“እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ”
“የሱስ መሊሱ በሎም። . . . እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ: ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ”— ማቴዎስ 24:4-6
1. ብዛዕባ ከመይ ዝበለ ኣርእስቲ ኢና ክንግደስ ዘሎና፧
ብዛዕባ ህይወትካን መጻኢኻን ከም እትግደስ ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ብዛዕባ እቲ ንሲ. ቲ. ራስል ብ1877 ኣቓልብኡ ዝሰሓበ ኣርእስቲ እውን ክትግደስ ኣሎካ። እቲ ደሓር ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝመስረተ ራስል: ዕላማን ኣገባብን ምምላስ ጐይታና እትብል ጽሕፍቲ ኣዳለወ። እዛ 64 ገጽ ዘለዋ ንእሽቶ መጽሓፍ እዚኣ: ብዛዕባ እቲ ናይ መጻኢ ግዜ ምምላስ ክርስቶስ ኣመልኪታ ኢያ እትዛረብ። (ዮሃንስ 14:3) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ሃዋርያት ብዛዕባ ምምላሱ “እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ።—ማቴዎስ 24:3
2. ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረበሉ ነገር ኣብ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ብዙሕ ርእይቶታት ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
2 ነቲ የሱስ ዝሃቦ መልሲ ትፈልጦን ትርድኦን ዲኻ፧ ኣብ ሰለስተ ወንጌላት ተመዝጊቡ ኣሎ። ፕሮፌሰር ዲ. አይ. ካርሰን ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ከም ማቴዎስ 24 ከምኡውን እቲ ምስኡ ዝመሳሰል ማርቆስ 13ን ሉቃስ 21ን ንላዕሊ ገይሩ ኣብ ተርጐምቲ ምስሕሓብ ዝፈጠረ ካልእ ምዕራፋት እንተልዩ ኣዝዩ ሒደት ኢዩ።” ቀጺሉ እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ርእይቶ ይህብ። ይኹን እምበር እዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ርእይቶውን እንተዀነ ሓደ ካብቲ ኣብ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ሰብኣዊ ኣመለኻኽታ ኢዩ። ኣብ ከባቢ እዚ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበን ኣቢሉ: መብዛሕትኡ ከምዚ ዝበለ ኣመላኻኽታ ጕድለት እምነት ዘንጸባርቕ ኢዩ ነይሩ። እቶም ነዚ ርእይቶታት እዚ ዘቕረብዎ ድማ እቲ ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ እንረኽቦ ብፍጹም የሱስ እተዛረቦ ኣይኰነን: እቲ ንሱ እተዛረቦ ቃላት ጸኒሑ ተቐይሩ ኢዩ: ወይ ከኣ እቲ እተነበዮ ነገራት ከይተፈጸመ ተሪፉ ኢዩ ይብሉ። እዚ ድማ እቶም ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነቕፉ ሰባት ዝህብዎ ርእይቶ ኢዩ። ሓደ ወሃብ ርእይቶ ንወንጌል ማርቆስ ‘በቲ ናይ መሃያና-ቡድሃ ፍልስፍና’ ገይሩ እውን ከይተረፈ ኢዩ ርእይዋ።
3. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንትንቢት የሱስ ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ፧
3 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ብኣንጻሩ: መጽሓፍ ቅዱስ—እቲ የሱስ ነቶም ኣርባዕተ ሃዋርያት ቅድሚ ሞቱ ሰለስተ መዓልቲ ይገብር ኣብ ደብረ ዘይቲ እተዛረቦ ቃላት እውን ሓዊስካ—ሓቅነት ዘለዎን ትውክልቲ ዝግበሮን መጽሓፍ ምዃኑ ይቕበልዎ ኢዮም። ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ግዜ ሲ. ቲ. ራስል ኣትሒዞም: ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ደብረ ዘይቲ እተዛረቦ ትንቢት በብግዜኡ ንጹር ምርዳእ እናረኸቡ ኢዮም ከይዶም። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት እውን እንተዀነ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብዚ ትንቢት እዚ ንዘለዎም ኣረኣእያ ብተወሳኺ ኣነጺሩሎም ኢዩ። ንህይወትካ ዘለዎ ትርጕም ብምግንዛብ ነቲ ሓበሬታ እቲ ቀሲምካዮ ዲኻ፧a እስከ እምበኣር ደጊምና ንርኣዮ።
ኣብ መጻኢ ክፍጸም ትጽቢት እተገብረሉ ዘሕዝን ነገራት
4. ሃዋርያት ንየሱስ ብዛዕባ መጻኢ ዝሓተትዎ ካብ ኣየናይ ምኽንያት ተበጊሶም ኢዮም ክዀኑ ዝኽእሉ፧
4 ሃዋርያት: የሱስ መሲሕ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ስለዚ ብዛዕባ ሞቱ: ትንሳኤኡ: ምምላሱ ክጠቅስ ከሎ ምስ ሰምዕዎ ‘የሱስ ሞይቱ እንተድኣ ዓሪጉ: ነቲ መሲሕ ክፍጽሞ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘደንቕ ነገራት ከመይ ገይሩ ክፍጽሞ ይኽእል፧’ ኢሎም ብምሕሳብ ተገሪሞም ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም። ብተወሳኺ እውን የሱስ ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። ሃዋርያት ድማ ‘እዚ መዓስን ብኸመይን ኢዩ ዝፍጸም፧’ ብምባል ተገሪሞም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ሃዋርያት ነዚ ነገራት እዚ ክርድእዎ ኢሎም ብምፍታን “እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ እዚ ዅሉ መኣዝ ከም ዚፍጸምሲ: ትእምርቱ እንታይ እዩ፧” ብምባል ሓተቱ።—ማርቆስ 13:4፣ ማቴዎስ 16:21, 27, 28፣ 23:37–24:2
5. እቲ የሱስ እተዛረቦ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ፍጻመ ክረክብ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧
5 ውግእ: ጥሜት: ፌራ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝወርድ ጽልእን ስደትን: ናይ ሓሶት መሲሃት: ከምኡውን ምስፋሕ ብስራት መንግስቲ ክኸውን ምዃኑ የሱስ ኣቐዲሙ ነጊሩ ኢዩ። ድሕሪኡ መወዳእታ ክመጽእ ነበሮ። (ማቴዎስ 24:4-14፣ ማርቆስ 13:5-13፣ ሉቃስ 21:8-19) የሱስ: ነዚ ነገራት እዚ እተዛረቦ ኣቐዲሙ ኣብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት: እቶም ንቑሓት ደቀ መዛሙርቱ እቲ ኣቐዲሙ ተዘሪቡሉ ዝነበረ ነገራት ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ይፍጸም ከም ዝነበረ ክግንዘቡ ክኢሎም ኢዮም። እወ: እቲ ምልክት ናብቲ ብ66-70 ከ.ኣ.ዘ. ብኢድ ሮማውያን እተፈጸመ መደምደምታ ኣገባብ ኣይሁድ ብምምራሕ: ኣብቲ ግዜ እቲ ፍጻመ ከም ዝረኸበ ታሪኽ የረጋግጾ ኢዩ። እቲ መደምደምታ እቲኸ ብኸመይ ኢዩ መጺኡ፧
6. ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ መንጎ ሮማውያንን ኣይሁድን እንታይ ኢዩ እተራእየ፧
6 ኣብቲ ሙቐት ዝነበሮ ሓጋይ ናይ 66 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ዚለታውያን ኣይሁድ: ንወተሃደራት ሮሜ ኣብቲ ጥቓ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዝርከብ ዕርዲ ሓደጋ ወደቕዎም: እዚ ድማ ኣብ ካልእ ክፍልታት እታ ሃገርውን ዓመጽ ከም ዝለዓል ገበረ። ፕሮፌሰር ሃይንረክ ግሬትስ ኣብታ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ጂውስ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ በለ:- “እቲ ከም ኣመሓዳሪ ሶርያ መጠን ክብሪ ሰራዊት ሮሜ ናይ ምሕላው . . . መዝነት ዝነበሮ ሰስትየስ ጋለስ ነቲ ኣብ ዙርያኡ ዘስፋሕፍሕ ዝነበረ ዓመጽ ምእንቲ ኸይዓቢ ካብ ምዕጋት ሓሊፉ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን። ንጭፍራ ሰራዊቱ ኣከቦም: እቶም ጐረባብቱ ገዛእቲ እውን ብፍታው ሰራዊቶም ለኣኹሉ።” እዚ 30,000 ዝበጽሕ ሰራዊት ንየሩሳሌም ከበባ። ንቑሩብ ግዜ ምስ ተዋግኡ ኣይሁድ ብሸነኽ ድሕሪት ናይቲ ኣብ ጥቓ ቤት መቕደስ ዘሎ መናድቕ ተሓብኡ። “ኣብተን ሓሙሽተ ተኸታተልቲ መዓልትታት: ሮማውያን ናብቲ መናድቕ ይጽግዑ እኳ እንተ ነበሩ: ወትሩ በቲ ዝውርወር ዝነበረ መንትግ ኣይሁዳውያን ከይፈተዉ የንሳሕቡ ነበሩ። ኣብታ ሳድሰይቲ መዓልቲ ጥራይ ኢዮም ንገለ ክፋል ናይቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት መቕደስ ዝነበረ ሰሜናዊ መንደቕ ከፍርስዎ ዝኸኣሉ።”
7. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብ ነገራት ዝነበሮም ኣረኣእያ ካብ መብዛሕትኦም ኣይሁድ እተፈልየ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧
7 ኣይሁድ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ኣምላኽ ንዕኦምን ነታ ቕድስቲ ከተማኦምን ከም ዘዕቝቦም ይሓስቡ ስለ ዝነበሩ ክሳዕ ክንደይ ተደናጊሮም ነይሮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ እሞ ገምት! ይኹን እምበር: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንየሩሳሌም መከራ ይጽበያ ምንባሩ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነይሩ ኢዩ። የሱስ ከምዚ ብምባል ተነብዩ ነበረ:- “ጸላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጸኪ እያ እሞ: ኪኸቡኺ: በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም። . . . ንኣኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪግምጥሉኺ: እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪሐድጉልክን እዮም።” (ሉቃስ 19:43, 44) እዚ ክበሃል ከሎ ግን እቶም ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ውሽጢ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ ክሞቱ ነይርዎም ማለት ድዩ፧
8. የሱስ: ከመይ ዝበለ ዘሕዝን ፍጻመ ከም ዝህሉ ኢዩ ኣቐዲሙ እተዛረበ: እተን መዓልትታት ዝሓጽራሎም ‘ሕሩያትከ’ መን ኢዮም ነይሮም፧
8 ነቶም ኣብ ደብረ ዘይቲ ዝነበሩ ሃዋርያት ክምልሰሎም ከሎ የሱስ ከምዚ ብምባል ተነበየ:- “ካብታ ኣምላኽ መጀመርያ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ዘይኰነ: ድማ ከቶ ዘይከውን መከራ በታ ቕነ እቲኣ ኪኸውን እዩ እሞ: ምህዳምኩም ብኽረምቲ ኸይከውንሲ ጸልዩ። እተን መዓልትታት እቲኤን እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕጽረንሲ: ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ንሱ ዝሐረዮም ሕሩያት ግና ነተን መዓልትታት እቲኤን ኣሕጸረን።” (ማርቆስ 13:19, 20፣ ማቴዎስ 24:21, 22) ስለዚ እተን መዓልትታት እቲአን ክሓጽራ ነበረን “እቶም ሕሩያት” ድማ ደሓኑ። ንሳቶም እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧ እቶም ንየሆዋ ነምልኾ ኢና ዝብሉ ዝነበሩ ንወዱ ግን ዝነጸግዎ ዓለወኛታት ኣይሁድ ፈጺሞም ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። (ዮሃንስ 19:1-7፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:22, 23, 36) እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሕሩያት እቶም የሱስ መሲሕን መድሓንን ከም ዝዀነ ገይሮም ዝኣመንዎ ኣይሁዳውያንን ኣይሁዳውያን ዘይኰኑን ሰባት ኢዮም። ኣምላኽ ነዚኣቶም ሓርዩ: ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ: ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል:’ ገይርዎም ኢዩ።—ገላትያ 6:16፣ ሉቃስ 18:7፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34-45፣ 1 ጴጥሮስ 2:9
9, 10. ሮማውያን ዘጥቅዑለን መዓልትታት ‘ዝሓጸራ’ ብኸመይ ኢየን: ምስ ከመይ ዝበለ ውጽኢትከ፧
9 እተን መዓልትታት ‘ሓጺረን’ ድየን: እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሕሩያትከ ድሒኖም ድዮም፧ ፕሮፌሰር ግራዝ ከምዚ ብምባል ርእይትኡ ይህብ:- “[ሴስትየስ ጋለስ] ኣንጻር እቶም ጀጋኑን ውዕዉዓትን ዝነበሩ ኣይሁድ ውግእ ምቕጻል እቲ ወቕቲ ዝናብ ጽድያ ዝጅምረሉ እዋን ብምንባሩ . . . ሰራዊቱ ስንቂ ከይረክብ ክዓግቶ ይኽእል ስለ ዝነበረ ኣብቲ ክናዋሕ ዝኽእል ወፈራ ክምብርከኽ ጥበባዊ ገይሩ ኣይወሰዶን። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ምዝላቕ ጥበባዊ ገይሩ ወሲድዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።” ሴስትየስ ጋለስ ብዛዕባ እንታይ ይሓስብ ከም ዝነበረ ብዘየገድስ: ሰራዊት ሮሜ ካብታ ከተማ ኣንሰሓቡ እሞ ካብቶም ዝስዕብዎም ዝነበሩ ኣይሁድ ዓቢ ክሳራታት ኣጋጠሞም።
10 እቲ ዘገርም ምንስሓብ ናይቶም ሮማውያን ድማ “ስጋ”—እቶም ኣብ የሩሳሌም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ—ንኽድሕኑ ኣጋጣሚ ከፈተሎም። ታሪኽ ከም ዝሕብሮ ክርስትያናት እዚ ኣጋጣሚ እዚ ምስ ተኸፍተሎም ካብቲ ኸባቢ ሃደሙ። እዝስ ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ምፍላጥን ንኣምለኽቱ ድሕነቶም ከረጋግጸሎምን ዘለዎ ክእለት ክሳዕ ክንደይ ዘጕልሕ ኰን ኢዩ! ይኹን እምበር: ነቶም ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ዝነበሩ ዘይኣመንቲ ኣይሁድ እንታይ ኣጋጠሞም፧
እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ሰባት በቲ ዓቢ ጸበባ ይትንከፉ
11. የሱስ ብዛዕባ “እዚ ወለዶ እዚ” እንታይ ኢዩ ዝበለ፧
11 ብዙሓት ኣይሁድ እቲ ኣብቲ ቤት መቕደስ ዘተኰረ ኣገባብ ኣምልኾኦም ንሓዋሩ ዝቕጽል ይመስሎም ነበረ። ይኹን እምበር የሱስ ከምዚ በለ:- “ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ: ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ: ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ። እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን: እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ: ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።”—ማቴዎስ 24:32-35 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
12, 13. የሱስ “እዚ ወለዶ እዚ” ክብል ከሎ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዝዎ ዝነበረ እንታይ ምዃኑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብኸመይ ተረድእዎ፧
12 ክርስትያናት ኣብተን ቅድሚ 66 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበራ ዓመታት: ንመብዛሕትኡ ካብቲ ናይ መጀመርታ ክፍልታት ናይቲ ዝፍጸም ዝነበረ እኩብ ምልክታት ማለት ውግእ: ጥሜት: መጠነ-ሰፊሕ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ከይተረፈ ክርእዩ ክኢሎም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 11:28፣ ቈሎሴ 1:23) ይኹን እምበር: መወዳእታ መዓስ ኢዩ ክመጽእ ዝነበሮ፧ የሱስ ‘እዚ ወለዶ [ብግሪኽ የ.ነ ·ያ ʹ ] ኣይክሓልፍን ኢዩ’ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ የሱስ: ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት እውን ሓዊስካ ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝነበሩ ተጻረርቲ ኣይሁድ ‘ክፉእን ዘማውን ወለዶ’ ኢልዎም ኣሎ። (ማቴዎስ 11:16፣ 12:39, 45፣ 16:4፣ 17:17፣ 23:36) ስለዚ: ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: እንደገና ብዛዕባ “እዚ ወለዶ እዚ” ክዛረብ ከሎ: ኣብ ምሉእ ታሪኽ ንዝነበሩ ኵሎም ዘርኢ ኣይሁድ ማለቱ ከም ዘይነበረ ርዱእ ኢዩ፣ ሽሕ’ኳ “ሕሩይ ወለዶ” እንተ ነበሩ: ንሰዓብቱ ማለቱውን ኣይነበረን። (1 ጴጥሮስ 2:9) የሱስ “እዚ ወለዶ እዚ” ክብል ከሎ: እተወሰነ ግዜ ማለቱውን ኣይነበረን።
13 ኣብ ክንድኡ ግን የሱስ ነቶም ንፍጻመ ናይቲ ምልክት እቲ ክርእይዎ ዝነበሮም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ተጻረርቲ ኣይሁድ ማለቱ ኢዩ ነይሩ። ፕሮፌሰር ጆውኤል ቢ. ግሪን: ብዛዕባ እቲ ኣብ ሉቃስ 21:32 ዝርከብ “እዚ ወለዶ እዚ” ዝብል ጥቕሲ ከምዚ ይብል:- “ኣብቲ ሳልሳይ ወንጌል ‘እዚ ወለዶ እዚ’ ዝብል ጥቕስን (ምስኡ ዝዛመድ ሓረጋትን) ወትሩ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ንዝጻረሩ እተወሰኑ ህዝቢ ዘመልክት ኢዩ። . . . ነቶም ብትሪ ንመለኮታዊ ዕላማ ዝባኖም ዝሃቡ ህዝቢ [ዘመልክት ኢዩ]።”b
14. እቲ “ወለዶ” እቲ እንታይ ኢዩ ዝረኣየ: ኣብ ክርስትያናት ግን እተፈለየ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧
14 እቲ ሽዑ ንዝፍጸም ዝነበረ ምልክት ክዕዘቦ ዝኸኣለ በቶም ተጻረርቲ ዝዀኑ ኣይሁድ ዝቘመ ወለዶ: ነቲ መወዳእታ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ እውን ክርኢ ነበሮ። (ማቴዎስ 24:6, 13, 14) ብሓቂ ድማ ርእይዎ ኢዩ! ሰራዊት ሮሜ ብቲቶስ ወዲ ሃጸይ ቨስፓስያን ተመሪሑ: ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ተመልሰ። እቶም እንደገና ኣብታ ኸተማ እተዳጐኑ ኣይሁድ ዝወረዶም ስቓይ ንምእማኑ ዘጸግም ኢዩ።c እቲ ፍላቭየስ ጆሰፈስ እተባህለ ናይ ዓይኒ ምስክር: እቶም ሮማውያን ነታ ከተማ ከጥፍእዋ ኸለዉ: ዳርጋ 1,100,000 ኣይሁድ ተቐትሉ: ገለ 100,000 ዝዀኑ ድማ ተማረኹ: ካብዚኣቶም መብዛሕትኦም ብጥሜት ወይ ከኣ ኣብቲ ናይ ሮሜ ቲያትር ብኡንብኡ ተቐቲሎም ኢዮም። ብሓቂ ድማ እቲ ብ66-70 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ጸበባ: ቅድሚኡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣገባብን ኰይኑ ዘይፈልጥ ብድሕሪኡ ድማ ዘይኰነ ዝዓበየ ጸበባ ኢዩ ነይሩ። ፍሪኡ ኣብቶም ንናይ የሱስ ትንቢታዊ መጠንቀቕታ ብምስዓብ ሰራዊት ሮሜ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ድሕሪ ምኻዶም ንየሩሳሌም ሓዲጎምዋ ዝወጹ ክርስትያናት ኣየ ክንደይ እተፈለየ ኰን ኢዩ ነይሩ! እቶም “ሕሩያት” ቅቡኣት ክርስትያናት: ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ‘ድሒኖም:’ ወይ ተዓቚቦም ኢዮም።—ማቴዎስ 24:16, 22
ክመጽእ ዝነበሮ ካልእ ፍጻመ
15. ትንቢት የሱስ ድሕሪ 70 ከ.ኣ.ዘ. ዝዓበየ ፍጻመ ክህልዎ ኢዩ ኢልና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
15 ይኹን እምበር: እዚ ናይ መወዳእታ ኣይነበረን። ኣቐድም ኣቢሉ የሱስ እታ ከተማ ድሕሪ ምዕናዋ: ብስም የሆዋ ክመጽእ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 23:38, 39፣ 24:2) ጸኒሑ ድማ ኣብቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ ኰይኑ እተነበዮ ትንቢት ነዚ ኣነጺርዎ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ “ዓቢ ጸበባ” (NW ) ምስ ጠቐሰ: ድሕሪኡ ናይ ሓሶት ክርስቶሳት ክመጹ ምዃኖም: የሩሳሌም ድማ ንነዊሕ እዋን በህዛብ ክትርገጽ ምዃና ተዛረበ። (ማቴዎስ 24:21, 23-28፣ ሉቃስ 21:24) ክመጽእ ዝነበሮ ካልእ ዝዓበየ ፍጻሜ ነይሩ ደዀን ይኸውን፧ እቲ ክዉን ነገራት ኣወንታዊ መልሲ ኢዩ ዝህብ። ንራእይ 6:2-8 (ብድሕሪቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም ዝወረደ ጸበባ እተጻሕፈ) ምስ ማቴዎስ 24:6-8 ከምኡውን ምስ ሉቃስ 21:10, 11 እንተድኣ ኣረኣኢናዮ: ውግእ: ጥሜት: መዓት ብዝዓበየ ደረጃ ዝፍጸመሉ ግዜ ከም ዘሎ ኢና እንዕዘብ። ዝዓበየ ፍጻሜ ናይቲ የሱስ እተዛረቦ ቃላት ካብቲ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እተባርዓሉ 1914 ኣትሒዙ ይርአ ኣሎ።
16-18. ገና ብሕጂ ክፍጸም ኢዩ ኢልና ትጽቢት ክንገብረሉ እንኽእል ነገር እንታይ ኢዩ፧
16 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እዚ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ፍጻሜ ናይቲ ምልክት: “ዓቢ ጸበባ” ገና ብሕጂ ከም ዝመጽእ ዘረጋግጽ ምዃኑ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ክምህሩ ጸኒሖም ኢዮም። እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ “ወለዶ” ነቲ ጸበባ እቲ ክርኢ ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ጋለስ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. መጥቃዕቲ ብምግባር ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝወረደ ጸበባ ጀማሪኡ ዝነበረ: ብሕጂ እውን እንተዀነ ናይ መጀመርታ መድረኽ (ኣብ ልዕሊ ኵለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ዝወርድ መጥቃዕቲ) ዝህሉ ይመስል።d ድሕሪኡ: ኣብ መንጎ ንዘይተወሰነ ግዜ ምስ ጸንሐ: ምስቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝወረደ ጥፍኣት ዝመሳሰል ዓለምለኻዊ ጥፍኣት ምስ ወረደ መወዳእታ ይመጽእ።
17 ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓቢ ጸበባ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ የሱስ ከምዚ በለ:- “ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ [ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት] ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምት: ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ: ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ: ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ: ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም።”—ማቴዎስ 24:29, 30
18 ስለዚ እምበኣር የሱስ ንባዕሉ “ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ” ኣብ ጠፈር ገለ ዓይነት ተርእዮ ክህሉ ምዃኑ ተዛረበ። (ምስ ዮኤል 2:28-32፣ 3:15 ኣረኣእዮ።) እዚ ኣዝዩ ዘሰንብድ ክኸውን ኢዩ: ነቶም ዘይእዙዛት ደቅሰብ ከኣ ክሳዕ ‘ዝበኽዩ’ ከርዕዶም ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ‘ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዝመጽእ ምጽባይን ነፍሶም ክትወጽእ ኢያ።’ ንሓቀኛታት ክርስትያን ግን እዚ ኣይከጋጥሞምን ኢዩ! ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ ‘ምድሓኖም ስለ ዝቐረበ ቅንዕ ክብሉ ርእሶምውን ከልዕሉ ኢዮም።’—ሉቃስ 21:25, 26, 28
ፍርዲ ኣብ ቅድሜና ኢዩ ዘሎ!
19. እቲ ብዛዕባ ኣባጊዕን ኣጣልን እተነግረ ምሳልያዊ ዛንታ ዝፍጸመሉ ግዜ መዓስ ምዃኑ ብኸመይ ኢና ክንፈልጦ እንኽእል፧
19 ማቴዎስ 24:29-31 (1) ወዲ ሰብ ከም ዝመጽእ (2) እዚ ምምጻእ እዚ ብብዙሕ ግርማ ምዃኑ (3) መላእኽቱ ምስኡ ከም ዝዀኑ (4) ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ድማ ክርእይዎ ምዃኖም ኣቐዲሙ ከም ዝነግረና ኣስተብህል። የሱስ ነዚ መዳያት እዚ ኣብቲ ናይ ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ ደጊምዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 25:31-46) ስለዚ እምበኣር: እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ነቲ የሱስ ምስ መላእኽቱ መጺኡ ክፈርድ ኣብ ዝፋኑ ምስ ተቐመጠ ዘሎ ግዜ ኢዩ ዘመልክት ኢልና ክንድምድም ንኽእል ኢና: እዚ ኸኣ እቲ ናይ መጀመርታ መድረኽ ናይቲ ጸበባ ድሕሪ ምጅማሩ ኢዩ ዝኸውን። (ዮሃንስ 5:22፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:31፣ ምስ 1 ነገስት 7:7፣ ዳንኤል 7:10, 13, 14, 22, 26፣ ማቴዎስ 19:28 ኣረኣእዮ።) መን ኢዩ ዝፍረድ: ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ፧ እቲ ምሳልያዊ ዛንታ: ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ዝፋኑ ከም እተኣከቡ ብዝመስል መገዲ ገይሩ ብምግላጽ የሱስ ኣቓልብኡ ናብ ኵሎም ሰባት ክገብር ምዃኑ ይሕብረና።
20, 21. (ሀ) እተን ኣብ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣባጊዕ እንታይ ከጋጥመን ኢዩ፧ (ለ) እተን ኣጣል ኣብ ዝመጽእ እንታይ ኢዩ ከጋጥመን፧
20 ኣባጊዕ መሰል ሰብኡትን ኣንስትን ናብቲ ስምረት ዘለዎ የማን የሱስ ክፍለዩ ኢዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንዓቕምታቶም ንኣሕዋቱ ማለት ነቶም ኣብ ናይ ክርስቶስ ሰማያዊት መንግስቲ ዝሓብሩ ቅቡኣት ክርስትያናት: ሰናይ ንምግባር ተጠቒሞምሉ ኢዮም። (ዳንኤል 7:27፣ እብራውያን 2:9–3:1) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣባጊዕ መሰል ክርስትያናት: ንመንፈሳውያን ኣሕዋት ክርስቶስ ኣለልዮምዎም ኢዮም: ምስኣቶም ሓቢሮም ብምዕያይ ድማ ደገፎም ይገልጹ ኣለዉ። ከም ውጽኢት እዚ ድማ እዞም “ዓቢ ጭፍራ” (NW ) እዚኣቶም: ካብቲ “ዓቢ ጸበባ” (NW ) ድሒኖም ኣብ ገነት ኣብቲ ምድራዊ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ንዘለኣለም ክነብሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋ ኣለዎም።—ራእይ 7:9, 14፣ 21:3, 4፣ ዮሃንስ 10:16
21 ነተን ኣጣል ግን ካብዚ እተፈለየ ኢዩ ዘጋጥመን! ኣብ ማቴዎስ 24:30 የሱስ ክመጽእ ከሎ ኣጣል መሰል ‘ከም ዝበኽዩ’ ተገሊጹ ኣሎ። ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምጽራሮምን ነታ እትሓልፍ ዓለም ከኣ ምምራጾምን ዝገልጽ ጸብጻብ ስለ ዝህሉ ክበኽዩ ዝግብኦም ኢዩ። (ማቴዎስ 10:16-18፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17) ኣጣል መን ምዃኖም ዝውስን የሱስ ድኣ እምበር ኣብ ምድሪ ካብ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቱ ኣይኰኑን። ብዛዕባ እቶም ኣጣል ከኣ “እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ [“ጥፍኣት:” NW ] . . . ኪኸዱ እዮም” ይብለና።—ማቴዎስ 25:46
22. ከመይ ዝበለ ክፍሊ ናይ ትንቢት የሱስ ኢዩ ተወሳኺ ኣቓልቦ ክንገብረሉ ዘድሊ፧
22 ብዛዕባ እቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ከምኡውን 25 ዝርከብ ትንቢት ዘሎና ምርዳእ እናወሰኸ ምኻዱ ኣዝዩ ኣሐጒሱና ኢዩ። ይኹን እምበር: ተወሳኺ ኣቓልቦ ክንገብረሉ ዘድሊ ካልእ ክፍሊ ናይ ትንቢት የሱስ ኣሎ። እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ‘ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ዝቘመ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት’ ዝምልከት ኢዩ። የሱስ: ብዛዕባ እዚ ከስተውዕሉን ስጕምቲ ንምውሳድ ድማ ድሉዋት ክዀኑን ንደቀ መዛሙርቱ ተላብይዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 24:15, 16) እዚ “ርኽሰት” እዚ እንታይ ኢዩ፧ ኣብ ቅዱስ ስፍራ ዝቐውምከ መዓስ ኢዩ፧ ናይ ሕጅን ናይ መጻእን ህይወትና ኣብኡ እቱው ዝኸውንከ ብኸመይ ኢዩ፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ከተብርሆ ኢያ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ነቲ ኣብ ናይ 15 ለካቲት 1994፣ 15 ጥቅምቲ ከምኡውን 1 ሕዳር 1995፣ ከምኡውን 15 ነሓሰ 1996 ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጻት ርአ።
b ብሪጣንያዊ ምሁር ጂ. ኣር. ቢዝሊማሪ ከምዚ ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ:- “እታ ‘እዚ ወለዶ እዚ’ እትብል ሓረግ: ንተርጐምቲ ከተጸግሞም ኣይግባኣን ኢዩ። የነያ ኣብቲ ናይ ጥንቲ ቋንቋ ግሪኽ ትውልዲ: ዘርኢ: ዓሌት ዝብል ትርጕም ከም ዘለዋ ዘይከሓድ እኳ እንተዀነ: . . . ኣብቲ [ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ] ብተደጋጋሚ ከም ትርጕም ናይታ ዶር እትብል ናይ እብራይስጢ ስያመ ኢያ ኣትያ። ዶር ከኣ ኣብ ሓደ ግዜ ንዝነብሩ ሰባት ዘመልክት መዋእል: መዋእል ደቅሰብ: ወይ ከኣ ወለዶ ዝብል ትርጕም ብዝሓዘ ቃላት ኢያ ተተርጒማ ዘላ። . . . ኣብቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ክትውዕል ከላ እታ ስያመ ክልተ ትርጕም ኢያ ሒዛ እትርከብ: በቲ ሓደ ሸነኽ ነቶም ኣብቲ ንሱ ዝነብረሉ ዝነበረ እዋን ዝነበሩ ሰባት ከተመልክት ከላ: በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ እቲ ናይ ወትሩ ኣወዓዕላኣ ብተዘዋዋሪ መገዲ ንምንቃፍ ኢዩ።”
c ፕሮፌሰር ግሬትዝ: እቶም ሮማውያን ሓድሓደ ግዜ ኣብ መዓልቲ 500 እሱራት ኣብ ጕንዲ ይሰቕሉ ከም ዝነበሩ ኣብ መጽሓፍ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ጁውስ ተዛሪቡ ኣሎ። ካልኦት ምሩኻት ኣይሁድ ድማ ኣእዳዎም ተቘሪጹ ናብታ ኸተማ ተመልሱ። ኣብኡኸ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኣጋጠሞም፧ “ገንዘብ ዋጋ ዘይብሉ ኰነ: ከመይሲ እንጌራ ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ ኣይነበሮን። ሰባት ካብ ሕሱም ጥሜት እተላዕለ ነቲ ኣዝዩ ዘፈንፍንን ዘስገድግድን መግቢ: ዕማኾ ንዘይኣክል ሓሰር: ንንእሽቶ ቝራጽ ቈርበት: ንኣኽላባት እተደርበየ ተረፍ መረፍ እውን ከይተረፈ ይመናጠልሉ ነበሩ። . . . እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ቍጽሪ ናይ ዘይተቐብረ ሬሳታት: ንዅነታት ኣየር ናይቲ ሃሩር ዝመልኦ ሓጋይ መርዛም ከም ዝኸውን ገበሮ: እቲ ህዝቢ ኣደዳ ሕማምን ጥሜትን ሰይፍን ኰነ።”
d እታ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ መዳይ ናይቲ ዝመጽእ ዓቢ ጸበባ ከተብርሆ ኢያ።
ትዝክሮዶ፧
◻ ማቴዎስ 24:4-14 ኣብ ቀዳመይ ክፍለ-ዘበን ከመይ ዝበለ ፍጻመ ኢዩ ነይርዋ፧
ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 24:21, 22 ኣቐዲሙ እተነግረ: ኣብ ግዜ ሃዋርያት እተን መዓልትታት ዝሓጸራ: ስጋ ድማ ዝደሓነ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:34 ተጠቒሱ ዘሎ “ወለዶ” መለለይኡ እንታይ ኢዩ፧
◻ እቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ እተዋህበ ትንቢት ካልእ ዝዓበየ ፍጻመ ዘለዎ ምዃኑ ብኸመይ ኢና ክንፈልጥ እንኽእል፧
◻ እቲ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ መዓስን ብኸመይን ኢዩ ፍጻሜኡ ዝረክብ፧
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ብዛዕባ እቲ የሩሳሌም ምስ ጠፍአት ዝነበረ ምርኮ ዝገልጽ ኣብ ሮማ ዘሎ ሓወልቲ ቲቶስ
[ምንጪ ስእሊ]
Soprintendenza Archeologica di Roma