-
“ምዉት ክነሱ . . . ብእምነቱ ይዛረብ ኣሎ”ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
-
-
5. የሱስ ንኣቤል ምስ “ምስራት ዓለም” ኣተሓሒዙ ዝገለጾ ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)
5 ኣቤል ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ እዩ ዚነብር ነይሩ። የሱስ ንኣቤል ምስ “ምስራት ዓለም” ኣተሓሒዙ ገሊጽዎ ኣሎ። (ሉቃስ 11:50, 51 ኣንብብ።) ኣብዚ ዓለም ኪብል ከሎ፡ ነቶም ካብ ሓጢኣት ኪብጀዉ ዚኽእሉ ደቂ ሰብ የመልክት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣቤል ካብ ደቂ ሰብ እቲ ራብዓይ እኳ እንተ ነበረ፡ ብኣረኣእያ ኣምላኽ፡ ካብ በጃ ኺጥቀም ዚኽእል ናይ መጀመርታ ሰብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።a ኣቤል ጽቡቕ ጽልዋ ኺገብሩሉ ምስ ዘይክእሉ ሰባት ይነብር ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ።
-
-
“ምዉት ክነሱ . . . ብእምነቱ ይዛረብ ኣሎ”ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
-
-
a እታ “ምስራት ዓለም” እትብል መግለጺት፡ ዘርኢ ምዝራእ፡ ማለት ምውላድ ዚብል ሓሳብ ስለ እትሓቍፍ ነቶም ቀዳሞት ዘርኢ ደቂ ሰብ እተመልክት እያ። የሱስ ነቲ ናይ መጀመርታ ዘርኢ ዝዀነ ቃየል ዘይኰነስ፡ ንኣቤል ምስ “ምስራት ዓለም” ኣተሓሒዙ ዝገለጾ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ውሳነታቱን ተግባራቱን ከም ዚሕብሮ፡ ቃየል ደይመደይ ኢሉ እዩ ኻብ የሆዋ ኣምላኽ ዓልዩ። ስለዚ፡ ንሱ እውን ከም ወለዱ ትንሳኤ ኺረክብን ካብ በጃ ኺጥቀምን ዚኽእል ኣይመስልን እዩ።
-