ንደቅኻ ምሃሮም
“ደቂ ነጐዳ” ተባህሉ
ዝናብ እተሓወሶ ህቦብላ ንፋስ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ብርቱዕ ነጐዳ ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነጐዳ ሰንቢድካ ትፈልጥዶ፧—a የሱስ ንኽልተ ኻብ ሰዓብቱ፡ “ደቂ ነጐዳ” ኢሉ ሰምይዎም እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ኢሉ ኸም ዝጸውዖም ንርአ።
እዞም ክልተ ሰዓብቲ የሱስ እዚኣቶም፡ ያእቆብን ዮሃንስን እዮም ነይሮም። ክልቲኦም ኣሕዋት እዮም ነይሮም፣ ደቂ ዘብዴዎስን ሰሎሜን ድማ እዮም። ሰሎሜ ምናልባት ሓብቲ ማርያም ኣደ የሱስ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ስለዚ፡ የሱስን ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ሓትኖታትን ብሓንሳእ ዝዓበዩ ዝፋተዉ ኣዕሩኽን ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ዘብዴዎስ ገፋፍ ዓሳ እዩ ነይሩ፣ ያእቆብን ዮሃንስ እውን ከምኡ ገፈፍቲ ዓሳ እዮም ነይሮም። ክልቲኦም ካብቶም የሱስ ሰዓብቱ ኪዀኑ ዝሓረዮም ቀዳሞት ሰባት እዮም ነይሮም። የሱስ ሰዓብቱ ኪዀኑ ምስ ዓደሞም፡ ዕዮኦም ገዲፎም ብኡንብኡ ሰዓብዎ። ድሕሪ እዚ፡ የሱስ ካብ ሰዓብቱ 12 ሓርዩ ሃዋርያቱ ገበሮም። ያእቆብን ዮሃንስን ድማ ካብቶም እተሓርዩ ነበሩ።
የሱስ ካብቲ እተሰቕለሉ ሒደት ኣዋርሕ ኣቐዲሙ፡ ንሱን ሃዋርያቱን ብኣኽራን ሰማርያ ይሓልፉ ነበሩ። እናመሰየ ምስ ከደ ድማ፡ ኵሎም ኣዝዮም ደኸሙ። ሳምራውያን ግና ንየሱስን ንሃዋርያቱን ኣብ ከተማኦም ኬሕድርዎም ኣይደለዩን። ስለምንታይ ከም ዘይደለዩ ትፈልጥዶ፧— ብዛዕባ እዚ እስከ ንርአ።
የሱስን ሃዋርያቱን ኣይሁድ እዮም ነይሮም፣ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ድማ ንሳምራውያን ይጸልእዎም ነበሩ። የሱስ ግና ኣይጸልኦምን እዩ ነይሩ፣ ኣብ ክንዳኡስ ሕያውነት የርእዮም ነበረ። ያእቆብን ዮሃንስን እውን ከምኡ ኺገብሩ ነበሮም። ይኹን እምበር፡ እዞም ክልተ ሃዋርያት እዚኣቶም፡ በቶም ዘይተቐበልዎም ሳምራውያን ተቘጥዑ። ንየሱስ ከኣ፡ “ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኼጥፍኦም ክንብልዶ ትደሊ ኢኻ፧” ብምባል ሓተትዎ። የሱስ እንታይ ኢሉ ዝመለሰሎም ይመስለካ፧— ነዚ ኽፉእ ዘረባ እዚ ብምዝራቦም፡ ከም እተጋገዩ ነገሮም። ያእቆብን ዮሃንስን ብዛዕባ ምሕረት ተወሳኺ ትምህርቲ የድልዮም ነበረ።
ያእቆብን ዮሃንስን ካልእ ዓብዪ ጸግም እውን ነበሮም። ቀዳሞትን ካብ ካልኦት ዝበለጹን ኪዀኑ ይደልዩ ነበሩ። ቀቅድሚ ሞት የሱስ፡ ኣዲኦም ብኣታቶም ተላኢኻ፡ ንየሱስ፡ “እዞም ክልተ ደቀይ ኣብታ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ፡ ሓደ ብጸጋምካ ኪቕመጡ፡ በል፡” በለቶ። እቶም ካልኦት ሃዋርያት ብዛዕባ እዚ ያእቆብን ዮሃንስን ዝገበርዎ ነገር ምስ ሰምዑ፡ ተቘጥዑ። ንስኻኸ ምተቘጣዕኻዶ፧—
ምናልባት ምተቘጣዕኻ ትኸውን። ካልኦት ሰባት ቀዳሞትን ዝበለጹን ኪዀኑ ኺደልዩ ኸለዉ ደስ ኣይብለናን እዩ። ያእቆብን ዮሃንስን ካብ ጌጋኦም ተማሂሮምን ተቐይሮምን እዮም። ፈቃራትን ሕያዎትን ሃዋርያት ድማ ኰኑ። ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧—
ንሕና እውን ንሓድሕድና ሕያዎት ክንከውን ከም ዘሎና፡ ካብ የሱስ ክንመሃር ይግባእ። የሱስ ንሰብኡትን ንኣንስትን ንቘልዑን ሕያዋይ እዩ ነይሩ። ኵሉ ሳዕ ነቲ ዝገደፎ ኣብነት ብምዝካር ክትስዕቦ ኽትጽዕር ዲኻ፧—
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብብ
ማቴዎስ 27:55, 56፣ ማርቆስ 15:40, 41
ዮሃንስ 4:4-15, 21-26፣ ሉቃስ 9:51-55
ማቴዎስ 20:20-24፣ ማርቆስ 10:35-37, 41
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዓ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ፡ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።