማለት እዩ። (1 ተሰ. 4:15-17) ኰይኑ ግን፡ ጳውሎስ ነቲ ድንኳን ብዚምልከት፡ “ንሱ ነዚ ሎሚ ዘሎ ዘመን ምሳሌ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—እብ. 9:9።
ነዝን ንኻልእ ጥቕስታትን ብጥንቃቐ ምርምር ምስ ተገብረሉ፡ እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ገና ኣብ መስርሕ ህንጸት ከም ዘይኰነት፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ከኣ ኣብኣ ንኺህነጹ ኣብ ምድሪ ዚዳለዉ “ኣእማን” ከም ዘይኰኑ ነጸረ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት መዓልታዊ ንኣምላኽ “መስዋእቲ ምስጋና” እናኣቕረቡ፡ ኣብ ኣጸድን ኣብ ቅድስትን እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ እዮም ዜገልግሉ።—እብ. 13:15።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ብዛዕባ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ዘሎና ምርዳእ ብኸመይ ከነመሓይሾ ንኽእል፧