-
ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ እተመሰለ ኽልተ ምሳሌየሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
-
-
የሱስ ድሕሪ እዛ ምሳሌ እዚኣ፡ ካልእ ምሳሌ እውን መሰለ። ኣብታ ምሳሌ ድማ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ንኣምላኽ ምግልጋል ካብ ምእባይ ሓሊፎም፡ እኩያት ከም ዝዀኑ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ኢሉ ኣዘንተወ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ብሓጹር ሓጸሮ፡ ካብቲ መጽመቝ ወይኒ ዚቕበል መዋህለል ወይኒ ዀዓተሉ፡ ግምቢ ሰርሓሉ፡ ንሓረስቶት ብመገስ ሂቡ ኸኣ ናብ ካልእ ሃገር ገሸ። ግዜኡ ምስ በጽሐ፡ ካብቶም ሓረስቶት ፍረ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኼምጽኣሉ ኢሉ፡ ናባታቶም ባርያ ለኣኸ። ንሳቶም ግና ሒዞም ወቕዕዎ፡ ጥራይ ኢዱ ድማ ሰደድዎ። ከም ብሓድሽ፡ ካልእ ባርያ ናባታቶም ለኣኸ፣ ንዕኡ እውን ርእሱ ፈግእዎን ኣሕሰርዎን። ካልእ ድማ ለኣኸ፡ ንዕኡ እውን ቀተልዎ፣ ብዙሓት ካልኦት ከኣ ለኣኸ፡ ንገሊኣቶም ወቕዕዎም፡ ንገሊኣቶም ድማ ቀተልዎም።”—ማርቆስ 12:1-5።
እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ነታ ምሳሌ ተረዲኦምዋዶ፧ ነቲ ኢሳይያስ፡ “እቲ ናይ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣታኽልቲ ወይንስ ቤት እስራኤል እዩ፣ ሰብ ይሁዳ ኸኣ ንሱ ዚፈትዎም ዝነበረ ኣትክልቲ እዮም። ፍትሒ ተጸበየ፣ እንሆ ግና፡ ዘይፍትሓውነት” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ነቐፌታ ዘኪሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ኢሳይያስ 5:7) የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ተመሳሳሊት እያ። እቲ ብዓል መሬት፡ የሆዋ ኣምላኽ እዩ፣ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ እቲ ብሕጊ ኣምላኽ እተሓጽረን እተሓለወን ህዝቢ እስራኤል እዩ። የሆዋ ንህዝቡ ንምምሃርን ጽቡቕ ፍረ ኺፈርዩ ንምሕጋዝን ነብያቱ ልኢኹሎም እዩ።
-
-
ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ እተመሰለ ኽልተ ምሳሌየሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
-
-
ስለዚ፡ ከይተረድኦም ንርእሶም እዮም ፈሪዶም፣ ከመይሲ፡ ንሳቶም ነቲ ንህዝቢ እስራኤል ዜመልክት “ኣታኽልቲ ወይኒ” የሆዋ ዚከናኸኑ “ሓረስቶት” እዮም ነይሮም። ገለ ኻብቲ የሆዋ ኻብቶም ሓረስቶት እተጸበዮ ፍረ፡ በቲ መሲሕ ዝዀነ ወዱ ምእማን እዩ ነይሩ። የሱስ ከኣ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ጠመቶም እሞ፡ “ከምዚ ዚብል ቅዱስ ጽሑፍዶ ኸቶ ኣየንበብኩምን፦ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ እምኒ መኣዝን ኰይኑ ኣሎ። እዚ ኻብ የሆዋ እዩ ዀይኑ፣ ኣብ ኣዒንትና እውን ድንቂ እዩ’” በሎም። (ማርቆስ 12:10, 11) ድሕሪኡ፡ “ስለዚ ኸኣ እየ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ተወሲዳ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢ ኽትውሃብ እያ ዝብለኩም ዘለኹ” ብምባል ኬመሓላልፎ ዝደለዮ መልእኽቲ ንጹር ገበሮ።—ማቴዎስ 21:43።
-