ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 38 ዘካርያስ
ጸሓፊ:- ዘካርያስ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- የሩሳሌም
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- 518 ቅ.ክ.
እትሽፍኖ ግዜ:- 520-518 ቅ.ክ.
ዘካርያስ ኪንበ ኺጅምር ከሎ: እቲ ዕዮ ህንጸት ቤተ መቕደስ የሆዋ ደው ኢሉ ነበረ። ሰሎሞን ነታ ናይ መጀመርታ ቤተ መቕደስ ብሸውዓተ ዓመትን መንፈቕን ኪውድኣ ኸሎ (1 ነገ. 6:37, 38): እቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ኣይሁድ ግና ናብ የሩሳሌም ካብ ዚምለሱ 17 ዓመት ድሕሪ ምግባሮም እኳ ነታ ቤተ መቕደስ ገና ኣይዛዘምዋን ነበሩ። ድሕሪ እቲ ኣርታሕሻስታ (ባርድያ ወይ ጕማታ) ዝገበሮ እገዳ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ደው በለ። እዚ ወግዓዊ እገዳ እኳ እንተ ተገብረ: እቲ ዕዮ ኸም ብሓድሽ ኪዕየ ተጀመረ። የሆዋ ብሃጌን ዘካርያስን ገይሩ ነቶም ህዝቢ ኸም ብሓድሽ ምህናጽ ንኺጅምሩን ክሳዕ ዚዛዘም ንኪቕጽልዎን ኣነቓቕሖም።—እዝ. 4:23, 24፣ 5:1, 2
2 እቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ዕማም ከም ከረን እዩ ዚመስል ነይሩ። (ዘካ. 4:6, 7) ንሳቶም ሒደት እዮም ነይሮም: ተጻረርቶም ግን ብዙሓት እዮም ነይሮም። ካብ መስመር ዳዊት ዝዀነ ዘሩባቤል ዚበሃል መስፍን እኳ እንተ ነበሮም: ንጉስ ግን ኣይነበሮምን: ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጓኖት ድማ እዮም ነይሮም። እዝስ ኣብቲ ድልድልቲ እምነትን ብርቱዕ ጕልበትን ዜድልየሉ እዋን: ድኹምን ኣብ ጥቕሚ ርእሲ ዘተኰረ ኣተሓሳስባን ብቐሊሉ ንኽትሕዝ ክሳዕ ክንደይ ዚድርኽ ኰን እዩ! ዘካርያስ ናብቲ ኣምላኽ ንሽዑ ዝገበረሎም ዕላማን ናብቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ዓብዪ ዕላማታትን ንኼተኵሩ ሓገዞም: በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ዚግበር ዕዮ ኣበርትዖም። (8:9, 13) ከምቶም ዘየማስዉ ኣቦታቶም ዚዀኑሉ እዋን ኣይነበረን።—1:5, 6
3 ዘካርያስ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘካርያስ ብዚበሃል ስም ዚጽውዑ 30 ሰባት ተጠቒሶም ኣለዉ። ይኹን እምበር: እቲ ነታ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ ዝጸሓፋ ሰብ ግን “ነብዪ ዘካርያስ ወዲ በረክያ: ወዲ ዒዶ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። (ዘካ. 1:1፣ እዝ. 5:1፣ ነህ. 12:12, 16) ስሙ (ብእብራይስጢ ዘክሃርያህ) “የሆዋ ዘከረ” ዚብል ትርጕም ኣለዎ። መጽሓፍ ዘካርያስ “[“የሆዋ:” NW] ጐይታ ሰራዊት” ንህዝቡ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ጽቡቕ ንኺገብረሎም ከም ዚዝክሮም ንጹር ትገብሮ እያ። (ዘካ. 1:3) ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ተገሊጹ ዘሎ ዕለት: እንተ ወሓደ ኽልተ ዓመት ከም እትሽፍን ይሕብር። “ብኻልአይቲ ዓመት ዳርዮስ: በታ ሳምነይቲ ወርሒ” (ጥቅምቲ/ሕዳር 520 ቅ.ክ.) እዩ ዘካርያስ ኪንበ ዝጀመረ: ሽዑ እውን እቲ ዕዮ እታ ቤተ መቕደስ ከም ብሓድሽ ጀመረ። (1:1) እታ መጽሓፍ “ብራብዐይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ: ብራብዐይቲ መዓልቲ ናይታ ከስለው እትበሀል ታስዐይቲ ወርሒ” (1 ታሕሳስ: 518 ቅ.ክ. ኣቢሉ) እውን ትጠቅስ እያ። (7:1) ስለዚ: ትንቢት ዘካርያስ ኣብቲ ኻብ 520-518 ቅ.ክ. ዘሎ እዋን ከም እተዘርበን ከም እተመዝገበን ዜጠራጥር ኣይኰነን።—እዝ. 4:24
4 ተመሃሮ መጽሓፍ ዘካርያስ: ንሓቅነታ ዜረጋግጽ እኹል መርትዖ ይረኽቡ እዮም። ንጢሮስ ዘጋጠማ እስከ ንውሰድ። ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ን13 ዓመት ንጢሮስ ምስ ከበባ እዩ ኼዕንዋ ኽኢሉ። እዚ ግን ጢሮስ ፈጺማ ጠፊኣ ማለት ኣይኰነን። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ዘካርያስ ምሉእ ብምሉእ ከም እትዓኑ ገለጸ። ኣለክሳንደር ዓብዪ መሰጋገሪ ብምህናጽ ብዝፈጸሞ ጅግንነት ነታ ደሴት ዝዀነት ከተማ ጢሮስ ኣጥፈኣ: ብዘይ ንሕስያ ኣቃጸላ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ቅድሚ ኽልተ ዘመን ኣቢሉ እተዘርበ ትንቢት ዘካርያስ ተፈጸመ።a—ዘካ. 9:2-4
5 እታ መጽሓፍ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝነፈሳ ዜረጋግጽ ልዕሊ ዅሉ ዜእምን መርትዖ ግን: እቲ ኣብቲ መሲህ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ እተፈጸመ ትንቢታት እዩ። እዚ ኸኣ ዘካርያስ 9:9 ምስ ማቴዎስ 21:4, 5 ከምኡውን ምስ ዮሃንስ 12:14-16፣ ዘካርያስ 12:10 ምስ ዮሃንስ 19:34-37፣ ዘካርያስ 13:7 ምስ ማቴዎስ 26:31 ከምኡውን ምስ ማርቆስ 14:27 ብምንጽጻር ኪርአ ይከኣል እዩ። ብዘይካዚ: ኣብ መንጎ ዘካርያስ 8:16 ኸምኡውን ኤፌሶን 4:25፣ ኣብ መንጎ ዘካርያስ 3:2 ኸምኡውን ይሁዳ 9፣ ኣብ መንጎ ዘካርያስ 14:5 ኸምኡውን ይሁዳ 14 ምምስሳል ኣሎ። እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ስኒት ብሓቂ ዜገርም እዩ!
6 ገሊኦም ሓያስያን መጽሓፍ ቅዱስ: ካብ ምዕራፍ 9 ንንየው ኣብ ኣጸሓሕፋ ለውጢ ስለ ዘሎ: እቲ ኽፋል እቲ ብዘካርያስ ከም ዘይተጻሕፈ ይሕብር ይብሉ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብ ኣጸሓሕፋ ዘሎ ለውጢ: ብምኽንያት እቲ ኣብቲ ኽፋል እተራእየ ለውጢ ርእሰ ነገር እዩ። እተን ቀዳሞት ሸሞንተ ምዕራፋት ነቶም ብግዜ ዘካርያስ ዝነበሩ ሰባት ብዝያዳ ኣገደስቲ ኪዀና ኸለዋ: ካብ ምዕራፍ 9 ኽሳዕ 14 ኣብ ዘሎ ኽፋል: እቲ ነብዪ ናብ ርሑቕ መጻኢ እዩ ኣተኲሩ። ገሊኦም ሰባት: ማቴዎስ ካብ ዘካርያስ ጠቒሱ ኽነሱ: ቃላት ኤርምያስ ከም ዝዀነ ገይሩ ስለምንታይ ከም እተዛረበ ይሓቱ። (ማቴ. 27:9፣ ዘካ. 11:12) ሓድሓደ ግዜ ኤርምያስ ከም ቀዳማይ እቶም ዳሕሮት ነብያት ጌርካ ዚቝጸር ዝነበረ እዩ ዚመስል (ኣብ ክንዲ እቲ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱሳት ብቐዳምነት እተሰርዐ ኢሳይያስ ማለት እዩ)፣ ስለዚ: ማቴዎስ ንዘካርያስ “ኤርምያስ” ኢሉ ብምጽዋዕ ነቲ ብምሉኡ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ብስም እታ ኣብቲ ኽፋል እትርከብ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ናይ ምጽዋዕ ልማድ ኣይሁድ ይስዕብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ንባዕሉ እኳ ንዅሉ እቲ መጻሕፍቲ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ክፋል ንምምልካት “መዝሙራት” ኢሉ ጸዊዑ እዩ።—ሉቃስ 24:44b
7 ክሳዕ ምዕራፍ 6: ቍጽሪ 8 ኣብ ዘሎ ኽፋል እታ መጽሓፍ: ብሓፈሻ ምስ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ዚተሓሓዝ ሸሞንተ ተኸታታሊ ራእያት ይርከብ: እዚ ድማ ምስ ዳንኤልን ህዝቅኤልን ዚመሳሰል እዩ። ድሕርዚ: ብዛዕባ ቕኑዕ ኣምልኾ: ብዛዕባ ምምላስ: ከምኡውን ብዛዕባ መዓልቲ ውግእ የሆዋ ኣዋጃትን ትንቢታትን ኣሎ።
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
23 ኵሎም እቶም ንትንቢት ዘካርያስ ዜጽንዕዋን ዜስተንትኑላን: እምነት ዜደልድል ፍልጠት ብምርካብ ይጥቀሙ እዮም። ዘካርያስ ልዕሊ 50 ሳዕ ናብ “[“የሆዋ:” NW] ጐይታ ሰራዊት” ብምትኳር: ንህዝቡ ኸም ዚቃለሰሎምን ዜዕቍቦምን ከምኡውን ከከም ዜድልዮም ሓይሊ ኸም ዚህቦም ገሊጹ ኣሎ። ከም ከረን ዝኣመሰለ ምጽራር ነቲ ህንጸት ቤተ መቕደስ ደው ከየብሎ ምስ ኣስግአ: ዘካርያስ ከምዚ በለ:- “እዚ እቲ ንዘሩባቤል ዚኸውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ: ብመንፈሰይ እምበር: ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነን: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ኣታ ዓብዪ ኸረን: መን ኢኻ፧ ኣብ ቅድሚ ዘሩባቤል ጐልጐል ክትከውን ኢኻ።” እታ ቤተ መቕደስ ብሓገዝ መንፈስ የሆዋ ተዛዘመት። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ: ዕንቅፋታት ኬጋጥም ከሎ ኣብ የሆዋ እምነት እንተ ጌርና ንሰግሮ ኢና። ከምቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝነገሮም እዩ:- “ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትአክል እምነት እንተ አልያትኩም: ነዚ ኸረን ድማ፤ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ: ትብልዎ: ንሱ ኸኣ የግልስ: ዚሰአነኩምውን የልቦን።”—ዘካ. 4:6, 7፣ ማቴ. 17:20
24 ኣብ ምዕራፍ 13: ካብ ቍጽሪ 2 ክሳዕ 6: ዘካርያስ ነቲ ኽሳዕ ሕጂ መለለዪ ውድብ የሆዋ ዝዀነ ተኣማንነት ብምሳሌ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ብዝዀነ ይኹን ከም ስጋዊ ዝምድና ዝኣመሰለ ሰብኣዊ ርክባት ዚቕየድ ኣይኰነን። ሓደ ናይ ቀረባ ቤተሰብና ብስም የሆዋ ሓሶት እንተ ተነብዩ: ማለት ምስቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚጻረር እንተ ተዛሪቡን ኣብታ ጉባኤ ህዝቢ ኣምላኽ ንዘለዉ ኻልኦት ብሕማቕ ኪጸልዎም እንተ ፈቲኑን: እቶም ኣባላት ስድራቤቱ ነቲ በታ ጉባኤ ዚውሰድ ዝዀነ ይኹን ፍርዳዊ ስጕምቲ ብተኣማንነት ኪድግፍዎ ኣለዎም። ንዝዀነ ይኹን ብሓሶት ዚንበ ናይ ቀረባ ፈታዊ ብዚምልከት እውን: በቲ ግጉይ ተግባሩ ምእንቲ ኺሓፍርን ልቡ ምእንቲ ኪቘስልን: ተመሳሳሊ ኣቕዋም ኪውሰድ ኣለዎ።
25 ከምቲ ኣብ መእተዊ ሕጡብ ጽሑፋት እተገልጸ: የሱስ “ትሑት” ንጉስ ኰይኑ “ኣብ ኣድጊ . . . ተወጢሑ” ኺመጽእ ምዃኑ: እቲ ንዕኡ ኣሕሊፉ ዝሃቦ “ሰላሳ ብሩር” ኪቕበል ምዃኑ: ኣብቲ ግዜ እቲ ደቀ መዛሙርቱ ፋሕ ኪብሉ ምዃኖም: ከምኡውን ኣብ ዕንጨይቲ ኸሎ ብሰይፊ ወተሃደር ኪውጋእ ምዃኑ ዘካርያስ ኣቐዲሙ ብዝርዝር ተነብይዎ ነይሩ እዩ። (ዘካ. 9:9፣ 11:12፣ 13:7፣ 12:10) እቲ ትንቢት ነቲ “ጨንፈር:” ሃናጺ ቤተ መቕደስ የሆዋ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። ነዚ ምስ ኢሳይያስ 11:1-10፣ ኤርምያስ 23:5፣ ሉቃስ 1:32, 33 ብምንጽጻር: ንሱ “ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ” እተባህለሉ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ዘካርያስ ነቲ “ጨንፈር” “ኣብ ዝፋኑ ኻህን ኪኸውን” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረቦ: “የሱስ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ” ከምኡውን “ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እተቐመጠ” ዚብል ቃላት ይተኣሳሰር እዩ። (ዘካ. 6:12, 13፣ እብ. 6:20፣ 8:1) በዚ ኸምዚ እቲ ትንቢት ብዛዕባ እቲ “ጨንፈር” ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ኣምላኽ ዚቕመጥ ሊቀ ኻህናትን ንጉስን ምዃኑ ኺሕብር ከሎ: ንየሆዋ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ልዑላዊ ገዛኢ ምዃኑ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ይሕብር:- “እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኺነግስ እዩ: በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ሓደ: ስሙውን ሓደ ኪኸውን እዩ።”—ዘካ. 14:9
26 እቲ ነብዪ ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ ኣመልኪቱ ነታ “በታ መዓልቲ እቲኣ” እትብል ሓረግ 20 ሳዕ ዚኸውን ተጠቒሙላ ኣሎ: አረ ኣብ መዛዘሚ ትንቢቱ እውን ተጠቒሙላ ኣሎ። እታ ሓረግ እትርከበሉ ሓያሎ ቦታታት ብምምርማር: የሆዋ ስማት ጣኦታት ዜጥፍኣሉን ናይ ሓሶት ነብያት ዜወግደሉን መዓልቲ ኽትከውን ምዃና ይሕብረና። (13:2, 4) እታ መዓልቲ እቲኣ: የሆዋ ነቶም መጥቃዕቲ ዚፍንዉ ኣህዛብ ዚዋግኣሉን ኬጥፍኦም ከሎ ዕግርግር ዜተንስኣሉን እቲ ‘ሽንጭሮ ኣኽራኑ’ ንህዝቡ መዕቈቢ ዚገብረሉን መዓልቲ እያ። (14:1-5, 13፣ 12:8, 9) እወ: “በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ንህዝቡ ኸም መጓሰ ኼድሕኖም እዩ:” ንሳቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኖምን ኦም በለሶምን ንሓድሕዶም ኪተዓዳደሙ እዮም። (ዘካ. 9:16፣ 3:10፣ ሚክ. 4:4) እታ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ‘ኣብ ማእከል ህዝቡ ዚነብረላን’ ‘ህያው ማያት ካብ የሩሳሌም ዚወጸላን’ መዓልቲ: ብሓቂ እተደንቕ መዓልቲ ኽትከውን እያ። እዘን “በታ መዓልቲ እቲኣ” ብዛዕባ ዚፍጸም ፍጻመታት ዚገልጻ ቓላት ዘካርያስ: ነቲ መብጽዓ ኣብ እተገብረላ መንግስቲ ዚህሉ “ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን” ዚሕብራ እየን።—ዘካ. 2:11፣ 14:8፣ ራእ. 21:1-3፣ 22:1
27 የሆዋ: “ንመዓልቲ ናእሽቱ ነገር ዚንዕቕ መን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። እንሆ: ብልጽግና ንምልእቲ ምድሪ ኺሽፍና እዩ። ‘ብዙሓት ህዝብታትን ሓያላት ኣህዛብን ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ የሩሳሌም ኪደልይዎ ኺመጹ እዮም። ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም: እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና: ኪብሉ እዮም።’ “በታ መዓልቲ እቲኣ” ቓጽል ኣፍራስ እኳ ኸይተረፈ “ቅድስና ናይ የሆዋ እዩ” (NW) ዚብል ቃላት ኪህልዎ እዩ። እዚ ልቢ ዚትንክፍ ትንቢታት እዚ ስም የሆዋ ብዘርኢ መንግስቱ ኣቢሉ ብርግጽ ከም ዚቕደስ ስለ ዜርኢ: ምምርማሩ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ!—ዘካ. 4:10፣ 8:22, 23፣ 14:20
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 531, 1136
b ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ: 1973: 4ይ ጥራዝ: መበል 828 ዓምዲ፣ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 1ይ ጥራዝ: ገጽ 1080-1