ውልደት የሱስ ሰላም ዜምጽእ ብኸመይ እዩ፧
ብዛዕባ ውልደት የሱስ ካብ እተነግረ ትንቢት እታ “ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” እትብል ኣዋጅ ጥራይ ኣይኰነትን። እቶም መላእኽቲ ነቶም ተደኒቖም ዝነበሩ ጓሶት ካብ ዝነገርዎም ነገራት ብተወሳኺ: ካብ ሰማይ እተላእኩ መልእኽተኛታት ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተወልደ የሱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መልእኽቲ ንማርያምን ንዮሴፍ ሰብኣያን ነገርዎም። ነዚ መልእኽቲ እዚ ምምርማርና ብዛዕባ እቲ ምስ ውልደት የሱስ ዚተሓሓዝ ታሪኽ ስፍሕ ዝበለ ኣረኣእያ ንኺህልወና ዚሕግዝ እዩ፣ ናይ ሓቂ ኣገዳስነት እቲ በቶም መላእኽቲ እተነግረ ኣብ መንጎ ሰባት ሰላም ኪህሉ ምዃኑ ዚገልጽ መብጽዓ ንኽንርዳእ ድማ ይሕግዘና።
ማርያም ንየሱስ ቅድሚ ምውላዳ: ቅድሚ ነፍሰ-ጾር እውን ምዃና: መጽሓፍ ቅዱስ ገብርኤል ብምባል ዚጽውዖ መልኣኽ በጺሕዋ ነበረ። “ኣቲ ምልእቲ ጸጋ: እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ” ብምባል ድማ ሰላምታ ኣቕረበላ። መቸም ማርያም ከም ዝሰንበደትን ቍሩብ ከም ዝፈርሀትን ፍሉጥ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰላምታስ እንታይ ማለት ኰን ይኸውን፧
ገብርኤል ከምዚ በላ:- “እንሆ: ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ: ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን: ወዲ ልዑልውን ኪብሀል እዩ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ: መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።” እታ ድንግል ዝነበረት ማርያም ግን ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ከይፈጸመት: እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ከም ዚኽእል ሓተተት። ገብርኤል ድማ ነቲ ዚውለድ ሕጻን ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣቢላ ኸም እትጠንሶ ነገራ። እዚ ተራ ሕጻን ኣይነበረን።—ሉቃስ 1:28-35
ኣቐዲሙ እተነግረሉ ንጉስ
ገብርኤል እተዛረቦ ቓላት ንማርያም እቲ እትወልዶ ሕጻን ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ትንቢት እተነግረሉ ምዃኑ ንኽትርዳእ ሓጊዝዋ ኪኸውን ኣለዎ። የሆዋ ነቲ ማርያም እትወልዶ ወዲ: “ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ” ኸም ዝዀነ ምግላጹ: ማርያም ጥራይ ዘይኰነትስ ዝዀነ ይኹን ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ሌላ ዘለዎ ኣይሁዳዊ: ነቲ ኣምላኽ ንዳዊት ንጉስ እስራኤል ዝኣተዎ መብጽዓ ኸም ዚሓስብ እዩ ዚገብሮ።
የሆዋ ንዳዊት ብነብዪ ናታን ኣቢሉ “ቤትካን መንግስትኻን ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ንዘለኣለም ኪጸንዓ እየን: ዝፋንካውን ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ” በሎ። (2 ሳሙኤል 7:4, 16) ብዛዕባ ዳዊት ከኣ “ዘርኡ ድማ ንዘለኣለም: ዝፋኑውን ከም መዓልትታት ሰማይ ከንብር እየ። ዘርኡ ንዘለኣለም: ዝፋኑውን ከም ጸሓይ ኣብ ቅድመይ ኪነብር እዩ” በለ። (መዝሙር 89:20, 29, 35, 36) እምበኣር: ማርያምን ዮሴፍን ካብ ቤት ዳዊት እተወልዱ ምዃኖም ናይ ኣጋጣሚ ጕዳይ ኣይነበረን።
ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኻብ ዚርከብ ብዛዕባ እቲ ንጉሳዊ ወዲ ዳዊት ዚገልጽ ትንቢት እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ማርያም ነቲ ኢሳይያስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል እተነበዮ ትንቢት እውን ትፈልጦ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ:- “ሕጻን ተወሊዱልና: ወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ: እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኵቡ እዩ: ስሙውን ግሩም: መካር: ብርቱዕ ኣምላኽ: ኣቦ ዘለኣለም: መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ። ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ኼጽንዓን ኬቝማንሲ: ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ።”—ኢሳይያስ 9:6, 7
ስለዚ: እቲ ገብርኤል ንማርያም ዝነገራ መልእኽቲ ኻብ ተኣምራዊ ውልደት ሓደ ሕጻን ንላዕሊ እዩ ነይሩ። እቲ ማርያም እትወልዶ ሕጻን ነባርን ዘለኣለማውን ወራሲ እታ ኣምላኽ ዘቘማ መንግስቲ ብምዃን ወራሲ ንጉስ ዳዊት ወራሲ ኪኸውን ነበሮ። እቲ ገብርኤል: የሱስ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዘለዎ ግደ እተነበዮ ትንቢት ንዅላትና ኣገዳሲ እዩ።
ዮሴፍ እታ ኣብ መጻኢ ዚምርዓዋ ሰበይቱ ነፍሰ-ጾር ምዃና ምስ ፈለጠ: ነቲ ሕጸኦም ኬቋርጾ ወሰነ። ንሱን ሕጽይቱን ፈጺሞም ጾታዊ ርክብ ስለ ዘይፈጸሙ: እቲ ዚውለድ ሕጻን ናቱ ኸም ዘይኰነ ፈለጠ። ማርያም ብኸመይ ከም ዝጠነሰት ንዮሴፍ ክትገልጸሉ ኸላ ኽሳዕ ክንደይ ንምርዳእ ከም ዘጸገሞ ኽትሓስቦ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣብ ወንጌል ዚርከብ ጸብጻብ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮ: ከምዚ ኢሉ፤ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት: እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ: ንምውሳዳ ኣይትፍራህ። ወዲ ኽትወልድ እያ: ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ: ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ።”—ማቴዎስ 1:20, 21
ዮሴፍ: እቲ ዚውለድ ሕጻን ‘ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ከም ዜድሕኖም’ ዘለዎ ፍልጠት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ነገር የለን። ይኹን እምበር: እታ ነፍሰ-ጾር ዝነበረት ማርያም ዝዀነ ይኹን ሓጢኣት ከም ዘይፈጸመት ንምርግጋጽ እዚ መልእኽቲ እዚ እኹል እዩ ነይሩ። ከምቲ መልኣኽ ዝበሎ ድማ ናብ ቤቱ ብምውሳድ ተመርዓዋ።
ሳላ እቲ ኣብ ካልእ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ሓበሬታ: እቲ መልኣኽ እንታይ ማለቱ ኸም ዝነበረ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወድሰብ: ሓደ ዓለወኛ መልኣኽ ንልዑላውነት የሆዋ ብድሆ ኣቕረበሉ። ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚገልጾ: እዚ ዓለወኛ እዚ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ኸምኡውን ሓደ ሰብ ኣብ ፈተና እንተ ኣትዩ ንየሆዋ ዘለዎ ንጽህና ኸም ዘይሕሉ ገለጸ። (ዘፍጥረት 3:2-5፣ እዮብ 1:6-12) ኣዳም ንጽህናኡ ኣይሓለወን። ብሰሪ እዚ ሓጢኣት እዚ ድማ ኵሎም ሰባት ሓጢኣት ወረሱ: ሳዕቤን እዚ ኸኣ ሞት እዩ። (ሮሜ 5:12፣ 6:23) የሱስ ግን ካብ ሰብኣዊ ኣቦ ስለ ዘይተጠንሰ: ብዘይ ሓጢኣት ኰይኑ እዩ ተወሊዱ። ነታ ፍጽምቲ ሰብኣዊት ህይወቱ ብፍታዉ ነታ ኣዳም ዘጥፍኣ ህይወት እትመዓራረ በጃ ገይሩ ብምሃብ: ንሰባት ካብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም ከምኡውን ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም ከኣለ።—1 ጢሞቴዎስ 2:3-6፣ ቲቶስ 3:6, 7፣ 1 ዮሃንስ 2:25
የሱስ ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ: ምልጋስ ሳዕቤን ሓጢኣት እንታይ ማለት ምዃኑ ንምርኣይ ሒደት መርኣያ ሂቡ ነበረ። ንሰባት ካብ ኵሉ ዓይነት ኣካላዊ ሕማም ናጻ ገበሮም: ንምዉታት እውን ኣተንስአ። (ማቴዎስ 4:23፣ ዮሃንስ 11:1-44) እዚ ተኣምራት እዚ ጽላሎት እቲ ኣብ መጻኢ ዚገብሮ ነገራት እዩ ነይሩ። የሱስ ባዕሉ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድም[ጸይ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ . . . ኺወጹ እዮም” በለ።—ዮሃንስ 5:28, 29
እዚ ኣብ መጻኢ ትንሳኤ ኸም ዚህሉ ዚገልጽ መብጽዓ እዚ: ውልደት የሱስ: ብዝያዳ ኸኣ ሞቱ ንዓና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዚገልጽ እዩ። ዮሃንስ 3:17 ኣምላኽ ንወዱ “ዓለም ብእኡ ኽትድሕን” ኢሉ ናብ ምድሪ ኸም ዝለኣኾ ትገልጽ። እዚ ብስራት እዚ: ነቲ የሱስ ኪውለድ ከሎ ብለይቲ ንመጓሰኦም ዚሕልዉ ዝነበሩ ጓሶት እተነግሮም መልእኽቲ እዩ ዜዘኻኽረና።
‘ዓብዪ ሓጐስ ዜምጽእ ብስራት’
እቶም መላእኽቲ ንውልደት እቲ “መድሓኒ . . . ክርስቶስ ጐይታ” ምእዋጆም: ብርግጽ ንደቅሰብ ‘ዓብዪ ሓጐስ ዜምጽእ ብስራት’ እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 2:10, 11) እዚ ሕጻን እዚ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ነዊሕ እዋን ኪጽበይዎ ዝጸንሑ መሲህ: ዓብዪ ነብዪ: ከምኡውን ገዛኢ ዀነ። (ዘዳግም 18:18፣ ሚክያስ 5:2) ኣብ ምድሪ ዝነበሮ ህይወት ከምኡውን ሞቱ ንልዑላውነት የሆዋ ኣብ ምርግጋጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ: ስለዚ ኸኣ እዮም እቶም መላእኽቲ “ኽብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ” ዝበሉ።—ሉቃስ 2:14
እቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕራይ ኣዳም” ኢሉ ዚጽውዖ የሱስ: ሰባት ኣብ ትሕቲ እቲ ጽንኩር ዚበሃል ፈተና እውን እንተ ዀነ: ንየሆዋ እሙናት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ኣርኣየ። (1 ቈረንቶስ 15:45) በዚ ኸምዚ ድማ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ መርትዖ ኣቕረበ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ እሙናት መላእኽቲ: ሓጐስ ከም ዚህሉ ዚገብር እዩ።
“እቶም መላእኽቲ ኣብታ የሱስ እተወልደላ ምሸት እተዛረብዎ ነገራት ከም ዚፍጸም ዚሕብር ጭቡጥ ተስፋ ኣሎዶ፧” ናብ እትብል ሕቶ እስከ ንመለስ። እቲ መልሲ “እወ” ዚብል እዩ! ከመይሲ: እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ንምፍጻምን ምድሪ እንደገና ገነት ንምግባርን: ሰላም ኣዝያ ኣገዳሲት ነገር እያ። እዚ ኣብ መላእ ምድሪ ኺፍጸም ከሎ: ኵሎም ሰባት ብፍቕርን ተኣማንነትን ኪድረኹ እዮም። ስለዚ: ዕላማ የሆዋ ምፍጻም: ነቶም ንልዑላውነቱ ዚቃወሙ ሰባት ምጥፋእ እውን ዜጠቓልል እዩ። እዚ ነቶም ምስ ሰይጣን ብምሕባር መለክዒታት የሆዋ ጐዳኢ እዩ ኢሎም ዚሓስቡ ሰባት ሕማቕ ዜና እዩ። ከመይሲ: ንዕኦም ጥፍኣት ማለት እዩ።—መዝሙር 37:11፣ ምሳሌ 2:21, 22
እቶም መላእኽቲ ነቶም ጓሶት: ሰላምን ስምረትን ንዅሎም ሰባት ይኹን ኢሎም ከም ዘይነገርዎም ኣስተብህል። ኣብ ክንዳኡስ: “ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” እዮም ኢሎምዎም። እዚ ድማ ሰላም ኣብ መንጎ እቶም ሞገስ ኣምላኽ ዝረኸቡን ስምረቱ ዘለዎምን ሰባት ኪኸውን እዩ ማለት እዩ። እቶም ኣብ የሆዋ ናይ ሓቂ እምነት ዘለዎም ሰባት ንየሱስ ዚስዕቡን ንዕኡ ዚመስሉን እዮም ዚዀኑ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰብኡትን ኣንስትን ንኻልኦት ሰባት ልግስን ሕያውነትን ኬርእዩ ፍቓደኛታት እዮም፣ ነዚ ድማ ኣብ ዓመት ንሒደት መዓልትታት ዘይኰነስ: መዓልታዊ እዮም ዚገብርዎ።
ክርስትያናዊ መንፈስ ምሉእ ዓመት ዚቕጽል ድዩ፧
እቲ የሱስ ዚሰብኮ ዝነበረ ብስራት ዘለዎ ሓይሊ: ንህይወት ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ተንኪፉ እዩ። ብዙሓት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዳይ ህይወቶም ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተቐቢሎም እዮም። ሓደ እዋን ኣብ ርእሶም ጥራይ ዜተኵሩ ዝነበሩ ሰባት: የሱስ ምስ ናታቶም ዚመሳሰል ኵነታት እንተ ዚህልዎ: እንታይ ከም ዚገብር ኪሓስቡ ጀመሩ። ገሊኦም ሰባት ህይወቶም ኣብ ሃብትን ተድላን ዘተኰረት ነበረት፣ ደሓር ግን ኣድላይነት መንፈሳዊ ስነ-ምግባር ተረድኡ: ነዚ ንብጾቶም ምክፋል ዘለዎ ኣገዳስነት ድማ ፈለጡ። ነዚ ነገራት እዚ ዚገብሩ ሰባት ኣብ ምሉእ ዓመት ልግስን ሕያውነትን ኬርእዩ እዮም ዚጽዕሩ። ካብ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እትጽበዮ ነገር ከምዚ ደይኰነን፧
ኵሎም ቅኑዓት ሰባት ብድሕሪ እቲ መላእኽቲ ዝሃብዎ መልእኽቲ ዘሎ ቝም ነገር እንተ ዚሓስቡሉ ኸምኡውን ምስዚ ተሰማሚዖም እንተ ዚነብሩ: እዛ ዓለም ብርግጽ ካብዚ ሕጂ ዘላቶ ፍልይ ዝበለት ምዀነት ነይራ!
ምስ ውልደት የሱስ ተተሓሒዙ እተነግረ ትንቢታት: ነቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ንዘለኣለም በቲ ናይ ሓቂ ሰላም እናተሓጐሱ ኺነብሩ ኸም ዚኽእሉ መረጋገጺ ይህቦም እዩ። ከምዚ ኽትረክብ ደይኰንካን እትደሊ፧ እቲ የሱስ ኪውለድ ከሎ መላእኽቲ ዝሃብዎ ኽብሪ ዝዓሰሎ ትንቢታዊ መልእኽቲ ሰላም: ብዘይ ጥርጥር ከም ዚፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ከምቲ ኣብ በዓል ልደት ዚንገር ትርጕም ዘይብሉ ቓላት ዘይኰነስ: ሰላም ንዘለኣለም ኪሰፍን እዩ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናዊ መንፈስ: ምሉእ ዓመት ኪርአ ይከኣል እዩ: ኪርአ ድማ ኣለዎ