ቃል ኣምላኽ ብምፍቃር ዝርከብ ረብሓታት
“ [ንጥበብ ] ኣፍቅራ: ንሳውን ከተዕቍበካ እያ። . . . እንተ ሐቘፍካያ: ከተኽብረካ እያ። ” —ምሳሌ 4:6, 8
1. ንቓል ኣምላኽ ብሓቂ ምፍቃር እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ንሓደ ክርስትያን ኣድላዪ ነገር ኢዩ። እንተዀነ ግን: ምንባብ ጥራይ ንቓል ኣምላኽ ፍቕሪ ከም ዘሎካ ኣይገልጽን ኢዩ። ሓደ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቡ ነቲ ንሱ ዝዅንኖ ነገራት ዝገብር እንተዀነኸ፧ ከምቲ ንመዝሙር መበል 119 ዝጸሓፈ ሰብ ገይሩ ንቓል ኣምላኽ ከም ዘየፍቅሮ እተረጋገጸ ኢዩ። እቲ ጸሓፊ: ቃል ኣምላኽ ብምፍቃሩ ምስ ብቕዓታቱ ተሰማሚዑ ከም ዝነብር ገበሮ።—መዝሙር 119:97, 101, 105
2. ካብታ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተት ጥበብ እንታይ ረብሓታት ኢዩ ዝርከብ፧
2 ምስ ቃል ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ምንባር: ንኣተሓሳስባኻን ኣነባብራኻን ብቐጻሊ ምትዕርራይ ይሓትት። ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ምውሳድ ኣምላኻዊ ጥበብ የንጸባርቕ። ኣምላኻዊ ጥበብ ማለት ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ንዝረኸብካዮ ፍልጠትን ምርዳእን ኣብ ግብሪ ምውዓል ማለት ኢዩ። “[ንጥበብ] ኣፍቅራ: ንሳውን ከተዕቍበካ እያ። ልዕል ኣብላ: ንሳውን ክብ ከተብለካ እያ። እንተ ሐቘፍካያ: ከተኽብረካ እያ። ኣብ ርእስኻ ዘውዲ ጸጋ ኽትደፍኣልካ: ዝጸበቐ ኣኽሊል ከኣ ክትህበካ እያ።” (ምሳሌ 4:6, 8, 9) ኣየ እዝስ ንቓል ኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ንኸተዕብን ብእኡ ድማ ንኽትምራሕን ከመይ ዝበለ ጽቡቕ መተባብዒ ኰን ኢዩ ዝኸውን! ክዕቈብ: ክብ ክብል: ከምኡውን ክኸብር ዘይደሊ መን ኣሎ፧
ካብ ነባሪ ጕድኣት ዕቝባ ምርካብ
3. ክርስትያናት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ዕቝባ ዘድልዮም ስለምንታይ ኢዩ: ካብ መንከ ኢዮም ዝዕቈቡ፧
3 ሓደ ሰብ ቃል ኣምላኽ ካብ ምጽናዕን ኣብ ግብሪ ካብ ምውዓልን ብዝርከብ ጥበብ ብኸመይ ክዕቈብ ይኽእል፧ ብቐዳምነት ሰይጣን ድያብሎስ ንኸየጥቅዖ ዕቝባ ይረክብ። የሱስ ንሰዓብቱ ካብቲ ክፉእ ማለት ሰይጣን ምእንቲ ክድሕኑ ክጽልዩ ማሃሮም። (ማቴዎስ 6:13) ሎሚ: ነዚ ልመና እዚ ኣብ ጸሎትና ምእታው ዘየላቡ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ደድሕሪ 1914 ካብ ሰማይ ተደርብዮም ኢዮም: ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ሰይጣን “ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ” ወሪዱ ኣሎ። (ራእይ 12:9, 10, 12) ኣብዚ እዋን እዚ ቝጥዓኡ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጅኡ በጺሑ ክኸውን ኣለዎ: ከመይሲ ኣንጻር እቶም “ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን” ዝገብሮ ዘሎ ውግእ ኣይዕወትን ኢዩ ዘሎ።—ራእይ 12:17
4. ክርስትያናት ካብቲ ሰይጣን ዘምጽኦ ጸቕጥታትን መፈንጠራታትን ብኸመይ ኢዮም ዝዕቈቡ፧
4 ሰይጣን ስለ እተቘጥዐ ነዞም ክርስትያን ኣገልገልቲ ጸገም ካብ ምፍጣር ከምኡውን ንንጥፈታቶም ንምትዕንቓፍ ሓያል ስደት ወይ ካልእ ዕንቅፋታት ካብ ምምጻእ ዓዲ ኣይወዓለን። ብተወሳኺውን ነቶም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ዘተኵሩ: ኣብ ከም ዓለማዊ ተፈላጥነት: ምዝንጋዕ: ጥሪት: ከምኡውን ደድሕሪ ተድላ ኣብ ምስዓብ ንኸተኵሩ ከስድዖም ይደሊ ኢዩ። እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ በቲ ሰይጣን ዘገብሮ ጸቕጢ ከይሰዓሩ ወይ ኣብ መፈንጠራታቱ ከይወድቁ ዘዕቍቦም እንታይ ኢዩ፧ ጸሎት: ምስ የሆዋ ጥብቂ ብሕታዊ ርክብ ምግባር: ከምኡውን መብጽዓታቱ ርግጽ ምዃኑ እምነት ምሕዳር ኣድላዪ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ዅሉ ምስ ፍልጠት ቃል ኣምላኽን ነቲ መዘኻኸሪታቱ ንምስዓብ ዘሎካ ውሳነን እተተሓሓዘ ኢዩ። እዚ መዘኻኸሪታት እዚ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዙ ጽሑፋትን ብምንባብ: ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምክፋል: ኣማኒ ብጻይካ ዝህበካ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ብምስዓብ: ወይ በቲ መንፈስ ኣምላኽ ንኽትዝክሮ ዝሓገዘካ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብጸሎት ብምስትንታን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።—ኢሳይያስ 30:21፣ ዮሃንስ 14:26፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17
5. ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተት ጥበብ ከተዕቍበና እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧
5 እቶም ንቓል ኣምላኽ ዘፍቅሩ ሰባት ብኻልእ መገድታት እውን ዕቝባ ይረኽቡ ኢዮም። ንኣብነት: ካብቲ ሓሽሽን ትምባኾን ምጥቃም ከምኡውን ጾታዊ ዘይስነ-ምግባራውነት ምፍጻም ዘስዕቦ ስምዒታዊ ጭንቀትን ኣካላዊ ሕማምን ናጻ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 5:11፣ 2 ቈረንቶስ 7:1) ብሕሜት ወይ ዝሃሲ ዘረባ ገይሮም ምስ ሰባት ዘለዎም ርክብ ከም ዝሕርፍፍ ኣይገብሩን ኢዮም። (ኤፌሶን 4:31) ነዚ ናይዛ ዓለም ጥበብ ዝዀነ መታለሊ ፍልስፍናታት ብምምርማር ኣብ ጥርጣረ እውን ኣይወድቁን ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 3:19) ንቓል ኣምላኽ ብምፍቃሮም ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወትን ከበላሽወሎም ካብ ዝኽእል ነገራት ዕቝባ ረኺቦም ኢዮም። ‘ንርእሶምን ነቶም ዝሰምዕዎምን ከም ዘድሕኑ’ ስለ ዝፈልጡ: ንጐረባብቶም ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ዘደንቕ መብጽዓታት እምነት ንኸሕድሩ ኣብ ምሕጋዝ ትሑዛት ኢዮም ዘለዉ።—1 ጢሞቴዎስ 4:16
6. ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተት ጥበብ ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ኵነታት እውን ከይተረፈ ብኸመይ ከተዕቍበና ትኽእል፧
6 ርግጽ ኢዩ: ኵሎም ሰባት—እቶም ንቓል ኣምላኽ ዘፍቅሩ እውን ከይተረፉ—“ጊዜን ኣጋጣምን” ንዘምጽኦ ነገራት እተቓልዑ ኢዮም። (መክብብ 9:11) ንገለ ካባታትና ባህርያዊ ዕንወት: ከቢድ ሕማም: ሓደጋ: ወይ ሃንደበታዊ ሞት ከጓንፍ ይኽእል ኢዩ። ገና ግን ኣብ ትሕቲ ዕቝባ ኢና ዘሎና። ቃል ኣምላኽ ብሓቂ ንዘፍቅር ሰብ ዝዀነ ይኹን ሕማቕ ነገር ነባሪ ጕድኣት ከምጽኣሉ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ: ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ከጋጥም ዝኽእል ነገር ካብ መጠን ንላዕሊ ክንጭነቕ የብልናን። ኵሉ እቲ ዘድሊ ጥንቃቐ ኣቐዲምና እንተድኣ ገይርና: ካልእ ኣብ ኢድ የሆዋ ክንገድፎ ከምኡውን ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ቅሳነት ዘይብሉ ናብራ ንሰላምና ክዘርገልና እንተ ዘይፈቐድና ዝሓሸ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:33, 34፣ ፊልጲ 4:6, 7) ተስፋ ትንሳኤ ከም ዘሎ ከምኡውን ኣምላኽ ‘ንዅሉ ምስ ኣሐደሶ’ ዝሓሸ ህይወት ከም ዝህሉ ርግጸኛ ኹን።—ራእይ 21:5፣ ዮሃንስ 11:25
“ጽቡቕ ምድሪ” ምዃንካ ኣርኢ
7. የሱስ ነቶም ክሰምዕዎ ዝመጹ ብዙሓት ሰባት እንታይ ምሳሌ ኢዩ ዝነገሮም፧
7 ንቓል ኣምላኽ ቅኑዕ ኣረኣእያ ምህላው ኣድላዪ ምዃኑ ኣብ ሓደ ካብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታታት ጐሊሑ ኣሎ። የሱስ ኣብ ብምሉኡ ምድሪ ጳለስጢና ክሰብኽ ከሎ ብዙሓት ሰባት ክሰምዕዎ ተኣከቡ። (ሉቃስ 8:1, 4) ይኹን እምበር: ኵሎም ኣይኰኑን ንቓል ኣምላኽ ዘፍቅሩ ዝነበሩ። ብዙሓት ካብኣቶም ክሰምዕዎ ዝመጹ ዝነበሩ ተኣምራት ክርእዩ ስለ ዝደለዩ ወይ እቲ ዘደንቕ ኣማሃህርኡ ባህ ስለ ዝብሎም ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ስለዚ: የሱስ ነቶም ሰባት ከምዚ ብምባል ሓደ ምሳሌ ነገሮም:- “ዘራኢ ዘርኡ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ ድማ: ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ: ተረግጸ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዓኦ። ገሊኡ ኸኣ ኣብ ከውሒ ወደቐ: ምስ በቘለ ድማ: ጠሊ ስለ ዘይነበሮ ነቐጸ። ገሊኡውን ኣብ ማእከል እሾዅ ወደቐ: እቲ እሾዅ ምስኡ ዐብዩ ሐነቖ። ካልእ ከኣ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ: በቘለ ሚእቲ ኻዕበት ድማ ፈረየ።”—ሉቃስ 8:5-8
8. ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ዘሎ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧
8 እዚ የሱስ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ሰባት ብመሰረት ኵነታት ልቦም ነቲ ብስራት እተፈላለየ ምላሽ ከም ዝህብሉ ኢዩ ዝገልጽ። እቲ እተዘርአ ዘርኢ “ቓል ኣምላኽ” ኢዩ። (ሉቃስ 8:11) ወይ ድማ ከምቲ ኣብ ካልእ ጸብጻብ ዘሎ እቲ ዘርኢ “ቃል መንግስቲ” ኢዩ። (ማቴዎስ 13:19) ቀንዲ ኣርእስቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እታ የሱስ ክርስቶስ ንጉስ ኰይኑ ዝገዝኣላ: የሆዋ ድማ ብእኣ ገይሩ ሉዓላውነቱ ዘረጋግጸላን ስሙ ዝቕድሰላን ሰማያዊት መንግስቲ ስለ ዝዀነ የሱስ ካብ ክልቲኡ መግለጺ ሓዲኡ ክጥቀም ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) ብሓቂ እምበኣር እቲ ዘርኢ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዝርከብ መልእኽቲ ናይቲ ብስራት ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ናይ መጀመርታ ዘራኢ: የሱስ ክርስቶስ: ብምቕዳሕ ዘርኢ ክዘርኡ ኸለዉ ነዚ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ኢዮም ዘጕልሑ። እዚ ክገብሩ ኸለዉ እንታይ ምላሽ ኢዮም ዝረኽቡ፧
9. እቲ (ሀ) ኣብ ጥቓ መገዲ (ለ) ኣብ ከውሒ (ሐ) ኣብ ማእከል እሾዅ: ዝወድቕ ዘርኢ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
9 የሱስ ገለ ዘርኢ ኣብ ጥቓ መገዲ ከም ዝወደቐ እሞ ከም እተረጋገጸ ገለጸ። እዚ ነቶም ብኻልእ ነገራት ትሑዛት ብምዃኖም ዘርኢ ናይታ መንግስቲ ኣብ ልቦም ሱር ንኽሰድድ ዘየፍቅዱ ሰባት የመልክት። ንቓል ኣምላኽ ፍቕሪ ቅድሚ ምሕዳሮም “ምእንቲ ኸይአምኑን ከይድሕኑን ኢሉ: ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ።” (ሉቃስ 8:12) ገለ ዘርኢ ኣብ ከውሒ ወደቐ። እዚ ነቶም ብመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰሓቡ ግን ከኣ ንልቦም ክጸልዎ ዘየፍቀድሉ ሰባት የመልክት። ምጽራር ምስ ዝመጽእ ወይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል ምስ ዝኸብዶም ሱር ስለ ዘይብሎም “ይጠልሙ።” (ሉቃስ 8:13) ነቲ ቓል ዝሰምዑ ግን “ብሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን” ዝዋሓጡ እውን ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ: ልክዕ ከምቲ ተኽሊ ብእሾዅ ዝሕነቕ: “ይሕነቑ።”—ሉቃስ 8:14
10, 11. (ሀ) እቶም በቲ ጽቡቕ ምድሪ ተመሲሎም ዘለዉ መን ኢዮም፧ (ለ) ንቓል ኣምላኽ ኣብ ልብና ምእንቲ ‘ክንዓቝሮ’ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
10 ኣብ መወዳእታ: ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ዝወደቐ ዘርኢ ኣሎ። እዚ ነቶም ነቲ መልእኽቲ ኣብ “ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ” ዝዓቝርዎ ሰባት የመልክት። ኵላትና ምስ እዚኦም ክንምደብ ንደሊ ምዃንና እተረጋገጸ ኢዩ። እቲ ኣብ መወዳእታ ዘሎ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ኣምላኽ ኣባና ዘለዎ ኣረኣእያ ኢዩ። (ምሳሌ 17:3፣ 1 ቈረንቶስ 4:4, 5) “ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ” ከም ዘሎና ብግብሪ እነረጋግጽ ካብ ሕጂ ጀሚርና ክሳዕ እንመውት ወይ ኣምላኽ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ክሳዕ ዘጥፍኦ ምዃኑ ቃል ኣምላኽ ይነግረና ኢዩ። ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ኣብ መጀመርታ ኣወንታዊ ምላሽ እንተድኣ ሂብናሉ ሰናይ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቶም ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዘለዎም ሰባት ንቓል ኣምላኽ ይቕበልዎ: ከምኡውን ‘ይዓቝርዎን ብትዕግስቲ ፍረ የፍርዩን’ ኢዮም።—ሉቃስ 8:15
11 ንቓል ኣምላኽ ኣብ ልብና ክንዓቝሮ እንኽእለሉ እንኮ መገዲ ብብሕትና ከምኡውን ምስ ኣመንቲ ብጾትና ሓቢርና ብምንባብን ብምጽናዕን ኢዩ። እዚ ኸኣ በቲ ንመንፈሳዊ ድሌት ናይ ሓቀኛታት ሰዓብቲ የሱስ ክሓሊ እተሾመ ኣቢሉ ዝመጽእ መንፈሳዊ መግቢ ምሉእ ብምሉእ ምጥቃም የጠቓልል። (ማቴዎስ 24:45-47) እቶም በዚ ኸምዚ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ልቦም ዝዓቝርዎ ሰባት ‘ብትዕግስቲ ፍረ ንኽፈርዩ’ ብፍቕሪ ይድረኹ ኢዮም።
12. ብትዕግስቲ እንታይ ፍረ ኢና ከነፍሪ ዘሎና፧
12 እቲ ጽቡቕ ምድሪ እንታይ ፍረ የፍሪ፧ ብባህርያዊ መገዲ: ዘርኢ ምስ ዓበየ ፍረ ዘለዎ ተኽሊ ይኸውን: እቲ ፍረ ድማ ሓደ ዓይነት ዘርኢ ዝሓዘ ኢዩ። እዚ ምስ ዝዝራእ ኸኣ ካልእ ፍረ የፍሪ። ብተመሳሳሊ: እቶም ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዘለዎም ሰባት: ብመንፈስ ዓብዮም ንሳቶም እውን ብግዲኦም ኣብ ልቢ ካልኦት ምዝራእ ክሳዕ ዝኽእሉ እቲ ዘርኢ ናይቲ ቓል ኣብ ውሽጦም ይዓቢ። (ማቴዎስ 28:19, 20) እቲ ናይ ምዝራእ ዕዮኦም ከኣ በቲ ዘርእይዎ ትዕግስቲ ጕሉሕ ይኸውን። የሱስ ኣብ ግዜ ዘራእቲ ትዕግስቲ ኣድላዪ ምዃኑ ንምግላጽ ከምዚ በለ:- “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።”—ማቴዎስ 24:13, 14
‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍረ ምፍራይ’
13. ጳውሎስ ንፍረ ምፍራይ ምስ ቃል ኣምላኽ ዘተሓሓዘ እንታይ ጸሎት ኢዩ ዝጸለየ፧
13 ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ፍረ ምፍራይ ኣድላዪ ምዃኑ ተዛሪቡ ኢዩ: ነቲ ፍረ ምፍራይ ድማ ምስ ቃል ኣምላኽ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። ኣመንቲ ብጾቱ ‘በቲ [ናይ ኣምላኽ] ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ክመልኦም: ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ: ፍረ እናፈረዩን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበዩን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴይኖም ክመላለሱ’ ጸለየሎም።—ቈሎሴ 1:9, 10፣ ፊልጲ 1:9-11
14-16. ምስ ናይ ጳውሎስ ጸሎት ብምስምማዕ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዘፍቅሩ እንታይ ፍረ ኢዮም ዘፍረዩ፧
14 ስለዚ ጳውሎስ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ምጥራይ ናይ መወዳእታ ሸቶ ከም ዘይኰነ ሓበረ። ኣብ ክንድኡስ: ንቓል ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍረ እናፈረና ንእግዚኣብሄር ባህ እነብል’ ክንከውን ይድርኸና ኢዩ። እቲ ሰናይ ግብሪ እንታይ ኢዩ፧ ነዞም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዝርከቡ ክርስትያናት ብስራት ናይታ መንግስቲ ምስባኽ እቲ ዝበለጸ መዝነቶም ኢዩ። (ማርቆስ 13:10) ኣብ ርእሲ እዚ: እቶም ንቓል ኣምላኽ ዘፍቅሩ ነዚ ዕዮ እዚ ንምድጋፍ ብቐጻሊ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብምውፋይ ዝከኣሎም ይገብሩ ኢዮም። ‘ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ ከም ዝፈቱ’ ስለ ዝፈልጡ በዚ መሰል እዚ ይሕጐሱ ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 9:7) ወፈያኦም ንወጻኢታት ናይቲ ልዕሊ ሚእቲ ዝኸውን ናይ ቤትኤል መሳለጥያታት ይሽፍን ኢዩ። እዚ ናይ ቤትኤል መሳለጥያታት እዚ ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ናይታ መንግስቲ ስብከት የመሓድር: ኣብ ገሊኡ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን ይሕተም። ብተወሳኺ: እቲ ዝግበር ወፈያ ዓበይቲ ኣኼባታት ንምግባር ከምኡውን ገየሽቲ ተዓዘብትን ሚስዮናውያንን ካልኦት ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያንን ንምልኣኽ ዘድሊ ወጻኢታት ይሽፍን።
15 ካልእ ሰናይ ግብሪ ኸኣ ሓቀኛ ኣምልኾ ዝግበረሉ ኣደራሻት ምህናጽን ምክንኻንን ዘጠቓልል ኢዩ። እቶም ኣምለኽቲ: ንቓል ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ንናይ ኣሰምብሊ ኣደራሻትን ንኣደራሻት መንግስትን ሸለል ንኸይብልዎ ይድርኾም ኢዩ። (ምስ ነህምያ 10:39 ኣረኣእዮ።) ብወገን ቅድሚት ናይዚ ህንጻታት እዚ ስም ኣምላኽ ስለ ዝጸሓፍ: ብውሽጥን ብግዳምን ጽሩይን ዝስሕብን ክኸውን ኣለዎ: ባህርይ ናይቶም ኣብዚ ኣደራሻት ዝእከቡ ሰባት ከኣ ካብ ወቐሳ ናጻ ክኸውን ይግባእ። (2 ቈረንቶስ 6:3) ገለ ክርስትያናት ካብዚ ንላዕሊ ክገብሩ ክኢሎም ኢዮም። ንቓል ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ሓድሽ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ንምህናጽ ነዊሕ ርሕቀት ብምጕዓዝ ናብቲ ብሰንኪ ድኽነት ወይ ሕጽረት ክኢላታት ዓየይቲ ዝድለይሉ ካልእ ክፍሊ ዓለም ንኽኸዱ ደሪኽዎም ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 8:14
16 ‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍረ ምፍራይ’ ንናይ ስድራቤት ሓላፍነት ምስካምን ንክርስትያናት ብጾት ሓልዮት ምርኣይን እውን የጠቓልል ኢዩ። ንቓል ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ነቶም “ኣመንቲ ስድራ ቤት” ዘድልዮም ክንሓልየሎም ከምኡውን ‘ኣብ ስድራቤትና ፍርሃት እግዚኣብሄር ከነርኢ’ ይድርኸና። (ገላትያ 6:10፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:4, 8) ኣብዚ መዳይ እዚ: ንሕሙማት ምብጻሕን ንዝሓዘኑ ምጽንናዕን ሰናይ ተግባር ኢዩ። ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ከምኡውን ኣባላት ናይቲ ምስ ሆስፒታል ዘረዳድእ ኮሚተ ነቶም ኣብ ሕክምናዊ መዳያት ብድሆ ዘጋጠሞም ኣብ ምሕጋዝ ኣየ ከመይ ዝበለ ሰናይ ዕዮ ኢዮም ዝዓዩ ዘለዉ! (ግብሪ ሃዋርያት 15:29) ኣብ ርእሲ እዚ: ባህርያዊ ይኹን ሰብ ዘምጽኦ ብዙሕ ዕንወት የጋጥም ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ነቶም ግዳያት ናይ ዕንወትን ሓደጋን ዝዀኑ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ብጾቶምን ካልኦትን ቅልጡፍ ረድኤት ብምቕራብ ጽቡቕ ስም ኣጥርዮም ኢዮም። እዚ ዅሉ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዘፍቅሩ ዘንጸባርቕዎ ጽቡቕ ፍረ ኢዩ።
ኣብ መጻኢ ዝህሉ ዘደንቕ ረብሓታት
17, 18. (ሀ) ዘርኢ ናይታ መንግስቲ ብምዝራእ እንታይ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፧ (ለ) እቶም ኣፍቀርቲ ቃል ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን እንታይ ኣገዳሲ ፍጻመታት ኢዮም ክርእዩ፧
17 ዘርኢ ናይታ መንግስቲ ምዝራእ ንደቅሰብ ብዙሕ ረብሓታት የምጽኣሎም ኣሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት: ኣብ ዓመት ልዕሊ 300,000 ሰባት ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣልባቦም ሱር ክሰድድ ፈቒዶምሉ ኢዮም። እዚ ኸኣ ህይወቶም ንየሆዋ ንኽውፍዩን ብማይ ጥምቀት ንኸርእዩን ኣኽኢልዎም ኢዩ። ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ መጻኢ ኢዩ ተነቢርሎም ዘሎ!
18 እቶም ኣፍቀርቲ ቃል ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን የሆዋ ኣምላኽ ስሙ ከኽብሮ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። እታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” ክትጠፍእ ኢያ። (ራእይ 18:2, 8) ድሕርዚ እቶም ምስ ቃል ኣምላኽ ተሰማሚዖም ምንባር ዝኣበዩ ሰባት በቲ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ክጠፍኡ ኢዮም። (መዝሙር 2:9-11፣ ዳንኤል 2:44) መንግስቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ካብ ኵሉ ዓመጽ: ውግእ: ከምኡውን ካልእ ዕንወታት ነባሪ ዕረፍቲ ከተምጽኣሎም ኢያ። ድሕሪ ደጊም ሰባት ብሰንኪ ስቓይን ሕማምን ሞትን ምጽንናዕ ኣይከድልዮምን ኢዩ።—ራእይ 21:3, 4
19, 20. ነቶም ንቓል ኣምላኽ ብሓቂ ዘፍቅሩ ሰባት እንታይ ዘደንቕ መጻኢ ኢዩ ተነቢርሎም ዘሎ፧
19 ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዘፍቅሩ ሰባት ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ሰናይ ዕዮታት ኰን ኢዮም ክዓዩ! እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓኑ ሰባት ነቲ ንምድሪ ናብ ገነት ናይ ምቕያር ዘሐጕስ ዕዮ ክጅምርዎ ኢዮም። ነቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ተስፋ ትንሳኤ ዘለዎም ኣብ መቓብር ዘለዉ ምዉታት ዘድልዮም ነገራት ናይ ምድላው ዘሐጕስ መሰል ክህልዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ኣብቲ ግዜ እቲ: ፍጹም ዝዀነ መምርሒታት ካብቲ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ: በቲ ክብ ዝበለ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ናብ ተቐማጦ ምድሪ ክውሕዝ ኢዩ። ኣብ ሓዳስ ዓለም ንዝህሉ ናብራ ዝኸውን ናይ የሆዋ መምርሒታት ዝገልጽ ‘መጽሓፍ ክግንጸል ኢዩ።’—ራእይ 20:12
20 ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ: ምሉእ ኣካል ናይ እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት ከም ‘መዋርስቲ ክርስቶስ’ ኰይኖም ናብ ሰማያዊ ሽልማቶም ልዕል ክብሉ ኢዮም። (ሮሜ 8:17) ኣብ ግዜ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ: ንቓል ኣምላኽ ዘፍቅሩ ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ኵሎም ደቅሰብ ናብ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ፍጽምና ክበጽሑ ኢዮም። ካብቲ ናይ መወዳእታ ፈተና እሙናት ኰይኖም ድሕሪ ምሕላፎም ሽልማት ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ኢዮም: ነቲ “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ከኣ ከስተማቕርዎ ኢዮም። (ሮሜ 8:21፣ ራእይ 20:1-3, 7-10) ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ግዜ ኰን ኢዩ ክኸውን! የሆዋ ሰማያዊ ይኹን ምድራዊ ተስፋ ይሃበና ብዘየገድስ: ንቓል ኣምላኽ ቀጻሊ ፍቕሪ ምስ ዝህልወና ከምኡውን ብኣምላኻዊ ጥበብ ክንመላለስ ምስ እንውስን ዕቝባ ንረክብ። ኣብ መጻኢ ኸኣ ‘ስለ ዝሓቘፍናያ ከተኽብረና ኢያ።’—ምሳሌ 4:6, 8
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ ንቓል ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ኢዩ ዘዕቍበና፧
◻ ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ዘርኢ እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ኢዩ ዝዝራእ፧
◻ “ጽቡቕ ምድሪ” ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
◻ ኣፍቀርቲ ቃል ኣምላኽ እንታይ ረብሓታት ኢዮም ብሃንቀውታ ክጽበዩ ዝኽእሉ፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ዘርኢ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ መልእኽቲ ናይቲ ብስራት የመልክት
[ምንጪ ስእሊ]
Garo Nalbandian
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዓቢ ዘራኢ ይቐድሕዎ ኢዮም
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓኑ ሰባት ንፍረ ምድሪ ከስተማቕርዎ ኢዮም