ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 32 ዮናስ
ጸሓፊ:- ዮናስ
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ከባቢ 844 ቅ.ክ.
ዮናስ ኣብ መበል ታሽዓይ ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ናብ ወጻኢ እተላእከ ሚስዮናዊ እዩ ነይሩ! ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕዮ ብኸመይ ረኣዮ፧ እዚ ንዕኡ እንታይ ሓድሽ ተመክሮ ኸም ዚረክብ ገበሮ፧ እቶም ኣብቲ እተመደበሉ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ተቐቢሎምዎዶ፧ ስብከቱ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዕዉት ነይሩ፧ እቲ ኣብ መጽሓፍ ዮናስ ዚርከብ መሳጢ ዛንታ: ነዚ ሕቶታት እዚ ይምልሰልና እዩ። እዛ ትንቢታዊት መዝገብ እዚኣ እቲ ሕሩይ ህዝቢ የሆዋ ምስኡ ዝነበሮ ኺዳን ኣብ ዘፍረሰሉን ናብ ኣምልኾ ጣኦት ኣብ ዝወደቐሉን እዋን እተጻሕፈት ኰይና: ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ሓደ ህዝቢ ጥራይ: ማለት ኣብ እስራኤል ጥራይ ከም ዘይሕጸር ትገልጽ። ብዘይካዚ: ምስቲ ኣብ ዘይፍጹማት ሰባት ብብዝሒ ዚርአ ጕድለት ምሕረትን ትዕግስትን እምነትን ብምንጽጻር: ነቲ ዓብዪ ምሕረትን ሳህልን የሆዋ ተጕልሕ።
2 እቲ ዮናስ (ብእብራይስጢ: ዮህናህ) ዚብል ስም “ርግቢት” ማለት እዩ። ዮናስ ወዲ ነብዪ ኣሚታይ (ኣማቲ) ብዓል ጋት-ሔፈር እዩ: እዚ ቦታ እዚ ኸኣ ኣብ ክሊ ዛብሎን ኣብ ዝነበረ ገሊላ እዩ ዚርከብ። ኣብ 2 ነገስት 14:23-25 የሮብዓም ንጉስ እስራኤል ብመሰረት እቲ የሆዋ ብዮናስ ኣቢሉ እተዛረቦ ቓል: ዶብ እታ ሃገር ከም ዘስፈሖ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ኸኣ እቲ ዮናስ እተነበየሉ ግዜ ኸባቢ እቲ የሮብዓም ዳግማይ ንጉስ እስራኤል ዝነገሰሉ 844 ቅ.ክ. ምዃኑ ይሕብር፣ እዚ እውን ኣሶርን ርእሲ ኸተማኣ ነነዌን ንእስራኤል ክትዕብልል ካብ ዝጀመረትሉ ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ እዩ።
3 ብምሉኡ ጸብጻብ ዮናስ ሓቅነት ዘለዎ ምዃኑ ዜተሓታትት ኣይኰነን። እቲ ‘ደምዳሚ እምነትና ዝዀነ የሱስ’ ንዮናስ ብሓቂ ኸም ዝነበረ ሰብ ገይሩ እዩ ጠቒስዎ: ነቲ ንዮናስ ዘጋጠሞ ኽልተ ትንቢታዊ ኣጋጣሚታት ከኣ ትርጕሙ ገሊጹ ኣሎ፣ በዚ ኸምዚ እታ መጽሓፍ ናይ ሓቂ ትንቢት ከም ዝሓዘት ኣርኣየ። (እብ. 12:2፣ ማቴ. 12:39-41፣ 16:4፣ ሉቃ. 11:29-32) ኣይሁድ ንትንቢት ዮናስ ወትሩ ኣብቲ ቐኖናዊ መጻሕፍቶም የጠቓልልዋ ነበሩ: ታሪኻዊት ከም ዝዀነት ገይሮም እውን ይርእይዋ ነበሩ። ዮናስ ንጌጋኡን ድኽመቱን ኪዓባብጥ ከይፈተነ ብንጹር ምግላጹ: እቲ መዝገብ ሓቂ ምዃኑ የርኢ።
4 እቲ ንዮናስ ዝወሓጦ “ዓብዪ ዓሳ” እንታይ እዩ፧ እንታይ ዓይነት ዓሳ ኪኸውን ከም ዚኽእል ብዙሕ ግምታዊ ሓሳባት ይወሃብ እዩ። ስፐርም ዌል ዚበሃል ዓይነት ዓሳ ኣንበሪ ምሉእ ሰብ ናይ ምውሓጥ ክእለት ኣለዎ። ዓብዪ ጻዕዳ ኸልብ ዓሳ ወይ ሻርክ እውን ሰብ ኪውሕጥ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን “እግዚኣብሄር ንዮናስ ዚውሕጥ ዓብዪ ዓሳ አዳለወ” ጥራይ እዩ ዚብል። (ዮናስ 2:1adj.) ዓይነት እቲ ዓሳ ኣይተገልጸን። ዓሳ ኣንበሪ ይኹን: ዓብዪ ጻዕዳ ኸልብ ዓሳ ይኹን: ወይ ካልእ ፍጥረት ባሕሪ ብርግጽ ኪፍለጥ ኣይከኣልን እዩ።a መጽሓፍ ቅዱስ “ዓብዪ ዓሳ” ኸም ዝነበረ ምግላጹ እኹል እዩ።
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
9 ዮናስ ዝወሰዶ ስጕምትን ዘስዓበሉ ሳዕቤንን መጠንቀቕታ ኪዀነና ኣለዎ። ካብቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዕዮ ሃደመ: ነቲ ዕዮ ኺጅምሮን ኣምላኽ ከም ዚድግፎ ኺተኣማመንን ነበሮ። (ዮና. 1:3፣ ሉቃ. 9:62፣ ምሳ. 14:26፣ ኢሳ. 6:8) ናብ ግጉይ ኣንፈት ኪኸይድ ምስ ጀመረ: ነቶም ባሕረኛታት: ነቲ “ኣምላኽ ሰማይ” ዝዀነ የሆዋ ኸም ዜምልኽ ብዘይምግላጹ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣርእዩ እዩ። ትብዓት ኣይነበሮን። (ዮና. 1:7-9፣ ኤፌ. 6:19, 20) ዮናስ ፈታው ርእሱ ብምንባሩ: ነቲ የሆዋ ንነነዌ ዝገበሮ ምሕረት ንዕኡ ውርደት ከም ዝዀነ ገይሩ ርኣዮ፣ ነዚ ኣቐዲሙ ፈሊጥዎ ኸም ዝነበረ ንየሆዋ ብምንጋርን ከምዚ ኻብ ኰነ ስለምንታይ ነብዪ ምስዳድ ከም ዘድለየ ድማ ሕቶ ብምቕራብን ጕድለቱ ኺሓብእ ፈተነ። በዚ ኣኽብሮት ዝጐደሎ ምዕዝምዛሙ መግናሕቲ ተዋሂብዎ እዩ፣ ስለዚ: ካብ ተመክሮኡ ኽንጥቀም ከምኡውን ኣብቲ የሆዋ ምሕረት ዜርእየሉ መዳይ ወይ ስጕምቲ ዚወስደሉ ኣገባብ ጕድለት ካብ ምእራይ ክንቍጠብ ኣሎና።—ዮና. 4:1-4, 7-9፣ ፊል. 2:13, 14፣ 1 ቈረ. 10:10
10 ኣብ መጽሓፍ ዮናስ እቲ ዜደንቕ ባህርያት ዝዀነ ሳህልን ምሕረትን እተገልጸሉ ኣገባብ ንዅሉ ዓብሊልዎ ኣሎ። የሆዋ ንነብዩ ብዛዕባ እቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት ንኼጠንቅቖም ኢሉ ናብ ነነዌ ብምልኣኽ ሳህሉ ኣርእዩ እዩ: እታ ኸተማ ምስ ተነስሐት ከኣ ምሕረት ንኼርኢ ድሉው ነበረ። እዚ ምሕረት እዚ ንነነዌ ኽሳዕ እቲ ብ632 ቅ.ክ. ብሜዶናውያንን ብባቢሎናውያንን ዝዓነወትሉ ግዜ ንልዕሊ 200 ዓመት ንኽትቅጽል ኣኽኣላ። የሆዋ ንዮናስ ካብቲ ብማዕበል እተናወጸ ባሕሪ ብምድሓንን “ካብ ሕሰሙ ንኸተናግፎ ኢሉ” ጕልዒ ብምድላውን ምሕረቱ ኣርኣዮ። ነታ ንዮናስ ጽላል ዝዀነቶ ጕልዒ ብምብቋልን ጸኒሑ ኸም እትሓርር ብምግባርን: ከም ባህ ዝበሎ ገይሩ ምሕረትን ሳህልን ከም ዜርኢ ኣፍለጦ።—ዮና. 1:2፣ 3:2-4, 10፣ 2:11፣ 4:6, 10, 11
11 ኣብ ማቴዎስ 12:38-41: የሱስ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት “ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ” ጥራይ ከም ዚወሃቦም ገለጸ። ዮናስ ኣብ “ከብዲ ሲኦል” ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ምስ ገበረ: ናብ ነነዌ ኸይዱ ሰበኸ: በዚ ኸምዚ ድማ ንሰብ ነነዌ “ትእምርቲ” ዀኖም። (ዮናስ 2:1፣ 2:3፣ 3:1-4) ብተመሳሳሊ: የሱስ ክፋል ሰለስተ መዓልቲ ኣብ መቓብር ኣሕለፈ: ድሕሪኡ ኸኣ ተንስአ። ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ እቲ መርትዖ ኺእውጁ ኸለዉ: የሱስ ነቲ ወለዶ እቲ ትእምርቲ ዀነ። እዚ “ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን” ዚንውሓቱ ግዜ ብመሰረት እቲ ኣይሁድ ንግዜ ዚዕቅኑሉ መገድን ብመሰረት እቲ ኣብ የሱስ ፍጻሜኡ ዝረኸበሉ ሓቅታትን: ካብ ሰለስተ ምሉእ መዓልቲ ንታሕቲ ኼመልክት ይኽእል እዩ።b
12 የሱስ ምስዚ ኣተሓሒዙ ነቲ ሰብ ነነዌ ዘርኣይዎ ንስሓ: ካብቲ ኣብ ግዜ ኣገልግሎቱ እቶም ኣይሁድ ዘርኣይዎ ቐጥታዊ ንጽገት እተፈልየ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ: “ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ: ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኺትንስኡን ኪዅንንዎን እዮም። እንሆ: ካብ ዮናስ ዚዐቢ ኣብዚ አሎ” በለ። (ማቴዎስ 16:4 ኸምኡውን ሉቃስ 11:30, 32 እውን ርአ።) የሱስ “ካብ ዮናስ ዚዐቢ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ንሱ ንባዕሉ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ነብዪ ምዃኑን “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ: ተነስሑ” እናበለ ኺሰብኽ የሆዋ ዝለኣኾ ኸም ዝዀነን እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (ማቴ. 4:17) ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ኣብቲ ወለዶ ዝነበሩ ኣይሁድ ነቲ “ትእምርቲ ዮናስ” ነጸግዎ። ሎሚኸ፧ መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ የሆዋ ንመጠንቀቕታ ዝሃቦ መልእኽቲ ዘየቕልቡሉ እኳ እንተ ዀኑ: ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ብዙሓት ኣሽሓት ሰባት ነቲ መጀመርታ በቲ “ወዲ ሰብ” እተባህለ የሱስ እተሰብከ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስማዕ ክቡር ኣጋጣሚ ኣለዎም። ከምቲ እቶም እተነስሑ ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ እተባረኹ: እዚኣቶም እውን ካብቲ የሆዋ ብህይወት ንኪቕጽሉ ዝገበሮ ኣኺሉ ዚተርፍን ምሕረት ዝመልኦን መሰናድዎ ኺካፈሉ ይኽእሉ እዮም፣ ከመይሲ ብሓቂ “ምድሓን ካብ እግዚኣብሄር እዩ።”—ዮናስ 2:10
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 99-100
b ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 1ይ ጥራዝ: ገጽ 593