ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 24 ኤርምያስ
ጸሓፊ:- ኤርምያስ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- ይሁዳን ግብጽን
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- 580 ቅ.ክ.
እትሽፍኖ ግዜ:- 647–580 ቅ.ክ.
ነብዪ ኤርምያስ ኣብ ሓደገኛን ህውከት ዝመልኦን ግዜ እዩ ዚነብር ነይሩ። ኣብ መበል 13 ዓመት ግዝኣት እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ: ማለት ብ647 ቅ.ክ. እዩ ብየሆዋ ተመዚዙ። ቤት የሆዋ ኣብ እተጸገነትሉ እዋን: እታ መጽሓፍ ሕጊ የሆዋ ተረኽበት: ነቲ ንጉስ ድማ ተነበትሉ። እቲ ንጉስ ከኣ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣበርቲዑ ጸዓረ። ኰይኑ ግን: ነቲ ኣምልኾ ጣኦት ንግዜኡ ጥራይ እዩ ኼዐርዮ ኽኢሉ። እቲ ን55 ዓመት ዝነገሰ ኣባሓጎ ዮስያስ ዝዀነ ምናሴን እቲ ን2 ዓመት ጥራይ ድሕሪ ምግዛኡ እተቐትለ ኣቦኡ ኣሞንን: እኩይ ነገር እዮም ገይሮም። ነቲ ህዝቢ ርኹስ ፈንጠዝያን ዜፈንፍን ጽምብላትን ኪገብር ኣተባብዕዎ: በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቲ ህዝቢ “ንንግስቲ ሰማይ” ዕጣን ምዕጣንን ንኣጋንንታውያን ኣማልኽቲ: ሰባት ምስዋእን ለሚዱ ነበረ። ምናሴ ንየሩሳሌም ብንጹህ ደም መሊእዋ ነበረ።—ኤር. 1:2፣ 44:19፣ 2 ነገ. 21:6, 16, 19-23፣ 23:26, 27
2 ኤርምያስ ዝነበሮ ዕዮ ቐሊል ኣይነበረን። ክትኣምኖ ዜሸግር መዓት: ማለት ይሁዳን የሩሳሌምን ከም ዚባድማ: እታ ውቅብቲ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኸም እትቃጸል: ከምኡውን እቲ ህዝቢ ኸም ዚማረኽ ብምንጋር ከም ነብዪ የሆዋ ዀይኑ ኼገልግል ነበሮ። ኣብ የሩሳሌም ን40 ዓመት ተነብዩ እዩ፣ እዚ ድማ ነቲ ንጉስ ዮኣሓዝ: ንጉስ ዮኣቂም: ንጉስ ዮኣኪን (ኢኮንያ): ከምኡውን ንጉስ ጼድቅያስ ዝገዝኡሉ እዋን ዜጠቓልል ነበረ። (ኤር. 1:2, 3) ጸኒሑ ኣብ ግብጺ ብዛዕባ እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ኣይሁዳውያን ስደተኛታት ዚገብርዎ ዝነበሩ ኣምልኾ ጣኦት ኪንበ ነበሮ። እታ መጽሓፉ ብ580 ቅ.ክ. እያ ተዛዚማ። እታ ትንቢት ኤርምያስ እትሽፍኖ ግዜ እምበኣር 67 ዘይርስዓ ዓመታት እየን።—52:31
3 ብእብራይስጢ ስም እዚ ነብዪን ስም እታ መጽሓፉን ዪርመያህ ወይ ዪርመያሁ ኪኸውን ከሎ: ትርጕሙ ኸኣ “የሆዋ ኽብ የብል፣ ወይ የሆዋ ይፈትሕ [ካብ ማሕጸን እዩ ዚኸውን]” ዚብል ኪኸውን ይኽእል። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ኵሉ መዛግብቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እትርከብ ኰይና: ቀኖናውነታ ኸኣ ብሓፈሻኡ ቕቡል እዩ። ኤርምያስ ገና ብህይወት ከሎ ሓያሎ ትንቢታቱ ዜደንቕ ፍጻመ ምርካቡ: ንሓቅነት እታ መጽሓፍ ዚምስክር እዩ። ብዘይካዚ: ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኤርምያስ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚ ብስሙ ተጠቒሱ ኣሎ። (ማቴ. 2:17, 18፣ 16:14፣ 27:9) የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኬጽርያ ኸሎ: ነቲ ኣብ ኤርምያስ 7:11 ዚርከብ ቃላት ምስቲ ኣብ ኢሳይያስ 56:7 ዚርከብ ቃላት ኣወሃሂዱ ብምጥቃሙ: ንመጽሓፍ ኤርምያስ ከም ዘጽነዓ ንጹር እዩ። (ማር. 11:17፣ ሉቃ. 19:46) ብምኽንያት እቲ የሱስ ዝነበሮ ትብዓትን ቈራጽነትን: ገሊኦም ሰባት ኤርምያስ ከም ዝዀነ ገይሮም ሓሲቦም እዮም። (ማቴ. 16:13, 14) ጳውሎስ ነቲ ብዛዕባ ሓድሽ ኪዳን ዚገልጽ ትንቢት ኤርምያስ: (ኤር. 31:31-34) ኣብ እብራውያን 8:8-12 ኸምኡውን 10:16, 17 ጠቒስዎ ኣሎ። ካብ ኤርምያስ 9:24 ብምጥቃስ ድማ “ዚምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ኢሉ ኣሎ። (1 ቈረ. 1:31) ኣብ ራእይ 18:21 እቲ ብዛዕባ ምውዳቕ ባቢሎን ዚገልጽ ኤርምያስ እተጠቕመሉ ምሳሌ ብዝያዳ ጐሊሑ ኣሎ።—ኤር. 51:63, 64
4 ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት ነቲ ኣብ ትንቢት ኤርምያስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ደገፍ ይህቦ እዩ። ንኣብነት: ሓደ መዝገብ ባቢሎናውያን: ብ617 ቅ.ክ. ነቡካድነጻር (ናቡከድናጾር) ንየሩሳሌም ከም ዝሓዛ: ነቲ ንጉስ (ዮኣኪን) ከም ዝሓዞ: ንሱ ዝመረጾ (ጼድቅያስ) ድማ ከም ዝሸመ ይገልጽ እዩ።—24:1፣ 29:1, 2፣ 37:1a
5 ካብ ጥንታውያን ነብያት ንሙሴ ሓዲግካ: ከም ኤርምያስ ገይሩ ታሪኽ ህይወቱ እተገልጸ ነብዪ የለን። ኤርምያስ ብዛዕባ ርእሱን ስምዒታቱን ብዙሕ እዩ ገሊጹ: እዚ ድማ ተባዕን ቈራጽን ከምኡውን ትሑትን ለዋህን ምንባሩ እዩ ዚሕብር። ነብዪ ጥራይ ዘይኰነስ ካህንን ጠርናፊ ቕዱሳት ጽሑፋትን ርጡብ ጸሓፍ ታሪኽን ነበረ። ወዲ ኻህን ህልቅያ ብዓል ኣናቶት እዩ፣ ኣናቶት ከኣ ብሰሜን የሩሳሌም ኣብ “ምድሪ ብንያም” እትርከብ ዝነበረት ከተማ ኻህናት እያ ነይራ። (1:1) ኣጸሓሕፋ ኤርምያስ ንጹርን ቀጥታውን ንኽትርድኦ ቐሊልን እዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ምሳሌታትን ኣብ ኣእምሮ ዚስእል ኣገላልጻን ዚርከባ ዀይኑ: ተራ ንባብን ግጥምን ከኣ ዝሓዘት እያ።
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
36 እዚ ብመንፈስ እተጻሕፈ ትንቢት እዚ ብምሉኡ ሃናጽን ጠቓምን እዩ። ነቲ እቲ ነብዪ ንባዕሉ ብትብዓት ዝገደፎ ኣብነት እሞ ተመልከት። ነቲ ዘይፍቶ መልእኽቲ ንፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ንምእዋጅ ኣይፈርሀን። ምስ እኩያት ኪመሓዞ ኣይደለየን። ንህጹጽነት መልእኽቲ የሆዋ ተረዲእዎ ስለ ዝነበረ: ንዕዮ የሆዋ ብምሉእ ልቡ ተተሓሓዞ: ዕዮኡ ድማ ፈጺሙ ኣየቋረጸን። ቃል ኣምላኽ ኣብ ዓጻጽምቱ ኸም ዚነድድ ሓዊ: ኣብ ልቡ ድማ ሓጐስን ፍስሃን ኰኖ። (ኤር. 15:16-20፣ 20:8-13) ንቓል የሆዋ ወትሩ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቕንኣት ይሃልወና! ከምቲ ባሩኽ ንኤርምያስ ዝደገፎ ኸኣ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ንደግፎም! እቲ ልባዊ ተኣዛዝነት ቤት ሬካብ ከምኡውን ዔቤድ-ሜሌክ ነቲ መስጐጕቲ ዝወረዶ ነብዪ ዘርኣዮ ሕያውነት: ድንቂ ኣብነት እዩ ዚዀነና።—36:8-19, 32፣ 35:1-19፣ 38:7-13፣ 39:15-18
37 እቲ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ ብዜስደምም መገዲ ብልክዕ ተፈጺሙ እዩ። እዚ ብርግጽ ኣብቲ የሆዋ ብምንባይ ዝመጸ ዘለዎ ሓይሊ እምነትና ዜደልድል እዩ። ንኣብነት: እቲ ጼድቅያስ ከም ዚተሓዝን የሩሳሌም ከም እትዓኑን (21:3-10፣ 39:6-9): ንጉስ ሻሉም (ዮኣሓዝ) ካብ ዝፋኑ ኸም ዚወርድን ተማሪኹ ኸሎ ኸም ዚመውትን (ኤር. 22:11, 12፣ 2 ነገ. 23:30-34፣ 2 ዜና 36:1-4): ንጉስ ኢኮንያ (ዮኣኪን) ናብ ባቢሎን ተማሪኹ ኸም ዚኸይድ (ኤር. 22:24-27፣ 2 ነገ. 24:15, 16): ከምኡውን እቲ ናይ ሓሶት ነብዪ ዝነበረ ሃናንያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ከም ዚመውት ዚገልጽ ትንቢታት: ኤርምያስ ብህይወቱ ኸሎ ተፈጺሙ እዩ። (ኤር. 28:16, 17) ኵሉ እዚ ትንቢታት እዝን ሓያሎ ኻልእን ከምቲ የሆዋ ኣቐዲሙ ዝነገሮ እዩ ተፈጺሙ። ጸኒሖም ነብያትን ኣገልገልትን የሆዋ ንትንቢት ኤርምያስ ሓቀኛን ጠቓምን ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ንኣብነት: ዳንኤል ምብዳም የሩሳሌም 70 ዓመት ከም ዚኸውን ካብ ጽሑፋት ኤርምያስ ፈለጠ: እዝራ ኸኣ ኣብ መወዳእታ 70 ዓመት ቃላት ኤርምያስ ከም እተፈጸመ ኣተኰረሉ።—ዳን. 9:2፣ 2 ዜና 36:20, 21፣ እዝ. 1:1፣ ኤር. 25:11, 12፣ 29:10
38 የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ድራር ጐይታ ኣብ ዘቘመሉ ኣጋጣሚ: እቲ ኤርምያስ ብዛዕባ ሓድሽ ኪዳን እተዛረቦ ትንቢት ፍጻሜኡ ኸም ዝረኸበ ሓበረ። ስለዚ: ነቲ ብእኡ ኣቢሉ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓጢኣቶም ዚሕደገሎምን መንፈሳዊ ህዝቢ የሆዋ ዀይኖም ዚእከቡሉን ‘ብደሙ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን’ ጠቐሰ። (ሉቃ. 22:20፣ ኤር. 31:31-34) እቶም ብመንፈስ እተወልዱ እሞ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዚኣትዉ ሰባት: እቶም የሱስ ምስኡ ኣብ ሰማይ ኪገዝኡ ኣብ መንግስቱ ኺዳን ዝኣተወሎም እዮም። (ሉቃ. 22:29፣ ራእ. 5:9, 10፣ 20:6) ኣብ ትንቢት ኤርምያስ: እዛ መንግስቲ ኣምላኽ እዚኣ ሓያሎ ሳዕ ተጠቒሳ ኣላ። ኤርምያስ ኣብ መንጎ እቲ ዅሉ ዅነኔ እታ እምነት ዘይብላ የሩሳሌም: “እንሆ: ንዳዊት ጻድቕ ጨንፈር ዘተንስኣለን መዓልትታት ይመጻ አለዋ። ንሱ ነጊሱ ኺገዝእ: ኪቐንዖ ድማ እዩ: ኣብታ ሃገር ከኣ ፍርድን ጽድቅን ኬውጽእ እዩ: ይብል እግዚኣብሄር” ብምባል ጩራ ተስፋ ሃበ። እወ: እቲ ንጉስ “የሆዋ ጽድቅና እዩ” (NW) ኺስመ እዩ።—ኤር. 23:5, 6
39 ኤርምያስ ከም ብሓድሽ ብዛዕባ ምምላስ ኪገልጽ ከሎ: “ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ነቲ ኣነ ዘተንስኣሎም ዳዊት ንጉሶምን ኪግዝኡ እዮም” ኢሉ ተዛረበ። (30:9) ኣብ መወዳእታ: ነቲ የሆዋ ንዘርኢ ዳዊት ምእንቲ ኼብዝሖን “ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ ውሉድ” ምእንቲ ኺህሉን ኢሉ “በተን መዓልትታት እቲኤንን በቲ ዘመን እትን ንዳዊት ጨንፈር ጽድቂ ኸጠጥዓሉ እየ” ብምባል ብዛዕባ እስራኤልን ይሁዳን እተዛረቦ ጽቡቕ ዘረባ ገሊጹልና ኣሎ። (33:15, 21) ከምቲ ተረፍ እቶም ህዝቢ ብርግጽ ካብ ባቢሎን እተመልሱ: እታ በዚ ጻድቕ “ጨንፈር” እዚ ኣቢላ እትገዝእ መንግስቲ ኣብ ኵላ ምድሪ ፍትሕን ጽድቅን ክትገብር እያ።—ሉቃ. 1:32
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 326, 480