ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
የሱስ ምስ ቈልዑ ግዜ ኣሕለፈ
እተን የሱስ ዘገልገለለን ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ክውድኣ ቐሪበን ነበራ። የሱስ ድሕሪ ሓጺር እዋን ናብ የሩሳሌም ብምእታው ተሳቕዩ ክመውት ኢዩ። ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ይውሀብ አሎ: ኪቐትልዎ ድማ እዮም” ኢሉ ነጊርዎም ስለ ዝነበረ: ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝጽበዮ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ነበረ።—ማርቆስ 9:31
የሱስ ነተን ተሪፈንኦ ዝነበራ ነፍሲ ወከፍ መዓልትን ሰዓትን ኣጋጣምን ጽቡቕ ገይሩ ክጥቀመለን ይደሊ ከም ዝነበረ እተረጋገጸ ኢዩ። ደቀ መዛሙርቱ ገና ትምህርቲ የድልዮም ነበረ። የሱስ ትሕትና ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኵሉ ግዜ ከጋጥሞም ዝኽእል ብኻልኦት ምዕንቃፍ ሓያል ማዕዳ ከም ዘድልዮም ተረድአ። (ማርቆስ 9:35-37, 42-48) ብዛዕባ መርዓ: ፍትሕ: ንጽል ምዃን እውን ትምህርቲ የድልዮም ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 19:3-12) የሱስ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክመውት ምዃኑ ብምፍላጥ: ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣሕጽር ኣቢሉ ከምኡውን ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ከም እተዛረቦም ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቲ ተሪፍዎ ዝነበረ ግዜ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ድማ ኢዩ እቲ ቐጺሉ ዝገበሮ ነገር ኣዝዩ ፍሉይ ዝነበረ።
የሱስ ንቘልዑ ደስ ኢልዎ ይቕበሎም
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ‘ንቘልዑ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም’ ይብል። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ምስ ረኣዩ: ብኡንብኡ ተቓውሞኦም ገለጹ። የሱስ ክቡር ወይ ብስራሕ ኣዝዩ ትሑዝ ስለ ዝዀነ ንቘልዑ ዝኸውን ግዜ የብሉን ዝብል ምኽንያት ኣቕሪቦም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። የሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገንሖም ክሳዕ ክንደይ ከም እተገረሙ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ከምዚ ድማ በሎም:- “ሕደግዎም: ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ: ኣይትኽልእዎም።” ወሲኹ ኸኣ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይአትዋ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በለ።—ማርቆስ 10:13-15
የሱስ: ቈልዑ ዝድነቕ ባህርያት ከም ዘለዎም ርእዩ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ: ክፈልጡ ዝደልዩን እሙናትን ኢዮም። ትእዛዝ ወለዶም ዘኽብሩ: አረ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ቈልዑ እውን ንወለዶም ዝጣበቑ ኢዮም። ኵሎም እቶም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣትዉ ዝደልዩ ነዚ ናይ ምቕባልን ክትማሃር ናይ ምድላይን ባህርይ ክቐድሕዎ ዝግባእ ኢዩ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ “መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ።”—ምስ ማቴዎስ 18:1-5 ኣረኣእዮ።
ይኹን እምበር: የሱስ ነዞም ቈልዑ እዚኣቶም ምሳሌ ንምሃብ ጥራይ ኣይኰነን ተጠቒሙሎም። ምስኦም ግዜ ምሕላፉ ብሓቂ ባህ ከም ዝበሎ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ ኢዩ። ማርቆስ: የሱስ “ሐቚፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም” ብምባል ጸብጻብ ይህብ። (ማርቆስ 10:16) የሱስ ከም ‘ዝሓቘፎም’ ዝገልጽ ሓሳብ ኣብቲ ናይ ማርቆስ ጸብጻብ ጥራይ ኢዩ ዘሎ። እቶም ዓበይቲ ነዞም ቈልዑ እዚኣቶም ናብ የሱስ ዘምጽእዎም ምእንቲ “ኪትንክዮም” ጥራይ ኢዩ ነይሩ: የሱስ ግን ካብቲ እተጸበይዎ ንላዕሊ ገይሩ ኢዩ።
የሱስ ኣብ ልዕሊ እቶም ቈልዑ ‘ኢዱ ምንባሩ’ እንታይ ትርጕም ኢዩ ነይሩዎ፧ ኣብዚ ከም ጥምቀት ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ ጽምብል ከም እተኻየደ ዝገልጽ ሓሳባት የለን። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት: ኣእዳው ኣብ ርእሲ ሰብ ምንባር ንሓደ ዕዮ ምምዛዝ ዝብል ትርጕም ነበሮ: ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ድማ በረኸት ምሃብ ጥራይ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። (ዘፍጥረት 48:14፣ ግብሪ ሃዋርያት 6:6) ስለዚ የሱስ ነቶም ቈልዑ ባሪኽዎም ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።
ዝዀነ ዀይኑ: ማርቆስ ነቲ ‘በረኸት’ ንምግላጽ ዕሙቕ ዝበለ ትርጕም ዘለዋ ቃል (ካ·ቴ·ሎ·ጂ ʹኦ ) ኢዩ ተጠቒሙ። እዚ ኸኣ የሱስ ነቶም ቈልዑ ብምዉቕ ስምዒትን ለውሃትን ርህራሀን ከም ዝባረኾም ሓሳብ ዝህብ ኢዩ። ቈልዑ ግዜ ዘጥፍኡ ጾር ገይሩ ከም ዘይረኣዮም ንጹር ኢዩ።
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
እቲ የሱስ ምስ ቈልዑን ዓበይትን ዝነበሮ ርክብ ዘፍርሕ ወይ እውን ክብረትካ ዝቕንስ ኣይነበረን። ሓደ ናይ መወከሲ ጽሑፍ “ብቐሊሉ ፍሽኽ ዝብልን ሕጕስን ነይሩ ክኸውን ኣለዎ” ይብል። እተፈላለየ ደረጃ ዕድመ ዘለዎም ሰባት ብቐሊሉ ናብኡ ክቐርቡ ምኽኣሎም እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን። ነዚ ናይ የሱስ ኣብነት ብምርኣይ: ንገዛእ ርእስና ‘ካልኦት ከይተሰከፉ ድዮም ዝቐርቡኒ፧’ ‘ኣዝየ ብስራሕ ትሑዝ ብምዃነይ ብዛዕባ ናይ ካልኦት ሰባት ዕዮን ሻቕሎትን ዘይግደስ ድየ፧’ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ኻልኦት ልባዊ ተገዳስነት ንኽህልወና ምጽዓር: ከምቲ ናይ የሱስ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ቅሩባት ንኽንከውን ከለዓዕለና ኢዩ። ካልኦት ነቲ ናይ ሓቂ ተገዳስነትና ከስተብህልሉን ክቐርቡናን ኢዮም።—ምሳሌ 11:25
እቲ ናይ ማርቆስ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ: የሱስ ምስ ቈልዑ ብምሕባሩ ተሓጒሱ ኢዩ። ኣብ ሓደ ካብቲ ዝሃቦ ምሳሌታት ብዛዕባ ናይ ቈልዑ ጸወታ ጠቒሱ ስለ ዘሎ: ክጻወቱ ኸለዉ እውን ይዕዘቦም ከም ዝነበረ ርግጽ ኢዩ። (ማቴዎስ 11:16 -19) ገለ ካብቶም የሱስ ዝባረኾም ቈልዑ ኣዝዮም ንኣሽቱ ብምንባሮም ንሱ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝምህርን ክግንዘቡ ዘይክእሉ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ግን ግዚኡ ብኸንቱ የጥፍእ ከም ዘሎ ዀይኑ ከም ዝስምዖ ኣይገበሮን። የፍቅሮም ስለ ዝነበረ ምስኣቶም ግዜ የሕልፍ ነይሩ ኢዩ። ብዙሓት ካብቶም ኣብ እዋን ኣገልግሎቱ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ቘልዑ ደሓር ደቀ መዛሙርቲ ብምዃን ነቲ ዘርኣዮ ፍቕሪ ሞሳ ንምግላጽ ተለዓዒሎም ክዀኑ ኣለዎም።
የሱስ ኣብተን ኣብ ናይ ህይወቱ መወዳእታ ዝነበራ ጽንኩራት ሰሙናት ምስ ቈልዑ ግዜ ካብ ኣሕለፈ: ንሕናውን ኣብቲ ብስራሕ ትሑዝ ዝዀነ መደብና ንቘልዑ ዝኸውን ግዜ ክንምድብ ከም እንኽእል እተረጋገጸ ኢዩ። ብፍላይ ነቶም ዘኽታማት ዝዀኑ ኣወዳትን ኣዋልድን: ፍሉይ ሓገዝ ዘድልዮም ቈልዑ: ንምስትብሃል ኣዚና ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። ብሓቂ: ኵሎም ቈልዑ ኣቓልቦ ምስ ዝረኽቡ ብጽቡቕ ይዓብዩ ኢዮም: የሆዋ ድማ ብእተኻእለና መጠን ፍቕርና ክንገልጸሎምን ክንሕግዞምን ኢዩ ዝደሊ።—መዝሙር 10:14