ኣምላኽ ስጕምቲ ክወስድ ከሎ ክትድሕንዶ ኢኻ፧
“እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ: ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።”—ማቴዎስ 24:22
1, 2. (ሀ) ብዛዕባ መጻኢና ክንግደስ ባህርያዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ባህርያዊ ተገዳስነት ኣበየናይ ኣድላዪ ዝዀነ ሕቶ እተጠቓለለ ኢዩ፧
ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ እትግደስ፧ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት: ፈተውቲ ርእሶም ብምዃን: ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ካብ መጠን ንላዕሊ ኢዮም ዝግደሱ። እንተዀነ ግን መጽሓፍ ቅዱስ: ብዛዕባ እቲ ንዓና ዝትንክፈና ነገራት ግቡእ ተገዳስነት ምርኣይ ኣይኵንኖን ኢዩ። (ኤፌሶን 5:33) እዚ ድማ ብዛዕባ መጻኢና እውን ምግዳስ ዘጠቓልል ኢዩ። ስለዚ መጻኢ እንታይ ሒዙልካ ከም ዘሎ ክትፈልጥ ምድላይካ ባህርያዊ ኢዩ። እሞኸ ትግደስዶ ኢኻ፧
2 ሃዋርያት የሱስ ብዛዕባ መጻኢኦም ከምዚ ዝበለ ተገዳስነት ከም ዝነበሮም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 19:27) ኣርባዕተ ካብኣቶም ምስ የሱስ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዝነበሩ ንኽሓቱ ዝገበሮም ሓደ ምኽንያት: እዚ ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ። “እስኪ ንገረና: እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ እዚ ዅሉ መኣዝ ከም ዚፍጸምሲ: ትእምርቱ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ማርቆስ 13:4) የሱስ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎ ባህርያዊ ተገዳስነት—ናታቶምን ናትናን—ዕሽሽ ኣይበሎን። ሰዓብቱ ብኸመይ ከም ዝትንከፉን እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ድማ እንታይ ከም ዝኸውንን ብተደጋጋሚ ኣጕሊሑዎ ኢዩ።
3. ነቲ ናይ የሱስ መልሲ ምስ ግዜና እነተሓሕዞ ስለምንታይ ኢና፧
3 ናይ የሱስ መልሲ ኣብ ግዜና ዝዓበየ ፍጻሜ ዘለዎ ትንቢት ሒዙ ኣሎ። ነዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዘበንና ዘጋጠመ ናይ ዓለም ውግኣትን ካልእ ግጭታትን ክንርእዮ ንኽእል ኢና: ቍጽሪ ዘይብሉ ህይወት ሰባት ዝመንዝዐ ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ሕማምን ሞትን ዘስዓበ ጥሜት: ከምኡውን ፌራ—ካብቲ ብ1918 ዝነበረ ናይ ስጳኛ ኢንፍሉዌንዛ ጀሚርካ ክሳዕ እዚ ኣብ ግዜና ዘሎ ናይ አይድስ መቕዘፍቲ—ገለ ካብኡ ኢዩ። ይኹን እምበር: ዝበዝሐ ካብቲ ናይ የሱስ መልሲ ናብቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ሮማውያን ኣብ የሩሳሌም ዘውረድዎ ጥፍኣትን ናብኡ ዘምርሐ ኵነታት ዝምልከትን ፍጻሜ እውን ነይርዎ ኢዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቖም:- “ንኣታቶም ንምስክር ግና ምእንታይ ንዋዕላ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም: ኣብ ቤት ጸሎቶምውን ኪገርፉኹም: ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከኣ ደው ኬብልኹም እዮም እሞ: ንርእስኹም ተጠንቀቑ።”—ማርቆስ 13:9
የሱስ እንታይ ከም እተነበየን እንታይ ድማ ከም እተፈጸመን
4. ኣብቲ ናይ የሱስ መልሲ እተጠቓለሉ ገለ ገለ መጠንቀቕታታት እንታይ ኢዮም፧
4 የሱስ ካልኦት ሰባት ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ከም ዝርእይዎም ጥራይ ኣይኰነን እተነበየ። ንገዛእ ርእሶም ብኸመይ ስጕምቲ ክወስዱ ከም ዘለዎም እውን ኣጠንቂቕዎም ኢዩ። ንኣብነት: “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም:—እቲ ዜንብብ የስተውዕል:—ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ” በለ። (ማርቆስ 13:14) ኣብ ሉቃስ 21:20 ዘሎ ምስዚ ዝመሳሰል ጸብጻብ ኸኣ “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም” ይብል። እዚ ኣብቲ ቀዳማይ ፍጻመ ልክዕ ምንባሩ እተራእየ ብኸመይ ኢዩ፧
5. ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ኣይሁድ እንታይ ተፈጸመ፧
5 ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኤንሳይክሎፐድያ [እንግሊዝኛ] (1928) ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “እቶም ኣይሁድ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሮሜ ብቐጻሊ ይሕንግዱ: እቶም ወከልቲ መንግስቲ ሮሜ ድማ ሕሱማት: ጨካናት: ከምኡውን ዘይእሙናት ኢዮም ነይሮም። ብ66 ድ.ል.ክ. ግልጺ ዕልዋ ተኻየደ። . . . እቶም ኣኽረርቲ ንማሳዳ ምስ ሓዝዋ ውግእ ተጀመረ: ድሕርዚ ድማ ብመሪሕነት ሜነከም ናብ የሩሳሌም መረሹ። ልክዕ ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ እቶም ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቂሳርያ ዝነበሩ ኣይሁድ ብጃምላ ተቐትሉ: ወረ ናይዚ ግፍዒ እዚ ድማ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ተዘርግሐ። ዕልወት እተኻየደሉ 1ይ ዓመት ክሳዕ 5ይ ዓመት እተጻሕፎ ሓደስቲ ናይ ሓጺን ሰልድታት ከኣ ተሰርሐ።”
6. እቲ ናይ ኣይሁድ ዕልዋ ብሮማውያን እንታይ ምላሽ ረኸበ፧
6 ብሰስቲዩስ ጋለስ ዝምራሕ መበል ዓሰርተው ክልተ ክፍለ ሰራዊት ሮሜ ካብ ሶርያ ገስጊሱ ንገሊላ ኣዕነዋ: ድሕርዚ ድማ ነቲ ላዕለዋይ ክፋል ናይ ‘የሩሳሌም እታ ቅድስቲ ከተማ’ እውን ከይተረፈ ብምሓዝ: ኣብ ርእሲ እታ ከተማ መጥቃዕቲ ፈነወ። (ነህምያ 11:1፣ ማቴዎስ 4:5፣ 5:35፣ 27:53) ዘ ሮማን ሲጅ ኦቭ ጀሩሳሌም (እንግሊዝኛ) እተባህለ ጥራዝ ነቲ ዝነበረ ምዕባለታት ጥርንፍ ኣቢሉ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ሮማውያን ብተደጋጋሚ ንድሕሪት እናተደፍኡ: ንሓሙሽተ መዓልትታት ዝኸውን ነቲ መናድቕ ክሓዅርዎ ፈተኑ። ኣብ መወዳእታኡ: እቶም ተኸላኸልቲ: ዳርባ ፍላጻታት ስለ ዝሓየሎም ኢዶም ሃቡ። ወተሃደራት ሮሜ ቴስቱዶ—ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ዋላትኦም ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም ናይ ምእሳር ሜላ—ብምጥቃም: ነቲ መናድቕ ተቘጻጸርዎ ነቲ ኣፍ ደገ እታ ከተማ ድማ ብሓዊ ከባርዕዎ ፈተኑ። እቶም ተኸላኸልቲ ክቱር ስምባድ ሓዞም።” ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ናይ የሱስ ቃላት ክዝክርዎ: እቲ ዘፈንፍን ነገር ድማ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ደው ከም ዝበለ ከስተውዕሉ ክኢሎም ኢዮም።a ይኹን እምበር እታ ከተማ ተኸቢባ ከላ ከምቲ የሱስ ምኽሪ ሂብዎ ዝነበረ ከምዚኣቶም ዝበሉ ክርስትያናት ከመይ ኢሎም ኢዮም ክሃድሙ ዝኽእሉ፧
7. ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ዓወት ኣብ ኢዶም ከሎ: ሮማውያን እንታይ ኢዮም ዝገበሩ፧
7 ጸሓፍ ታሪኽ ፍላቪዩስ ጆሰፉስ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ሰስቲዩስ [ጋለስ]: ናይቶም እተኸቡ ተስፋ ምቝራጽ ይኹን ስምዒታት ናይቲ ህዝቢ ከይተገንዘበ: ሃንደበት ነቲ ዝረኸቦ ዓወት ጠንጢኑ ንወተሃደራቱ ትእዛዝ ብምሃብ ብዘይ ገለ ምኽንያት: መጥቃዕቲ እውን ከየጋጠሞ: ካብታ ከተማ ኣዝለቐ።” (ዘ ጂውሽ ዎር: II: 540 [xix, 7] [እንግሊዝኛ]) ጋለስ ስለምንታይ ኢዩ ኣዝሊቑ፧ እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ምዝላቑ ክርስትያናት ነቲ ናይ የሱስ ትእዛዝ ክሕልዉን ዕቝባ ንኽረኽቡ ድማ ናብ ኣኽራን ክሃድሙን ኣኽኢልዎም ኢዩ።
8. ናይቲ ሮማውያን ኣንጻር የሩሳሌም ዝገበርዎ ጻዕሪ ካል ኣይ መድረኹ እንታይ ነበረ: እቶም ብህይወት ዝተረፉኸ እንታይ ኣጋጠሞም፧
8 ምእዛዝ ህይወት ዘድሕን ኢዩ ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ሮማውያን ነቲ ዕልዋ ክጭፍልቑ ተንቀሳቐሱ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ጀነራል ቲቶስ ካብ ሚያዝያ ክሳዕ ነሓሰ 70 ከ.ኣ.ዘ. እተኻየደ ወፍሪ ንየሩሳሌም ብምዕናው ናይ መወዳእታ ፍጻሜኡ ረኸበ። እቶም ኣይሁድ ክሳዕ ክንደይ ከም እተሳቐዩ ዘርኢ ናይ ጆሰፉስ መግለጺ ከተንብቦ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኢዩ። ብዘይካ እቶም ምስ ሮማውያን ክዋግኡ እተቐትሉ: ካልኦት ኣይሁድ በቶም ከምኣቶም ዝዀኑ ናይ ኣይሁድ ጕጅለታት ተሓርዱ: ጥሜት ድማ ስጋ ሰብ ናብ ምብላዕ ኣምርሐ። ሮማውያን ኣብ መወዳእታ ክዕወቱ ከለዉ 1,100,000 ኣይሁድ ሞይቶም ነበሩ።b ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ 97,000 ገሊኣቶም ሽዑ ንሽዑ ተቐትሉ፣ ካልኦት ድማ ንባርነት ተወስዱ። ጆሰፉስ ከምዚ ይብል:- “ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰባት ኣብቲ ናይ ቲያትር ቦታታት ብሴፍ ወይ ብኣራዊት ንኽጸንቱ ቲቶስ ነተን ኣውራጃታት ክህበን ከሎ: እቶም ዕድሚኦም ልዕሊ ዓሰርተ ሸውዓት ዝዀነ ድማ ብመቑሕ ተኣሲሮም ናብቲ ኣብ ግብጺ ዝነበረ ናይ መቕጻዕቲ ሸቕሊ ተላእኩ።” እዚ ናይ ምፍልላይ መስርሕ ክሳዕ ዝግበር እውን ከይተረፈ 11,000 እሱራት ሞቱ።
9. እቶም ክርስትያናት ከምቲ ናይ ኣይሁድ ዘየጋጠሞም ስለምንታይ ኢዩ: ይኹን እምበር እንታይ ሕቶታት ኢዩ ጌና መልሲ ዘድልዮ፧
9 ክርስትያናት ነቲ ናይ ጐይታ መጠንቀቕታ ብምሕላዎምን ሰራዊት ሮሜ ከይተመልሱ ከለዉ ድማ ካብታ ከተማ ምህዳሞምን ኣመስገንቲ ክዀኑ ይኽእሉ ነበሩ። በዚ ኸኣ ካብቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዝወረደ “ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን” ብምባል ዝጸውዖ ክፋል ናይቲ “ዓቢ ጸበባ:” (ትሓዓ ) ድሒኖም ኢዮም። (ማቴዎስ 24:21) የሱስ ወሲኹ ከምዚ በለ:- “እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ: ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።” (ማቴዎስ 24:22) እዚ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ማለት ኢዩ ነይሩ: ሕጂኸ እንታይ ማለት ኢዩ፧
10. ቅድሚ ሕጂ ንማቴዎስ 24:22 ብኸመይ ኢና ገሊጽናያ ነይርና፧
10 ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እቲ ‘ስጋ ዝለበሰ ኣይምደሐነን’ ዝብል: ነቶም ካብቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም ዝወረደ ጸበባ ዝደሓኑ ኣይሁድ ከም ዘመልክት ኢዩ ተገሊጹ ነይሩ። እቶም ክርስትያናት ሃዲሞም ኢዮም: ስለዚ ኣምላኽ: ሮማውያን ቅልጡፍ ጥፍኣት ከምጽኡ ከፍቅደሎም ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ: ብመሰረት ጸብጻብ ናይቲ ጭብጢ እቶም “ሕሩያት” ካብ ሓደጋ ወጺኦም ብምንባሮም: ገለ ናይ ኣይሁድ “ስጋ” ክድሕኑ ብምፍቃድ: እተን ናይ ጸበባ መዓልትታት ክሓጽራ ይኽእላ ነበራ። እቶም ዝደሓኑ ኣይሁድ ጽላሎት ናይቶም ካብቲ ኣብዚ ግዜና ዝመጽእ ዓቢ ጸበባ ዝድሕኑ ሰባት ከም ዝዀኑ ኢዩ ዝሕሰብ ነይሩ።—ራእይ 7:14
11. እቲ ናይ ማቴዎስ 24:22 መግለጺ እንደገና ምምርማር ዘድልዮ ስለምንታይ ኢዩ፧
11 ይኹን እምበር: እዚ መግለጺ እዚ ምስቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. እተፈጸመ ነገራት ዝሰማማዕ ድዩ፧ የሱስ ሰብኣዊ “ስጋ” ካብቲ ጸበባ ‘ክድሕን’ ከም ዝነበሮ ተዛሪቡ ኢዩ። ነቲ ኣሽሓት ካብኣቶም ብኡንብኡ ብጥሜት ዝሞትሉ ወይ ኣብ ቦታ ትያትር እተሓርዱሉ ኵነታት ርኢኻስ: ነቶም 97,000 ደሓንቲ ንምግላጽ ነታ ‘ድሒኖም’ እትብል ቃል ምተጠቐምካላዶ፧ ጆሰፉስ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ቂሳርያ ዝነበረ ትያትር ከምዚ ብምባል ይዛረብ:- “ቍጽሪ ናይቶም ምስ ኣራዊት ክገጥሙ ወይ ንሓድሕዶም ክቃለሱ ከለዉ ዝጸነቱ ወይ ብህይወቶም ከለዉ ብሓዊ እተቓጸሉ ሰባት ካብ 2,500 ዝበዝሕ ነበረ።” ኣብ ግዜ ከበባ እኳ እንተዘይሞቱ: ብርግጽ ግን ‘ኣይደሓኑን።’ የሱስከ ምስቶም ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ “ዓቢ ጸበባ” ዝወጹ ሕጕሳት ደሓንቲ ዝመሳሰሉ ገይሩዶ ምረኣዮም፧
ስጋ ደሓኑ—ብኸመይ፧
12. እቶም ኣምላኽ ተገዳስነት ዘሕደረሎም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ “ሕሩያት:” እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧
12 ኣምላኽ ካብ 70 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ንባህርያውያን ኣይሁድ ከም ሕሩያት ህዝቡ ገይሩ ኣይረኣዮምን። የሱስ ኣምላኽ ነቲ ህዝቢ ከም ዝነጸጎን እታ ርእሲ ከተማኡ: ቤተ-መቕደሳ: ከምኡውን ናይ ኣምልኾ ኣገባባ ከልግስ ምዃኑን ገሊጹ ኢዩ። (ማቴዎስ 23:37-24:2) ኣምላኽ ሓድሽ ዝህቢ: መንፈሳዊ እስራኤል ሓርዩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:14፣ ሮሜ 2:28, 29፣ ገላትያ 6:16) እዚ ኸኣ ካብ ኵሎም ህዝብታት እተሓርዩ ብመንፈስ ቅዱስ ድማ እተቐብኡ ሰብኡትን ኣንስትን ዝሓዘ ኢዩ። (ማቴዎስ 22:14፣ ዮሃንስ 15:19፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:1, 2, 34, 35, 44, 45) እቲ ናይ ሰስቲዩስ ጋለስ መጥቃዕቲ ከይተፈነወ ከሎ ገለ ዓመታት ኣቐዲሙ: ጴጥሮስ ናብቶም ‘ከምቲ ናይ ቀደም ፍልጠት እግዚኣብሄር ኣቦና ብቕድስና መንፈስ እተሓርዩ ’ ጽሒፉ ነበረ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ብመንፈስ እተቐብኡ ሰባት “ሕሩይ ወለዶ: ናይ መንግስቲ ኽህነት: ቅዱስ ህዝቢ” ኢዮም ነይሮም። (1 ጴጥሮስ 1:1, 2፣ 2:9 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሕሩያት ሰባት ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ክገዝኡ ክወስዶም ኢዩ።—ቈሎሴ 1:1, 2፣ 3:12፣ ቲቶስ 1:1፣ ራእይ 17:14
13. እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:22 ዘሎ ቃላት የሱስ እንታይ ትርጕም ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል፧
13 የሱስ እተን መዓልትታት ጸበባ “ምእንቲ እቶም ሕሩያት” ተባሂለን ክሓጽራ ምዃነን ተነብዩ ስለ ዝነበረ: ነቶም ሕሩያት ምፍላጦም ሓጋዚ ኢዩ። እታ “ምእንቲ” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል “ንገለ ነገር ተባሂሉ” ወይ “ስለ” ተባሂላ እውን ክትርጐም ትኽእል ኢያ። (ማርቆስ 2:27 ትሓዓ ፣ ዮሃንስ 12:30 ትሓዓ ፣ 1 ቈረንቶስ 8:11፣ 9:10, 23፣ 11:9፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:10፣ ራእይ 2:3) ስለዚ የሱስ “እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ: ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ነቶም ሕሩያት ተባሂሉ ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን” ክብል እውን ይኽእል ነይሩ ኢዩ።c (ማቴዎስ 24:22) ነቶም ኣብ የሩሳሌም ኣብ መጻወድያ ኣትዮም ዝነበሩ ሕሩያት ክርስትያናት ዝጠቐሞም ወይ ‘ንዕኦም ተባሂሉ’ እተገብረ ገለ ነገር ነይሩዶ ኢዩ፧
14. ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ሰራዊት ሮሜ ሃንደበት ካብ የሩሳሌም ምስ ኣዝለቑ “ስጋ” ዝደሓነ ብኸመይ ኢዩ፧
14 ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ሮማውያን ናብታ ሃገር ከም ዝኣተዉ: ንላዕለዋይ ክፋል የሩሳሌም ከም ዝሓዝዎ: ነቲ መናድቕ ድማ ክቈጻጸርዎ ከም ዝጀመሩ ዘክር። ጆሰፉስ ከምዚ ብምባል ሓሳብ ይህብ:- “ሰስቲዩስ ንቕሩብ ግዜ ከቢብዋ ጸኒሑ እንተ ዝኸውን: ነታ ከተማ ብሓንሳእ ምማረኻ ነይሩ።” ‘እቲ ሓያል ናይ ሮሜ ሰራዊት ሃንደበት ነቲ ወፍሪ ዝራሕርሖን “ብዘይ ገለ ምኽንያት” ድማ ዘዝለቐን ደኣ ስለምንታይ ኢዩ፧’ ኢልካ እስከ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት። ወተሃደራዊ ታሪኽ ኣብ ምትንታን ክኢላ ዝዀነ ሩፐርት ፌርኖ ከምዚ ብምባል ሓሳብ ይህብ:- “ነቲ ናይ ጋለስ ዘደንጹን ሓደገኛን ውሳነ: ኣዕጋቢ ምኽንያት ኣብ ምሃብ እተዓወተ ጸሓፍ ታሪኽ የሎን።” እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: እቲ ውጽኢት ምሕጻር ናይቲ ጸበባ ኢዩ ነይሩ። ሮማውያን ኣዝሊቖም ክኸዱ ከለዉ: ኣይሁድ የጥቅዕዎም ነበሩ። እቶም ኣብ መጻወድያ ኣትዮም ዝነበሩ ቅቡኣት ክርስትያናት ዝዀኑ “ሕሩያት”ከ፧ እቲ ከበባ ምልጋሱ ካብቲ ኣብ እዋን ጸበባ ዘስግእ ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ማሕረድቲ ድሒኖም ማለት ኢዩ ነይሩ። ስለዚ: እቶም ካብቲ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ምሕጻር ናይቲ ጸበባ እተጠቕሙ ክርስትያናት: እቶም ኣብ ማቴዎስ 24:22 ተጠቒሶም ዘለዉ ዝደሓኑ “ስጋ” ኢዮም ነይሮም።
መጻኢኻ እንታይ ሒዙ ኣሎ፧
15. ማቴዎስ ምዕራፍ 24 ብፍላይ ንግዜና እተገድስ ክትከውን ኣለዋ ክትብል እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧
15 ሓደ ሰብ ‘ኣብዚ ዝነጸረ ምርዳእ ቃላት የሱስ ብፍላይ ክግደስ ዘሎኒ ስለምንታይ ኢዩ፧’ ብምባል ይሓትት ይኸውን። ጽቡቕ: ናይ የሱስ ትንቢት ክንዮ እቲ ኣብ 70 ከ.ኣ.ዘ. ከምኡውን ክሳዕ ሽዕኡ ዝዀነ ነገር ሓሊፉ ዝዓበየ ፍጻሜ ነይርዎ ኢልካ ንምድምዳም እኹል ምኽንያት ኣሎ።d (ምስ ማቴዎስ 24:7፣ ሉቃስ 21:10, 11፣ ራእይ 6:2-8) ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል: ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እቲ ኣብ ግዜና ዝኸውን ዘሎ ዝዓበየ ፍጻሜ: ሰፊሕ ደረጃ ዘለዎ “ዓቢ ጸበባ” ኣብ ቅድሜና ኣሎ ኢልና ክንጽበ ከም እንኽእል ዘረጋግጽ ኢዩ ብምባል ሰቢኾም ኢዮም። ኣብቲ እዋን እቲ: ኣብ ማቴዎስ 24:22 ዝርከብ ትንቢታዊ ቃላት ብኸመይ ኢዩ ክፍጸም፧
16. መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ እቲ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ጸበባ እንታይ ዘተባብዕ ጭብጥታት ኢያ እተቕርብ፧
16 ድሕሪ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ጸበባ ዳርጋ ዕስራ ዓመታት ጸኒሑ: ሃዋርያ ዮሃንስ ንመጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ጸሓፈ። እታ መጽሓፍ ብሕጂ ዓቢ ጸበባ ከም ዘሎ ኣረጋጊጻ ኢያ። ከምኡውን ኣብቲ ብብሕቲ ዝትንክፈና ነገራት ንግደስ ብምዃንና: ራእይ ብትንቢታዊ መገዲ ሰብኣዊ ስጋ ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ጸበባ ዝድሕን ምዃኑ ከም እተረጋግጽ ምፍላጥና ከቕስነና ይኽእል ኢዩ። ዮሃንስ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: . . . ብዙሓት ሰብ [“ዓቢ ጭፈራ:” ትሓዓ ]” ክህልዉ ምዃኖም ተነብዩ ኢዩ። ንሳቶም እንታዎት ኢዮም፧ ካብ ሰማይ ዝመጸ ድምጺ ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ [“ዓቢ:” ትሓዓ ] ጸበባ ዝመጹ እዮም።” (ራእይ 7:9, 14) እወ: ንሳቶም እቶም ደሓንቲ ክዀኑ ኢዮም! ራእይ: ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ጸበባ ነገራት ብኸመይ ከም ዝምዕብልን ማቴዎስ 24:22 ድማ ብኸመይ ከም እትፍጸምን ዕሙቝ ዝበለ ሓሳብ እውን ትህብ ኢያ።
17. ናይቲ ዓቢ ጸበባ መኽፈቲ መድረኽ እንታይ ከጠቓልል ኢዩ፧
17 ናይዚ ጸበባ እዚ መኽፈቲ መድረኽ: ኣብ ልዕሊ ሓንቲ “ዓባይ ባቢሎን” ተባሂላ እትጽዋዕ ምሳልያዊት ኣመንዝራ ዝወርድ መጥቃዕቲ ኢዩ ክኸውን። (ራእይ 14:8፣ 17:1, 2) ንሳ ነቲ ዓለምለኸ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሃጸይ ኢያ እትውክል: ካብኣ ድማ ህዝበ-ክርስትና ዝያዳ ተወቃሲት ኢያ። ብመሰረት እቲ ኣብ ራእይ 17:16-18 ዘሎ ቃላት: ነዛ ምሳልያዊት ኣመንዝራ መጥቃዕቲ ምእንቲ ከውርዱላ ኣምላኽ ኣብ ልቢ እቶም ፖለቲካውያን ባእታታት ሓሳብ ከእቱ ኢዩ።e እቲ መጥቃዕቲ ነቶም ናይ ኣምላኽ ቅቡኣት ዝዀኑ “ሕሩያት” ከምኡውም ነቶም መተሓባብርቶም “ዓቢ ጭፍራ” ብኸመይ ከም ዝትንክፎም እሞ ሕሰቦ። እዚ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ዝወርድ ኣዕናዊ መጥቃዕቲ እናወሰኸ ክኸይድ ከሎ: ንህዝቢ የሆዋ ሓዊስካ: ንዅሉ ሃይማኖታዊ ማሕበራት ዘጽንት ክመስል ይኽእል ይኸውን።
18. ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ዓቢ ጸበባ ዝዀነ ይኹን “ስጋ” ዝድሕን ዘይመስል ስለምንታይ ኢዩ፧
18 ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:22 ዝርከብ ቃላት የሱስ ብዝዓበየ ደረጃ ክፍጸም ኢዩ። ከምቲ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሕሩያት ኣብ ሓደጋ ከም ዝነበሩ ዝመስል ዝነበረ: እቲ መጥቃዕቲ ንዅሉ “ስጋ” ህዝቢ ኣምላኽ ዘጥፍእ ከም ዝዀነ ገይርካ ብምውሳድ: ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት መጥቃዕቲ ኣብ ዝወርደሉ እዋን ኣገልገልቲ የሆዋ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ዘጋጥሞም ክመስሉ ይኽእሉ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ንድሕሪት ተመሊስና ብ66 ከ.ኣ.ዘ. እንታይ ከም እተፈጸመ ንዘክር። እቶም ናይ ኣምላኽ ቅቡኣት ዝዀኑ ሕሩያት ንኸምልጡን ብህይወት ድማ ንኽተርፉን እኹል ኣጋጣሚ ብምሃብ: እቲ ሮማውያን ዘምጽእዎ ጸበባ ሓጺሩ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ: እቲ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ዝወርድ ኣዕናዊ መጥቃዕቲ ነቲ ናይ ሓቀኛ ኣምለኽቲ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ከጥፍእ ከም ዘይፍቀደሉ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ልክዕ ከም “ሓንቲ መዓልቲ” ቀልጢፉ ክሓልፍ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ህዝቢ ኣምላኽ ‘ክድሕኑ’ ምእንቲ ክኽእሉ: ብገለ መገዲ ክሓጽር ኢዩ: ከም ድሌቱ ክገብር ድማ ኣይክፍቀደሉን ኢዩ።—ራእይ 18:8
19. (ሀ) ድሕርቲ ናይ መጀመርታ ክፋል ናይቲ ዓቢ ጸበባ: እንታይ ኢዩ ግሁድ ዝኸውን፧ (ለ) እዚኸ ናብ እንታይ ኢዩ ከምርሕ፧
19 ድሕርዚ ካልኦት ኣብ ናይ ሰይጣን ድያብሎስ ምድራዊ ማሕበር ዘለዉ ባእታታት: ነቲ ምስታ ኣረጊት ሃይማኖታዊት ውሽማኦም ዘሕለፍዎ ርክብ ስለ ዝሰኣንዎ እናሓዘኑ: ንገለ ግዜ ክቕጽሉ ኢዮም። (ራእይ 18:9-19) ኣብዚ ኵነታት እዚ: ሓቀኛታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ‘ሃዲኦም ብደሓን ይነብሩን: ኵላቶም ብዘይ ቀጽሪ ከም ዘለዉን’ ብቐሊሉ ዝጕበጡ መሲሎም ዝረኣዩ ምዃኖምን ከስተብህሉ ኢዮም። ከመይ ዝበለ ዘይተጸበይዎ ነገር ኰን ኢዩ ከጋጥሞም! ነቲ ኣንጻር ህዝቡ ዘቕንዕ ናይ ሓቂ ወይ ዘስግእ መጥቃዕቲ ምላሽ ብምሃብ: ኣምላኽ ኣብቲ ናይ ዓቢ ጸበባ መወዳእታ ክፋል ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ፍርዱ ንምውራድ ክለዓል ኢዩ።—ህዝቅኤል 38:10-12, 14, 18-23
20. እቲ ካልኣይ መድረኽ ናይቲ ዓቢ ጸበባ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ሓደጋ ዘየእትዎም ስለምንታይ ኢዩ፧
20 እዚ ካልኣይ መድረኽ ናይዚ ዓቢ ጸበባ ምስቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ሮማውያን ካልኣይ መጥቃዕቲ ከውርዱ ኸለዉ ንየሩሳሌምን ተቐማጦኣን ዘጋጠሞም ነገር ክመሳሰል ኢዩ። “ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ [እቲ እዋን እቲ] ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን” ምዃኑ ክረጋገጽ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:21) እንተዀነ ግን: እቶም ናይ ኣምላኽ ሕሩያትን መተሓባብርቶምን ኣብቲ ሓደገኛ ዞባ: ናይ ምቕታል ሓደጋ ዘለዎ ኵነታት ከም ዘይኰኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ናብ ሓደ ጂኦግራፍያዊ ከባቢ ኣይክሃድሙን ኢዮም። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብታ ከተማ ናብቲ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝነበረ ከም ፔላ ዝኣመሰለ ናይ ኣኽራን ከባቢታት ክሃድሙ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣብ መጻኢ እሙናት መሰኻኽር ኣምላኽ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ክህልዉ ኢዮም: ስለዚ ድሕንነትን ዕቝባን ኣብ ጆኦግራፊያዊ ከባቢ ኣይክምስረትን ኢዩ።
21. ኣብቲ ናይ መወዳእታ ውግእ መን ኢዩ ዝዋጋእ: ምስ እንታይ ፍረኸ፧
21 እቲ ጥፍኣት ብሰራዊት ሮሜ ወይ ዝዀነ ካልእ ሰብኣዊ ወኪል ዝመጽእ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ: መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ እቶም ፍርዲ ዘውርዱ ሓይልታት ካብ ሰማይ ከም ዝዀኑ ኢያ ትገልጽ። እወ: ነቲ ናይ መወዳእታ ክፍሊ ዓቢ ጸበባ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ሰራዊት ዘይኰነስ: እቲ “ቃል ኣምላኽ” ዝዀነ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ: ነቶም ዝተንስኡ ቅቡኣት ክርስትያናት ሓዊስካ: በቶም “ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት” ተሓጊዙ ኢዩ ክፍጽሞ። እቲ “ጐይታ ጐይተትን ንጉሰ ነገስትን” ካብቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ሮማውያን ዝገበርዎ ዝዓቢ ፍርዲ ኢዩ ክፍጽም። ንዅሎም ሰብኣውያን ተጻረርቲ ኣምላኽ—ነገስታት: ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ: ጭዋታትን ባሮትን ዓበይትን ናእሽቱን—ከጽንት ኢዩ። እተን ክፍሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝዀና ሰብኣውያን ማሕበራት እውን ከይተረፋ ክጠፍኣ ኢየን።—ራእይ 2:26, 27: 17:14፣ 19:11-21፣ 1 ዮሃንስ 5:19
22. “ስጋ” ዝድሕኑ በየናይ ተወሳኺ ምርዳእ ኢዮም፧
22 “ስጋ” ናይ ክልቲኦም: ማለት ናይቶም ቅቡኣት ተረፍን “ዓቢ ጭፍራ”ን: ዓባይ ባቢሎን ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ጸበባ ብቕጽበትን ምሉእ ብምሉእን ክትጠፍእ ከላ ድሮ ድሒኑ ከም ዘሎ ዘክር። ብተመሳሳሊ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ናይቲ ጸበባ ናብ ወገን የሆዋ ዝሃደመ “ስጋ” ክድሕን ኢዩ። እዝስ ምስቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ነቶም ዓለወኛታት ኣይሁድ ዘጋጠሞም ነገር ክሳዕ ክንደይ ዝነጻጸር ኰን ኢዩ!
23. እቶም ዝድሕኑ “ስጋ” እንታይ ኢዮም ብተስፋ ክጽበዩ ዝኽእሉ፧
23 ነቲ ብዛዕባኻን ብዛዕባ እቶም ፍቑራትካን ንመጻኢ ክህሉ ዝኽእል ኣጋጣሚታት ብምሕሳብ: ነቲ ኣብ ራእይ 7:16, 17 ተዋሂቡ ዘሎ መብጽዓ ኣስተብህለሉ:- “እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም: ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም: ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ እሞ: ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም: ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምን እዩ።” ብርግጽ: ዘደንቕን ነባርን ብዝዀነ ኣገባብ ብሓቂ ‘ምድሓን’ ማለት እዚ ኢዩ!
[እግረ-ጽሑፋት]
a ናይ 1 ሰነ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 14-19 ርአ።
b ጆሰፉስ ከምዚ ይብል:- “ቲቶስ ናብታ ከተማ ምስ ኣተወ በቲ ብርታዐኣ ተገሪሙ ኢዩ . . . ዓው ኢሉ ‘ኣምላኽ ምሳና ኢዩ ነይሩ፣ ኣምላኽ ኢዩ ንኣይሁድ ካብዚ ዕርድታት እዚ ኣውጺእዎም፣ ከመይሲ ናይ ሰብ ኣእዳው ወይ መሳርሒታት ኣንጻር እዚ ግንብታት እዚ እንታይ ክገብር ምኸኣለ፧’ በለ።”
c እቲ ዘገድስ ድማ: ናይ ሼም-ቶብ ናይ ማቴዎስ 24:22 ጽሑፍ ነታ “ንገለ ነገር ኢልካ: ምእንቲ: መታን” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ‘ኣ·ቩር ʹ እትብል እብራዊት ቃል ኢዩ ዝጥቀም።—ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ: ገጽ 13 ርአ።
d ነቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24: ማርቆስ ምዕራፍ 13: ከምኡውን ሉቃስ ምዕራፍ 21 ዝርከብ ናይ የሱስ ትንቢታዊ መልሲ ኣብቲ ተማዓዳዊ ዓምድታት ዝቐረበ ናይ ለካቲት 1994 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 21ን 22ን: ከምኡውን ኣብ ገጽ 24ን 25ን ዘሎ ሰሌዳ ርአ።
e ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ ብ1988 እተሓትመት ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቐሪቡ! (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 235-58 ርአ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ኣብቲ ሰራዊት ሮሜ ንየሩሳሌም ዘጥቅዕሉ እዋን እንታይ ክልተ መድረኻት ኢዩ ዝነበረ፧
◻ እቶም ኣብ 70 ከ.ኣ.ዘ. ብህይወት ዝተረፉ 97,000 ኣይሁድ ነቶም ኣብ ማቴዎስ 24:22 ተጠቒሶም ዘለዉ “ስጋ” ዘቝሙ ኢዮም ምባል ዘይመስል ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ እተን ናይ የሩሳሌም መዓልትታት ጸበባ ዝሓጸራ ብኸመይ ኢየን: “ስጋ” ዝደሓነኸ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ኣብቲ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ጸበባ: እተን መዓልትታት ዝሓጽራን “ስጋ” ድማ ዝድሕንን ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ድሕሪ እቲ ዕልዋ እተሰርሐ ናይ ኣይሁድ ናይ ሓጺን ሰልዲ። እቲ ናይ እብራይስጢ ፊደላት “ካልኣይ ዓመት” ኢዩ ዝብል: ማለት 67 ከ.ኣ.ዘ.: ርእሰ-ምምሕዳር ዝረኸብሉ ካልኣይ ዓመት
[ምንጪ ስእሊ]
Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ብ71 ከ.ኣ.ዘ. እተሰርሐ ናይ ሮማውያን ናይ ሓጺን ሰልዲ። ብወገን ጸጋም ዕጡቕ ሮማዊ ወተሃደር፣ ብየማን ድማ ኣብ ሓዘን ዘላ ኣይሁዳዊት። እቲ ዮዲየ ካፕተ ዝብል ቃላት “እተማረኸት ይሁዳ” ማለት ኢዩ
[Credit Line]
Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.