ምዕራፍ ዓሰርተው ሸውዓተ
“እነኹ ባርያ የሆዋ”
1, 2. (ሀ) ሓደ ጋሻ ንማርያም እንታይ ኢሉ እዩ ሰላም ኢሉዋ፧ (ለ) ማርያም ኣብ ህይወታ እንታይ ውሳነ ኽትገብር እዩ ዜድልያ ነይሩ፧ እዚኸ ንህይወታ ዝቐየሮ ብኸመይ እዩ፧
ማርያም ነቲ ኺበጽሓ ኢሉ ናብ ገዛኣ ዝኣተወ ጋሻ ተገሪማ ኣዒንታ ተኺላ ጠመተቶ። እቲ ጋሻ፡ ኣቦኣ ወይ ኣዲኣ እንተ ኣልዮም ኣይሓተታን። ንዓኣ ደልዩ እዩ መጺኡ! ማርያም፡ እዚ ሰብ እዚ ኻብ ናዝሬት ከም ዘይኰነ ርግጸኛ እያ ነይራ። ከመይሲ፡ ኣብታ እትነብረላ ዝነበረት ንእሽቶ ኸተማ፡ ኣጋይሽ ቀልጢፎም እዮም ዚልለዩ ነይሮም። እዚ ሰብ እዚ ግና ኣብ ዝኸደ እንተ ኸደ ብቐሊሉ ምተለለየ። ሰላም ኣበሃህላኡ ንማርያም ሓድሽ ነገር ኰና፣ “ሰላም፡ ኣቲ ብዙሕ ሞገስ ዝረኸበት፡ የሆዋ ምሳኺ እዩ” በላ።—ሉቃስ 1:26-28 ኣንብብ።
2 መጽሓፍ ቅዱስ ምስታ ኣብ ገሊላ ኻብ እትርከብ ከተማ ናዝሬት ዝመጸት ማርያም ጓል ሄሊ በዚ ኸምዚ እዩ ዜላልየና። ኣብ ህይወታ ኣገዳሲ ውሳነ ኣብ ዝገበረትሉ እዋን እዩ ዜፋልጠና። ሃብታም ንዘይኰነ፡ ግናኸ ናይ እምነት ሰብ ንዝዀነ ዮሴፍ ዝስሙ ጸራቢ ተሓጽያ ነበረት። ስለዚ፡ ሰበይቲ ዮሴፍ ኰይና ኣብ ስራሑ እናሓገዘቶ ብሓደ ዀይኖም ውሉዳት ብምዕባይ ቀሊል ናብራ ኺነብሩ ሓሲባ ነበረት። ብሃንደበት ግና ምስቲ ኻብ ኣምላኽ ሓደ መዝነት ሒዙ ዝመጸ ጋሻ ተራኸበት፣ እዚ ኸኣ ንህይወታ ዚቕይር እዩ ነይሩ።
3, 4. ንማርያም ምእንቲ ኽንፈልጣ፡ ነየናይ ኢና ኸነቕልበሉ ዘይብልና፧ ኣብ ምንታይ ኢናኸ ኸነተኵር ዘሎና፧
3 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማርያም ብዙሕ ነገራት ዘይነግረና ምዃኑ የገርመካ ይኸውን። ብዛዕባ ኣተዓባብያኣን ባህርያታን ብዙሕ ኣይገልጽን እዩ፣ ብዛዕባ መልክዓ እሞ ኸኣ ዋላ ሓንቲ ዚገልጾ ነገር የልቦን። ይኹን እምበር፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ብዛዕባኣ ዚገልጾ ነገራት ንጹር እዩ።
4 ንማርያም ክንፈልጣ እንተ ደሊና፡ ክንዮ እቲ ኣብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ብዛዕባኣ ዚውሃብ ብዙሕ ቄናን ሓሳባት ክንርኢ ኣሎና። ስለዚ፡ ነቲ ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ስእሊ፡ እምነ በረድ፡ ወይ መንደቕ ዚርአ ምስልታት ንሕደጎ። ነቲ ነዛ ትሕትቲ ሰበይቲ፡ “ኣደ ኣምላኽ፡” “ንግስቲ ሰማይ” ዚብል መዓርጋት ዚህባ ስነ ሃይማኖትን እምነታትን እውን ንሕደጎ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣቓልቦና ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ነገራት ንግበር። ከመይሲ፡ ብኸመይ ኣስኣሰር እምነታ ኽንስዕብ ከም እንኽእል ዚገልጽ ብዋጋ ዘይሽነን ልቦና ኸም ዚህልወና እዩ ዚገብር።
ሓደ መልኣኽ ዝገበሮ ምብጻሕ
5. (ሀ) ማርያም፡ ገብርኤል ሰላም ምስ በላ እተሰምዓ ስምዒት እንታይ እዩ ዜርኢ፧ (ለ) ካብ ማርያም እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና እንምሃር፧
5 እቲ ንማርያም ኪበጽሓ ዝመጸ፡ ሰብ ኣይኰነን። ገብርኤል መልኣኽ እዩ ነይሩ። ንሱ ድማ ንማርያም፡ “ኣቲ ብዙሕ ሞገስ ዝረኸበት” ኢሉ ምስ ጸውዓ፡ ማርያም “ብዙሕ ተረበሸት።” ከምዚ ዝበለ ሰላምታ እንታይ ማለት ምዃኑ ኸኣ ኣተሓሳሰባ። (ሉቃ. 1:29) ብዙሕ ሞገስ ዝረኸበት ግና ካብ መን እያ፧ ካብ ካልኦት ሰባት ብዙሕ ሞገስ ክትረክብ ኣይትጽበን እያ ነይራ። ይኹን እምበር፡ እቲ መልኣኽ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ሞገስ ከም ዝረኸበት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እዚ ኸኣ ንዓኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ቀደሙ እውን ሞገስ ኣምላኽ ከም ዝነበራ ገይራ ብትዕቢት ኣይሓሰበትን። ንሕና እውን ኣብነት ማርያም ብምስዓብ፡ ድሮ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዘሎና ጌርና ብትዕቢት ኣብ ክንዲ እንሓስብ፡ ሞገሱ ኽንረክብ ንጽዓር። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና የፍቅሮምን ይድግፎምን እዩ።—ያእ. 4:6።
ማርያም ቀደሙ እውን ሞገስ ኣምላኽ ከም ዝነበራ ገይራ ብትዕቢት ኣይሓሰበትን
6. እቲ መልኣኽ ንማርያም እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ሂብዋ፧
6 እቲ መልኣኽ ንማርያም ዜደንቕ ፍሉይ መሰል ስለ ዚህባ፡ ትሕትና ምርኣያ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ካብ ኵሉ ሰብ እቲ ዝዓበየ ዚኸውን ውላድ ከም እትወልድ ድማ ነገራ። ገብርኤል፡ “የሆዋ ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፣ መንግስቱ እውን መወዳእታ የብላን” በላ። (ሉቃ. 1:32, 33) ማርያም ነቲ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመት ይገብር ኣምላኽ ንዳዊት ዝኣተወሉ ሓደ ኻብ ዘርኡ ንዘለኣለም ከም ዚገዝእ ዚገልጽ ተስፋ ትፈልጦ ነይራ እያ። (2 ሳሙ. 7:12, 13) ስለዚ፡ ወዳ፡ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ንዘመናት ዚጽበይዎ ዝነበሩ መሲሕ እዩ!
7. (ሀ) እቲ ማርያም ዝሓተተቶ ሕቶ ብዛዕባኣ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ካብ ማርያም እንታይ እዮም ዚምሃሩ፧
7 ብዘይካዚ እቲ መልኣኽ፡ “ወዲ እቲ ልዑል እውን ኪብሃል እዩ” በላ። ከመይ ገይራ እያ ግና ማርያም ሰብ ክነሳ፡ ወዲ ኣምላኽ ክትወልድ እትኽእል፧ ብሱሩኸ ኸመይ ገይራ እያ ወዲ ኽትወልድ እትኽእል፧ ማርያምን ዮሴፍን ተሓጽዮም እምበር ኣይተመርዓዉን ነይሮም። ብዛዕባ እዚ ዜተሓሳስባ ዝነበረ ጕዳይ ድማ፡ “ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ዘይገብር ክነሰይሲ፡ እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸውን፧” ኢላ ብግሁድ ሓተተት። (ሉቃ. 1:34) ብዛዕባ ድንግልናኣ ኸይሓፈረት ከም እተዛረበት ኣስተብህል። ንንጽህናኣ ኣኽቢራ እያ እትርእዮ ነይራ። ሎሚ ብዙሓት መንእሰያት ድንግልናኦም ኬፍርሱ፡ ብዛዕባ እቶም ከምኡ ዘይገብሩ ድማ ኼላግጹ ይህንጠዩ እዮም። እዛ ዓለም ብሓቂ ተለዊጣ እያ። የሆዋ ግና ኣይተለወጠን። (ሚል. 3:6) ልክዕ ከምቲ ብግዜ ማርያም ዚገብሮ ዝነበረ፡ ነቶም ምስ ስነ ምግባራዊ ስርዓታቱ ዚጠብቁ ሰባት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም።—እብራውያን 13:4 ኣንብብ።
8. ማርያም ዘይፍጽምቲ ኽነሳ፡ ፍጹም ውላድ ዝወለደት ብኸመይ እያ፧
8 ማርያም እምንቲ ኣገልጋሊት ኣምላኽ እኳ እንተ ነበረት፡ ፍጽምቲ ግና ኣይነበረትን። ከመይ ገይራ ደኣ እያ እሞ ፍጹም ውላድ፡ እሞ ኸኣ ወዲ ኣምላኽ ክትወልድ እትኽእል፧ ገብርኤል፡ “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ፡ ሓይሊ እቲ ልዑል እውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ እቲ ዚውለድ፡ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ” በላ። (ሉቃ. 1:35) ቅዱስ ኪብሃል ከሎ “ጽሩይ፡” “ንጹህ” ማለት እዩ። ሰባት ንዘርኦም ዘይንጹህን ሓጥእን ዝንባለ የመሓላልፉሎም እዮም። ኣብዚ ናይ ማርያም ኵነታት ግና፡ የሆዋ ፍሉይ ተኣምራት ኪገብር፡ ማለት ንህይወት እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ወዱ ናብ ማሕጸን ማርያም ኣሕሊፉ፡ በቲ ንጡፍ ሓይሉ ወይ መንፈስ ቅዱሱ ተጠቒሙ ንማርያም ‘ብምጽላል’ ነቲ ቘልዓ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሓጢኣት ኬዕቍቦ መዲቡ ነበረ። እሞኸ ማርያም ነቲ እቲ መልኣኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣሚናቶዶ፧ እንታይ ምላሽከ ሃበት፧
ማርያም ንገብርኤል ዝሃበቶ ምላሽ
9. (ሀ) ተጠራጠርቲ ነቲ ብዛዕባ ማርያም ዚገልጽ ጸብጻብ ምጥርጣሮም ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ገብርኤል ንእምነት ማርያም ዘደልደለ ብኸመይ እዩ፧
9 ተጠራጠርቲ፡ እንተላይ ገሊኦም ስነ ሃይማኖተኛታት ህዝበ ክርስትያን፡ ድንግል ክትወልድ ምኽኣላ ንምእማኑ የጸግሞም እዩ። ብዙሕ እኳ እንተ ተማህሩ፡ ሓንቲ ቐላል ሓቂ ግና ክትርድኦም ኣይከኣለትን። ከምቲ ገብርኤል ዝበሎ፡ “ንኣምላኽሲ ዝበሎ ዘበለ ምፍጻሙ ኣይሰኣኖን እዩ።” (ሉቃ. 1:37) ማርያም ዓባይ እምነት ዝነበረታ መንእሰይ ብምንባራ፡ ነቲ ገብርኤል ዝነገራ ኣመነቶ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ነገር እዚ ብዓይኒ ዕሙታ ኣይኰነትን ተቐቢላቶ። ከምቲ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዚገብሮ፡ ማርያም ንእምነታ እትስርተሉ መርትዖ ደለየት። ገብርኤል ድማ ነዚ መርትዖ እዚ ኺህባ ተዳልዩ ነበረ። ብዛዕባ እታ ብዕድመ ዝደፍአት መኻን ዝነበረት ኤልሳቤጥ ዘመዳ ነገራ። ኣምላኽ ንኤልሳቤጥ ብተኣምር ገይሩ ኸም እትጠንስ ገይሩዋ ነይሩ እዩ!
10. እቲ ማርያም ዝረኸበቶ ፍሉይ መሰል ዘየፍርህ ወይ ዘየጸግም ከም ዝነበረ ጌርና ኽንሓስብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
10 እሞኸ ማርያም እንታይ እያ ኽትገብር፧ መዝነት ተዋሂቡዋ፡ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ገብርኤል ዝበሎ ነገራት ከም ዚፍጽሞ ድማ መርትዖ ቐሪቡላ እዩ። እዚ ፍሉይ መሰል እዚ ዘየፍርህ ወይ ዘየጸግም እዩ ነይሩ ማለት ግና ኣይኰነን። ቀዳማይ ነገር፡ ማርያም ሕጽይቲ ዮሴፍ እያ ነይራ። ዮሴፍ ጥንስቲ ምዃና እንተ ፈሊጡ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ዚምርዓዋ፧ ካልኣይ ነገር ድማ እቲ እተዋህባ ሓላፍነት ከቢድ እዩ ዚመስል ነይሩ። ከመይሲ፡ ካብ ኵሎም ፍጥረታት ኣምላኽ ነቲ ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ፍቑር ወዲ ኣምላኽ እያ ኽትጠንስ! መስኪን ሕጻን ከሎ ኽትከናኸኖን ካብታ እክይቲ ዓለም ከተዕቍቦን የድልያ ነበረ። ብሓቂ ኸቢድ ሓላፍነት እዩ ነይሩ!
11, 12. (ሀ) ሓድሓደ ግዜ፡ ብርቱዓትን እሙናትን ሰባት እውን ከይተረፉ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ከቢድ መዝነት ከመይ ዝበለ ምላሽ እዮም ሂቦምሉ፧ (ለ) ማርያም በቲ ንገብርኤል ዝሃበቶ ምላሽ ብዛዕባኣ እንታይ እያ ገሊጻ፧
11 ብርቱዓትን እሙናትን ዚብሃሉ ሰብኡት እውን ከይተረፉ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ከቢድ መዝነት ንምቕባል ሰጋእ መጋእ ከም ዝበሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። ንኣብነት፡ ሙሴ ዀርታዕ ስለ ዝዀነ፡ ኣፈኛ ኣምላኽ ኪኸውን ከም ዘይክእል ተዛረበ። (ዘጸ. 4:10) ኤርምያስ “ቈልዓ” ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መዝነት ኪፍጽሞ ዘይክእል ምዃኑ ገለጸ። (ኤር. 1:6) ዮናስ እውን እንተ ዀነ ኻብ ምድቡ ሃደመ። (ዮና. 1:3) ማርያምከ እንታይ ኰን ትገብር ትኸውን፧
12 እተን እተዛረበተን ትሕትናን ተኣዛዝነትን ዜንጸባርቓ ቓላት፡ ንዘመናት ኬቃልሓ ጸኒሐን እየን። ንገብርኤል፡ “እነኹ ባርያ የሆዋ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ” በለቶ። (ሉቃ. 1:38) ባርያ ኻብ ከደምቲ ዝተሓተት እያ፡ ምሉእ ብምሉእ ወነንታ እዮም ዚቈጻጸርዋ። ማርያም እውን ብዛዕባ እቲ ጐይታኣ ዝዀነ የሆዋ ኸምኡ እዩ ዚስምዓ ነይሩ። ኬዕቍባ ኸም ዚኽእል፡ ነቶም ተኣማንነት ዜርእዩ ሰባት እሙን ምዃኑ፡ ነቲ ኸቢድ ሓላፍነት ክትፍጽም ዚከኣላ ኽትገብር ከላ ድማ ከም ዚባርኻ ትፈልጥ ነይራ እያ።—መዝ. 18:25።
ማርያም እቲ እሙን ኣምላኻ ዝዀነ የሆዋ ኼዕቍባ ኸም ዚኽእል ትፈልጥ ነይራ እያ
13. እቲ ኣምላኽ ዚሓትተና ነገር ከቢድ ወይ ዘይከኣል ኰይኑ ኺስምዓና ኸሎ፡ ካብቲ ማርያም ዝሓደገቶ ኣብነት ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧
13 ሓድሓደ ግዜ ኣምላኽ፡ ከቢድ ወይ ዘይከኣል ዚመስለና ዕዮ ኽንዓዪ ይእዝዘና እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቃሉ ንዕኡ እንኣምነሉን ከምቲ ማርያም ዝገበረቶ ኣብኡ እንውከለሉን እኹል ምኽንያታት ሂቡና ኣሎ። (ምሳ. 3:5, 6) እሞኸ ኸምኡ ኽንገብር ዲና፧ ከምኡ እንተ ጌርና፡ ድልድልቲ እምነት ከም እትህልወና ዚገብር ተወሳኺ ምኽንያት ብምሃብ ኪባርኸና እዩ።
ናብ ኤልሳቤጥ ዝገበረቶ ምብጻሕ
14, 15. (ሀ) ማርያም ንኤልሳቤጥን ንዘካርያስን ምስ በጽሓቶም፡ የሆዋ ዝባረኻ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ ሉቃስ 1:46-55 ተመዝጊቡ ዘሎ ዘረባ ማርያም፡ ብዛዕባኣ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧
14 እቲ ገብርኤል ብዛዕባ ኤልሳቤጥ እተዛረቦ ዘረባ፡ ንማርያም ዓብዪ ትርጉም ነይርዎ እዩ። ካብተን ኣብ መላእ ዓለም ዝነበራ ኣንስቲ፡ ከም ኤልሳቤጥ ገይራ እትርድኣላ ኣይነበረትን። ማርያም ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዚወስድ ጕዕዞ ተጓዒዛ ናብ ከበሳ ይሁዳ ኸደት። ናብ ቤት ኤልሳቤጥን ካህን ዘካርያስን ምስ ኣተወት፡ የሆዋ ንእምነታ ብዝያዳ ዜደልድል ተወሳኺ መርትዖ ብምሃብ ባረኻ። ኤልሳቤጥ ንሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት፡ ብኡብኡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ብሓጐስ ኪሰራሰር ከሎ ተሰምዓ። ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ ድማ ንማርያም፡ “ኣደ ጐይታይ” በለታ። ኣምላኽ ንኤልሳቤጥ፡ ወዲ ማርያም፡ ጐይታኣን መሲሕን ከም ዚኸውን ገሊጹላ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኤልሳቤጥ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኻ ንማርያም፡ “እታ ዝኣመነት ሕጕስቲ እያ” ብምባል ስለቲ ዘርኣየቶ ተኣዛዝነት ነኣደታ። (ሉቃ. 1:39-45) እወ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ንማርያም ዝኣተወላ ቓል ኪፍጸም እዩ!
15 ኣብቲ ግዜ እቲ ማርያም እውን ተዛሪባ እያ። እቲ ዝበለቶ ድማ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብጥንቃቐ ተዓቂቡ ኣሎ። (ሉቃስ 1:46-55 ኣንብብ።) እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ እተዛረበቶ ቓላት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እተመዝገበ ዘረባኣ እቲ ዝነውሐ እዩ። ብዛዕባኣ ድማ ብዙሕ ነገራት ይገልጽ እዩ። የሆዋ ኣደ እቲ መሲሕ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ብምሃብ ስለ ዝባረኻ ኽትውድሶ ኸላ፡ ክሳዕ ክንደይ መመስገኒትን መማሰዊትን ምዃና ኣርኣየት። የሆዋ ንዕቡያትን ንሓያላትን ከም ዜዋርዶም፡ ኬገልግልዎ ንዚደልዩ ትሑታትን ድኻታትን ግና ከም ዚሕግዞም ምዝራባ ድልድልቲ እምነት ከም ዝነበረታ ዜርኢ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ዕምቈት ፍልጠታ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ብመሰረት ሓደ ገምጋም፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ልዕሊ 20 ግዜ ጠቒሳ እያ!a
16, 17. (ሀ) ማርያምን ወዳን ክንቀድሖ ዚግብኣና ባህርይ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ ዝገበረቶ ምብጻሕ ነየናይ በረኸት እዩ ዜዘኻኽረና፧
16 ስለዚ እምበኣር፡ ማርያም ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ኣዕሚቛ ትሓስብ ነይራ እያ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ክንዲ ኻብ ርእሳ እትዛረብ፡ ብትሕትና ቕዱሳት ጽሑፋት ትጥቀም ነበረት። እቲ ኣብ ማሕጸና ዝነበረ ቘልዓ እውን እንተ ዀነ ምስዚ ዚመሳሰል ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ። ድሕሪ ግዜ፡ “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን” በለ። (ዮሃ. 7:16) ንሕና እውን ንርእስና፡ ‘ንቓል ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ኣኽብሮት አርኢ ድየ፡ ወይስ ሓሳበይን ትምህርተይን እየ ዝመርጽ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። ማርያም ዝነበራ ኣረኣእያ ንጹር እዩ ነይሩ።
17 ማርያም ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ምስ ኤልሳቤጥ ጸንሐት፣ ንሓድሕደን ከም እተበራትዓ ድማ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ሉቃ. 1:56) እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ማርያም ናብ ኤልሳቤጥ ዝገበረቶ ምብጻሕ፡ ምሕዝነት ክሳዕ ክንደይ በረኸት ኪኸውን ከም ዚኽእል የዘኻኽረና። ንየሆዋ ኣምላኽና ብሓቂ ዜፍቅርዎ ኣዕሩኽ እንተ ኣልዮምና፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኽንዓብን ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽንቀርብን ኢና። (ምሳ. 13:20) ማርያም ምስ ኤልሳቤጥ ንኣዋርሕ ምስ ጸንሐት፡ ናብ ቤታ እትምለሰሉ እዋን ኣኸለ። ዮሴፍ ብዛዕባ ዅነታታ ምስ ፈለጠ እንታይ ኰን ይብል ይኸውን፧
ማርያምን ዮሴፍን
18. ማርያም ንዮሴፍ እንታይ እያ ነጊራቶ፧ ንሱኸ እንታይ ምላሽ ሃበ፧
18 ማርያም ጥንስቲ ምዃና ኽሳዕ እትፍለጥ ኣይጸንሐትን። ንዮሴፍ ነጊራቶ ኽትከውን ኣለዋ። ቅድሚኡ ግና እዚ እሩምን ንኣምላኽ ዚፈርህን ሰብኣይ እንታይ ምላሽ ከም ዚህብ ኣተሓሲብዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ ንዅሉ እቲ ዘጋጠማ ነገራት ነገረቶ። ዮሴፍ ሰንቢዱ ኸም ዚኸውን መሸም ፍሉጥ እዩ። ኪኣምና እኳ እንተ ደለየ፡ ዝጠለመቶ እዩ ዚመስል ነይሩ። እንታይ ኢሉ ኸም ዝሓሰበ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይነግረና እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሕጹያት ወድን ጓልን ከም ምርዑዋት ጌርካ ይርኣዩ ስለ ዝነበሩ፡ ኪፈትሓ ኸም ዝወሰነ ይሕብረና እዩ። ከምዚ ኺገብር ከሎ ግና ብግህዶ ብምዝራብ ኬዋርዳ ወይ ኬቕጽዓ ስለ ዘይደለየ፡ ብምስጢር ኪፈትሓ ሓሰበ። (ማቴ. 1:18, 19) ማርያም፡ እዚ ለዋህ ሰብኣይ እዚ ብዛዕባ እቲ ቕድሚኡ ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ኵነታት ኪጭነቕ ከሎ ምርኣያ ኣጕህይዋ ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ኣይተመረረትን።
19. የሆዋ ንዮሴፍ ቅኑዕ ኪገብር ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧
19 የሆዋ ንዮሴፍ ቅኑዕ ኪገብር ብለውሃት ሓገዞ። መልኣኽ ኣምላኽ ንዮሴፍ፡ ማርያም ብተኣምር ከም ዝጠነሰት ብሕልሚ ነገሮ። እዝስ ከመይ ዝበለ ግልግል ኰን እዩ! ዮሴፍ ልክዕ ከምቲ ማርያም ካብ ፈለማ ዝገበረቶ፡ ምስ መምርሒታት የሆዋ ተሰማሚዑ ኺመላለስ ጀመረ። ንማርያም ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ፡ ነቲ ንወዲ የሆዋ ናይ ምክንኻን ፍሉይ ሓላፍነት ኪስከም ድማ ድሉው ኰነ።—ማቴ. 1:20-24።
20, 21. ምርዑዋትን እቶም ኪምርዓዉ ዚሓስቡ ዘለዉን ካብ ማርያምን ዮሴፍን እንታይ እዮም ኪምሃሩ ዚኽእሉ፧
20 ምርዑዋት ሰብ ሓዳርን ኪምርዓዉ ዚሓስቡን፡ ካብዞም 2,000 ዓመት ይገብር ዝነበሩ ሰብ ሓዳር ኪምሃሩ ኣለዎም። ዮሴፍ ነቲ ማርያም ሰበይቱ ኸም ኣደ መጠን እትፍጽሞ ዝነበረት ሓላፍነት ኪርኢ ኸሎ፡ መልኣኽ የሆዋ ይመርሖም ስለ ዝነበረ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። ዓበይቲ ውሳነታት ኪገብር ከሎ ኣብ የሆዋ ምውካል ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ርእዩ ኪኸውን ኣለዎ። (መዝ. 37:5፣ ምሳ. 18:13) ርእሲ ስድራ ቤት ከም ምዃኑ መጠን፡ ውሳነታት ኪገብር ከሎ ይጥንቀቕን ብለውሃት ይገብሮን ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን።
21 ብዛዕባ እቲ ማርያም ንዮሴፍ ክትምርዓዎ ፍቓደኛ ምዃናኸ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ ዮሴፍ ኣብ ፈለማ ነቲ ዝነገረቶ ምቕባል ከቢድዎ ነይሩ እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ማርያም እቲ ደሓር ርእሲ ስድራ ቤት ዚኸውን ሰብኣይ ምላሽ ክሳዕ ዚህባ ተጸበየት። እዚ ንዓኣ ጽቡቕ ትምህርቲ ኸም ዝዀና ፍሉጥ እዩ፣ ሎሚ ንዘለዋ ክርስትያን ኣንስቲ እውን ጽቡቕ ትምህርቲ ይዀነን እዩ። እቲ ንዮሴፍን ንማርያምን ዘጋጠሞም ነገር ከኣ ሓሳብካ ብግህዶ ምግላጽ ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳስነት ብዙሕ ምሂርዎም ኪኸውን ኣለዎ።—ምሳሌ 15:22 ኣንብብ።
22. መሰረት ሓዳር ዮሴፍን ማርያምን እንታይ እዩ ነይሩ፧ እንታይ እዩኸ ዚጽበዮም ነይሩ፧
22 መውስቦ እዞም መንእሰያት ሰብ ሓዳር፡ ኣብ ጽቡቕ መሰረት እተሰረተ እዩ ነይሩ። ክልቲኦም ንየሆዋ ልዕሊ ዅሉ የፍቅርዎ፡ ሓላፍነት ዚስከሙን ሓለይትን ወለዲ ኸም ምዃኖም መጠን ከኣ ኬሐጕስዎ ይደልዩ ነይሮም እዮም። ብዙሕ በረኸትን ዓብዪ ብድሆታትን ይጽበዮም ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። ከመይሲ፡ ነቲ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ኻብ እትፈልጦም ሰባት ዝዓበየ ዝዀነ የሱስ ናይ ምዕባይ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱሎም።
a ገለ ኻብቲ ማርያም ዝጠቐሰቶ ጥቕስታት፡ እታ እምንቲ ዝነበረት ሃና እተዛረበቶ ሓሳባት እውን ይርከቦ እዩ፣ የሆዋ ንሃና እውን ውላድ ብምሃብ ባሪኽዋ እዩ።—“ክልተ ዜደንቕ ጸሎት” ዘርእስታ፡ ኣብ ምዕራፍ 6 እትርከብ ሳጹን ርአ።