ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 41 ማርቆስ
ጸሓፊ:- ማርቆስ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- ሮሜ
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ከባቢ 60–65 ድ.ክ.
እትሽፍኖ ግዜ:- 29–33 ድ.ክ.
የሱስ ኣብ ጌተሴማኔ ምስ ተታሕዘን ሃዋርያቱ ምስ ሃደሙን: “ነጸላ እተኸድነ ጐበዝ . . . ሰዐቦ።” እቶም ጭፍራ ነቲ ጐበዝ ኪሕዝዎ ምስ ፈተኑ: “ነጸላኡ ሐዲጉ ጥራይ ዝባኑ ሀደመ።” እዚ ጐበዝ እዚ ማርቆስ ከም ዝዀነ እዩ ዚእመነሉ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት: “እቲ ማርቆስ ዚብሀል ዮሃንስ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ: ስድራቤቱ ድማ ናይ ርእሶም ቤትን ግዙኣትን ስለ ዝነበርዎም: ርቡሓት ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። እታ ማርያም ዝስማ ኣዲኡ እውን ክርስትያን ነይራ እያ: እታ ቐዳመይቲ ጉባኤ ኸኣ ንቤታ ኸም መአከቢ ቦታ ትጥቀመሉ ነበረት። ጴጥሮስ ብመልኣኽ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝወጸሉ እዋን: ናብዛ ቤት እዚኣ ኸደ: ኣብኣ ኸኣ ኣሕዋት ተኣኪቦም ረኸቦም።—ማር. 14:51, 52፣ ግብ. 12:12, 13
2 እቲ ኣብ ቆጵሮስ ዝዓዱ ሌዋዊ ዝዀነ በርናባስ ዚበሃል ሚስዮናዊ: ወዲ ሓው ኣቦኡ ንማርቆስ እዩ። (ግብ. 4:36፣ ቈሎ. 4:10) በርናባስን ጳውሎስን ንጥሜት ዚኸውን ረድኤት ንምብጻሕ ናብ የሩሳሌም ኣብ ዝኸዱሉ እዋን: ማርቆስ ምስ ጳውሎስ ተፋለጠ። እቲ ማርቆስ ኣብታ ጉባኤ ዀነ ምስ በጻሕቲ ኣገልገልቲ ዝነበሮ ምቅርራብ: ኣገልግሎት ሚስዮናውነት ኣብ ልቡ ኸም ዝተኸለሉ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ስለዚ: ንጳውሎስን ንበርናባስን ብጻይን ኣገልጋልን ኰይኑ ምሳታቶም ናብ ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ከም ዝኸደ ተገሊጹ ኣሎ። ይኹን እምበር: ማርቆስ ኣብ ጴርጌ ናይ ጰምፍልያ ኻባታቶም ተፈልዩ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። (ግብ. 11:29, 30፣ 12:25፣ 13:5, 13) በዚ ምኽንያት እዚ: ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ምምላኡ ኣበየ: እዚ ድማ ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ምፍልላይ ኣስዓበ። ጳውሎስ ንሲላስ ወሰደ: በርናባስ ግን ነቲ ወዲ ሓው ኣቦኡ ዝዀነ ማርቆስ ሒዙ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ።—ግብ. 15:36-41
3 ማርቆስ ኣብ ኣገልግሎት ንፉዕ ምዃኑ ኣርኣየ: ንበርናባስ ጥራይ ዘይኰነስ: ንሃዋርያ ጴጥሮስን ንሃዋርያ ጳውሎስን እውን ንፉዕ ሓጋዚኦም ኰነ። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንፈለማ ግዜ ኣብ እተኣስረሉ እዋን (ከባቢ 60-61 ድ.ክ.): ማርቆስ ምስኡ ነበረ። (ፊሞ. 1, 24) ድሕሪኡ ኻብ 62 ክሳዕ 64 ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ ዓመታት: ማርቆስ ምስ ጴጥሮስ ኣብ ባቢሎን ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና። (1 ጴጥ. 5:13) ኣብ 65 ድ.ክ. ኣቢሉ ጳውሎስ እንደገና ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ንጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሓፋ ደብዳበ ብዛዕባ ማርቆስ “ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ” ብምባል ተማሊእዎ ኺመጽእ ነገሮ። (2 ጢሞ. 1:8፣ 4:11) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕርዚ ማርቆስ ተጠቒሱ ኣይንረኽቦን ኢና።
4 እታ ኻብ ወንጌላት ዝሓጸረት መጽሓፍ: ማርቆስ ከም ዝጸሓፋ እዩ ዚንገረላ። ንሱ መዓይይቲ ሃዋርያት የሱስን ህይወቱ ንኣገልግሎት እቲ ብስራት ዝወፈየን ሰብ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን: ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያትን ምስ የሱስ ዚመላለስ ዝነበረ ብጻዩን ኣይነበረን። እቲ ብዛዕባ ኣገልግሎት የሱስ ዚገልጽ ጸብጻቡ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ህያው ዝገበሮ ዝርዝር ነጥብታት ደኣ እሞ ኻበይ እዩ ረኺብዎ፧ ብመሰረት ጥንታዊ ያታታት ፓፒያስን ኦሪጀንን ተርቱልያንን: ካብቲ ኣዝዩ ዚቐርቦ ዝነበረ ጴጥሮስ እዩ ረኺብዎ።a ጴጥሮስከ “ወደይ” ኢሉ ደይኰነን ጸዊዕዎ፧ (1 ጴጥ. 5:13) ጴጥሮስ ነቲ ማርቆስ ዝመዝገቦ ብምሉኡ ብዓይኑ ርእይዎ እዩ፣ ስለዚ ማርቆስ ኣብ ካልእ ወንጌላት ዘይርከብ ሓያሎ ገላጺ ነጥብታት ካብ ጴጥሮስ ኪረክብ ይኽእል ነበረ። ንኣብነት: ማርቆስ ብዛዕባ እቶም ምስ ዘብዴዎስ ዚዓዩ ዝነበሩ “ግዙኣት:” ብዛዕባ እቲ ንየሱስ “ተምበርኪኹ” ዝለመኖ ለምጻም: ብዛዕባ እቲ ‘ስጋኡ ብጽልጽለ ዚበጥሕ’ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ሰብኣይ: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ደብረ ዘይቲ “ኣብ ማዕዶ ቤተ መቕድስ” ተቐሚጡ ‘ወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ከም ዚመጽእ’ እተነበየሉ እዋን ኪጽሕፍ ከኣለ።—ማር. 1:20, 40፣ 5:5፣ 13:3, 26
5 ጴጥሮስ እውን ዓሚቝ ስምዒት ዝነበሮ ሰብ ስለ ዝነበረ: ስምዒታት የሱስ ንማርቆስ ኬረድኦን ኪገልጸሉን ይኽእል ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ማርቆስ ብዛዕባ እቲ የሱስ እተሰምዖ ስምዒታትን ዘርኣዮ ምላሽን ብተደጋጋሚ ዝገለጸ፣ ንኣብነት: ብዛዕባ የሱስ: “በቲ ድርቅና ልቦም ጕህዩ: ብዅራ ጠመቶም:” “ኣስተንፊሱ:” “ብመንፈሱ ኣሕዘንዚኑ” ዚብል ቃላት ጽሒፉ ኣሎ። (3:5፣ 7:34፣ 8:12) ብዛዕባ እቲ የሱስ ነቲ ሃብታም መንእሰይ ገዛኢ እተሰምዖ ስምዒት: “ፈተዎ” ብምባል ዝነገረና እውን እዚ ማርቆስ እዚ እዩ። (10:21) የሱስ ንሓደ ቘልዓ ወሲዱ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቱ ደው ኣቢልዎ ጥራይ ዘይኰነስ: “ሐቚፍዎ” ኸም ዝነበረ ዚገልጽ ጸብጻብን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ንቘልዑ “ሐቚፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም” ዚብል ጸብጻብን ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!—ማር. 9:36፣ 10:13-16.
6 ገለ ኻብ ባህርያት ጴጥሮስ ኣብቲ ማርቆስ እተጠቕመሉ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ይርአ ነበረ: ካብዚ ድማ ህዉኽ: ውዑይ: ብርቱዕ: ሓያል: ከምኡውን ገላጺ ኺጥቀስ ይከኣል። ነቲ ፍጻመታት ብዙሕ መብርሂ ኸይሃበ ኣከታቲሉ ይጠቕሶ ነበረ። ንኣብነት: እታ “ብኡብኡ” እትብል ቃል ደጋጊምና ኢና እንረኽባ: ነቲ ዛንታ ድማ ድራማዊ ኣገባብ ከም ዚስዕብ ትገብሮ።
7 ማርቆስ: ወንጌል ማቴዎስ ኪረክብ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ: ካብቲ ጸብጻቡ ድማ 7 ሚእታዊት ጥራይ ኣብ ካልእ ወንጌላት ተመዝጊቡ ዘይርከብ እኳ እንተ ዀነ: ወንጌል ማርቆስ ጽማቝ ትሕዝቶ ወንጌል ማቴዎስን ሒደት ፍሉይ ዝርዝራትን ጥራይ ከም ዝሓዘት ጌርካ ምርኣይ ጌጋ እዩ። ማቴዎስ ንየሱስ ከም መሲህን ንጉስን ገይሩ ኺገልጾ ኸሎ: ማርቆስ ግን ንህይወቱን ዕዮኡን ካብ ካልእ ኣንፈት እዩ ገሊጹ። ንየሱስ ከም ተኣምራት ዚገብር ወዲ ኣምላኽን ዚስዕር መድሓንን ገይሩ እዩ ኣቕሪብዎ። ማርቆስ ካብ ኣብ ስብከታትን ትምህርትታትን ክርስቶስ ንላዕሊ: ኣብ ንጥፈታቱ እዩ ኣተኲሩ። ሒደት ክፋል እቲ ምሳሌታትን ሓደ ኻብቲ ነዋሕቲ መደረታትን የሱስ ጥራይ እዩ መዝጊቡ: ነቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት ድማ ኣይመዝገቦን። ወንጌል ማርቆስ ማዕረ ኻልኦት እተፈላለየ ተግባራት ሒዛ ኽነሳ: ካብ ካልኦት ዝሓጸረት እምበኣር በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። ኣብኣ እንተ ወሓደ 19 ተኣምራት ብንጹር ተጠቒሱ ኣሎ።
8 ማቴዎስ ወንጌሉ ንኣይሁድ ኪጽሕፍ ከሎ: ማርቆስ ግን ብቐዳምነት ንሮማውያን ዝጸሓፎ እዩ ዚመስል። ነዚ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ሕጊ ሙሴ ኣብ መንጎ ዝርርብ ኣብ እተጠቕሰሉ እዋን ጥራይ እዩ ጠቒስዎ ዘሎ: ወለዶ የሱስ ከኣ ኣይጠቐሰን። እቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዚገልጽ ወንጌል ንዅሉ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ገሊጹ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣንበብቲ ዘይፈልጥዎ ልምድታትን ትምህርትታትን ኣይሁድ ዚገልጽ ሓሳባት ሂቡ ኣሎ። (2:18፣ 7:3, 4፣ 14:12፣ 15:42) ብኣረማይስጢ ዝቐረበ መግለጺታት ተርጒምዎ ኣሎ። (3:17፣ 5:41፣ 7:11, 34፣ 14:36፣ 15:22, 34) ጂኦግራፊያዊ ስማትን ኣትክልትን ፍልስጥኤም መግለጺ ገይሩሉ ኣሎ። (1:5, 13፣ 11:13፣ 13:3) ሰልዲ ኣይሁድ ብሮማውያን ክንደይ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። (12:42) ካብ ካልኦት ጸሓፍቲ ወንጌል ዚዛይድ ቃላት ላቲን ተጠቒሙ ኣሎ፣ ንኣብነት: ስፐኩላቶር (ዓቀይታይ): ፕራይቶሪዩም (ኣዳራሽ ፍርዲ): ሰንቱሪዮ (ሓለቓ ሚእቲ) ኪጥቀስ ይከኣል።—6:27፣ 15:16, 39
9 ማርቆስ ብቐዳምነት ንሮማውያን ስለ ዝጸሓፈ: መጽሓፉ ኣብ ሮሜ ጽሒፍዋ ኪኸውን ኣለዎ። እታ መጽሓፍ ኣብ ሮሜ ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንፈለማ ወይ ንኻልኣይ ግዜ እተኣስረሉ እዋን ተጻሒፋ ዚብል መደምደምታ: ብጥንታዊ ያታ ዀነ ብትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ዚድገፍ እዩ፣ ስለዚ ኻብ 60-65 ድ.ክ. ኣብ ዘሎ ዓመታት እያ ተጻሒፋ። ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ማርቆስ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ናብ ሮሜ ኸይዱ ነይሩ እዩ። ኵሉ እቲ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዘመን ዚርከብ ኣገዳሲ ምንጭታት: ማርቆስ ነታ መጽሓፍ ከም ዝጸሓፋ ይሕብር እዩ። ኣብ መፋርቕ ካልኣይ ዘመን እታ ወንጌል ድሮ ኣብ ክርስትያናት ተዘርጊሓ ነበረት። ኣብ ኵሉ እቲ ጥንታዊ መዛግብቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እትርከብ ምዃና: ንሓቅነት ወንጌል ማርቆስ ዜረጋግጽ እዩ።
10 ይኹን እምበር: እቲ ሓድሓደ ግዜ ድሕሪ ምዕራፍ 16: ቍጽሪ 8 ዚውሰኽ ነዊሕን ሓጺርን መደምደምታታት ሓቅነቱ ኸም እተረጋገጸ ጌርካ ኺርአ የብሉን። ኣብ መብዛሕትኡ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት: ንኣብነት ኣብቲ ናይ ሲና ኸምኡውን ናይ ቫቲካን ቍ. 1209 ኣይርከብን እዩ። ኣብ ራብዓይ ዘመን ዚነብሩ ዝነበሩ ዩሲቤስን ጀሮምን ዚበሃሉ ምሁራት: እቲ ሓቅነቱ እተረጋገጸ መዝገብ: “ፈሪሄን ስለ ዝነበራ ኸኣ: ንሓደ እኳ ኣይነገራን” ብዚብል ቃላት ከም ዚዛዝም ተሰማሚዖምሉ እዮም። እቲ ኻልእ መደምደምታታት እተወሰኸ: እቲ ወንጌል ብሃንደበት ስለ ዚዛዘም: ነዚ ንምጽብባቕ ተባሂሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
11 ማርቆስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ምስ ካልኦት ወንጌላት ጥራይ ዘይኰነስ: ምስ ኵሉ እቲ ኻብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ ዘሎ ቕዱሳት ጽሑፋት ምሉእ ብምሉእ ዚሰማማዕ ምዃኑ ንልክዕነቱ ዜረጋግጽ እዩ። ብዘይካዚ: የሱስ ኣብ ልዕሊ እቲ እተዛረቦ ቓል ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ተፈጥሮኣዊ ሓይልታትን ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብ ልዕሊ ሕማማትን ኣብ ልዕሊ ሞትን እውን ስልጣን ከም ዘለዎ ጌርካ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ: ማርቆስ ነቲ ዛንታኡ: “መጀመርታ ወንጌል ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ” ብዚብል መሳጢ መእተዊ ጀመሮ። ምምጻእን ኣገልግሎትን የሱስ “ወንጌል” ወይ ብስራት ስለ ዝዀነ: ኣብ ወንጌል ማርቆስ ዚግበር መጽናዕቲ ንዅሎም ኣንበብቲ ኺጠቅም ይኽእል እዩ። እቲ ማርቆስ ጠቒስዎ ዘሎ ፍጻመታት ካብ ጽድያ 29 ድ.ክ. ክሳዕ ጽድያ 33 ድ.ክ. ዝነበረ እዋን ዚሽፍን እዩ።
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
31 ኵሎም እቶም ካብ መጀመርታ ክርስትና ኣትሒዞም ንወንጌል ማርቆስ ዘንበቡ ሰባት: በቲ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዚገልጽ ንጹር መግለጺ ኣቢሎም: እቲ ብዛዕባ እቲ መሲህ እተዋህበ ሓያሎ ትንቢታት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኸም እተፈጸመ ኺፈልጡ ኽኢሎም እዮም። ካብቲ: “እንሆ: መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ አሎኹ” ዚብል ኣብ መኽፈቲ ዚርከብ ጥቕሲ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ዀይኑ ብስቓይ “ኣምላኸይ: ኣምላኸይ: ንምንታይ ሐደግካኒ፧” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት: ኰታስ ብምሉኡ እቲ ማርቆስ ዝመዝገቦ ብዛዕባ እቲ የሱስ ብቕንኣት ዝፈጸሞ ኣገልግሎቱ ዚገልጽ ጸብጻብ: ምስቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተነበዮ ዚሰማማዕ እዩ። (ማር. 1:2፣ 15:34፣ ሚል. 3:1፣ መዝ. 22:1) ብዘይካዚ: ተኣምራቱ: ድንቂ ተግባራቱ: ጥዑይ ትምህርትታቱ: ኣበር ዘይብሉ ርትዕታቱ: ኣብ ቃልን መንፈስን የሆዋ ዘለዎ ምሉእ ትውክልቲ: ከምኡውን ነተን ኣባጊዕ ብለውሃት ዚገብረለን ጕስነት—ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ኸም ወዲ ኣምላኽ ስልጣን ተዋሂብዎ ኸም ዝመጸ ዚሕብር እዩ። በቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦ ስልጣን ኣቢሉ: “ስልጣን ከም ዘለዎ” ይምህሮም ነበረ፣ “መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት” እናበለ ኸኣ ንስብከት “ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ” ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ቀንዲ ዕዮ ገይሩ ኣጕለሖ። ትምህርትታቱ ንዅሎም እቶም ዘቕለቡሉ ዘይተኣደነ ጥቕሚ ኣምጺኡ እዩ።—ማር. 1:22, 14, 15
32 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እዩ እተዋህበ” ኢልዎም ነበረ። ማርቆስ ነዛ “መንግስቲ ኣምላኽ” እትብል 14 ሳዕ ተጠቒሙላ ኣሎ: እቶም በታ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሎም ህይወት ዚረኽቡ ብዙሓት ሰባት ዚምርሑሉ ስርዓታት ድማ ኣንቢሩ ኣሎ። የሱስ: “እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዜጥፍኣ ግና ኬድሕና እዩ” ኢሉ እዩ። ኵሉ እቲ ህይወት ካብ ምርካብ ዕንቅፋት ዚኸውን ነገራት ኪውገድ ኣለዎ፣ “ክልተ ዓይኒ አልዩካ: . . . ናብ ሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ: ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸካ።” ብዘይካዚ የሱስ: “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይአትዋ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ:” ከምኡውን “ገንዘብ ንዘለዎም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ” በለ። ነተን ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት ዜስተውዕልን ዚሕሉን ካብ ኵሉ ዚሓርር መስዋእትን ካብ መስዋእቲ ሕሩድን ዚዓቢ ኸም ዚገብር: ‘ካብ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ርሑቕ ከም ዘይኰነ’ ሓበረ። እዝን ካልእን ኣብ ወንጌል ማርቆስ ዚርከብ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚምህር ትምህርትታትን: ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኸነውዕሎ እንኽእል ብዙሕ ጽቡቕ ምኽሪ ሒዙ ኣሎ።—4:11፣ 8:35፣ 9:43-48፣ 10:13-15, 23-25፣ 12:28-34
33 “ወንጌል ማርቆስ” ብምልእታ ኣብ ወሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ሰዓት ክትንበብ ትኽእል ትኸውን: እዚ ድማ ንኣንባቢ ብዛዕባ ኣገልግሎት የሱስ ዜሐጕስን ቅልጡፍን ህያውን መግለጺ ኺህቦ ይኽእል እዩ። ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ በዚ ኸምዚ ብሓንሳእ ምንባብካ ወይ ብደቂቕ ምጽናዕካን ብዛዕባኡ ምስትንታንካን: ወትሩ ኺጠቕመካ ይኽእል እዩ። ሎሚ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ “ክፉእ ዘመን” ስለ ዘለዉ: ከምኡውን ኣብ ከም ወንጌል ማርቆስ ዝኣመሰለ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት ዚርከብ ብዛዕባ ኣብነትና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዚገልጽ ጸብጻብ ስለ ዜድልዮም: ወንጌል ማርቆስ ከምቲ ነቶም ኣብቲ ቀዳማይ ዘመን ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ትጠቕሞም ዝነበረት: ነዞም ሎሚ ዘለዉ መስጐጕቲ ዚወርዶም ክርስትያናት እውን ትጠቕሞም እያ። ኣንብባ: በቲ ኣብኣ ተገሊጹ ዘሎ ዜደንቕ ግብርታት ባህ ይበልካ: ከምታ ንየሱስ ዝነበረቶ ዓይነት ዘይትሰዓር ሓጐስ ሒዝካ ኣሰር እቲ ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን ንኽትስዕብ ከኣ ተተባባዕ። (2 ጢሞ. 3:1፣ እብ. 12:2) እወ: ንየሱስ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ሰብ ጌርካ ርኣዮ: ብቕንኣቱ ተመላእ: ነቲ ኣብ ቅድሚ ፈተናን ምጽራርን ክምህ ዘይብል ንጽህናኡን ትብዓቱን ከኣ ቅድሓዮ። ካብዚ ብዙሕ ትምህርቲ ዝሓዘ ኽፋል መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት መጸናንዒ ርኸብ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ተጠቐመሉ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 337።