ኣምላኽ ዝሕጐሰሉ ልግሲ
የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ ቢታንያ ምስ ገለ ፈተውቶም ይበልዑ ነበሩ። ኣብቲ ቦታ እቲ ማርያም: ማርታ: ከምኡውን እቲ ኻብ ሞት ካብ ዝትንስእ ነዊሕ ዘይገበረ ኣልኣዛር ነበሩ። ማርያም ሓደ ነጥሪ [ካብ 300 ግራም ቅሩብ ዝዛይድ] ክቡር ዝዋግኡ ቕብኢ ወሲዳ: ብእኡ ገይራ ኣእጋር የሱስ ምስ ለኸየት: ይሁዳ ኣስቆሮታዊ “እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም [ናይ ሓደ ዓመት ደሞዝ ኣቢሉ ዝኸውን] ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሀብ፧” ብምባል ነዚ ተግባራ ተቓወሞ። ካልኦት እውን ብተመሳሳሊ ኣዕዘምዘሙ።—ዮሃንስ 12:1-6፣ ማርቆስ 14:3-5
የሱስ ግን “ሕደግዋ: . . . ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም አለዉ: ጽቡቕ ክትገብሩሎም እንተ ደሌኹም ከኣ: ይከአለኩም እዩ” ኢሉ መለሰሎም። (ማርቆስ 14:6-9) መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንድኻታት ምሃብ ዝነኣድ ተግባር ጥራይ ዘይኰነስ: ካብ ሓጢኣት እውን ዘንጽህ እዩ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። የሱስ ግን ንኣምላኽ ዘሐጕሶ ልግሲ ንድኻታት ብምሃብ ጥራይ ከም ዘይድረት ንጹር ገበሮ።
እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብኸመይ ይልግሱ ምንባሮም ምስ እንምርምር: ሓልዮትና እነርእየሉ ጠቓሚ መገድታት ክንረክብ: በዚ ኸምዚ ድማ ብልግስናና ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ኢና። ካብ ኵሉ ሓለፍ ዝበለ ፍሉይ ዓይነት ልግሲ እውን ክንርኢ ኢና።
‘ምጽዋት ሃቡ’
የሱስ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንደቀ መዛሙርቱ “ምጽዋት” ወይ ረድኤት ክህቡ የተባብዖም ነበረ። (ሉቃስ 12:33) እንተዀነ ግን: የሱስ እቲ ረድኤት ንኣምላኽ ክብሪ ዝህብ ደኣምበር እቲ ለጋሲ ኽብሪ ዝረኽበሉ ንረኣዩለይ ዝግበር ከይከውን ኣጠንቂቑ ነይሩ። “ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ: ከምቲ እቶም ግቡዛት: ብሰብ ምእንቲ ኺንአዱ: ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ: ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ” በለ። (ማቴዎስ 6:1-4) ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ማዕዳ እዚ ይስዕቡ ብምንባሮም: ክረኣየሎም ኢሎም ኣይህቡን ወይ ክመጻደቑ ኣይፍትኑን እዮም ነይሮም: የግዳስ ነቶም ጽጉማት ብብሕቲ ብምሕጋዝ ወይ ገንዘብ ብምሃብ እዮም ዝረድእዎም ነይሮም።
ንኣብነት: ኣብ ሉቃስ 8:1-3 ማርያም መግደላዊት: ዮሃና: ሱሳና: ከምኡውን ካልኦት ኣንስቲ “ብገንዘበን” ንየሱስን ሃዋርያቱን የገልግላኦም ከም ዝነበራ ተመዝጊቡ ንረኽቦ ኢና። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ነዳያት እኳ እንተ ዘይነበሩ: ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኸተኵሩ ኢሎም ግን ኣታዊ ዝረኽቡሉ ዝነበሩ ዕዮ ሓዲጎም ነበሩ። (ማቴዎስ 4:18-22፣ ሉቃስ 5:27, 28) እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ዕዮ ንኽፍጽሙ ብምሕጋዘን ብተዘዋዋሪ ንኣምላኽ እየን ክብሪ ዝህባ ነይረን። ኣምላኽ ከኣ እቲ ልግሰን ኣብ ዝመጽእ ወለዶ ዅሉ ምእንቲ ኽንበብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምዝገብ ብምግባር ሞሳኡ ኣርኣየን።—ምሳሌ 19:17፣ እብራውያን 6:10
ዶርቃስ እውን “ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምጽውት” ሰበይቲ እያ ነይራ። ኣብታ ኣብ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ዮጴ ነተን ድኻታት መበለታት ክዳውንቲ ትሰፍየለን ነበረት። ነቲ ጨርቂውን ባዕላ ዓዲጋትለን እንተ ዀይና ወይ ብጕልበታ ጥራይ ሓጊዛ እንተ ዀይና ብንጹር እተገልጸ ነገር የለን። ዝዀነ ዀይኑ ግን እቲ ሰናይ ግብራ በተን ዝሓገዘተን ኣንስትን ብኣምላኽን ከም እትፍቶ ገበራ: ስለዚ ድማ ኣምላኽ ባረኻ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:36-41
ቅኑዕ ድራኸ ምህላው ኣገዳሲ እዩ
ነዘን ውልቀ-ሰባት እዚኣተን ንኽልግሳ ዝደረኸን እንታይ እዩ፧ ልመና ምስ ቀረበለን ብስምዒት ተደሪኸን ዝገበርኦ ጥራይ ኣይነበረን። መዓልታዊ ነቶም ዝደኸዩ: እተሸገሩ: ዝሓመሙ: ወይ ካልእ ጸገማት ዘለዎም ዝከኣለን ምግባር ቅኑዕ ኰይኑ ስለ እተሰምዐን እየን ከምኡ ገይረን። (ምሳሌ 3:27, 28፣ ያእቆብ 2:15, 16) ከምዚ ዓይነት ልግሲ ኸኣ እዩ ንኣምላኽ ዘሐጕሶ። ብቐዳምነት ካብቲ ንኣምላኽ ዘሎካ ዓሚቝ ፍቕሪ ከምኡውን ምሕረቱን ልግሱን ንኽትቀድሖ ኻብ ዘሎካ ባህጊ ተደሪኽካ እዩ ዝግበር።—ማቴዎስ 5:44, 45፣ ያእቆብ 1:17
ሃዋርያ ዮሃንስ “ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረአዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ: ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧” ኢሉ ኽሓትት ከሎ ነዚ እዩ ዘጕልሕ ነይሩ። (1 ዮሃንስ 3:17) መልሲ ናይዛ ሕቶ እዚኣ ዘማትእ ኣይኰነን። ሰባት ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ እዩ ለገስቲ ንክዀኑ ዝድርኾም። ኣምላኽ ነቶም ዝፈትዉዎን ብልግሲ ንዕኡ ዝመስልዎን ኣኽቢሩ እዩ ዝርእዮም: ዓስቦም ድማ ይህቦም። (ምሳሌ 22:9፣ 2 ቈረንቶስ 9:6-11) ኣብዚ ግዜና ኸምዚ ዝኣመሰለ ልግሲ ኣሎዶ፧ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘጋጠመ እስከ ንርአ።
ቤት ናይ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ክርስትያን ሓብቲ ጽገና የድልዮ ነበረ። እዛ ሰበይቲ በይና ትነብር ነበረት: ዝድግፋ ቤተሰብ ድማ ኣይነበራን። ንብዙሕ ዓመታት ቤታ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣገልጊሉ: ሰባት እናዓደመት ድማ ተብልዕን ተስትን ነበረት። (ግብሪ ሃዋርያት 16:14, 15, 40) ኣባላት እታ ጉባኤ ሽግራ ተገንዚቦም ክሕግዝዋ ወሰኑ። ገሊኣቶም ገንዘብ ከዋጽኡ ኸለዉ: ገሊኣቶም ድማ ብጕልበቶም ሓገዙ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ቀዳመ-ሰናብቲ: ንቤታ ሓድሽ ናሕሲ ገበሩሉ: ነቲ ሽቓቕ ኣሐደስዎ: ንቤታ ብስሚንቶ ለሲኖም ቦያ ለኸይዎ: ከምኡውን ኣብ ክሽነኣ ሓድሽ ከብሕታት ገበሩላ። እዚ ድማ ነታ ሓብቲ ጠቒምዋ ጥራይ ዘይኰነስ ነታ ጉባኤ እውን ኸም እትቀራረብ ገበራ: እቶም ጐረባብቲ ኸኣ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ልግሲ ኸመይ ምዃኑ ብምርኣዮም ተደነቑ።
ንኻልኦት ብብሕቲ ኽንሕግዘሉ እንኽእል ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ንኣብነት: ምስ ዘኽታማት ግዜ ኸነሕልፍ ንኽእልዶ፧ ብዕድመ ንዝደፍኣ መበለታት ኣስቤዛ ኽንዕድገለን ወይ ክዳን ክንሰፍየለን ንኽእልዶ፧ ንድኻታት መግቢ ኸነዳልወሎም ወይ ካልእ ዘድሊ ወጻኢ ኽንሽፍነሎም ንኽእልዶ፧ ሓገዝ ንኽንህብ ግድን ሃብታማት ክንከውን ኣየድልን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ፍቓድ ልቢ እንተ አልዩስ: በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር: ብዜብሉ ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 8:12) እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ነዚ ብብሕትን ብቐጥታን ዝግብር ልግሲ ጥራይ ድዩ ዝባርኾ፧ ኣይፋልን።
ንእተወደበ ረድኤት ብዝምልከትከ፧
ሓድሓደ ግዜ ብብሕቲ እንገብሮ ጻዕርታት እኹል ኣይኰነን። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን እኳ ንድኻታት ዘዋህልልዎ ገንዘብ ነበሮም: ካብቶም ኣብ ኣገልግሎቶም ዝረኽብዎም ሓለይቲ ሰባት እውን ወፈያታት ይቕበሉ ነበሩ። (ዮሃንስ 12:6፣ 13:29) ብተመሳሳሊውን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ሰፊሕ ናይ ረድኤት ንጥፈታት ብምውዳብ የዋጽኡ ነበሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:44, 45፣ 6:1-3፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:9, 10
ንኣብነት: ብ55 ከ.ኣ.ዘ. ረድኤት ምውዳብ ኣድልዩ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ጉባኤታት ደኽየን ነበራ: እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዘጋጠመ ብርቱዕ ጥሜት እዩ ዝኸውን። (ግብሪ ሃዋርያት 11:27, 30) ሃዋርያ ጳውሎስ ወትሩ ንድኻታት ይሓልየሎም ብምንባሩ: ክሳዕ እተን ኣብ መቄዶንያ ዝርከባ ጉባኤታት ንኽሕግዛ ኣጋጣሚ ሃበን። ንሱ ባዕሉ ነቲ ዝእከብ ውጽኢት ኣመሓደሮ: እተመርጹ ሰባት ገይሩ ኸኣ ናብ የሩሳሌም ኣብጽሖ። (1 ቈረንቶስ 16:1-4፣ ገላትያ 2:10) እንተዀነ ግን: ንሱ ዀነ እቶም ኣብዚ ንጥፈት እተሳተፉ ሰባት ንኣገልግሎቶም ደሞዝ ኣይተኸፍሎምን።—2 ቈረንቶስ 8:20, 21
ኣብዚ ግዜናውን ባህርያዊ ሓደጋታት ከጋጥም ከሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቕልጡፍ ረድኤቶም ይህቡ እዮም። ንኣብነት: ኣብ ክረምቲ 2001 ህቦብላ እተሓወሶ ዝናም ኣብ ህዩስተን: ቴክሳስ: ሕ.መ.ኣ.: ብምዝናሙ ምጥልቕላቕ ማይ ኣስዓበ። ኵሉዅሉ 723 ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጐድአ: ዝበዝሕ ካብዚ ድማ ብርቱዕ ጕድኣት ዝወረዶ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ዘጋጠሞ ጕድኣት ንምትማን ከምኡውን ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣባይቶም ንምጽጋን ዘድልዮም ረድኤት ንምሃብ: ብቕዓት ዘለዎም ክርስትያን ሽማግለታት ዝሓዘት ሓንቲ ኮሚተ ብኡንብኡ ቘመት። ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከባ ጉባኤታት ዘለዉ ወለንተኛታት ድማ ንዅሉ እቲ ዕዮ ተተሓሓዝዎ። ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ነቲ እተገብረላ ሓገዝ ኣዝያ ስለ ዘማሰወትሉ: ንቤታ ንምጽጋን ካብ ትካል መድሕን ገንዘብ ምስ ተኸፍላ: እቲ ገንዘብ ንኻልኦት እውን ምእንቲ ኽጠቅም ኢላ ብኡብኡ ረድኤት ክኸውን ወፈየቶ።
ብእተወደበ መገዲ ረድኤት ብምሃብ ዝመጸ ግን ንዅሉ እቲ ዝቐርበልና ልመና ኽንጥንቀቐሉ ኣሎና። ገሊአን ትካላት ግብረ-ሰናይ ካብ መጠን ንላዕሊ ሰራሕተኛታት ስለ ዝሕዛ ወይ ገንዘብ ንምእካብ ሰፊሕ ንጥፈታት ስለ ዘካይዳ: ካብቲ ዝልገስ ገንዘብ ነቲ እተደልየ ዕላማ ዝበጽሕ ኣዝዩ ሒደት ክፋሉ እዩ። ምሳሌ 14:15 “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን: ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” ትብል። ስለዚ: ነቲ ጕዳይ ተጠንቂቕካ ምምርማሩ ጥበባዊ እዩ።
ካብ ኵሉ ንላዕሊ ጠቓሚ ዝዀነ ልግሲ
ካብ ረድኤት ንላዕሊ ኣገዳስነት ዘለዎ ልግሲ ኣሎ። የሱስ ንሓደ ሃብታም መራሒ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽረክብ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ኽምልሰሉ ኸሎ “ኪድ: ዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ: ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ: ንዓ ስዐበኒ” ብምባል ነዚ ነገር እዚ ኣሚቱሉ ነይሩ። (ማቴዎስ 19:16-22) ኣብዚ የሱስ ‘ንድኻታት ሃብ እሞ ህይወት ክትረክብ ኢኻ’ ጥራይ ከም ዘይበሎ ኣስተብህል። የግዳስ “ንዓ ስዐበኒ” በሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ረድኤት ምሃብ ዝነኣድን ጠቓምን እኳ እንተዀነ: ክርስትያን ወደ መዝሙር ንምዃን ግን ካብዚ ንላዕሊ እዩ ዘጠቓልል።
የሱስ ብቐዳምነት ንሰባት ብመንፈሳዊ ኽሕግዞም እዩ ዝደሊ ነይሩ። ቀቅድሚ ሙማቱ ንጲላጦስ “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” በሎ። (ዮሃንስ 18:37) ንድኻታት ኣብ ምሕጋዝ: ንሕሙማት ኣብ ምሕዋይ: ከምኡውን ንዝጠመዩ ኣብ ምምጋብ መሪሕነት ዝወስድ እኳ እንተ ነበረ: ንደቀ መዛሙርቱ ግን ብቐዳምነት ንኽሰብኩ እዩ ኣሰልጢንዎም። (ማቴዎስ 10:7, 8) አረ ሓንቲ ኻብተን ኣብ መወዳእታ ዝሃበን ትእዛዛት እኳ “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” እያ እትብል።—ማቴዎስ 28:19, 20
ልክዕ እዩ: ስብከት ንዅሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጸገማት ኣይፈትሖን እዩ። እንተዀነ ግን: ዕዮ ስብከት ፍቓድ ኣምላኽ ዝፍጽም ብምዃኑን ነቶም ነቲ መልእኽቲ እተቐበልዎ ዘለኣለማዊ ጥቕሚ ንኽረኽቡ መገዲ ስለ ዝኸፍተሎምን: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት ምንጋር ንኣምላኽ ክብሪ የምጽኣሉ እዩ። (ዮሃንስ 17:3፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) እምበኣር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክመጹኻ ኸለዉ: ነቲ ዝብልዎ ንምንታይ ዘይትሰምዖም፧ መንፈሳዊ ውህበት ሒዞም እዮም ክመጹኻ። እዚ ኻብቲ ኽህቡኻ ዝኽእሉ ነገራት እቲ ዘበለጸ ምዃኑ እውን ይፈልጡ እዮም።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]
ሓልዮትና ኸነርእየሉ እንኽእል ብዙሕ መገድታት ኣሎ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ብስራት ምስባኽና ንኣምላኽ የሐጕሶ: ንዘለኣለማዊ ጥቕሚ ድማ መገዲ ይኸፍት