-
“ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ”ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
-
-
3, 4. (ሀ) ሰይጣን ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ፈተናታት እንታይ ቃላት እዩ እተጠቕመ፧ ንየሱስከ ብዛዕባ እንታይ እዩ ኼጠራጥሮ ዚፍትን ነይሩ፧ (ለ) ሎሚ ሰይጣን ተመሳሳሊ ስልትታት ዚጥቀም ብኸመይ እዩ፧
3 ማቴዎስ 4:1-7 ኣንብብ። ሰይጣን ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ፈተናታት፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ” ዚብል ቃላት ተጠቒሙ እዩ። እሞ ደኣ ሰይጣን፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ድዩ ተጠራጢሩ፧ ኣይፋልን። እዚ መልኣኽን ወዲ ኣምላኽን ዝነበረ ፍጡር እዚ፡ የሱስ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። (ቈሎ. 1:15) ብዘይካዚ፡ ሰይጣን ነቲ የሆዋ ኣብ ጥምቀት የሱስ፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ማቴ. 3:17) ምናልባት ሰይጣን ንየሱስ፡ ኣቦኡ እሙንን ሓላይን እንተ ዀይኑ ኼጠራጥሮ ደልዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብታ እንጌራ ናብ እምኒ ኪቕይር ዘቕረበሉ ቐዳመይቲ ፈተና፡ ‘ወዲ ኣምላኽ ካብ ኰንካ፡ ኣብዚ ባድም በረኻ እዚ ኣቦኻ ዘይምግበካ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢሉ እዩ ዚሓትቶ ነይሩ። ኣብታ ኻብ ላዕለዋይ ጫፍ መንደቕ ቤተ መቕደስ ኪጸድፍ ዘቕረበሉ ኻልአይቲ ፈተና ኸኣ፡ ‘ወዲ ኣምላኽ ካብ ኰንካ፡ ኣቦኻ ኼዕቍበካስ ብሓቂዶ ትኣምኖ ኢኻ፧’ ኢሉ እዩ ዚሓትቶ ነይሩ።
-
-
“ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኮ”ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
-
-
5. የሱስ፡ እተን ቀዳሞት ክልተ ፈተናታት ምስ ቀረባሉ፡ እንታይ ኢሉ እዩ ዝመለሰ፧
5 የሱስ፡ እተን ቀዳሞት ክልተ ፈተናታት ምስ ቀረባሉ፡ እንታይ ኢሉ ኸም ዝመለሰ እስከ ንርአ። ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ ንዕኡ ዘለዎ ፍቕሪ ዋላ ሓንቲ ጥርጣረ ኣይነበሮን፣ ብኣቦኡ እውን ምሉእ ብምሉእ ይእመን ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ብኡብኡ ኻብቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣቦኡ ብምጥቃስ፡ ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ሓሳብ ነጺግዎ እዩ። ኣብቲ ዝጠቐሶ ኸኣ እቲ የሆዋ ዚብል መለኮታዊ ስም ይርከብ እዩ። (ዘዳ. 6:16፣ 8:3) እወ፡ የሱስ ንስም ኣቦኡ ብምርቋሕ፡ ንኣቦኡ ኸም ዚኣምኖ ኣርእዩ እዩ። ከመይሲ፡ እዚ ፍሉይ ዝዀነ ስም እዚ፡ የሆዋ ንዅሉ እቲ ዘተስፈዎ ኸም ዚፍጽሞ ውሕስነት ይዀነና እዩ።a
-