ትምህርቲ 15
የሱስ መን እዩ፧
የሱስ ኣብ ታሪኽ ሓደ ኻብቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ሰባት እዩ። እንተዀነ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ስሙ ሓሊፎም ብዛዕባኡ ብዙሕ ኣይፈልጡን እዮም። ብዛዕባ መንነቱ እውን እተፈላለየ ሓሳባት እዩ ዘለዎም። እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ እንታይ ይብል፧
1. የሱስ መን እዩ፧
የሱስ ኣብ ሰማይ ዚነብር ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ንዕኡ፡ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ነገር እዩ ፈጢርዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ የሱስ፡ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ቈሎሴ 1:15) ብቐጥታ ብየሆዋ እተፈጥረ ንሱ በይኑ ብምዃኑ ኸኣ፡ ንኣምላኽ “ሓደ ወዱ” ኸም ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። (ዮሃንስ 3:16) የሆዋ ንዝተረፈ ዅሉ ነገራት ኪፈጥር ከሎ፡ የሱስ ምስ ኣቦኡ ብቐረባ ይዓዪ ነይሩ እዩ። (ምሳሌ 8:30 ኣንብብ።) ድሕሪኡ እውን እንተ ዀነ፡ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ኣለዎ። ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ መምርሕን መልእኽትን ብተኣማንነት ብምምሕልላፍ፡ ኣፈኛ ወይ “ቃል” ኰይኑ የገልግል እዩ።—ዮሃንስ 1:14።
2. የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸ ስለምንታይ እዩ፧
ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ንህይወት የሱስ ካብ ሰማይ ናብ ማሕጸን ሓንቲ ማርያም ዝስማ ድንግል ብተኣምራዊ መገዲ ኣመሓላለፎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሱስ ሰብ ኰይኑ ተወልደ። (ሉቃስ 1:34, 35 ኣንብብ።) የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸ፡ እቲ እተተስፈወ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ምእንቲ ኪኸውንን ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኼድሕኖምን ኢሉ እዩ።a ኵሉ እቲ ብዛዕባ መሲሕ ተነጊሩ ዝነበረ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብኡ ተፈጺሙ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሰባት ንየሱስ፡ “ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ኼለልይዎ ኽኢሎም እዮም።—ማቴዎስ 16:16።
3. ሕጂ የሱስ ኣበይ ኣሎ፧
የሱስ ምድራዊ ህይወቱ ምስ ወድአ፡ መንፈስ ኰይኑ ተንሲኡን ናብ ሰማይ ተመሊሱን እዩ። ኣብኡ ድማ፡ “ኣምላኽ ናብ ዝለዓለ ቦታ ልዕል ኣቢልዎ” ኣሎ። (ፊልጲ 2:9) ሕጂ የሱስ ዓብዪ ስልጣን ኣለዎ፣ የሆዋ ጥራይ እዩ ንዕኡ ዚበልጾ።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
የሱስ ብሓቂ መን ከም ዝዀነን ብዛዕባኡ ምፍላጥ ስለምንታይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነን ፍለጥ።
4. የሱስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣይኰነን
የሱስ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣብ ሰማይ ዚነብር እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ኣምላኹን ኣቦኡን ዝዀነ የሆዋ ኸም ዚግዝኦ ግና መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪነጻጸር ከሎ ዘለዎ ቦታ እንታይ ከም ዚምህር ንምፍላጥ፡ ቪድዮ ኣጻውት።
እዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መንጎ የሆዋን የሱስን ዘሎ ርክብ ክንርዳእ ይሕግዘና። ነዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ በብሓደ ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ሉቃስ 1:30-32 ኣንብብ።
እቲ መልኣኽ ነቲ ኣብ መንጎ የሱስን “እቲ ልዑል” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽን ዘሎ ርክብ ብኸመይ ገሊጽዎ፧
ማቴዎስ 3:16, 17 ኣንብብ።
የሱስ ኪጥመቕ ከሎ፡ ካብ ሰማይ እንታይ ዚብል ድምጺ መጺኡ፧
እቲ ድምጺኸ ናይ መን ይመስለካ፧
ዮሃንስ 14:28 ኣንብብ።
መን እዩ ብዕድመ ዀነ ብስልጣን ዚዓቢ፧ ኣቦዶ ወዲ፧
የሱስ ንየሆዋ ኣቦ ኢሉ ምጽዋዑ እንታይ ይምህረና፧
ዮሃንስ 12:49 ኣንብብ።
የሱስ ንሱን ኣቦኡን ሓደ ኣካል ከም ዝዀኑ ገይሩ ይሓስብ ነይሩ ድዩ፧ እንታይ ይመስለካ፧
5. የሱስ መሲሕ ምዃኑ ተረጋጊጹ
ሰባት ንመሲሕ፡ ማለት ነቲ ብኣምላኽ እተሓርየ መድሓኒ ምእንቲ ኼለልይዎ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ትንቢታት ሰፊሩ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ገለ ኻብቲ የሱስ ናብ ምድሪ ምስ መጸ ዝፈጸሞ ትንቢታት ንምፍላጥ፡ ቪድዮ ኣጻውት።
እዚ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
መሲሕ ኣበይ ከም ዚውለድ ዚገልጽ ትንቢት ንምፍላጥ፡ ሚክያስ 5:2 ኣንብብ።b
ልደት የሱስ ነዚ ትንቢት እዚ ፈጺምዎዶ፧—ማቴዎስ 2:1።
ብዛዕባ ሞት መሲሕ እተነግረ ዝርዝር ትንቢት ንምፍላጥ፡ መዝሙር 34:20ን ዘካርያስ 12:10ን ኣንብብ።
እዚ ትንቢታት እዚ ተፈጺሙዶ፧—ዮሃንስ 19:33-37።
የሱስ ንፍጻመ እዚ ትንቢታት እዚ ኺጸሉ ዚኽእል ዝነበረዶ ይመስለካ፧
እዚ ብዛዕባ የሱስ እንታይ የረጋግጸልና፧
6. ብዛዕባ የሱስ ምስ እንፈልጥ ንጥቀም ኢና
ብዛዕባ የሱስን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዘለዎ ግደን ምፍላጥ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የጕልሕ እዩ። ዮሃንስ 14:6ን 17:3ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ብዛዕባ የሱስ ምፍላጥ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብየሱስ ኣይኣምኑን እዮም።”
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ጽማቝ
የሱስ ሓያል መንፈስ እዩ። ወዲ ኣምላኽን መሲሕን እዩ።
ክለሳ
የሱስ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ተባሂሉ እተጸውዐ ስለምንታይ እዩ፧
የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ እንታይ እዩ ዚገብር ነይሩ፧
የሱስ መሲሕ ምዃኑ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧
ዳህስስ
የሱስ መሲሕ ምዃኑ ብኸመይ ከም እንፈልጥ ተምሃር።
ኣምላኽ ንየሱስ ከምቲ ሰብ ንውሉዳቱ ዚወልደሉ ገይሩ ቓል ብቓሉ ኸም ዝወለዶ ገይሩ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እንተ ዀይኑ ፍለጥ።
ስላሴ ስለምንታይ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይኰነ ርአ።
ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ዚብሎ ድሕሪ ምምርማራ፡ ህይወታ ብኸመይ ከም እተቐየረ ኣንብብ።
“ሓንቲ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ንእምነታ እንደገና ዝመርመረትሉ ምኽንያት ገለጸት” (ንቕሑ!፡ ግንቦት 2013)
b የሱስ ናብ ምድሪ መዓስ ከም ዚመጽእ ብልክዕ ብዛዕባ ዚሕብር ትንቢት ንምፍላጥ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ 2 ርአ።