-
“ስለዚ እየ እተለኣኽኩ”“ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
-
-
5. ቀንዲ ዕዮ የሱስ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣኸ እንታይ ኢና እንምርምር፧
5 ሓደ ግዜ የሱስ፡ “ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ከተማታት እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከበስረን ይግብኣኒ እዩ” በለ። (ሉቃስ 4:43) እወ፡ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኽን ኪምህርን እዩ ተላኢኹ።b ሎሚ ዘለዉ ሰዓብቲ የሱስ እውን ተመሳሳሊ ዕዮ እዩ ዘለዎም። እምበኣር፡ የሱስ ስለምንታይ ከም ዝሰበኸ፡ እንታይ ከም ዝሰበኸ፡ ከምኡ እውን ነቲ ዕዮ እቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ ምዃኑ ምምርማርና ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ።
-
-
“ስለዚ እየ እተለኣኽኩ”“ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
-
-
b ምስባኽ ኪብሃል ከሎ ሓደ መልእኽቲ ምእዋጅ ወይ ምንጋር ማለት እዩ። ምምሃር ኪብሃል ከሎ ኸኣ ምስ ምስባኽ ተመሳሳሊ ትርጉም ዘለዎ ዀይኑ፡ ንሓደ መልእኽቲ ብዝያዳ ዕምቈትን ዝርዝርን ምምሕልላፍ የጠቓልል። ጽቡቕ ኣመሃህራ ድማ ነቶም ተምሃሮ ነቲ ዚሰምዕዎ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኼውዕልዎ ልቦም እትትንክየሉ መገዲ ምንዳይ የጠቓልል።
-