ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 39 ሚልክያስ
ጸሓፊ:- ሚልክያስ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- የሩሳሌም
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ድሕሪ 443 ቅ.ክ.
ሚልክያስ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ ብዛዕባ ዘርኡ ወይ ብሕታዊ ታሪኹ ዋላ ሓንቲ ነገር ተመዝጊቡ ኣይንረክብን ኢና። ይኹን እምበር: ካብ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ትንቢቱ ኸም እንዕዘቦ: ኣብቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮ ተወፋይነት ኣዝዩ ቐናእ: ንስም የሆዋን ንንጹህ ኣምልኾን ዚድግፍ: ከምኡውን ኣብቶም ንኣምላኽ ነገልግል እናበሉ ንርእሶም ዜገልግሉ ቝጥዓ እተሰምዖ ምንባሩ ንጹር እዩ። ኣብቲ ኣርባዕተ ምዕራፋት ዘለዎ ትንቢቱ ስም የሆዋ 48 ሳዕ ተጠቒሱ ኣሎ።
2 ስሙ ብእብራይስጢ ማላክሂ ዚብል ኰይኑ: “ልኡኸይ” ዚብል ትርጕም ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዀነ ሰፕቱጀንት ኰነ ተርታ እተን መጻሕፍቲ: ንሚልክያስ ኣብተን 12 ንኣሽቱ ነብያት ዚበሃላ መጻሕፍቲ ኣብ መወዳእታ እዩ ዜስፍራ። ብመሰረት ያታ እቲ ዓብዪ ዋዕላ ኸኣ ድሕሪ ሃጌን ዘካርያስን ኣብ ዝነበረ እዋን: ብግዜ ነህምያ እዩ ዚነብር ነይሩ።
3 እቲ ትንቢት መዓስ ተጻሒፉ፧ ብግዜ ምምሕዳር ሓደ ምስለኔ እዩ: እዚ ድማ ይሁዳ ን70 ዓመት ድሕሪ ምብዳማ: የሩሳሌም ዳግም ኣብ እትህነጸሉ እዋን እዩ ማለት እዩ። (ሚል. 1:8) ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ኣየናይ ምስለኔ እዩ ነይሩ፧ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ከይተጠቕሰ: እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚግበር ኣገልግሎት ተጠቒሱ ስለ እንረኽቦ: ድሕሪ እቲ ኣብ ግዜ ስልጣኑ እታ ቤተ መቕደስ እተዛዘመትሉ ዘሩባቤል እቲ ምስለኔ ዝነበረሉ እዋን ኪኸውን ኣለዎ። ቅዱሳት ጽሑፋት ድሕሪኡ ንዝነበረ ሓደ ምስለኔ ጥራይ እዩ ዚጠቅስ: ንሱ ድማ ነህምያ እዩ። እቲ ትንቢት ምስቲ ብግዜ ነህምያ ዝነበረ ዅነታት ይሰማማዕ ድዩ፧ ኣብ ትንቢት ሚልክያስ ብዛዕባ ዳግመ ህንጸት የሩሳሌምን መካበብያኣን ዋላ ሓንቲ ኣይተባህለን: እዚ ኸኣ ኣብተን ነህምያ ምስለኔ ዝዀነለን ፈለምቲ ዓመታት ከም ዘይተጻሕፈት የመልክት። ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቲ ካህናት ዚፍጽምዎ ሕማቕ ተግባር ብዙሕ ተዘሪቡ እዩ: እዚ ድማ ኣብ መበል 32 ዓመቱ ንኣርታሕሻስታ: ማለት ብ443 ቅ.ክ. ነህምያ ናብ ባቢሎን ድሕሪ ምጽዋዑ: ካልኣይ ግዜ ናብ የሩሳሌም ኣብ ዝመጸሉ እዋን ምስ ዝነበረ ዅነታት ይተኣሳሰር እዩ። (ሚል. 2:1፣ ነህ. 13:6) ኣብ መጽሓፍ ሚልክያስን መጽሓፍ ነህምያን ዚርከብ ተመሳሳሊ ሓሳባት: እቲ ትንቢት ነዚ እዋን እዚ ኸም ዜመልክት ይሕብር።—ሚል. 2:4-8, 11, 12—ነህ. 13:11, 15, 23-26፣ ሚል. 3:8-10—ነህ. 13:10-12
4 ኣይሁድ ካብ ቀደም ኣትሒዞም ንትንቢት ሚልክያስ ሓቅነት ከም ዘለዋ ገይሮም ተቐቢሎምዋ እዮም። እቲ ኻብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እተጠቕሰ: ሓያሎ ኻብኡ ኸኣ ንፍጻመ ትንቢታት ዜርኢ ጥቕስታት: ትንቢት ሚልክያስ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝነፈሳን ክፍሊ ቐኖና ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኸም ዝዀነትን ጌርካ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ተቐባልነት ከም ዝረኸበት ይሕብር።—ሚል. 1:2, 3—ሮሜ 9:13፣ ሚል. 3:1—ማቴ. 11:10 ኸምኡውን ሉቃ. 1:76፣ 7:27፣ ሚል. 4:5, 6—ማቴ. 11:14፣ 17:10-13፣ ማር. 9:11-13፣ ሉቃ. 1:17
5 ትንቢት ሚልክያስ: እቲ ነብዪ ሃጌን ዘካርያስን ኣብቲ እታ ቤተ መቕደስ እትህነጸሉ እዋን ዘለዓዓልዎ ሃይማኖታዊ ቕንኣትን ውዕዉዕ መንፈስን ከም ዝሃሰሰ ትሕብር። ካህናት ግዲ ዘይብሎምን ዕቡያትን ተመጻደቕትን ኰይኖም ነበሩ። ኣብ ቤተ መቕደስ ዚግበር ኣገልግሎት ላግጺ ዀይኑ ነበረ። ኣምላኽ ብእስራኤል ኣይግደስን እዩ ኻብ ዚብል ስምዒት ብምብጋስ: ዕሽርን መስዋእትን ተሪፉ ነበረ። እቲ ኣብ ዘሩባቤል ተነቢሩ ዝነበረ ተስፋ ኣይተፈጸመን: ገሊኦም መሲህ ኪመጽእ እኳ እንተ ተጸበዩ: እቲ መሲህ ኣይመጸን። መንፈሳውነት ኣይሁድ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ በጺሑ ነበረ። ንምትብባዕን ተስፋ ንምሃብን እንታይ መሰረት ነበረ፧ እቶም ህዝቢ ነቲ ናይ ሓቂ ዅነታቶም ከም ዚግንዘብዎ ምግባርን ናብ ጽድቂ ንኺምለሱ ምብርባርን ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧ ሚልክያስ እተነበዮ ትንቢት ነዚ መልሲ ይኸውን።
6 ኣጸሓሕፋ ሚልክያስ ቀጥታውን ሓያልን እዩ። ፈለማ ሓደ ሓሳብ የቕርብ እሞ: ድሕሪኡ ነቲ እቶም ዚዛረቦም ሰባት ዜቕርብዎ ተቓውሞታት መልሲ ይህበሉ። ኣብ መወዳእታ: ነቲ ኣቐዲሙ ዝጠቐሶ ሓሳብ ደጊሙ ይገልጾ። እዚ ኸኣ ነቲ ዘረባኡ ብዝያዳ ብርቱዕን ንጹርን ከም ዚኸውን ገበሮ። ኣብ ክንዲ ውርጹጽ ኣዘራርባ ዚጥቀም: ሃንደበታዊ ዝዀነ ሓያል መጐተ ዚንጸባረቐሉ ኣጸሓሕፋ እዩ ተጠቒሙ።
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
13 ትንቢት ሚልክያስ ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ዚሰርዖ ዘይቅየር መሰረታዊ ስርዓታትን ምሕረት ዝመልኦ ፍቕሩን ንኽንርድኦ ትሕግዘና። ኣብ መጀመርታ: የሆዋ ንህዝቡ “ያእቆብ” ዘላቶ ዓባይ ፍቕሪ ተጕልሕ። ንሱ ንደቂ ያእቆብ “ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ” በሎም። ዓብዪ ኽፍኣት እኳ እንተ ገበሩ: ንሳቶም ናብኡ እንተ ተመሊሶም: ንሱ ናባታቶም ኪምለስ ድሉው ነበረ። ብሓቂ መሓሪ ኣምላኽ እዩ! (ሚል. 1:2፣ 3:6, 7፣ ሮሜ 11:28፣ ዘጸ. 34:6, 7) የሆዋ ብሚልክያስ ኣቢሉ: ከናፍር ካህን “ፍልጠት ይሕልዋ” ብምባል ኣጕልሐ። ኵሎም እቶም ቃል ኣምላኽ ኪምህሩ ሕድሪ እተዋህቦም ሰባት: ነዚ ነጥቢ እዚ ኬቕልቡሉ ኣለዎም: ርጡብ ፍልጠት ከም ዜመሓላልፉ ድማ ኬረጋግጹ ኣለዎም። (ሚል. 2:7፣ ፊል. 1:9-11፣ ምስ ያእቆብ 3:1 ኣረኣእዮ።) የሆዋ ነቶም “ክፉእ ዚገብር ዘበለ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ” ዚብል ሓሳባት ኬመሓላልፉ ዚፍትኑ ግቡዛት ኪጻወሮም ኣይክእልን እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ነዚ ዓብዪ ንጉስ ዝዀነ የሆዋ ንማለቱ መስዋእቲ ብምስዋእ: ኬታልሎ ኢሉ ኺሓስብ የብሉን። (ሚል. 2:17፣ 1:14፣ ቈሎ. 3:23, 24) የሆዋ ኣንጻር ኵሎም እቶም ንጽድቃዊ ሕግታቱን ስርዓታቱን ዚጥሕሱ: ቅልጡፍ ምስክር ኪዀኖም እዩ፣ ዋላ ሓደ ሰብ እከይ ገይሩ ኼምልጥ ኪሓስብ የብሉን። የሆዋ ኺፈርዶም እዩ። (ሚል. 3:5፣ እብ. 10:30, 31) ጻድቃን ንግብሮም ከም ዚዝክሮን ዓስቦም ከም ዚህቦምን ምሉእ መረጋገጺ ተዋሂብዎም ኣሎ። ከምቲ የሱስ ዝገበሮ: ንሕጊ ሙሴ ኬቕልቡሉ ኣለዎም፣ ከመይሲ: ኣብ የሱስ እተፈጸመ ብዙሕ ነገራት ዝሓዘ እዩ።—ሚል. 3:16፣ 4:4፣ ሉቃ. 24:44, 45
14 ሚልክያስ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እታ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ከም ምዃና መጠን: ነቲ ምስ ምምጻእ እቲ መሲህ ዚተሓሓዝ ፍጻመታት ትሕብር እያ። እቲ መሲህ ድሕሪ ኣርባዕተ ዘመናት ምስ መጸ: ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ንምጽሓፍ ምኽንያት ኰነ። ኣብ ሚልክያስ 3:1 ተመዝጊቡ ኸም እንረኽቦ: የሆዋ ጐይታ ሰራዊት: “እንሆ: ኣነ ልኡኸይ እልእኽ አሎኹ: ንሱ ቐቕድመይ መገዲ ኺጸርግ እዩ” በለ። እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ዘካርያስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ: እዚ ትንቢት እዚ ኣብ ወዱ ዮሃንስ መጥምቕ ከም እተፈጸመ ተዛረበ። (ሉቃ. 1:76) የሱስ ክርስቶስ ነዚ ኣረጋገጾ: ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ካብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ” በለ። ከምቲ ሚልክያስ እተነበዮ: ዮሃንስ ‘መገዲ ኺጸርግ’ እዩ ተላኢኹ፣ ስለዚ: ምስቶም የሱስ ኪዳን መንግስቲ ዝኣተወሎም ሰባት ኣይቍጸርን እዩ።—ማቴ. 11:7-12፣ ሉቃ. 7:27, 28፣ 22:28-30
15 ቀጺሉ: የሆዋ ኣብ ሚልክያስ 4:5, 6 “ነብዪ ኤልያስ ክልእከልኩም እየ” ኢሉ ተመባጽዐ። “ኤልያስ” መን እዩ፧ የሱስን እቲ ንዘካርያስ እተራእዮ መልኣኽን: እዚ ነብዪ ኤልያስ ተባሂሉ ዘሎ እቲ ‘ዜቕንዕን’ ‘ብቑዕ ህዝቢ ንየሆዋ ዜዳሉን’ ዮሃንስ መጥመቕ ምዃኑ ብምግላጽ: ኣብኡ ኸም ዚውዕል ገለጹ። ይኹን እምበር: “ኤልያስ” ቀቕድሚ “እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚኣብሄር” እውን ከም ዚመጽእ ሚልክያስ ሓቢሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ገና ብመዓልቲ ፍርዲ ፍጻመ ኸም ዘለዎ ዚሕብር እዩ።—ማቴ. 17:11፣ ሉቃ. 1:17፣ ማቴ. 11:14፣ ማር. 9:12
16 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዚ በለ:- “ስመይ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ኣብ ኣህዛብ ዓብዪ እዩ . . . ኣነ ዓብዪ ንጉስ እየ: ስመይ ድማ ኣብ ኣህዛብ እተፈርሄ እዩ።” እወ: ብሓቂ ዜፍርህ እዩ! ከመይሲ: ‘እታ መዓልቲ ኸም እቶን እትነድድ እያ: ኵሎም ዕቡያትን ረሲእነት ዚገብሩ ዘበሉ ዅላቶምን ብርዒ ኪዀኑ እዮም።’ ኰይኑ ግን: እቶም ንስም የሆዋ ዚፈርሁ ‘ጸሓይ ጽድቂ ኽትበርቀሎም: ምድሓን ከኣ ኣብ ኣኽናፋ እዩ’ ወይ ‘ፈውሲ ኸተምጽኣሎም እያ’ (ትርጕም 1990) እሞ ሕጉሳት እዮም። እዚ ኸኣ ኣብቲ እዙዛት ደቅሰብ ምሉእ ብምሉእ ዚፍወሱሉ: ማለት ብመንፈሳውን ብስምዒታውን ብኣእምሮኣውን ብኣካላውን ዚፍወሱሉ እዋን እዩ ዜተኵር። (ራእ. 21:3, 4) ሚልክያስ ብዛዕባ እታ ኽብርትን እተባረኸትን መዓልቲ ኣመልኪቱ ኺዛረብ ከሎ: “ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም: በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም: በዚ ተዐዘቡኒ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ብምባል መስዋእትና ናብ ቤት የሆዋ ኣብ ምቕራብ ብምሉእ ልብና ኽንዓዪ የተባብዓና።—ሚል. 1:11, 14፣ 4:1, 2፣ 3:10
17 እታ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ነብያት ‘ምድሪ ኸም እትጸንት’ ተጠንቅቕ እኳ እንተ ዀነት: ምስቲ የሆዋ ንህዝቡ እተዛረቦ “ምድሪ ሓጐስ ክትኰኑ ኢኹም እሞ: ኵሎም ኣህዛብ ብጹኣን ኪብሉኹም እዮም” ዚብል ቃላት ብምስምማዕ እውን ትስፉዋትን ሕጉሳትን ክንከውን ተተባብዓና እያ።—4:6፣ 3:12