ትፈልጥዶ፧
እቲ ሊቀ ኻህናት እስራኤል ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቡ ዚገብሮ ዝነበረ ኽቡር ኣእማን ካበይ እዩ መጺኡ፧
▪ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ወጺኦም ናብ በረኻ ምስ ኣተዉ፡ ኣምላኽ ነዚ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኺገብሩ መምርሒ ሃቦም። (ዘጸኣት 28:15-21) እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፡ ሳርድዮን፡ ቶጳዝዮን፡ ስመራግዶስ፡ ሰመንጉኒ፡ ሰፊሮስ፡ ኣልማዝ፡ ህያክንቶስ፡ ኣካት፡ ኣሜቲስጦስ፡ ክሪሶሊት፡ ኦኒክስ፡ ከምኡውን ያስጲስን ዝኣመሰለ ኣእማን ነበሮ።a እስራኤላውያን ነዚ ኽቡር ኣእማን እዚ ብሓቂዶ ኺረኽብዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም፧
ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት፡ ንኽቡር ኣእማን ልዑል ግምት እዩ ነይርዎም፡ ይነግዱሉ ድማ ነበሩ። ንኣብነት፡ ጥንታውያን ግብጻውያን፡ ካብቲ ሎሚ ኢራን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ምናልባት እውን ህንዲ ዚርከባሉ ሃገራት ክቡር ኣእማን ይረኽቡ ነበሩ። እቲ ኣብ ግብጺ ዝነበረ መዐደኒታት እተፈላለየ ኽቡር ኣእማን ይርከቦ ነበረ። ነገስታት ግብጺ ኣብቲ እተቘጻጸርዎ ዞባታት ንዝነበረ ማዕድን ዚፋሓረሉ ቦታታት ንብሕቶም ጥራይ ይጥቀሙሉ ነበሩ። እቲ ኣበው ዝነበረ እዮብ፡ ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት፡ ክቡር ነገራት ንኺረኽቡ ኢሎም ኣዕሚቖም ይዅዕቱን ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ከኣ ነዃላት ይነድሉን ከም ዝነበሩ ገሊጹ ኣሎ። ገለ ኻብቲ ተፋሒሩ ዚርከብ ዝነበረ ኽቡር ኣእማን፡ ሰፊሮስን ቶጳዝዮንን ምዃኑ፡ እዮብ ፈልዩ ጠቒስዎ ኣሎ።—እዮብ 28:1-11, 19።
እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ፡ ክቡር ነገራት ሒዞም ስለ ዝወጹ፡ እቲ ኣብ ዘጸኣት ዚርከብ ጸብጻብ፡ “ንሰብ ግብጺ ኸኣ ገፈፍዎም” ይብለና። (ዘጸኣት 12:35, 36) ስለዚ እምበኣር፡ እስራኤላውያን ነቲ ኻብ ግብጺ ዝረኸብዎ ኣእማን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ሊቀ ኻህናት ተጠቒሞምሉ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት፡ ንወይኒ ኸም መድሃኒት ዚጥቀምሉ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧
▪ የሱስ ኣብ ሓደ ኻብቲ ዝሃቦ ምሳሌታት፡ ብዛዕባ ሓደ ብኸተርቲ እተኸትከተ ሰብኣይ ተዛሪቡ ኣሎ። ኣብቲ ዛንታ እቲ፡ ሓደ ሳምራዊ ነቲ ሰብኣይ ከም ዝሓገዞ፡ ኣቝሳሉ ኸም ዝሰፈፈሉ፡ “ዘይትን ወይንን” ከኣ ከም ዘፍሰሰሉ ገሊጹ ኣሎ። (ሉቃስ 10:30-34) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ነቲ ፈታዊኡ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ኪጽሕፈሉ ኸሎ፡ “ደጊም ስለ ኸብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲ፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይትስተ” ኢሉ መኸሮ። (1 ጢሞቴዎስ 5:23) እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ተግባርን እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽርን ብሕክምና እተደገፈ ድዩ፧
ኣንሸንት ዋይን (ጥንታዊ ወይኒ) ዘርእስቱ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ወይኒ፡ “ፈውሲ ቓንዛ፡ ጸረ ተህዋስ፡ ብሓፈሻ ንብዙሕ ነገራት ፈውሲ” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ጥንቲ፡ ኣብ ግብጽን መሰጶታምያን ሶርያን ወይኒ ኸም መድሃኒት የገልግል ነይሩ እዩ። ዘ ኦክስፎርድ ኮምፓንየን ቱ ዋይን እተባህለ መወከሲ፡ “ወይኒ ኻብ ጥንቲ እተመዝገበ መድሃኒት ሰብ” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ዘ ኦሪጂን አንድ ኣንሸንት ሂስትሪ ኦቭ ዋይን (መበቈልን ጥንታዊ ታሪኽን ወይኒ) ዘርእስቱ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝሃቦ ምኽሪ፡ ‘ታይፎይድ ዜምጽእ ተህዋስን ካልኦት ጐዳእቲ ተህዋስያንን ምስ ወይኒ ኺሕወሱ ኸለዉ ብቕልጡፍ ከም ዝሞቱ ብፈተነ ተራእዩ እዩ’ በለ። ብዘመናዊ ምርምር ከም እተረጋገጸ፡ ገለ ኻብቲ ልዕሊ 500 ዚኸውን ኣብ ወይኒ ዚርከብ ቀመማት፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዀነ ንኻልእ ሕማማት መድሃኒት ኪኸውን ይኽእል እዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ንዅሉ እዚ ኣእማን እዚ ብዘመናዊ ቓላት ክትሰምዮ ኣጸጋሚ እዩ።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ሓረስቶት ፍረ ወይኒ ኺረግጹ ኸለዉ ዜርኢ፡ ኣብ መቓብር ናክት፡ ተበስ፡ ግብጺ ዚርከብ ቅርጺ
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Gianni Dagli Orti/The Art Archive at Art Resource, NY