ካብ ማርያም እንመሃሮ ትምህርቲ
ዘይተጸበኻዮ ጸገም ወይ ሓላፍነት ምስ ኣጋጠመካ፡ ዓቕልኻ ጸቢቡካዶ ይፈልጥ፧ ድራር ዕለትካ ንምምእራር ላዕልን ታሕትን ክትብል ከለኻ፡ ሓይልኻ እተጸንቀቐ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ምናልባት ካብቶም ዓዶም ሓዲጎም እተሰደዱ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ስደተኛታት ብምዃንካ፡ ደንጽዩካ ወይ ፈሪህካ ትኸውን። ዜፍቅሮ ሰብ ምስ ሞቶ፡ ብርቱዕ ሓዘንን ባዶነትን ዘይስምዖኸ መን ኣሎ፧
ማርያም ኣደ የሱስ፡ እዚ ዅሉ ጸገማት ከም ዘጋጠማ ትፈልጥዶ፧ ንሳ እውን ነዚ ብዓወት ሰጊራቶ እያ! ካብ ኣብነታ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
ማርያም ኣብ ብዘላ ዓለም ከም እትፍለጥ እተረጋገጸ እዩ። ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ፍሉይ ተራ ስለ እተጻወተት፡ ኣብ ኵሉ እትፍለጥ ምዃና ዜገርም ኣይኰነን። ብዘይካዚ፡ ሚልዮናት ሰባት የምልኽዋ እዮም። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ከም ፍቕርቲ ኣደን ከም ኣብነት እምነትን ተስፋን ምጽዋትን ገይራ ተምልኻ እያ። ብዙሓት ሰባት፡ ማርያም ናብ ኣምላኽ ከም እትመርሖም ተማሂሮም እዮም።
ንኣደ የሱስ ብኸመይ ኢኻ እትርእያ፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ዚርእያ፧
ፍሉይ ዕዮ
ማርያም ጓል ኤሊ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ እተወልደት እስራኤላዊት እያ ነይራ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማ ግዜ ተጠቒሳትሉ ዘላ ቦታ፡ ምስ ፍልይ ዝበለ ፍጻመ ተኣሳሲሩ ይርከብ። ሓደ መልኣኽ በጽሓ፡ “ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ” ድማ በላ። ፈለማ፡ ማርያም ሰምበደት፡ “እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኰን ይኸውን፧” ኢላ እውን ሓሰበት። ስለዚ፡ እቲ መልኣኽ ንሓደ ዜደንቕ፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ኸቢድ ዕዮ ኸም እተሓርየት ነገራ፣ እቲ ዕዮ ንወዲ ኣምላኽ ምጥናስን ምውላድን ምዕባይን እዩ ነይሩ።—ሉቃስ 1:26-33።
እዛ ዘይተመርዓወት ንእሽቶ ሰበይትስ ከመይ ዝበለ ሓላፍነት ኰን እያ ተሰኪማ! እሞኸ እንታይ ምላሽ ሃበት፧ ዋላ ሓደ ሰብ ነዚ እተነግራ ነገር ከም ዘይኣምና ሓሲባ ኽትከውን ትኽእል እያ። እቲ ጥንሲ፡ ፍቕሪ ዮሴፍ ሕጹያ ኸም እትስእን ወይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኸም እትዋረድ ይገብራ ደዀን ይኸውን፧ (ዘዳግም 22:20-24) ነዚ ኸቢድ ዕዮ እዚ ንምቕባል ኣየማትአትን።
ማርያም ዝነበረታ ድልድልቲ እምነት ንፍቓድ የሆዋ ኣምላኻ ንኽትምእዘዝ ኣኽኣለታ። ንሱ ኸም ዚሓልየላ ትኣምን ነበረት። ስለዚ ድማ፡ “እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ” በለት። ነቲ ዝቐረበላ መንፈሳዊ ዕዮ ኣኽቢራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ነቲ ኣጸጋሚ ዅነታት ንኽትገጥመሉ ፍቓደኛ ዀነት።—ሉቃስ 1:38።
ማርያም ከም ዝጠነሰት ንዮሴፍ ምስ ነገረቶ፡ ንሱ ነቲ ሕጸ ኼፍርሶ ሓሰበ። እቲ እዋን እቲ ንኽልቲኦም ኣጨኒቕዎም ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኣጸጋሚ እዋን ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም ዝቐጸለ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ። ይኹን እምበር፡ መልኣኽ የሆዋ ንዮሴፍ ምስ ተራእዮ፡ ክልቲኦም ማርያምን ዮሴፍን እፎይታ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ኣለዎ። እቲ እተላእከ መንፈሳዊ ፍጡር፡ እቲ ፍልይ ዝበለ ጥንሲ ማርያም ካበይ ከም ዝመጸ ገለጸ፡ ንዮሴፍ ከም ሰበይቱ ገይሩ ኺወስዳ ድማ መምርሒ ሃቦ።—ማቴዎስ 1:19-24።
ጽንኩር እዋን
ሎሚ ብዙሓት ጥኑሳት ኣዴታት ንሕርሰን ኣዋርሕ ዚወስድ ምድላዋት ይገብራ እየን፡ ማርያም እውን ተመሳሳሊ ነገር ገይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ በዅራ እያ ኽትወልድ። ኰይኑ ግን፡ ዘይተጸበየቶ ነገራት ንመደባታ ሓላለኾ። ቄሳር ኣውጉስጦስ፡ ቈጸራ ህዝቢ ኺግበር ኣዋጅ ኣውጽአ፡ ኵሎም ሰባት እውን ነናብ እተወልዱሉ ዓዶም ከይዶም ኪምዝገቡ ነበሮም። ስለዚ፡ ዮሴፍ ነታ ናይ ትሽዓተ ወርሒ ጥንሲ ዝነበራ ማርያም ሒዙ፡ ምናልባት እውን ኣብ ኣድጊ ኣወጢሑ፡ 150 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ ጕዕዞ ተጓዕዘ። ቤት-ልሄም ብሰባት መሊኣ ነበረት፡ ማርያም ከኣ እትሓርሰሉ ብሑት ቦታ ደለየት፣ ኰይኑ ግን፡ እቲ ኺረኽብዎ ዝኸኣሉ ቦታ መብልዕ ማል ነበረ። ኣብ መብልዕ ማል ምሕራስ፡ ከቢድዋ ኪኸውን ኣለዎ። ሓፊራን ፈሪሃን ክትከውን ትኽእል እያ።
ኣብዚ ኣብ ህይወታ ወሳኒ ዝነበረ እዋን፡ የሆዋ ንዓኣን ንውላዳን ከም ዚከናኸኖም ብምትእምማን፡ ኣብ ቅድሚኡ ልባ ኣፍሲሳ ኽትከውን ኣለዋ። ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ገለ ጓሶት ነቲ ሕጻን ኪርእይዎ ተሃንጥዮም መጹ። መላእኽቲ ነቲ ሕጻን፡ “መድሓኒ . . . ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ” ኢሎም ከም ዝጸውዕዎ ሓበሩ። ድሕሪኡ፡ “ማርያም ግና ነዚ ነገርዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሐስቦን ነበረት” ዚብል ነንብብ። ነቲ እተነግራ ቓላት ኣስተንተነትሉ፡ ካብኡ ድማ ብርታዐ ረኸበት።—ሉቃስ 2:11, 16-19።
ንሕናኸ፧ ኣብ ህይወትና መከራ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ንዅላትና “ጊዜን ኣጋጣምን” ኪመጸና ኸም ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ድማ ብዙሕ ጸገማትን ብድሆታትን ሒዙልና እዩ ዚመጽእ። (መክብብ 9:11) ከምኡ እንተ ኣጋጢሙና፡ ንኣምላኽ ነማርር ዲና፧ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ብዛዕባ እቲ እተመሃርናዮ ብምስትንታንን፡ ንኣረኣእያ ማርያም ክንቀድሖን ናብ የሆዋ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽንቀርብንዶ ኣይምሓሸን፧ ከምኡ እንተ ጌርና፡ ነቲ ፈተናታት ንኽንጾሮ ኸም ዚሕግዘና እተረጋገጸ እዩ።
ድኻን ስደተኛን
ማርያም ካልእ ጸገማት እውን ኣጋጢምዋ እዩ፣ ገለ ኻብቲ ዘሕለፈቶ ጸገማት ድኽነትን ስደትን ኪጥቀስ ይከኣል። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ብመሰረት ሓደ ጸብጻብ፡ “ፍርቂ ህዝቢ ዓለም፡ ዳርጋ ሰለስተ ቢልዮን ዚኸውን ህዝቢ ማለት እዩ፡ ብትሕቲ ኽልተ ዶላር ንመዓልቲ እዩ ዚናበር፡” ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኻልኦት እውን ኣብተን ሃብታማት ዚበሃላ ሃገራት ዚነብሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ነዛ ድራር ዕለቶም ንምርካብ ብዙሕ እዮም ዚቃለሱ። ንስኻኸ ንስድራ ቤትካ ዜድሊ ምግብን ክዳውንትን መዕቀልን ንምምላእ መዓልታዊ እትሃልኮ ሃልኪ የድክመካ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ይደቝሰካዶ ኣሎ፧
ዮሴፍን ማርያምን ብተዛማዲ ድኻታት ምንባሮም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ብኸመይ፧ ገለ ኻብቲ ወንጌል ማቴዎስን ወንጌል ማርቆስን ወንጌል ሉቃስን ወንጌል ዮሃንስን ብዛዕባ እዞም ሰብ ሓዳር ዚገልጾ ሒደት ሓቅታት፡ ካብቲ ማርያም ዝወለደትሉ ድሕሪ 40 መዓልቲ፡ ንሳን ዮሴፍን ግቡኦም መስዋእቲ ንምቕራብ ናብ ቤተ መቕደስ ምኻዶም እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “ክልተ ባሬቶ ወይስ ክልተ ጫጩት ርግቢ” ንመስዋእቲ ኣቕረቡ።a (ሉቃስ 2:22-24) እዚ መስዋእቲ እዚ ነቶም ገንሸል ኬቕርቡ ዘይክእሉ ድኻታት ጥራይ እዩ ዚፍቀድ ነይሩ። ስለዚ፡ ዮሴፍን ማርያምን ድራር ዕለቶም ንምምእራር ይቃለሱ እዮም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ። ፍቕሪ ዝዓሰላ ስድራ ቤት ብምፍጣር ዝመጸ ግን፡ ተዓዊቶም እዮም። ምስ መንፈሳዊ ንእተተሓሓዘ ነገራት ቀዳምነት ይህቡ ምንባሮም ጥርጥር የብሉን።—ዘዳግም 6:6, 7።
የሱስ ካብ ዚውለድ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ህይወት ማርያም ምሉእ ብምሉእ ተቐየረ። ሓደ መልኣኽ ንዮሴፍ፡ ስድራ ቤቱ ሒዙ ናብ ግብጺ ኺሃድም ነገሮ። (ማቴዎስ 2:13-15) ማርያም ካብ እትፈልጦ ኸባቢ ንኻልኣይ ግዜ ኽትግዕዝ ነበራ፣ ኣብቲ ኻልኣይ ግዜ ግን ናብ ወጻኢ ሃገር እያ ኸይዳ። ኣብ ግብጺ ዓብዪ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ስለ ዝነበረ፡ ማርያምን ዮሴፍን ምስ ህዝቦም ኪነብሩ ኽኢሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ምንባር፡ በዳህን ኣጸጋምን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንስኻን ስድራ ቤትካን ካብ መንጎ እቶም ምእንቲ ደቆም ኢሎም ወይ ካብ ሓደጋ ንምምላጥ፡ ዓዶም ሓዲጎም እተሰደዱ ብዙሓት ሚልዮናት ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ማርያም ኣብ ግብጺ ዘጋጠማ ጸገማት ኣጸቢቑ ኺርድኣካ ይኽእል እዩ።
ውፍይቲ ሰበይትን ኣደን
ማርያም ብዘይካ ኣብቲ ምስ ውልደትን ሕጻንነትን የሱስ እተተሓሓዘ ጸብጻባት እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣብ ወንጌላት ብዙሕ ኣይተጠቕሰትን። ኰይኑ ግን፡ ማርያምን ዮሴፍን እንተ ወሓደ፡ ሽዱሽተ ተወሰኽቲ ውሉዳት ከም ዝነበርዎም ንፈልጥ ኢና። እዚ የገርመካ ይኸውን። ወንጌላት እንታይ ከም ዚብል ግን ርአ።
ዮሴፍ ነቲ ማርያም ንወዲ ኣምላኽ ክትወልድ እተዋህባ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዓብዪ ኣኽብሮት ነበሮ። ስለዚ ድማ፡ ንየሱስ ቅድሚ ምውላዳ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይገበረን። ማቴዎስ 1:25፡ “በዅሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድ ከኣ ኣይፈለጣን” ትብል። እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ “ኽሳዕ” እትብል ቃል፡ የሱስ ምስ ተወልደ፡ ዮሴፍን ማርያምን ከም ሰብኣይን ሰበይትን ንቡር ጾታዊ ርክብ ከም ዝገበሩ እያ እተመልክት። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ማርያም ንዮሴፍ ኣወዳትን ኣዋልድን ከም ዝወለደትሉ፡ ጸብጻባት ወንጌል ይሕብር እዩ። ያእቆብን ዮሴፍን ስምኦንን ይሁዳን ንየሱስ ብኣደ ኣሕዋቱ ነበሩ። ማርያም እንተ ወሓደ፡ ክልተ ኣዋልድ ነበራኣ። (ማቴዎስ 13:55, 56) ይኹን እምበር፡ እዞም ደቃ ብንቡር መገዲ እዮም ተጠኒሶም።b
ማርያም መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዝነበራ ሰብ እያ ነይራ። ሕጊ ሙሴ ንደቂ ኣንስትዮ ናብ በዓል ፋስጋ ኪኸዳ ዚእዝዝ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ማርያም ግን ምስ ዮሴፍ ዓመታዊ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚግበር በዓል ትኸይድ ነይራ። (ሉቃስ 2:41) ናብኡ በጺሓ ንኽትምለስ፡ ዚዓብዩ ቘልዑ ሒዛ ዓመት ዓመት ብድምር ዳርጋ 300 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀቱ ጕዕዞ ኽትገብር ነይርዋ። እዚ ጕዕዞ እዚ ግን ብዘይ ጥርጥር ነታ ስድራ ቤት ሓጐስ የምጽኣላ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።
ሎሚ ዘለዋ ብዙሓት ኣንስቲ ነቲ ማርያም ዝሓደገቶ ሰናይ ኣብነት ይስዕባ እየን። ቅዱስ ጽሑፋዊ ግዴታታተን ንምምላእ፡ ንርእሰን ከይሰስዓ ኣበርቲዐን ይዓያ እየን። እዘን ውፉያት ኣንስቲ እዚኣተን ዓብዪ ትዕግስትን ጽንዓትን ትሕትናን የርእያ እየን። ንኣረኣእያ ማርያም ምስ ዜስተንትናሉ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ካብቲ ንምሾትን ተድላን ዘለወን ባህጊ ኣቐዲመን ንኺርእያኦ ይሕግዘን። ከም ማርያም፡ ንኣምላኽ ምስ ሰብኡተንን ደቀንን ብሓባር ኰይነን ምምላኸን፡ ንስድራ ቤተን ከም ዜደልድሎን ሓድነታ ኸም ዜበርትዖን ይፈልጣ እየን።
ሓደ ግዜ፡ ማርያምን ዮሴፍን ካብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚግበር በዓል ኪምለሱ ኸለዉ—ምናልባት ኣብቲ ግዜ እቲ ሰዲሮም እዮም ነይሮም—እቲ ወዲ 12 ዓመት ዝነበረ የሱስ ምሳታቶም ከም ዘየሎ ኣስተውዓሉ። ማርያም ንወዳ ንምርካብ ንሰለሰተ መዓልቲ ኺደልይዎ ኸለዉ፡ እተሰምዓ ሻቕሎት ክትግምቶዶ ትኽእል፧ ንሳን ዮሴፍን ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኸብዎ፡ “ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” በሎም። ኣብዚ እውን እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ ማርያም፡ “ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት” ይብል። ካልእ ንዕምቈት መንፈሳውነት ማርያም ዚሕብር ነገር፡ ኣብዚ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ንዅሉ እቲ ንየሱስ ዜጋጥሞ ዝነበረ ነገራት ተጠንቂቓ ተስተንትነሉ ነበረት። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ብዛዕባ እዝን ብዛዕባ እቲ ንየሱስ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ዘጋጠሞ ኻልእ ነገራትን ዘለዋ ንጹር ተዘክሮታት፡ ንጸሓፍቲ ወንጌል ኣዘንትያትሎም ክትከውን ትኽእል እያ።—ሉቃስ 2:41-52።
መከራን ሞትን ጸኒዓ ኣሕለፈት
ነቲ ንየሱስ ዘዕበዮ ኣቦኡ ዝዀነ ዮሴፍ እንታይ ኣጋጢምዎ፧ ዮሴፍ ኣብቲ ብዛዕባ ንእስነት የሱስ ዚገልጽ ሓደ ኣጋጣሚ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ደጊም ኣብ ጸብጻብ ወንጌል ኣይተጠቕሰን። ገሊኦም ሰባት፡ እዚ ነገር እዚ፡ ዮሴፍ ቅድሚ ምጅማር ኣገልግሎት የሱስ ከም ዝሞተ ዚሕብር ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርድእዎ።c ዝዀነ ዀይኑ፡ የሱስ ኣገልግሎቱ ኣብ ዝወድኣሉ እዋን፡ ማርያም መበለት ዝነበረት እዩ ዚመስል። ኣብ ዝሞተሉ እዋን፡ ንሃዋርያ ዮሃንስ፡ ንኣዲኡ ኪከናኸነሉ ሕድሪ ሃቦ። (ዮሃንስ 19:26, 27) ዮሴፍ ብህይወት እንተ ዚነብር ነይሩ፡ የሱስ ከምኡ ኣይምገበረን።
ማርያምን ዮሴፍን፡ ብሓባር ብዙሕ እዮም ኣሕሊፎም! መላእኽቲ በጺሖምዎም፡ ካብ ጨቋኒ ገዛኢ ኣምሊጦም፡ ናብ እተፈላለየ ቦታታት ግዒዞም፡ ብዙሓት ቈልዑ ድማ ኣዕብዮም። ሓያሎ ምሸት ብዛዕባ እቲ ንየሱስ ኣብ መጻኢ ዜጋጥሞ ነገራት፡ ከምኡውን ብግቡእ መገዲ ኣሰልጢኖምዎን ኣዳልዮምዎን እንተ ዀይኖም፡ ጕጅም እናበሉ የሕልፉ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪኡ ግን ብሃንደበት ማርያም በይና ተረፈት።
መጻምድትኻ ሞይትካ ድዩ፧ እዚ ሞት እዚ ዘስዓቦ ሓዘንን ባዶነትን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት እውን ይስምዓካ ድዩ፧ ማርያም ብእምነታን በቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ዘለዋ ፍልጠትን ከም እተጸናንዐት ኣይጠራጥርን እዩ።d (ዮሃንስ 5:28, 29) ኰይኑ ግን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜጸናንዕ ሓሳባት፡ ነቲ ዘጋጠማ ጸገማት ኣየወገዶን። ከምዘን ሎሚ ዘለዋ ብዙሓት ንጽል ኣዴታት፡ ብዘይ ሓገዝ ሰብኣያ ንደቃ ናይ ምእላይ ኣጸጋሚ ዕዮ ተሰኪማ እያ።
ዮሴፍ ምስ ሞተ፡ የሱስ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ እታ ስድራ ዀይኑ ኪኸውን ኣለዎ። ኣሕዋት የሱስ እናዓበዩ ምስ ከዱ፡ ሓላፍነት ኪስከሙ ኸኣሉ። የሱስ “ኣስታት ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ” ምስ ኰነ፡ ካብ ቤት ወጺኡ ኣገልግሎቱ ጀመረ። (ሉቃስ 3:23) ብዙሓት ወለዲ፡ ውሉዶም ዓብዩ ኻብ ቤት ኪወጽእ ከሎ፡ እተፈላለየ ስምዒታት እዩ ዚስምዖም። ኣብ ደቆም ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ስምዒትን ስለ ዜፍስሱ፡ ደቆም ምስ ወጹ፡ ባዶነት ይስምዖም። እሞኸ ደቅኻ ጕዳዮም ንምግባር ካብ ቤት ወጺኦምዶ፧ ብኣታቶም ትሕበንዶ፧ ሓድሓደ ግዜኸ ኣብ ጥቓኻ እንተ ዚዀኑ ትምነዶ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ የሱስ ካብ ቤት ኪወጽእ ከሎ፡ ንማርያም እተሰምዓ ስምዒት ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ።
ዘይተጸበየቶ ፈተናታት
ሓደ ኻብቲ ንማርያም ዘጋጠማ ፈተናታት፡ ፈጺማ ዘይተጸበየቶ እዩ ነይሩ። የሱስ ኪሰብኽ ከሎ፡ ብዙሓት እኳ እንተ ሰዓብዎ፡ ኣሕዋቱ ግን ኣይሰዓብዎን። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ኣሕዋቱ ድማ ብእኡ ኣይአመኑን ነበሩ” ይብል። (ዮሃንስ 7:5) ማርያም ነቲ መልኣኽ ዝነገራ ነገር፡ ማለት የሱስ፡ “ወዲ ኣምላኽ” ምዃኑ ኸም ዝነገረቶም ኣየጠራጥርን እዩ። (ሉቃስ 1:35) ያእቆብን ዮሴፍን ስምኦንን ይሁዳን ግን ንየሱስ ከም ዓብዪ ሓዎም ጥራይ እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። ስለዚ ድማ ማርያም ኣብ ስድራ ቤታ እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ኽትርኢ ጀመረት።
ማርያም በቲ ዅነታት ተስፋ ቘሪጻን ተሓሊላንዶ፧ ኣይፋላን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ኣብ ገሊላ ኺሰብኽ ከሎ፡ ኪበልዕ ናብ ሓንቲ ቤት ኣተወ፡ ብዙሓት ሰባት ድማ ኪሰምዕዎ ተኣከቡ። ኣብቲ ግዜ እቲኸ መን እዮም ኪረኽብዎ ዝመጹ፧ ማርያምን ኣሕዋት የሱስን። ስለዚ፡ የሱስ ናብ ዓዱ ኣብ ዚቐረበሉ እዋን፡ ማርያም ትስዕቦ ነበረት፡ ምስኣ ኸኣ ንኻልኦት ደቃ ትማላእ ነበረት፣ ከምኡ ዝገበረትሉ ምኽንያት ድማ ምናልባት ብዛዕባኡ ኣረኣእያኦም እንተ ቐዪሮም ተስፋ ብምግባር ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማቴዎስ 12:46, 47።
ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ ንየሱስ ክትስዕቦ እናጸዓርካ ኽነስኻ፡ ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤትካ ኸምኡ ኺገብሩ ብዘይምድላዮም፡ በዳሂ ዅነታት የጋጥመካ ይኸውን። በዚ ኽትድቈስ ወይ ክትሕለል የብልካን! ብዙሓት ሰባት፡ ከም ማርያም፡ ኣብ ኣባላት ስድራ ቤቶም ናይ ሓቂ ለውጢ ቕድሚ ምርኣዮም፡ ንዓመታት ብትዕግስቲ ኣተባቢዖምዎም እዮም። ካልኦት ሰባት ይስምዑኻ ኣይስምዑኻ ብዘየገድስ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ትዕግስቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:1, 2።
ካብ ኵሉ ዝኸበደ ፈተና
እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቡ ዚርከብ ንማርያም ዘጋጠማ ናይ መወዳእታ ፈተና፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ልቢ ዚሰብር ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ። እቲ ፍቑር ወዳ ብህዝቡ ተቐባልነት ድሕሪ ምስኣኑ፡ ብዜሳቒ መገዲ ኺመውት ረኣየት። ንእሽቶ ይኹን ዓብዪ ብዘየገድስ፡ ሞት ውሉድ፡ ካብ ዝዀነ ንላዕሊ ዜሕዝን ሞት ከም ዝዀነ እዩ ዚግለጽ። ማርያም ልክዕ ከምቲ ዓመታት ኣቐዲሙ እተነግራ፡ ሰይፊ ኸም ዝኣተዋ ዀይኑ ተሰምዓ!—ሉቃስ 2:34, 35።
ማርያም ነዚ ናይ መወዳእታ ፈተና ብስምዒታዊ መዳይ ንኺደቝሳ ወይ ኣብ የሆዋ ዝነበራ እምነት ንኼዳኽሞ ፈቒዳዶ፧ ኣይፈቐደትን። ኣብቲ ማርያም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳትሉ ዘላ ቐጺሉ ዚርከብ ጸብጻብ፡ ምስቶም “ከየብኰሩ ሐቢሮም ይጽልዩ” ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ተጠቒሳ ኣላ። ኣብቲ ግዜ እቲ በይና ኣይነበረትን። እቶም ኣብቲ ዓብዪ ሓዎም እምነት ኬሕድሩ ዝጀመሩ ዝተረፉ ደቃ ምስኣ ነበሩ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣጸናኒዕዋ ኪኸውን ኣለዎ!e—ግብሪ ሃዋርያት 1:14።
ማርያም ከም እምንቲ ሰበይትን ኣደን መጠን፡ ዜሐጕስን ዜዕግብን ህይወት ነበራ። ብመንፈሳዊ መዳይ ብዙሕ ጠቓሚ ተመክሮታት ኣሕሊፋ እያ። ሓያሎ ፈተናታት ሰጊራ እያ። ዘይተጸበናዮ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ወይ ኣብ ስድራ ቤትና ብዘጋጠመና ሽግራት ክንጭነቕ ከለና፡ ካብቲ ብተኣማንነት ዘርኣየቶ ጽንዓት ክንመሃር ንኽእል ኢና።—እብራውያን 10:36።
ብዛዕባ እቲ ንማርያም ዚወሃባ ፍሉይ ሃይማኖታዊ ተወፋይነት ግን እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንማርያም ፍሉይ ግደ ኸም ዘለዋ ምጥቃሱ፡ ክትምለኽ ኣለዋ ማለት ድዩ፧
[እግረ-ጽሑፋት]
a ሓንቲ ኻብተን ኣዕዋፍ ከም መስዋእቲ ሓጢኣት ኰይና እያ እትስዋእ ነይራ። (ዘሌዋውያን 12:6, 8) ማርያም ነዚ መስዋእቲ እዚ ብምቕራባ፡ ንሳ እውን ከም ኵሎም ዘይፍጹማት ሰባት፡ ሓጢኣት እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ዝዀነ ኣዳም ከም ዝወረሰት እያ ተኣሚና።—ሮሜ 5:12።
b ነታ “የሱስ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ነይሮምዎ ድዮም፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
c ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤት የሱስ፡ ማለት ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኣሓቱን ተጠቒሶም ስለ ዘለዉ፡ ዮሴፍ ኣብ ኣገልግሎት የሱስ ከይተጠቕሰ ምሕላፉ ኣቓልቦ ዚስሕብ ነገር እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ኣብ ቃና እተገብረ መርዓ፡ ማርያም ብንጥፈት ክትሳተፍን ባዕላ ተበግሶ ኽትወስድን ከላ እኳ እንተ ተጠቕሰ፡ ዮሴፍ ግን ፈጺሙ ኣይተጠቕሰን። (ዮሃንስ 2:1-11) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ እቶም ኣብታ የሱስ ዝዓበየላ ዓዲ ዝነብሩ ሰባት ንየሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ኢሎም ዘይኰነስ፡ “ወዲ ማርያም” ኢሎም ከም ዝጸውዕዎ ተጠቒሱ ኣሎ።—ማርቆስ 6:3።
d ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ተስፋ ትንሳኤ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 7 ርአ።
e ነታ ኣብ ገጽ 7 ዘላ፡ “ሃይማኖታ ንኽትቅይር ትብዓት ነበራ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
የሱስ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ነይሮምዎ ድዮም፧
እወ፡ ነይሮምዎ እዮም። ወንጌላት ነዚ ሓቂ እዚ ደጋጊሙ ብንጹር ዚጠቕሶ እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኦም ስነ-ሃይማኖተኛታት ግን ኪጥምዝዝዎ ፈቲኖም እዮም። (ማቴዎስ 12:46, 47፣ 13:54-56፣ ማርቆስ 6:3) ይኹን እምበር፡ ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ማርያም ካልኦት ውሉዳት ከም ዘይወለደት ዚጣበቕ ክልሰ-ሓሳባት፡ ክልተ ነገራት ኣስተብሂሎም እዮም። ቀዳማይ፡ ነዚ ኽልሰ-ሓሳባት እዚ ዚድርኽ ምኽንያት ኣሎ፣ እዚ ድማ ነቲ ጸኒሑ እተላዕለ፡ ማርያም ኣብ ምሉእ ህይወታ ድንግል ነይራ ዚብል ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን ንምድጋፍ እዩ። ካልኣይ፡ እቲ ኽልሰ-ሓሳባት ንባዕሉ ብደቂቕ ኪምርመር ከሎ፡ ዚወሓጠልካ ነገር የብሉን።
ንኣብነት፡ ሓደ ኻብዚ ኽልሰ-ሓሳባት እዚ፡ እታ ብዛዕባ “ኣሕዋት” የሱስ እትገልጽ ቃል ነቶም ዮሴፍ ካብ ኣቐዲሙ ዝነበረ ሓዳሩ ዝወለዶም ከም እተመልክት ይገልጽ። እዚ ሓሳብ እዚ ንየሱስ፡ ንንግስነት ዳዊት ንኺወርስ ዜኽእሎ መሰል ብዅርነት ስለ ዚኽልክሎ፡ ጭቡጥ ነገር ኣይኰነን።—2 ሳሙኤል 7:12, 13።
ካልእ ክልሰ-ሓሳብ ከኣ፡ እቶም ኣሕዋቱ ኸም ሓቂ ንየሱስ ኣዝማዱ ኸም ዝነበሩ ዚገልጽ እዩ። እንተዀነ ግን፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ን“ኣሕዋት” ካብ “ኣዝማድ” እተፈልየ ቓል ኣለዎ። ስለዚ፡ ፍራንክ ኢ. ጌበላይን ዚበሃል ምሁር ነዚ ስነ-ሃይማኖታዊ ኽልሰ-ሓሳባት ዘይመስል ከም ዝዀነ ገሊጽዎ ኣሎ። “ነታ ‘ኣሕዋት’ . . . እትብል ቃል ክንርድኣሉ እንኽእል ልዕሊ ዅሉ ባህርያዊ መገዲ፡ እታ ቓል ንደቂ ማርያምን ዮሴፍን፡ ማለት ነቶም ንየሱስ ብኣደ ኣሕዋቱ ዝዀኑ ኸም እተመልክት እዩ” ኢሉ ደምደመ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]
ሃይማኖታ ንኽትቅይር ትብዓት ነበራ
ማርያም ካብ ኣይሁድ ስድራ ቤት እያ ተወሊዳ፡ ሃይማኖት ኣይሁድ እውን ትስዕብ ነበረት። ኣብቲ ኣይሁድ ንኣምልኾ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ቤት ጸሎት ትእከብ ነበረት፡ ናብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ እውን ትኸይድ ነበረት። ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ዝነበራ ፍልጠት እናዓበየ ምስ ከደ ግን፡ ስርዓታት ኣቦታታ ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይብሉ ኽትርዳእ ጀመረት። መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ነቲ መሲሕ ዝዀነ ወዳ ኸም ዚቕተል ገበሩ። እዚ ቕድሚ ምዃኑ፡ የሱስ ንዓታቶም፡ “እንሆ፡ ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ” በሎም። (ማቴዎስ 23:38) ኣምላኽ ካብቲ ማርያም ዝዓበየትሉ ሃይማኖት በረኸቱ ኣልገሰ።—ገላትያ 2:15, 16።
ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ቈመት፡ ማርያም ጓል 50 ዓመት ኣቢላ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። እንታይ እያ ገይራ፧ ኣብ ሃይማኖት ኣይሁድ ስለ እተወልደት፡ ንስርዓታት ኣቦታታ እምንቲ ኽትከውን ከም ዘለዋ ድያ ሓሲባ፧ ዕድሚኣ ስለ ዝደፍአ፡ ኣብቲ ዕድመ እቲ ሃይማኖታ ኽትቅይር ከም ዘይብላ ድያ ሓሲባ፧ ኣይፋላን! ድሕሪ ደጊም በረኸት ኣምላኽ ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምዃኑ ተረድአት፣ ስለዚ ድማ ሃይማኖታ ንኽትቅይር እምነትን ትብዓትን ነበራ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ስደተኛታት ኰይኖም ናብ ግብጺ ኺሃድሙ ኸለዉ
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
ንኣደ ኼጋጥማ ዚኽእል ዝኸፍአ መከራ